እቲ ብዙሕ ዋጋ ከፊልና ዘረጋገጽናዮ ነጻነትና ለብዘበን እውን ከም ወትሩ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ናይ ዓለም ብክብ ዝበለን ምዕሩግን ኣገባብ ተባዒሉ። ወላ እኳ ኣብ ክልተ ሸነኽ ደገፍትን ተቃወምትን ኣብ ዝብል ፖለቲካዊ ኣራኣእያታት ተኸፋፍልና ናሃሉ ፡ እቲ ኣብ ሃገርና ዘለና ፍቅርስ ከምቲ ፖለቲካዊ ፍልልያትና ከምዘይኮነ ነቶም ንሉኡላውነትና ክዘርጉ ለይትን መዓልትን ከይደቀሱ ዝሰርሑ ንዘለዉ ናይ ውሽጥን ናይ ደገን ሸነኻት ግሪም ገርና ኣተምቢህናሎም ኣለና።

ንፍትሕን ቅዋማዊት ሃገርን ክትቃለስ ከለኻ ንሉኡላውነት ሃገር ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘየእቱ ምስ ዝኸውን ጥራሕ እዩ እቲ ተቃዋማይ ዕዮ ገዝኡ ኣማሊኡ ክትብሎ ትኽእል። እታ ሃገር ክቡር ዋጋ ከፍልና ዘምጻእናያ ናይ እቶም ዝገዝእዋ ዘለዉ መለኽቲ ናይ ብሕቲ ንብረት ኣይኮነትን፡ ናቶምን ናትናን ናይ ሎምን ናይ ጽባሕን ናይ ወትሩን ሃገር ኤርትራ እያ። እሞ ቃልስና ፍትሒ ንምንጋስ እምበር ሃገር ንምኽሳር ከይከውን ኣገባብ ኣካይዳና ዳግመ ርእይቶ ምግባር ከድልየና እዩ። ንምልኪ ክተልግሶ ንስኻ ካብ ናይ መላኺ ባሕሪ ነጻ ምዃን ከድልየካ እዩ። ኣታሓሳስባና ስርዓት ምቅያር ወይ ምልጋስ ወይ ምድምሳስ ኣብ ዝብል ዘኽታም ስያሳ ጥራሕ ከይተመርኮሰ ፍትሓዊት ሃገር ምንጋስን ምሕናጽን ዝብል ኣምር ክነስፍሕ ይግባእ። ነቲ ምልካዊ ስርዓት ዝማሃዞም ናይ ምርሕሓቅን ናይ ቅርሕንትን ቋንቋ ትዛረብ ካብ ኮንካ እታ ናይ ጽባሕ ኤርትራኻን እዛ ናይ ሎምን ደኣ እንታዩ ፍልልየን ?

ኣብዛ ዓለምና ሰዓራይን ተሳዓራይን ክህሉ ባሃርያዊ እዩ፡ ንስዕረት ምስ ዕንወት ውድቀት ሕመቅ ናይ ምትእስሳር ባህሪ ኣብ ሕብረተሰብና ልሙድ እዩ፡ ካብ ተሳዒረ ምባል ስዒረ ምባል እቲ ዝዓበየ ብልጫ ከምዝዋሃቦ እውን ፍሉጥ እዩ። ብኻልእ ሸነኽ ግን ተሰዒረ ምባል ወይ ብስዕረትካ ምእማን፡ ንመጻኢ ናይ ዓወት ኣፍደገ ዝኸፍት ተባዕን ልቦና ዝመልኦ መባእታዊ ዲሞክራስያዊ ባህሊ ምዃኑ ዝዘንጋዕናዮ እና ንመስል።

ኣብ ባህሪ ናይ ፖለቲካኣዊ ምሕደራ፡ ምልካውያን መራሕቲ እታ ሓሙሽተ ኣሃዝ ዝሓዘለት ተሳዒርና እትብል ድምጺ ከይድምጹ ተለኺቶም ንዕንወቶም ከምዘምርሑ ታሪኽ ዝሕብሮ ጉዳይ እዩ። ምናልባት እዚ ከምዚ ዓይነት ባህሪ ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ መላኺ ጉጅለ ዝግደፍ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ነቶም ንፍትሒ ንቃለስ ኢና ንብል እውን ዝምልከተና ዲሞራስያዊ ባህሊ እዩ።

ኣብ ሂወት ናይ ፖለቲካ ክትስዕርን ክትሳዓርን ንቡር ምዃኑ ፈሊጥካ፡ ኣብ ዝተሰዓርካሉ እዋን ተሳዒረ ኢልካ ነቲ ዝሳዓረካ፡ ስዒርካ ብምባል እምነትካ ምግላጽ እቲ ዓቢ ሚዛን ዘለዎ ናይ ዲሞክራስያ መምዘኒ እዩ። ኣብ ፖለቲካዊ ሂወት ብስዕረትካ ኣሚንካ ነቲ ዝሳዓረካ ናይ ምምራሕ ዘንጉ ብምእማን ክትክተሎ ምብቃዕ ኣገዳስን ወሳንን ናይ ዲምክራስያ ሓለገት እዩ።

ምናልባት ኣብ መጻኢ እንተ ሓገዘና እስከ ድሕሪት ምልስ ኢልና ገለ ገለ ኣብነታት ናይ ሰዓራይን ተሳዓራይን መድረኻት ኣብ ሃገራዊ ቃልስና ንመልከት። ምኽንያቱ ሰዓራይን ተሳዓራይን ክህሉ ባህርያዊ እዩ ካብ በልና፡ ኣብ ሕሉፍ ተመክሮና እውን ከም ኣብነት ክጥቀሱ ዝኽእሉ ኣይሳኣኑን። እሞ ኣብዚ ክሳብ ሎሚ ዘካየድናዮ ቃልሲ ብሰንኪ ናይ ዘይብሱል ፖለቲካዊ ባህሪ ናይ ምቅብባል ምጽውዋር ምትእምማን፡ ዝተራእዩ 2 ኣብነታት ብምጥቃስ ሓሳበይ ክዓጹ፡

1. እቲ 1981 ኣብ ውግእ ኣድሕድ ዝተሳዕረ ሸነኽ፡ ኣነ ተሳዒረ እየ ስለዚ ነቲ ዘንጊ ናይ ብረታዊ ቃልሲ ናይ ምምራሕ ነቲ ዝሳዓረኒ ይህቦ ኣሎኹ እንተ ዝብል ነሩ፡ ሎሚ እቲ ስእሊ ናይ ተቃውሞ ደምበ ካልእ ኣውንታውን ዝተቀራረበን መልክዕዶ ኣይማሃለዎን

2. 2010 ሃገራዊ ዋዕላ ኣብ ኣዋሳ ዝተጋባኣሉ እዋን እዩ ነሩ፡ እቲ ዝበዝሐ ሸነኽ ናይ ተቃውሞ ደምበ ንኺድ ጥራሕ ኣብ ዝብለሉ ዝነበረ እዋን፡ ገለ ውሑድ ሸነኽ ግን ኣይፋልኩምን ኣይንታሃወኽ ጽባሕ ከይንጽገም ሎሚ ኣጽፍፍና ንእቶ ብምባል ምሕጽንቱኡን ስክፍቱኡን ስለዘቅረበ ጸማም እዝኒ ተውሃቢዎ፡ ውጽኢቱ ድማ እቲ ዘለናዮ ኣታሃላልዋ ዝገልጾ እዩ። እሞ ኣብዚ እንተኾነ እውን እቲ ኣነ ዝተኸተልክዎ መስሪሕ ኣይሰርሐን ጌጋ እዩ ነሩ ብምባል፡ ነቲ ከስርሕን ከዕውትን ዝኽእል መንገዲ ሒዙ ንዘሎ ሸነኽ ብዕግበት ተሳዒረ ኢልካ ክትገድፈሉ ከለኻ፡ ዓቢ ኣብነት ንዲምክራስያዊ ህንጸት ኮንካ ብምብጃውካ፡ ንስኻ እውን ኣካል ናይቶም ዝሳዓሩ ክምዝገብረካ ርግጽ እዩ። ነዚ መስሪሕ እዚ ምስ ንክተል ጥራሕ ኢና እምባኣር ኣብ ዝሓሰብናዮ ዕላማ ክንበጽሕ ንኽእል።

ኤርትራ ሃርና ትባረኽ

 

