በደል ዋና የብላን

Friday, 10 June 2016 11:02 Written by

 እዚ ኣብ ታሕቲ ሰፊሩ ዘሎ ዓንቀጽ፡ ካብ’ቲ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣብ መበል 25 ብሩራዊ ኢዮበልዩ ዘስምዖ ቃል ዝተወስደ ዓንቀጽ ኰይኑ ነቲ “በደል ዋና የብላን” ዝብል ምስላ ኣበው ዘራጕድ ኰይኑ ስለ ዝረኸብክዎ ኢየ ነዚ ሓተታ ክጽሕፍ መሪጸ።

 

“. . . ድሕሪ ምኽታም ዝሑል ኲናትን፡ ክስተት ሓድሽ መዋእልን፡ ሓደ ካብቲ ንዝተፈላለየ ምዕባለታት ዞባና ሓያል ኣሉታዊ ጽልዋ ዝገበረ ዘሕዝን ተርእዮ፡ ምስ ምብትታን ሕብረት-ሶቭየት ነበር፡ ስርዓት ኣሜሪካ ዝመርሖ ቀጽሪ፡ ነቲ ክስተት ከምታሪኻዊ ኣጋጣሚ ንዕብለላ ክምዝምዞ ስለዝሰስዐ፡ ብዝንቡዕ ኣናብባ፡ ደጊም ዓለም ናትና! ተባሂሉ፡ . . . ጸጋታትን ሃብቲን ዓለም ብሒትካ ንምግባት፡ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ዝዳረግ ዝኾነ ከይትስእ፡ . . . ተወዳደርቲ ኪኾኑ ንዝኽእሉ (potential) ምቕያድ፡ . . . ልዑል ቴክኖሎጂን፡ ማእከላት ፍልጠትን ባህሊን ፡መዘርግሕ-ሓበሬታን፡ መራኸቢ ብዙሃንን ምቁጽጻር፡ . . . ዓለም ኣብ ዞባታት ከፋፊልካ፡ ብኩላት ብመልሕቓት ወይ መጋበርያ ምምሕዳር፡ . . . ሕጊን፡ ልዕልና ኣህጉራዊ ሕጊን ረጊጽካ፡ ዓለማዊን ዞባዊን ውድባት፡ ናብ ላቔባን መጋበርያን ትካላት ምቕያር፡ . . . ዝዓይነቱ፡ ናብ ዕብዳን ዝቐረበ፡ ዓንዳሪ ስነሓሳብ ዝመርሖ ፖሊሲታትን ስጉምቲታትን ስለዘንቀሉ፡ ኣብ ዝሓለፈ 25 ዓመታት፡ ኣብ ዞባናን ካልእ ዞባታት ዓለምን፡ ነውጺን ህውከትን ሽበራን ዘሪኦም፡ ቅልውላዋትን ዕንወትን ህልቂትን ኣንጊሶም ኣለዉ። ናይ ርብዒ ዘመን ክዉንነት ብድሆታትን ተጻብኦታትን ናጽነትና ከኣ፡ ምስኡ ብወድዓዊ ተዛማድነት ዝርአዩ. . . ።

 

ኢሳያስ ኣፍወርቂ፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ዓይኑ ዘሎ ጕንዲ ምርኣይ ኣብ ዓይኒ ካልኦት ዘሎ በሰር ምርኣይ ስለዝሰልጦ፡ ንውድቀት ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ መዝሚዙ፡ “ኤርትራ ናተይ ኢያ” . . . “ደጊም ሓሸውየ ናይ ውድባት የለን” . . . ከምዘይበለ፤ ንኣመሪካ፡ ውድቀት ናይ ሶቭየት ሕብረት ከም ኣጋጣሚ ተጠቒማ ንዓለም ናተይ ኢያ ክትብል፡ ክትብሕትን ክትዕብልልን ፈቲና ክብል ከይሓፈረ ክኸስስ ምስምዐይ ኣዝዩ ገሪሙኒ።

 

ኢሳያስ፡ ስለምንታይ ንተቓወምቲ ሓይልታት ብናጽነት ክዋስኡ ዘይተፍቅዱ ተባሂሉ ኣብ ዝተሓተተሉ እዋን፡ “ብዘይካ ህዝባዊ ግንባር ካልእ ፖለቲካዊ ሓይሊ ኣሎ ኢሉ ዝኣምን ሰብ እንተልዩ፡ ኣብ ካልኦት ዓለማት (Planets) ከይዱ ክፍትሽ ኣለዎ” ዝብል ብዱዕ መልሲ ምሃቡ ድሮ ዝረስዖ ኢዩ ዝመስል። ካብ ኵሉ ዘገርም ከኣ፡ “ጽንብላሊዕ መዓኮራ ዘይከደነትስ መሬት ከደነት” ከምዝብሃል፡ ኢሳያስ ዓቕሚ ዘይብሉ ክነሱ ጐብለል ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክኸውን ምድላዩ ኢዩ።

ስርዓት ኢሳያስ፡ ተወዳደርቱ ክዀኑ ንዝኽእሉ ኣብ ቀይዲ ምእታው፡ ንመራኸቢ ብዙሓን ብምቍጽጻር ካብ ናቱ ፍልይ ዝበለ ርእይቶ ንዝለዎም ሓይልታት ይኹኑ ውልቀሰባት ምዕፋን ዕለታዊ ተግባሩን መለለይኡን ኰይኑ ምጽናሑን ምህላውን ንጹር ወይ ብሩህ  ክነሱ፡ ኮር ተገልበጥ፡ ንኣመሪካ በዚ ክኸስስ ምስማዕና ዘስደምም ኢዩ። ምእሳር ጕጅለ 15፡ ጋዜጠኛታት፡ ዓበይቲ ዓድን ደገፍቲ ምንቅስቓስ 21 ጥሪን (ፎርቶ)፤ ምርሻን ኣካለ-ጽጉማንን ንስግረ-ዶብ ዘምርሑ ንጽሃት ዜጋታትን ካብ መን ኢዩ ክሓብኦ ዝፍትን ዘሎ?!!! ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኣብያተ-ማእሰርቲ ካብ ኣብያተ-ትምህርቲ ከምዝበዝሕ መስኩሩለይ ዘየድልዮ ጽሓይ ዝወቕዖ ሓቂ’ዶ ኣይኰነን?!!!

 

ኢሳያስ ንኣመሪካ ብጥሕሰት ሕግን ልዕልና ኣህጕራዊ ሕግታትን ክኸስስ እንከሎ፡ ንሱ ባዕሉ ንቅዋም ናይ 1997 ምጥሓሱ፡ ካብ’ቲ ብሓይሊ ዝሓዞ መሬት ባድመ ክወጽእ ብዝተፈላለዩ መንግስታትን ትካላትን ዓለም ንዝተገብረሉ ምሕጽንታ ዕጭ ሓንፈፍኩ ብምባል “ካብ ባድመ ወጻእኩ ማለት፡ ጽሓይ ከይበረቐት ክትተርፍ ይቐልል” ዝብል ምስ ባህርያዊ ሕጋታት ዝገራጮ መደረ ከስምዕ ኣይተሰምዐን ድዩ?።

 

ንማእቶት ኢሉ ዝወሰዶም መንእሰያት ናብ ውግእ ዝጠብስ፤ ንዓመትን መንፈቕን ሃገራዊ ኣገልግሎት ክትገብሩ ኢኹም ዝብል ሕጊ ኣውጺኡ ንዓሰርተታት ዓመታት ንመንእሰያት ኣብ ውትህድርና ዘብሊ ስርዓት ብዛዕባ ሕግን ሕጋውነትን እንታይ ኣፍለጦ!!! ክንደይ ናይ ህዝቢ ገንዘብ፡ ንብረትን ፕሮጀክትን ብጕጅለ ኢሳያስ ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ ብህግዲፍ ኣይተመንዝዐን ድዩ?!! ስርዓት ህግደፍን ሕግን ሕቆን ከብድን ምዃኖም ዓለም ብዓለማ ትፈልጦን ትምስክሮን ሓቂ ምዃኑ ካብ መን ኢዩ ክኽውሎ ዝፍትን ዘሎ?

