ምጽማም እውን’ኮ ደረት ኣለዎ

2016-02-06 16:00:22 Written by  EPDP Information Office Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2227 times

ህዝቢ ኤርትራ ካብ መጀመርታኡ ኣብ ትሕቲ ጓዕጻጺ ምምሕዳር ህግደፍ ዝረኣዮ ራህዋን ቅሳነት የለን። ብኣንጻሩ፡ ካብቲ ናይ ግዜ መግዛእቲ እንተዘይገዲዱ ዘይሓይሽሕሰምን ኣደራዕን እዩ ከጋጥሞ ጸኒሑን ዘሎን። ህዝቢ ኣብ ዝተወጸዓሉ፡ ኣብ ክንዲ ነቲ ወጽዓ ዝርዕም ኣንጻርቲ ወጽዓ ክለዓል ባህርያዊ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ’ውን ካብዚባህርያዊ ሕጊ ወጻኢ ኣይጸነሐን የሎን። እንተኾነ ተቓውሞኡ ንጉጅለ ህግደፍ ከምቲ ዝድለ ከሳሕዮ ኣብ ዝኽእል ደረጃስ ኣይበጸሓን።

ጉጅለ ህግደፍ በዚ ናይ ህዝቢ ኤርትራ “ልኡም ተቓውሞ” ክበሃል ዝኽእል ኩራን ቁጥቡነትን ሰኺሩ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘውርዶ በደል ክውስኽ ጸኒሑን ኣሎን። ህዝቢ ኤርትራ እቲ ዝበለሐ ተቓውሞኡ፡ ሃገር እቲ ጉጅለ ከምድላዩ ንክገብራ ገዲፍካሉ ምኻድ ኮይኑ ጸኒሑ። እዚ ሃገር ገዲፍካ ሃጽ ምባል ብመጻኢ ዕድል ሃገርን ህዝብን ንዝግደስ ስርዓት ኣዝዩ ዘሰንብድን ዘሻቕልን እዩ። ጉጅለ ህግደፍ ግና ኪኖ ጉጅላዊ ህላዌኡ ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ስለ ዘየገድሶ በዚ ፍልሰት ኣይተሻቐለን ጥራይ ዘይኮነስ፡ እኳደኣ መፈከርን መኻዕበቲ ረብሓን ክገብሮ ይደናደን ኣሎ።

ቅድሚ ክልተ ኣዋርሕ ኣቢሉ ጉጅለ ህግደፍ ነቲ ኣብ ዕዳጋ ዝጸንሓ ዝትክእ ሓድሽ ናቕፋ ኣተኣታትዩ ኣሎ። ምስዚ ሓድሽ ናቕፋ ተጐዛጒዞም ዝመጹ ሕግታት’ውን ይትግበሩ ኣለዉ። እቲ ጉጅለ ንኹሉ ገንዘብ ዓምጢሩ ኣብ ኢዱ ምስ ኣእተወ፡ ኤርትራውያን ብገዛእ ገንዘቦም ብመቑነን ኣብ ዝትኮቡሉ ደረጃ ወዲቖም ኣለዉ። ኣብዚ ሎሚ እዋን መብዛሕትኣ ዓለምና ብነጻ ዕዳጋ ቁጠባዊ ፖሊሲ ኣብ ትምረሓሉን ብሕታዊ ዋንነት ኣብ ዝሰወደሉን፡ ኤርትራውያን ናይ ሓጐስ ይኹን ናይሓዘን ውራይ ክህልዎም እንከሎ ካብቲ እቲ ስርዓት ጅሆ ሒዝዎ ዘሎ ገንዘቦም ንምውሳድ በቲ ባንክ ተዘርጊሑ ዘሎ ኣዝዩ ሓናቕን ቀጻዕን ቀጥዒ መብዛሕትና ርኢናዮ ኣለና። ብግምትና ንኤርትራውያን ካብዚ ንላዕሊ ኣብ ሕማቕ ዘበን ከም ዘለዉ ዘገልጽ መርኣያ የለን። በዚ ቀጥዒ እዚ ካብቲ ኣብ ባንክ ተዘሪዑ ዘሎ ገንዘብካ ንከተውጽእ ድማ ኣቐዲምካ ውራይ ከም ዘለካ ብምሰኻኽር ከተረጋግጽ ይግባእ።