 ንኹሉ ወጽዓ ንምምሓውን ፍትሒ ንምንጋስን ዝቃለስ ኤርትራዊ ብዘይ-ሓደ ጎደል ዝምልከት እዋናዊ ጉዳይ፦ ኩልኹም ብዝተፈላለየ ማዕከናት ዜናን፣ ማሕበራዊ መድያን ክትሰምዕዎ ከምዝጸናሕኩምን ዘለኹምን፣ ህዝብና ካብቲ ኣራዊታዊ ስርዓት ህግድፍ  ህይወቱ ንምድሓን ፣ነቲ ካብ መቕዘፍቲ ተኲስካ -ቅተል ዝብል   ጭከና ህግድፍ ድሕሪ  ምምላጥ፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ዘጋጥምዎ ናይ ህይወትን ሰብኣዊ ክብርን  ሓደጋታት ኣዝዮም ብዙሓትን ካብ ነንሕድሕዶም ዝኽፍኡ ኣስካሕካሕትን ምኳኖም ንሕና ዘይኮነስ  ዳርጋ ንምሉእ ዓለም ዘስደመ  ፍጻሜታት ንዕዘበሉ ዘለና መዋእል ስለዝኾነ ምዝርዛሮም ዘድሊ ኣይመስለንን።

ነዚ ኹሉ ጠንቂ ስርዓት ህግድፍ ምኻኑ'ውን ፣ኣብ መወዳእታ ናይ ዝሓለፈ ውርሒ ብፍሉይ  ንጉዳይ ሽግር ህዝብና ንምምርማር  ዝተጋብአ ፣ኮምሽን ገበን ጸረ ሰብኣውነት ሓቅነቱ ድሕሪ ምርግጋጽ፣ ምስ 'ቲ ሓፈሻዊ መምርሒታት  ኣህጉራዊ ሕጊ ከም ዝማማዕ  ድሕሪ ምምዛን፣ብርግጽ ገበን ከምዝተፈጸመ ጥራይ ዘይኮነ፡ክሳብ ብስሩዕ ኣገባብ ካብ ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንት ናብ ኩሎም ኣካላት ብዝዝርጋሕ  ኣገባብን ሜላን ምኳኑ እኹል ስነዳት ድሕሪ ምእካብ፣ ኣስማት ፈጸምቱ ብዝርዝር ብዕሹግ ቡስጣ ናብቲ ዝለዓለ ብይን ዝህብ ኣካል ስለዘመሓላለፎ፣ ብዛዕባ ገበናት ተፈጺሞምዶ ኣይተፈጸሙን ብምባል ንካታዓሉ ግዜ ሓሊፉ ጥራይ ዘይኮነስ ብሕጂ ክውሰኽ ዝኽእል ፍጻሜታት ነውርን ገበንን እንተዘይኮይኑ ክጎድልን ክመሓየሽን ዝኽእል ነገር ከምዘየለ ተረጋጊጹ እዩ።

ሱዳን ኣካል ናይቲ መገብኣያ  ብምኳን ዝተዓዘበቶን፡ ብምሉእ  ድምጺ (100%) ተሰማሚዑ ናብቲ  ዝለዓለ ዝምልከቶ ክፍሊ ሕቡራት መንግስታትን ኣካላቱን ንውሳኔ ኣሕሊፍዎን እናተዓዘበ'ድኣ፡ ስለምንታዩ፡ መንግስቲ ሱዳን ብስሩዕ ኣገባብ ነቲ ገበን  ንቦታ ወታሃደራት ህግድፍ ብምትካእ ፡ነቶም ናይ ድሕነቶምን ሰብኣዊ ክብሮምን ሕጋዊ ተሓታቲ ክኸውን ዝግበኦ ወገናትና ፣ነቲ ዓለም ዝወገዞ ተግባራት ክንዲ ዝማሃረሉ ፡ ኣብ ቦታ ስርዓት ኢሳያስ ተመሊሱ ዳግማይ ከተግብሮ መሪጹ? ኢሳያስ ክፈትዎሉ ደኾን ይኸውን ወይስ ኤርትራውያን ዝዘርየሎምን ዘእውየሎምን የለን ብዝብል። ወይስ እተን ብስም ህዝቢ ክዛረባ ዝኽእላ ገለ ፖለቲካዊ ውድባት'ውን እንተኾነ፣ ኣብ ርእሲ'ቲ ዝጸንሐን ተራ ዘይብሉ ህላዌአን ደንዲንወን እዩ።

እንባኣርከስ  ከም ህዝብን ደለይቲ ፍትሕን መጠን ፣ዓቕምናን ሕልናናን ልዕሊ'ቲ ኩሎም መለኽትን ገበነኛታትን ዝውንንዎ ዓቕሚ ብረትን ቁጽሪ ወታሃደራትን ክኸውን ከምዝኽእል ኣብ ካልእ ከይከድና ካብዚ ኣብ ጀነቫ ዝቐነየ ሓይሊ ህዝባዊ ማዕበል ኣይካኣለን'ዩ ክትብል ይገብረካ።  እቲ ናይ ነውርን ገበንን ግምታቶም ብዘየገድስ ግን ፣ፖለቲካዊ ውድባት ዲፕሎማስያዊ ጥንቃቐን ዕቃቤታትን ክገብሩ ክንካታዕ ዘይኮነ፡ እዞም ብስሩዕን መንግስታዊ ደረጃን ምስ ሓይልታት ስለያ ህግድፍ ብምውህሃድ፣ ነቲ በብቑሩብ ካብተን ኣብ ጥቓ ዶብ ዝርከባ መደበር ስደተኛታትን ከተማታትን ዝጀመርዎ ምትሕብባር ጭውያን ስለያን ህግድፍ፣ ኣብ ግሉጽን እዉጅን ብሓይልን ብጅምላዊ ግፋን ክሳብ  ካርቱም በጺሑ፣ ድሮ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብኣስገዳድን ግፋን ፣ክቕተሉ ከምዝኽእሉ እናፈለጠን ኮነ ኢሉን ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ኣብ መላእ ኤርትራ ዝግበር ግፍዒ ፡ኣብ መላእ ሱዳን ይትግብሮ ስለዘሎ ! ንሕና ከም ደለይቲ ፍትሕን ህዝብን መጠን ፣ካብ ሰማዕትን መውረይቲ ሕሰምን ህዝብና ካብ ምዃን ወጺና ፣ብኸመይ ዋልታን ድርዕን ህዝብና ኮይና ንምክቶን ነፍሽሎን ግዴታን ሓላፍነትን ኣለና። 

ኣብዚ ከይጠቐስኩዎ ክሓልፍ ዘይደሊ'ውን ፣ ኣብዚ ዓለም ብጉዳይ ጸገም ህዝብና  ተጋቢእሉ ዝቐነየ ገበናት ጸረ ሰብኣውነት ፣ወኪል መንግስቲ ሱዳን ባዕለይ ብዓረብ ክዛረብ ከምዝሰማዕኩዎ፣ ዋላ'ውን እቶም ዝርካቦም  ምስ ስርዓት ኢሳያስ ክደናገጹ ዝፈተኑ ነቲ"ናይ 1997 ቅዋም ንኽትግበር "ክጽውዑ እንከለዉ ፣ ከይሓፈረ ዝበሎ "መንግስቲ ኤርትራ  ሓድሽ ሕጊ ይነድፍ ስለዘሎ ነቲ ሓድሽ ሕጊ ነዲፉ ናብ ህዝቢ ከቕርቦ  ዕድል ይዋሃቦ" ክብልየ ሰሚዐዮን። ስለዚ ስርዓት ሰዳን ፖለቲካዊ ደጋፊ ኢሳያስ ጥራይ ዘይኮነስ ፣ኣብ ስሩዕ ምጽናት ህዝብና ጥርጡር ፣ካብ ኣህጉራዊ ሕጊ ኮነ ሰብኣዊ ርህራሄ ወጻኢ ብዝኾነ ድማ ክቕተሉ ምኻኖም እናፈለጠ ፣ነቶም ካብ ቤት ማእሰርትታትን በረኻታትን ኤርትራ ንኸምልጡ ሓለዋ ኢሳያስ ዘይካኣሎም፣ ብግፋን ቃጻን መልክዕ ንህግድፍ ከረክቦም እንከሎ ፣ክሳብ በቶም ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኮነ ናይ ሕጊ ሰብ ሞያ ፣ከም ኣካል ዶብ ሰገር ገበንን ጸረ ሰብኣውነትን ብኣህጉራዊ ሕጊ ክሲ ንምቕራብ ከይተረፈ ክትድህስስዎ ዘለኩም ጉዳይ  ኮይኑ ይስማዓኒ። ንግዚኡ ግን ኣብቲ ቀንዲ ብዘይ ውዓል-ሕደር  ክንገሮ ይግባኣና'ዩ ኢለ ዘተኮርኩሉ ነጥብታት ብምድሃብ ነዞም ዝስዕቡ ሓሳባት ከካፍለኩም ይፈቱ።

1--ብስም ህዝቢ ኤርትራ መንግስቲ ሱዳን ብስሩዕ ኣብ ልዕሊ ወገናትና ዝገብሮ ዘሎ ናይ ታሪኽን ሕግን ግህሰትን ነውርን ፣ናብ ዝምልከቶ ኣህጉራዊ ትካል ክስን ስምዕታን ምቕራብ። 

