ሕጊ ንኹሉ ማዕረ እዩ

2016-02-15 18:53:45 Written by  ድራር ማንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1890 times

ኣብ ግዜ መግዛእቲ ጥልያን ኣቦታትና ኣብ ልዕሊ እቲ ዝነበሮም ልቦናን ካብቲ መግዛእታዊ ጣልያን ዝቐሰምዎን ‘’ ’’ ኩሉ ግዜ ዝብልዋ (ላለጀ አጓለ ፐር ቱቲ) “ሕጊ ንኹሉ ማዕረ እዩ” እትብል ቃል’ያ። ሓቂ እዩ እዚ ዝዓይነቱ ኣተሓሳስባ ኣብ ኣእምሮ ኩልና ምስ ዝሰፍር ከኣ እዩ እቲ ሕጊ ንኹሉ ማዕረ ምዃኑ ክንሰርሓሉን ክንኣምነሉን እንኽእል።

ኣብ ዝሓለፈ 17 ጥሪ  2016 ኣብ ቤት ፍርዲ ኣምስተርዳም ነቲ ሓደ ኤርትራዊ ሆላንዳዊ ዝዜግነቱ ንሆላንዳዊት ፕሮፈሶር ሚሪያም ፋን ራይዘን ከሲሱ ኣብ ፍርዲ እውን ቀሪባ። ኣብቲ ዕለት እቲ ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያን ኣባላት ሰልፍታትን በርገሳውያን ማሕበራትን ውልቀሰባትን ብይን ቤት ፍርዲ ንምስማዕ ተረኺቦም ነይሮም። እዚ ተረኽቦ እዚ ነቲ ደላይ ለውጢ ገለ ጦብላሕታታት ኣሕዲርሉ ከምዝኾነ ርዱእ እዩ። ምኽንያቱ ንሱር መሰረት ናይቲ ሕጊ ኣጸቢቕና ክንፈልጦን ክንርድኦን ስለ ዘኽእለና።

ብዝኾነ ኣብቲ ዕለት እቲ ክንዕዘቦ ዝኸኣልና ኣብ ቅድሚ ሕጊ ናይ ቆረበት ሕብሪ ይኹን ናይ ዜግነት ፍልልይ ዘይብሉ ነቲ “ኩሉ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ማዕረ እዩ” ዝብል ብተግባር ርኢናዮ ኢና። ከሳስን ተኸሳስን ናይ መሰል ሕቶ ዘማልኡ እውን እዮም ነይሮም። ማለት ምዝልላፍ ይኹን ወይ እውን ሓደ ነቲ ሓደ ዘሕርቕን ተዂታዅን ቃላት ዘይብሉ ልዙብን ህዱእን ሃዋህው ዝሰፈኖ እዩ ነይሩ።

ክልቲኦም ጠበቓታት ዝኣክል ግዜ ተዋሂብዎም ነናቶም መርትዖታት ኣቕሪቦም። ኩሉ እቲ ኣብ’ቲ ቤት ፍርዲ ዝነበረ ህዝቢ ኣውን ተኸታቲልዎ እዩ። በቲ መርትዖታት ዝቐርብ ዝነበረ ከኣ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣየናይ ሸነኽ ክዕወት ከምዝኾነ ዳርጋ ገሚቱ ነይሩ ክበሃል ይከኣል። ምኽንያቱ እቲ ጠበቓ ናይ ከሳሲ ኣቶ መሰረት ባህልቢ ኣብ ናይ እንታይነት ናይ ከሳሲ ኣምበር ንእንታይነት እቲ ስርዓት ክትንክፎ ኣይተራእየን። እቲ ጠበቓ ናይ ተኸሳሲት ግና ነቲ ከሳሲ ዝኣምነሉ ስርዓት ብመርትዖታት ኣሰንዩ የቕርቦ ስለዝነበረ እዩ። ኣብዚ ምናልባሽ ነቲ ከሳሲ ኣዋሲኖም ወይ ከኣ ማዕረ እታ ሆላንዳዊት ኣይራእይዎን ዝብል ሰብ ክህሉ ይኻል ይኸውን። እዚ ግን ሓቂነት የብሉን። ምኽንያቱ ንገዛእ ርእሱ እቲ መሰል ናይ ምኽሳስ ዕድል ንባዕሉ ህያው ምስክር ስለዝኾነ።

እቶም ፈራዶ ነቲ ጉዳይ ብጽሞና እናተኸታተሉን እናሰምዑን ኣብ መንጎ እውን ክልቲኦም ጠበቓታትን ከሳስን ተኸሳሲትን ሕቶታት የቕርቡ ነይሮም። በዚ ካብ ሰዓት 1:30 ኣትሒዙ ክሳብ ሰዓት 5:30 ዳርጋ ናይ ኣርባዕተ ሰዓትን ገለ ደቓይቕን ዝወሰደ መስርሕ ዝተመሃርናዮ፡ ከም ደለይቲ ለውጢ ንበዳልን ተበዳልን ኣብ ቅድሚ ሕጊ ብማዕረ ኣቕሪብካ ቃሎም ሰሚዒካ ብምሉእ ናጽነትን ማዕርነትን ምድናይ እዩ። ነቶም ብደገ ኮይኖም ፍትሒ ዝጽበዩ ዝነበሩ ደገፍቲ ህግድፍ “ከምዚ ዓይነት መስርሕ ፍርዲ ኣብ ኤርትራ ኣሎዶ? ዝብል ሕቶ እንተዝቐርበሎምስ እንታይ ኮን ምመለሱ? ቃልስና እምበኣር ኣብ ኤርትራ ቦዂሩ ንዘሎ ሓጋጊ፥ ፈራድን፥ ፈጻምን ኣካላት መንግስቲ ብማዕረን ናጽነትን ክሰርሑሉ ዘኽእል ሕጊ ምሕንጻጽን ንዕኡ ዝምጥን ስርዓተ መንግስቲ ምትካልን’ዩ።

ድራር ማንታይ

Last modified on Monday, 15 February 2016 19:59