ኢስያስ ኣፈወርቂ ኣብ 2000 ዓ.ም ምስ ሓቂ ፊት ንፊት ተፋጢጡ። ነቲ ባዕሉ ሃንዲሱ ባዕሉን ብምእዙታተይ ዝብሎም መራሕቲ ውግእ ተጠጂኡ: ጸሓይን ኮዋኽብትን ኣብነት ገይሩ ዝጠቐሶ ቀዛፊ ኲናት ተራጺሙ። ድሕሪ ምቛም ሃገረ ኤርትራ ንመጀመርያ ዝመርሖ ኲናት ምስ ኢትዮጵያ። ንመሪሒነቱ ዕርቃኑ ዘውጽአ ንመንነት ስስዐ ስልጣኑ ዘቃልዐ: ግን ከኣ ብሉጻት መንእሰያት ኤርትራ ዳግም ዝቐዘፈ: ኣብ መስርሕ ኲናት ንሃገራዊ ነጻነት ጅግንነቶም ዘመስከሩ ዓበይትን ዘቕሃመ ኲናት 1998-2000። ርኹስን ሕሱርን ሓሳብ መሪሒነት ህግደፍ ማለት ኢስያስ ኣፈወርቂ ዘሳዎሮ: ሃገርን ህዝብን ሂወት ዘለዎ ፍጡርን ዘብረሰ: ልዕሊ ኹሉ ድማ ብናይ ሰላሳ ዓመት ቅዲ ኲናት ንሓርነት: ፍሽለት ኢስያስ ኣፈወርቂ ንሰላምን እፎይታን ህዝቢ ዝኾለፈ ኮይኑ። ህንደሳ ኲናት 1998-2000 ንምስዓር ኣተሓሳስባ ፍትሕን ደሞክራስን ዝተማህዘት ብምንባራ ዕላማ ርኹስ መደባ ኣስፊናያ።
ሕቡእ ኣጀንዳን ምስሉይ ባህሪ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝኸሽሐ ንምብታን ህዝቢ ገፊሕ ባብ ዘርሓወ ኲናት። ኢሳይስ ድሕሪ ስዕረቱ ብዂናት ምስ ኢትዮጵያ ጀሚሩ ነቲ ሰራም ኲናቱ ኣብ ህዝቢ ኤርትራዩ ቀጺልዎ። ሓቂ ኣብ ቅድሚኡ ሕቶታት ኣቕሪባ። እዚ ኲናት ንምንታይ ዕላማ ተበጊሱ᎒ ንውጽኢቱኸ ብኸመይ ኢኻ ትግምግሞ᎒ እታ መንበር ምልካውነቱ ልዕሊ ሃገርን ህዝብን ዝተዋደደት ስለዝነበረት: ኣብ መልሲ ክንዲ ዝኣቱ ናይ ሹዱሽተ ወርሒ ውድባ ጥፍእት ብምጉስጓስ ንመገዲ ፍትሕን ሓርነትን ዝሎኮተ ሞዶሻ ምልኪ ኣብ ኢዱ ከም ዝጭብጥ ገይሩ። ኣብቲ ኲናት ምእዙዛተይ ዝብሎም ከም ዘዋፈረ ጠቒሰ ጸኒሐ: ነዚ ናይ ምዕፋን ደለይቲ ፍትሕን ቁዋምን ከኣ ካልኣት መናፍስቲ ሓይልታት ርኽሰት ኣዋፊሩ። ብዙሓት መዛግብቲ ታሪኽና ዝሓዞም ኣለው። ሓደ ካብኦም ኣብዚ ናይ ሎሚ ድርሰተይ ክጠቕሶ ዝደሊ ግን ኣሎ። ጠበንጃ ዘይዓጠቐ እታ ደርቕ ጥይት ዘይትኮሰ: ብርዒ ዘንበቡ ዝጸመደ! ንምምሳል ክሳዱ ዘድንን: ልሳኑ ብመርዚ ኣሉን ነውርን ዝለጎመ: የማን ገብረኣብ። ናይ ኢሳያስ ኣብ ቃልዕ ዝወጸት ምልካውነት ኣብ ምዕቃብ ንኽዋፈር ብጸጋም ወንበር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኮፍ ክብል ዝተሓርየ መልኣከሞትዩ። ተልእኾኡ ኣብ ምዝራግ ጥዑይ ሓድነት ደለይቲ ቁዋማዊ ምሕደራ 2000 ዓ.ም ዳህላሊ ትሕትና ተጠቒሙዩ ስርሑ ጀሚሩ። ናብ ጎደና ጥፍእት ዝጽግዑ ጠላዕ ብምጽዋት ንገለ ኣስዲዑ: ንዑጡቓት ዝጸደቐ ቁዋም ብምንጻል፣ ኣይደንጎየን ኢስያስ ኣፈወርቂ ንምቓባሮም ወሲኑ። የዋሃት ደቀ-መዛምርቲ ህግደፍ: ”እዞም ዓበይቲ ደኣ ስለምንታዮም ተኣሲሮም” ኢሎም ኣብ ዝሓትሉ: ልሳን የማነ ገብረኣብ ለዋህን ውርዝይትን ክትመስል ” ናይ ብጾት ግርጭትዩ ልዕሊ ኹሉን ቅድሚ ኩሉን ከኣ ንዓና ይብጹሑናን ንሕና ከኣ ኢና ንሓልየሎም” ብምባል ክታብ ምልካውነት ኣዚሩሎም። እቶም የዋሃት ተዓዚሞም። ክታብ ምልካውነት ከኣ ኣብ ምዕባስ ግሩህ ሕቶታት ተወጢሓ በትረ ስልጣን ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንዂናት ኣብ ህዝቢ ብምቕጻል በታኒ ናይ ጥፍኣት ጉዕዘኣ መሪሻ። የማነን መሰልቱን ነዛ ናይ ጥፍኣት ካፕተን ዝመርሓ መርከብ ደምን ዓጽምን ንጹሃት ዝሸመመት: ኣብ ፈስቲቫላትን ኣኼባታትን ንመርዚ ሓሶት ኣሰንዩ ብደም ንጹሃትዩ ዝዂሕላ። ንጽዩፍ ገበን የማነ ብዝያዳ ዝዂልዕ ከኣ ነዞም ኣብ ደምክርያስያውያን ሃገራት ኤውሮጳን ስሜን ኣመሪካን ተወሎዶም ዘዓበዩ ኤርትራዊ መብቆል ዘለዎም ብሳላ ስንኩልን ዘንባዕን ኣብ ገለ ኸኣ ድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቆላ በለጽን ወለዶም ተጸጊዑ: ዝዘርኦን ዝኹስኩሶን ዘሎ ምስፋን ተንኮል ምእሳር ኣእምሮዩ። ብኦም ኣቢሉ ናብ ኣመሓደርትን ኣገልገልትን እዘን ደሞክርያስያውያን ሃገራት እንዳሰልኾ ነዛ ፍንፍንቲ ቅንጣብ ኣሰር ማሕበራዊ ርትዒ ዘይብላ ዓራት: ትምህርትን ጥዕናን ማሕበራዊ ናብዮት ዘለዋያ ክብል: ንግሆ ኣብ ኦስሎ ቆሪሱ ፋዱስ ኣብ ስቶኮሆልም ተመሲሑ ምሸት ኣብ ብራስል ይድረር። ነዛ ስደተኛታት ንኸይኣትውዋ ኩሉ ኣገባብ ምዕጻው ኣፍደጊኣ ትሰርሕ ዘለ ኤውሮጳ ብምዛር ገንዘብ ሃቡና መንእሰያትና ክንሕዘልኩም ብምባል ክድዓቱ ኣብ ህዝቢ ኤርትራን ደቁን ዘምስከረ ዕሉል መሲህ ጥፍኣተ ምልኪዩ። የማነ ገብረኣብን መሻርኽቱን ካብ ኤርትራ መልሚሎም ከም ስደተኛታት ኣብ ኤሮጳን ካልኦት ክፍሊ ዓለማትን ዘእተዎምውን ኣለው። ገለ ካብኦም: ተቓዋወምቲ መሲሎም ኣብ ውሽጢ ተቓውሞ ደምበ ዝዝምብዩዮም። ኣብቲ ንጽቡቕ ስም ገድሊ ዘናሹን ክብልል ዝፍትን ፕሮፖጋንዳ ተጸፍዮም ዘላኽዑውን ኣለውዮም። ” ሓዳስ ኤርትራ” ኣምር ህግደፋውያን ንዝናን ተኣምራት ዝገበረ ጅግንነት ሙዑታት መንእሰያት ኣርባዓታትን ሓሙሳታት ቅድሚኦም እንክዝከር ኣብ ርእሳ ረመጽ ዝተኻዕዋ ኮይኑዩ ዝስምዓ። እታ ኣምር ንታሪኽ ጀጋኑን ባህሊ መስዋእቶምን ሓወልቲ ኣብ ክንዲ ምግባር: ናይ ፑሽኪ ሓወልቲ ክትተክልንያ መሪጻ። ኣብ ክንዲ ነቲ ጅግና ኤርትራዊ ምስ ሽድኡ ምቕራጽ ነታ ሽዳ ጥራያ ስኢላ። ሂወት ንኽህብ ሂወቱ ዘጥፈአ ኣብ ክንዲ ምዝካር። ኣብ ክንዲ ንኤርትራ ብምምሕዳር ክፍልታት ዝቐረጸ ኣውራጃታት ባርካ: ሰንሒት: ሳሕል: ሰምሃር. ደንከል: ኣከለጉዘይ: ሰራየን ሓምሴንን ዝብል ንህዝቡ ዘዂርዕ ኣስማት: ህዝቢ ዘይተሳተፎ ኣሃዛት ቁጽሪ ምሃብ ነታ ብዘይካይ ካልእ ክስመን ክዝከርን የብሉን እትብል ሕልሚ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምግሃድዩ። ንታሪኽን ባህሊ ህዝብን ዘየንጻርቕ ስርዓት ፎእ ኣብ ምባል ብበሊሕ ኣእምሮ ንስራሕ። ካብ መፈንጠራ ጽልኢ ገድሊ ንጠንቀቕ። እዚ ካብ ጽልኢ ምምሕዳር ምልክን ዓመጽን ተበጊሱ ነታ ንዛረበላን ንጉህየላን ዘለና ሃገርና ኤርትራን ህዝባን ቃልሳን: ባህሊ ሓድነታን ምክብባር ህዝባን ብዝተፋላየ መፈንጠራታት ብዓንተረኛታት ህግደፍን ነውሮምን ንታለል ከይንህሉ: ክልተ ግዜ ክንሓስብ ዝግበኣና ኣባላት ተቓውሞ ደምበ ክንነቕሓሉ ዝግባእዩ። ከምቲ የማነ ኣብ ዘዕብየኦም ሃገራት ዕደቱ ኣካይዱ ብመርዚ ምልካውነት ዘላህዮም ዘሎ፡ኣብ ገለ ተቓውሞ ማሕበራዊ መድያ ንመንእስያት ኤርትራ ታሪኽ ብረታዊ ቃልስና ብዘናሹ ዝግበር ፕርፖጋንዳ መኽሰቡ ነዚ ጽዩፍ ውልቀ መላኺ ምዃኑ ምዝንጋዕ ተዛረብቲምበር ፖለቲከኛታት ኣየጸውዕንዩ።