 

ብሰንኪ ዓንዳሪ ፖሊሲታትን ኢድ ኣእታውነትን ስርዓት ኢሳያስ፡ ኤርትራን ህዝባን ኣብ ኣዝዩ ከቢድ ዝዀነ ቅልውላው ከምዝተሸሙ ንምርዳእ ዘጸግም ኣይኰነን። ምስ ኵሎም ጐረባብቲ ሃገራት ኣብ ብረታዊ ጐነጽ ኣቲና፡ ካብ ዞባናን ዓለምን ተነጺልና፡ መንእሰያትና መጻኢ ዕድሎም ጸልማት ኰይኑ ስለ እተራእዮም ናብ ስደት ክውሕዙ ይርኣዩ ኣለዉ። ነዚ ሓቂ’ዚ ገዲፍካ፡ ንኣመሪካ’ዶ ኢትዮጵያ ምኽሳስ እንታይ ኣምጽኦ? ባዕልኻ ዝፈጠርካዮ መዘዝ ንኻልኦት ምስካም ሎሚ ፋሽን ኰይኑ ምህላዉ ኵላትና እንሰማምዓሉ ጕዳይ ኢዩ። ተበዲለ እምበር በዲለ ዝብል ሓይሊ ይኹን ውልቀሰብ ኣብ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ሜዳ ምርካብ ኣሸጋሪ እናዀነ ምኻዱ፡ ነቲ “በደል ዋና የብላን” ዝብል ምስላ ኣበው ዘራጕድ ወይ ዘረጋግጽ ሓቂ ኢዩ።

 

ግርማይ ተኽለ

ዋኒነይ ኢልና ክንዕዘቦ እንከለና ኣብዚ እዋንዚ ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገርና ብብዙሓት ዘይንቡር ተረእዮታት ዝተሰነየ እዩ። ካብ ህዝቢ ውጺኡ፡ ብቃልሲ ህዝቢ ኣብ ስልጣን ዝደየበ “መንግስቲ እየ” ዝብል እንተኾነ መንግስቲ ክኸውን ብዙሕ ዝተርፎ ጉጅለ ህግደፍ ካብ ገዛእቲ ብዘይፍለ ጸረ-ህዝቢ ክኸውን እንከሎ ንቡር ኣይኮነን። እዚ ኣብ ኣስመራ ዝዓረደ ጸረ-ህዝቢ ጉጅለ፡ ብውሽጣዊ ትሕዝቶኡ ኮነ በቲ ኣንጻሩ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ እንዳ ማህመነ ክኸይድ እንከሎ፡ እቲ ንለውጢ ዝቃለስ ሓይሊ ተቓውሞ ኣብ ክንዲ ብኣንጻሩ ዝያዳ እንዳ ሰሰነ ዝኸይድ ማዕሪኡ ምዝሕታሉ’ውን ልሙድ ኣይኮነን። ኣብ መስርዕ ቃልሲ ተቓውሞ ንነዊሕ እዋን ዝጸነሓ ሓይሊ እንዳረብረበ ክኸይድ እንከሎ፡ እቲ  መንእሰይ ጻውዒቱ ሰሚዑ “ተካኢ” ኮይንካ ናይ ምቕራብ ናህሩ ከምቲ ዝድለ ዘይምዃኑ እውን ኣብ ዘይንቡር ተረኽቦ ዝስራዕ እዩ። ኮታ ብዙሕ ዘይንቡር ተረኽቦታት ምዝርዛር ይከኣል።

እቲ ካብዚ ስኽፍታ ንምውጻእ ንገብሮ ዕምቆት ናይ ቃልሲ ዝፈላለ ኮይኑ፡ ኩልና ለውጢ እንብህግን ምእንታኡ እንቃለስን፡ ወገናት ውሱንነት ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ኣብ ቃልሲ የሰክፈና እዩ። ስኽፍታና መሰረታዊ እዩ። መኽንያቱ ደቂ ኣንስትዮ ፍርቂ ሕብረተሰብ ስለ ዝኾና ናታተን ብኩራት  ንቃልስና ካብ ሓደ ምሉእ ናብ ዝጐደሎ ፍርቂ ስለ ዘውርዶ። መንእሰይ ንዝሓለፈን መጻእን ዘራኽብ ናይቲ ነዊሕ መስርሕ መራኸቢ ድንድል እዩ። ናቱ ብኩራት ከኣ ድንድል ተሰይሩ ክራኸቡ ዝግበኦም ኣካላት መራኸቢ ከም ምስኣኖም ስለ ዝውሰድ። መራኸቢ እንተቋሪጹ ከኣ ህልውና እውን ሓቢሩ ስለ ዘኸትም ናይ መንሰይ ግደ ብደረጃ ምህላውን ዘይምህላውን እዩ ዝረአ።

ነቲ ዝረአ ዘሎ ናይ ተሳትፎ ሃጓፍ መሊእካ እዞም ኣካላት ንቡር ግደኦም ከም ዘበርክቱ ኣብ ምኽኣል እቶም ቀጥታዊ ግደ ዘለዎም ኣካላት ብዙሓት እዮም። እቶም ቀንዲ ወሰንቲ ግና ባዕላቶም ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን እዮም። ኣብ መስርዕ ቃልሲ ዘለዉ ውድባትን መራሕቶም እውን ኣሳታፊ ኩነታት ናይ ምጥጣሕ ግደኦም ዕዙዝ እዩ። ኣብዚ ክንዝንግዖ ዘየብልና እዚ መስርሕ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ኮነ መንእሰያት ብባህሪኡ ኮነ ትሕዝቶኡ ፖለቲካዊ እምበር ግብረሰናያዊ ኣይኮነን። በዚ መሰረት ግብራውነቱ ኣብ ጽቡቕ ድሌት ሓደ ኣካል ጥራይ ዝድረት ዘይኮነስ ናይ ቃልሲ ባህሪ ኣለዎ። ደቂ ኣንስትዮ ንተሳትፎአን በቲ ወዲ ተባዕታይ ቅሩብነት እንተዘየለ እውን ካብ ምእማኑ ጀሚርካ ክሳብ ምግዳዱ ዝዝርጋሕ ቃልሲ ከካይዳ ናይ ግድን እዩ። መንእሰያት ንተሳትፈኦም ኣብ ቃልሲ እቲ ቅድሚኦም ኣብ ቃልሲ ዝጸነሓ ገዲም ቅሩብ እንተዘይኮነ’ውን ካብ ምእማኑ ጀሚርካ ክሳብ ምግዳዱ ዝምጠጥ ግብራዊ ቃልሲ ከካይዱ ናይ ግድን እዩ።

ካብዚ ሓሊፉ፡ ክልቲኦም ኣሳታፍን ተሳታፍን፡ ኣብ ክንዲ አእጃሞም ፈጺሞም ኣብ ማእከላይ ቦታ ተራኺቦም ነቲ ተሳትፎ ምሉእ ባህርያዊ መልክዕ ዘትሕዝዎ፡ ጨጫፎም ሒዞም፡ ተመዓድዮም  እቲ ሓደ “ኣየሳተፍካንን” እቲ ሓደ ድማ  “ነዓ’ባ ተሳተፍ” ክበሃሃሉ ግዜን ጉልበት ምህላኽ ፋይዳ የብሉን። ኣብዚ እዋንዚ እቲ ድኽመት ንኹሎም ብማዕረ ኣማቒልናዮም ጥራይ ንሓልፎ ኣይመስለንን። ቀሪብና መንዩ ናብቲ ኣውንታ ኮነ ኣሉታ ዝያዳ ዝቐረበ ክንርኢ ክንግደድ ኢና። ኣየንኡ ይጐልሕ? “ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያት ኣብዚ ቃልሲ ክሳተፉ ማዕጾ ተኳሕኩሖም ዝኸፍተሎም ስኢኖም” ወይ “ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ኣብ ቃልሲ ክሳተፉ ማዕጾ ተኸፊትሎም ክነሱ ክኣትውዎ ቅሩባት ኣይኮኑን” ምባል። እዚ ብግቡእ ክምዘን ይግበኦ። ከምቲ ኣቐዲምና እዞም ኣብ ቀጻልነትን ዓወትን ቃልስና ወሳኒ ግደ ዘለዎ ኣካላት  እቲ ናይ ቃልሲ ማዕጾ ጋሕ ኢሉ ተዘይትኸፍተ’ውን ናይ ምንውናዉ ሓላፍነት ከም ዘለዎም ብሓሳብስ እዝንግዕዎ እዮም ዝብል ግምት የብለይን። ብግብሪኸ?