2- ብኡ መልክዕ ናብ ኩሎም ዝምልከቶም ዞባውን ኣህጉራውን ዓንኬላት ዲፕሎማስን ሰብኣዊ መሰላትን መዘክር ምቕራብን ፣ብስኑድ ህዝባዊ ደገፍ*( petition) ምስናዩን።

3- ንኣብከባቢና ዝርከቡ ሱዳናውያን ሚሲዮናት ዲፕሎማሲ ካብ ብውልቀ ሰብ  ደረጃ ክሳብ ብኮሚኒቲ፣ ብንጹር ምሕባርን ምጥንቃቕን። ክሳብ ሰላማዊ ሰልፍታት’ውን ምክያድ።

እዚ ተግባራት ምክያድ ግዜ ዘይህብን ንጽባሕ ዘይበሃሎን ጉዳይ ኩላትና  ደላይቲ ፍትሒ ኮይኑ፣ ብዘይካቲ እቲ ፍቱንን ኣድማዕን ናብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት  ዝጣበቕን ናይ ሕግን ፖለቲካን ሰብሞያ ክገብርዎ ዝግበኦም ፣ከም ህዝቢ በብዞባና ሽማግለታት ብምምዛዝ ክንብገስ ከምዘለና፡ ከም ኣካል  ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ዕማማት ህዝባዊ ውክልና ንፍትሕን ሰላምን ክንርእዮ ዘለና መድረኻዊ ኣካል ቃልስና ኮይኑ  ይስማዓኒ!!!.

ኣብዚ ዘለናዮ መዋእል ንስለ ንሓውኻን ሓብትኻን ዘይኮነስ ፣ካብ ንሓፈሻዊ ክብርታት ሰብኣዊ መሰል ክሳብ ኣኽላባትን ደማሙን'ውን መሰሎምን ክብሮምን ከይጋሃስ ዝጣበቑ ሰባትን ማሕበራትን እናርኣና ፣ንመሰልን ክብርን ህዝብና ንምውሓስ ዘየማትእ ተበግሶ ብምውሳድ፣ ታሪኽ ክንሰርሕ ወገናትና ይጽውዑና ኣለዉ!!! ጉዳይ ብዙሓት ንውሑዳት ክንዲ ንገድፎ ንሳተፎ ! 

ንፍትሒ ዝጣበቕን ዝቃለስን ወትሩ ክቡር !

ገበነኛን ተዓዛቢ ገበንን ድማ ውትሩ ሕሱር !

ተስፋልደት ኣብርሃ።

15 ሓምለ 2016

ዝኾነ ሰብ ንሃገሩ ስለ ዘፍቅር ከምታ ልዕሊ ኩሉ እትኽበር ኣዲኡ “ወላዲ ሃገራይ” ይብላ። ኤርትራ ድማ ካብዚ ንላዕሊ ከም ኣደ ጥራይ ዘይኮነ ከም ብሌን ዓይኒ ነፍሲ ወከፍ ዜጋኣ ክትፍቀር፡ ክትክበርን ክትሕሎን ናይ ግድን እዩ። ምኽንያቱ ቀሊል እዩ። ኤርትራ ንዓና ብኤውሮጳውያን ዝተኸለለት እሞ ደሓር ኤውሮጳውያን ገዛእቲ ምስ ተሳዕሩ ብቐሊሉ ዝተረከብናያ ናጻ ህያብ ዘይኮነስ፡ ኣዝዩ ነዊሕ ግዜን ክቡር ዋጋን ዝተኸፍላ ስለ ዝኾነት። ኤርትራ ሃገራዊ ግርማን ክብርን ዘልብሳ ኣዝዩ ብዙሕ ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ፡ ተመራጺ ኣቀማጣን ጻዕራምን ጸዋርን. ህዝቢ’ውን ዘለዋ መኮአኛን ዕድለኛን ሃገር እያ።

ኤርትራውያን “ናትና እንብላ፡ ኣፍና መሊእ እንዛረበላን ኣራጢጥና እንረግጸላን ሃገር ክንውንን ብዙሕ ጽዒርናን ተሰዊእናን። ድኻምናን ክሳራናን ከኣ ብዘይ ዋጋ ኣይተረፈን። ልኡላዊት ሃገር ወኒንና። ኣብይ’ዩ ሃገርካ? ክንበሃል እንከለና ኣፍና መሊእና “ኤርትራ” ንምባል በቒዕና። እዚ ኣንጸባራቒ ውጽኢት ቃልስና ኮይኑ፡ ናይ መወዳእታ ሽቶና ከም ዘይኮነ ግና ደጋጊምና ገሊጽናዮ ኢና። እቲ ዝጐደለ፡ ክብሪ ሃገር ሓልዩ፡ ንህዝቢ ኣሰሊፉ፡ ፍትሕን ርትዕን ኣንጊሱ ህዝቢ ናይ ሃገሩ ጸጋን ክብርን ተጠቃሚ ከም ዝኸውን ዝገብር መንግስታዊ ምምሕዳር ኣየጥረናን። እቲ ናይ ሕጂ ቀንዲ ዕዮ ገዛና ከኣ ነዚ በዂሩና ዘሎ ሃጓፍ ምምላእ እዩ። እቲ ንህልዊ ኩነታት ቃልስና ዝያዳ መሪርን ዝተሓላለኸን ገይርዎ ዘሎ ከኣ እቶም ኤርትራ ከም ሃገር ክትዕቀብ ዝበሃግናን ሓደ ኣካላ ኮይና ዝተቓለስናን፡ ኤርትራ ናይ ኩሎም ኤርትራውያንን ፍትሓዊትን ንክትከውን ኣብ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ግና ኣብ ሓደ መስመር ዘይምህላውና እዩ።

ገሌና ኤርትራ ከም ሃገር ልኡላዊትን ንዘለኣለም ነባሪትን እያ። እቲ ዝመርሓ ስርዓት ከም ህግደፍ ዝኣመሰለ ዘይትብህጎ ክኸውን እንከሎ ግና ክቕየርን ክውገድን ናይ ግድን እዩ ንብል። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ ስርዓታት ብውሽጢ ማዕረ ባህጊ ህዝቦም  ኮይኖም ኣብ ዘይተረኽብሉ ህሞትን ብግዳም ብዝረኣ ሓፈሻዊ ምዕባለን ዝቕየሩ እምበር ከምዚ ጉጅለ ህግደፍ ከም ቁርዲድ ተላሒግዎ ዘሎ፡ ነበርቲ ኣይኮኑ ዝብል እምነት’ውን ኣለና። ውሑዳት ጉጅለ ህግደፍ ዝቐላሲኦም ኤርትራውያን ብኣንጻሩ “ኤርትራ ብመለኮታዊ ሓይሊ ንህግደፍ ዝተዋህበት እያ” ብዘስምዕ መልክዑ ካብ ህግደፍ ዝተፈልየ ህልውና የብላን። ንሱ ተዘየለ ንሳ እታ ብመስዋእቲ ብዙሓት ኤርትራውያን ጀጋኑ ዝመጸት ኤርትራ ይትህሉን እያ፡ ክሳብ ምባል ይሻድኑ። ስለዚ ካብ ህግደፍ ዝሓሸ ስርዓትን ምምሕዳርን ክንረክብ ኢና ኢልኩም ነዛ ሃገር ከይተጥፍእዋ እንዳበሉ የፈራርሑና እሞ “ንሕና ንሳ ንሳ ድማ ንሕና” ብዝብል ጉልባቡ ዝቐለዐ ቅጥፈት ይድምድሙ። እዚ ኤርትራሲ ናይ ኩሎም ደቃ ዘይኮነስ ናይ ውሱን ጉጅለ እያ እዩ ትርጉሙ። ኣብ ልዕልናን ወሳንነትን ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎም ግጉይ መደምደምታ’ውን ካብዚ ዝፍለ ኣይኮነን።