ንባራበር።
ረዘነ ተስፋጽየን
ንዅልዅም ፈተውቲ ፍትሕን ሰላምን ዝዀንኩም ኤርትራውያን ተቐማጦ ቶሮንቶ
Wednesday, 23 March 2016 22:15 Written by ኤርትራውያን ደለዪቲ ፍትሒ ቶሮንቶኣብ ሓንቲ ሃገር ዲሞክራሲያዊ ምሕደራ ዝህሉ፥ እቲ ኣብታ ሃገር ዝነብር ዜጋ ዝኣምነሉ ሕግ-መንግስቲ ምስ ዝሕንጽጽ፥ ባዕሉ ዝመረጾ መንግስቲ ምስ ዝህልዎን፥ እቲ ዝተመርጸ መንግስቲ እውን ኣብ ትሕቲ ምእዙዝነት ህዝቢ ምስ ዝኸውን እዩ። ካብ ምቁጽጻር ህዝቢ ወጻኢ ኮይኑ ዝትከል ስርዓተ- መንግስቲ ግና ተሓታትነትን ግሉጽነትን ኣየውሕስን። ህዝቢ ዝቆጻጸሮ መንግስቲ ማለት በቲ ህዝቢ ይውክሉኒ እዮም ኢሉ ዝመረጾም ሰባት ኣቢሉ ይቐውም። እዚ ባይቶ ወይ ፓርላማ እዩ ዝበሃል። ከመይሲ ህዝቢ ብምሉኡ ኣባል ባይቶ ከኸውን ስለዘይክኣል። ግሪኻውያን፥ ኩሉ ህዝቢ ዝሳተፈሉ ኣገባብ እዮም ዘካይዱ ዝነበሩ። እዚ ግን ግዜ እናወሰደ ኣብ ዝኸደሉ ተግባራውነቱ ምስቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዝነበረ ቁጽሪ ህዝቢ ክሳነ ኣይከኣለን። በዚ ዝኣክል ኣብ ክንዲ ተሳትፎኣዊ ዲሞክራሲ፥ ውክልናዊ ዲሞክራሲ ዝብል እናተተከአ መጸ።
እቲ ብውክልናዊ ዲሞክራሲ ዝመሓደር፥ ንኹሉ ብዙሕነታዊ ምስሊ ሕብረትሰብ ናይ ሓንቲ ሃገር ወኪሉ ብዝምስረት ባይቶ ኣቢሉ እዩ ዝግለጽ። እዚ ካብ ህዝቢ ዝወጽእ ባይቶ እዚ ብተዘዋዋሪ መገዲ ናይ ተሳትፎኣዊ ዲሞክራሲ ምልክት ኣለዎ። ልክዕ እዩ መላእ ሕብረተሰብ ኣባል ናይ ባይቶ ክኸውን ዘይከኣል እዩ። ብውከልቱ ኣቢሉ፥ ነቲ ንሱ ዝመረጾ ባይቶ ክቆጻጸር ይኽእል። ይኹን እምበር ዝኾነ ይኹን ዝምስረት ባይቶ ኣሳታፊ ክኸውን ከሎ እዩ፥ ኩሉ ሓንጎፋይ ኢሉ ክቕበሎ ዝኽእል። ምኽንያቱ እቲ ንመላእ ሃገር ዝምልከት ሕግታትን መምርሒታትን ክውጽእን ርእይቶታት ክፈልጥን እንተኾይኑ ተሳትፎ ህዝቢ ክህሉ ኣለዎ። ብዝተረፈ ሰለስተ ርብዒ ናይ ሓደ ህዝቢ ተሰማሚዑ ሓደ ርብዒ ምስ ዝቦኲር እቲ ስምምዕ ሃገራዊ ጥምረትን ስኒትን ኣይፈጥርን እዩ። በዚ ዝኣክል እቲ ድሌት መላእ ህዝቢ ክማእከል ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ ይበጽሕ እሞ፥ ምዕሩይን ዲሞክራሲያውን ዝኾነ ምሕደራ ሱር መሰረቱ ይብሕጎግ።
በዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ መሰረት ኣብ ኤርትራ ባይቶ ኣሎዶ እንተልና ምናልባት ኣሎ ኢሉ ዝምልስ ክህሉ ይኽእል። ህላወነቱ ዘይኮነስ ኣገባብ ኣመሳራርትእኡ እዩ እቲ ዘገድስ። ካብዚ ብምብጋስ፥ ኣብ ኤርትራ ንህዝቢ ኤርትራ ዝውክል ባይቶ የለን። ንህዝቢ ካብ ዘይውክል ከኣ ቅኑዕ መሕደራ ይኹን ኣንፈት ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ክህሉ ኣይክእልን እዩ። እቲ ክህሉ ዝኽእል ናይ ገባትን በሓትን ኣገባብ ምሕደራ እዩ። እዚ ከኣ ነቲ ህዝብን ሃገርን ቀሳነት ከሊኡ ኣብ ቁጠባዊ፡ ፖለቲካውን ማሕበራውን ቅልውላው የእትዩ ህዝቢ ፍትሒ ይስእን እሞ ንኣደዳ ስደትን ውርደትን ይቃላዕ። ብተወሳኺ ተወጻዕትን ተረባሕትን ዝፍጠረሉ ህሞት ይኸውን እሞ እቲ ዝወሓደ ነቲ ዝበዝሐ ይዶቚሶ። ስለዚ ህዝባዊ ሰረት ዘይብሉ ወይ ከኣ ኣሳታፊነት ብዝጐደሎ ዝምስረት ባይቶ ከይዱ ከይዱ ንቅልውላውን ምፍልላይን እምበር ንስምረትን ውህደትን ዘውሕስ ኣይከውንን።
ንሕና እቶም ደለይቲ ፍትሒኸ ካብዚ ሕጽረት እዚ ናጻ ዲና ዝብል ሕቶ ከልዓል ይኽእል። ምኽንያቱ እቲ መብዛሕትኡ ቀልቢ ደምበ ተቓውሞ፥ ኣብ ከመይነት ኣነ ይዕብልልን ድምጸይ የስምዕን ዝብል እምበር ከመይ ሃገራዊ መልክዕ የትሕዝ ኣይኮነን ዘሎ። በዚ እንኸዶ ዘለና ኣገባብ፥ እቲ ሓቂ ፍሉጥ ክንሱ ንሓቂ ጓዕጺጽናዮ ክንስጉም ከምዘይንኽእል ግዜ የርእየና ኣሎ። ኩልና ናይ ስርዓት ለውጢ ንደሊ ኢና፥ ምእንትኡ እውን ንቃለስ ኣሎና። ግን ከኣ ነቲ ኩሉ ዝሳተፎ እዩ መሰረታዊ ለውጢ ዘውሕስ ዝብል ኣምር ንጎድኒ ገዲፍና ፊን ብዝበለና ንጎዓዝ። ብኣፍ ከኣ መስረታዊ ለውጢ እምበር ጽገናዊ ለውጢ ኣይንደልን ዝበሃል ጭርሖ ነልዕል። ስለዚ ኩልና ብጉዳይ ሃገር ክንሓስብ ከሎና እቲ ከነመዝግቦ እንደሊ መሰረታዊ ናይ ስርዓት ለውጢ፥ ተሳትፎ ናይ ኩሉ ዜጋ ምስ ዘውሕስ ጥራሕ እዩ ክረጋገጽ ዝኽእል። ካብዚ ተረድኦ እዚ ኢና እምበኣር ንዝኾነ ይኹን ዝምስረት ባይቶ ሓባራዊ ሓላፍነት ተሰኪምና ንሓባራዊ ተሳትፎ ዝዕድም ኣገባብ ክነትሕዞ ዝግበኣና።
ድራር መንታይ
መግለጺ ብምክንያት 8 መጋቢት ዓለምለካዊ ማዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ
Monday, 21 March 2016 13:21 Written by በይ- ኤርያ ኤርትራውያን ንዲምክራስያዊ ለውጢ
ኣብ ነብሲ ወክፍ ዓመት ብክብሪ ክትዝከር ዝገብራ ታሪካዊ ምክንያት ደቂ ኣንስትዮ ዓለምና ነቲ ኣብ ልዕሊኤን ዝወርድ ዝነብረ ድርብ ወጸዓን ኣድልዎ ንምውጋድን ኣብ ፖለቲካው፣ ማሕበራዊን ቁጠባውን መድይ ማዕርነታዊ መሰለን ንክረጋገጽ መሪር ቃልሲ ዝስካየዳላን ክሳብ ናይ ሂወት መስዋእቲ ዝከፈላላን ታሪካዊት ዕለት ብምኻና’ዩ። እዚ መሪር ቓልሲ’ዚ ድማዩ ሎሚ ኣብ ዓለምና ሕቶ ደቂ-ኣንስትዮ ሕቶ ሕብረተ-ሰብ መኻኑ ንምእማን ዓቢይ ኣፍደገ ከፊቱ ዝርከብ።
ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ’ውን ኣካል ናይ’ዚ ቃልሲዚ ብምካን ነቲ ኣብ ልዕሊኤን ዝበጽሕ ዝነበረ ድሑር መስፍናዊ ባህላዊ ተጽዕኖታትን ኣድልዎን ሰንሰሰለት ብምብታክ ንድርብ ወጽዓ ድርብ ቃልሲ ዝብል ጭርሖ ብምልዓል ንኣደራዕ መግዛእትን መሪር በስላታቱን ንምብዳህ መግዛእታዊ ሕሰም ጠቕሊሉ ንከብቕዕን ንዘለወን ባህርያዊ ተፎጥሮኣዊ ጸገማት ብምጽዋር ኣብ መሳርዕ ብረታዊ ቃልሲብምውሓዝ ኣብ ጎኒ የሕዋተን ብምስላፍ ካብ ተራ ሰራዊት ክሳብ ዝለዓለ ናይ ሓላፍነት ጽፍሒ ብምስጋር ተዋጊኤን ኣዋጊኤን’ዮን እተን ኣብ ከተማ ይኹን ኣብ ገጠር ዝነበራ ደቂ-ኣንስትዮ’ውን እንተኾና ካብ ከተማ ንገጠር ካብ ገጠር ንከተማ መልእክትን ሐበሬታትን ምምሕልላፍ፣ፈዳይን ኣብ ምሓብሓብ ንባዕላተን ከም ፈዳይን ኾይነን ብምስራሕ ክሳብ ሰብኣዊ ክብረን ብምሻጥ ምስ ሰበስልጣናት ኢትዮጵያ ብምዝማድ ቅሉጡፍ ውሽጣዊ ሓበሬታት ንሰውረኤን ብምምሕልላፍን ውጥናት ጸላኢ ኣብ ምፍሻል ዘይእመን ቐያ ሰሪሐን’የን። እተን ኣብ ስደት ዝነበራ’ውን እንተኾና ከዲመን ዝኣከበኦ ጥራሕ ዘይኾነስ ግርማ ናተን ዝኮነ ስልማተን ኣወፍዩን’ ኤርትራዊት ጛለ-ኣነሰተይቲ ማንም ወላዲት ዘይትገብሮ ጠኒሳ ዝወለደቶምን ሓቕፋ ዝጥበወቶምን ዘዕበየቶምን ደቃ መሪቃ ገንሸል ንነጻነት ሃገር ዘወፈየት ኣብ ዓለም መወዳድርቲ ዘይብሉ ቅያ ጅግንነት ዝሰርሐት ኣደ’ያ።
እዚ ቅያን ጅግንነትን’ዚ ዝተከፍሎ መሪር መስዋእትን ሎሚ በቲ ሕሱርን ኣረሜንናውን ስርዓት ህግደፍ ሞሳኡ ጠፊኡ ጥራሕ ዝይኮነስ ካብ ናይ ባዕዳዊ መግዛእቲ ብዝከፍኤ ሕሰምን መከራን ደቢስዎ ይርከብ። ስርዓት ህግደፍ ንጅግንነትን ቅያን ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ንናይ ደቂ- ኣንስትዮ ድማ ብፍላይ ኣብ መጋባእያታት ዓለም ክዝምረሉን ክምድረሉን ይውዕል ኣሎ። እዚ ብቃንዛ ህዝቡ ዝሕጎስ ኣፉን ተግባሩን ዘይሳነ ስርዓት እታ ቀሽን ሸክን ሙሁርን ጅግናን መራሕን እትወልድ ኣብ ልዕሊ’ቲ ባህርያዊ ተፈጥሮ ዝዓደላ ጸጋ ኣብ መዛግብቲ ታሪክ ንዘልአለም ተሰኒዱ ዝነበር ታሪካዊ ጅግንነት ሰሪሓ’ያ ኣደ ከምቲ ንሱ ዝዝምረሉ ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ ዘይኾነስ ባኣንጻሩ ዘይዛሪ ንብዓት ተሰኪማ ታኬላ ሕዘን ብምኻን ጠዋሪ ስኢና ኣብ ባህሊ ሕብረተ-ሰብና ኣብ ግዜ መግዛእቲ እኻ ዘይተራእየ ኣብ ቃልዕ ወጺኣ ክትልምን ትርኤ ኣለ። እዚ ሕሱር ስርዓት’ዚ እታ ንዓኣቶም ክይተረፈ ዝወልደት ማህጸን ንሳ ክትነብዕ ንሳቶም ዝስሕቁ ንሳ ክትሓዝን ንሳቶም ዝስዕስዑ ጨካናት ስጋሰብ ለበስ ኣረሜናውያን ተኻሉ’ዮም። መንእሰያት ደቂ-ኣንስትዮና’ውን እንትኾነ ተማሂረን ከይምዕብላን ብባህለንን ሃይማኖታዊ እምነተንን ወግዒ ሓዳር ለቢሰን ከይወልዳን ከይዝምዳን ንገሊኤን መጋየጺ ናታቶም ንዝተረፋ ድማ ዕደመ ምውላደን ክሳብ ዝሐልፍ ኣብ በረኻታት ክንከራተታ ብምግባር ዘይወጽእ ሰነ-ኣእምሮኣዊ ሕማማት ምስኻምን ካብዚ ሐሊፉ’ውን ኣብ ዘይተደላይ ሐደገ ጉዕዞ ክጋዓዛን ኣደዳ ሞትን ሰቃይን ክኾና መዓልታዊ ዜናና ኾይኑ ኣሎ። ተቃሊሰን ናጽነት ዘምጽአ ጀጋኑ ግደፍዶ ወዲ ሃገርስ ባዕዳዊ ገዛእውን ዘይገብሮ ዓሰርተታት ዓመት ኣብ እስርቤት ክበልያን ከምቶም ከምእተን ተሓይሮም ዕጫ ሞትን መክራን ዝበጽሖም ዘሎ የሕዋተን ንዓዓተን ከም ደቂ-ኣንስትዮ ዕጽፊ ስቃይን ሞትን እስርቤት ህግደፍ ይበጽሐን ኣሎ። ስርዓት ህግደፍ ንሃገን ህዝብን ኤርትራ ከጽንት ዝተበገሰ ሰርዓት ሰለዝኾነ ኩሉ’ቲ ንወዲ-ሰብ ዘድልዮ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት ህዝብና ብምሕራም ኩሉ ዜጋ ንዝፈትዋን ዘፈቅራን ሃገሩ ገዲፉ ሃጽ ኢሎም ክጠፉእን መንእሰያትና ክጸንቱን ዘይርሳዕ ጸሊም ታሪክ ዝፍጽም ዘሎ ስርዓት’ዩ።
ስለዚ 8 መጋቢት ከነብዕል ከሎና ንስለ ዝይኾነስ ሃገርና ከቢድ ናይ ጽንትት ሐደጋ ኣንጸላሊዩላ ኣብ ዘሎ ሰዓት ክብ ጥፋታ ንምድሓን ዝጽበዩና ዘለዉ ዕማማት ክንርእን ንምትግባሮም ብሕልናን ብተወፋይነትን ክንሰርሕ ቃል እናትወሉ መዓልቲ’ዩ። ኣብ ልዕሊ መቃብር ‘ዚ ጨካን ዲክታተራዊ ስርዓት ብሕግን ቅዋምን እትመሐደር ሃገር ክትህልወና ኩሉ ባህሉን ልምዱን ጠፊእዎ ዘሎን መሰል ሃይማኖታቱ ትጋሂሱ ዘሎ ህዝብና ምዕሩይን ምእኩልን ምሕደራ ረኪቡ ብስላምን ቅሳነትን ዝነብረላ ሃገር ክትህልዎ እንተኾይና ቀዳምነት ክንገብሮም ዝግባኣና ኩሎም እቶም ንሓድነትና ዝፈታተኑን ሐቢርና ከይንቃለስ ተቃሊስና ከይንዕወትን ዝገብሩና ድሕረት፣ጽበት፣ ትምክሕትን ኣውራጃዊ ፍልልያትን ሐዊስካ ዝግበሩ ጎስጋሳትን ብትሪ ምቅላስ:: ምክንያቱ ድማ እዞም ሓደገኛታታ ነጋራት እዚኣቶም ፈልሲ ናይቲ ስርዓትን ንዕኡ ዘገልግሉን ኣብ ስልጣን ኾረሽኡ ክጸንሕን ዝተረፈ ህዝብና ከጽንትን ዓቢይ ተራ ሰለዘለዎም። ጎኒ-ጎኒ ናይዚ ድማ ሕቶ ደቂ-ኣንስትዮ ማእክላይ ሕቶ ሕብረተሰብ ምካኑ ብምእማን ንምሰልን ማዕርነትን ደቂ-ኣንስትዮ ብጽንዓት ምቅላስ ከመይሲ ሕቶኤን ሕቶ ዲሞክራሲ ሰለ ዝኾን ምሰልን ሕቶ ደቂ-ኣንስትዮ ምምላስ ማለት ድማ ሕቶ ሕብረ-ተሰብ ምምላስ ማለት ስለዝውን። ስለምንታይ’ሲ ደቂ- ኣንስትዮ ፍርቂ ኣካል ሕብረ-ተሰብን መሰረት ናይ ሐንቲ ስድራን ስለዝኾና:: ሰለዚ ጸላኢና ሐደ ካብ ኾነ ዘለና ፍልልያት ብምጽባብ ብሐባር እንሰርሓሉን ህዝብና ካብ ደበና ጥፍኣት እነድሕነሉን ሰዓቱ ሕጂዩ’ሞ ሕቶ ደቂ-ኣንስትዮ ማእከል ብምግባር ብሐድነት ንመሰረታዊ ለውጢ ንበገስ!!