ብዛዕባ ንቡር ተሳትፎን ምቅብባልን ኣብ ቃልሲ ክንዛረብ እንከለና፡ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ግቡእ ኣፍልጦ ምሃብ ናይ ግድን እዩ። ኣብ መንጎ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ምትሕልላይ እንትዘየልዩ ምድግጋፍ ኣይህሉን። ብዘይምድግጋፍን ኣፍልጦ ምውህሃብን ድማ እቲ ኣድማዒ ተሳትፎ ኣይረጋገጽን እዩ። ኣብ መንጎ መንእሰይን ገዲምን ምክብባርን ምድግጋፍን እንተዘየልዩ  ከምኡ እቲ ምቅብባል ኣይረጋገጽን’ዩ። ብኣንጻሩ ሓደ ነቲ ሓደ “እዚ ዝኣደቦም እዚ ዝእደበን” ዝብህሃል እንተኽይኑ ኣብ ቁምነገር ኣይብጻሕን ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ ፖለቲካዊ ሜዳ በቲ ወጻዒ እዩ ዝበሓት። ኣብዚ ከኣ ኩሎም ኣካላት ደቂ ኣንስትዮ ኮነ መንእሰያት’ውን ተሓተቲ እዮም ዝኾኑ። እቲ ብውደቀት ዝሕተት እቲ ኣብቲ ቃልሲ ተሳቲፉ ዘየድመዐ ጥራይ ዘይኮነ ቀንዲ እቲ ክሳተፍ ዝግበኦ ዘይተሳተፈ እዩ’ሞ ኩልና ንሕሰበሉ። ንውልቃዊ ወኒንን ህዝባውን ሃገራውን ዕማምን ነናቶም ናይ ግዜን ጉልበትን ብጽሒት ከይንኸልኦም ሓደራ።

ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ብምኽንያት 25 እዮበል ናጽነት ኤርትራ መርበብ ኣሰና ዘኣንገዶ ናይ ኤርትራውያን ክኢላትት ዝብሃሉ ምግባእ ነይሩ። ካብተን ብዙሓት ኣርእስታት ዘልዓልወን ሓንቲ ኣብ መንጎ ነባራት ተቃወምትን (ኣብ ተ.ሓ.ኤ. ዝነበሩ) ሓደሽቲ ተቃወምትን (ኣብ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ዝነበሩ) ዝርኤ ጸገማት እያ። ሓደ ካብቶም ተሳተፍቲ ነቲ ተራእዮ ከምዚ ገይሩ ገለጾ፡ 1) ኣብ መንጎ ክልቲኡ ሽነኻት ምትእምማን የለን 2) እቶም ነባራት ተቃወምቲ ነቶም ሓደሽቲ ተቃወምቲ ናይ ስልጣን ቦታ ኣይህብዎምን እዮም በለ።

ኩሉ ሃገራዊ ንህልዊ ኵነታትና ፈቲሹ ገምጋሙ ከቀምጠሉ መሰሉ እዩ። ንዘየሎ ኵነት ግና ከም ሓቂ ኣምሲልካ ብፈጠራ ከተቅርቦ ግና ናይ ህግደፍ ጠባያት እዩ ዝለብስ። ኣብ መንጎ ተ.ሓ.ኤን. ህ.ግ.ኤን. ዝነበሩ ኣካላት ዘይምትእምማን ክርኤ ባህርያዊ እዩ። እዚ ናይ ግዜን ድሌትን ሕቶ እዩ እምበር መዓርፎ ክህልዎ እዩ። ንዓይ ዘገደሰትኒ ነጥቢ ግና እታ ካልኣይቲ ነጥቢ፡ ነባራት ተቃወምቲ ንሓደሽቲ ተቃወምቲ ናይ ስልጣን ቦታ ከሊኦሞም እትብል እያ። እዝስ ክሳብ ክንደይ ሓቅነት ኣለዎ? መን እዩኸ ክመርሕ ኢሉ ዝተኸልኤ? ኣየናይ ውድብ እዩኸ ዝኸልኤ? እዞም ሕቶታት እዚኦም ምስታ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን ዝጽሓፍኩዋ ኣርእስቲ፡ “ጽላሎት ህግደፍ ኣብ ከርሲ ተቃውሞ” እትብል ዝትሓሐዘ ስለ ዝኾነ ምምላሹ ኣገዳሲ ይኸውን።

ኣብ 2001 ኣብ ክሊ ብትረትን ምስጢራውነትን ዝግለጽ መርሕነት ህግደፍ ዝተራእየ ነቃዕ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ጮራ ተስፋ ኮይንዎ። እዚ ከኣ ካብ ባዶ ዝነቀለ ዘይኮነስ፡ መንገዲ ምስ ወዲ ዓዲ ካብ ዝብል እምነት እዩ። ናይ ብሓቂ ከኣ ህዝቢ ኢርትራ ብሓፈሻ ከኣ ደንበ ተቃውሞ ብፍላይ ዓቢት ትጽቢት ኣብ ሓደሽቲ ተቃውሞ ኣሕደረ። ብተሞክርኦምን ብታሪኾምን ኣብ ዝለዓለ ጽፍሒ ናይ ወተሃደራውን ስለያውን መዳያት ህ.ግ./ህ.ግ.ደ.ፍን ስለ ዘገልገሉ ነቲ ስርዓት’ውን ውሽጡን ውሻጤኡን ስለ ዝፈልጥዎን ኣብ ምውዳቅ ህግደፍ ዝለዓለ ናይ መሪሕነት ተራ ክጻወቱ እዮም ዝብል እምነት ኣሕደረ። በዚ እምነት ከኣ ነባር ተቃዋማይ ናይ ገንዘባውን ሞራላውን ደገፋት ኣወፈየሎም። ሚድያ ከይተረፉ ከም በዓል ዓውተ ዶት ኮም ዝለዓለ ቆላሕታ ሃብዎም። እሞ እቲ ሓቂ ደኣ እንታይ እዩ?

ደርሆስ ብር እንተ በልኩስ ሕልሚ ኢላ ከምዝበሃል፡ እዞም ካብ ዓቅሞም ንላዕሊ ገጂፍ ስም ዝተዋህቦም ንተቃውሞ መሪሖም ሃገር ካብ ገሃንብ ህግደፍ ከናግፉ ዘይኮነስ፡ ነቲ ስርዓት ክዅንኑ ንህዝቢ ኤርትራውን በዲልናካ ኢና ክብሉ ዘይከኣሉ እዮም። እዚ መዳራይ ናይ ኣሰና ኮም’ከ እዞም ናይ ህግደፍ መራሕቲ ነበር ስልጣን እንኩም ምርሑና ምስተባህሉ እምቢ ኢሎም ከም ሰገን ርእሶም ኣብ ሕጻ ደፊኖም ከምዘሎዉ ይፈልጥድዩምበር?

ዘገርም እዩ፡ ተጽግብ ቅጫስ ኣብ መቅሎኣ ከላ ትፍለጥ ከምዝበሃል፡ ብኣጋኡ ብልቦም ኣግሂዶም ንህዝቢ ኤርትራ እንተዝዛረቡ፡ ሓሳቦምን መደቦምን እንተዝገልጹ ናይ ብሓቂ ሕልሚ ህዝቢ ኤርትራ ህያው ምኾነ። እዚኦም ካብ ዝመጹ ናይ ሓኽሊ ድሙ ባህርያት ይጥቀሙ ኣሎዉ። ገሊኦምሲ ወረ ፖለቲካዊ መንነቶም ኣይፍለጥን እዩ። እሞ እዚ ክሲ ንነባራት ተቃወምቲ ደኣ መንቀሊኡ ካበይ እዩ?

ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ እቲ ከሳሳይ ኣጕሊሕዎ ኣሎ። ኣብ ህዝቢ ምፍሕፋሕን ምፍላይን ክፈጥር ዝደሊ ህግደፍ ጥራሕ እዩ። ንዘየሎ ፈጠራ ፈጢርካ ሓቂ ከተምስሎ ምፍታን ንጥቅሚ ህግደፍ ጥራሕ ከኣ’ዩ ዘገልግል። ንጽላሎት ህግደፍ ምፍላጡን ምብድሁን ከኣ ናይ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ሓላፍነት እዩ።

ኣብ ህይወት ፖለቲካ ምውድዳር ስለ ዘሎ፡ ንሻቡ ምስ መዳራይ ክሰማማዕ እየ። ንህዝቢ ኣብ ጎድኖም ብምዕሳል ናቶም ሓያል ውድብ ዘይምስርቱ። ምስ ኣብ መንግስቲ ዘለዉ ናይ ሲብልን ወተሃደራት ሓለፍትን ተሰማሚዖም ንህዝቢ ካብዚ ገበል ዘየናግፍዎ። ሓቅነት ዘለዎ ክስሲ ከምዘይኮነ ከኣ’ዩ ዘብርሃልካ።

ሕጂ’ውን ምውዳቅ ህግደፍ ካብ ውሽጢ ኤርትራ እዩ ዝመጽእ። መንገዲ ምስ ወዲ ዓዲ ከምዝበኣል ከኣ እቶም ኣብ ህግደፍ ላዕለዋይ ጽፍሒ ሓላፍነት ዝነበሮም ዝለዓለ ግደ ክጻወቱ ታሪኻዊ ሓላፍነቶም እዩ። እቶም ናይ ናይሮቢ ክውንነት ዝፈጠሩ ሞጎስ ይግብኦም ህዝቢውን ክስዕቦም ይግባእ። ኣብዚ ግዜዚ ቆልዑትን፡ ኣደታትን፡ መንእሰያትን ውቅያኖስን ምድረ-በዳን ክሸርበኦም ከለዋ ዓይንኻ ዓሚትካ ጓል-መንገዲ  እንዳ ፈጠርካ ካብ ሓላፍነት እግርኻ ምስሕብ፡ ድሌት ህግደፍ ምፍጻም ጥራሕ እዩ ዘስምዕ። ልክዕ ከኣ ነዞም ካብ ሓላፍነት  ዝሃድሙ ዘለዉ፡ ከምቲ ወይ ምሳና ወይ ምስ ጸላኢና ዝበሃል፡ ወይ ምስ ደለይቲ ፍትሒ ወይ ድማ ምስ ህግደፍ ኩኑ እዮም ክብሃሉ ዘለዎም።

ውድቀት ህግደፍ ካብ ውሽጢ ኤርትራ ጥራሕ እዩ ዝመጽእ!