ብናተይ እምንቶ ናይዚ ሕጂ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዶብ ሰጊሩ ንዓለም ዘገረመ ጸገማት፡ ጠንቂ ሓደን ሓደን እቲ ሓላፋይ ግና ክሳብ ዝሓልፍ ህዝቢ ዘሕልፍ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ጥራይ እዩ። ስርዓት ህግደፍ ተወጊዱ፡ ካብኡ ብመሰረቱን ብባህሪኡን ዝፍለ ኣብዘሓ ዝኣምን፡ ልዕልናን ወሳንነትን ህዝቢ ዝቕበል፡ ኮታ ህዝቢ ናተይ ብዝብሎ ሕገመንግስቲ ተቐይዱ ዝመርሕ መንግስቲ ኣብ ዝሃለወሉ ኩሉ ጸገማት ኤርትራን ህዝባን ክፍታሕ እዩ። እቲ ሓቂ እዚ እንዳሃለወ ገለገለ ወገናት ነቲ ሓቀኛ ምኽንያት ንጐድኒ ገዲፎም፡ ንናጽነትናን ልኡላውነትናን ብጐቦ ዓይኖም እንዳጠመቱ፡ ኤርትራ ከም ብቑጠባ’ውን ነብሳ  ዘይትኽእል ኣምሲሎም ዘቕርቡ እሞ ካልእ ዘይቅዱስ መድሃኒት ክእዙላ ዝደናደኑ ወገናት ንዕዘብ ኢና። ኣብቲ ሓቂ ንምምጻእ ግና ኤርትራ ዳርጋ ኣብ መብዛሕትአን ዝማዕበላ ሃገራት ዘሎ ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ ኣለዋ። ንህዝባ ዝቕልብ እኽሊ ከፍሪ ዝኽእል ልሙዕ መሬት ሕርሻ ኣለዋ። ጻዕራምን ብጽፍሩ ዝነብርን ህዝቢ’ውን ኣለዋ። ብዓይኒ ንግዲ እውን ቀይሕ ባሕራ ዝተዓጥቀት ብዘይምግናን ምችእትን ተበሃጊትን እያ። ድሕሪ እዚ ምውናን እቲ “ብቑጠባ’ውን ነብሳ ኣይትኽእልን እያ” ዝብል ምስምስ እንታይ ኣምጸኦ።

ኣብ ሓደ ቦታ “ምኽርን መግብን ካብ ገዛ፡ ክኸውን እንከሎ ይምረጽ” ዝብል ቁምነገ ኣንቢበ ኣለኹ። እስኪ ነዚ ምስላ ናብ ህልዊ ኩነታትና ነምጸኣዮ። እቶም ብርሑቕ ኮይኖም ብዛዕባ ኤርትራ ዝወራዘዩ፡ ካብ ዘይምፍላጥ ወይ ሕቡእ ኣጀንዳ ካብ ምሓዝ ዝብገሱ ንግደፎም፡ ግና ንተዓዘቦም። ንሕና ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን እስከ ነናትና ስራሕ ንስራሕ። ቀንዲ ጠንቂ ጸገምና ግጉይ ኣተሓሕዛ ጉጅለ ህግደፍ ጥራይ ምዃኑ ብግቡእ ነስተማቕሮ። እቲ ዝድህሰስ ሓቂ’ውን ንሱ እዩ። ነዚ ጉጅለ ኣወጊድና ኣብ ክንዳኡ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ክሳብ ዝተኸልና መሰረታዊ ጸገምና ከም ዝፍታሕ ከኣ ብፍርቂ ዘይኮነስ ብምሉእ ልብና ንእመን። ንእምነትና ድማ ኣብ ባይታ ብግብሪ ነርእዮ። ድሕሪ እዚ ኤርትራ ብኸምዚ ሕጂ ዘላቶ ቃንዛን እህህን ዘይኮነስ፡ ሃብታም ቅስንትን ኩሉ መሰል ህዝባ ዝተሓለወላን ሃገር ኮይና ክትነብር እያ።

ብቀዳምነት ንሚስተር ማይክ ስሚዝን (Mr. Mike Smith) ብጾቱን ምስጋና ይብጻሓዮም፣ ምእንቲ ምንታይ፣ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ካብ 1991 ጀሚሩ ብጉጅለ ህግደፍ  ዝወርድ ዘሎ ግፍዒ፡ ማእሰርቲ፡ ሞት፡ ስርቅን ፣ዓመጽን ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ፣ .. ወዘተ፣ ንሕብረተሰብ ዓለም ኣውያት  ህዝብና  ከስምዑልና ብምብቅዖም፣ የወሃና ክብል እፈቱ። ጉጅለ ህግደፍ  ኣብ ልዕሊ ዜጋታቱ ብዝፍጽሞ ዘሎ ገበን ኣብ ቅድሚ ፍርዲ ክቐርብ ኣለዎ ዝብል ውሳኔ፣ ንደገፍቲ እቲ ጉጅለ ከም ዓወት ኮይኑ ክርኣዮም እንተ ኾይኑ  ከገርመና የብሉን።

      ውድብ ሕ/ሃ ጉጅለ ህግደፍ ብገበናት ኣንጻር ወዲ ሰብ ክኽሰስ ምውሳኑ ንሕዝቢ ኤርትራ ሓደ እፎይታ ኮይኑ፣ ቀጻልን ዕቱብን ምክትታል ናይ ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ከድልዮ እዩ። ኣብዚ ግዜ እዚ ክንዛነ ዘይኮነ ክንሰልጥ ዘገድደና ሰዓት እዩ። እዚ ውሳኔ ው/ሕ/ ሃ/ ኣብ ወጻኢ ጥራሕ ዘይኮነ፣ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ እውን ነቶም ምእንቲ ናጽነትን ፍትሕን  ዝተሰውኡ ናይ ሰላም መቓልሕ ኣብ ኣእዛኖም ይድወለሎም ኣሎ። እቲ ተበዲሉ እንከሎ ፍትሒ ክረክብ ዘይከኣለ ህዝቢ ኤርትራ፣ ኣብ ልዕሊኡ  እተፈጸሙ ገበናት ከም ውሁብ ገይሩ ን25 ዓመታት ክሳቐ ዝጸንሐ ኤርትራዊ ሎሚ እቲ ገበነኛ ጉጅለ ዕርቓኑ ዝወጸሉ ሰዓት ተበጺሑን ተጋሂዱን ኣሎ።

      “መን ተዓዊቱ ኣብ ጄኔቫ?” ዝብል ሕቶ ከም ሕቶ ክመጽእ እውን የብሉን። ብፍላይ ካብ ሓደ ፈታው ህዝበይን ሃገረይን እየ ዝብል ዜጋ። ምቅዋም እንተ ኾይኑ ብመትከልን ብትርን ብዘየዳግም፣ ምቅዋም ይግባእ ። በዚ ሎሚ ታሪኽ ጉጅለ ህግደፍ ዘይተረደአ ዜጋ እንተሎ ኣብ ካልእ ፕላኔት ዝነብር ከኸውን ኣለዎ። እዚ ጉጅለ እዚ ብተግባር ናይ መግዛእቲ መቐጸልታ ስለ ዝኾነ፣ ኣጥፊኡ ክጠፍእ ዝተዓጥቀ እዩ።

      እቶም ካብ ነዊሕ ግዜ ናይዚ ጉጅለ  ናይ ምልኪ ባህርያት ዝተረድኡ ዜጋታት ኣብ ምቅዋሙ ድምጾም እናኣስምዑ ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ። እዚ ጥራሕ ዘይኮነ ንግፍዕታትን ዓመጽን ናይዚ ጉጅለ ንሕብተረሰብ ዓለም ንምግላጽ ኣብ ጎደናታት ዓበይቲ ሃገራት ከይተሓለሉ ብቱሑት ቁጽሪ ዝንቀሳቀሱ ዝነበሩ  ዜጋታት ሎሚ ውዕሎ ጄኔቫ ንፍትሓውነት ዘበገስዎ ዕላማ ናይ ግድን ክዕወት ምዃኑ ብዘይ ጥርጥር ኣራጋጊጹዎ እዩ ።

 ህግደፍ ባዕሉ ዘጽደቖ ቅዋም ዘየተግበረ ለውጢ ክገበር ኢልኩም እትጽበዩ፣ ህበይ ናብ ሰብ ክትቅየር እልኩም ምጽባይ ይቐለኩም። ቅዋም ማለት፣ እቶም ሰለስተ መንግስታዊ  ኣካላት፣ ፈጻሚ፣ ሓጋግን፣ ፈራድን  ስርሖም ክፍጽሙ ኣብ ዝብገሱሉ፣ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጎደናታት ጀኔቫ ፍትሒ ከናዲ ድምጹ ከስምዕ ዝጐድሎ ምኽንያት የለን። እንተኾን ጉጅለ ህግደፍ ቅዋም ከተግብር እንተኾይኑ፣ ናይ ሞት ፍርዲ ብይን ኣብ ገዛእ ርእሱ ምፍራድ ስለ ዝኾነ፣ ካብዚ ሕጂ ዘሎ ኩነታት ባርነት ዝቕይሮ የለን። ስለዚ ጉጅለ ህግደፍ ክሳብ መወዳእታ ስልጣኑ  ኢሰብኣዊ ገበናት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ክፍጽም እዩ ።

ጉጅለ ህግደፍ ጸረ ባህልን ስነ ስርዓትን ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ኣበው “ስጋ እንተ ወደቐት፣ ሓመድ ሒዛ ትትንስእ” ክብሉ እንከው፣ ኣብ መንጎ ብሄራትን ስድራቤታትን ዘሎ ዝምድናታት ወለድና ክብረት ይህቡዎ ከም ዝነበሩ ዘመልክት እዩ ። በዚ መሰረት ከኣ ሕማቕ ነገር ካብ ምግበር ይቑጠቡ ነይሮም። ጉጅለ ህግድፍ ግን ሱሩ እተበትከ፣ ሓልዮት እትብል  ቓል ከኣ ኣብ ኣእምሮኡ ቦታ የብላን። ስለዚ ከኣ እዩ ንህዝቢ ኤርትራ ንምጽናት ዲግዲጊት ተዓጢቑ ዘሎ ።

