መጥፊኢኻ ይብርሃካ

2016-02-23 21:59:07 Written by  መዓሾ ኣስራት Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2527 times

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ኤርትራውያን ሰላምታይ ይብጻሕኩም። ቀጺለ ገለ ኣብ ጉዕዞይ ዝትዓዘብኩዎም፡  ዘገረመንን ዘሕዘነንን ጉዳይ ጉዕዞ ሃገርና በዛ መሪጸያ ዘሎኹ ኣርእስቲ  ጌረ ክገልጾ ክፍትን ኢየ ።

መቸም  ኣብ ዝተኻየደ ቃልስና፥  ሜዳ ኤርትራ  ብዙሕ ጉድ ሓቢኣ ከምዝነበረትን ብንዓይ ጥራሕ በሃልትን  ሓለይቲ ህዝቢ ተመሲሎም ኣብ ዝለዓለ ጽፍሒ ምምራሕ ከም ዝነበሩ ሎሚ ይበርህ ኣሎ። ብኣይ ክጅምር ኣብ ተሓኤ በቲ ዝውቱር መጸዊዕኣ ጀብሃ ተሰሊፈ ይቃለስ ኣብዝነበርኩሉ እዋን ገለ ምሳይ ዝነበሩ ተጋደልቲ ንኣቶ ኢሰያስ ኣፈወርቂ በዚ ሕጂ ኣነ ፈሊጠዮ ዘልኹ ባህሪኡ ክገልጽዎ ከለው ኣይቅበሎምን ጥራይ ዘይኮነስ ይቃወሞምውን ኔረ;; ወረ ጉዳይኩም ዘይትገብሩ ንሱ በሊሕን መስተውዓልን እንተዘይከውንዶ ውድብ ይመርሕ ኣልዩ ብማለት ይምልሸሎም ኔረ፡ ክሳብ ግዜ ነጻነት ድማ በዛ እምነትዚኣ ቀጺለ፡፡

ሃገርና ኤርትራ  ናጻ ምስ ወጸት  ኩልና  ተሓጉሽና፥  ዓደይ ክኣቱ እናተሃንጠኹ ድማ ኣብ 20 ሰነ 1991 ምስ በኹሪ መዓልቲ ስውኣት ካብ ኣቶ ኢሰያስ ዘይተጸበኹዎ ሃንደበት ኣዋጅ ተኣወጀ፡ ከምዚ ድማ ይብል “ብቐዳምነት  ነቶም ኣብ ካልእ ውድባት ክቃለሱ ዝጸንሑ ተጋድልቲ ኣንቱም ብስም ውድባት ተታሊልኩም ዝጸናሕኩም ምሕረት ተጌርልኩም ኣሎ ዓድኹም ኣቲኹም ሃገርኩም ክትሃንጹ ብጀካ እቶም ብገበን ዝሕተቱ፤ ከምኡውን እቶም ምስ ጸላኢ ብረት ዓጢቕኩም ዝጸናሕኩም ምሕረት ተገይርልኩም ኣሎ ዓድኹም ኣቲኹም ሃገርኩም ክትሃንጹ ብጀካ እቶም ብገበን ዝሕተቱ።  ድሕሪ ሕጂ ናይ ውድባት ሓሸውየ የለን፥  ብወገን ብሃይማኖት ብኣውራጃ ኣምሲሉ ፖለቲካ ክገብር ዝተረኽበ ድማ ኢድ ህዝባዊ ግንባር ሓጺር ኣይኮነን” ክብል ፈኪሩ። ሽዑ መን ኢዩ መሓሪ መንከ ተመሓሪ ኢሉ ዝሓቶ እንተዝርከብስ እንታይኮን ምኾነ መልሱ?

ብዝኾነ ንዓይ ካብታ ግዜቲኣ ምልክነት ከም ዝተኣወጀ  ስለዝበርሃለይ ንስደት ኣምሪሐ፡ ኣብ ስደት ድማ እነብር ኣለኹ።  ኣብ ስደት ምስ መጻእኩ ድማ ኣቶ ኢሰያስ ቅድሚ ነጻነት ኣብ ኣሜሪካ ምስ ህዝቢ ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ  ኣብ ቪድዮ ካሴት ከምዝተዓዘብኩዎ፤ ውዳሴ ኣብ ዝሰምዓሉ ገጹ ክበርህ ድሕሪ ምጽናሕ ፖለቲካዊ ሕቶ መጾ’ሞ ዓቕሉ ጸበቦ። እቲ ሕቶ ድማ ከምዚ ዝብል ነበረ፤ ”ህዝባዊ ግንባር ከም ሓያል ውድብ ነዘን ዘለዋ ውድባት ኣብ ምጥርናፍ እንታይ መደብ ኣለዎ በልዎ፤ ኣቶ ኢሰያስ ከኣ ብብድዐ ቅድም ውድብ ማለትኮ ዝሰርሕ ክኸውን ከሎ ኢዩ ብጀካ ህዝባዊ ግንባር ከኣ ዝሰርሕ ውድብ የለን።  እዞም ውድባት ትብልዎም ዘለኹም ከኣ ኣንታ ንዑስከ ዋላ ብድሕሪት ኮንኩም ማይ ኣቐብሉ እንተበልናዮም ኣብዮሙና ኢዮም  ክብል መልሲ ሃበ።   ካብ ሓተትቲ  ከኣ እዘን ውድባት እዚኣተን ዝውክልኦ ሕብረተሰብኣዊ ሸነኻት ኣለወን፡  ነዚአን ከይጠርነፍካ ትመጽእ ነጻነት ከኣ ነጻነት ኣይኮነትን ምስ በሉዎ ዓቕሉ ጸቢብዎ ንህዝብና ውድባት ኣለዋ የለዋን እንዳበልና ኣብ ድንግርግር ኣይነእትዎን ኢና ብጀካ ህዝባዊ ግንባር ድማ  ውድብ ዝበሃል የለን ብማለት ኣኼብኡ ደምዲሙ።

