ንኡስ ዞባ ጀርመን ሰዲህኤ ብዕለት 23.01.2016 ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ሰሚናር ኣካይዱ። ኣኼባ ብሰናይ ምንዮትን ምስጋና ንተሳተፍት እዩ ብሓው ተስፋማርያም ክብረኣብ ኣቦ-መንበር ንኡስ ዞባ ጀርመን ተኸፊቱ። ዕላማ ሰሚናርና ብምንጽር ኣቀዲሙ ንተሳተፍቲ ሰሚናር ተዘርጊሑ ዝጸንሐ፡ ዛዕባታት ናይ ሰሚናር'ውን ሓደ ብሐደ ኣንቢቡ። ኣብዚ ን6 ሰዓታት ዝወሰደ ሰሚናር‘ዚ፡
1 - ህልዊ ኵነታት ሰልፍን ሃገርናን ብፍላይ፡ ከምኡ‘ውን ዞባውን ኣህጉራውን ኣብ ሃገርና ብሓፈሻ ኣብ ደምበ ተቃውሞ ድማ ብፍላይ ዘሎዎ ጽልዋታትን፤ ብወኪል መሪሕነት ሰልፊ፤
2 - መግለጺ መደባት ዞባ ኤውሮጳ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብኣቦ-መንበር ዞባ፤
3 - ጸብጻባትን ገምጋምን ጨናፍር ንኡስ ዞባ ኤውሮጳ ጀርመን፤
4 - ኣብዝሓለፈ ዓመት 2015 ዝተሰላሰሉ ዕማማትን፡ ዝጸንሐ ሕጽረታትን፤
5 - ጉዳይ ኦዲትን ምቍጽጻርን ንመደባት ንኡስ ዞባ ጀርመን፤
6 - ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት 2016 መደብ ስራሓትን ምምሕዳራውን ፖለቲካውን ለበዋታት ዝብሉ ዛዕባታት ዝሃዝ ሰሚናር እዩ ነይሩ።
ኣብ ቀዳማይ ኣጀንዳ፡ ሓው ንጉሰ ጸጋይ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ፡ ድሕሪ 2ይ ሰልፋዊ ጉባአ ማእከላይ ባይቶ ነፍሱ ሰሪዑ፡ ናይ ስራሕ መደባት ተሊሙ፡ ምምሕዳራዊ ኣካላት ኣቝሙ ስርሑ ምስ ጀመረ፥ ዘካየዶም ኣገደስቲ ንጥፈታት ኣብሪሁ። ኣብ ዞባውን ኣህጉራውን መዳይ‘ውን፡ ዘቕረቦም መምስ መድረኹ ዝዛመዱ መዘክራትን፡ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዝተቐልቀሉ ሓደስቲ ናይ ልዝብ መኣድታት፡ ሰሚናር ናይሮብን ፍራንክፎርትን፡ ብዕለት 09.11.2015 ዝተሰላሰለ መጋባኣያ ብራስልስን፡ ምስ ተቓወምቲ ውድባት ተጀሚሩ ዘሎ ርክባትን፡ ዲፕሎማስያውን ህዝባውን ድሕሪ ምብራህ፡ ንረብሓ ቃልሲ ህዝብና ክውዕሉ ድማ መሪሕነትን ኣባላትን ሰልፊ ዘድሊ ጻዕርታት ክገብሩ፡ ዝያዳ ናይ ስኒትን ሓባራዊ ስራሓት መሪሕ ተራኦም ከበርክቱ ኣዘኻኺሩ።
ካብኡ ብምቕጻል ከኣ፡ ሓው ይሳቕ ወ/ማርያም ኣቦ መንበር ዞባ ኤውሮጳ፥ ሽማግለ ዞባ ኤውሮጳ ድሕሪ ምቋሙ ዘካየዶም ንጥፈታታን ዝተተለሙ ዕማማትን ድሕሪ ምቅራብ፡ ኣብዚ ቀረባ ኣዋርሕ ናይ 2016 ክሰላሰል ኣብ ምድላው ዘሎ ጉባአን ዝሕዞ ጠባያትን፡ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ወጺኣ ኣብምንቅስቓስ ምህላዋን፡ ነፍሲ-ወከፍ ኣባል ብምርጫ ንምስታፍ ጉባኤ ነብሱ ኣዳልዩ ክጸንሕ ከምዝግባኣን ኣመልኪቱ።
ብድሕሪ‘ዚ፡ ብሽማግለታት ጨናፍር ዝቐረበ ኵነታትን ንጥፈታትን ጨንፈራት ዝሕብር ፖለቲካውን ቁጠባውን ጸብጻባት ድሕሪ ምስማዕ፤ ሰሚናር ገምጋም ብምግባር፡ ነቲ ኣብ መስርሕ ዝተረጋገጸ እወንታዊ ጉዳያት ክንደፍኣሎም ከም ዘሎናን፡ ዝጸንሐ ሕጽረታት ድሕሪ ምዝርዛር ከኣ ንምምሕያሾምን ኣብ ፍጻሜ ክውዕሉን፡ ዝተጸንዐ ኣገባብን ዝዝያዳ ጻዕርታት ክግበርን ዝብል ነጥቢ ዝበዝሐ ግዜ ዝወሰደ ምርድዳእ ተኻይዱ። ጉዳያት ብሕቶን መልስን መልክዕ ምስ በሰሉ ከኣ ንብድሕሪ ሕጂ ከመይ ጌርና ንኩሎም ኣካላት ወይ ክፍልታት ስራሓትና ብኮሚተታት እናወደብና ናይ ስራሕ ምክፍፋልን ብጽፈት ክንሰርሖም ከም ዘሎና‘ውን ሓደስቲ መደባት ወጺኡ።
ከምኡ‘ውን ጉዳይ ኦዲትን ምቍጽጻርን እቲ ዓቢ ኣትኩሮ ክግበረሉ ዘሎዎ ጉዳይ ስለ ዝኾነ፡ ንጽፉፍ ኣሰራርሓ ቀንዲ መሳርሒ ብምዃኑ፡ ሰሚናር ብዕምቆት ተረዳዲኡሉን ክሕይል ከም ዘሎዎን ዝተመሓየሸ ኣገባብ ኣሰራርሓ ክተኣታቶ ከም ዘሎዎን ብምግንዛብ ኣብዚ መዳይዚ ክነጥፉ ዝኽእሉ ተወሰኽቲ ኣባላት እውን መዲቡ። ብዘይካዚ ብጻይ ተስፋይ ባይረ ነቶም ኣብ ኦዲትን ቁጽጽር ስራሓትን ዝነጥፉ ግን ከኣ ናይ ሕጽረት ናይ ዘመናዊ መሳርሒ ዝነበሮም ብጾት ንምሕጋዝ ሓንቲ ለብቶም ኣበርኪቱ።
ሰሚናር፡ ንኩሎም ዝቐረቡ ዛዕባታት ሓደ ብሓደ ድሕሪ ምርድዳእን ናይ መጻኢ መደባት ምሕንጻጽን፡ ኣገደስቲ ለበዋታት ብምቅራብ ኣኼባ ልክዕ ሰዓት 6፡00 ድ.ቀ. ብዝክረ-ሰማእታት ተዛዚሙ።
ሽማግለ ንኡስ ዞባ ጀርመን
25.01.2016
ዝኸበርኩም አሕዋት ዜጋታት ኤርትራ፡ ህዝብና፡ ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ብግዕዙይ ምሕደራ፡ ብድኽነትን ስእነትን፡ ብጭንቅን ሕሰምን ይሳቐ ከምዘሎ ካባኻትኩም እውን ዝተኸወለ ኣይኮነን። ብሰንኪ ብልሹው ምሕደራ ዜጋታትና ከም ኣቕሓ ብይጽንሓለይ ይእሰሩን፡ ብዘይ ንቡር መስርሕ ፍርዲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይበልዩን ኣለው። ብሰንኪ ደረት ኣልቦ ግዱድ ዕስክርናን ዕዮን፡ መንእሰያትና፡ ወርሓዊ ብኣሻሓት ንስደት ይፈልሱ ኣለው። ኣብ ጉዕዞ ስደቶም ብሸፋቱ ይጭወዩን ይሽየጡን፡ ብጸረ መስቀል ይስየፉን ይቕዘፉን ኣለው። ህዝቢ ጨቐቕ ኢሉ መርፍእን ፈትልን ኣላጊቡ፡ ተለቂሑን ተመርቂሑን ዝሰርሖ ኣባይቲ ብዶዞራት ዓንዩ። ስለዚ፡ ነዚ ኣብ ህዝቢ ዝወርድ ዘሎ ስቃይን መከራን የብቅዕ፣ ማእሰርትን ሽርበትን፡ ሞትን ስደትን ከኸትም ኣለዎ። ስለዝኾነ ኣብዚ ህዝባውን ሃገራዊ ጻውዒት እጃምኩም ክትገብሩ ትሕተቱ ኣለኹም።
መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰል ህዝቢ ይከበር፣ ሕግን ስርዓትን ይተኸል፣ ብልዕልና ሕጊ ንገዛእ ምባል ስለምንታይ እዩ ዝጽላእ። ስለምንታይ እዩ ከም ነውሪ ዝቑጸር!! ኣቱም ብፍላጥን ብግርህናን ነዚ ህዝቢ ዝውጽዕ ዘሎ መንግስቲ እትድግፉ ዘለኹም ዜጋታት ደጊምኩም ሕሰቡን ኣስተውዕሉን። ህዝብኹም እናነብዐን እናተወጸዐን እዝንኹም ኣይትዕበሱ። ክሳብ ምኣስ ኢኹም ህዝብኹም እናነብዔ ልብኹም ተትርሩ፧ ሓደራ ምስ ሕልናኹም ተዛረቡ ሕልናኹም ኣይተዕርቡ፧
እቲ ህዝብና ቀያሕቲ ደቁ ዝኸፈለሉ፡ ቅዋማዊ ደሞክራሲያዊ መንግስቲ መስሪቱ፡ ብራህዋን ቅሳነትን ክነብር ዝተተምነየሉ ናጽነት ተኻሒዱ፡ ሰውራን ሃገርን ዝመርሑ ኣርካናት ጀጋኑ ብ18 መስከረም 2001 ብዓመጽ ተቐይዶም ብዘይ ንቡር መስርሕ ፍርዲ ኣብ ጎዳጉዲ ዒላዒሮ ተሸሪቦም ኣለው። እዛ ዕለት እዚኣ ኣብ ኤርትራ ከም ጸላም መዓልቲ ጥፍኣት እንርእያ ዕለት እያ።