ጉጅለ ህግደፍን ሰዓብቱን በኸመይ ኣጋባብ ደኣ እዮም፣ ኣብ ጀኔቫ ማዕረ ደለይቲ ፍትሒ ተራእዮም፣ መን ሲዒሩን ተሳዒሩን ዝብሃል። ብደለይቲ ፍትሒ ኤርትራ ልዑላዊት ሃገር እያ። ብጉጅለ ህግደፍ ግን ኣይኮነትን። ምኽንያቱ ነቶም ገዛእቲ መንግስታቶም ኣጥባት ኣደታትና ዝቆርጹ ዝነበሩ፣ ዓድታትና ዘቃጽሉ ዝነበሩ ድሕሪ መሪር መስዋእትነት ዘባረርናዮም፣ ኣንደገና  ምእንትኡ ወረቀት ጥርዓን ኣንጻር ው/ሕ/ሃ ክመልኡን ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ክስለፉሉን ዝገበረ ጉጅለ ብኸመይ ደኣ እዩ፣ ተሓላቒ ናይ ልዑላውነት ኤርትራ ዝኸውን? ህግደፍ ልዑላዊ መሬተይ ተወሲዱ ክብል እንከሎ፣ ከም ርዱእ ንመንግስትን ህዝብን ኢትዮጵያ ዝኸስስ ዘሎ ይመስል። እንተኾነ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ ልዑላውነት ሕቶ ወይ ናይ ዶብ ሕቶ የብሉን። ህግደፍ ንኢትዮጵያውያን ከም ናቱ ዜጋታት ገይሩ እዩ ዝርድኦ ። ስለዚ ቀጻልነት ናይዚ ዝካየድ ዘሎ ኩናት ምስ ቅልውላው ወይ ምድውዋስ መንነት ናይዚ ጉጅለ ዝተሓሓዘ እምበር፣ ህዝቢ ኤርትራ ሃገሩ ናጻ ድሕሪ ምውጻኣ ኲናት ኣንጻር ኢትዮጵያ ብሕልሚ እውን ኣይምተራእዮን። ከም ኤርትራውያን ጸላኢና  መን ምዃኑ ብግቡእ ክንፈልጥ እንከሎና ጥራሕ ኢና ክንዕወት እንኽእል። ስለዚ ጉጅለ ህግደፍ እቲ ቀዳማይ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ክነስምረሉ ይግባእ።

      ለውጢ ካብ ውሽጢ ኤርትራ ክመጽእ ምዃኑ ዕግበት ጥራሕ ዘይኮነ፣ ክውን ንምግባሩ ብኹሉ ዓቕምታትና ውፉያት ክንከውን ክንጽዕት ኣሎና። ነዚ ጉጅለ’ዚ ከባርርዎ ትጽቢት ዝግበረሎም፣ እቶም ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝቃለሱ ዘለው  ደለይቲ ፍትሒ ምዃኖም ዘተሓትት ኣይኮነን። ካብ ጎረባብቲ  ሃገራት እንጽበዮ ሞራላውን ንዋታውን ድጋፍ ክኽውን ይግባእ። ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ክጠፍእ ዘይክእል ሓዊ ክይንጽመድ ክንጥንቀቕ ኣሎና። ውዕሎ ጄነቫ ነዞም ኣብ ኤርትራ ዘለው ደለይቲ ለውጢ ወገናትና ሓያል ሞራላዊ ድገፍ እዩ።

 ድሕሪ ውዕሎ ጄነቫ ዝድለ ዘሎ ጹጹይ መጽናዕቲ ንሓያል ውደባ እዩ። ብዘይ ውደባ ክዕወት ዝደሊ ሓይሊ ዕድሜኡ ሓጺር እዩ። ኣብ ጅነቫ ዝተኣከበ ደላይ ፍትሒ፣ “ህዝበይን ሃገረይን ከድሕን” ብዝብል ጭርሖ ስለዝኾነ፣ ሕጂ እውን ኣብ ክሊ እዚ ጭርሖ እቲ ውደባ ክቕጽል ኣለዎ። እቶም ኣብ ትሕቲ ሃገራውነት ዝስርዑ፣ ከም ጉዳይ ሃይማኖት፣ ብሔር፣ ቋንቋ፣ ዝኣመሰሉ፣ ኣብ ዲሞክራሲያዊት ኤርትራ ክዝረበሎም ክጸንሑ ኣሎዎም ።

      ሓዲሽ ውደባ ነቲ ዝጸንሔ ምንቅስቓሳትን፣ ነዚ ሕጂ ዝምዕብል ዘሎ ሓይሊ መንእስይን ከወሃህድ ክበቅዕ ኣለዎ። እቲ ነባር  ምኽሪ ክህብ እንከሎ፣ እቲ ዝነኣሰ ከኣ ምኽሪ ክቕበል እንተኾይኑ ስጡምን ነባርን መሰረት ውደባ ክፍጠር ይኽእል። ናይ ክሳብ ሕጂ ተመክሮና ምእካብን ምፍንጣሕን እዩ። እዚ ዘርእዮ ዘይምርድዳእ ኣብ ሕቶ ስልጣን እዩ። ሕቶ ስልጣን ኣብ ስደት እንከሎና ዝፍታሕ ኣይኮነን። እቶም ኣብዚ ግዜ እዚ  ስልጣን እንምነ፣ ከም ህግደፍ ስርዓተ ምልኪ ክነንግስ እንደሊ ሰባት ክይንኽውን የስግእ። ምኽንያቱ ዲሞክራሲያዊት ኤርትራ ክንርኢ ክንክተሎ  ዝግበኣና መስርሕ ህዝባዊ ምርጫ እዩ፣ እምበኣር  ህዝባዊ ባይቶእዊ ምርጫታት ተገይሮም እቶም እተመርጹ ሃገር ክመርሑ ሓላፍነት ክወስዱ ምዃኖም ተረዶኦና እንተኾይኑ፣ እዚ ኣብ ዝኾነ ጉባኤታትና ዝርአ ኣባላትካ ብብዝሒ ክምረጹልካ ሃነፍነፍ ምባል ነቲ መሪሓ ናብ ዲሞክራሲያዊት ኤርትራ ዝወስደና መንገዲ ብግቡእ ዘይምርዳእ፣ ወይ ከኣ ኮነ ኢልካ ዝግበር ዘይሓላፍነታዊ ተግባር እዩ።

      ኣብ ወጻኢ ባይቶ ሰሪዕካን ተወዳድብካን ኣስመራ ኮፍ ንምባል ዝሕስብ፣ ካሳብ ሎሚ ውጺኢት ኣልቦ ስለዝኾነ ነዚ ሓሳብ ዳግመ ርኢይቶ ክገበረሉ ኣሎዎ። ባይቶ ዳግም ክንሰርሖ ኢና ምባል ኮንቱ ግዜኻ ምብኻን እዩ። ኣባላት ባይቶን መሪሓቶምን ነታ ኣብ መንጎኦም እተፈጥረት ርእይቶ ውድብ ደምሓኩኤ ብጉዳይ ስውእ ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተ እተበገሰት ብዲምክራሲያዊ መንግዲ ክፍትሑ ከይከኣሉ፤ ክንደይ ዓመት ሓሊፉ? ምናልባት  4 ዓመታት። እዚ ካብ ኮነ ነቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቓ ዘሎ ጂኦ-ፖለቲካዊ ቅልውላው ክፈትሑ ዘኽእል ዲፕሎማሲያዊ ዓቕሚ የብሎምን። እቶም ገዳይም ተቓለስቲ ብዕግበት ስልጣን ነቶም ብቕዓት ዘለዎም መንእሰያት ከረክቡ ከሎ ጋና መስርሕ ክጅምሩ ኣሎዎም ።

 ግዜኡ ግዜ ለውጢ እዩ!

ዝኽሪ ንስውእትና

 

     

     

   

      

ዕድሜስ አይምህርንዶ? ነጸላ ጻዕዶ ወራዙት!!!