ኣማን ተኽላይ

 

 

ዝኾነ ይኹን ግርጭት ካብ ብምርድዳእ ሓሊፉ ብውግእ ንምፍታሕ ዝህቀን ከይዱ ከይዱ ዕንወትን ብርሰትን እምበር ዘምጽኦ ፋይዳ የብሉን። ምስ እዚ ዕንወት  ስዒቡ ዝመጽእ ከኣ ጽልኢ: ቅርሕንትን ናይ ሕነምፍዳይ ኣተሓሳስባን ይኸውን እሞ ቀጺሉ ውግእ እኳ እንተዘይሃለወ፡ ኣብ ቀጻሊ ምትፍናን  ይንበር። ዓለምና ካብ ውግእ ዝረብሓቶ ነገር እንተልዩ ዕብለላ፡ ጭቖናን ገበተን እምበር ዋላ ሓንቲ ኣውንታ የለን። ኣብዚ እዋን’ዚ  ዓለምና ብፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ቅልውላው ተሓሚሳ ኣብ ናይ ኣጽዋር ውድድርን ንግድን ተሸሚማ ትርከብ።

ካብ ውግእ ዝረብሐ ዋላ ሓደ የለን። ንኣብነት ሂትለር እንተወሲድና ዳርጋ ንምሉእ ኤውሮጳ ተቖጻጺሩ ነይሩ እዩ።  መወዳእትኡ ግና ከሰረ እምበር ኣይረብሐን። ሎሚ እውን ዓለምና ንውግእ ብዘገልግል ናይ ኣጽዋር ውድድር ትሳቐ ኣላ። እዚ ውድድር እዚ ንህልቂት እምበር ንሰላምን ቅሳነትን ከምዘይኮነ እነሆ ብዓይንና ንርእዮ ዘሎና ጉዳይ እዩ። እዚ ውድድር’ዚ ገበትን መለኽትን ዓለም  ንምቁጽጻር ዝጥቀምሉ ዓመጸኛ መስርሕ እዩ።

ውግእ እንታይ ዘየብርስን ዘየጥፍእን። ፍጡር ክጠፍእ እንከሎ ብሩህ ራኢ ዝነበሮም በላሕቲ ሰባት እውን ምስኡ ይልከሙ እሞ፡ እታ ሃገር ናይ ክኢላታትን ፈላጣትን ድኽነት የጥቅዓ። ፍልጠት ዘይብሉ ሕብረተሰብ ከኣ ናብ ምዕብልናን ስልጣኔን ገጹ ከድህብ ይጽገም። ስለዚ “ውግእ ኣየድልን እዩ” ከበሃል እንከሎ ከም ድኽመትን ተንበርካኽነትን ገይሮም ዝቖጽርዎ ብዙሓት እዮም።

ጸረ ውግእ ደው ምባል ዕላምኡ፥ ውግእ፡ንሰላም፡ ንዲሞክራሲ፡ ንፍትሕን ማሕበራዊ ውህደትን ዘውሕስ ከም ዘይኮነ ንምርኣይ ምዃኑ እዩ እቲ ኣገዳሲ ነጥቢ። እዚ ከኣ እንታይነት፡ ውጽኢትን ሳዕቤንን ውግእ ንምርዳእ ይሕግዝ እዩ። ካብኡ ሓሊፉ ውግእ ወይ ጎነጽ፡ ሰላምን ፍትሕን ዘየረጋግጽ ሳዕቤን ካብ ሃለዎ እቲ ጎዳኢ ዝኾነ ሳዕቤናቱ ከም ንሰላምን ፍትሕን ዘረጋግጽ ገርና ክንወስዶ ኣይግባእን።

ንውግእ ከም ቀዳማይ ምርጫ ዝወስድ ኣብ ውሽጡ ስግኣት ዝሓደሮን ሕቡእ ጦብላሕታት ዘለዎን እዩ። ብሓጺሩ “ኣነኸ ካብ መን ሓሚቐ እየ” ዝብል ትምክሕታዊ ኣተሓሳስባ ንኽህልወካ እዩ ዝገብር። ካብዚ ሓሊፉ እቲ ናይ ጎነጽን ዘይጎነጽን ኣነጺርና ክንፈልጦ ኣብቲ ውጺቱን ሳዕቤኑን ምትኳር እዩ እቲ ዝሓሸ። ብጎነጽ ወይ ብውግእ ኣቢለ ዲሞክራስን ፍትሕን ከንግስ እየ ዝብል ኣካል  ስለምንታይ ምስቲ “ዘይጎነጻዊ” ዝብል ምርጫ ዝጻረር ወይ ዝፈላለ? ነዚ ሕቶ መልሲ ክነናድየሉ ይግበኣና። ደሓር ከኣ ውግእ ኣካይድካ ኣብ መወዳእትኡ ናብ ክቢ ጠረጴዛ ኢኻ ተምርሕ።  ኣብ መወዳእታ ምስተዳኸምካ እንድሕሪ ናብ ክቢ ጠረጴዛ ትምለስ ኮይንካ ደኣ ስለምንታይ ብኣግኡ ኣብ ውግእ ከይኣቶኻ ፍልልይካ ብዘይጎነጽ ንምፍታሕ ዘይትጽዕር? እምበኣር እቲ ቀንዲ ውግእ ዝድለየሉ ዘሎ ጉዳይ ጐብለል ኰይንካ ናይ ምውጽእ ህርፋንን ህልኽን እዩ። እዚ ከኣ ጸቢብ ረብሓኻ ንምቕዳም ዝግበር ውድድር እምበር ንሃገራዊ ረብሓ፥ ዲሞክራሲያዊ ማዕርነትን ፍትሕን ከምዘይኮነ ኩሎም ብሓይሊ ብረት ስልጣን ዝጨበጡ ሓይልታት ኣመስኪሮሞ እዮም።

ውግእ፥ ሓይልን ጉልበትን ናይ ደቂሰባት ኣዳኺሙ፡ ንብረት ኣዕንዩ ዘዳኽም ደኣ እምበር፡ ፍልልያት ፈቲሑ ቀጻልን ውሑስን ሰላም ዘየምጽእ ምዃኑ ርኢና ኣለና። ብመሰረቱ  ውግእ ክትመርጾ እንከለኻ፥ ኩሉ ግዜ ሰዓራይ ወይ ከሳባይ ከም ምዃንካ ኣሚንካ ኢኻ ትኣትዎ እምበር ክትሰዓርን ክትከስርን ኢልካ ኣይኮንካን። ውጽኢት ውግእ ናይ ተዓዋታይ-ተዓዋታይ (win-win) እስትራተጂ ኣይክተልን እዩ። ውጽኢቱ ንሓደኻ እዩ። ስለዚ እቲ ዝድለ ዘሎ ንምልኪ ኣልጊስካ ዝተኣማምን ልዕልና ሕግን ልኡላውነት ህዝብን ሃገርን ንምንጋስ እዩ። በዚ ኣቢልካ ከኣ ካብ ኩሉ ጸቢብ ዝምባሌታት ሓራ ዝኾነ ሕብረተሰብ ንምፍጣር ዝዓለመ እዩ።  እዚ  ብውግእ ከምዘይሳለጥ ከኣ ብሩህ እዩ። ምኽንያቱ ብውግእ እቲ ኣብ ኣእምሮኻ ዘሎ ኣተሓሳስባ ንምትግባር፡ ማለት ነቲ ብሓሳብ ካባኻ ዝፍለ ኣካል ኣውዲቕካ  ስልጣን ብምጭባጥ፡ ኩሉ ናይ ምብሓት ሓሳብ ኢኻ ተተግብር። ስለዚ እቲ ክትረኽቦን ክተረጋግጾን እትደሊ ምዃን ምስ ኣበየካ  ብሓይልኻ ናይ ምምንዛዕ መንፈስ ይሓድረካ።

ስለዚ ኩሉ ግዜ ውግእ ዝለዓል ካብቲ ዓብላልን ሓያልን ኮይንካ  ናይ ምምጻእ ስምዒትን ድሌትን እዩ። እዚ ናይ ውግእ ህርፋን ከኣ ሕውነት፡ ስኒት፡ ሓድሕድ ምቅብባል ይኹን ኣብ መኣዲ ዘተ ኮፍ ናይ ምባል ባህሊ ይገትእ። እዚ ዘይሃናጺ ስምዒት’ዚ ከኣ እዩ ተመሊሱ ዝገዝኣካ እሞ ነቲ ባይታ ከም ዝእሹኽን ዝዝረግን ገይሩ ንበሪ-ሰላም ልኩት ኣቢሉ ዝዓጹ።

