ኣብ ልዕሊ ገበነኛታት ነጋዶ ደቂ ሰባት፡ ብመንግስቲ ጣልያን ንመጀመርያ ግዜ ዝተዋህበ ፍርዲ

2016-02-10 13:28:02 Written by  ኣልወሰጥ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2046 times

Refugee Boat

ቤት ፍርዲ ጣልያን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ 8 ለካቲት 2016፡ ኣብ ላምፓዱዛ ዘጋጠመ ህይወት 366 ኤርትራውያን ስደተኛታት ዘህለቐ ተረኽቦ ኢድ ኣለዎም ተባሂሎም ዝተኣመነሎም 6 ገበነኛታት ነጋዶ ደቂ ሰብ ንመጀመርያ ግዜ ፍርዲ ሂቡ ኣሎ።

 

እዚ ኣብ ላምፓዱዛ ብ3 ጥቅምቲ 2013 ዘጋጠመ ህልቂት ኣብ ታሪኽ ማእከላይ ባሕሪ ካብ ዘጋጠሙ ሓደጋታት ዝዓበየ ምዃኑ ኢዩ ዝፍለጥ። እዚ፥ ንኣውሮጳዊ ማሕበረሰብ ኣዝዩ ኣሰንባዲ ተረኽቦ ስለዝነበረ ኢዩ መንግስቲ ጣልያን ህይወት ዘድሕኑ ናይ ባሕሪ ሓይልታትን መራኽብን ከተዋፍር ዝጀመረት።

 

ብመሰረት ኣንሳ (ANSA) እተባህለ ማዕከን ዜና ኢጣልያ፡ ማእከላይ ዳኛ ወይ ኣንጀላ ጂራራዲ፡ ንዅሎም እቶም ናይ ኤርትራ ዜግነት ዘለዎም 6 ገበነኛታት ነጋዶ ደቂ ሰብ ካብ 2 ክሳብ 6 ዓመትን 4 ኣዋርሕን ዝንውሓቱ ፍርዲ፡ ኣብ’ት ኣብ ከተማ ፓለርሞ እተኻየደ መጋባእያ ከምዘሕለፈት ተፈሊጡ ኣሎ።

 

ሓደ ካብ’ቶም ክሱሳት ምስ ሰበስልጣን ጣልያን ብዘርኣዮ ምትሕብባር ኣብ ምጽራይ ናይ’ቲ ገበን፡ ፍኹስ ዝበለ ናይ 5 ዓመታት ማእሰርቲ ከምዝተፈርደ ኣልወስጥ እተባህለ ማዕከን ዜና ጠቒሱ።

Last modified on Wednesday, 10 February 2016 15:40