World Report 2016: ኤርትራ

2016-02-09 22:34:57 Written by  ህዩማን ራይትስ ዎች Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1966 times

ኣብ ዓመተ 2015 ከም ሳዕቤን ምልካዊ ምሕደራ ፕረሲደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ክልተ ቀንዲ ነገራት ማዕቢሉ:- ኤርትራውያን ሃገር ጠንጢኖም ምውሓዝ ቀጺሎም፤ ከምኡ ውን እቲ 453 ገጻት ዘለዎ ጸብጻብ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት መርማሪ ኮምሽን ዝኾነ ኣሽሓት ኤርትራትራውያን ሃገሮም ገዲፎም ኣብ ወጻኢ ዑቕባ ንክሓቱ ዘገደደ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዘካተተ መግለጺ ናብ ሕትመት በቒዑ።

 ብመሰረት ኣብ መወዳትእታ 2014 ብናይ ውድን ሕቡራት ሃገራት ላዕለዋይ ኮምሽን ዝቐረበ ጸብጻብ፡ 416 857 ኤርትራውያን  ብወግዒ ዑቕባ ሓቲቶም ወይ'ውን ከም ሰደተኛታት ተመዝጊቦም። እዚ ማለት ድማ ልዕሊ 9 ሚእታዊት ናይ ምሉእ ህዝቢ እታ ሃገር ማለት እዩ። ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ላዕላዋይ ኮምሽን ስደተኛታት ንናይ 2015 ኵነታት ኣመልኪቱ ዝርዝራዊ መግለጺ ኣየውጽአን ኣሎ። እንተኾነ፡ 39 000 ኤርትራውያን ክሳብ ታሕሳስ ኣብ ብኢንዱስትሪ ዝማዕበላ ሃገራት ዑቕባ ሓቲቶም ከምዘለዉስ ጸብጻብ ሂቡ ኣሎ። ኣብ ጥቅምቲ ‘ውን 10 ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኵዕሶ እግሪ ኤርትራ ኣብ ቦትስዋና ዑቕባ ሓቲቶም እዮም።    

መርማሪ ኮምሽን ኣብ ውሳኔኡ ሓደገኛ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት "ኤርትራውያን ብቐጻሊ፡ ብብዝሒ ሃገሮም ንኽሓድጉ" ዝድርኽ ዘሎ ጠንቂ ምዃኑ ኣስፊሩ ይርከብ። ምስ ልዕሊ 500 አርትራውያን ዝተገብረ ቃለ-መሕትታት መሰረት ብምግባር እቲ ናይ ውድብ ሓቡራት ሃገራት ኮምሽን መንግስቲ ኤርትራ "ስይስተማውን ሰፊሕን ንዀነ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት" ከምዝፍጽምን እቲ ግህሰታት ድማ "ኣብ ትሕቲ ፍጹም ግዝኣተ-ሕጊ ዘይብሉ ኵነታት" ከምዝፍጸምን ውጽኢቱ ድማ "ኤርትራ ሕጊ ዘይኮነ ፍርሒ ከምዝገዝኣ" ይገልጽ።

ነቲ ኮምሽን ንሃገር ከይኣቱ ከልኪሉ ከብቅዕ፡ እቲ መንግስቲ ነቲ ውጽኢት መርመራ ናይቲ ኮምሽን ካብ ሃገር ዝተኣከበ ኣፈናዊ ጸብጻብ ከምዘይኮነ ብምምልካት ተቓውሞኡ ኣስሚዑ። እቲ መንግስቲ ግና ብዝኾነ መንገዲ ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ብፍሉይ መዳያዊ መንገዲ እውን እንተዀነ መርመርቱ ናብ ሃገር ክኣትዉ ብፍጹም ኣየፍቀደን።

ኣብ ሰነ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቆንስል ሰብኣዊ መሰላት እቲ ዕማም ናይቲ ኮምሽን ክሳብ መፋርቕ 2016 ንክቕጽል ኣፍቂዱ። ኣብዚ ድማ እቲ ኮምሽን ገለ ካብቶም ግህሰታት ብደረጃ ሰብኣዊ ገበናት እውን ክረኣዩ ዝኽእሉሉ ደረጃ እንድሕር ኣሎ ንኽምርምር መምርሒታት ተዋሂቡ።

ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ወተሃደራዊ ኣገልግሎትን ስራሕ ብኣስገዳድን

ብሕጊ መሰረት፡ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ካብ 18 ዓመት ዕድመ ኣትሒዙ ን18 ወርሓት ጥራይ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክሳተፍ ይብል። ኣብ ግብሪ ግና እቶም ዝዓስከሩ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ኣገልግሎት ይህቡ፣ ገሊኦም ንልዕሊ 10 ዓመት ኣብ ኣገልግሎት ዘሕለፉ ውን ኣለዉ። ሓደ ዝኾብለለ ሰብ፣ ንብዙሓት ዝውክል ድምጺ ብዘስምዕ፣ "ሃገራዊ ኣገልግሎት ምዃኑ ኣይመሰከፈንን፡ ግና እቲ ኣገልግሎት ኣብ ኤርትራ መወዳእታ ዘለዎ ኣይኰነን፣ ምስኡ ድማ መሰል ዝበሃል የብልካን" ክብል ንተዓዛቢ ሰብኣዊ መሰላት ገሊጹ። መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ወተሃደራዊ ታዕሊም ካብ እታ መወዳእታ ዓመተ-ትምህርቲ ናይ ካልኣይ ደረጃ እዮም ዝጅምርዎ። እንተዀነ ግና ወላ ትሕቲ ዕድመ ዝዀኑ ዕድሚኦም ክሳብ 15 ዓመት ዝግምገሙ ዜጋታት እውን ይዕስከሩ እዮም። እቲ ዕማሞም ድማ ብመንግስቲ ንዝውነና ናይ ህንጻ ትካላትን ሕርሻን ናይ ኣፍረይቲ ትካላትን ብዝወሃብ ስርሓት ብኣስገዳድ ምዕያይ ዘጠቓለለ ግዴታ ይርከቦ።

እቶም ዕስኩራት ድማ ይትረፍዶ ስድራኦም ክሕግዙስ ንነብሶም ዝኣክል እውን ክፍሊት ኣይረኽቡን። ኣብቲ ግዜ ዕስክርናኦም ብወተሃደራዊ ዲሲፕሊን ይምእዘዙ ይቕየዱን፡ ክሳብ ኣገልግሎቶም ዘብቅዕ ድማ ብሕማቕ ይተሓዙ። ብሃዳምነት ዝተጠርጠሩ ድማ ይእሰሩን ክሳብ መግረፍቲ ዝበጽሕ ኣሰቃቒ ኣካላዊ ግፍዒ ድማ ይወርዶም። እቶም ወተሃደራዊ መራሕቶቲ ድማ ንንውሓት ግዜ ማእሰርቲ እሱርን ዓይነት መቕጻዕትን ኣብ ምውሳን ገበርትን ሓደግትን እዮም። መብዛሕትኡ ግዜ ደቀንስትዮ እሱራት በቶም ሓለፍቲ ጾታዊ ዓመጽ የጋጥመን። ንዓመጽ መከላኸሊ ክኸውን ዝኽእል ስርዓት የልቦን። ተቓውሞ ኣንጻር እዚ ዓመጽ ድማ ናብ ዝኸፍአ መቕጻዕቲ ከብጽሕ ይኽእል።

ኣብ 2015 ገለ ላዕላዎት ሓለፍቲ ንወጻእተኛታት በጻሕቲን ዲፕሎማሰኛታትን እቲ መግስቲ ነዞም ልዕሊ 18 ወርሓት ዘገልግሉ ዘለዉ ከፋኑ ምዃኑን ንብድሕሪ ሕጂ ድማ ኣገልግሎት ን18 ወርሓት ጥራሕ ክኸውን ከምኾነ ገሊጹ እኳ እንተዀነ፡ ፕረዚደንት ኢሳያስ ግና ብዛዕባ እዚ ናይ ፖሊሲ ለውጢ'ዚ ንዝምልከት ዝኾነ ይኹን ህዝባዊ መግለጺ ኣይሃበን ወይ'ውን እዚ ኣብ ግብሪ ከምዝወዓለ ዝገልጽ ዝኾነ ነጻ ዝዀነ ትካል የለን። የማነ ገብረኣብ፣ ፖለቲካዊ ኣማኻሪ ናይ'ቲ ፕረዚደንት ንሓደ ናይ ወጻኢ ሪፖርተር ምጥያስ ወተሃደራት እንተተገይሩ እቲ ህሉው ኩነታት ቁጠባ ነቶም ተጣየስቲ ከኣንግድ ይኽእል'ዶ ኣይፋል ኣብ ዝብል ጕዳይ ዝተንጠልጠለ ምዃኑ ተኣሚኑ ነይሩ።