ዕድመ 8 መጋቢት ብዘይ ተሳትፎ ደቂ -ኣንስትዮ ዝዕወት ቃልሲ የለን!!
በይ- ኤርያ ኤርትራውያን ንዲምክራስያዊ ለውጢ
8/3/2016

ጸብጻብ በዓል ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮን ዝኽሪ ተጎርባን
Monday, 21 March 2016 12:52 Written by በይ አርያ - ኤርትራውያን ንደሞክራስያዊ ለውጢ (በአ-ኤደለ)
ወብ ሳይት - bayedc.org ኢ-መአይል - This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it. ፈይስ ቡክ -www.facebook.com/bayedc)
ደለይቲ ፍትሒ ተቐማጦ በይ አርያን ከባቢኣን ፡ ኣብ ቀዳም 12 መጋቢት ኣብ ከተማ ኦክላንድ ካሊፎርንያ ብምእካብ ፡ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮን ዝኽሪ ተጎርባን ብስምረት ኣብዒሎም። እዚ ብበይ አርያ ኤርትራውያን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝተዳልወ መደብ ንተሳተፍቱ ኣዝዩ ዘሐጎሰን ኣድናቖት ዝተረፈን እዩ ኔሩ። ከምዝፍለጥ ምዕራብ ኣሜሪካ ፡ ብኤል ኒኞ ዝጽዋዕ ክስተት ኩነታት ኣየር ዘበገሶ ማይ ሓዘል ደበናታት ፡ ንኣዋርሕ ከየቋረጸ ይዘንም ኣሎ። ሽሕ እኳ ሙሉእ መዓልቲ ከየቋረጸ ማይ ይወቅዕ እንተነበረ እሞ ናይ መንገዲ ዕንቅፋታት እንተስዓበ ፡ ነቶም ካብ ዝተፈላላየ ከተማታት በይ አርያ ዘመጹ ግዱሳት ደለይቲ ፍትሒ ኣብዚ ኣገዳሲ መደብ ንኽሳተፉ ኣይገትኦምን። እቲ መደብ ዘይከምቲ ኣብ ደገ ዝነበረ ዛሕልን ጠልን ፡ ብሃገራዊ ወንን ሓድሕዳዊ ምፍቕቓርን ምክብባርን ዝሞቐን ዝተነቓቕሐን እዩ ኔሩ።

መደብ ብኣቦ መንበር በአ-ኤደለ ዝመርሖ ዝኽረ ጀጋኑን ብሉጻትን ሰማእታትናን ሌላ ምስ ሓደስቲ ኣባላት ቦርድን መደብ ስርሖምን እዩ ጀሚሩ። ከምዝፍለጥ ንበአ-ኤደለ ንኽልተ ዓመት ዝመርሕዋ ኣባላት ቦርድ ብደሞክራስያዊን ቅዋማዊ ኣገባብ ኣብ መጀመርታ ዓመት ድሕሪ ምምራጾም ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ካብ ነባራት ቦርድ መዝነትን ዕማማትን ተርኪቦም ይነጥፉ ኣለው። ክእለቶምን ተወፋይነቶምን ሓድሕድ ምክብባሮምን ድማ ኣብዚ መደብ ብግልጺ ተራእዩን ፡ ብተሳተፍቲ ኣድናቖት ኣትሪፉን። ኣቦ መንበር መድረኽ ንምቕራብ ጹሑፋትን መደረታትን ምስ ኣረከቦ ፡ ነባራት ተቓለስቲ ደቂ ኣንስትዮ ዝመርሕኦ ኣድናቖት ዘትረፈ መሃሪን ኣነቓቓሕን ጽሑፋት ቀሪቡ። ፈለማ ንኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ዝምልከት ሰፊሕን መልእኽቲ ሓዘል ጽሑፍ ፡ ንኣበጋግሳን ዕላማን ተርኽቦን ቃልሲ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ካብ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ እዚ እዋን ብሰፊሕ መግልጺ እዩ ቀሪቡ። ካብኡ ብምቕጻል ክኣ ፡ ንወጽዓ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኤርትራን ኣብ ዓለምለኻዊ ደረጃን ብዘድነቕ ምግንዛባት ብኻልእ ኣቕራቢት ድሕሪ ምስዓቡ ፡ ክግበር ዝጸንሐን ክውሰድ ዘለዎ ስጉምትታት ተገሊጹ። ብድሕሪዚ ድማ ፡ ንታሪኻዊ ኣመዓባብላ ወጽዓ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝተፈላልየ ክፋል ሃገርናን ህልዊ ኩነታትን ሰፊሕ መግለጺ ድሕሪ ምቕራቡ ፡ ደቂስካሉ ክሕደር ዘይግብኦ ከምዝኾነን ቁልጡፍ ስጉምንቲ ክውሰዶ ከምዝግባእን መዘኻኸሪ ቀሪቡ። ንዝርዝር ትሕዝቶ መግለጺታትን ኣብ ጥቢቆ እዚ ጽሑፍ ምውካስ ይከኣል።

ካብዚ ብምቕጻል ፡ ብሓሳብ ንድሕሪት ናብ ሱሳታት ዝመልስ መደረ እዩ ቀሪቡ ፡ ናብ ኣዝዩ ታሪኻዊ መዓልቲ! እዚ መዓልቲ እዚ ጀጋኑ ተጋደልቲ ሰውራና ምስ ጸላኢ ብውሑድ ዕጥቂን ስንቅን ምስ ኣዝዩ ግዙፍ ጸላኢ ፊተፊት ብምግጣም ንምእማኑ ዘጸግም ጅግንነት ትውፊትን ዘርአዩሉን ብክብረት ድማ ምእንቲ ህዝቦምን ዕላምኦምን ዝተወፈይሉን ፍልዩ ዕለት እዩ ኔሩ። እዚ ኣብ ተጎርባ ዝበሃል ኣብ ባርካ ዝርከብ ቦታ ዝተኻየደ ኩናት ንታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝቐለሰን ናብ ሓድሽ መድረኽ ዘሰጋገርን እዩ ኔሩ። እዚ ታሪኻዊ ግጥም ብዝኽሪ ተጎርባ ኣዝዩ ዝፍለጥ ክነሱ ፡ ስርዓት ህግደፍ ግን ኣብ ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንውልቃዊ ጸቢብ ፖለቲካዊ ረብሕኡ ንምሕላው ጠቒስዎ ኣይፈልጥን። ነዚን ንርዝነት እዚ ኣገዳሲ መዓልቲ ኣብ ግምት ብምእታው ፡ በአ-ኤደለ ሓደ ካብቲ ስሩዕ ዓመታዊ በዓላቱ ከም ምዃኑ ኣብ ቅዋም ብምስፋር ፡ ካብ ዝምስረት ዓመታዊ ኣብዚ ዕለት የብዕሎ ኣሎ። ንዝርዝር ትሕዝቶ ጽሑፍ ኣቶ ተኪኤ ኣብ ጥቢቆ ምውካስ ይከኣል።
ኣብዚ ብቑጽሪ ብርክት ዝበሉ ተሳተፍቲ ዝተሳተፍዎ መደብ ፡ ደለይቲ ፍትሒ ደቂ ኣንስትዮ በይ-አርያ ፡ ነዚ ኣገዳሲ በዓል ባህላዊ ክዳንን ከምኒ ዙርያን ጥልፊን ተከዲነን ኣዝዩ መኣዛዊ ባህላዊ መግቢን መስተን ብምቕራብ ፡ ብዲ.ጀይ ሰለሙን ብባህላውን ዘመናውን ሙዚቃ ብምስናይ ፡ እየን ኣአንጊድነኦ። ተሳተፍቲ ብወገኖም ብኹሉ ኣገባብን ትሕዝቶን እዚ መደብ ብፍላይ ድማ ብብቕዓት ኣካየድቲ በአ-ኤደለ ኣድናቖቶም ገሊጾም። ንዝመጽእ መደባትን ንጥፈታትን ዘለዎም ድሌትን ተወፋይነትን ድሕሪ ምግላጽ ፡ ካብኣቶም ንዝድለ ዝኾነ ይኹን ጉልበታውን ገንዘባውን ሓገዛት ንምቕራብ ድልውነቶም ኣረጋጊጾም። በአ-ኤደለ ንኹሎም ተሳተፍቲ እዚ መደብ ኩነታት ኣየር ከይገትኦም ኣብዚ መደብ ክሳተፉ ብምኽኣሎም ፡ ነቶም ኣብ ምድላው እዚ መደብ ዝነጠፉን ዝተሓጋገዙን ድማ ብፍላይ ፡ ብስም በአ-ኤደለን ኩሉ ደላዪ ፍትሒ ኤርትራዊን ፡ ብልቢ ነመስግን። ኣብ ቀጻሊ ተሰሪዑ ዘሎ መደባት ድማ ልሙድ ተሳትፎኹምን ሕገዝኩምን ንኸይፍለየና ብኽብሪ ነዘኻኽር።
ፍትሕን ሰላምን ደሞክራስን ንህዝቢ ኤርትራ!
