ኣብያተ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያ ከሰላ ዕውትን ምዕሩግን በዓል ኣካይዱ
2016-03-28 13:43:24 Written by ወኪል ዜና ሰዲህኤ ካብ ሱዳን Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2455 timesሎሚ ዕለት 10.03.2016 ሰለስቲኡ ኣብያተ ትምሀርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ከሰላ ብሓባር ተጠርኒፉ ብድሙቕ በዓል ዛዚመን። ኣብዚ ዓመት መጸት እናደመቐ ዝውዕል ዕለት ዕድመ ዝተገብረሎም ናይ ክልቲኡ ቤተክርስትያን ካህናት (ካህናት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ከሰላን ካህናት ቁዱስ ሚካኤልን) ናይ መንግስቲ ሱዳን ዳይረክተ ናይ ዘይመንግስታውያን ኣብያተ ትምህርቲ ዞባ ሱዳን ሓው ደክተር ዓድል መሓመድዜን ከምኡውን ዳይርክተ መባእታ ቤት ትምህርቲ ሳላሓዲን ኣል-ኢዮቢ ሓው ኣስርን ወከልቲ ማሕበረኮማት ኤረትራን ኢትዮጵያዊያን ህንዲ ወለዲ ተማሃሮን ተሳቲፎም።
ምዝዛም ናይ 2015-2016 ኣብያተ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ከሰላ ከምቲ ልሙድ ምዕጻው ቤት ትምህርቲ ሎሚ ዘመን እውን ብዘደንቕ ኣገባብ (ፍረ ጻማና ዕቤት ውጼኢት ስራሕና ዕቤት ፈልጠትና ) ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ ኣብታ ፍልጠት እተቅስም (እተምህር) ውቅብትን ብዝተፈለዩ ጭርሖታት ዝተሸልመት ዳስና ልክዕ ሰዓት 2፡30 ድሕሪ ቀትሪ ብመምህር ወልደሂወት ቀለታ ብጨብጨ እልልታን ተኸፊቱ።
ዘመስጥ መዛሙር ግጥሚታትን ብህጻናት ተማሃሮ መባእታ ቤት ትምህርቲ ተቀረበ። ዝያዳ ሰሓቢ ብምንባሩ ወለድን ኣጋይሽን ናይ ሓጎስ ዳስታን ስምዒታትን ኣብ ገጻት ህዝቢ ይረኣን ይንበብን ነበረ ።ብምቅጻል ድራማታትን ፡ ተዋስኦታትን ፡ ግጥሚታትን ብማእከላይን ላዕለዋይን ተማሃሮን ምስ ግዜ ዝኸይድ ትምህርቲ ሓዘል ብቛንቛታት ትግርኛን ፡ እንግሊዝን ፡ ዓረብን ምኽርን ፍልጠትን ናይ ዝመጽእ ዕላማ ዝሕብሩን ብምንባሮም ዝያዳ ነቲ ህዝቢ ዓቢ ናይ ትምህርቲ ድሌት ዘስሕቡ ሃዋህውን ባይታን ዝፈጥሩ ነበሩ ።
