ንሓቂ ንምድፋን ዝተዓጥቀ ስርዓተ ምልካውነት

2016-03-25 20:03:38 Written by  ረዘነ ተስፋጽየን Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2438 times

ኢስያስ ኣፈወርቂ ኣብ 2000 ዓ.ም ምስ ሓቂ ፊት ንፊት ተፋጢጡ። ነቲ ባዕሉ ሃንዲሱ ባዕሉን ብምእዙታተይ ዝብሎም መራሕቲ ውግእ ተጠጂኡ: ጸሓይን ኮዋኽብትን ኣብነት ገይሩ ዝጠቐሶ ቀዛፊ ኲናት ተራጺሙ። ድሕሪ ምቛም ሃገረ ኤርትራ ንመጀመርያ ዝመርሖ ኲናት ምስ ኢትዮጵያ። ንመሪሒነቱ ዕርቃኑ ዘውጽአ ንመንነት ስስዐ ስልጣኑ ዘቃልዐ: ግን ከኣ ብሉጻት መንእሰያት ኤርትራ ዳግም ዝቐዘፈ: ኣብ መስርሕ ኲናት ንሃገራዊ ነጻነት ጅግንነቶም ዘመስከሩ ዓበይትን ዘቕሃመ ኲናት 1998-2000። ርኹስን ሕሱርን ሓሳብ መሪሒነት ህግደፍ ማለት ኢስያስ ኣፈወርቂ ዘሳዎሮ: ሃገርን ህዝብን ሂወት ዘለዎ ፍጡርን ዘብረሰ: ልዕሊ ኹሉ ድማ ብናይ ሰላሳ ዓመት ቅዲ ኲናት ንሓርነት: ፍሽለት ኢስያስ ኣፈወርቂ ንሰላምን እፎይታን ህዝቢ ዝኾለፈ ኮይኑ። ህንደሳ ኲናት 1998-2000 ንምስዓር ኣተሓሳስባ ፍትሕን ደሞክራስን ዝተማህዘት ብምንባራ ዕላማ ርኹስ መደባ ኣስፊናያ።