ን20 ሰነ መዓልቲ ሰማዕታት ምስ ኩሉ ኤርትራዊ ተቐማጣይ ከተማ ኦስሎን ከባብን ሓቢርካ ንምዝካርን፣ ነዞም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብዝተፈላለየ ትራጀዲ/ ቅዝፈት ናይ ዝሰኣናዮም ወገናትና፣ መንእሰያትናን ሕጻናትናን እውን ናይ ሕልና ጸሎት ንምዕራግን

  1. ማሕበር ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ ኣብ ኦስሎን ከባቢኣን
  2. ምንቅስቃስ ስምረት ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገር ንኡስ ጨንፈር ኖርወይ
  3. ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨንፈር ኖርወይ
  4. በርገሳዊ ማሕበር፣ ምንቅስቓስ ሕብረት ኤርትራውያን ኣብ ኖርወይ
  5. ናጻ ማሕበር ኤርትራውያን ደቒ-ኣንስትዮ ንሰላምን ፈትሕን ጨንፈር ኖርወይ

ናይ ሓባር ምድላዋት ብምግባር ብኽብሪ ይጽውዑ ኣለዉ።

ምሉእ ሓበረታ፣

  • ዕለት 20 ሰነ 2016
  • ሰዓት 17 ወይ ሰዓት ሓሙሽተ ናይ ድቀ
  • ቦታ Ebbells gate 1, ቀዳማይ ደርቢ

ንተወሳኺ ሓበረታ፣ 96886017 ወይ 94738158 ወይ 99454433 ደዊልኩም ተወከሱ።

ብደሓን ምጹ!!

By Erimedrek  /  June 7, 2016  /  Comments Off on ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፍወርቂ 200 ሚልዮን ዶላር ዝዋግኡ ወርቂ ቢሻ ኣብ ናይ ውልቁ ካዝና ኣቐሚጡ ምህላዉ ተረጋጊጹ።

Erimedrekፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፍወርቂ 200 ሚልዮን ዶላር ዝትመን ወርቂ ቢሻ ኣብ ቀጠር ባንክ ኣብ ዝርከብ ናይ ውልቁ መኸዘኒ ካሳ (vault) ኣቐሚጡ ምህላዉ ዝተረጋገጸ ሓበሬታ ተረኺቡ።

ፕረሲደንት ኢሳያስ እቲ ካብ ኣታዊ ናይ ቢሻ ዝርከብ ምቅሊት ናይ ኤርትራ  ኣብ ክንዲ ብገንዘብ ብወርቂ ክወሃብ ንኩባንያ ኔቭሱን ድሕሪ ምእዛዙ እቲ 200 ሚልዮን ዶላር ዝዋግኡ ወርቂ ብፍልይቲ ነፋሪት፥ 3 ኣባላት ፍሉይ ጸጥታ ናይቲ ፕረሲደንት  ናብ ቀጠር ናብ ዝርከብ ፍሉይ ካስኡ vault) ከምዘብጽሕዎ ተረጋጊጹ።

ክልተ ካብቶም ነቲ ወርቂ ዘብጽሑ ኣባላት ፍሉይ ጸጥታ ካብቲ መገሻ ምስተመለሱ ከምዝተቐተሉ ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ እቲ ወርቂ ኣብ ባንክ ቀጠር ከምዝርከብ ኣረጋጊጹ።

ዕደና ቢሻ ካብ ዝጅምር ክሳብ 2014 ጠቕላላ $ 1,842,788,000 ኣታዊ ቅድሚ ቀረጽ ከምዝገበረ፥ ካብዚ እቲ 60 ሚእታዊት ናብ ኩባንያ ነቭሱን እቲ $ 834,863,000 ምቅሊት ኩባንያ ማዕድን ኤርትራ (ENAMCO Share) ካልእ $ 88,323,000 ቀጥታዊ ግብሪ ንመንግስቲ ኤርትራ $ 14,471,000 ድማ ንምምሕዳራዊ ወጻኢታት እዩ ተዋሂቡ።

በዚ መሰረት፥ ፕረሲደንት ኢሳያስ 25% ኣታዊታት ዕደና ወርቂ ቢሻ ኣብ Qatar National Bank ኣብ ዝርከብ ናይ ውልቁ ካዝና ኣእትይዎ ምህላዉ ተረጋጊጹ ኣሎ።

ንዝኽሪ ወዲ የማነ፡

Saturday, 04 June 2016 08:58 Written by

`ታ ናትካ ባህሪ

ብህድኣትን ዓቕሊን፡ ከይነጸፈት ትዛሪ፣

ልቦናኻ- ብሓልዮት ብዓንተቦ ከሲባ ዓንቢባ

ትዕግሲ ሰኒቓ፡  ኣብ ፍቕሪ ዓንቢባ።

 

ብዕድመ፡ ዓመታት ክቖጽር ህይወትካ፡

ሽምግልና ኣርኪቡ ለውጢ ክገብር ሰውነትካ፡

`ታ ኣብ ውሽጢ- ውሽጢ ጥልቀት ዝሰረተት

ለዋህ  ባህርያትካ`ሲ፡ ከም ቀደማ  ምስ ሸወተት።

 

ናብ`ዛ ባህሪ እዚኣ፡ ዝተሳሕበት ቃታ

ክትቀትል ተሃንዲዳ ዘድበየት ቃጻ፣

ምርዳእ ኣብዩኒ ወዲ የማነ!

ግን`ከ ምኽኒያት መዕስ ይህልዎ ንብእኪት ዝኻሓነ!!

 

እወ፡ ሕጂስ ስዒብካዮም ነቶም ዝሓለፉ

ዘይሽዑስ ንእስክላ`ዩ ተሓሊፉ፣

ሲዒብካ ግን ከም ጽላሎት -ንነዊሕ ዘንብዩ

ንቕንዕናኻ ብሞት ክኾልፍ ኣብ ጸላም ኣድብዩ።

 

እንታ ሓኪም ብሞያ ሓኪም ብባህሪ፡

ንዝተወግኡ ንዝሓመሙ ክትኣሊ ዝፈጸምካዮ ጻዕሪ፣

ነይረን! ኣለዋ! እተን ዘድሓንካየን ህይወታት

ቀለምን ፊደልን`የን ንናይ ታሪኽካ ቅርሲታት።

 

ጸንዓትን ድበሰን ንሙሉእ ንስድራ ቤትን ብጾትን።

 

ጸጋይ ነጋሽ

June 3, 2016

June 3, 2016

እዚ ብሕጋውን ሰላማውን መንገዲ ናጽነቱ ረኺቡ፡ መንነቱን ክብሩን ዓቂቡ፡ ንሱ ብዝመረጾ ኣገባብ ክመሓደር ዝግብኦ ውርዙይ ህዝቢ ኤርትራ፡ በቶም ኣብ ኣርብዓታት እዚ ዕድሉ‘ዚ ዝነፈግዎ ጎባልል ናይቲ ዘበን'ቲ ምስታ ምሓዛ ሓያላት ሃገራት ዝኾነት ኢትዮጵያ ተቖሪኑ፡ ዘይመንነቱ ክለብስ ንዝተዋህቦ ዘይፍትሓዊ ውሳኔ ነጺጉ፡ ዕጥቃዊ ቃልሱ ክጅምር ከሎ፡ ኣጆኻ ዝበሎ ኣካል ኣይነበሮን። እዚ ኣብ ድሩት ዓቕሙ ግን ክኣ፡ ተሪር ኤርትራዊ ኒሑን ውሽጣዊ ሓድነቱን ብሓደ ወገን፡ ብዓል ሓቅን ርትዕን ምዃኑ ከኣ ብኻልእ ወገን ኣሚኑ ዝተበገሰ ቆራጽ ህዝቢ፡ ንምግላጹ ብዘጸግም መሰናኽላት ሰጊሩ፡ ብሉጻት ደቁ ክፊሉ ናይ ዘምጽኣ ናጽነት፡ ኤርትራ ናጻ ሃገር ምዃና ካብ ትፍለጥ፡ ድሮ ናይ 25 ዓመት ብዓል ናጽነት ንጽንብል ኣሎና። ሕማቕ  ኣጋጣሚ ኮይኑ ግን ነዛ ዋጋ መስዋቲ ጀጋኑ ዝኾነት ክብርቲ ብሩራዊ ኢየበልዩ ናጽነት፡ ህዝብና ዝተጸበዮን ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቀኛ ኩነታት ሃገርናን ሕቘን ከብድን ኮይንሉ ኣብ ዘሎ እዋን ኴንና ገለ ብጓይላን ፈንጠዝያን ገለ ድማ ነዛ ብዓለባ ሳሬት ተሸፊና ዘላ ናጽነት ዓቂቡ ናብታ ዝሓልማ ሓርነት ዝሰጋገረሉ ትስፉው መንገዲ ንምንዳይ ኣብ ዘተን ልዝብን ዘተኮረ መጋብኣያ ተራኺቡ፡ ኣብ ምጽንባላ ንዝርከብ ክቡር ህዝቢ ኤርትራ ዮውሃና ከይበልኩዎ ክሓልፍ ኣይመርጽን።