ዝተፈላለዩ ናይ ሓበሬታ ምንጭትታ ከም ዝገለጽዎ ካብ ወጻኢ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት፡ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ሒዞም ዝኣትዉ ወገናት እውን፡ ቅድሚ ኩሉ ገንዘቦም ናብ ናቅፋ ኣሽሪፎም ሕሳብ ከፊቶም ኣብ ባንክ ከቐምጥዎ ይግደዱ። ድሕሪኡ ድማ ኣብቲ ኣብ ሓደ ግዜ 5 ሺሕ ናቕፋ ጥራይ ዝውሰዶ ናይ መቑነን መስርዕ ይኣትዉ። በዚ ምኽንያት ኣብ ዕዳጋ ዝዋሳእ ናይ ናቕፋ ዋሕዲ ሰማይ ዓሪጉ ኣሎ። ምኽንያቱ ደኣ ክዛረብ ኣይደለየን እምበር ዲክታቶር ኢሳያስ እውን ኣብቲ ናይዚ ቀረባ ግዜ “ምንያ ኮለል” ዝብል ቅጽል ስም ዝተዋህቦ ቃለ መጠይቑ ተኣሚንሉ እዩ። ብዙሓት ንምሉእ ትሕዝቶ ቃለ መጠይቑ ዝተኸታተሉ ገሊኦም “እዚ ሰብኣይስ ከምዚ’ሉ ክዛረብ ኣይሓፍርን ድዩ” ክብሉ፡ ገሊኦም ድማ “ዝሰኣነት ኣደስ ካብ እምኒ ትጸንዕ እንድዩ ካልእ ዘየብሉ ደኣ ካበይ ከምጽእ” ክብሉ ተኸታቲልና ኣለና።

ብርኢቶና እዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ ጸገም፡ ሕጂ እውን ኣብቲ ዝለዓለ ጥርዙ ስለ ዝበጸሐ፡ ካብኡ ዝኸፍእ ኣይክመጽእን እዩ ኢልና’ኳ ተዘይደምደምና ኣብዚ ዘበንዚ ኣብዚ ሃገርዚ ተራእዩ ዘይበሃል፡ ኣዝዩ ዝኸፈአን ዘሰቅቕን እዩ። ድሕሪ ሕጂኸ ህግደፍ እንታይ ክገብር እዩ? ኢልካ ምሕታትን መልሲ ምጽባይን ኣየድልን’ዩ። ምኽንያቱ ብዘይካ በቲ ሒዝዎ ዘሎ ናይ ጥፍኣት ጐደና ምቕጻል ካልእ መማረጺ ስለ ዘየብሉ። ህዝቢ ኤርትራኸ እንታይ ክገብር እዩ? ኢልካ ምሕታት ግና ኣገዳሲ እዩ። ወጽዓ ክበዝሕን ክሕይልን እንከሎ ሕራነ ስለ ዝፈጥርን፡ ካብ ህዝቢ ኤርትራ’ውን ከምኡ ዓይነት ግብረ መልሲ ምጽባይ ናይ ግድን ስለ ዝኾነን።

ህዝቢ ኤርትራ ወጽዓ ከም ዛንታ ዝንገሮ ዘይኮነስ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ኣብ ልዕሊኡ ዝፍጸም ዘሎ ስለ ዝኾነ መልሱ እንታይ ምዃኑ ዝርዝር ዘድልዮ ኣይመስለናን። እቲ ናይ ዲክታቶራት ወጽዓ ኣብ ልዕሊኡ ከም ዘይተጀመረ፡ ምጽማም ደረቱ ምስ ሓለፈ ኣንጻር ወጻዕትኻ ምልዓል እውን ቅድሚ ሕጂ ብዙሓት ሓራ ዝወጽሉ እምበር ኣብኡ ዝጅመር ኣይኮነን። ነዚ ዝምልከቱን ክመሃረሎም ዝግበኦን ተመኩሮታት እውን ኣለዉዎ። ናይ ቀረባ ግዜ ተመኩሮ፡ ሊቢያ፡ ቱኒዝያ፡ ግብጺ … ወዘተ ክመሃረሎም ይግበኦ። ካብቲ ንሳቶም ዝሓለፍዎን ዝሓልፍዎ ዘለዉን መስርሕ ዝውሰድን ዘይውሰድን ከም ዘለዎ ከኣ ኣብ ግምት ምእታው ኣገዳሲ እዩ። ዝያዳ ድማ ንቅድመ-ተደላይነት ውዱብ ተካኢ ኣካል ከስተብህለሉ ግድን እዩ። ንጉጅለ ህግደፍ “ደጊም ይኣክል” ክብልዎ ዝግበኦም ሓባራዊ ዝረብሓኦም ኤርትራዊ ኣካላት ብዙሓት ምዃኖም ንጹር ኮይኑ፡ እቲ ዝለዓለ እጃም ዘለዎ ግና ህዝቢ እዩ። ህዝቢ ከኣ ናይቲ ዝመጽእ ለውጢ ቀንዲ ዘዋሪ እምበር ተጸባይ ክኸውን ኣይግበኦን እዩ።

Last modified on Saturday, 06 February 2016 17:06