እቲ ዝያዳ ብሩህን ተፈታውን ዝነበረ እሞ ዓቢ ድምቐት ዘሐደረ ብዝነኣድ ኣገባብ ናይ ሃገር ባህልን ልምድን ስሚዒታት ዘበራብሩን ዘዘኻኽፋን ብትግሪኛን፡ ትግረን፡ ብለንን፡ ኣምሓሪና ዝቀረበ ደርፍታት ምስቲ ባህላዊ ኣልባሳቶም ብምርኣይ ነቲ ኣብ ኣብ ዳስ ዝነበረ ህዝቢ ብርቱዕ ሃገራዊ ባህላዊ ናፍቆት ስለ ዘዘኻኽሮም ብሓያል ጨብጨባን እልልታን ካብ ልቦም ዝነቀለ ስሚዒታቶምን ይገልጹ ነበሩ። ኣብ መንጎ ናይቲ ብጉጅለ ባህሊ ተመሃሮ ዝቐርብ ዝነበረ መደባት ከኣ ቃል መማህራን ብመምህር ወልደየሱስ ሃብተ ቃል ሓላፊ ኣብያተ ትምህርቲ ኣባ ገብራይ ቢኢደማርያም ቃል ዳይርክተር ዘይመንግስታውያን ኣብያተ ትምህርቲ ዞባ ሱዳን ሓው ዶክተር ዓድል መሓመድዜን ተዋሂቡ። ዝተፈላለየ ሽልማታት ከኣ ተዓዲሉ።
ንመማህራን ወኪሉ መምህር ወልደየሱስ ሃብተ ንተሳተፍቲ ናይቲ በዓል ድምቕ ሰላምታ ብቕዳም ሎሚ’ውን ከም ቀደምና ‘’ግዜ ባዕሉ ዝመጽእ’’ ወናኒ ዘይብሉ ብምዃን እንሆ ዕለት ምዕጻው ካቶሊካዊት ቤ\ክ\ከሰላ ዳሳ ብዓጀብ ሽልማ ተኽላ ፍረ ዓመት ናይ ተምሃሮ ኣብ ውጺኢት ስራሖም ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ ተመርኩስና ኣብ ኣድራሽ ኮፍ ኢልና ብሓገዝ ትኹራት መማህራን ተማሃሮን ዝተጻለወ ተዋስኦታትን ግጥሚታትን ድራማን ንሓንጎል ዘመስጡ ብሂላትን ብምርኣይን ብምስማዕን ነቲ ወርቅዊ ግዜኹም ተሕልፋን ትዘናግዑን ኣሎኹም።
ክቡራት ወለድን ኣጋይሽን ትዕዘብዎ ዘለኹም ተርእዮታት ደቕና ኣብ ስደት ብምህላዎም መጠን ቛንቛ ስደት´ውን ብመጠኑ ስለ ዝወረሱ ኣብ መልሓሶም ጌጋ ኣድማምጻ ትግሪኛ ········ ክህልዎም ስለ ዝኽእል ግር ኣይበልኩም።
ናብ ቁም ነገር ክምለስ ኣድላይቲ ነጥብታት ኵውከስ፣ተማሃራይ መን ኢዩ ? መምህርከ ብከመይ ይሕግዞ? ተራ ወለዲኸ እንታይ ኢዩ?. ከባቢኻ ከመይ ዝኣመሰለ ኢዩ?. ተማሃራይ ንክመሃርከ እንታይ የድልዮ?
- ብሓጽሩ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቀሰ ንምምላሽ ፣ ተማሃራይ ፣ ወለድን ፣ መምህርን ኣብ ምኽትታል ስራሕ ትምህርቲ ሓደ ምስ ዝኸኑ ኢዮም። እዚ እሞር እዚ ብጣዕሚ ብዕምቆት ምርዳእ ዘድልዮ ኢዩ።
- ትምህርቲ ብግቡእ ንክኸይድ ቅሳነት ስድራ ቤት የድሊ። ወለዲ ምስ ከባቢ ምስ ዝርበሹ እቲ ትምሕርቲ´ውን ብኣኡ ይጽሎ እሞ ውጺኢት ደቆም ብልዕሊ ዝበለ ደረጃ ነጥቢ ክጽበዩ ኣይክእሉን ኢዮም።
- እዚ ኵነታት´ዚ ብፍላይ ኣብዚ ሰዓት እዚኣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓንጎል ስደተኛ ዝረአን ዘሎን ብምዃኑ እቲ ቀንዲ ኣንጻር (ፀረ ) ጉዕዞ ትምህርትና ኰይኑ ኣሎ።