እዚ ትዕግስተኛን ጸዋርን ህዝብ‘ዚ፡ ነዛ ድሌቱን ትጽቢቱን ከይረኸበ ምስ ኩሉ ጉድለታታን ምረታን ተደቚሱ ዝጽንብላ ዘሎ፡ ነታ ጽባሕ እትመጽእ ህዝቢ ዝማእከላ ፍትሓዊትን ዲምክራዊትን ሃገር ናይ ምህናጽ ልዑል ተስፋን ራእይን ስለ ዘለዎ እምበር፣ በዚ ሎሚ ዘላቶ ኣይኮነን ዝልክዓ። ኣብ ክምዚ ዝኣመሰለ ክቡር መዓልቲ ናጽነት፡ ንኣመጻጽእኡ ዝተሰግረ መሰናኽላትን ዕንቅፋትን ዝተኸፍሎ ክቡር ዋጋን ናይ ምግላጽ ስልጣን ናይቲ ነቲ ንሃገር ዝመርሕ ዘሎ ዝግባእ እኳ እንተኾነ፡ ብሰማዕቱ ክምዘን ግን ባህርያዊ እዩ። ነዚ ረዚን ክብሪ ጽንብል ኢዮበልዩ ኣመኽንዩ፡ ኣብ ትሕቲ ርብዒ ዘበን ኣብ መኸተን ልምዓትን ዝብል መደናገሪ ጭርሖ ግን ከኣ፡ ርብዒ ዘበን ኣብ ዕንወትን ጥፍኣትን ዝመግለጺኡ ሓቂ፡ መርሒ ውልቀ-መላኺ ስርዓት ካብ ዝሃቦ መደረ ኣመልኪተ ኣብተን  ዝበለን ጥምሮ ሓሳባት ትዕዝብተይ  ክህብ‘የ።

ዲክታቶር ኢሳያስ ብድሆታትን ተጻብኦታትን ዝመሰለ ይምሰል በንጻር መኸተናን ልምዓትናን፡ ባህልናን ስርዓተ ክብርታትናን መሊሱ ሃብቲሙን ተዀሊዑን፡ ኩሉ ጎናውን ሕጋውን ዜናውን ፖለቲካውን ዲፕሎማሲያውን ድሕነታውን መኸተና ደርሚሱ ድሕሪ ምባል ኣብ ወርቃዊ ኢዮበልዩ የራኽበና ክብል ምስ ሰማዕክዎ፡ ኣዝየ ሓዚነ ብዙሕ ኤርትራዊ ከም ዝሓዘነ ክኣ ኣይጠራጠርን።

ምኽንያቱ፡ ክምቲ  ብሃገሮምን ህዝቦምን  ዝሓልዩን ዝግደሱን መራሕቲ ሃገራት ዓለምና፡ ኣብ ክምዚ ኣጋጣሚታት ንህዝቦም ዘሐጉስን ሞራሉ ዝኹልዕን  ዝህብዎ ቃል፡ እዚ ልዑል ክብርን ሞሳን ዝግብኦ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዲክታቶር ኢሳያስ  ናይ እሱራት ምሕረትን ምእዋጅ ህንጻ ሕግን ፍትሓውን ዲሞክራሲያዊ ምሕደራን‘ኳ እንተዘይተጸበየ፡ ክምዚ ዝበለ ምስ ኣብ ሃገርናን  ህዝብናን ዘሎ ግሉጽ ሓቂ ናይ ሰማይን ምንድርን ዝርሕቀቱ ንኩሉቲ ብጊዜ ቃልሲ ዝኸሰብናዮ ክብርን ታሪኽን  ውጽኢቱ ናጽነትን ዘህስስ ኣእምርኦም ናይ ዝሰሓቱ መግለጺ ምሃቡ ኢሳያስ ሃገር ክመርሕ ዘይኮነስ ሃገር ንምዕናው ዝተበገሰ ልኡኽ ሰይጣን ምዃኑ ብዝያዳ ዝያዳ ንዓለም እዩ ኣረዲኡ።

 እስከ በሉ ኣብተን ዝበለን ቃላት ክመልሰኩም፡ “ ባህልናን  ስርዓተ ክብርታትናን መሊሱ ሃብቲሙን ተዀሊዑን“ ንሱ ዝበሎ ቃል ክኽውን ክሎ፡ ብዓይን‘ቲ ዓቂብዎ ዝጸንሐ ወለዶ ክርኣ ከሎ ግን ባህልና፡ ብጽዋር ባህሊ ተተኪኡ መኣዝኑ ስሒቱ ንሃገርናን  ህዝብናን ኣብ ዘየንጸባርቐሉ ደረጃ በጺሑ እምበር፡፡

ንክብሪ ባህልና ብዝምልከት፡ ምስልን ክብርን ወላድን ውሉድን ተጸናቢሩ፡ ማዕርነት ግቡእ ቦትኡ ስሒቱ ካህንን ዓለምን ኣብ ዘይንፈላልየሉ ብዓቢኡ ከኣ ምክብባር ጠፊኡ፡ ትሕትናን ቅንዕናን ብትዕቢትን ኣነነትን ተተኪኡ ጠርናፍን ተጻዋርን ክብርና ተረሚሱ ይርከብ።

ንሕጋውን ዜናውን ፖለትካውን፡ ብዝምልከት ድማ ንርብዒ ዘበን ብዘይ ሕገ-መንግስቲ  እናተምሓደረት ዜጋታታ ብዘይፍትሓዊ ብይን ተቀይዶም ኣብ ጎዳጉዲ እናበለዩ፡ ህዝባ መጽለልን መዕቆብን ጨኒቕዎ ኣብ ስቓይን ምክልባትን እናነበረ መንእሰያታ ብወፍሪ ባርነት ተስፋ ቖሪጾም፡ ሃገሮም ገዲፎም ብምስዳድ ኣደዳ መሸጣን ማሕረድትን ግዳያት ሞት ሰሃራን ማእከላይ ባሕርን ኮይኖም፡ ሃገር ኣብ ምጽናት ህዝባ ክኣ ኣብ ዓሚቚ ዳግማይ ሓዘንን ሻቅሎትን ተሸሚሙን ተረሚሱን እናሃለወ፤ ብዜናዊ መዳይ ድማ ቲቪ ኤረ ናይ ውልቂ ርስቱ ጌሩ ዓገብ ዝብሎ ዘይብሉ ቱታ ናይ ዝበለ፤ ብፖለቲካዊ መዳይ፡ መብጽዓ  ውድባዊ ጉባኤ 1987 ጠሊሙ፡ መዓጹ ዲሞክራሲያዊ ተሳትፎ ፓርትታት ረጊጡ፡ ብዘይቀይዲ ስለ ዝዓንደረ ደርሚስናን ተዀሊዕናን ክብል ከሎ፡ ህዝቢ ጊዜኡ ዝሃቦ ሓምሓምስ እምኒ ይሰብር ዝብል ምስላ ብምዝካር ክግረምን፡ ኣብ ልዕሊኡ ዝነበሮ ጽንቃቕ እምነት ከጥፍእን  እምበር፡ መደሪኡ ናይ ምስማዕ ሸውሃትን  ባህግን የብሉን።

ብዛዕባቲ ዲፖሎማስን  ድሕነትን ዝበሎሞ ከኣ ብሰንኪ ዓንዳርን ሕጊ ኣልቦ ፖሊስኡን ሃርጋፍ ወታሃደራዊ ትምክሕቱን ተነጺሉ ካብ እገዳ ሓሊፉ ብገበን ናይ ምኽሳሱ ገመድ ይፍሓሰሉ ከምዘሎ ምዝኽካሩ ኣኻሊ መልሲ ኮይኑ፡ ንድሕነት ብዝምልከት ግን ስልጣነይ ብግቡእ ጻማ ጻዕሮም ብዘይክፈሉ ብስም ሃገርዊ ኣገልግሎት ዝጽውዑ ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ተሓልያን  ድሒናን ኣላ ይብል እንተልዩ ግን፡ ንዓና ንኤርትራውያንስ ይትረፍ፡ ብቐረባ  ንዝከታተል ህዝቢ ዓለምናውን ርዱእ ጉዳይ ኮይኑ፡ ናይ ምልጋሱን ምቕናዩን ጉዳይ ነቲ ብትዕግስቲ ዝሰምዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ንደለይቲ ለውጢ ድማ ብፍላይ ዝግደፍ ጉዳይ እዩ። 