በይ አርያ - ኤርትራውያን ንደሞክራስያዊ ለውጢ (በአ-ኤደለ)
መጋቢት 2016

ኣብ ታሪኽ ሰውራ ኤርትራ ክሳብ 70ታት እተን ክልተ ብርክት ዝበሉ ተጋደልቲ ዝተሰውኡለን ኲናት ቁሩሑን ሓልሓልን እየን። ክልቲአን ከኣ ኣብ ኣውራጃ ሰንሒት ይርከባ ። ኲናት ቁሩሑ ብ21 ብመስክረም 1965 ክካየድ እንከሎ ፣ ኲናት ሓልሓል ከኣ ብ6 መስከረም 1968 ተኻይዱ። ንሎሚ ከም ቴማ ክወስዶ ዝመረጽኩ ብዛዕባ ኲናት ቁሩሑ ክኸውን እዩ። ምኽንያቱ ብሓደ ግዜ ክንድዚ ዝኣክል መስዋእትነት ክኽፈል ስለ ምንታይ ክኽውን ክኢሉ ዝብል እንተታትን ገምጋምን ክኽውን እዩ። ብዛዕባ ኲናት ሓልሓል ከኣ እቶም ኣፍልጦ ናይቲ ቅድመ ኲናት ዝነበረ ምቅርራባት እትዝክሩ ተራኹም ሓሊኹም ከተቕርቡልና ይጽውዕ ።
ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ኣብ ክፍልታት ክምቀለሉ ዝተደልየ ኣብ መጀመርያ ወርሒ መስከረም 1965 ነይሩ። ምክንያቱ ኣብቲ ግዜ እቲ ሰውራ ኣልጀርያ ብከምኡ ዝተዋደደ እስትራተጂ፡ ዓወት ስለ እተጓናጸፈ ከም ሞደል ተቐዲሑ ተወስደ ። እቶም ሓይልታት ኣብ ከባቢ ኩር ተኣኪቦም ኣብ 4 ክፍልታት ከም ዝምቀሉ ተገብረ ። ድሕሪ ኣብ ክፍልታት ምምቃል ፣ እታ ንሰምሃር እተመደበት ራባዓይቲ ክፍሊ ብዑማሮ እትምራሕ ጉዑዞ ትጅምር ። እንተኾነ ኣብ ክንዲ ንገማግም ቀይሕ ባሕሪ ገጻ ተምርሕ ፤ ንከበሳ ገጽ ኣንፈታ ጠወያ ተጓዓዘት ። ኣብ ገለብ ዝብሃል ዓዲ ከኣ በጸሐት ። ከምቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበረ ናይ ጽላኢ መምርሒ፣ መግቢ ንሸፋቱ እንተ ኣቀቢልኩም ብቁልጡፍ ንመንግስቲ ኣመልክቱ ዝበሃል ዝነብረ ፤ ኣቶም ከንቲባ ዓዲ ፣ መግቢ ከም ዘቕርቡ ድሕሪ ምሕባር ፣ ብተዛማዲ ከኣ ሰብ ንዒላበርድ ንመንግስቲ ዝነግር ከም ዝገብሩ ሓበርዎም ። ኣብቲ ግዜ እቲ ጽርግያ ካብ ዒላበርዕድ ክሳብ ድብረሲና ይበጽሕ ስለ ዝነበረ ካብ ደብረሲና ንገለብ ብእገሪ ዳርጋ 3 ሰዓት ኣቢሉ ዝወስድ ርሕቅት ይኽውን። እቶም ተጋደልቲ እቲ ከባቢ ናብ ጸላኢ ቅርበት ከም ዝነበሮ ብፍጹም ክርድእዎ ኣይከኣሉን። ስለዚ ከኣ እዮም ኣበው ክምስሉ እንከለዉ “ መገድስ ምስ ወዲ ዓዲ “ ዝበሉ ።
ኣብ ምሕላብ ቤት ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤት ክርስትያን ነይሩ ፣ ቁምስናኣ ከኣ ማርያም ጽዮን ትብሃል ። እግረ መንገደይ ፣ እታ ታቦት ማርያም ጽዮን ንገለብ መንሳዕ ደቂ ኣብርሄ ተባሂላ ምስ መጸት ፣ እቶም ዓዲ ኣይንድልያን ስለ ዝበሉ ክትምለስ ምስ ተባህለ፣ ከንቲባ መንሳዕ ደቂ ሻሕቀን ዝነበሩ መሓመድ ሓሳማ ዝበሃሉ ኣማኒ ምስልምና ንክወስድዋ ሓተቱ። በዚ ከኣ እቲ ቁምስና ምሕላብ ቆይሙ ። እዚ ከኣ ሕዝብና ክሳብ ክንደይ፣ ተጻዋርነትን ሕውነትን ኣብ እምነታቱ ከም ዝነበሮ ዝሕብር ህያው መረዳእቲ እዩ። ኣብዚ ቤት ትምህርቲ እዚ ከም ልማድ ሰንበት ሰንበት ኣብቲ ከባቢታት ናብ ዘለዋ ዓድታትን፣ ግርማ ዘለዎም ሰማይ ጠቀስ ባላሕቲ ጎቦታት ፓሳጆ ወይ ዙረት ምኻድ ልምዲ ነበረ።
ስለዚ ኣብ 16 መስከርም 1965 ኣባ ብድሆ ዝብሃሉ ካህን መሪሖምና ንግሆ ንገለብ ንብገስ ፡ ድሕሪ 3 ሰዓት ኣቢሉ ጉዑዞ ኣብ ገለብ ንኣቱ። እዚ ማለት ንሰሜን ምብራቕ ሳሕል ገጽና ማለት እዩ። ኣብ ማእከል ዓዲ ኣብቲ ሕጻ ኣብ ትሕቲ እቲ ዓበይቲ ኣግራብ ከኣ ቦታ መዋዕሊ ሓዝና። ምጽእ ምስ በልና ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ክልተ ተጋደልቲ መጺኦም ሓተቱና። ንተወሳኺ ሓበሬታ ከኣ ነቶም ካህን ወሰድዎም። እቲ ዝሃቡና ኣስተምህሮ እቲ ቓልሲ ጀመርቱ እምበር ወዳእቱ ከምዘይኮኑ ንሳቶም ሓለፍቲ ምኻኖም ድሕሪ ምግላጽ፣ ንሱን ከምኡ ዝኣመሰሉን ተመሃሮ ኣብ በይሩት ክምዝነበሩን ክቓለሱ ክም ዝመረጹን ኣብሪሁልና። እቲ ስስተምህሮ ዝሃበና መንእሰይ ብዓረበኛ ይዛረብ ነበረ። እቲ ካልኣዩ ከኣ ብትግርኛ ይቱርጉመልና ነይሩ ።ኣብቲ ከባቢ ምህላው ጅብሃ ፍሉጥ ስለ ዝነበረ፣ ዝተሰመዓና ፍርሒ ኣይነበረን። እቶም ተጋድልቲ ምስ ከዱ ኣብቲ ጥቓ ዓዲ ዝነበረት ኩጆት ቁሊሕ እንተ በልና፣ ንመጀመርያ ግዜ እታ ሰማያዊት ባንዴራና ክተንበልብል ተዓዘብና ። እቶም ተጋደልቲ ነቶም ካህን ጉዳዮም ድሕሪ ምጽራይ ንክምለሱና ገበሩ ። መግብና ሒዝና ስለ ዝተጓዓዝና ኣብቲ ቦታ ተመሲሕና። ክሳብ ሰዓት 3 ናይ ድሕሪ ቀትሪ ከኣ ኣብ ገለብ ጸናሕና። ኣብ ጫፍ ናይቲ ዓዲ ዝነበረ ሰፊሕ ናይ ኣቶ ክብረኣብ ብርሃነ ጀርዲን ከኣ በጽሓና ። ገለብ ካብተን ኣብ ኣውራጃ ሰንሒት ኣብ ጽቡቕ ጎደና ምዕባለ ትርከብ ዝነበረት ዓዲ ነይራ። እቶም ተጋደልቲ ድሕሪ ናይ ገለብ ውዕሎ ኣብ ከንዲ ንሺዕብ ንቀይሕ ባሕሪ ገጾም ዘምርሑ ዝገደደ ንምሕላብ ገጾም ኣምርሑ።
ንሕና እውን ዽሕሪ ቀትሪ፣ ንዓድና ክንምለስ ተበገስና። ኣብ ባብሓራይሽ ዝብሃል ካብ ምሕላብ ሓደ ሰዓት ምስተረፈና ዓይኒ ኣብ ዝሓዘሉ ግዜ ወዮም ተጋደልቲ ኣብ ማእከል መንገዲ ብብዝሒ ክንርእዮም ዝኸኣልና ግዜ ነይሩ ። ዝበዝሑ መንእሰያት ነይሮም፣ ብግምት ክሳብ 150 ይግመቱ ነይሮም። ዕጥቆምን ክዳውንቶምን ሓደስቲ ካብ መዓስከራት ዝወጹ ይምስሉ ነይሮም። እቶም መራሕቶም 7 ሱዊድናውያን በጻሕቲ ንገለብ እናኽዱ ካብ በልታ ዝብሃል ቦታ ወሲዶም ይሓትዎም ነይሮም። ኣብ ማእከል መንገዲ ስለ ዝነበሩ ንዓና እውን ደው ኣቢሎም ሓተቱና ፣ ምስሓበርናዮም ከኣ ክንክይድ ፈቒደሙልና። እቶም ምሳና ዝነበሩ ካህን ነቶም ተጋድልቲ፡ ነቶም ሱዊድናውያን ባጻሕቲ ጉዳዮም ምስ ወድኡ ንመሕደሪ ናብቲ ገዳም ከምጽኡሎም ሓተቱ። እቶም ተጋደልቲ ከኣ ሕቶኦም ምስ ወድኡ ፣ ሰዓት 11 ናይ ለይቲ ኣብቲ ገዳም ክሓድሩ ኣረከብዎም። እቶም ኣጋይሽ ኣብኡ ሓዲሮም ንጽባሒቱ ከኣ ብሰላም ንገለብ ክይዶም ።