እታ መዓልቲ እቲኣ ነቲ ኣብ ኤርትራ ሰፊኑ ዝነበረ ትስፍው ሃዋሁው ዲሞክራሲ ዘምከነት፡ ነቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዝነበረ ፍናን ህዝቢ ዝቐተለት ዕለት እያ። እዛ ነተን ክዕምብባ ጀሚረን ዝነበራ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታትን ኣዳለውተንን ዘጥፈአት ዕለት፣ ነቲ በብዓቕሙ ቁጠባ ሃገር ከሰስን ዝሓለነ በዓል ንዋይን ጻዕራም ህዝብን ዝረመሰት: ነቲ ካብ ወጻኢ ዝመጽእ ዝነበረ ኪኢላ ኤርትራዊ ዝዓንቀፈትን ዝዀለፈትን ጸልማት ዕለት ኢያ።
እዚ እተምልኽዎ ዘለኹም ስርዓት ነቶም ንለውጢ ዝዓጠቑ ብጉጅለ-15 ዝስመዩ ሰበ ስልጣን ንግሆ ሰብ ከይተሰንአ ኣዳህሊሉ ብናቱ ፍሉያት ልኡኻት ጸጥታ ኣብ ቀይዲ የእትትዪዎም። ኣብኡ ጥራሕ እውን ደው ኣይበለን። ንኩሎም ኣሰናዳእቲ ብሕታዊ ጋዜጣታት እውን ሓይርዎም ኢዩ።
ናይ ምጽሓፍን ሓሳብካ ብናጻ ናይ ምግላጽን መሰል ኣኽቲሙ። እቲ ናይ ዲሞክራሲ ኣተሓሳስባ ዝነበሮ፡ ብሕልፊ ከኣ፥ ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር ንዝነበረን ንቑሕ ዋርሳይ መንእሰይን እናተሃድነ ክእሰር ስለዝጀመረ ብዙሕ ቁጽሪ ዶብ ሰጊሩ ክስደድ ጀሚሩ፡ ሕጂ እውን ይቕጽል ኣሎ።
ኣብ ፖለቲካዊ ውድብ ብዘይፍቓድ መንግስቲ እንኮ ክቃወሙ ዝኽእሉ ተመሃሮ ናይ ዩኒቨርሲቲ እዮም። እዚ ብምግንዛብ ህግደፍ ንዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ዓጽይዎ። ካብ 12 ክፍሊ ንላዕሊ ዝውሃብ ክብ ዝበለ ትምህርቲ፡ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ሰራዊት የእትይዎ። እዚ ዝተበሃልካዮ ተኣዘዝ፡ እሺ ጎይታይ ኣብ ዝብል ወተሃደራዊ ስነምግባር ሃዋህው ተሓጺሩ ተሪፉ። ኣካዳምያዊ ሃዋህው ዘይብሉ (critical thinking) ዘይመራመር ወለዶ ነብሲ ተኣማንነት የጥፍእ። ንጭቆና ኣብ ክንዲ ዝምክቶ ከም ካብ ሰማይ ዝወረደ ሕራይ ኢሉ ይቕበሎ። እዚ ተርእዮ እዚ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዝተራእየ እዩ። ኣብ ኮንጎ እታ በልማዝን ካልእ ኩቡር ማዕድናትን ኣብ ዓለም ዝሃብተመት ወጻእተኛታት ጉሕጉሕ እናበልዎ ህዝባ ግን ተዓዛባይ ኮይኑ ኣብ ድኽነት ይነብር ኣሎ። ኣብ ሃገር ህንዲ (the untouchable) ዝብሃሉ ዓልየት፡ ከም ትሑት ፍሉያት ዓሌት ንነብሶም ወሲዶማ፡ ኣብ ሓዘን ጎረባብቶም ክኸዱ ከለዉ ካልእ ሰብ ኣብ ኩርሲ ኮፍ ክብል ንሳቶም ኣብ መሬት እዮም ኮፍ ዝብሉ። ተቐቢሎሞ ከኣ ይርከቡ። ተማሃራይ ኤርትራ ነቲ ብጊዜ ሃይለስላሰን ብጊዜ ደርግን ዘርእዮ ዝነበረ ፍናንን ርእሰ-ምትእምማን ዘለዎ ኣንጻር መግዛእቲ ቃልሲ፡ ታሪኽ ኮይኑ ተሪፉ። ህግደፍ ኣግሂዱ ሓድሽ ወለዶ ክንፈጥር ኢና ዝበሎ ተግበሮ ደኣ። በዚ ጥራሕ ኣይዓገበን፡ ብዝሒ መንእሰያት ኣብ ከተማታት ስለዘስጎኦ ብምስምስ ሃገራዊ ኣገልግሎት ንመንእሰይ ንዘይተወሰነ ጊዜ ኣብ መዓስከራት ጅሆ ሒዝዎ። ሳዕቤኑ ከኣ፡ ሕሱም ስደት ኮይኑ። ኣብ ወርሒ ክሳብ 5,000 ህዝቢ መብዛሕትኡ መንእሰይ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ከይተረፉ ይስደዱ ኣለዉ።
ኩሉ ኤርትራዊ ከምዝፈልጦ ኣውያት ህዝቢ ንሰማይ ይዓርግ ኣሎ። ኢሳያስ ግን ከም ፈርኦን ልቡ ደኣ ኣትረረ። ከምቲ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ተወልደ ንጉስ ሄሮዶስ ዘውዱ ከይምንጥሎ መታን ኣልማማ ህጻናት ክቕተሉ ዝኣዘዘ፡ ኢሳያስ ከኣ፡ መንእሰያት ኤርትራ ከይቃወምዎ ብምስምስ ዋርሳይ-ይከኣሎ ኣብ ክፉት ቤት ማእሰርቲ ቀይዱ መጻኢ ዕድሎም ይሰብረሎም ኣሎ። ከም ባሮት ብነጻ ይዓዩ፡ ንእስነቶም ይጽንቅቑ፡ ስድርኦም ኣይሕግዙ፥ ሓዳር ኣይገብሩ) ኢሳያስ ሃገር ከም ንበይኑ ንዕኡን ንተሓባበርቱን ጥራሕ ከምእትብጽሖም ሓዲጎሙሉ፡ ንስደት የምርሑ ኣለዉ። ብነጻ ሰሪሖምን ተማሂሮምን ዝነብሩሉ ቦታ ምኻድ ወሲኖም። ኣብ መንገዲ ሞትን ማእሰርትን ዘይተኣደነ ማህረምትን ኣብ ኢድ በደዊን መቕተልቲ፡ ኩሊቶም ተሸይጡ ብዙሕ መኽሰብ ክርከበሉ። ኣብዚ ግዜ ከኣ፡ ብዳዒሽ ይሕረዱ ኣለዉ። ሳዕቤናቱ እምበኣር፡ ከምዚ ዝስዕብ ኢዩ። ንህዝቢ ጅሆ ዝሓዘ መንግስቲ ናይ ህዝቢ ኣባይቲ ከፍርስ ስኽፍ ኣይብሎን እዩ። (ኣብ ምድረበዳ ስሃራ ዝሞቱን ብኢድ በደዊን ዝተቐትሉን ኣብ ባሕሪ ዝጠሓሉን ካብ 6,000 ክሳብ 10,000 ይግምገም።
ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኣሰቃቒ ዝኾነ መድረኽ ኣትዩ ኣሎ። ነዚ ዝምልከቶም እቶም ተቓወምቲ ጥራሕ ዘይኮኑስ ዝያዳ ነቶም ደገፍቲ እዩ። ምኽንያቱ ንሶም ከስምዑ ስለዝኽእሉ፡ ሓገዞም ከይንፈገኒ ከሰምዖም ክብል ስለዝኽእል።
ብናይ ሕቡራት መንግስታት ናይ መሰል ደቂ ሰብ ናይ 2015 ጸብጻቡ 400,000 ኤርትራውያን ስደተኛታት ይርከቡ። ካብኦም እዞም ዝስዕቡ ኣብ ሰንፈላል ይርከብዎም፡ ኣብቲ ዘለውዎ መዓስከራት ሓገዝ የድልዮም እዩ።
1. ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኢትዮጵያ፡ 130,000
2. ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሱዳን፥ 126,000
3. ኣብ እስራኤል፡ 37,000
ነዚኣቶም እቲ ኣብ ድያስፖራ ዘሎ ኤርትራዊ ማሕበር ረዲኤት እናቖመ ዝተፈላለየ ሓገዝ ክገብረሎም ምተገብአ፡ ብሕልፊ ነቶም ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዘለዉ። ንኣብነት ዶክተር ኣልጋነሽ ፍስሓ ነቶም ልዕሊ 2,000 ዝኾኑ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ቆልዑ ናይ መግቢ ሓገዝ ፕሮግራም ኣለዋ።