ዕድሜ ብርግጽ ጸጋ ካብ ፈጣሪ እዩ፣ ብዕድሜኦምን ብተሞክሮኦምን ዘይማሃሩ፣ ንሓቅን ሓሶትን ዘየገናዝቡ፣ ዝአጎድዎ ሓዊ ምስሓን ልምዲ ዘይብሎምን ኮብለልቲ ነጸላ ጻዕዶ ወራዙት  ዘረባ ጥራሕ ግን መርገም እዩ ። ነዚ እዩ  ኣቦታትና ፡ ክሳብ ሰብ ዝጸልአካ ዕድሜ ኣይሃብካ ዝብልዎ።

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ዉልቕ መላኺ፤ ብዕዉር ትምክሕቲ ዝሰኸረ፤ ከምዕቡድ ከልቢ ንኹሉ ዝነክስ ኣማንን ፈታዉን ዘይብሉ፣360 ዲግሪ ምስ ዝጎራበቱና ሃገራት ብሓዊ ክጻወት ዘይሓንኽ፣ ነቲ ሰራሕ ታሪኽ ዝኾነ ተቃላሳይ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ፍሬ ጻማ መስዋእቲ ቀያሕትን ጸለምትን ደቁ ብሰላምን ቅሳነትን ከይነብር፤ ንንቡር መርድእን ናይ ዉላዱ ሞት ቅባጸት ዘይረኽበሉ ኣደራዕ ንኽስከምን ወግሐ ጸብሐ ንሓዘን ንኽቃላዕ ዝገበረ፤ ኣብ ዘለናዮ ዘመን ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ብዘለዎ ጭካኔ መዋዳድርቲ ዘይርከቦ፣ ኤርትራዊት ማህጸን ጀጋኑን ሰራሕቲ ታሪኽን ከምዘይወለደት ወላድ መኻን ዝገበረ፣ ኣፍራይ ሓይሊ ወዲ ሃገር ብፍላይ መንእሰያት ሃገር ዘይትርገጽ ርስንቲ ሞቅሎ ኮይናቶም ሃጽ ኢሎም ክስደዱን ኣብ ሰሃራ ቀለብ ኣሞራ፡ ኣብ ቐላያት ማእከላይ ባሕሪ ንቀለብ ዓሳ ክሳጥሑ ዝገበረ፣ ብሓፈሸኡ ጠንቂ ብርሰትን ህልቂትን ብምኻን ዝልለ፣ ሰብአውነት ዘይብሉ ዓማጽን ደረቐኛ ስርዓት ምኻኑ ብትካል ሰብአዊ መሰል ዓለምና ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ገበን ብምፍጻም ዝሕተተሉ እዋን፣ ጥዑይ ሕልናን ፍትወት ሃገርን ህዝብን ዘለዎ ኤርትራዊ ዜጋ ክስሕቶ ወይ ክፈላለየሉ ክትርኢ እትጽበዮ አይኮነን።

ከም በዓል መስከረም ኔትን ዝአጎድዎ መጋርያ ምስሓን ልምዲ ዘይብሎም ኮብለልትን፤ ነዚ ዘሎ ጸገም፡ ሕሰምን ኣደራዕን ህዝብና ብፍቃድን ሰናይ ድልየትን ዉልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ኣዛብእ ሰበስልጣናቱን ጥራሕ ክመጽእን ክትኮበልናን ክልምኑን ክምሕጸኑን ክንሰምዕን ክንዕዘብን ምጽናሕና ድማ ፤ ምሕጽንተኦምን ልመናኦምን ብሓቂ ንህዝቢ ኤርትራ እዩ ክትብል ዘሕፍር እዩ። እወ ሕብሮም ከም ነፋሒቶ ክቀያየሩ ዘይሓንኩ ብዘረባ ወራዙት ኣብ ዉሽጢ ሕብረተሰብ ክረአ ንመጀመርታ ግዜ እዩ ዝበሃል ኣይኮነን ። ኣቶ ቀለታ ኪዳነን ዝመስልዎን፤ ሎሚ ኣብ ስልጡን መዋእልን ኣብ ዉሽጢ ስልጡን ህዝቢን እንዳነበሩ ዝንቡዕ ሓሶት፣ ሕሱርን ግዕዘን ዝተኻሕለ ቃላቶም ክትሰምዕን፡ ተቃወምቲ ኢና እንዳበሉ ንዕድሜ ስልጣን ዲክታቶርያዊ ስልጣን ህግድፍ ንምንዋሕ ዓዘር ቀዘር ክብሉ ክትርኢ ግን ኣበይ እዮም ዝነብሩ? እንታይ እዩ መኽሰቦም? ንመን እዮም ተዓሲቦም? ዝብል ሕቶ ዘልዕል እዩ። ካብ ሕልና እቶም ሓቐኛ ተቃለስቲ ስዉር እካ እንተዘይኮነ መስተንክርን መሰደመምን መኣዝን ዝሰሓተ ምስሉይነት ኢልካ ክግለጽ ግን ምግናን ኣይመስለንን።

እዞም ነጸላ ጻዕዶ ወራዙት ዘረባ፣ በዓል ቀለታ ኪዳነን ዝመስልዎን፣ ሎሚ ኣብ ባዓቲ መርበብ ሓበረታ መስከረምን ማዕከናት ዉልቐ መላኺ ስርዓትን ኮይኖም ዝመጻደቁ ዘለዉ፣ ወዮደአ ነውሪ ዘይፈልጡን ክገማጠሉ ዘየሕንኾምን እዩምእምበር፡ ትማሊ ንመስከረም ኔት ወናኒ ኣቶ ኣለም ጎይቶኦም ብዕሱብነት ህግደፍን ስዉር መሳርሒን ዝኸሱ ንኢሳያስ ከም ገበነኛ ክገልጽዎ ዝጸንሑን፤ ሓንሳብ እዉን ኣፍቀርቲ ናይዞም ሎሚ ዝኸስዎም ዘለዉ ወያኔ ተሓለቅቲን ተኸላኸልትን ምንባሮም ስኑድን ቀለሙ ዘይነቀጽ ጽሑፋቶም ዘረጋግጾ ኣሎ ዘይበሃል ሓቂ እዩ።

መራሒ ስርዓት ህግደፍ ቅድሚ ኢዮብልዩ ብሩራዊ በዓል ነጻነት ንህዝቢ ንምድንጋር ብዝገብሮ ፕሮፓጋንዳ ተደናጊሮም ከደናግሩ፡ ያኢ ተነበይቲ ክበሃሉ፣ እሱራት ናይ ምፍታሕ ዉሳኔ ክዉሰድ፣ ንጠንቂ ስደት ዝኾኑ ሕጽረታት ከወግድ፣ ሃገራዊ ልዝብ ክእዉጅ፣ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ንስኒት ክእምም፣ ንህዝብን ሃገርን ራሕዋን እፎይታን ዘለዎ ኩነት ክፈጠር፣ ናይ ህዝቢ ተራ ዘይተሓዎሶ ቅዋም ክእዉጅ … ወዘተ ዘርዚርካ ክትገልጾ ዘድክም ጡሩንባ ብምንፋሕ ክጽበዩ ምጽነሖምን ካልእ ንመንነቶም ዝገልጽ ኣሉ ዘይበሃል ሓቂ እዩ። እዚ ኹሉ ከም ኣብ ማይ ዝእተወ ጨው ሓቂቁ ብብደዐ ዝሰኸረ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ካብቶም ጡሩንባ ዝተነፍሓሎም ምሕጽንታን ልመናን ሓንቲ ቃል እካ ንማለቱ ከይዘከረ ንሰብ ገረሞ ኣብ ወርቓዊ ኢዮበልዩ የራኽበና ኢሉ መደረኡ ምስ ዛዘመ ሕልንኦም ክምርምሩ ኢኻ እትጽበ።