እቶም ተጋደልቲ ምሸት ምሕላብ ኣትዮም። መግቢ ክእዝዙ ከኣ ናብ እንዳ ከንቲባ ኣፍታይ መጹ ። ከንቲባ ኣፍታይ እውን እዚ ቦታ ካብ ከረን ብመኪና ስለ ዝእቶ፣ ካብቲ ከባቢ ክርሕቑ ተማሕጸንዎም። ወዮም ተጋድልቲ ዕጅብ ኣይበሎምን። ክምዚ ክብሉ ከኣ ነቶም ከንቲባ መለስሎም “ሓደ ቆልዓስ መሸኒቱ ኣውጺኡ፣ ነዲኡ ሑሕ በላ፣ ንሳ ከኣ ነዚ እንተ ዝፍርህስ ንዓኻ ኣይምወልድኩኻን” በለቶ። ንሕና ከኣ መንግስቲ እንተ ንፈርሕ ኣብዚ ኣይምመጻእናን ክብሉ መለስሉ። ከንቲባ ኣፍታይ ዓበይቲ ዓዲ ጸዊዑ ድራር ኣዘዘ። ከምቲ መንግስቲ ዝሓቶ ከኣ ሓበሬታ ዝህብ፣ ሰብ ንዒላበርዕድ ሰደደ። እቶም ተጋደልቲ ተደሪሮም ካብቲ ከባቢ ዓዲ እንከለዉ፣ ንግሆ 75 ዝኾኑ ኮማንዶስ፣ ሓንቲ ዓባይ ሰበይቲ ሞይተን ስለ ዝነበራ ሓድ ክፋል ናይቲ ዓዲ ኣብ መቓብር እንከሎና ሓለፉና። ገለ ካብ ሓለፍቶም ከኣ እቶም ተጋደልቲ ዘለውዎ ሓበሬታ ሓተቱ። እቶም ብግቡእ ቁጽሪ ናይቶም ተጋድልቲ ዝፈለጡ ከኣ፣ ነቶም ኮማንዶስ ከምዘይክእሉዎም ኣጠንቀቕዎም። ስለዚ ኮማንዶስ ተወሳኺ ሓይሊ ክመጾም ክጽበዩ ኲናት ከይኣተዉ ቀነዩ። ንጽባሒቱ እቶም ተጋድልቲ ካብቲ ከባቢ ዓዲ ናብ ቁሩሑ ዝብሃል ቦታ ኣዝለቑ። ቁሩሑ ሓደ ዓቢይ ሩባ ማዩ ንሽዕብ/ንገድገድ ዝፈስስ ኮይኑ ብጎቦታት ዝተኸበ ዓሚቝ ቦታ እዩ። ሕጂ እውን እቶም ተጋድልቲ ናብ ሓደገኛ ዝኾነ ቦታ ከም ዘምርሑ ይፈልጡ ኣይነበሩን ወይ ከኣ ሚዛን ሓይሊ ጸላኢ ኣይነበሮምን ክኽውን ኣለዎ። ምኽንያቱ እቶም ዓዲ ወተሃደራት ጸላኢ መጺኦም ኣለዉ ምስ በሉዎም “ፖሊስ ድዮም ወይስ ጦርሰራዊት” ክብሉ ሓቲቶም ነይሮም። ብኻልእ ወገን እውን ቁሩሑ ካብ ደቀምሓረ ድምበዝን ብዋራ ኢራ ኣቢልካ እንተ በዝሔ 4 ሰዓት ዝወስድ ርሕቀት እዩ ነይሩ።
እቶም ተጋድልቲ ዓሪዶምሉ ዝነብሩ ሩባ ቁሩሑ ካብ ምሕላብ ብክልተ መገዲ ይኽየድ። ሓደ ሩባ ሩባ መንገዲ ኣጋር፣ እቲ ሓደ ከኣ እቛራጭ ሰብ እምበር ጽዕነት ዘይኸዶ መንገዲ ኣለዎ። እቶም ኮምንዶስ ኣብ ምሕላብ ምስ ኣተው፡ ዳርጋ ንሰለስተ መዓልቲ ኩነታት ክከታተሉን ተወሳኺ ሓይሊ ክጽበዮ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ረቡዕ 22 መስክረም 1965 ኲናት ክገብሩ ትእዛዝ ተዋህቦም። እቲ ኩናት ሰዓት 1 ድሕሪ ቀትሪ ተጀሚሩ ኣብ ከባቢ ሰዓት 4 ድምጺ ናይ ተኹሲ እናጠፍአ ከደ። ኲናት ቁሩሑ ናይ መጀመርያ ኮማንዶስ ምስ ጀብሃ ዝገጠሙሉ ነይሩ ። ንጽባሒቱ እቶም ኮማንዶስ 21 እተሰውኡ ተጋደልቲ ኣብ መኻይን ጺዒኖም ንምሕላብ ተመልሱ። ተውጊኦም ዘንሰሓቡ እውን ዝተሰውኡ ምንባሮም ይንገር። እቶም ኮማንዶስ ንምሸቱ ከኣ ንከረን ተጓዕዙ። እቶም ዝተረፉ ተጋደልቲ ንባሕሪ ገጾም ኣንሰሓቡ፣ ኣብ ረበል ዝብሃል ቦታ ክተኣኻኸቡ ኣብ ዝፈተንሉ ጽላኢ ካብ ግንዳዕ ካሊእ ሓይሊ ሰዲዱ እንደገና ኲናት ከፈተ። ኣብዚ ኲናት እዚ ብዛዕባ ዝተረኽበ ክሳራ ግና ሓበሬታ የብለይን ።
ድሕሪ እቲ ኲናት ንቀዳም 25 መስከረም 1965 ምስቶም ካህን እንደገና ነቲ ኲናት ዝተገብሮ ቦታ ክንበጽሕ ተተሓሒዝና ከድና። እቲ ቦታ ኲናት ከምዝተኻየዶ እውን ዝሕበር መረዳእታታት ኣይነበረን። ማለት ኣብ ባይታ ገለ ምድላዋት ናይ ድፋዓት ኣይነበረን። ቁሩብ ኣእማን ኣብታ ዕላዊ ዋርድያ ዝነበሩዋ ኩጀት ናብቲ ሩባ ገጸ እትጥምት ጥራሕ ተዓዚብና። እቶም ኣብቲ ሩባ ዝነበሩ ክምልጡ ዝኽእልሉ ዕድል ጸቢብ ነይሩ። ብዝኾነ እቲ ዝተኽፍለ መስዋእትነት ብቀሊል ዝግመት ኣይነብረን ።
ኣብ ሰብዓታት ጀብሃ ነቶም ንኮማንዶስ ወተሃደራዊ ምኽሪ ዝለገሰ ዜጋ ድሕሪ ምሓዝ፡ ብርቱዕ መግረፍቲ ኣውሪዶምሉ ግን ከኣ ህዝቢ ናይቲ ዓዲ ክምሕሩዎ ስለ ዝለመኖም ጀብሃ ምሒሮም ነጻ ኽከይድ ኣፋንየምዎ። እዚ ከኣ መንነትን ሓልዮትን ናይቲ ዝነበረ ጀብሃዊ ኤርትራውነት ዝገልጽ እዩ ። ማለት ህዝቢ ክልምን እንከሎ ፣ ሰማዒ ምርካብ እውን ነይሩ እዩ።
ብድሕሪ እዚ ኣብ 1975 ኣብ ቁጽሪ 10 ምስ ተመደብኩ ኣብ ከባቢ ዓዲ ቀይሕ ምስ ተጋዳላይ ሱሌማን ዲኒ ሓላፊ ቁጠባዊ ቤት ጽሕፈት ዝነበረን ሓደ ካብቶም ኣብ ኲናት ቁሩሑ ዝተሳተፈ ተራኺበ ብዛዕባ እቲ ኩናታት ተወኪሰዮ ነይረ። ንሱ ከምዝበሎ “ኣቃማምጣ መሬት ይኹን፡ ናይ ጸላኢ ሓይሊ ዓቕሚ እኹል መረዳእታ ኣይነበረናን” ይብል። ኣስዒቡ “ፖሊስ እምበር ኮማንዶስ ዝበሀሉ ሓደስቲ ዝሰልጠኑ ይመጹና ዝብል ሓሳብ ኣይነበረናን” ምስ በለ ። “ድሕሪ ኲናት ቁሩሑ ናብ ረበል ዝብሃል ቦታ እንደገና ክንራኸብ ፈቲንና። ኣብኡ እውን ምስ ሃረሙና ፋሕ ብትን ኣትዩና፣ እንደገና ክንራኸብ 6 ወርሒ ወሱዱልና” ኢሉ ። እቲ ኩነታት ክሳብ እቲ ግዜ ከም ዝሕዝኖ ገሊጹለይ ። ተጋዳላይ ሱሌማን ዲኒ ነቶም 1977 ብወገን ደንከል ክኣትዉ ዝፈተኑ ብየሚን ዝፍለጡ፣ ካብ የመን ዝሰደድዎ ስንቅን ዕጥቅን ተቀቢልካ ትኽዝን ጸንሒኻ ተባሂሉ ተኸሲሱ ናብ ባርካ ምስ ተወስደ ፣ ኣብ ጸጥታ ህይወቱ ከምዝሓለፈት ይፍለጥ ።
ለበዋን መተሓሳሰብን ።