ከምኡ እውን ኣብቲ ህዝብን ፕረሲደንትን ዝብል ርክባት ብጀካ ንሱ ዝብሎ እምበር ናይ ህዝቢ ርእይቶ ዘይቅበል ምኻኑ ይበርሃልካ፡፡ ንኣብነት ብ1994 ምስ ሱዳን ኣብ ግርጭት ኣብ ዝነበረሉ ምስ ተቓወምቲ ውድባት ሱዳን ኮይንና ኣብ ካርቱም ዲሞክራስያዊ ስርዓት ክንተክል ኢና ምስ በለ፤ ሓደ ዓቢ ኣቦ ብዕሊ ከምዚ ምባልሲ ብዓለም ኣየውቅሰናንዶ፡ ክንሕግዞም እንተኮይንናኸ ንምንታይ ብምስጢር ዘይንሕግዞም ምስበልዎ፡ ንሕና. ንእንገብሮ ተሓቢእና ኣይንገብሮን ኢና ክብል መለሰ።  ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ግጭት ኣብ ዝኣተዉሉ ድማ ኣብ ናይ ጓሶት ደረጃ ወሪዱ ጃህራን ፈኸራን የስምዕ ምንባሩ ኩሉ ዝተዓዘቦ ኢዩ። ናይ ኣቶ ኢሰያስ ጃህራን ፈኸራን  ከኣ ኣብ ምንታይ ኣውዲቑና ከምዘሎ ዋላ ደገፍቱ ዝመስሉ’ውን ብልቦምሲ ዝሓምሉ ዘለዉ ኢዩ፡፡ እቲ ብቓሉ ዝበሎ  ጃህራን ፈኸራን ካብ በሃሊኡስ ደጋሚኡ ከይከውን ጓስየዮ ክሓልፍ መሪጸ ኣለኹ፡፡ 

ኣብ ታሕሳስ 1999 ኣብ ፍራንክፎርት ጀርመን ምስ ህዝቢ ዝገበሮ ኣኼባ ድማ ብዛዕባ ውድባት ምስ ተሓተተ ዓቕሉ ብምጽባብ እዚኣቶም ምስ ሱዳን ተባኢሶም ኢሎም ሸሓኒ ሱዳን ከልምጹ ናብ ሱዳን ጉያጉያ ምስ የመን ተባኢሶም ኢሎም ሸሓኒ ናይ የመን ከልምጹ ናብ የመን ጉያጉያ፤ ሕጂ ድማ ምስ ወያነ ተባኢሶም ኢሎም ወያነ ቀደም ልሒሶም ዝወድእዎ ሸሐኒ ከልምጹ ናብ ኢትዮጵያ ጉያጉያ፤ ኣነ ነዚኦም ናይ ግለት ግለት ናይ ሩኳን ሩኳን ኢየ ዝብሎም፡ ምስ በለ ምሉእ ኣኼበኛ ጠቓዒት ከንጐድጉዶ ከሎ ኣቶ ጴጥሮስ ጸጋይ ግን ፍሉይ ኔሩ።

ካብቲ ዘገርም ግን ምስ ኣቶ ኢሰያስ ኮፍ ኢሉ ዝነበረ ዶክቶር ተስፋይ ግርማጼን ዝተባህለ ብቓላት ኢሰያስ ሓፊሩ ኣእዳዉ ናብ ታሕቲ ብምውራድ ርእሱ ኣድነነ። ኣቶ ኢሰያስ ዒራ ዝሓቶ ዘየብሉ ኮይኑ እምበር እንታይ ኮይንና ምስ ሱዳን ምስ የመን ምስ ኢትዮጵያ ንበኣስ ኣሎና ዝብል ሓታቲ እንተዝርከብ ኔሩስ ከምዚ ኢሉ ምልኪ ኣይምሳዕረረን። ስለዚ ህዝብና እቲ ምኽንያት ደኣ ኣይተረደኣናን እምበር ኣቶ ኢሰያስ  ብባህሪ በጋሚንዶታት ይጎዓዝ ምጽንሑስ ይፈልጦ ጸኒሑ ኢዩ። በዚ ምኽንያት ከኣ ኢየ መጥፊኢኻ ይብርሃካ ዝብል ንኣርእስቲ ጽሑፈይ ዝሃብኩዎ።

 ስለዚ ብሓፈሻ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ከኣ ኣባላትን ደገፍትን ህግደፍ ዝጸንሑ፡ ንኣቶ ኢሰያስ ክሳብ ሕጂ ዝበደልካናን ዘታለልካናን ምስ ኣሕዋትናውን ዘጻላእካና ይኣኽለካ ስልጣን ናትና ናይ ህዝቢ ኢዩሞ ልቐቕ ክብሉዎ፤እቶም ንፍትሒ ክንቃለስ ዝጸናሕናን ዘለናን ክኣ ንሕናን እቶም ክሳብ ሕጂ ኣባላትን ደገፍትን ህግደፍ ኮይኖም ዝጸንሑ’ሞ፡ ይኣክል ምልኪ ዝበሉን ሓቢርና እምበር በበይንና ነምጽኦ ለውጢ ከምዘየለ ኣሚንና ሓቢርና ንቃለስ። ሽዑ ከኣ ኢዩ እቲ ክሳብ ሕጂ መጥፊኢኡ ተበሪህዎ ዝጸንሐ  ስርዓት ኢሰያስ ዝሰዓር።            

መዓሾ ኣስራት    
 23 ለካቲት 2016

Last modified on Tuesday, 23 February 2016 23:16