እዞም ብጭዋን ዉርዙይን ባህሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝምድሩ፡ ግን ሓኮን ኒሕን ዘይዉንኑ ኮብለልትን ወራዙት ዘረባ ጥራሕ ግን ሕጂ እዉን ኣይተማህሩን። እቲ ንኮንቱን መኻንን ልመነኦምን ምሕጽንትኦምን ዕሽሽ ተባሂሉ ምስተሓልፈን ምስትደርበየን ድማ ካልእ ሕብሪ ክለብሱ ሰማዒ እዝኒ ያኢ ክረኽቡ፣ ብአፍ ቀለታ ኪዳነ፣ ብዙሓት ተጋጊኻን ንኢሳያስን ኮርሻ ስልጣን ዝተወጡሑ መሳርሕቱን ኣይትፈልጦምን ኢኻ ክብሉ ዝመዓዱኒ ሓቆም ነይሮም ብማለት ከምስሉ፡ መራሒ ሃገር ክትብሎ ዘሕፍር፤ ልዕሊ ዓቅሙ ዝዳፈር ክብሉ ተሰሚዖም። እዚ ግን ንይምሰል ምንባሩ እነሆ ሎሚ ነቲ መላእ ሕብረተሰብ ዓለም ዘስደመመ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ብጭካኔ ተወዳዳሪ ዘይብሉ ብጭብጢ ተሰንዩ ብናይ ዓለም ሰብአዊ መሰል ትካል ዝተመዘዘት መርማሪት ኮሚቴ ብዝፈጸሞ ገበን ንዝቀረበሉ ክሲ ክከላኸሉ ድግድጊት ተዓጢቆም ይርከቡ። ሕሉፍ ሓሊፉ ድማ ነቲ ብተግባራት ስርዓት ህግድፍ ግዳይ ዝኾነ፡ ካብ መሸጣ ነጋዶ ደቂ ሰባት ንመቓያየሪ ናውቲ አካላትን ካብ ቀለብ ዓሳ ማእከላይ ባሕርን ዝተረፉ ብአሸሓት ዝቁጸሩ መንእሰያት፤ ገዳይም ተቃለስቲ፣ ኣቦታትን ኣደታትን ናይ ሕልና ምስክርነት ብምሃብ ዝተኻየደ ናይ ዕለት 23 ሰኔ 2016 ሰላማዊ ሰልፊ ደለይቲ ፍትሒ ብወያኔ ዝተመወለ ክብሉ ኣይምተሰምዑን። ብአንጻሩ ነቲ ብዕለት 21 ሰኔ 2016 ብሽም ኤርትራውያን ዕማኾ ደገፍቲ ስርዓት ዉልቐ መላኺን መአዝኖም ዘይፍለጥ ብግንቦት ሸውዓተ፤ ኦሮሞን ሶማልን ዝግለጹ ብአፍ ኤርትራዊ ዝመደሩ ንልዑላውነት ሃገር ዝሕለቁ ዝብል ስያሜ ክህቡ ኣይምተሰምዑን። ነቶም ፍትሒ ዝተሓረሞም ደለይቲ ፍትሒ፡ ንገበነኛ ናብ ፍትሒ ይቅረብ ምባሎምን ብደረጃ ማሕበረሰብ ዓለም ንገበናቱ ክቓላሕ ምኽአሉ ምድጋፍን ድማ ጸረ ልዑላውነት ክበሃል ተሰሚዑን ተራእዩን ዘይፈልጥ እዩ። ክንከዓብ ኢናኸ ክብሉዶ ኣይግባእን?

ፍትወት ሃገርን ህዝብን፡ ብእንቐዓ ጃህራን ንባዕልኻ ልዕሊ ኹሉ ብምቅማጥ ፈላጥ እየ፡ ምኩር እየ ብማለት ኣብ መስኮት ኢንተርነት ኮንካ ንመለኽትን ገበነኛታት እንዳወደስካ ብዝግበር መደረ ዝግለጽ ኣይኮነን። ብተግባር፡ ኣብ ሓቅን ኣብ መትከልን ደው ብዝብሉ፡ ሃንደበቶም መደረኦምን ቃላቶምን ዘኽብሩ፡ ካብ ድሑርን ፈላላይን መሳርሒ ምልኪ ሕጹባት፡ ትሑታት ተሓለቅቲን ተኸላኸልትን ዉጹዓት፡ ብአፍ ዘይኮነ ተግባሮም ምስክር ኮይኑ ብዝዛረበሎም እዩ ዝግለጽ። ብዝተረፈ ናይ ስፖርት ጸወታ ኣክሮባት ኮይኑ፡ ሓንሳብ ሃገራዊ፡ ጽንሕ ኢልካ ተሓላቂ ሃይማኖታዊ ምንቅስቃስ፡ ተመሊስካ ጠበቓ ብሄራት፡ ሕፍር ከይበልካ ድማ ባዕልኻ ወኪል ህዝቢ ዝብል ንነብስኻ ብምጥማቅ ኣብዞም ሎሚ መኽፈት ኣፍ ኮይኖም ዘለዉ ወያኔን ተጋሩን ብምስጋድን ብምምጛስን ጠፋእና ለማዕና ኣባኹም እንዳበልካ ብዝቀያየር ናይ ነፋሒቶ ሕብሪ ዝግለጽ ኣይኮነን። ሓቂ ንምዝራብ ድማ ቓሉን ኣንደበቱን ዘየኽብር፣ ምስ መዘናታቱ፡ መቓልስቱ፡ ኣብ ክንዲ ፍቅርን ስኒትን ኣብ ቖይቅን ምዝንጣላትን ዘቐድም፡ ብጽንዓትን ተአማምንነትን ዘይልለ አማኒ ዘይብሉ፣ ፍትወት ሃገርን ህዝብን ክህልዎ ክትጽበ ዝከአል ኣይኮነን።

ከም ደቒ ሃገር፣ ዘዛርብን ዝስራሕን ኤርትራዊ ገዛ ዕዮ ኣይተሳእነን። ኣብ እንግድዓኻ ዘሎ መስገደል ከተውርድ ስለሓቒ ክትሙግት እዩ ዝግባእ። ብዝተረፈ ዝብእስ ኣብ ዘይፈልጥዎ ከይዱ ማእሲ ኣንጽፉለይ በለ ዝዓይነቱ፣ ዋናታቱ ዘለዉዎ ወያኔዶ! ትግራዎትዶ! ሱዳንዶ! ጁባዶ!ዉቅያኖስ ሰጊርካ ኸእ ፍሹላት መንግስታት ጁቡቲዶ! ሶማልዶ! ምምሕዳር ዋሽንግቶንዶ! ሕቡራት መንግስታት ዓለምዶ! እንዳበልካ ብናይ ጎራባብቲ ኣህዛብን ዓለምን ብምዉርዛይ ጸፍ ምባል መልክዕ የብሉን። ስለምንታይ እዩኸ ኩሉ ኣንጻር ስርዓት ህግድፍ ዝኸዉን? እንታይ ስለዝወሰደሎም? ወይስ ከምቲ መላኺ ስርዓት ንነብሱ ከደዓዕስን ህዝቢ ከደናግርን ብቅንእን ምሕሳድን ንህዝቢ ኤርትራን ነጻነቱን ከምኡዉን ሐደ ስርዓት ህግድፍ ጥራሕ ብናቱ ርእይቶን ራእን ዝምራሕ እቶም ኻልኦት ግን ኩሎም ዘወርትን ኣማሓደርትን አለዉዎም እዮም ክብሉና እዞም ናይ ተባህለ ፈላስፋታት? ገለ ኣብነት ካብቲ ዘህተፍትፍዎ ብዛዕባ ህዝቢ ኢትዮጵያን ስርዓቱን ተመልከቱ << ንህዝቢ ኢትዮጵያ ብሓይልን ብበትርን ብጥይትን ከመሓድሩዎ ክቃለሱ እውን ንርኢ ኣሎና። ህዝቢ ብበትርን ብጠበንጃን ጥራሕ ከም ዘይግዛእ ትማሊ ባዕሎም ዝመሃሩሉን ዝሰርሑሉን ጕዳይ ክነሱ ኣብ ስልጣን ኮፍ ስለ ዝበሉ ሎሚ ኣብ ሓጺር እዋን ክርስዕዎ ግን እቲ ኣዝዩ ዝገርም እዩ። >> ይብሉ። ሓሶትን ሓቅን ንኽብል ደልየ አይኮንኩን። እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዝሕለቁሉ ስርዓት ህግድፍከ? እዚ ብሂል እዝስ ኣይምልከቶን ድዩ ክብሉና? ናታ አቐሚጣስ ናይ ሓማታ ዝበሃል ክምዚ እዩ። ንምኻኑ እዞም ናይ ዘረባ ፈላስፋታት ወራዙት  ነጸላ ጻዕዶ ክንድቲ ዘባኽንዎ ግዜ ሰማዒ እዝኒ ዝረኽቡዶኾን ይስምዖም? ኪዒቡ ዝነዓቅዎምን ክብሪ ስለዘይብሎም ንጎኒ ዕሽሽ ዝብሎም ከምዝበዝሕስ ይርድኡዶኾን ይኾኑ? ዉሑዳት ብረብሓን ብዝተፈላለየ ድሑር ሕማማትን፤ ግሩሃትን ኣይክህልዉን ማለተይ አይኮነን። 

ተቓዋማይ ኢየ እንድበልካ፡ ንኹሉ ተቓዋማይን ደላይ ፍትሕን ብዑስብነት ወያኔ፣ ክሕደት፣ ጥልመት፤ ልምሰት እንዳኸሰስካ ንህዝቢ ከይስዕቦም ጡሩምባ እንዳነፋሕካንከ እንታይ እዩ ክረጋገጽ ዝድለ ዘሎ?? ሃገር ናብ ዓባይ ቤት ማሕቡስ ዝቀየረ ስርዓት፣ ኣብ ልዕሊ ንጹሕ ተቃላሳይ ህዝቢ ኤርትራ ማእለያ ዘይብሉ ገበንን በደልን ዝፈጸመን ንብርሰት ዘሳጠሐን መላኺ ዘይግበኦ ክብሪ ሂብካን ለሚንካን ተማሕጺንካን ለውጢ ካብኡ ጥራሕ እዩ ዝርከብ ብማለት ንብዓት ሓርማዝ ምንባዕስ ሃየንታ ህዝቢዶ ኣይከውንን??? ኣይፋልኩምን በዓል ቀለታ ጽባሕ ክወግሕዩ! ዳግማይ ሕሰቡ ! ህዝብኹም ኣይተጉህዩ። 