ኣብ ክንዲ ወገንኩም፡ ደቕኹም፡ ኣዝማድኩም፡ ደቂ ሃገርኩም ዝኾኑ ግዳያት ህግደፍ ትሓሙ ነቲ ኣብዚ ስቓይ ዘብጽሖም ስርዓት ህግደፍ ናይ ሓሶት ሕብሪ ከም ኣኽባሪ መሰል ህዝቢ ኤርትራ ክትለኽይዎ ምጽዓር ሃየንታ እዩ። ለውጢ ናይ ግድን ስለዝመጽእ ታሪኽ ክሓተኩም እዩ። 4 ካቶልክ ጳጳሳት ኤርትራ ናይ ኣቤቱታ ታሪኻዊ ጽሕፍቲ "ኣበይ ኣሎ ሓውኻ" ኢሎም ንዝተወጽዔ ህዝቢ ቆላሕታ ክግበረሉ ኣባታዊ ምኽሪ ንህዝቢ ኤርትራ ሂቦም፡ ዝበልዎ ድማ ኣብ ምሉእ ዓለም ተቃሊሑ። ንስኻትኩም እውን ህዝብና ኣበይ ኣሎም ኢልኩም ሕለይሉ፡ ኣብ ሓቂ ጠጠው በሉ። መንፈሳዊ ዕግበት ይሃሉኹም። ካብ ጨቛኒ ስርዓት ህግደፍ ህዝብኹም ይሕሸኩም።
ምስጋና ንኹሎም ነዚ መልእኽቲ ከብጽሑ ኣብ ኣፍደገ ናይ ህግደፍ ኣኼባ ኣብየት ንዝብሉ ደለይቲ ሰናይ ህዝቦም ዜጋታት። ይንዋሕ ይሕጸር ብዘየገድስ ናይ ግድን ፍትሒ ክነግስ እዩ።
ካብ ደለይቲ ፍትሒ ዓዲ እንግሊዝ
ሎንደን 26/01/2016
ኣብ ሓንቲ ሃገር ህዝቢ ዘይሓንጸጾ ቅዋምን፡ ህዝቢ ዘይመረጾ መንግስትን ዝትከል፡ ነቲ ዜጋ ንከገልግል ዘይኮነስ ተገልጋሊ እዩ ዝኸውን። ኣብዚ ህሞት እዚ ከኣ ኩሉ እቲ ጸጋታት እታ ሃገር ኣብ ትሕቲ ገበተ ኢድ ውሑዳት ስለዝወድቕ እቲ ቁጠባዊ ትሕዝቶን መነባብሮን ህዝቢ ዝደኸመ ይኸውን እሞ ብድኽነት ክላቐ ይነብር ።
እቲ ብህዝቢ ዘይተመርጸ መንስቲ እምበኣር፥ ንመሰላትን ፍትሕን ዲሞክራስን ከተኣታቱ እንተኾይኑ እታ ረብሓኡ ክትጠፍእ ምዃኑ ስለዝግምት ኣይቀርባን እዩ። ምኽንያቱ እቲ ብህዝቢ ዝምረጽ መንግስቲ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ህዝቢ ብምዃኑ ከምድላዩ ልዕሊ ሕጊ ክኸይድ ስለዘይክእል። እቲ ዘገርም ግን እቲ ነዚ ከምዚ ዓይነት ስርዓት ለዊጡ ኣብ ክንድኡ ዲሞክራሲያን ዲሞክራሲያውነትን ከስፋሕፍሕን፡ ፍትሒ ከንግስን ኢሉ ዝብገስ ኣካል እውን እንተኾነ ኣብ ግብሪ ከውዕል ኣይርከብን።
ብዙሕ ምንቅስቓሳት ነቲ ናይ ለውጢ ሓይልታት ደረኽቲ ዝኾኑ ምስ ተላዕሉ ነቲ ዝተላዕለ ጨውዮም ኣብ ናይ ገዛእ ርእሶም ስልጣን መደያይቦ ይጥቀምሉ፡፡ ከም ኣብነት ኣብ 1974 ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ህዝባዊ ናዕቢ መንግስቱ ሃይለማርያም ግርም ገይሩ ብዝኣለሙ መሰረት እቲ ስልጣን ኣብ ኢዱ ጨቢጡ። ስልጣን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ምስ ኣእተወ ከኣ “ወይለኺ ዲሞክራሲ” ብዝብል ኣምር ተዋሒጡ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ድከቱ ኣስትይዎ። ከምኡ እውን ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ግብጺ ዝተኻየደ ህዝባዊ ናዕቢ ነቲ ስልጣን ዝሓዘ ሓይሊ ነቲ ህዝባዊ ጠለብ ከማልእ ዝግበኦ ክንሱ ንጎኒ ገዲፉ ኣብ ናይ ስልጣን ምግባት ገጹ ኣድሂቡ።
እቲ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኹን፡ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ኣብ ዲሞክራስን ፍትሕን ዘለዎም ኣረዳድኣ ማዕረ እንተዘይኮይኑ ሓላፍ ዘላፍ ይኸውን እሞ ዲሞክራሲ ውሕስነት ኣይህልዎን። ከመይሲ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራሲ ኣብ ህዝቢ ከስርጽን ነተን ዘለዋ ሰልፍታት ንዲሞክራሲ ብኸመይ የተግብርኦ ምክትታትልን ስለዝኾነ። ካብዚ ወጻኢ ግና ኣንጻር ሰልፍታት ክስለፍ ይኹን ንህላዌ ሰልፍታት ምንጻግ ግና ፍትሕን ሰላምን ከውሕስ ኣይክእልን እዩ።
ስለዚ ህዝባውያን ምንቅስቓሳትን ፖለቲካውያን ሰልፍታትን ንዲሞክራሲ ብኣፍ ጥራሕ ክጭርሕዋ እንተኾይኖም ምልካዊ ስርዓት እዩ ክዕምብብ። ምኽንያቱ ንርእይቶ ህዝቢ ሰሚዒካ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝተግብርን ዝከታተልን ዝቆጻጸርን እንተዘየልዩ ዲሞክራሲያዊ ምሕደራ ኣይትከልን እዩ። እዚ ከእ ምስ ርእይቶን ድሌትን ህዝቢ ይገራጮ እሞ ህዝቢ ኣብ ኣገልጋልነት ደረጃ ወዲቑ ፖለቲካውን ቁጠባውን ጸቕጢ የጓንፎ። ዲሞክራሲ ከምቲ ግቡእ ምስ ክብርን ስራሕን ተወሃሂዱ ክኸይድ ከሎ እዩ ትርጉም ዝህልዎ እሞ ሰልፍታት ንጠለብ ህዝቢ ተግበርቲ፥ ምንቅስቓሳት ከኣ ንጠለብ ህዝቢ ኣቕረብቲ ክኾና ኣለወን። ሰልፍታትን ምንቅስቓሳትን እምበኣር ነንበይነን ወይ ከኣ ከም ተጻረርትን ሓድሕደን ተጓነጽትን ጌርካ ምቕራብ ወይ ከኣ ህዝባዊ ምንቅስቓሳት እምበር ሰልፍታት ኣየድልያን ምባል ንምልኪ ምዕዳም ጥራሕ እዩ
ካብዚ ብዝተረፈ፥ ብስም ዲሞክራሲ እናጨረሐ ዝወዳደብ ሰልፍታት ይኹን ምንቅስቓሳት ኩሉ ንሓቀኛ ዲሞክራሲያዊ መስርሕ ይበቕዖን የተግብሮን ማለት ኣይኮነን። ኣብዚ ኩነት እዚ እቶም ተበለጽቲ ኣብ ትሕቲ ሽፋን ናይ ዲሞክራሲያ ጭርሖ ተሓቢኦም፡ ነቶም ነታ ዲሞክራሲ ክሰርሑላ ዝጽዕሩ ከናሽው፡ ከነኣእሱን ከቖናጽቡን ስረሐይ ኢሎም ኢዮም ዝተሓሓዝዎ። ሽዑ ኣብ መወዳእታ እቲ ሓፋሽ ህዝቢ ነቲ ሓቂ ፈሊጡ ኣብ ጎኒ እቲ ቅኑዕ ራኢ ሒዙ ዘሎ ወገን ንኸይዓስል ከም ዝዕገት ምስ ገበሩ ከኣ ንሰልፍታት ከም መነሃሃሪ ሽግር ገይሮም ክቕርቡ ይፍትኑ።ተሳትፎ እቲ መሰረት ኣልሲ ዝኾነ ህዝቢ እንተደኣ ትሑት ኮይኑን ከምኡእውን እቲ ዝነበረ ቁጽሪ መሰረት ቃልሲ እናተባሕጎጐ ከይዱ ዓቕምን ክእለትን እተን ፖለቲካዊ ሰልፍታት ስለዝጎድል ንድልየታት ህዝቢ ዘንጸባርቕ ክሰርሓ ይሽገራ። እቲ ኣንጻር ሰልፍታት ዝግበር ጐስጓስ ህዝባዊ ተቐባልነት ስኢነን ነቲ ዝኽተለኦ ዘለዋ ፖለቲካዊ ፍልስፍና እቲ ህዝቢ ከም ዝይበሎ ምግባር ዝዓለመ እዩ።
ከምዚ ካብ ኮነ፡ ውድባት ወይ ሰልፍታት መሰረታት ኣብ ዝወሓድሉ ወይ ከኣ ኣካል ህዝቢ ዝኾኑ ተራ ኣባላት ዘይብሉ ውደባ በየናይ መገዲ ኢዩ ክሰርሕ ዝኽእል። ውድብ እኮ ገንዘብ፥ ተወፋይነት ክኢላ ዓቕምን ሰብኣዊ ጉልበትን የድልዮ። ብዘይ እዞም ዝተጠቕሱ ባእታታት ውድብ ይኹን ሰልፊ ከድምዕ ኣይክእልን እዩ። ተመሊስካ ነተን ሰልፍታት ምሕማይን፡ዲሞክራሲ እናጨራሕካ ውድባት ኣየፍረያን ውድባት ፈሽለን እየን እናበልካ ብምምጽዳቕ ዲሞክራሲ ኣይዕንብብን እዩ።
ሎሚ ከኣ ሕሉፍ ሓሊፉ ህዝብን ሰልፍታትን ንምፍልላይ ብማለት ንኣድላይነት ሰልፍታት ንምድምሳስ ዝግበር ጻዕሪ ናይ ገዛእ ርእስኻ ሕቡእ ኣጀንዳ ምህላው እዩ ዝእምት። እዚ ከኣ ልክዕ ምስቲ ስርዓት ኢሳያስ ኣብ ግዜ ነጻነት ኣብ ፈለማ መደርኡ ውዳባት ሰልፍታት ኣየድልያን እየን ዝበሎ ዝሰማማዕ እዩ።