 ኣብዚ ክቡር ዕለትዚ፡ ዲክታቶር ኢሳያስ  ኣብ ቅድሚ መላእ ህዝቢ ኤርትራን ናይ ርሑቕን ቀረባን ዲፕሎማሲያውያንን ምናልባት‘ውን ጋዜጠኛታትን  ዝተረኽብሉ እዋን ንዘይብቕዓቱን  ፍሽለቱን ዘረጋግጽ መደረ ስለዝኾነ፡ መፍትሒ ኣብ ምድላይ ተጸሚዱ ንዝርክብ ህዝብና፡ ቃልሱ ከቀላጥፍ ዝሕግዝ ወሳኒ ኣጋጣሚ ስለ ዝኾነ መልሰ ተግባር ደላይ ፍትሒ ህዝብና ክሳብ ወርቃዊ ኢዮበልዩስ ይትረፍ፡ ክሳብታ ታሪኻዊት መዓልቲ ባሕቲ መስከረም እኳ ኣይንጽመመካን ዝብል ክኸውን ይግባእ።

ካብዚ እምንቶን ተርኦን ተበጊሱ፡ ኩሉ ደላይ ፍትሓዊ ለውጢ ህዝብና ብሓፈሻ፡ ተቓወምቲ ሓይልታቱን ተረክብቲ ሕድሪ መንእሰያቱን ድማ ብፍላይ፡ ብዘይወዓል ሕደር ሓድነቶም ኣረጋጊጾም ኩሉ ዓቕሞም  ወዲቦም ንስርዓት ህግድፍ ብቅልጡፍ ኣልዮም፡  ክብሪ ሃገርን ህዝብን ዝሕሉን ንመሰሉ ዝጣበቕን ስርዓት ንምርጋግጽ ክቀላጠፉ  ኣለዎም።

በዚ ኣጋጣሚ ንኩሎም ሓይልታት ምክልኻልን መራሕቶምን፡ ነቲ ክሳብ ሎሚ ዝፈጸምክምዎ ታሪኻዊ መስርሕ ናጽነትን ትፍጽምዎ ዘሎኹም ምክልኻል ሃገርን ተጎልቢቡ ተጻብኦ ዝመሰለ ይምሰል ንስልጣነይ ጽንጽያ ዘንብረላ የለን ክሳብ ምባል ዝተነፍሐ ትዕቢተኛ መራሒ፡ ስልጣኑ ንምንዋሕ ህዝብኹም ክትጭቁኑን ንጹሃት ክትቀትሉን ንዝህበኩም ትእዛዝ ነጺግኩም፡ ኩሉ ዓቕምኹም ሃገርን ህዝብን ንምድሓን ኣብ ጎድኒ ደላይ ፍትሒ ህዝብኹም ክትስለፉ መጸዋዕታይ አቕርበልኩም።

ፍትሕን ሰላምን ንህዝብና!

ክብርን ዝኽርን ንሰማእታትና!

ዓንደጽዮን ግርማይ

ጀርመን

እዚ ኣርእስቲ ክልተ ተገራጨውቲ ሓሳባት ዝሓዘለ ምዃኑ ርዱእ እዩ። መጀመርያ ውድባት ኣየድልያን እየን ዝብል ሸነኽ ካብ ምንታይ መርትዖ ነቒሉ እዩ ከምኡ ዝብል ዘሎ፡ ዘዕግብ  መብርሂ የብሉን። ደሓር ከኣ ውደባ  መሰል ናይ ሰባት ምዃኑ ዝዘንገዐ እዩ። ውድባት ኣየድልያን እየን ምባል ከኣ ነቲ ውልቃዊ ናይ  ምውዳብ ናጽነት ምጽራር ማለት ኣዩ ዘስምዕ።

ስለምንታይ ደኣ’ሞ ሎሚ  ኣብ ኤርትራዊ ዜጋ እዚ “ውድባት ኣየድልያን እየን” ዝብል ሓሳብ ዝቀላቐል ዘሎ? እቶም ከምኡ ዝብሉ ናይ ብሓቂ ዲዩ ኣድላይነት ናይ ሰልፍታትንጠፊእዎም ጠፊእዎም ወይ ሕቡእ ኣጀንዳን ግጉይ ኣመለኻኽታን ኣልይዎም እዩ? ትርጉም ፖለቲካ ጠፊእዎም እንተኾይኑ ሓቆም እዮም ክበሃል መተኻእለ። እስከ ምሁራን ንፖለቲካ እንታይ ትርጉም  እዮም ዝህብዎ ንርአ። ከምቲ ምሁራን ዝገልጽዎ ፖለቲካ ማለት ኣብ ሓደ ማሕበረሰብ ከመይ ገይርካ ብሓባር ናይ  ምንባር ኣወዳድባ መስርሕ እዩ። ቀጺሎም ከኣ እዚ ህላዌ ፖለቲካውን ስቪላውን ማሕበራት ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። እቲ ዜጋ ከኣ ኣብዘን ክልተ ማሕበራት ሱታፈኡ በገዛእ ድሌቱን ፍቓዱን ምስ ዝዋሳእ እዩ እቲ ዲሞክራሲ ዝብል ህይወት ክረክብ ዝኽእል ጥራሕ ዘይኮነስ፡ እቲ ከምኡ ዝብል ኣካል፡  ነቲ “ዲሞክራሲ ካብ ህዝቢ ብህዝቢ ንህዝቢ” ዝብል ኣምር ብተግባር ይበቕዖ ኣሎ ማለት እዩ። እዚ ከኣ ሓሳቡን ርእይትኡን ብዘይፍርሒ ዝገልጸሉ ብምዃኑ እቲ  ዲሞክራሲ ጥዕና ይረክብ። እቶም ምሁራት  “ንፖለቲካ ኣርባዕተ ኣገደስቲ ጉዳያት የድልይዎ” ዝብል ሓሳብ የቕርቡ።

• ፖለቲካ፡ ናይ ፖለቲካዊ ውድብ ዕላማን መምዘኒታትን ዝሰርዕ፡ ሓሳባትን ክብርን (value) የድልዮ። ናጽነት፡ ፍትሕን ሓድነትን መምርሒ  ፖለቲካዊ ውድብ ናይ ዝኾነ ይኹን ሕብረተሰብ መሰረታዊ መትከላት እዮም።
• ፖለቲካ፡ ንድሌታት ጠርኒፈንን ኣኪበንን ንፖለቲካውን መንግስታውን ትካላት ዘመሓላልፋ ወይ ዝረዳድኣ ማሕበራዊ ትካላት የድልዮ። እዘን ነዚ ማሕበራዊ ድሌታት ዝጥርንፋን ዝእክባን ኣካላት ከኣ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ከምኡ እውን ማሕበራት፡ ክኢላታትን ሰራሕተኛታትን ካልኦት ዘይመንግስታውያን ትካላት ስቪላዊ ማሕበራትን እየን።
• ፖለቲካ፡ ንማሕበርሰብ ዝጥርንፋን ከም ወከልቲ ኰይነን  ዝካትዓ፡ ዝውስናን ኣብ ግብሪ ዘውዕላን ተካላት የድልዮ። እዘን ኣብ ደሞክራሲያዊት ደውላ መብዛሕትኡ ኣብ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ዝተኣማመና ወይ ዝምርኰሳ ኣገደስቲ ፖለቲካዊ ትካላት እዚአን፡ ፓርላማታትን መንግስታትን እየን።
• ፖለቲካ፡ ብሓሳብ ንዝድለ ጠለባትን ትጽቢታትን ብዝምልከት ኣብ ፖለቲካዊ ምይይጥ ዝሳተፉ ከምኡ እውን ኣብ ተግባራት ወይ ዕማማት ናይተን ፖለቲካዊ ትካላት ስሉጥ ኣበርክቶ ወይ ሓገዝ ዝገብሩ ዜጋታት የድልዮ።

እዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ፡ እቲ ገለ ካብ ስነፍልጠታዊ ገለጻ  ብዛዕባ ተደላዪነት ህላዌ ናይ ፖለቲካዊ ሰልፍታት እዩ። ኤርትራውያን ኣብ ጉዳይ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ዘሎና ተረድኦ ምስ’ዚ ተጠቒሱ ዘሎ ክሳብ ክንደይናይ ይዛመድን ኣይዛመድን ክንግምግም ንኽእል ኢና። ስለዚ ሰልፍታት ብድፉኑ ኣየድልያን እየን ምባል መግለጺ  ጸረ-ዲሞክራሲያውነት ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልእ ትርጉም የብሉን። ምኽንያቱ ሰልፍታት ኣገደስቲ መሳርሒ ትካላት ናይ ፖለቲካ እየን። ፖለቲካ ከኣ እተን ልዕል ኢለን ተጠቒሰን ዘለዋ ኣርባዕተ ነጥብታት ስለ ዘድልዮ፥ ሰልፍታት በቲ ዘለወን ስነሓሳብ፡ ዕላማን ራኢን ንዜጋታት ኣብ ምሕባርን ምጽላውን ዓቢ ግደ ይጻወታ። ሓደ ዜጋ ስልጡንን ምዕቡልን እንተኾይኑ፡ ባዕሉ መምዩ መጸዋዕታ ከይተጸበየ ንጉዳይ ሃገሩ፡ ሓባራዊ ረብሓኡን ንዲሞክራስን ፍትሕን ኣብ ዝኣምነሉ ሰልፊ ክነጥፍ፡ ክዋሳእን ኣበርክቶ ክህልዎን የድሊ።

