ሃገራዊ ኣንፈትና ካብ ዘስሕት ንጠንቀቕ

2016-04-01 06:24:03 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 3048 times

ኣብዚ እዋን እዚ፡ ኣብ ኤርትራ ዝረአ ዘሎ፡ ዘይሃገራዊ ወስታታት ክነስተውዕሎ ዝግበኣና ጉዳይ እዩ። እዚ ወስታታት’ዚ ሓደጋኡ ከቢድ ስለ ዝኾነ፥ ኣበይ እዩ ክበጽሕ ኢልና እውን ክንመራመረሉ ዝግባእ ተርእዮ እዩ። ምኽንያቱ ሳዕቤኑ ቀሊል  ስለ ዘይኮነ።

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ምልጋስ ዝከኣል ብናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ዲዩ ወይ ብጸርፍን ምክፋእን? ንሕና ኤርትራውያን ኣብ ዘይንቡር ኣተሃላልዋ ስለ ዘሎናን ንሓርነታዊ ቃልሲ ካብ’ቲ ብረታዊ ቃልሲ ፈሊና ክንርእዮ ብዘይምኽኣልና ዘስዕቦ ጸገም ከም ዘሎ ርዱእ ይመስል ኣሎ። ምኽንያቱ ኩልና ኤርትራውያን ተቓወምቲ ንኹን ደገፍቲ እቲ ስርዓት፥ ሒዝናዮ ዘሎና ባህሊ፥ ምጽራፍ፡ ምቁንጻብን ምጽላምን እዩ። ጸርፍን ጸለመን ሃናጺ ናይ ለውጢ መሳርሒ ስለ ዘይኮነ ከኣ ኢና ሓቢርናን ተሰማሚዕናን ነቲ ምልኪ ንምስዓር ግዜ ዝወስደልና ዘሎ።

ኣንጻር ምልካዊ ስርዓትሲ ይትረፍ፥ ደምበ ተቓውሞ ኣብ ነንሓድሕዱ ዝፍጽሞ ዘሎ ጸለመን ምርሕሓቕን፥ ምስ ምብኳር ሓላፍነታዊ ኣተሓሳስባ ተደማሚሩ፡ ነቲ ስርዓት ክንገጥሞ ኣይከኣልናን። ንገዛእ ርእስና ደንበ ፍትሒ ኢልና ኣጠሚቕና፡ ንመሰል ውልቀ ሰብ ብዘቆናጽብ ኣገባብ ንጎዓዝ ምህላውናኸ ሃሳይነቱዶ ንርደኦ ንኸውን? ጸርፍን ጸለመን ዝምጽኦ ፋይዳ የብሉን። እንታይ እዩ ደኣ ክኸውን ዝግበኦ? ዝብል ሕቶ ክምለስ ኣለዎ። ብናይ ለውጢ ስነ-ሓሳብ ብዝተሰነየ ኩሉ ዓቕምታትና ኣንጻር ምልክን መላኽን ክነቕንዕ ይግበኣና። እዚ ከኣ ንነፍስና ምስቲ ሓዲሽ ሕብረተሰብ ንምህናጽ ዝካየድ መድረኽ ክንስጉም የድሊ። ካብኡ ሓሊፉ ንጹር ዕላማ ዘይብሉ ምንቅስቓስ፡ ትርጉም ስለ ዘየብሉ፡ ኣብ ምጽላምን ምርሕሓቕን ዝዋፈር ሓይሊ እዩ ዝኸውን። ከምዚ ዓይነት ኣካይዳ’ዩ ከኣ፡ ኣብ ክንዲ  ሃገራዊ ክውንነት ዝሕሉን ዘማልእን ስራሓት ዝሰርሕ፥ ኣብ ዝበታትንን ሃገራዊ ኣንፈትና ዘስሕትን የድህብ ኣሎ።