ልክዕ እዩ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ደራኺ ሓይሊ ናይ ለውጢ ኮይኑ ንሓደ ገባቲ ስርዓት ኣብ ምውዳቕ እውን የቀላጥፍ እዩ። እዚ ግን ብዘይህላዌ ሰልፍታት ክኸይድ እንተኾይኑ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ጥራሕ ብመሰረቱ ናይ ብሓቂ ንህዝባዊ ሃገራዊ ኣጀንዳ ይውክል’ዲዩ? ሓቀኛ ዲሞክራሲያዊ ፖለቲካዊ ትካላት ኣለዎ’ዶ? ኢልካ ምሕታት ኣገዳስነት ኣለዎ። ህዝባዊ ምንቅስቓስ መሳርሒ ኮይኑ መላእ ህዝቢ ሓደ ዓይነት ራኢ ይውንን እዩ ኢልካ ምሕሳብ ግን የዋህነት እዩ። ነዚ ዝተፈላለየ ራኢ ናይ ህዝቢ በተን ዘለዋ ሰልፍታት እዩ ዝምእከል።
ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኣብ ልዕሊ ፖለቲካዊ ተግባራት ጽልዋ ከም ዘለዎ ርዱእ ኮይኑ፡ እተን ሰልፍታት ክተሓባበራን ክደጋገፋን ይግባእ። እዚ ምስ ዝህሉ እዩ ለውጢ ኣብ ፖለቲካዊ ስርዓት፥ ለውጢ ኣብ ባህሊ ክዕምብብ ዝኽእል። እቲ ንግርጭታትን ረብሓታትን ናይ ምምእካልን ጸጋታትን ስልጣንን ናይ ምምቕራሕ ክሰላሰል እተን ሰልፍታት ህዝቢ ብዝጠልቦ ክቕየዳ ይኹን ህዝቢ ዝጠልቦ ንኽፍጽማ ከኣ ይግደዳ።
ድራር መንታይ
ህጹጽ ጸዋዒት ንኹሉ ኤርትራዊ ዜጋ
ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን፡
ብቐዳምነት ኣብ ሓባራዊ ሃገራዊ ቃልሲ ዝተሞርኮሰ ዕዙዝ ሰላምታይ ብምቕዳም፡ እዚ ዓብን ኣገዳስን ንእዋናዊ ጠልብ ሲፊሕ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ግምት ኣእትዩ ንሃገር ንምድሓን ቁዱስ ሃገራዊ ዕማም ሒዙ ዝጋባእ ዘሎ ገለ ክፋል ናይ ሓይልታት ተቓውሞና ክቡር ሰውራዊ ሰላምታትይ እንዳቕረብኩ ኣብዚ ዝገዝኣና ዘሎ ተኣፋፊ ህልዊ ፖሎቲካዊ ኩነታት ሃገርና ንኽንኣልዮ ፍታሕ ክንረኽበሉ ምእንቲ መድረኽ ይሓተናሎ`ሞ ንሰውራውን ሃገራውን ዕማምና ሃየ ነበግሶ ብዕቱብ ንሓዞ መታን ከነዕውቶ።
ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ነዚ ንሃገርና ኤርትራ ዝገዝኣ ዘሎ ጽንኩርን ኣዝዮም ዝተሓላለኹ ኩነታትን ብምግንዛብ ነዚ ዕድል’ዚ ተጠቒምና ኣብ ነዊሕ ናይ ቃልሲተሞኩሮ ዝተሞርኮሰ ዓቕምና ንዘሎና ሓሳብን ርእይቶን ከነቕርብ ድልዋት ክንከውን ክብል ከሎኹ፡ ነዚ ዝጽበየና ዘሎ ከቢድ ሃገራዊ ዕማም ብሃገራዊ ሓላፍነትን ሕልናን ርኢና ንሕሉፍ ልዕሊ 20 ዓመት ዝወሰደ ናይ ተቓውሞ ተመኩሮና ብዕቱብ ዳህሲስና ንኣወንታውን ኣሉታውን ጎድንታትና ገምጊምና እቶም ኣብ ቅድሜና ተገቲሮም ዝብድሁና ዘሎዉ ጸገማትና ብዑምቀት ፈሊጥና ነዚ ተበጉስናሉ ዘሎና ቅዱስ ዕላማ ሃገር መታን ከነዕውቶ ኣብ ሓባራዊ ኣስራርሓ ዝኣምን ካብ ናይ ዝኾነ ይኹን ምትእታው ነጻ ኮይኑ ብኤርትራዊ መንነቱ ዝኾርዕን ዝሕበንን፡ ሓደ ሓያል ሃገራዊ ግንባር ከነቕውም እዋናዊ መድረኽ ይሓተናን ይጽበየናን ስለ ዘሎ ከይተማእታእና ግዜ ከይወሰድና ክንሰርሓሉ ንዳሎ።
እዚ ክብል ከሎኹ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሕቶ ምርግጋጽ መሬታዊ ናጽነትን ልዑላውነት ሃገርን ወላእኳ እንተ ተዓውተ፡ ንምርግጋጽ ልዑላውነት ህዝብን ምርግጋጽ ዜጋዊ ሓርነታዊ መሰልን ማዕርነትን ግን ጌና ኣብ መስርሕ ቃልሲ እዩ ዝርከብ። ሕብረተሰብ ኤርትራ ኣብ ዘርኣዮ ናይ ሰላሳ ዓመት ተባዕ ቃልሱ ኣዝዩ ፍሉይን እምብዛ ዘኹርዕን ዘሕብንን ታሪኽ ክኸውን ከሎ፡ ብከቢድ መስዋእቲ ብሉጻት ደቁ ከፊሉ ኣብ ፓሎቲካዊ ተመኩሮኡ ዝተሞርኮሰ ዝተራጋገጸ ናጽነት፡ ናቱ ታሪኽ ዘሎዎ እኳ እንተኾነ፡ ኣብዘካየዶ ቃልሲ ውጽኢቱ ግን ንረብሓ እቲ ዝተቓለሰ ሰፊሕ ህዝቢ ከምቲ ዝደለ ከብጸሖ ኣይበቕዖን ኣይተዓወተን እዩ ዘሎ፡ እቲ ጠንቂ ናይ ዘይምዕዋትና ብሰንኪ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ እዩ ብምባል ሓላፍነት ከነሰክሞ ጥራሕ ኣኻሊ ኣይኮነን፡ ብመንጽሩ ንሕና ኸ እቶም ብሓይልታት ተቓውሞ ንፍለጥን ንጽዋዕን ነዛ ሃገር ንምድሓን ንምልካዊ ስርዓት ካብ ስሩ መታን ክነልግሶ ከምቲ ዝደለ ክንሰርሕ በቒዕናዮዶ ኣይበቓዕናዮን ንዝብሉ ሕቶታት እቲ ጉዳዩ ብቐንዱ ንዓና ዝምልከት ኮይኑ ብተግባር ሃገር መታን ከነድሕና ክንምልሾ ዝጽበየና ዘሎ ህመትና ከም ዝኾነ ክንስሕቶ ኣይግበእን።
ኣብ ዘመናዊ ታሪኽ ናይ ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝብታት ዓለምና ክንርኢ እንተኾና ካብኦም ከም መወከሲ ተጠቒምና ክንመሃረሎም ንኽእል፡ መዳርግቲ ዘይብሎም ብኣወንታን ኣሉታን ዝግለጹ ተሞኩሮታት፡ ከም ዘለዉ ኣይሰሓትን ። ይኹን እምበር ሕብረተሰብ ኤርትራ ኣዝዩ ዝተሓላለኸን ከቢድ ዋጋ ዝኸፈለሉ ሰውራ ኣካይዱ ሃገር ወኒኑ መንግስቲ ወላኳ እንተኣቖመ ናይ መጻኢ ዕድላቱ ጽልግልግ ዝበለ ዘደናግር መታን ከይከውን ዋሕስ ክገብረሉ ዝግባእ ዋንነትን ኣተዓዳድላን ኣማቛራርሓን ፖሎቲካዊ ስልጣን ስለ ዘየነጸረ፡ ከምኡ ውን ብሰንኪ በሓትነት ናይ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ንዝጸንሖ ኣብ ዶሞክራስን ማሕበራዊ ፍትሕን ልምዓትን ዕብየት ሃገርን ዝተሞርኮሰ ሕልምታቱ ስለ ዝተጎርሸ፡ ሎሚ ኢርትራ ኣብ እዝዮም ግናያት ዝኾኑ ንኽትገልጾም ዘጸግሙ ኣብ ኣእዳው ውሑዳት ደቂ ሃገር ኢና በሃልቲ ውልቀሰባት ወዲቓ ትሳቐ ምህላዋ ንኹልና ብሩህ ክኸውን ከሎ፡ እዞኦም እዮም እቶም ዛጊት ክንዕወተሎም ዘይከኣልና መዳያት ክበሃል ይከኣል።
