ሰዉራ ኤርትራ ፍትሓዊ ኣይነበረን . . . . በየናይ መለክዒ?
2016-04-03 08:01:23 Written by ዳዊት ሰለሙን Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 7338 timesኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት ንሰማዒኡ ዘደንጸወ ፖለቲካዊ ትንታነታት ብገለ ዉልቀሰባት ይኹኑ ጉጅለ ክንዛሕ ቅንያት። ካብቲ ዝተባህለ ገለ ንምጥቃስ ዝኣክል “ሰዉራ ኤርትራ ፍትሓዊ ኣይነበረን፣ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ክጅመር ከሎ ብጌጋ ስነሓሳብ እዩ ተበጊሱ፣ ስዉኣት ክዝከሩ የብሎምን፣ መዓልቲ ናጽነት ከም መዓልቲ ሓዘን ኢና ከነኽብራ ዘለና፣ ወዘተ” ገለ ካብቲ ንትንታነታቶም መበገሲ ዝተጠቕለን ሓረጋት እየን። እዚ ኩሉ ትንታነታት ሓፈሻዊ ብስም ደለይቲ ፍትሒ ስለዝዝርጋሕ፣ ንደምበ ደለይቲ ፍትሒ ኣድቂቑ ንዘይከታተል ህዝብና ንግዚኡ ከዳናግር ይኽእል ይኸዉን። እንተኾነ ንኹሉ ኤርትራዊ ሃገራዊ ከም ዘነደረ ኢና ርኢና።
እታ እንኮ ኣፍሪቃዊት ሃገር ካብ ምዕራባዊያን ናጽነታ ተነፊግዋ ከይኣክል፤ ብዓለማዊ ሽርሒ ኣንጻር ድሌት ህዝባ ኣብ ዳግማይ ኣፍሪቃዊ መግዛእቲ ዝተቘረነት ኤርትራ፣ ህዝባ ካብ መግዛእቲ ንክገላገል ዝገበሮ ቃልሲ ፍትሓዊነቱ ኣብ ሕቶን ርእይቶን ዝኣቱ ጉዳይ ኣይኮነን።
ሓደ ዉላዶም “ኪድ ምስ ጀጋኑ የሕዋትካ ተጋደል” ኢሎም ንሜዳ ኣሰንዮም ብዘይ ጠዋሪ ዝተረፉ ወለዲ፤ ድራር ተጋዳላይ ከተብስል የእዳዋ ዝሓረረት፣ የዒንታ ብትኪ ጸረር እንዳበለ ቅናታ ሸጥ ዘበለት ኣደ፣ ከምኡ እውን ብዕሩቕ ዝባኑን ጥሙይ ከብዱን ደኺመ ከይበለ ዕጥቅን ስንቅን ተሰኪሙ ደድሕሪ ተጋደልቲ ከበሳን ቆላን ዝጎየየ፣ ካብ ጸላኢ ሓበረታ ኣኪቡ ንሰወርኡ ዘስነቐ፣ ኣብ ዉሻጥኡን ቁሸቱን ተጋደልቲ ሓቢኡ ንህይወቱ ኣብ ሓደጋ ዘእተወ ህዝቢ፣ ርሃጹ ዘንጠበ፣ ደሙ ዝኽዓወ፣ ህይወቱ ዝኸፈለ ተጋዳላይ፣ ብዘይ ኣቦን ኣደን ዝዓበዩ ደቂ ስዉኣት … ወዘተ፡ እቲ ዝርዝር ነዊሕ እዩ። ኣዚ ኩሉ ከቢድ ዋጋ ዝተኽፍለ ንስለ ሃገራዊ ናጽነትን ነቲ ዝተጠልመ ሓርነትን እዩ ነይሩ። እዚ ታሪኽ እዚ ከምዘለዎ ከይተሸራረፈ ብወርቂ ቀለም ክስነድን፣ መጻኢ ወለዶ ድማ ርዝነት ናይቲ ዝተኽፍለ ዋጋ ክፈልጦን፣ ሓድነት ህዝብን ሃገረን ንከይቡሕጎግ፣ ሉኡላዊ መሬታውን ህዝባውን ሓድነት ኤርትራ ንክዕቀብ ከቢድ ሓላፍነት የሰክሞ።
ሓቂ እዩ፡ ኣብ ዉሽጢ ሰውራ ኤርትራ ዝነበሩ ዘይደሞክራስያዊያን ሓይልታት፥ እንተስ ስዉር ዉዳበታቶም ሓጊዝዎም፡ ኣንተስ ንቕሓት ናይ ተጋዳላይ መዝሚዞም፣ ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዘይነበረ ክፍኣታት ተቐኒቶም፣ ነቶም ንጹሃት ገስገስቲ ሓይልታት ጨፋሊቖም ኮረቻ ስልጣን ምስ ጨበጡ፣ ነዚ ንዋቱ፣ ጉልበቱን፣ ህይወቱን ዝኸፈለ ህዝቢ ኣብ ነጻ ኤርትራ ሓርነቱ መንዚዖም ከም መንድዓት ካብ ዝባኑ ምራድ ኣብዮም ይርከቡ።
ኣብ ዝሓለፈ ርብዒ ዘመን፡ እዚ ዘይብሃል ቁጠባውን ማሕበራውን ሃስያታት ወሪዱ፣ ብሰንኪ እዚ ድማ፡ ኤርትራዊያን ከም ደቂ ዛግራ ዓድና ገዲፍና እግርና ናብ ዘምርሓና ፋሕ ጭንግራሕ ኢልና ንርከብ። ተጋዲልና ሃገርና ካብ መንጋጋ ገዛእቲ መንጢልና ክንስና ብሰንኪ እዞም ኣብ ሞንጎና ተጸፍዮም ዝሰወዱ ዘይዲሞክራስያውያን ሓይልታት ክሳድና ኣድኒንና ክብረት ኣልቦ ኮንና ንርከብ ኣሎና። ነዚ ከም ምኽንያት ወሲዶም ብዓብይኡ ነቲ መዳርግቲ ዘይርከቦ መኸተ ናይ ሕዝቢ ኤርትራ “ፍትሓዊ ኣይነበረን፣ ሽፍትነት እዩ ነይሩ… ወዘተ” ንኸብሉ ስነ ሞጎታዊ ድዩ? በየናይ መለክዒ’ዩ ፍትሓዉነት ቃልስና ኣብ ምልከት ሕቶ ዝኣቱ? ንምዃኑ ክሳብ ከምዚ ድፍረት ዘብጽሖም እንታይ ነይሩ?