ኩሉ ግዜ ኣብ ዝኾነ ወብሳይትን ጋዜጣን እዞም 21 ስዉኣት ቁሩሑ ኣብ ዋርሻ ከተማ ክረን ተሰቒሎም እንከለዉ ንርኢ ወይ ንዕዘብ ። እንተኾነ ክሳብ ሕጂ ኣስማቶም ኣሰኒዩ ዘውጸአ ወገን የለን። እዞም ስዉኣት ብወለዶም ዝተዋህቦም ኣስማት ኣለዎም። ወለድን ቤተሰብን እውን ኣለዎም። ኣብቲ ቅድም ግዜ ፍርሒ ካብ ጸላኢ ስለ ዝነበረ ሓደጋ ከየስዒብ ፍርሒ ነይሩ ይኸውን። ሕጂ ግን ዝርዝር ኣስማቶም ክንፈልጥ ኣገዳሲ ይመስለኒ። ስለዚ እቶም መዛግብቲ ጀብሃ እትውንኑን፣ ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ በዚ ጉዳይ እዚ እትገደሱን፣ ታሪኻዊ ሓላፍነት ክትወስዱ የማሕጽን። ልክዕ እዩ ኣሸሓት ተሰዊኦም ኣለው ፣ ግን ሓደ ስእሊ እንተ ሰቂልካዮ እቲ ሕቶ ዝመጽእ ብዓል መን እዮም ኢና ንብል ።
ካብዚ ሓሊፉ ኣነ ናተይ ተዘክሮታት ኣቕሪበ ኣለኹ። እዚ ፍጻሜ እዚ 51 ዓመታት ዝሓለፎ ስለ ዝኾነ፣ ዝኾነ ዜጋ ክእረም ኣለዎ ዝብሎ እንተሎ እርማት ክሕበር የተባብዕ። ዝኾነ ፍጻሜ ብግቡእ ተሰኒዱ ንወለዶታት ክሰጋገር ተራ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ብሃገሩ ዝግደስ እዩ ።
ዘለዓለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና!
ክብሮም ግረነት
ምሸታዊ መደብ ኣብ ሎንዶን - ዓባይ ብሪጣንያ።
Sunday, 13 March 2016 21:30 Written by ኣዋሃሃዲት ሽማግለተቃወምቲ ሓይልታትን፡ በርጌሳዊ ማሕበራትን ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ
ኣብ ሎንዶን ንርከብ ተቃወምቲ ሓይልታትን በርጌሳዊ ማሕበራትን ብምኽንያት
>>ዝኽሪ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ 8ተ መጋቢት
>>ዝኽሪ ኩናት ቶጐርባ 15ተ መጋቢት ፤
ብሓባር ንምብዓል ምሸታዊ መደብ ኣዳሊና ኣሎና።
ዝካየደሉ ዕለት፡20th March 2016
ሰዓት፡ 5:00 pm to 9:00 pm
ቦታ፡
The Pepper Pot Centre, 1A, Thorpe Close
Ladbroke Grove, London W10 5XL
Nearest Station:Ladbroke Grove Station (Hammersmith &City Line)

ኣብዚ መደብ ምሳና ሓቢርኩም ንኸተምስዩ ብኽብሪ ንዕድም።
ብደሓን ምጹ ።
ኣዳለውቲ፡
ኣዋሃሃዲት ሽማግለተቃወምቲ ሓይልታትን፡ በርጌሳዊ ማሕበራትን ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ
The Eritrean opposition groups and civic society organisations have jointly organised an Evening get together to commemorate:
- International Women's Day March 8
- The Battle of Togoruba March 15
Date: Sunday 20th March 2016
Time: 5:00 pmto 9 pm
Venue:
The Pepper Pot Centre, 1A, Thorpe Close
Ladbroke Grove, London W10 5XL
Nearest Station: Ladbroke Grove Station (Hammersmith & City Line)
Joint UK Group – (Events Co-ordinating Committee)
ባይቶ ኤውሮጳ: ኤርትራ ንኤርትራዊ ሽወደናዊ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢስቕን ካልኦት እሱራትን ክትፈትሕ ስምዕታ ሂቡ። ኣብቲ ትማሊ ሓሙስ ባይቶ ኤውሮጳ ዝወሰዶ ውሳኔ በቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዓሙቕ ስክፍታ ከም ዘለዎ ብምግላጽ: ንናይ ኤውሮጳ ኮሙሽን: እቲ ንኤርትራ ዝውሃብ ሓገዝ ኣብ ጁባ መንግስቲ ኤርትራ ክኣቱ ከምዘይብሉ ክሰርሕ ኣገንዚብዎ። ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ክሳብ 1,9 ምልያርድ ክሩኖር ንምዕባለን ምቅላስ ድኽነትን ኣብ ኤርትራ ተባሂሉ ክሳብ ዓመት 2020 ክወሃብ ወሲኑ ከምዝነብረ ዝዝከርዩ።
ጽሑፍ ተለቭጅን ሽወደን 10 መጋቢት 2016
ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ 8 መጋቢት
ንፍትሓዊ ማዕርነት ዝወላዕኪ ክርቢት
ብዘይግልጽ ምልጽ ናይ ካልኦት ትጽቢት
ንንጹር ዕላማ ጸረ ድሑር ትዕቢት
ንቓልሲ ዓዲማ ንኩለን ብሕብረት።
ኣካል ናይ'ዚ መስርሕ ኤርትራዊት ኣደ
ከም ኣባል ደቂ ኣንስትዮ ዓለም በቲ ሓደ
ጸረ ባዕዳዊ ስርዓት ምግዛእኪ ዝለመደ
ጸጋኺ ግሒጡ ፍጹም ዝሰወደ
ንቓልሲ ወሲንኪ ንግሆ ከይረፈደ።
ኣብ ክንዲ ምሕንቓቕ ተመርዒኺ ሕጽኖት
ብትብዓት ነቒልኪ ደድሕሪ ቀዳሞት
ኣብ'ቲ ከርፋሕ ናብራ ናይ ምህላው ወይ ሞት
ስለ መሰል ፍትሒ ንራህዋ ዳሕረዎት
ብትብዓት ወሲንኪ ንኽትከፍሊ ህይወት።
ኣብ'ቲ ጽንኩር ኩነት ናይ ጅግንነት ቦታ
ድምብርጽ ከይበላ ጾታዊ ፍጥረታ
ታሪኽ ኣመዝጊባ ማዕረ ምስ ኣሕዋታ
ኣብ ኲናት ትድብል ዘይብላ መሰታ
ተኣምር ሰሪሓ ከፊላ ህይወታ፡፡
ኤርትራዊት ኣደ'ወ እዛ ጅግና
ብውሽጢ ብደገ ደጀን ናይ ሰውራና
ምስጢርና ዓቂባ ምስጢር ተስንቐና
ዕሩቓት ትኸድን ቀንጢጣ ዝባና
ዕዙዝ'ዩ ሞያኺ ኣብ መስርሕ ቃልስና።
ብሳላ ጅግንነትኪ ዝተረኽበት ዓወት
ደሞም ከይነቐጸ ናይ ስዉኣት ብጾት
ጽባሕ ነጻነትና ኣብ ዘይመልእ ዓመት
ስልጣኑ ከጣጥሕ ኣትዩ ኣብ ሓፈትፈት
ሽዑ እያ ጅሚራ ናይ ሎሚ ባርነት።
ፍትሓውያን ከሕቅቕ ዓገብ ካብ ዘይንብል