- ግድን ኢዩ ብግቡእ ተማህርካ ማዕብልካ ጽቡቕ ስራሕ ንክትረክብ ነዊሕ ግዜ ይውስድ፣ ግን ናይ ሎሚ መንእሰይ ሓጺር መንገዲ ወሲድካ ሕይወትካ ምምራሕ ዝብል ጭርሖ ኢዩ፣ እዚ ፍጹም ጸረ ምዕባሌ ትምህርቲ ኢዩ። ስለዚ ካብ ኣፍረይቲ ዘያፍረይቲ ሰባት ንኸውን ። ናይ ሎሚ ተክኖሎጂ ምዕቡል ሓንጎል ይሓተና ኣሎ ፣ ስለዚ ተካእቲ ናይ ጽባሕ ወልዶ ንኽከውን ምስ እንመሃር ጥራሕ ኢዩ።
- ኩሉ ሰብ ባህሪየቱን ጥባየቱን ኣተዓባቢይኡን ሓደ ኣይኮነን ። ባህራየትን ጠባያት ናይ ተማሃሮና ድማ ኣብዚ ዝተመርኮሰ ይኸውን ። መማህራን እኩብ ድምር ናይዚ ጠባያት ኣማእኪሎም ይጐዓዙ ።
- መንፈስ መምህር ኣብ ቦታኡ ከሎ ፣ መንፈስ ተማሃራይ ሸገርገር ዝብል ይመስል፣ ንቅድሚት ንሳልሳይ ሃገር ንስደት ስለዘዘንብልኣብ መንጎ ወልድን መማህራንን ፍሕሽው ዝበለ ዝምድና ይመሰል።
- ብኣውንተ ክንገልጽ ከሎና ካቶሊካዊት ቤ\ክ\ ኣብየተ ትምህርቲ ከሰላ ኣብ ድሮ ናይ ወርቓዊ ኢዩቤል ዝኸይድ ዘሎ ብዙሓት ዜጋታት ኣምህሩ ናብ ክብ ዝበለ ናብራ ዓለም እናሰርሑ ጽቡቕ ህይወት የሕልፋ ከምዘሎው´ውን ኣመስኪራ ኢያ ። ብራቮ ( ኣቅሳሚት ፍልጠት ዝኾንኪ ቤት ትምህርቲ ካቶሊካዊ ቤተ ክርስትያን ከሰላ ።
- ናይ ሎሞ ዘመን 2015-2016 ሰንጠረዥ ተማሃሮና እዚ ዝስዕብ ኢዩ
መባእታ | ማእከላይ | ላዕላዋይ | ድምር | |
ፈለማ ዓመት ዝተመዝገቡ | 203 | 230 | 194 | 627 |
ምሉእ ዓመት ዝቀጸሉ | 178 | 163 | 165 | 508 |
ዝሓለፉ | 154 | 125 | 155 | 434 |
ዝተረፉ | 24 | 38 | 10 | 72 |
ብዝሒ ዝሓደጉ ( dropout ) | 25 | 67 | 29 | 121 |
- ኣብ መወዳታ ክብሎ ዝደሊ
- ናይ 12 መርመራ ተዳሊኹም ዓመት ይምነየልኩም
- ነዚ ተወዳዳሪ ዘይብሉ ንምዕጻው ቤ\ት ሰብ ምርኢት መማህራን ተማሃሮን የመጉስ
- ሽማገለ ወለዲ ተሳትፎኹም ብዅሉ ሸነኻቱ የመጉስ
- ሓው ዝኾነ መንግስቲ ህዝብን ሱዳን የመጉስ
- ማሕበር ካቡቺኒ ኣበርክቶን ቆላሕታ ንህዝቢ ምሃቡ የመጉስ ብምባል ቃሉ ዛዚሙ፥
ቀጺሉ ዝያዳ ተጠቅምቲ ንሕና ተማሃሮ ናይ ሎሚ ዕንባባ ናይ ጽባሕ ፍረ ብምዃና መጠን ፍልጠት ዘቅሰሙና ክቡራት መማህራንና እናነኣድና በላሕትን ብሉጻትን ተማሃሮ ክንከውን ኣሎና ብምባል ብተማሃሪትሄለን ግርማይ ቃል ተማሃሮ ቀረበ። ኣብ መፋሪቅ ናይቲ ፕርግራም ሰዓት 3፡30 ሓላፊ ናይ ዘይ ምንግስታውያን ኣብያት ትምህርቲ ዞባ ከሰላ ዶክቶር ዓድል መሓመድዜን ምስ ጉጅለኡ ኣብ በዓል ብምምጻእ ምውቅ ኣቀባብላ ብህዝቢ ተገብረሉ። ናይ እንቛዕ ዳሓን መጻእኩም ምባልን ዝበርክትዎ ዘሎው ሓገዝን ዝገልጽ መልእኽቲ ብመምህር ዓብዱ ኣማን
