እንዳረኣየ ዝዖረ: እንዳሰምዐ ዝጸመመ ጸረ ፍትሒ ኣይዕረን እዩ

2016-02-20 11:59:47 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1957 times

ሓደ ካብቲ ቀንዲ ንደቂ-ሰባት ናብ ዘይምርድዳእን ዘይምትእምማንን ዘብጽሕ እቲ ምስ ካልኦት ከመይ ትዋሳእን ተራኸብን ዝውስን ተፈጥሮኣዊ ባህርያት እዩ። እቲ ምስ ደቂ ሰባት ዝግበር ርክባት ካብ ቅንዕናን ሰናይ ድሌትን ንሓባራዊ ረብሓን ክኸውን ኣገዳስነት ኣለዎ። ነዚ ጎሲኻ ክትዋሳእ ምፍታን ግና ኣብ ናይ ስሰዐን ዲቕ ዝበለ ምክፋእን ገጽካ ኢኻ ትጎዓዝ።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ካብቲ ፖሊሲኡን ተረድኦኡን ናጻ ፕረስን ሓስብካ ምግላጽን ዝብላ ኣገደስቲ መትከላት ዝጣበቐለን እየን። ሓስብካ ምግላጽን መሰል ምጽሓፍን ማለት ካብ ተጽዕኖን ጸቕጥን ናጻ ኰንካ ብዘይነግፈረግ ክተተግብሮ እትኽእል እዩ። ናጻ ኢኻ ማለት ግና ፍኑው ዘይኮነስ ገደብን ዝምረሓሉ ሕጊ ኣለዎን’ዩ።

ንኣብነት ስብ ምቕታል ኩልኩል እዩ ዝብል ሰኑድ ሕጊ ኣሎ። እዚ ማለት ኣብ ልዕሊ ዝኾነይኹን ሰብ ስጉምቲ ክትወስድ ናጻ ኣይኮንካን ማለት እዩ። ከምኡ እውን ኣልዕል ኣቢልካ ሓቅነት ብዘይብሉ ክትጥቅን ይኹን ክትዝልፍ፡ ልክዕ ከምቲ ሰብ ናይ ምቕታል ናጽነት ዘይብልካ፡ እዚ እውን ከምኡ ማለት ኣዩ። ዝኾነ ይኹን ፍጡር ቃሕ ዝበሎ ክገብርን ዝደልዮ ክጽሕፍን ጽሒፉ ኣብ መርበባት ሓበሬታ ክጥቅዕን ዝደለዮ ብዘይገደብ ክዛረብን ናጽነት ኣለዎ። ናጽነት ክህልዎ ከሎ ግን ንመሰልን ክብርን ካለኦት ሰባት ኣብ ዝትንክፈሉ ግዜ ዝኾነይኹን ስጉምቲ ኣይውሰደሉን ማለት ኣይኮነን። ስለዚ ናጻ ክበሃል ከሎ ገደብ ዘይብሉ ናጽነት ማለት ክስምዕ የብሉን። ምኽንያቱ ኩሉ ዝበሃልን ዝጸሓፍን ምስ ክብርን መሰልን ሰባት ተተሓሒዙ ዝጎዓዝ እምበር፡ ናጽነት ንበይኑ ንመስልን ክብርን ጎስዩ እንተኸይዱ ጌጋ ሓበረታ ዝዝርግሕን ናብ ቄናን መንገዲ’ዩ ዝመርሕ።

ብናጻ ሓሳብካ ምግላጽ ማለት ኩሉ ክትብሎን ክትገብሮን እትደሊ ብዘይሓላፍነት ክትብልን ክተተግብርን ኣይኮነን። ሓደ ወዲ ሰብ ተጓናጽን ተዂታዂን ቃላትን ጽልእን ዓመጽን ዘተባብዕን፥ ፈላላይን ሓድሕድ ዘናቚትን ዘሳውርን ተግባራት ወይ ሓሳባት ንኽፍጽም ፈጺሙ ናጻ ኣይኮነን። ምስ እዚ ኣውን ጽዩፍን ንክብሪ ደቂ ሰባት ዝትንክፍን ተግባራት ብሕጊ ዘኽስስ እዩ። እዚ ናጻ ሓስብካ ምግላጽን ምጽሓፍን መሰል መሃርን ሓባርን ኣገባብ ሒዙ፡ ማሕበረሰብ ዝጥቀመሉ ክኸውን ከሎ፡ ኣዝዩ ዝበለጸ ይኽውን። ካብኡ ሓሊፉ ንኻልኦት ዘይሕጋውን ጭብጥነት ዘይብሉን ተጻይ መልሲ ንምሃብ ዝግበር ንጥፈታት ንምትብባዕ ከም ዝንዛሕ ኣጸላሚ ሓሳባትን ንክብሪ ደቂሰባት ዝጉድኡ ተግባራትን ካብ ስነ ስርዓት ውጻኢ ብምዃኑ ህዝብናን መንእስያትናን ንፍትሒ ገጾም ዝጎዓዙ እንተልዮም ቅድምቀዳድም ስነ ስርዓት ዝሓለወ ሕጋዊ ኣካይዳ ክሕዙ ይግባእ።

ደቂሰብ ንኣካታዕን ኣከራኻርን ዝኾነ ዛዕባ ወይ ሓሳብ ተመርኲሶም ክጽሕፉ ይኹኑ ክዛረቡ እንከለዉ እቲ ውጽኢት ንህዝብን ሃገርን ይጠቅም ዲዩ ይሃሲ ክመዝኑ እምበር ከም መጻልኢ ወይ መረሓሓቒ ክንጥቀመሉ ኣይግባእን። በዚ ምኽንያት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ መትከላቱ ካብ ዘስፈሮም እቲ “ናጻ ሓስብካ ምግላጽን ምጽሓፍን” ዝብል መሰል ዘተግብሮ በዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ኣገባብ ምዃኑ ኣንጊሁ ሓቢሩ እዩ። ስለዚ ሰደህኤ ነቲ ሃናጺ ዝኾነ ኣገባን ኣካይዳን ሕጂ’ውን ክቕበሎን ከተግብሮን እዩ።

ድራር መንታይ

Last modified on Saturday, 20 February 2016 13:01