ወላኳ እቶም ካብ ሃገራዊ ኣገልግሎት "ተፋንዮም" ዝበሃሉ እንተኾነ'ውን ወላኳ ካብቶም ኣብ ዕስክርና ዘለዉ ዝሓሸ ክፍሊት ዝወሃቦም ክኸውን ዝኽእል እንተኾነ፡ ብኣስገዳድ እዮም ነቲ መንግስቲ ዝሰርሑሉ እምበር ኣብ ባዕሎም ዝመረጽዎ ስራሕ ክዋፈሩ ኣይክእሉን እዮም። ብዕድመ ዝደፍኡ ናይ ቀደም ዕስኩራት እውን  ኣብ ን"ህዝባዊ ሰራዊት" ዝምልከት በብእዋኑ ዝካየድ ታዕሊምን ሰሙናዊ ዝዀነ ፕሮጀክትታት ናይ ህዝባዊ ስራሓት፣ ዋርድያን ጸጥታዊ ሮንዳታትን ብዘይ ክፍሊት ተሳተፍቲ እዮም።

ሃንደበታዊ ማእሰርቲ፣ ዝተናውሐ ቀይዲን ኢሰብኣዊ ኵነታትን

ሃንደበታዊ ማእሰርቲ ንቡር ኰይኑ እዩ። ሓደ እሱር ንምንታይ ከምዝተኣስረ ምንጋር እውን ንቡር ኣይኰነን ጥራይ ዘይኰነ እቶም ኣመሓደርቲ ቤት ማእሰርቲ እውን እቲ እሱር ንምንታይ ከምዝተኣስረ ኣይሕበሮምን እዩ። እቶም እሱራት ማእሰርቶም ናይ ግዜ ገደብ የብሉን። ካብ ማእሰርቲ ምፍናው እውን ከምቲ ምእሳር ሃንደበራዊ እዩ። ኣዝዮም ውሑዳት እሱራት እዮም ኣብ ቤት ፍርዲ ዝቐርቡ።

እሱራት ኣብ ካብ ዓቐኑ ንላዕሊ ዝመልአ ኣብ ትሕቲ መሬት ዝተሰርሐ ሸላታት ወይ'ውን ኮንተይነራት ክድቅሱሉ ዝኽእሉ ቦታ ይኹን መብራህቲ ዘይብሉን ብሃሩር ወይ ብቑሪ ኣጨናቒ ኣብ ዝኾነ ቦታ እዮም ዝእሰሩ። መግቢ ይኹን ማይ ከምኡ'ውን ኩነታት ጽሬት ዝተማልአ ኣይኰነን።

ኣብ ቤት ማእሰርትታት መግረፍቲን ክሳብ ኣብ ሞት ዘብጽሑ ካልእ ዓይነታት ኣካላዊ ማህሰይትታትን ብቐጻሊ እዮም ዝንገሩ። መርማሪት ኮምሽን ከምዝደምደመቶ፡ ቀጻልነት ስቓይ "ርኡይ ዝኾነ ብፍላጥ ዝግበር ፖሊሲ" ኰይኑ "ኣብ ህዝቢ ፍርሂ ንኽነግስን ንተቓውሞ ከበርዕንን" ተባሂሉ ዝግበር እዩ። ብዙሓት እሱራት ድማ ብፍጹም ሃለዋቶም ብዘይፍለጥ ይጠፍኡ።