ካብዚ ሓሊፉ ዝኾነ ይኹን ሰልፊ ንዜጋታት ካብ ምጽላውን ምጉስጓስን ሓሊፉ ኣብ ፖለቲካዊ እምነቱ ኣገዲዱ ወይ ወጢጡ ከሰልፍ ኣይክእልን። ልክዕ እዩ ሰልፍታት በቲ ፖሊሲአን ዝኣምኑ ኣባላት ከብዝሓን ክውድባን ይደልያ እየን። ቀንዲ ስረሐን’ውን ንሱ እዩ። ስለዚ ካብዚ ብምንቃል፥ ህዝቢ እዩ ነቲ ዕላማን ራኢን ሰልፍታት መዚኑ ክስለፍ፡ ከነጥፍን ክድግፍን ዝግብኦ። ኢዱን እግሩን ኣጣሚሩ ሰልፍታት የለዋን ኣይሰርሓን፥ ህዝቢ ከዕስላ ኣይከኣላ’ሞ ኣየድልያን እየን ምባል ዘይኮነስ፥ እቲ ክግበር ዝግበኦ፡ ካብተን ሰልፍታት ወይ ውድባት ብራኢኣ እተኣምነላ መሪጽካ ንምሕያላን ምብርተዓን ምቅላስ እዩ ክኸውን ዝግበኦ።

ኣብ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ተሳትፎ ከምኡ እውን ነቲ ንሰልፍታት ዘድሊ ስራሓት ክፍጽምን ክተሓባበርን ዝኽእል ድሌት ናይ ዜጋታት ክህሉ ኣለዎ። እንድሕሪ ዜጋታት ብሓቂ ንወጽዓን ጭቆናን ክውግዱ ዝለዓሉ ኮይኖም፥ ንዓ ተሳተፍ ተቓለስ ተባሂሎም ክዕደሙን ክልመኑን ኣይግባእን። እንታይ ደኣ ንውራዮም፡ ትጽቢታቶምን ድሌታቶምን ብተበግሶኦም ካብቲ ወጽዓ ክላቐቁ፥ ክውደቡ ይግበኦም። ካብዚ ሓሊፉ ከም ዘይምልከቶ ጓና ብደገ ኮይኖም እዚ ዘይገበርኩም፡ እዚ ዘይሰራሕኩምን፡ ኣይሰመርኩምን .. ወዘተ ኣብ ክንዲ ምባል ነተን ዝሓምይወን ሰልፍታትን ውድባትን ከምዝሰርሓን ከምዝሰምራን ክግበሩ ናታቶም ዕማምን ግደታን እዩ።


ጨቈንቲ ስርዓታትን ምልካዊ ኣተሓሳስባ ዝውንኑን ህላዌ ሰልፍታት ኣዝዩ ስለዘስግኦም፡ ክህልዋ ኮነ ክሕይላ  ኣይደልዩን እዮም። ሰልፍታት ክህልዋን ክነጥፋን ካብ ዘየፍቅዱ ከኣ ነጸግቲ ዲሞክራስን ፍትሕን ምዃኖም እዩ ዝእምት። ኣብ ደምበ ተቓወምትና  ንሰልፍታት ምንእኣስ፥ ኣየድልያን እየን፥ ምስኣተን ኣይተወደቡ ምባልን ንገዛእ ርእሱ ንህላወ ሰልፍታት ስለ ዝነጽግ ዲሞክራስን ፍትሕን ንክዕንብብ ኣይድግፍን ማለት እዩ። ስለዚ ንጭብጥታትን ሓቅታትን ደፊንካ ካብ ፖሊቲካዊ ሰልፍታት ዝሓሸ ውደባ ወይ እውን ልዕሊ ሰልፍታት ንምዃን ንቓባውያን፥ ስቪል ማሕበራትን ህዝባዊ ጥርናፈን ዝኣመሰሉ ምትእኽኻባት ተጠቒምካ ኣብ ክንዲ  ምምልላእ መጠማምቲ  ፖለቲካዊ ሰልፍታት ምዃን ሓደ መርኣያ ናይ ግጉይ  ኣተሓሳስባ እዩ። ምኽንያቱ ኩሉ ነናይ ገዛእ ርእሱ ጸቢብ ዕላማ ከዕውት ስለ ዝብገስ እዩ ንህላወ ሰልፍታት ዝንጽግን ዘነኣእስን። እቲ ሰልፍታት ዝነጽግ ምትእኽኻባት ከይዱ ከይዱ ናብ ሰልፊ ምልዋጡ ዘይተርፎ እንተኾይኑ፡ ስለምንታይ ኣብተን ዘለዋ ሰልፍታት ዘይጽንበር ወይ ከኣ ብጋህዲ ፖለትካዊ ሰልፊ ምዃኑ ዘይእውጅ። ኣብዚ እዋንዚ ካብ ስነፍልጠት ርሒቕና ሰልፍታት የድልያን ኣየድልያን ኢልና ክንዋጠጥከ ኣድላዪ ዲዩ? እዝስ ናብቲ ጀብሃን ሻዕብያን እናተበሃሃልና ቃልስና ዘናወሕናሉ ግጉይ ተመኩሮዶ ኣይወስደናን?

ድራር መንታይ

ብዕለት 22-05-2016 ፣ ኣብ ትሕቲ “ጥርናፌና ዋሕስ ዓወትና እዩ “ ዝብል ጭርሖ ፣ ዓበይትን ፣ መንእሰያትን ፣ ገዳይም ተቓለስትን ፣ ምሁራት ሰብ ሞያን ፣ ኤርትራውያን ካብ ዝተፋላለየ ከተማታት ሆላንድ ዝተኻፈልዎ ፣ ናይ 25 ዓመት መዓልቲ ነጻነት ኣብ ከተማ ኣምስተርዳም ብድምቀት ከቢሩ ውዒሉ።

እዚ በዓል ብዝክረ ሰማእታት ኤርትራ ድሕሪ ምጅማር ፣ ሙሁራትን ሙኩራት ሰብ ሞያን ፣ ኣብዘን ዝስዕባ ክልተ ነጥብታት ዘተኮረ ኣስተምህሮን ምኽርን ገለጻን ኣቕሪቦም።

1. መሬትና ካብ ናይ ባዕዲ መግዛእቲ በደም ፣ ኣቦታትናንን ፣ ኣዴታትናን ፣ ኣሓትናን፣  ኣሕዋትናን ነጻ ስለ ዝወጸ ፣ ናይ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ እዩ ።
2. ህዝብና ከኣ ኣብ ነጻ መሬቱ ፣ መሰሉ ተገፊፉ ፣ ብዘይ ሕግን ስርዓትን ይግዛእን ፣ ይሳቐን ስለ ዘሎ፣ ኩሉ ኤርትራዊ ትጠርኒፉ ንመሰሉን ፣ ናብርኡ ናብ ንቡር ንምምላስን ክቃለስ ኣለዎ።

ብተወሳኺ ደማ ፣ ነዚ በዓል ዘንጸባርቕ መደረን ፣ ግጥምታትን ውን ካብ ህዝቢ ቀሪቡ።  እቶም ህቡባት መንእሰያት ሙዚቅኛታት ተጻወቲ “ፍቅሪ ባንድ” ድማ ነዚ በዓል ብዘንጸባርቕ ዜማታትን ባህላዊ ምዝንጋዕን ንህዝቢ ከዘናግዕዎ ውዒሎም።
መንእሰያት ድማ እዚ ቃልሲ እዚ ብዘይካ ተጠርኒፍካ ፣ ብካልእ መገዲ ክትፈትሖ ከምዘይከኣል ብምርዳእ ፣ ሎሚውን  ኣቲ ተጀሚሩ ዘሎ ተጠርኒፍካ ምስራሕን ምቅላስን ፣ ከደልድልዎን ፣ ከማዕብልዎን ማዃኖም ንህዝቢ ገሊጾም።


ናይ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ፍትሕን ማዕርነትን ቃልሲ ክዕወት እዩ
መላኺ ስርዓት ካብ ሰራውሩ ተማሕዩ ክዓኑ እዩ
ዘላአለማዊ ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ስውኣትና