ናይዞም ዝተጠቕሱ ከምቲ ዝድለ ከነዕውቶም ዛጊት ዘይከኣልና፡ ከም ሳዕቤናቶም ኸኣ ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚእዋን’ዚ ከቢድ ዋጋታት ይኸፍል ከም ዘሎ ኩሉ ዝፈልጦን ዝሻቐለሉ ዘሎን ርኡይ ተራኽቦታት ክኸውን ከሎ፡ ከም ውጽኢት ናይ’ዚ ተግባር’ዚ እዚ ንርእዮን ንሰምዖን ዘሎና መብዛሕተኦም ናይ ኣብ ከባቢ ናጽነት ዝተወልዱ መንእሰያትና ክሳብ ኣብ ትሕቲ ዕድመ ዘሎዉ ዜጋታትና ውን ከይተረፉ ካብቲ ናይ ዝሓለፉ ዘመን ባዕዳዊያን ጸላእትና ዝኽፍአ ተግባራት፡ ካብ ብምልካዊ ስርዓት ኤርትራ፡ ዝወርዶም ዘሎ እከይ ተግባራት ክድሕኑ ክብሉ ተገዲዶም ዶብ ክሰግሩ፡ ኣብ ጉዕዞኦም ናይ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ንኣደዳ ሞትን ካልእ ንክትገልጾ ዘሰክፍ እከይ ተግባራት ይቃልዑ ከም ዘሎዉ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ንርእዮን ንሰምዖን ኣሎና፡ ነዚ ዝጓነፎም ዘሎ ፍታሕ ክህሉ ኣሎዎ ንዝብሉ ሕቶታት ኩልና ደቂ ሃገር ሻቕሎት ጥራሕ ዘይኮነ ብቐንዶም ናትና ሓላፍነት ኮይኖም ዘላቒ ፍታሕ ከነናዲየሎም ዝጽበዩና ዘሎዉ ክኾኑ ከሎዉ፡ እዚ ኣብ ሃገራዊ ሕልና ዝተሞርኮሰ ዓቢ ሃገራዊ ሓላፍነትና ከም ዝኾነ ውን ኩሉ ወዲ ሃገር ክስሕቶ ኣይግባእን።
ከም ሕብረተሰብን ሃገርን ንዝገጠመና ፍሽለት ምጽብባቕን ምግናንን ዘድልዮ ኣይኮነን፡ ንዘይምዕዋትና ክንሽፍን ብሰንኪ ፍላንዶ ዕላን ኢልና ከነፍኩሶን ክንነጽጎን እንተጀሚርና ፈጺምና ክንእርሞ ውን ኣይክንበቅዕን ኢና። እዚ ዘኹርዕን ዘሕዝንን ፖሎቲካዊ ተሞኩሮን’ዚ ግን ንታሪኽን ንምንዮትን ምስትንታናትን ጥራይ ዝግደፍ ውን ኣይኮነን፡ ስለምንታይ እቲ ንኾርዓሉ ዝተሰርሐ ቅያን ሓያል ታርኽን፡ እዚ ዘጋጠመና ዘሎ ፍሽለትን ብምግንዛብ ብእኡ ዝተበገሰ ዲናሚካውነትን ከም ደራኺ ሓይሊ ኮይኑ ንኣወንታታትና ዓቂብና ኣሉታትና ኣወጊድና ሓድሽ ማሕበራዊ ሰውራ ንምህናጽ ሰላምን ፍትሕን ራህዋን ዝሰፈና ሃገርን መታን ክትከውን ብተግባር ክንቃለስ ይግባኣና፡ እዚ ሕጂ ከነካይዶ ዝግበኣና ማሕበራዊ ሰውራ ኣገዳስነቱ ካብቲ ኣብ ኣዋን ሓርነታዊ ቃልሲ ዘሰላሰልናዮ ቃልሲ ዝንእስ ኣይኮነን ብኣንጻሩ ከምዚ ንርእዮን ንዕዘቦን ዘሎና ዝተሓላለኹን ኣዝዮም ከበድቲ ብድሆታት ከጋጥሙና እዮም። ንሕብረተሰብ ኤርትራ ጉዳይ ምርግጋጽ ሰላምን ራህዋን ምዕሩይ ዝኾነ ቁጠባዊ ኣተዕዳድላን ከምኡ ዉን ንማሕበራዊ ኣገልግሎት ዝምልከት፡ ማዕረ ዕዳላ ምርግጋጽ ሰብኣውን ዲሞክራሲያውን መሰላት መሉእ ተሳትፎ ሰፊሕ ህዝቢ ኣብ ምውሳን ጉዕዞ ሃገሩን ምምሕያሽ ነገራውን መንፈሳውን ባህላውን ድልየታቱን ጠለባቱን ንምምላእ፡ ብዝተሓተ ደረጃ ዝረጋገጸሉ ህመት እንተዘይ ፈጢርናሉ ኤርትራ ከምዚ ንርእዮ ዘሎና ንውሉድ ወሎዶ ወትሩ ኣብ ናይ ጽልግልግ ጎደና ሓደጋታት ዝተሰጥሐት ኮይና ክተርፍ ማለት፡ ንዓና ነቶም ንነዊሕ ዝተቓለስና ዓቢ ታሪኻዊ ሓላፍነት ኮይኑ ብተግባር መልሲ ክንረኽበሉ ዝብደሃና ዘሎ ግዙፍ ሃገራዊ ህመት እዩ ክበሃል ይከኣል።
እዚ ክብል ከሎኹ ካብ እንውንኖ ሃብታም ተመኩሮናን ናይ ነዊሕ ቃልስናን ከምኡ ውን ብቐረባ ናይ ጎረባብትና መንግስትታን ሕብረተሰባትን፡ ሃገራት ዓለምና ዝሓለፍኦን ዘጋጠመንን ዘሎ ዝተሓላለኸ ሽግራተን ብምርኣይን ምንቃልን እቲ ሓደጋታት ንዓና ውን ዝምልከት ኮይኑ ክጸልወና ውን ስለ ዝኽእል፡ ካብኦም ከም መጠንቀቕን መምሃርን ወሲድና ሃገር ንምድሓን ክንሰርሓሎም ዝግበኣና ሜላታትን ምትዕጽጻፍን ክህልወና ይግባእ።
ወትሩ ኣብ ግዝየን ዝተፋላለዩ ኩነታት ዝቀያየሩ ባዕላውን ወድዓውን ተርእዮታት ክቕልቀሉ ይኽእሉ እዮም፡ ነዚኦም ከምዚ ብሽም ተቓውሞ ዝረአ ዘሎ ኣብ ክንዲ ነዚ ኔኤርትራን ህዝባን ዘጽንት ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ኣስተባሂልና፡ ካብኡ ብምንቃል ሓድነትና ዓቂብናን ኣደልዲልናን ኣብ ምውዳቑ ንቃላጠፍ ኣብዚ ግዜ’ዚ ኣብ ደገ ኮይና ከነተግብሮም ዘይንኽእል ዝተፋላለዩ ሕቶታት ኣልዒልና ንዓመታት ኣብ ንረብሓ ሃገር ዘይኮነ ጸቢብ ኣተሓሳስባ ሒዝና ኮለል ንብል ምሃላውና እሞ እዚኦም ንታሪኽን ቃልሲ ሰፊሕ ህዝብና ዘይውክሉ ከምዝኾኑ ብሃገራዊ ሕልና ብዑምቀት ፈሊጥና፡ ናይ ሓባር ፖሎቲካውን ቁጠባውን ሕብረተሰብኣውን ንረብሓ ሰፊሕ ህዝብና ኮይኖም ንጹር ሃገራዊ ራእይ ሃልዩና፡ ቃልስና ኣመዓራሪና፡ ኣብኡ ዝተሞርኮሰ ድልየትን ሕልምን እንተዘይብልና ነቲ ብሕልናናን ኣካልናን ንሓስቦ ዘሎና ሃገራዊ ስትራተጂካዊ መደባትና ክንበጽሖ ኣይንኽእልን ኢና ማለት እዩ ዘስምዕ። ንመሰል ዴሞራስን ማሕበራዊ ፍትሕን ከም ሕመረት ተወሲዶም ኣብ ወረቓቕቲ ብውሕሉል ኣገባብ ተጻሒፎም ኣብ ቡዙሕ ኣጋጣሚታት ንኽትዕን ምይይጥን ዝቐርቡ ውሑዳት ኣይኮኑን ምናልባት ገሊኦም ብሓቅነቶምን ሚዛኖምን ንሃገር ከገልግሉ ዝበቕዑ ኮኾኑ ይኽእሉ እዮም፡ ኣብዚ ክርዳእና ዘሎዎ ግን ኣብ ኢድካ ፖሎቲካዊ ስልጣን ከይጨበጥካ ክትግበሩ ከምዘይክእሉ ኣብዚ ዝሓለፈ ናይ ተቓውሞ ተመኩሮና በሪሁልና ክነሱ መመሊስና ንዓመታት ንዕኦም ክንደጋግም እንተኼና ከም ማይ ኣብ ኢድካ ምዕሟኽ ዝመስል ዘይትግበር ሕልሚ ኮይኑ ከም ዝተርፍ ብተግባር ተረጋጊጹ እዩ።
ኩሉና ዘይንፋላለየሎም ንሃገር ዝምልከቱ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ብሓይልታት ተቓውሞ ዝቐርቡ ዘስተባሃልናሎም ኣገደስቲ ሃገራዊ ስትራትጂ ክቐርቡ ጸኒሖም እዮም፡ ገለ ካብእቶም ንምጥቃስ ኣምበኣር፦
1. ኣብ ቅዋም ዝተሞርኮሰ ልዑላውነት ሕጊ ትኣምን ሃገር ክትከውን
2. መሰል ዶሞክራስን ማሕበራዊ ፍትሕን ሃልዩ ሓጋጊ ኣካል ሓላፍነቱ ወሲዱ ብተግባር ክሰርሓሉ ክኽእል።
3. ናጽነት ናይ ሓጋጊ ኣካልን ፈራድን ፈጻምን ሃልዩ ብተግባር ክስራሓሉ፡
4. ህዝቢ ዝቕበሎም ብዙሒነት ፖሎቲካዊ ሰልፍታት ሃልዮም ንረብሓ ሃገር ክሰርሑ፡
5. ፕረስ ኣብ ሕጊ ዝተሞርኮሰ ምሉእ ናይ ምውሳእን ምክትታልን ናጽነት ክህልዎ፡
ዝብሉ ዓበይቲ ነጥብታት ናይ ኩሉና ድልየትን እምነትን ከምዝኾኑ ኩሉና ንሰማማዓሎም እዮም። ይኹን’በር እዞም ዝተገልጹ ዓበይቲ ነጥብታት ክትግበሩ እንተ ኾይኖም ብቐዳምነት ነቲ ስልጣን ጨቢጡ ዝኽልክለና ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ብመሰረቱ ካብቲ ሒዙዎ ዘሎ ስልጣን እንተ ዘይለጊሱ ኩሎም ኦዞም ዝተጠቕሱ፡ ዘይትግብሩ ሕልምታት ኮይኖም ኣዮም ዝተርፉ እሞ ነዚኦም ኣለሊና ቃልስና ኣሐይልና ናብቲ ንደልዮ ሽቶና ክንበጽሕ እንተዳኣ ኲና፡ ብቐድምነት፡ ነዊሕ ተቓሊሶም ሃብታም ተሞኩሮታት ዝውንኑ ኤርትራዊያን ብብዝሒ ስለ ዘሎዉ፡ ከምኡ ውን ደቀንስትዮን መንእሰይን ዝለዓለ እጃሞም ከበርክትሉ ዝኹእሉ ክነት ፈጢርና ክንጋባእ ክንክእል፡ እሞ ካብኡ ዝመንጨወ ከቃልሰናን ከዕውተናን ዘኽእለና ሓደ ሓያል ሃገራዊ ግንባር ክነቕውም የድልየና ከም ዘሎ ኣይሰሓትን። ናብኡ ክንብጽሕን ክንዕወትን ምእንቲ ኸኣ፡ ናይ ኩሉ ደላይ ለውጢ ተቓዋማይ ኣብ ሃገራዊ ሕልና ዝተሞርኮሰ ጥሙር ሓያል ቃልሲ ከነካይድ ከም ዘሎና ክንስሕቶ ኣይግበኣናን።