ብቛንቛ ዓረብ ቀረበ። ሽማግለ ወልዲ ተመሃሮ ንክቡር ዶክቶር ዓድልን ንሓላፊ ኣብየት ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤ\ክኣባ ገብራይ ቢኢደማርያም ህያብ ኣውፊዩ። አዚ ከዓ ናይ ሓድነትን ናይ ምሕዝነት ዝገልጽ ነበረ ። ቀጽሎም ናይ 12 ክፍሊ መበል 16 ዙርያ ምስክር ዲፕሎማ ዓደሎም ፡ ድሕሪዚ ድክቶር ዓድል ስለቲ ዝተገብሮሎም ኣቓባብላ ሸልማተን ኣብ ዘስምዕዎ ቃላት ነዚ ግዚፍ ዕማም ሒዝኩም ንነዊሕ ዘመናት ተጓዓዝዎ ዘሎኩም ኣዚዩ ዝመስገን ኢዩ። ህጻን ክመሃር ኣሎዎ ፡ ናይ ዝኾነ ሃገር ሓላፍነት ከምዚኾነ ብምግላጽ ነቲ ዝረኣዩን ዝተዓዘቦን ኣመስጊኑ ንካቶሊካዊት ቤት ክርስትያን ብእትገብሮ ዘላ መደብ ትምህርቲ ንክትቅጽሎ ኣተባብዐ ። ንመማህራን ወለድን ህርኩት ስራሖም ነኣደ ፡ ኣብ ጐንኹም ኣሎኹ በርቱዕ ብምባል ናብ ቦታኡ ተመልስ፡ ብናይ ህዝቢ ጨብጨባን እልልታን ድማ ብጽቡቕ መንፈስ ምስ ብጾቱ ተፋነወ።
ሓላፊ ኣብያተ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ከሰላ ብወገኖም ንኹሎም ተሳተፍቲ ናይቲ በዓል ልኡል ሰላምታ ብምቕዳም፡ ልዕል አግዚኣብሔር ብጸጋ መሕረቱ ነዚ ዓመት ምህርቲ ኣጀሚሩ ንመዝዛሚ ብስላም ዘብቃዓና ምስጋና ይብጻሓዮ። እዚ ዓመት መጽ ብሓባር ተኣኪብና ክንውዕል ዝመደብናዮ ናይ ደቅና ፍረ ጻም ንምቅባል ንመምሃራን ንምተበባዕ ኣብ ጉእዞ ዓመት ትምህርቲ ዝናበረ ባህሪኣያት ንጥፈታት ተማሃሮ ንምፍላጥ ኢዩ።
ጉዕዞ ትምህርቲ ኣብ ስደትና ከቢድ ኮይኑ አዃ እንተ ተሰመዓና ንኩሉ ነቲ ዘጓንፍ ጸገማት በዲህና ነቲ ናብ ፍልጠት ጎደና ዝምራሓና ብቅዳመነት ሰሪዕና ኣብ ዓወት ምብጻሕ ኢዩ። እዚ ኸዓ ሕብረትን ጻዕርን ናይ ኩሉና ይሓትት። ኸምዚ ስለ ዝኾነ ኢዩ ኸዓ ኣሕዋት ካፑቺኒ ኽሳብ ለይቲ ሎሚ ነቲ ዝተለምዎ ዕላማ ምስ ቡዙሓት ግዱሳትን ዉፊያት ሰባተን ወለድን ብዘይ ሕለል ጻዕሪ ቡዙሓት ዜጋታት ኣብ ምፍራይ ትርከብ ከምዘላ ታሪኽ ዝመስክሮ ኢዩ። እዚ ዝተጠቕስ ግዚፍ ታሪኽ ዘለዎ ስሩዕ መደባዊ ትምህርቲ ንክትመረሕን ንኽትመዉልን ቡዙሕ ኣድካምን ኣጽጋሚን እኳ እንተኮነ ብሓይሊ እግዚኣብሔር ደቕና ባህሎም ልምዶመን ከይሰርዑ ኣብ ናይ ፍልጠት ጎዶና ንመርካቦም ኣዚዩ ዘሕጉስ ኢዩ ።