ሕቡእ ኣጀንዳን ምስሉይ ባህሪ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝኸሽሐ ንምብታን ህዝቢ ገፊሕ ባብ ዘርሓወ ኲናት። ኢሳይስ ድሕሪ ስዕረቱ ብዂናት ምስ ኢትዮጵያ ጀሚሩ ነቲ ሰራም ኲናቱ ኣብ ህዝቢ ኤርትራዩ ቀጺልዎ። ሓቂ ኣብ ቅድሚኡ ሕቶታት ኣቕሪባ። እዚ ኲናት ንምንታይ ዕላማ ተበጊሱ ንውጽኢቱኸ ብኸመይ ኢኻ ትግምግሞ እታ መንበር ምልካውነቱ ልዕሊ ሃገርን ህዝብን ዝተዋደደት ስለዝነበረት: ኣብ መልሲ ክንዲ ዝኣቱ ናይ ሹዱሽተ ወርሒ ውድባ ጥፍእት ብምጉስጓስ ንመገዲ ፍትሕን ሓርነትን ዝሎኮተ ሞዶሻ ምልኪ ኣብ ኢዱ ከም ዝጭብጥ ገይሩ። ኣብቲ ኲናት ምእዙዛተይ ዝብሎም ከም ዘዋፈረ ጠቒሰ ጸኒሐ: ነዚ ናይ ምዕፋን ደለይቲ ፍትሕን ቁዋምን ከኣ ካልኣት መናፍስቲ ሓይልታት ርኽሰት ኣዋፊሩ። ብዙሓት መዛግብቲ ታሪኽና ዝሓዞም ኣለው። ሓደ ካብኦም ኣብዚ ናይ ሎሚ ድርሰተይ ክጠቕሶ ዝደሊ ግን ኣሎ። ጠበንጃ ዘይዓጠቐ እታ ደርቕ ጥይት ዘይትኮሰ: ብርዒ ዘንበቡ ዝጸመደ! ንምምሳል ክሳዱ ዘድንን: ልሳኑ ብመርዚ ኣሉን ነውርን ዝለጎመ: የማን ገብረኣብ። ናይ ኢሳያስ ኣብ ቃልዕ ዝወጸት ምልካውነት ኣብ ምዕቃብ ንኽዋፈር ብጸጋም ወንበር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኮፍ ክብል ዝተሓርየ መልኣከሞትዩ። ተልእኾኡ ኣብ ምዝራግ ጥዑይ ሓድነት ደለይቲ ቁዋማዊ ምሕደራ 2000 ዓ.ም ዳህላሊ ትሕትና ተጠቒሙዩ ስርሑ ጀሚሩ። ናብ ጎደና ጥፍእት ዝጽግዑ ጠላዕ ብምጽዋት ንገለ ኣስዲዑ: ንዑጡቓት ዝጸደቐ ቁዋም ብምንጻል፣ ኣይደንጎየን ኢስያስ ኣፈወርቂ ንምቓባሮም ወሲኑ። የዋሃት ደቀ-መዛምርቲ ህግደፍ: ”እዞም ዓበይቲ ደኣ ስለምንታዮም ተኣሲሮም” ኢሎም ኣብ ዝሓትሉ: ልሳን የማነ ገብረኣብ ለዋህን ውርዝይትን ክትመስል ” ናይ ብጾት ግርጭትዩ ልዕሊ ኹሉን ቅድሚ ኩሉን ከኣ ንዓና ይብጹሑናን ንሕና ከኣ ኢና ንሓልየሎም” ብምባል ክታብ ምልካውነት ኣዚሩሎም። እቶም የዋሃት ተዓዚሞም። ክታብ ምልካውነት ከኣ ኣብ ምዕባስ ግሩህ ሕቶታት ተወጢሓ በትረ ስልጣን ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንዂናት ኣብ ህዝቢ ብምቕጻል በታኒ ናይ ጥፍኣት ጉዕዘኣ መሪሻ። የማነን መሰልቱን ነዛ ናይ ጥፍኣት ካፕተን ዝመርሓ መርከብ ደምን ዓጽምን ንጹሃት ዝሸመመት: ኣብ ፈስቲቫላትን ኣኼባታትን ንመርዚ ሓሶት ኣሰንዩ ብደም ንጹሃትዩ ዝዂሕላ። ንጽዩፍ ገበን የማነ ብዝያዳ ዝዂልዕ ከኣ ነዞም ኣብ ደምክርያስያውያን ሃገራት ኤውሮጳን ስሜን ኣመሪካን ተወሎዶም ዘዓበዩ ኤርትራዊ መብቆል ዘለዎም ብሳላ ስንኩልን ዘንባዕን ኣብ ገለ ኸኣ ድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቆላ በለጽን ወለዶም