ኣብ ዝተፋላለዩ ኣጋጣሚታት ኣብ ዝተፋላለዩ ቦታታት ብዝገበርኩዎ ድህሰሳ እቲ ዝበዝሐ ህዝቢ ነዚ ጠለብ’ዚ ብዝውንኖ ዓቕምታቱ ይቃለሰሉን ይደፍኣሉን ከም ዘሎ ብንጹር ይበርህ ኣሎ እዚ ካብ ኮነ እቲ ሓቅታት፡ ንሕና ናይ ሰፊሕ ህዝቢ ልኡኻት ስለ ዝኾና ነዚ ኣብ ግምት ብምእታውን፡ ንሕድሪ ሰማእታትናን ንሓቀኛ ድልየት ህዝብን ክንምልሽን ከነዕውቶን መድረኽ ይሓተናን ይጽበየናን ከም ዘሎ ኣይሰሓትን።
ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንሰማእታትና
ዝተማልአ ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ።
መሓመድ ብርሃን ብላታ

ኩላትና ከምዝተኸታተልናዮ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንጸብጻብ ኮምሽን ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ንምብርዓን፡ እንተስ ብምትላል እንተስ ጸቕጢ ብምግባር ኣብ ኤርትራ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰል ከምዘየሎ ዘረጋግጽ ክታም ካብ ኤርትራውያን ክእክብ ተዋፊሩ ይርከብ።
እቲ ሓቂ ኩሉ ከምዝፈልጦ ግና ጠንቂ ስደትን፡ ሕስረትን፡ ምብትታንን፡ ሞትን ኤርትራውያን ብሰንኪ ጉድለት ግዝኣተ ሕጊ እዩ። ምስ ባርነት ዝዳረግ መወዳእታ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ኩሉ ዓይነት ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ተወሲኽዎ ኤርትራዊ ኣብ ሃገሩ ክነብር ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ ስለዝበጽሐ፡ ዓዱ ገዲፉ፡ ብብረት ዝሕሎ ዶባት ሰጊሩ ናብ ዓዲ ጓና ክስደድ ተቀሲቡ ኣደዳ ሓሳረ መከራ ኮይኑ ኣሎ።
ኣዝዮም ውሑዳት ኤርትራውያን ግና ነቲ ሓቂ እንዳፈለጡ እንተስ ብፍርሒ፡ እንተስ ብረብሓ፡ እንተስ “ዘይሰንኻ ሑጻ ቖርጥመሉ” ዝብል ኣተሓሳስባ፡ መጋበሪ ኤምባሲ ክኾኑ መሪጾም ኣለዉ። እዞም ሰባት እዚኦም መንግስቲ ኤርትራ ኣጋፊዑና፡ ኣብ ዓድና ክነብር ኣይከኣልናን ብምባል ዑቕባ ሓቲቶም ክንሶም፡ ተገምጢሎም ግና መንግስቲ ዝበደሎ የብሉን፡ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት እዮም ብሓሶት ንመንግስትና ዝጥቅኑዎ ዘለዉ እንዳበሉ ነዚ ብህይወት ዜጋታቱ ዝጻወትን ብመጻኢ ዕድል ንኡስ ኤርትራዊ ወለዶ ዝጣላዕን ዘሎ ኣረሜናዊ መንግስቲ ክሕለቕሉ ዝፍትኑ ዘለዉ።
ሃገርን ህዝብን ካብ መንግስቲ ፈሊኻ ምርኣይ ብልሒ’ዩ። ነቲ "ብገበን ኣንጻር ሰብኣውነት" ዝኽሰስ ዘሎ መንግስቲ ምጥባቕ ማለት ኣብቲ ንሱ ዝገብሮ ዘሎ ገበን ተሳታፊ ምዃን ማለት እዩ።
በዚ ኣጋጣሚ ኤምዲሰመ ንኹሎም እቶም መጋበሪ መንግስቲ ክኾኑ ዝመረጹ፡ ናብ ልቦም ክምለሱ፡ ምስቲ ውጹዕ ህዝቦም ክውግኑ የተሓሳስብ። እንተዘይኮነ ግና ብሕጊ ተሓተቲ ምዃኖም ክግንዘቡ ይግባእ። ጸብጻቦም ናብ ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ጠበቓታት ንሰብኣዊ መሰላትን፡ ሕቡራት መንግስታትን፡ ነተን መደብ ምጥያስ ስደተኛታት ዘለወን ሃገራት ኤምባሲታትን ከነመሓላልፎ ምዃንና ኣቐዲምና ነጠንቕቕ። ንዝመጽእ ሳዕቤን ተሓተቲ እቶም ምስ ኣሬመናዊ መንግስቲ ዝደናገጹ ውሑዳት ውልቀሰባት ምዃኖም ነፍልጥ።
ኤምዲሰመ
15 ጥሪ 2016
ፕሪቶርያ - ደቡብ ኣፍሪቃ
ቅኑዕ ኣገባብ ፖለቲካዊ ቃልሲ ዘይሓዘን፥ ንኹሉ ዝሓቁፍ ቅኑዕ ራኢን ፖለቲካዊ ብስለትን ዘይውንን ሕብረተሰብ ከይዱከይዱ ፍልልያት ክጽሕትርን ኣብኡ ክሕባእን እዩ ዝፍትን። ከምኡ እውን ኣብ ነንሓድሕዱ ምትእምማን ስኢኑ ክወናጀልን ምናልባት እውን ክሳብ ዕንወት ናይ ሃገር ከስዕብ ይኽእል ይኽውን። ስለዚ ሓደ ሕብረተሰብ ናይ ምሕሳብ ዓቕሙ ይኹን ብቕዓቱ ከደልድልን ከበርትዕን ንነፍሱ እውን ሰሪዑ ብምዕቡል ኣገባብ ክመሓደር ናይ ስነፍልጠት ወናኒ ክኸውን ይግባእ።
ሎሚ፥ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ትሕቲ ብልሽው ምምሕዳር ውልቀ-መለኽቲ ይመሓደራ ከም ዘለዋ እንዕዘቦ ዘለና ተርእዮ እዩ። እዚ ብልሽው ምሕደራ እዚ ዝፈጥሮ ሃስያ ከኣ ሳዕቤኑ ስደት፥ ድንቁርና፥ ምፍልላይ፥ እዩ። ገለ ካብቲ ካልእ ሰራም ውጽኢቱ ከእ እቲ ሕብረተሰብ ኣብ ነንሓድሕዱ ክጠራጠርን ክጻላእን ነቲ ናይ እምነትን ዓሌትን ምፍልላይ ከም መመኽነይታ ብምጥቃም መሳርሒ ኣብ ምብላሕ ግርጭት ክጥቀመሉ ይርከቡ። ከምኡ እውን ቅኑዕ ኣተሓሳስባ ስለ ዘይውንኑ ንኣቕጣጫ ፖለቲካዊ ቃልሲ ካብ ስነፍልጠት ወጻእን ስነምግባር ዝጐደሎ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባን ስለ ዝጎዓዝ ከኣ ዕድመ ስልጣን ናይቲ ምልኪ ከናዊሕ ምኽንያት ይኸውን።
ኣብ ከምዚ ህሞት እዚ ዝፍጠር ፖለቲካዊ ተቓውሞ እውን እንተኾነ ብዙሕ ሽግራት ከም ዘጋጥሞ ርዱእ እዩ። ምኽንያቱ ኩሉ ብዓይኒ ጥርጠራ ስለ ዝጥመትን ኣብ ልዕሊኡ እምነት ስለ ዘይንበርን እዩ። እዚ ከምዚ ዝዓይነት እምነት ምጉዳል ከኣ ዓቢ ነቓዕ ስለ ዝፈጥር ናብቲ ዝድለ ዕላማ ንምብጻሕ ብዙሕ መስገድላት ክስግር ኣለዎ።
እዚ ኣብ ኤርትራዊ ደምበ ተቓውሞ ዝርከብ ህዝቢ ካብዚ ኣምር እዚ ክሳብ ክንደይ ተላቒቑ ኣሎ? ክሳብ መዓስከ እዩ ኣብ ነንሓድሕዱ ተተፋኒኑ ክነብር? ልክዕ እዩ ሓደ ሕብረተሰብ ብስነምግባራውን ስነስርዓት ዝመልኦ ፖለቲካ ከካይድ ብቕዓት እንተዘይወኒኑ ካብዚ ዓዘቕቲ ናይ ምርሕሓቕን፥ ምትፍናንን ክወጽእ ወይ እውን ክልወጥ ግዜ ክወስድ ምዃኑ ዘጥራጥር ኣይኮነን።