ናባኹም ናብ ወለዲ ምልስ ኽብል፡ ከም መጠን እዋሓህዲ ኣብያት ተሙርቲ ካብ መመሃራን ገለ ካብ ወለዲ ዘዋህለልኩዎ ነጥቢ ክብርህ።ተማሃራይ ንመንታይ ናብ ቤት ትምህርቲ ይመጽእ? መምህር ስለምንታይ ይቁጸር ?ወለዲ ክ መን ኢዩም? እዞም ዝተጠቅሱ ሓደ ካብ ሓደ ዘይፍለዩ ኢድን ጞንተን ኢዩም። ሓደ ዝዝንግዕ ኩሎም ይዝንጎኡ። እንታይ ኢዩም ክ እቶም በኣሉታ ዝጸልዉና እንተበልና፡ መልሱ ከምዚ ይኸውን ሓንጎል ተማሃራይ ኣብ ኽንዲ ትምህርቲ ዝሓስብ ናብ ኻልእ መንገዲ ትጠምዚዙ ይርከብ ንዓ ትቕለስ እንተበልካዩ ዘይቕለስ ። ንዓ ተማእዘዝ እንተበልካዩ ዘይምእዘዝ፡ ሕንጎል ወለዲ ዕለታዊ ዜና ናብ ሳለሳይ ስደት ዝብል ጥራሕ ኮይኑ ሰለዝርከብ። .ዝያዳ ኣብዚ ቅረባ እዋን ስድራቤታት ብብዝሒ ናብ ሳለሳይ ስደት ስለዝኸዱ ንተመሃሮ ወለዲ ስበድበደን ዘይምቕሳን ፈጢሩ ንቶም ንፉዓት በላሕትን ተማሃሮ ክዘንግዕ ስለ ዝርከብ። ስልዚ ወለዲ ኣወንታወን ኣሉታወን መሚኹም ኣብ ምተብባዕን ምክትታልን ኣይተዘንጎዑ።
ንሕና እሕዋት ካፒቺኒ ብስም ካቶሊካዊት ቤት ክርስቲያን እዚ እንበርክቶ ዘሎና ዓውደ ትምህርቲ ምስ ሓው መንግስቲ ሱዳን ክፍሊ ትምህርቲ ብምዉህሃድ ነዚ ኣድካመን ናይ ሕልና ስራሕ ክም ምኻኑ መጠን ሓላፍነቱ ዓቢ ሽኽም ክምዝኮነ ክሕብር እፈቱ።
ኣብዚ ኻዕ ንሓው መንግስቲ ሱዳን ስለ ኣትኩሉ ምትሕብባሩ ብልቢ ኣመስግን ።
ብሕጽር ዘበለ ኩነታት ቤት ትምህርትና ብከምዚ ክግለጽ እንክሎ ነቶም 12 ክፍሊ ዛዚሞን ንፈተና ንላዕልዋይ ደርጅ ትምህርቲ ንምቕጻል ኣብ ፈተና ዝቅራረቡ ዘሎው ዓወት አመነየልኩም አንቛዕ ኽዓ ኣብ ምዘዛም ኣብቃዓኩም።
ኹለኩም ሽማግለ ደብረ ቅዱስ ሚካኤል ነዚ በዓል ክዉን ንምግባር ብተግዳስነት ዝተዓጠቅኩም ክብረት ይሃብኩም።
መማህራን ምስ ደቅኩም ተማሃሮ ብዘቅረብኩሞ ባህላወን ትምህርቲ ሓዘልን ተዋስኦ ግጥሚን የመስግን ቀዳማይ ቃሎም ደምዲሞም።
ድሕሪኡ እቲ ፕሮግራም ክሳብ ሰዓት 6፡30 ቀጸለ ።ኣብ መወዳእታ ጠቅላላ ሓላፊ ናይ ካቶሊካዊት ቤ\ክ ኣብየት ትምህርቲ ሓላፊ ኣባ ገብራይ ካብ ኣዚለ ክሳብ 12 ክፍሊ ናይ 2015-2016 ጸብለል ኢሎም ዝተረኽቡ ተማሃሮ ብልጫታት ዓደለ ።ቀጺሎም ድማ ቃል ደምዳሚ ግዜ ሓያል ምዃኑ መምህርን ፡ ተማሃራይን ፡ ወለድን ብምትሕብባር ሓያላት ተማሃሮ ክሃንጹ ከም ዝክእሉን ኩላትና ንሓደ ዕላማ ከም ሓንቲ ስደራ ኰይና ደቅና ናብ ፍልጠት መኣዲ ንክነሳተፍ ብርቱዕ ጻዕሪ ከም ክምዝሓተናብንጹር ኣብሪሆም።
ኣብ መወዳእታ ንሓው መንግስቲ ሱዳንን ህዝቡን ፣ ኣመጒሱ። ንበዓል ብኹሉ ሸነኻቱ ኣዳለውቲ ኣመጒሱ ። ሰናይ ዕርፍቲ ይግበርልኩም ብምባል ናይቲ በዓል ፍጻመ ኮነ።