ስንኩላን ክቕንጽል ብቓሉ ካብ ንዕልል
ውላድና ክዘምት ካብ በልናሉ ዕልል
ኣብ ጕድኒ ሬሳታትና ጓይላ ካብ ንዘልል
ባዕልና'ምበር መን ሂብዎ ዕድል።
ሽደን ኤርትራዊት ኣብ ሸዊት ዕድመኺ
መሪር ህይወት ቃልሲ ከም ንቡር ወሲድኪ
ኣብ ከበሳን ቆላን ታሪኽ ዝጸሓፍኪ
ንመሰል ተቓሊስኪ መሰል ዘይምርካብኪ
ዓለም ገሪምዋ ብመሪር ወጽዓኺ።
እዛ ናጻነትና ኣሽሓት ዝተኸፍላ
ፍቕሪ ከይትጥጥዕ ወደቦ ዘይብላ
ውሉዳ ከይስስን በጃ ዝሓልፈላ
ራሕሪሕዋ ከይዱ ተስፋ ስኢኑላ።
ብሉጻት ከፊልኪ ንፍትሒ ንሰላም
ኣብ ራህዋ ክትነብሪ ተቐንጢጡ ጸላም
ክብርኺ ክሕሎ ኣልቦ ዓመጽ ሓራም
ወፊርኪ ክትኣትዊ ብብርሃን ብጸላም
ዘይተጸበኽዮ ደጊሱኪ ሕማም።
ሃገራዊ ኒሕኪ ብተንኰል ገምጊሙ
መልኣኽ ተመሲሉ ኣብ ጽላልኪ ቆይሙ
ናይ ሳጥናኤል ባህሩ ባርኖስ ተሽፊኑ
ስልጣኑ ከጠጥሕ ጎረቤት ዓዲሙ
ናትኪ እናመሰለ ኣንጻርኪ ዓሊሙ።
ቅዋም ከይሰርሕ ፍጹም ካብ ሓንገደ
ናይ ምዝራብ ዕዽል እንካብ ተኣገደ
ሰሪሕካ ናይ ምንባር መሰል ከይተፈቕደ
ዘዝወለድክዮ መንእሰይ ንስድት ካብ ከደ
እንታይ ኢና ክንጽበ ካብዚ ዝገደደ።
መሰል ተሓልዩ ሃገር ከይቀሰነት
መግቢ ዕለት ረኺባ ህይወት ከይተዋሕሰት
ንግሆ ዝወፈረ ከይተመልሰ ምሸት
ፍቅሪ ከይሰፈነ ኣብ መንጎ ስድራ ቤት
ስቓይና ከብቅዕ ኣይሕሰብን ዘበት።
ኣብ ገዛእ ሃገርኪ ሰላም ካብ ሰኣንኪ
ክሽየጡ ክልወጡ መናአሰይ ውላድኪ
ሓዳርኪ ክስወር ህጣሙ ዘይብልኪ
ግራት ጓሂ ኮይንኪ ጽማልያ ካብ መሰልኪ
ንለውጢ ተንስኢ ኣልዕሊ ቅልጽምኪ።
ዕድልኪ ገይርዎ ካብ መረረ ህይወት
ዕጉስ ባህርያትኪ ካብ ተቆጽረ ድኽመት
ንራህዋ ተበጅኺ ካብ ወረደ ድንገት
ኣብ ውሽጢ ገዛኺ ካብ ዝመላለስ ውርደት
ሕጅውን ብቓልሲ'ዩ ዝረጋገጽ ማዕርነት ምስ ክብረት።
ሓብተይዶ ክብለኪ ፍላይ ማንታይ
ሓዳረይዶ ክብለኪ ፍንጫሕ መሰንገለይ
ብጸይተይዶ ክብለኪ ተባዕ መቓልስተይ
ኣብ ራህዋ ኣብ ጸገም የማነይቲ ኢደይ።
እዚ ንጹር ስእሊ ኩነታት ሃገርና
ቋንቋና ዝዛረብ ሃገራዊ ጓና
ምጥፋአና ዝሕልሙ ሱርና መሰረትና
ሓደ'ዩ ጸላኢና ንወድና ጓልና
ሓቢርና ንእለዮ ከይተፈላለና።
ናይ መሬትና ሽሻይ ክመልእ ቆፎና
ዒባ ከይሓርሞ'ቲ ማሙቕ ደምበና
ኣብ ዓዶም ክሕንቅቁ ዕሸላት ደቅና
ንስርዓት ህግደፍ ነዚ ስሱዕ ጋውና
ግሒጥካ ኣብ ምጉሓፍ ኣብ ጎድንኽን ኣሎና።
ዓንደጽዮን ግርማይ
ጀርመን
8 መጋቢት 2016

ኤርትራዊ ማሕበር ኣካለ-ጽጉማን ሰሜን ኣሜሪ
ተበግሶ ነፍስኻ ምኽኣል፡
ንኤርትራውያን ኣካለ-ጽጉማን (ውጉኣት ሓርነትና - ከሰላ) ፡ ብቐጻሊ- ዘጽልሉ ቤት፡ ዝሰትይዎ ማይ፡ ዝበልዕዎ መግቢ ክህልዎምን፣ ከይዓርቁ፡ ከይጽገሙ፡ ሰኣን ብቑዕ ሕክምና ብቓንዛ ከይሳቐዩ፡ ከየስተማስሉን፡ ኤርትራውያንን ግብረ-ሰናያዊ ሕልና ዘለዎም ፈተውትን በብዓመቱ ወፈየኦም ከየቋርጹ ዝሕግዙ ምህላዎም ብሓበን ንዝክሮምን ነመስግኖምን።
ሎሚ፡ ውጉኣት ሓርነት መደበር ከሰላ፡ ንሓዱሽ ብድሆ ይጽውዑና ኣለዉ-
ብድሆ ንነፍስኻ ምኽኣል!!!
ብድሆ ነፍስኻ ምኽኣል፡ ክትግበር $40,000.00 ይሓትት። ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት፡ መጋቢት 6፡ 2016፡ ብሓልዮት ረድዮ ድምጺ ኤርትራ-ናዝ የማነን መስከረም.ነትን መደብ ወፈያ ጀሚሩ ኣሎ።
ኣብ`ዚ ዝተጠቕሰ ዕለት፡ ኣዝዮም ውፉያት ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ሓጺር ሰዓታት ልዕሊ $4,100.00 ዶላርን 100.00 ፓውንድስ ክዋጻእ ክኢሉ።
እቶም ወፈየኦም ዘበርከቱ ኤርትራውያን፡
- ናዝ የማነ - ሃሊፋክስ ካናዳ >>>>>>>>>>> $ 500.00
- ሕድራይ ፍሳሃ - ካሊፎርኒያ/ ኣሜሪካ >>>>>>>> $1000.00
- ተኽለ ሃብተ- ካሊፎርኒያ/ኣሜሪካ >>>>>>>>> $ 500.00
- ክኪ ጸጋይ- ኣሜሪካ >>>>>>>> $ 500.00
- ኣለም ጎይተኦም- ኣሜሪካ >>>>>>>>>>> $1000.00
- ሓይለኣብ ጸጋይ >>>>>>>>>>>>>>>>>>>> $ 500.00
- ስሙ ክጠቅስ ዘየደለየ >>>>>>>>>>>>>>>>>>>> $ 100.00
- መርበብ ሓበሬታ ስኒትና.ካም >>>>>>>>>>>>>> 100.00 ፓውንድ (ስተርሊን)
ክዋጻእ ክኢሉ። ኣሎ በረከት!!!
ክሳብ እቲ ዝደለ ዘሎ መጠን ገንዘብ ዝእከብ ወፋያ ቀጻሊ`ዩ።
ሰንበት፡ መጋቢት 13፡ 2016፡ መደብ ወፈያ፡ ብረድዮ ድምጺ ኤርትራን መሰከረም.ነትን ካብ ሰዓት 1፡00 ድሕሪ ቀትሪ (ኣቆጻጽራ ኒው ዮርክ) ጀሚሩ ክሰላሰል እዩ።
ምስጋና፡
ንኹሎም ልዑል ልግሲ ዘበርክቱ ዘለዉ ምስጋናና ወሰን የብሉን። ከምኡ`ውን፡ ሓው ሕድራይ ፍሳሃ፡ ን13 መጋቢት ምስ ረድዮ ድምጺ ኤርትራ ተታሒዙ ንዝነበረ መደብ ክቋረጽን፡ ኣብ ክንድኡ እቲ ጊዜ ነዚ ዝዓበየ ጉዳይ ውጉኣት ሓርነት ክኸውንን ነዘቕረቦ ሓሳብ ከየመስገንናዮ ክንሓልፍ ኣይንደልን።
ቀጥታ ናብ ባንክ ወፈያኹም ከተበርክቱ ንእትደልዩ፡-
Organization name-
Association of Disabled Eritreans in North America
Bank: Chase Bank
Bank Account: # 901128439
Routing # 071000013
ንዝኾነ ሓበሬታ፡
- ጸጋይ ነጋሽ (303) 847-9130
- ጸሃየ ኣርኣያ መሓሪ (847) 485-8379
ሰብ ሕልና`ዩ ሓይሉ፣ ገንዘባዊ ትሕዝቶ ኣይኮነን። ስለዝኾነ፡ ብስም ውጉኣት ሓርነትና መደበር ከሰላ
ብቐጻሊ ንእተበርክትዎ ልግሲ ብልቢ ነመስግን።
ኤርትራዊ ማሕበር ኣካለ-ጽጉሜን ኣሜሪካ።