እቲ ንኹልና ጐዲሉና ዘሎ ጉዳይ ክንጥምትን ክነስተብህልን ስለ ዘይከኣልና ከኣ እነሆ ነፍሲ ወከፍና ሓልዮትን ስነፍልጥትን ብዘንጸባርቕ ጉዕዞ ክንከይድ ኣይከኣልናን ዘሎና። ኣብ ስነፍልጠት ዘይተመርኰሰ እንኸዶ ጉዕዞ እምበኣር ንናይ ምሕሳብ ዓቕምናን ንገዛእ ርእስና ናይ ምልዋጥ ቅሩብነትን ኣብ ምድኻም ዓቢ ገደ ይጻወት ከም ዘሎ ምርዳእ ከድልየና እዩ። ምኽንያቱ ሓቂ ካብ ሓሶት፥ ቅኑዕ ካብ ጌጋ ከምኡ እውን ንስነፍለጠትን ንዘይስነፍልጠትን ፈላሊና ክንጥምት ዘኽእል ፍልጠት ክንድልብ እንተዘይክኢልና ንሽግራትና ፍታሕ ክነቕርብ ኣይክንክእልን ኢና።
ስለዚ ነዚ ሓቀኛ ፍልጠት ዘይምቕሳምና ንገዛእ ርእስና ምፍላጥን ንውሽጥና ተመልኪትና ካባና ዝጐድል ዘሎ ንምርዳእ ዘኽእለና ንጹህ ኣእምሮ ክህልወና ኣይበቓዕናን ዘሎና። እዚ ከኣ ናይ ተንኮልን ቅንእን ግዙኣት ክንከውን ስለ ዝደፋፋኣና ኣብ ሕንፍሽፍሽ ክንነብርን ኣርሒቕና ከይንጥምትን ገይሩና ይርከብ ኣሎ። ኩሉ ሽግራትና ባዕልና ብእንፈጥሮ ጸገም ናብ ፍልልያት ይነቚተና እሞ ከምቲ ብዓረብኛ ዝተመሰለ ‘’እዛ እትራፈሱ ኣስያድ ኣልሓሚር ያ በኸትል ሩኳብ’’ ማለት ዋናታት ኣእዱግ ምስ ዝገራጨዉ ወይ ምስ ዝበኣሱ ዕድል ናይ ተሳፈርቲ’’ ይኸውን እዩ ነገሩ።
ኣብ ከምዚ ኩነታት፡ “እንተይ ዳኣ እዩ እሞ ዝግበሮ”? ዝብል ሕቶ ከልዓል ባህሪያዊ እዩ። ንሱ ድማ ዝኾነ ይኹን ሰብ ብሄረይ፥ ሃይማኖተይ፥ ፖለቲካዊ ርኢቶይ፥ ዓሌተይ .... ወዘተ ካብ ካልእ ዝበልጸ እዩ ካብ ዝብል ኣተሓሳስባ ክወጽእ ኣለዎ። እዚ ምስ እንገብር ከኣ እዩ እቲ ኣብ ሃገርና ስልጣኔ ዝስፋሕፋሓሉን ምዕብልና ዝረጋገጸሉን ህዝቢ እውን ተሰማሚዑን ተኸባቢሩን ዝነብረሉ ሃውህው ዝፍጠር። እዚ ምስ እነዘውትር ከኣ ነቲ ፋሕ ዝበለ ናይ ለውጢ ዓቕሚ ተኸፋፊሉ ኣብ ክንዲ ኣብ ነንሓድሕዱ ሕኒን ዝብህሃል ንህዝብን ሃገርን ብዘገልግልን ዘርብሕን ኣቕጣጫ ሒዙ ንኽምርሽን ተላዚቡ ብሓባር ክስርሕን መኽኣሎ።
ንሕና ኣብ ለውጢ ረብሓ ዘለና ደምበ ተቓውሞ ህዝብናን ሃገርናን ንምድሓን ኢልና ኢና ንቃለስ ዘለና ካብ በልና ድኽመታትና ኣሪምናን ፈሊጥናን ብውልቂ ዝመጽእ ዓወት የለን፡ እንተመጸ ከኣ ስፍሓትን ቀጻልነትን ዘየብሉ እዩ ዝኸውን ዝብል ተረድኦ ክህልወና ይግባእ። ድሌታትናን ምንዮታትናን ካብዚ ዘሎናዮ ሽግርን መከራን ግፍዕን ወጽዓን ተላቒቕና ሰላማውን ፍትሓውን ቅሳነት ዝመልኦ ናብራ ክህልወና ካብኮነ ናብዚ ገጹ ዝእምትን ኩሉ ዝኣምነሉን የጽለልኒ ዝብሎን ሓባራዊ መቃለሲ መድረኽ ክህልወና ናይ ግድን እዩ።
ብኣንጻርዚ ዝጠቐስናዮ ሃናጺ መንገዲ ዝረአ፡ ናይ ኣግላልነት ሓሳብን ተግባርን እንተዘይተወጊዱ፥ ንናይ በበይንኻ ጉዕዞ መፍትሒ እንተዘይተረኺብዎ ኣቲ መንገዲ ካብቲ እዚ ኣንጻሩ ንቃለስ ዘለና ስርዓት ሒዝዎ ዘሎ ኣዕናዊ ጐደና ዝሓሸ ከም ዘይከውን ርዱእ እዩ። ንሱ ከኣ ነቲ ኣነ እምበር ካልእ ቅኑዕ የለን ዝብል ኣተሓሳስባ፥ ከምቲ ናይ መለኽቲ ኣገባብ ኣካይዳ፡ ማለት እንተደለኹም እተዉ ኣነ እየ ገባሪ ሓዳጊ ኣቦኹም ዝዓይነቱ ፈለግ ካብ ሱሩ ከማሓው ይግባእ። ከምኡ እውን እቲ ኣነ ዝደልዮ ጥራይ ክኸውን ኣለዎ ከይበልና፡ ነቲ ናይ ሓባር ድሌት ቅድሚ ኩሉ ሰሪዕና ምጉዓዝ ካብ ልቢ ክንቅበል ይግበኣና። ስለዚ ነዚ ኩሉ እነማልእ ቅቡላት ኮይና ብ ሕልና ህዝብና ቅቡል ቦታ ክንረክብ፡ ናብዚ ዘብቅዕን ንጉዳያት ብኩሉ ኩርነዓት ዝጥምትን ሃናጽን ፖለቲካዊ ራኢ ክህልወና ይግባእ።
ድራር መንታይ
ኤርትራ ብኣተሓሕዛ ኣመንቲ ክርስትና ኣብ ሳላሳይ ደረጃ ትስራዕ
Thursday, 14 January 2016 19:39 Written by ጋዜጣ ኡፕስላ ኒያ ቲድኒንግUppsala Nya Tidning Torsdag 14 januari 2016
( ጋዜጣ ኡፕስላ ኒያ ቲድኒንግ ሓሙስ 14 ጥሪ 2016)
ኣብ ዓለም መስጎግትን ጸቕጥን ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ክርስትና ይንህር ኣሎ። እተን ዝኸፍኣ ሃገራት ንኣመንቲ ክርስትና ብመስርዕ ካብ ሓደ ክሳብ ዓሰርተ: ሰሜን ኮሮያ: ዒራቕ: ኤርትራ: ኣፍጋንስታን: ሶርያ: ፓኪስታን: ሶማልያ: ሱዳን: ኢራንን ሊብያን ኢየን። ብመሰረት ጸብጻብ ካብ Open Doors ኣብ ዓለም ክርስትያናት እቶም ዝኸፍአ ማህደንትን መስጎግትን ዝጋጥሞም ጉጅለ ምዃኖም ናይ ሽወደን ቤተ ክርስትያን ቀዳማይ ጸሓፊ (generals ecretary) Peter Paulsson ገሊጹ። ብመስርዕ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሓሙሳ ኣብ ዝረከባ ሃገራት ሽግርን ጸበባን ኣመንቲ ክርስትና እናኸፍአን ደርጃ ዓመጹ እናዓበየን ይኸይድ ከም ዘሎዩ ዝገልጽ እዚ ትካል ሃይማኖት። እዚ ሽግር ኣብ ምሉእ ወገናት ዓለምን ብኹሉ ግንባራትን እንሰፍሐ ይኸይድ ከም ዘሎ እዚ ቀዳማይ ጸሓፊ ንማዕከን ዜና ተተ ( TT) ሓቢሩ። እቲ ኩነታት እናበኣሰ ዝረኣየለን ዘለዋ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ እትስራዕ ኤርትራን ኣብ ዓስራይ ደረጃ ዘላ ልብያን’የን። እቲ ምኽንያት ዝተፋላለየ ጠንቅታት ከም ዘለዎ እዚ ትካል ሃይማኖት ኦፐን ዶርስ ኣብሪሁ። ገለ ካብኡ ሕሉፍ እስላማዊ መንግስቲ ዓቢ ጽልዋ ኣለዎ። ኣብ ብዙሓት እስላማዊ ሃገራት ብዙሓት ኣኽረርቲ ከም ሓቀኛታት ኣስላም ኮይኖም ንኽርኣዩን ብኡ ኣቢሎም ድማ ካብ እስላማዊ መንግስቲ (IS) ክኽወሉ ዝገብርዎ’ዩ ይብል Peter Paulsson.። ኣብ መበል 24 ዝስራዕ ከባቢ ፍልስጢኤም: ኣብኡ ኣመንቲ ክርስትና ኣብ መንጎ ምስልምናን ኣይሁድነትን ተቐርቂሮም ይርከቡ። ኩሉ ግን ጸልማት ኣይኮነን ይብል እቲ መግለጺ። ካብቲ ኣወንታዊ ተባሂሉ ዝጥቀስ ኣብ ስሪላንካ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ክርስትና ብመንግስታዊ ሕጊ ስለ ዘቕጽዕ ጸገማት እናቐለለ ክኸይድ ይርከብ።
ግዜያዊ ኣካል ርኽክብ ሃገራዊ ምምኻራዊ ዋዕላ ስርሓቱ ጀሚሩ
Tuesday, 12 January 2016 13:22 Written by ግዜያዊ ኣካል ርኽክብ ዋዕላ ናይሮቢ ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራጋዜጣዊ መግለጺ
This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.