ከምዚ ዝዓይነቱ ባህሊ ዝስዕብ መንእሰይ ንጹር ፖለቲካዊ ዕላማ የብሉን። እዚ ናይ  ምድንጋርን ምጥምዛዝ ታሪኽን ኣገባብ  ናብቲ ዝደለዮ ሸቶ ዘብጽሖ ስለ ዝመስሎ፥ ንካልኦት ከም ጸገንቲ፥ ደለይቲ ስልጣን እናበለ ዘይስሞም ይህብ። እንተኾነ ከምዚ ዝዓይነቱ ምንቅስቓስ ምስሊ ሃገርን ታሪኽን ዘበላሹ ካብ ምዃን ሓሊፉ ዘምጽኦ ለውጢ የለን። መጻኢ ሳዕቤኑ ኸኣ ካብዚ ዘሎናዮ ናይ ምልኪ መዋእል ዝኸፍአ እዩ ክኸውን።

እተን በብግዜኡ ዝጫጭሓ ፖለቲካዊ ውድባትን፥ ምንቅስቓሳትን ካብ ነፍሲ ወከፈን ዝደል ግደን ኣበርክቶን ኣሎ። እቲ ዘይተደላይ ብዝሐን ድማ ዝምድና ፍልልያትን ሓድነትን ካብ ዘይምግንዛብ ዝመጽእ እዩ። እዚ ከምቲ “ምሳር ኣብ ዘይለዓቱ” ዝበሃል ኣገባብ ሒዝና ንጎዓዝ ምህላውና ዘመልክት’ዩ። ህዝቢ ግቡእ ንቕሓት ወኒኑ ቅኑዕ መንገዲ ንከይሕዝ’ሞ ጉዳዩ ከይርኢ ከኣ ዕንቅፋት ንኾኖ ኣለና። ካብ ፈላላይ ኣካይዳ ወጺእና፡  ሰላምን ምርግጋእን ዝፈጥር ብናይ ምርሕሓቕ መንፈስ ብዘይተበከለ፡ ሓባራዊ ሃገራዊ ራኢ ተገዚእና ከም ሓደ ሰብ ኰይንና ድምጽና ክነስምዕ ይግበኣና።

ብዘይካዚ ንኹሉቲ ካብ ሃገራዊ ኣንፈትና ዘስሕት ብፍላይ ብሕሳብ ብሄር፡ ኣውራጃ ወይ እውን ብሃይማኖት ተደሪኽና እንኸዶ ጉዕዞ ቃልሲ፡ ሰላም ከንግስ ፈጺሙ ኣይክእልን እዩ። ምኽንያቱ ንመላእ ሃገር ዝሓስብ ስነ-ልቦናን ርዲእትን ስለ ዘዳኽም ነቲ “ሃገርና ብኹልና ንኹልና ብማዕረ” ዝብል፡ መንፈስ ሃገራዊ ኣተሓሳስባ  ስለ ዝዳኸም ንሽግራትና ብሓባር እምበር ብተናጸል ከምዘይፍታሕ ንምርዳእ ዘኽእል ዓቕሚ የስእነና። ስለዚ ንሃገርናን ህዝብናን ብቕንዕና ንሓስብ ካብ ኮና፡ እቲ መስርሕ ብሓባር እምበር ነጻጺልካ ዝኽይድ ስለዘይኮነ፡ ካብ ሃገራውነትና ዘስሕት ኣንፈት ካብ ምሓዝ ክንጥንቀቕ የድሊ። ወዲ ሰብ ብመሰረቱ ንነፍሱ ዝጐእ ሓሳብ ከም ዘይቅበል፡ ንሃገሩን ህዝቡን እውን ብማዕርኡ ክግደስ ይግበኦ። ናይ ብዝሕነትና መርኣያ ዝኾኑ ፍልልያትና ግና ክዕቀቡ ናይ ግድን እዩ።

Last modified on Friday, 01 April 2016 08:28