ናይ ምዝራብ ናጽነትን ማሕበራትን

ፕረሲደንት ኢሰያስ ብዘይ ትካላዊ ኣገባብ እዩ ዝገዝእ። እቲ ኣብ 1997 ዝጸደቐ ቅዋም ክሳብ ሕጂ ኣይተተግበረን። ካብ ግዜ ናጽነት ኣትሒዙ ክሳብ ሕጂ ሃገራዊ ምርጫ ዝበሃል ኣይተገብረን። ኤርትራ ካብ 2002 ጀሚራ ሃገራዊ ባይቶ የብላን። ፈጻሚ ኣካል ኣብ ልዕሊ ስርዓተ ፍትሒ ምቁጽጻርን ምትእትታውን የካይድ። ዘይመንግስታውያን ውድባት ኣብታ ሃገር ፍቓድ የብለንን።

መርማሪ ኮምሽን ናይቲ መንግስቲ ሕዱር ዝዀነ ስለላን "ዝተመሳቐለን ወተሃደራውን ስርዓተ ስለያን" ኣመልኪቱ እውን መዝጊቡ ኣሎ። ስድራቤታት መብዛሕትኡ ግዜ  ቤተሰበን ብዝወሰድዎ ስጕምትታት ምኽንያት ንመቕጻዕቲ ዝተቓልዓ እየን። እዚ ድማ ካብ መንግስቲ ንዝርከብ ናይ ኩፖንን ካልእን ኣገልግሎት  ምቍራጽን ሓደ ሓደ ግዜ እውን ክሳብ ናይ ገንዘባዊ መቕጻዕትን ማእሰርትን ከም ዘኸትል ምዃኑ ይፍለጥ።

እቲ መንግስቲ ኵለን ናይ ዜና ማዕከናት ይቈጻጸር። ኮሚተ ምክልኻል ጋዜጠኛታት፥ ኤርትራ ኣብ ዓለም እታ ዝለዓለ ሳንሱር ግበረላ ሃገር ምዃና ይምዝግብ። 16 ጋዜጠኛታት፣ ገሊኦም ካብ 2001 ጀሚሮም ብዘይ ፍርዲ ተኣሲሮም ኣለዉ። ንማእሰርቶም ይኹን ንግዝያዊ ምፍታሖም ዝምልከት ወላ ሓንቲ ምኽንያት ኣይወሃቦምን።   

ኣብ መጋቢት ሰበስልጣን ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ካብ ኣስመራ እትርከብ ከተማ ዓዲ ቐይሕ ሓያሎ "ዘይሕጋውያን" ገዛውቲ ኣፍሪሶም። እቶም ነበርቲ እታ ከተማን ተመሃሮ ኮለጅ ማሕበራዊ ስነፍልጠትን ኣእማንን ኣባትርን ሒዞም ምስ ኣደሙ ኣባላት ጸጥታ ተኵሶምሎም። ክልተ ሰባት ተቐቲሎም ካልኦት ድማ ቆሲሎም። ብመሰረት ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፍሉይ ልኡኽ መሰረት፣ ገለ ገዛውቲ ኣብ ጥቓ ዋና ከተማ ዝኾነት ኣስመራ ኣፍሪሶም ከም ሳዕቤኑ ከኣ 3000 ሰባት ቤት ኣልቦ ኮይኖም።

ሃይማኖታዊ ናጽነት

እቲ መንግስቲ ብዘይካ ነተን ንሱ ዝፈልጠን 4 ሃይማኖታት ማለት ሱና እስልምና፣ ኦርቶዶክሳዊት ክርስትያን፣ ካቶሊክን ሉተራዊ ቤተክርስትያንን ንዝኽተል ሰብ እውን ይውንጅል እዩ። ዝዀነ ናይ ጸሎት ምትእኽኻብ ካብዘን እምነታት እዚአን ወጻኢ ዝዀነ እንድሕር ኣሎ ይብተንን ኣባላቱ ድማ ይእሰሩን። ካብ ማእሰርቲ ዝፍትሑ ሰባት ድማ እምነቶም ወረቐት ብምፍራም ክሓድጉ ይግደዱ።

ተኸተልቲ ጅሆቫ መስኻክር ብቐጻሊ እዮም ዝጋፍዑ። ሰለስተ ናይ ጅህቫ መሰኻክር ካብ 1994 ጀሚሮም ን21 ዓመታት  ኣብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ምስታፍ ስለዝኣበዩ ተኣሲሮም። ኣብ 2015 ኣስታት 56 እሱራት ጅሆቫ መሰኻክር ኣለዉ።