12 January 2016
ኣብ ናይሮቢ ብዝተኻየደ ሃገራዊ ምምኻራዊ ዋዕላ ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ዚቖመ ግዜያዊ ኣካል ርኽክብ፡ ቀዳማይ ኣኼባኡ ብ22 ታሓሳስ 2015 ኣካይዱ። እዚ ኣኼባ’ዚ: ከምኡውን ስዒቦም ዝተኻየዱ ኣኼባታት፡ ተሳተፍቲ ዋዕላ ንዘሰከምዎ ዕማም ምርኩስ ብምግባር፡ ዝርዝር መደባት ዕዮኡ ንምሕንጻጽ ዝዓለሙ እዮም ኔሮም።
ግዜያዊ ኣካል ርኽክብ ካብ'ዚ ዋዕላ’ዚ ዝተቐበሎ ዕማም ኣብ'ዘን ዝስዕባ ነጥብታት ክጠቓለል ይኽእል፤
1. ናብ ደሞክራስያዊ ስርዓት ንምስግጋር፡ ምስ ፖሊቲካዊ ውድባት ብምምኽኻር፡ ንድፍታት ሓባራዊ ራእይን ሓባራዊ መደባት ዕዮን ምቕራብ፤
2. ብዛዕባ ከመይነትን ኣገባባትን ምቅልጣፍ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምምይያጥ ዘኽእል፡ ንመላእ ሓይልታት ተቓውሞ ዚሓቖፈ ዋዕላ፡ኣብ መጻኢ ንኽካየድ ኣድላዪ ምስንዳኣት ምግባር፣
ነዚ ዕማማት’ዚ ኣብ ጸብጻብ ብምእታው ግዜያዊ ኣካል ርኽክብ፡ ንስርሓቱ ዝሰርዕ መደባት ንምውጻእ ሰፊሕ ምይይጣት ኣካይዱ። ክፍጸም ንዘለዎ ዕማማት እውን ኣብ መንጎ ኣባላቱ ዘርጊሑ። ብተወሳኺ ተሰኪምዎ ዘሎ ሓላፍነት ንምዕዋት ምስ ፖሊቲካዊ ሓይልታት ተቓውሞ ጽዑቕ ርክባት ንኽካየድ ወሲኑ።እዚ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ውጽኢታት ዋዕላ ናይሮቢ ንምግላጽን፡ ኣብ መጻኢ ክጋባእ ተወጢኑ ንዘሎ፡ ኩሉ- ሓቆፍ ዋዕላ ኣወንታዊ ደገፍን ምትሕብባርን ንምርግጋጽን፡ ምስ ህዝቢ ጽዑቕ ርኽክባት ክካየድ ወሲኑ።
በዚ መሰረት ግዜያዊ ኣካል ርኽክብ፡ ምስ'ቶም ኣብ ዋዕላ ናይሮቢ ክሳተፉ ዘይከኣሉ ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ቀጥታዊ ርክብ ብምክያድ፡ ፍረታት ዋዕላ ናይሮቢ ክገልጽን፡ ምሉእ ኣካል ናይቲ ተወጢኑ ዘሎ፡ ኩሉ -ሓቆፍ ዋዕላ ክዀኑ ክጽዕርን እዩ።
ግዜያዊ ኣካል ርኽክብ ዋዕላ ናይሮቢ ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ
ኣባላት ግዜያዊ ኣካል
1. መሓመድ ኣሕመድ ሰፈር
2. በሽር ኢስሓቕ
3. ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ)
4. ነጋሽ ዑስማን
5. ሰመረ ሃብተማርያም
6. ሱሌማን ሑሴን
ኢ-መይል ንርክብ፡ This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

ጽላል ስዊደናዊ-ኤርትራዊ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ሰፊሕ ሕዝባዊ ሰሚናር ምስ ዕድማት ኣጋይሽ ኣብ ዝተፈላለየ ሰብኣዊ መሰላት ዝነጥፉ ዓዲሙ ምስ ሕዝቢ ልዝብ ከካይድ ስለዝኾነ ኩሉኹም ደለይቲ ለውጢ ኣብዚ ሰሚናር እዚ ክትሳተፉ ብኽብሪ ይዕድም።
ዕለት፣ ቀዳም 30 ጥሪ 2016
ግዜ፣ 13.00-19.00
ቦታ፣ Kista Träff- Sverige salen
መደብ ሰሚናር
1. መኽፈቲ
2. ምስማዕ መደረ ካብ ዕዱማት ኣጋይሽና በብኣርእስታቱ
3. ልዝብ ምስ ሕዝቢ
ዕዱማት ኣጋይሽና
1. አርሀ ሓመናካ ኣባል ባይቶ ስዊደን
ኣርእስቲ መደረ/ ብዛዕባ ምቅባል ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብዚ ግዜዚን ኣብ መጻእን እንታይ ለውጥታት ክመጽእ ይኽእል ብዝብል ክገልጽ ኢዩ።
2. መሮን እስቲፋኖስ/ ኣቅራቢት ኣብ ራድዮ ኤረና፣ ዳይረክተር ናይ ኤርትራዊ ተበግሶ መሰል ስደተኛታት
ኣርእስቲ መደረ/ብዛዕባ መስል ስደተኛታት ኤርትራን ዝጓነፎም ጸገማትን ኣብ መገዲ ስደቶም ብዝብል ከተቅርብ ኢያ፡፤
3. በራዳ ኣሕመድ ናስር፣ ኣባል ደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ስዊደን
ኣር እስቲ መደረ፣ ልዝብ ኣብ መንጎ ዓበይትን መንእስያትን/ ግደ መንእስያት ኣብ ምስግጋር ደሞክራስያዊ ለውጢ ብዝብል መደረ ከተቅርብ ኢያ
Tema för seminariet: Partnerskap genom samförstånd och samarbete
Intra-Eritrean Dialog
Diskussions ämnen:
1. Varför är partnerskap viktigt för oss demokrati aktivister?---------Semere Mehari
2. Immigrations och flyktingarnas politik i Sverige............ Arhe Hamednaca
3. Eritreas flyktingarnas frustrerande resor/ desperate Journeys......... Meron Estifanos
4. Dialog mellan de unga och äldre för demokratik utveckling - Barada Ahmed Nasser
Important Public Seminar in Stockholm Sweden
The Swedish - Eritrean Partnership For Democratic Change/ SESADU will organize a Seminar with invited Guests active on various issues of human and refugee Rights. There will be a panel discussion and public intervention at the seminar, therefore, we cordially invite all concerned Eritreans to participate in this seminar.
Date : Saturday 30th, 2016
Time: 13:00 -19:00
Place: Kista Hall - Kista Träff
Seminar Schedule
1. Welcome and opening of the Seminar
2. Presentation of panellists
3. Public discussion
Invited Guests
1. Arhe Hamednaca- MP Sweden
Topic: Immigration Policy in Sweden focusing on the Eritrean Refugees
2. Meron Estifanos- Radio- Erena presenter- reporter and Director of the Eritrean Initiative on Refugee Rights
Topic: Desperate Journeys of the Eritrean refugees
3. Barada Ahmed Nasser- Young activist for Democracy
Topic: Dialogue between the youth and elders in the struggle for democratic change in Eritrea
Seminar Theme : Intra- Eritrean Dialogue for building partnership through cooperation
Welcome All!
SESADU Board