ኣብ ክልቲአን ዉድባት ዝነበረ ተጋዳላይ ካብ ኣብራኽ ህዝቢ ከም ዝወጸ ዘንጊዖም? ንታሪኽ ህዝብን ሃገርን ደዊንካ ኣበይ ክብጻሕ ይድለ ኣሎ? መጋረጃ ደለይቲ ፍትሒ ተጎልቢብካ ጸይቂ ምስራሕ ዕላምኡ እንታይ እዩ? ንህዝቢ ኣሰምቢድካ ካብ ደለይቲ ፍትሒ ዉድባትን ማሕበራትን ንምንጻል ዶኾን ይኸዉን? ንምዃኑ ነዞም ብሃልቱ ኣዕቊብዎም ዘሎ ጉጅለ ስለምንታይ ብጽጽ ዘይበለ?
እዞም ንሰውራ ኤርትራ ክትንከፍ ዘይግብኦ፣ ብዝኾነ ይኹን መለክዒ መዳርግቲ ዘይርከቦ ጅግንነትን መኸተን ከጸልሙን፣ መልክዑ ዝድዉን ትንታነታት ክነዝሑ ከይደቀሱ ዝሓድሩ ዘለዉ ዉልቀሰባት ይኹን ጉጅለ፣ ክትንከፍ ዘይግብኦ ተንኪፎም ነቲ ቀይሕ መስመር ከምዝሰገሩ ዝስሕትዎ ኣይመስለንን። እንተስ ብወዲ ወጻኢ ተሸሚቶም ጸቢብ ረብሓታቶም ንምዉሓስ ዝገብርዎ ምዕልባጥ፣ እንተስ ኣብ ዉሽጢ ደምበ ፍትሒ ተሸጉጦም፣ ተልእኮ ጉጅለ ኢሰይያስ ንምዕዋት ዝገብርዎ ፈተነ፣ ክበጽሕዎ ዝሃቀኑ ሽቶ ከይተበገሰ ተረኹምሹ፣ ኣብ ደምበ ፍትሒ ወጊኑ ዝቃልስ ዘሎ ኤርትራዊ፣ ዉድባዊ ጸግዑ ብዘየገድስ ከም ቆፉኡ ዝተተንከፈ ንህቢ ነዲሩ ከምዘሎ ዛጊት ፈሊጦሞ ኣለዉ።
ኣብዚ ሓርነታዊ ቃልስና፡ ንእሽተይ ሒቕታ ካብ ምፍጣር ሓሊፉ ጽልዉኡ ሃሳስ ምዃኑ ተረዲእዎም ኣሎ። የዒንትን ልብን ሓፋሽ ኣብ ጽልግልግ ከእትዉ ዝተበገሱ ኣካላት፣ ካብቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ዘይደሞክራስያዊ ጉጅለ ተፈልዮም ከምዘይርኣዩ ክግንዘብዎ ይግባእ። ብተወሳኺ ኣጀንዳ ባዕዲ ተኾልኩልካ፣ ርኢቶ ሓፋሽ ተወዲኑ ኣብ ቃልሲ ንኸተቕንዖ ዝግበር ቃጻ፣ ሃገራዊ ክሕደት ምዃኑ ክግንዘቡ ይግባእ። በዚ ኮይኑ በቲ እዞም ብሃልቱ፣ ሃገር ሕግታታ ምስ ተኸለት፣ ካብ ትሓታትነት ከም ዘየምልጡ ርዱእ ኮይኑ፣ ግን ከኣ ወነንቲ ናይዚ ርእይቶ እዚ ከም ዘይኮኑ ሓፋሽ ኣጸቢቑ ተገንዚቡዎ ኣሎ። ነቶም ብሃልቱ እስከ ጽሓይ ይብረቕ . . . ሓርነት ይዛሪ . . . . ንብሎም! ነቶም ኣብ ጉብጥሽ ዘለዉ ወነንቲ ናይዚ ርእይቶ እዚ ድማ . . . ኣናፍራ ቆቃሕ ዘይፈልጥሲ ኣይሃዳናይን. . . ንብሎም።