ብተዋሳኺ፡ እቲ መንግስቲ ወላ ኣብተን ዝኣምነለን እምነታት ከይተረፈ ምትእትታው ይገብር እዩ። ኣብ 1996 ንሓደ ተኸታሊ ሱኒ እስልምና ዝዀነ ሰብ ከም ኢማም መዚዙ። ኣብ 2005 ንፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ካብ ስልጣኑ ብምውራድ፡ ንዕኡ ዝትክእ ካልእ ጳጳስ መዚዙ። እቲ ስልጣኑ ዝተሓደገ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ድማ ን10 ዓመት ዝኸውን ኣብ ቤቱ ተሓይሩ ይርከብ።

ንስደተኛታት ዝምልከት ፖሊሲ

ኣብ 2014 ኣገልግሎት ኢምግረሽን ደንማርክ ኩነታት ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ዝሓሸ ምዃኑ ጸብጺባን ኤርትራውያን ካብተን ዑቕባ ዝሓተቱለን ሃገራት ናብ ሃገሮም እንተተመሊሶም እውን ጕድኣት ከጋጥሞም ከምዘይክእል ሓቢራን። ኣብ 2015 እዚ ሓበሬታ እዚ ክልተ ካብቶም ጸሓፍቲ ዝኾኑ ሰባት ተቓዊሞሞ እንዳሃለዉ እቲ ብዛዕባ ነዚ መስርሕ መጽናዕቲ ዝምልከት ሕቶታት እንዳበዝሐ ምስ፡ ሓደ ካብቶም ጸሓፍቲ ናይቲ ጸብጻብ እቲ ኣብቲ ጽሑፍ ዝተወስደ ጥቕስታት ካብ መስመሩ ዝወጸን ነቲ ሓቀኛ ኵነታት ዘንጸባርቕ ዘይምዃኑን ተጌሩ ብሓለፍቱ ከምዝቐረበ ይገልጽ። እዚ ድማ ፖለቲካዊ ዕላማኡ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ሓተቲ ዑቕባ ናብታ ሃገር ንኸይመጹ ክድርኽ ተባሂሉ ከምዝተገብረን ይእምት።  

ወላኳ ኣንጻር ናይቲ ጸብጻብ ዴንማርክ ሰፊሕ ተቓውሞ እንተነበረ ሆም ኦፊስ ናይ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ መጀመርታ 2015 መምርሒኡ ቀይሩ፣ ከምውጽኢቱ ድማ "ንኤርትራ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ሓዲጎም ዝወጹ" ሓተትቲ ዑቕባ "ንዓዶም እንተተመልሱ ኣብ ሓደጋ ኣይወድቁን ወይውን ክሳብ ኣብ ሓደጋ ዘብጽሕ ሕማቕ ኣተሓሕዛ ኣየጋጥሞምን እዩ" ክብል ኣስፊሩ።  

ቀንዲ ዓለምለኻውያን ተዋሳእቲ

ርክባት ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያን ጅቡቲን ገና ብሓርፋፉ እዩ ዘሎ። ድሕሪ 15 ዓመታት ናይቲ ደማዊ ዝኾነ ዶባዊ ኵናት፡ ኢትዮጵያ ኮምሽን ዶብ ናይ ኤርትራ ኢሉ ዝፈረዶ ገለ ክፋል መሬት ኤርትራ ሒዛ ትርከብ። እዚ ድማ ነታ ኵናት ዝጀመረላ ከተማ ባድመ ሓዊስካ እዩ። ፕረሲደንት ኢሳያስ ድማ ነዚ "ኣይሰላም ኣይኵናት" ዝዀነ ኩነታት ከም ምኽንያት እንዳተጠቕመ ንህዝቡ ኣብ ትሕቲ ፍጹም ምልኪ ይገዝእ ኣሎ።

ኣብ መስከረም መራሒ ናይ ኢትዮጵያ ተቓወምቲ ደምሒት ዝነበረ ሞላ ኣስገዶም ኣብ ኤርትራ ንነዊሕ እዋን ቦታ ተዋሂቡዎ ክሳብ ኤርትራውያን ይገፍፍን፣ ንፕረሲደንት ኢሰያስ ይከላኸልን ነይሩ ተባሂሉ ዝንገረሉ ሓያል ኣማኢት ሰዓብቱ ሒዙ ብሱዳን ገይሩ ናብ ኢትዮጵያ ኣትዩ። ኤርትራ ገና ንካልኦት ዕጡቓት ተቓወምቲ ኢትዮጵያ ተዕቁብ እያ።

ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ባይቶ ጸጥታ፡ ነቲ ጸብጻብ ናይ ኤርትራን ሶማልን ተዓዛቢ ጕጅለ ድሕሪ ምስማዕ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተበይኑ ዝነበረ ናይ ኣጽዋር እገዳ ንሓደ ዓመት ኣናዊሑዎ። እቲ ጕጅለ ኤርትራ ንሶማላውያን ግብረ ሽበራ ኣልሸባብ ክምትሕግዝ ጭብጢ ዘይብሉ እኳ እንተዀነ፣ ኤትራ ኣብቲ ዝግበር ምጽራይ ከምዘይትተሓባበርን ብዛዕባ እቶም ኣብ ዶባዊ ግጭት 2008 ዝተማረኹ ወተሃደራት ጅቡቲ ሓበሬታ ክትህብ ከምዘይከኣለትን ግና ይኸስስ።

መብዛሕትኡ ናይ ወጻኢ ምንጪ ገንዘብ ኤርትራ በተን ኤርትራ 40 ሚእታዊት መኽሰብ እትረኽበለን ናይ ወርቅን ነሓስን ናይ ዕደና ትካላት እያ እትረኽቦ። ኣብ 2015፣ ሓንቲ መብዛሕትኣ ብናይ ሻንግሃይ ኮርፖራሽን ፎር ፎረይን ኢኮኖሚክ ኤንድ ተክኖሎጂካል ኮኦፐራሽን ዝተባለት ቻይናዊት ትካል እትውነን ድርጅት ስራሓታ ምስታ ብካናዳ እትውነን ኣብ ዕደና ብሻ እትነጥፍ ነቭሱን ብምውህሃድ ጀሚራ ኣላ። ሓንቲ ብመንግስቲ ቻይና እትውነን ሳልሰይቲ ትካል ማለት ሲሹዋን ሮድ አንድ ብሪጅ ማይኒንግ ኢንቨስትመንት ደቨሎፕመንት ኮርፖረሽን እትበሃል ኣብ 2015 ነቲ መብዛሕትኡ ብካናዳውያን ዝውነን ዝነበረ ትካል ገዚኣ ኣብ 2016 ድማ ስራሓ ክትጅምር ትጽቢት ኣሎ። ብመሰረት ናይ ነቭሱን ተመኵሮ፡ እዘን ሓደስቲ ናይ ዕደና ፕሮጀክትታት ናይ መንግስቲ ትሕተቅርጺ ክጥቀማ ክግደዳ እየን፡፡ እዚ ድማ ብተዘዋዋሪ መንገዲ ናይ ዓስከር ጕልበት ክጥቀማ እየን ማለት እዩ። 

ቻይና እታ ናይ ኤርትራ ዝዓበየት ናይ ንግዲ፣ ወፍርን ኮንትራክተርን መሻርኽቲ እያ፡፡ ሓንቲ ቻይና ሃርቦር ኢንጂነሪንግ ኮርፖረሽን ዝተባህለት ቻይናዊት ትካል ኣብ ኤርትራ ንኣስታት 400 ሚልዮን ዶላር ኣመሪካ ዝግመት ብፍላይ ድማ ንምምሕያሽ ቀንዲ ወደብ ኤርትራ ዝኾነት ባጽዕ ዝምልከት ፕሮጀክትታት ሒዛ ትነጥፍ ኣላ።   

ኣብ ግዜ ምጽሓፍ ናይዚ ጸብጻብ እዚ ኤውሮጳዊ ሕብረት ንኤርትራ ንሓሙሽተ ዓመት ዝቕጽል "ንሱር ፍልሰት" ንምህዳእ ዝዓለመ ናይ 200 ሚልዮን ዩሮ ወይ 216 ዶላር ኣመሪካ ዝበጽሕ ረድኤት ክትህባ ኣብ መስርሕ ከምዘላ ተፈሊጡ።

Last modified on Tuesday, 09 February 2016 23:38