ተጸጊዑ: ዝዘርኦን ዝኹስኩሶን ዘሎ ምስፋን ተንኮል ምእሳር ኣእምሮዩ። ብኦም ኣቢሉ ናብ ኣመሓደርትን ኣገልገልትን እዘን ደሞክርያስያውያን ሃገራት እንዳሰልኾ ነዛ ፍንፍንቲ ቅንጣብ ኣሰር ማሕበራዊ ርትዒ ዘይብላ ዓራት: ትምህርትን ጥዕናን ማሕበራዊ ናብዮት ዘለዋያ ክብል: ንግሆ ኣብ ኦስሎ ቆሪሱ ፋዱስ ኣብ ስቶኮሆልም ተመሲሑ ምሸት ኣብ ብራስል ይድረር። ነዛ ስደተኛታት ንኸይኣትውዋ ኩሉ ኣገባብ ምዕጻው ኣፍደጊኣ ትሰርሕ ዘለ ኤውሮጳ ብምዛር ገንዘብ ሃቡና መንእሰያትና ክንሕዘልኩም ብምባል ክድዓቱ ኣብ ህዝቢ ኤርትራን ደቁን ዘምስከረ ዕሉል መሲህ ጥፍኣተ ምልኪዩ። የማነ ገብረኣብን መሻርኽቱን ካብ ኤርትራ መልሚሎም ከም ስደተኛታት ኣብ ኤሮጳን ካልኦት ክፍሊ ዓለማትን ዘእተዎምውን ኣለው። ገለ ካብኦም: ተቓዋወምቲ መሲሎም ኣብ ውሽጢ ተቓውሞ ደምበ ዝዝምብዩዮም። ኣብቲ ንጽቡቕ ስም ገድሊ ዘናሹን ክብልል ዝፍትን ፕሮፖጋንዳ ተጸፍዮም ዘላኽዑውን ኣለውዮም። ” ሓዳስ ኤርትራ” ኣምር ህግደፋውያን ንዝናን ተኣምራት ዝገበረ ጅግንነት ሙዑታት መንእሰያት ኣርባዓታትን ሓሙሳታት ቅድሚኦም እንክዝከር ኣብ ርእሳ ረመጽ ዝተኻዕዋ ኮይኑዩ ዝስምዓ። እታ ኣምር ንታሪኽ ጀጋኑን ባህሊ መስዋእቶምን ሓወልቲ ኣብ ክንዲ ምግባር: ናይ ፑሽኪ ሓወልቲ ክትተክልንያ መሪጻ። ኣብ ክንዲ ነቲ ጅግና ኤርትራዊ ምስ ሽድኡ ምቕራጽ ነታ ሽዳ ጥራያ ስኢላ። ሂወት ንኽህብ ሂወቱ ዘጥፈአ ኣብ ክንዲ ምዝካር። ኣብ ክንዲ ንኤርትራ ብምምሕዳር ክፍልታት ዝቐረጸ ኣውራጃታት ባርካ: ሰንሒት: ሳሕል: ሰምሃር. ደንከል: ኣከለጉዘይ: ሰራየን ሓምሴንን ዝብል ንህዝቡ ዘዂርዕ ኣስማት: ህዝቢ ዘይተሳተፎ ኣሃዛት ቁጽሪ ምሃብ ነታ ብዘይካይ ካልእ ክስመን ክዝከርን የብሉን እትብል ሕልሚ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምግሃድዩ። ንታሪኽን ባህሊ ህዝብን ዘየንጻርቕ ስርዓት ፎእ ኣብ ምባል ብበሊሕ ኣእምሮ ንስራሕ። ካብ መፈንጠራ ጽልኢ ገድሊ ንጠንቀቕ። እዚ ካብ ጽልኢ ምምሕዳር ምልክን ዓመጽን ተበጊሱ ነታ ንዛረበላን ንጉህየላን ዘለና ሃገርና ኤርትራን ህዝባን ቃልሳን: ባህሊ ሓድነታን ምክብባር ህዝባን ብዝተፋላየ መፈንጠራታት ብዓንተረኛታት ህግደፍን ነውሮምን ንታለል ከይንህሉ: ክልተ ግዜ ክንሓስብ ዝግበኣና ኣባላት ተቓውሞ ደምበ ክንነቕሓሉ ዝግባእዩ። ከምቲ የማነ ኣብ ዘዕብየኦም ሃገራት ዕደቱ ኣካይዱ ብመርዚ ምልካውነት ዘላህዮም ዘሎ፡ኣብ ገለ ተቓውሞ ማሕበራዊ መድያ ንመንእስያት ኤርትራ ታሪኽ ብረታዊ ቃልስና ብዘናሹ ዝግበር ፕርፖጋንዳ መኽሰቡ ነዚ ጽዩፍ ውልቀ መላኺ ምዃኑ ምዝንጋዕ ተዛረብቲምበር ፖለቲከኛታት ኣየጸውዕንዩ።

ንባራበር።

ረዘነ ተስፋጽየን

Last modified on Friday, 25 March 2016 21:15