ኤርትራዊ ዜጋ ኣካላቱ ናይ ነጋዶ ደቂ ሰባት መደለብ ሃብቲ ኮይኑ፤ መቐያየሪ ዝተበላሸወ ወይ ካብ ስራሕ ወጻኢ ዝኾነ ናውቲ ኣካላት ዕዳጋ ክወርድ ሕልንኡ ዘይወቅሶ ስርዓት ምኻኑ ድማ ሎምስ ዓለም ብምልኡ ዝፈለጦ ዘይክወል ሓቂ ኮይኑ ኣሎ። ሽያጥ ገንዘብ ኤርትራዊ ዜጋ ማእከሉ ከተማታት ኤርትራ ምኻነን ድማ ክሳብ ክንደየናይ ኢድ እዚ ኣረሜን ስርዓት ከምዘለዎ መርአይኡ እዩ። በዚ ክትልብሙን ክትመሃሩን ድማ ይግባእ። ዕሸል ሕጻናት ብአዛብእ ሰበስልጣናት ህግድፍ ካብ ከተማታት ኤርትራ ተሰዊሮም ንራሻይዳ ንመሸጣ ከምዝጛረቱ እዉን ናይ ምስጢር አደባባይ ምኻኑ ክበርሃልኩም ይግባእ። ጽባሕ ጎቦታትን ስንጭሮታትን ሳሕል ካብ ዓራረብ መቓልሖም ክትሰምዑ ምኻንኩም ኣይትጠራጠሩ። 

እዚ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ደገፍ ህዝቢ እንዳረሓቆ ብማሕበረ ሰብ ዓለም ዝተፈንፈነ ዉልቀ መላኺ ስርዓት ኤርትራ፡ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ብዝወስዶ ኣረመንያዊ ናይ ራዕድን ሽበራን ተግባር ፈሪሑ ኣፉ ዝተለግመ ህዝቢን ብረብሓ ንህዝብን ሃገርን ኣይግዳዶም ተደጊፉ ዝተሓልፈ ዓመታት ሎሚ የኸትም ኣሎ እንተተባህላ ምግናን ኣይኮነን። መርአያኡ ድማ እዚ ናይ ትማሊ ብብዙሕ ጻዕርን ድፊኢትን ምፍርራህን ነዚ ናይ ደለይቲ ፍትሒ ሰላማዊ ሰልፊ ቀዲሞም ንማሕበረ ሰብ ዓለም ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጎድኒ መንግስቱ እዩ ብዝብል ንምድንጋር ዝተፈተነ እሞ ካብ ብአማኢት አሸሓት ኣብ ስደት ዝነብሩ ዜጋታት ብዕማኾ ተበለጽቲ ንሶምዉን ርእሶም ኣድኒኖም ትእዛዝ ክፍጽሙ ዝመጽኡን መአዝኖም ዝሰሓቱ ኮብለልትን ክትርኢ ኮለኻስ ንጹር ብርሃን ዉድቆቱዶ ኣይኮነን። እዝስ ከመይ ኣቢልኩም ክትክሕድዎ? ዶስ ካብ ሳዕሳዕካስ ተቆጻጸ ከምዝበሃል ሕጂ እዉን ትንፈር እምበር ጤል እያ ከምዝበሃል ነዚ እከይን ግዕዘይን ስርዓት ብምድጋፍ ኣንጻር ደለይቲ ፍትሒ ጡሩንባ ክትነፍሑ ክትቅጽሉ ኢኹም። መርገም ወላዲስ እንተዘይቀተለ የዕነኒ ከምዝበሃል ሃየንታ ህዝቢ ዕድኡ ከቢድ ምኻኑ ተገንዚብኩም ካብዚ ኣብ ገምገም ጸድፊ ዘሎ መላኺ ስርዓት ርሒቁም ንህዝብኹም ክትናስሑ ዝምረጽ እዩ። መዓልቲ ፍርዲ ገበነኛታት ርሑቅ ኣይኮነን። ኣውያት ንእዝኒ ሕሱም! ከምዝበሃል ነቲ ፍትሒ ተሓሪምዎ ብቐጻሊ ዘእዊ ዘሎ ዉጹዕ ህዝቢ ደበስቲ ኮንኩም ምስኡ ደው ክትብሉን አውያቱ ክትሰምዑን ናይ ሓው ምኽረይ ይልግሰልኩም።

ብርሃነ ተስፋጋብር
ደንማርክ

ነቲ ብህዝባዊ ምንቅስቃስ ዝመጽእ ህዝባዊ ናዕቢ ደው ከብሎ ዝኽእል ሓይሊ የለን። ብዘበንና መንእሰያት ኣብ ዝነበርናሉ ኣንጻር ስርዓት ኢትዮጵያ ነካይዶ ዚነበርና ሰላማዊ ሰልፍታት ሎም ደቅናን ደቂ ደቅናን ኣብ ጀኖቫ ብዚለዓለ መልክዑ ክደግምዎ ከለዉ ራዛ ናይ ኣቡኡ ሓዛ ጥራሕ ኢና ክንብል።መሰረታዊ ለውጢ ብህዝቢ ጥራሕ ኢዩ ክመጽእ ዝኽእል፡ ሓንሳብ ዝተበገሰ ህዝባዊ ናዕቢ ንዝኾነ ክዕምጽጾ ዝመጽእ ስርዓት  ተመሊሱ ናዕቢ ከምዘልዕል ኣብ ብዝሁህ ታሪኻት ተዓዚብና ኢና። ንሕና ኤርትራውያን ግን እቲ ትርጉሙ ኢንዳተረዳኣና ከመይ ገርና ከም እንገብሮ ጠፊኡናሎ። ኣብ ጀኖቫ ዝተራእየ ሓደ ኣብነት ኢዩ፡ እሞ ብሰላማዊ ሰልፊ ጥራሕ ስርዓት ክንቅይር ንኽእልዶ?

ንህዝባዊ ምንቅስቃስ ህዝባዊ ቋንቋ የድልየና ኣሎ፡ ጀኖቫ ንገበኛታት ናብ ሕጊ ምቅራብ ዝቢል ህዝባዊ ቋንቋ ኩሉ ሰብ ዝቅበሎ ኣተሓሳስባ ስለ ዝኾነ ልዕሊ 16000 ጅግና ኤርትራዊ ተኻፊሉዎ፡ ናብ በቦታና ምስ ተመለስና ግን ብሓንሳብ ኮፍ ክንብል ኣይከኣልናን፡ እቲ ሽግር ከኣ ንስኻትኩም ዘይትጥርነፉ ንስኻኩም እባ ዘይትመጹ ክንበሃሃል እታ ክትጥርንፈና ትኽእል ህዝባዊ ቋንቋ ኣይረኸብናያን ኣሎና።

እታ ንስኹም ዘይትጥርነፉ ትብል ብውድባትን ብባይቶን ዝተፈተነ ማለት ኢያ። ግን መንከ ይበዝሕ ንዝብል ሕቶ እቲ ህዝቢ እቲ ዘይተወደበ፡ እቲ ነገር ስግንጢር ኢዩ እቲ ማጆሪትይ ህዝቢ ካብ ውሑዳት ዝተወደቡ ፍታሕ ይጽበ፡ ዎ! ትጽበ ዘሎኻ ህዝቢ እቲ ሓይሊ ናትካ ኢዩ ኢተን ውድባት ቁዋም ምስ ገበርካለን ባዕልኻ ኢኻ ትመርጸን፡ ንስኻ ዘይኮንካ ከተገልግለን ንዓኻ ከገልግላ ኢየን ቆይመን ዘለዋ። ስለዚ ኣይትጸበ።

እቶም ኣብዘይቋንቋኻ ኣትዮም ዘጋራጭዉ ቃላት ዝድርብዩ ውድባዊ ፖለቲካ ሕቶ ስዉኣት ሽፍታዶ ዲክታቶር ወያነዶ ጽሩይ ጎነጽዶ ብሰላም  ወዘተ እቲ ስርዓት ምስተኣልየ ዝሞቱ ቃላት ኢዮም። እቲ ራኢ ጽባሕ ብኣውራጃዶ ብብሀር ፈደራልያዶ ም እኩል ዘይምእኩል ዕልመናዊ ዘይዕልመናዊ ነቲ ስርዓት ብህዝባዊ ናዕቢ ምስ ተኣልየ ባይቶ ኤርትራ ዝውስኖ ስለ ዝኾነ ተለዓል፡ እቲ ራኢ ኣሎኒ ዝብል ዜጋ ናይ ጽባሕ ኤርትራ ከምዚ ክትከውን ትብል ከኣ ተወአዲብካ ጽናሕ ኣብታ ናይ ጽባሕ ኤርትራ ጊደኻ ከተበርክት። ሎሚ ዝኾነት ውድብ ናታ ራኢ ከተትግብር ትኽእልውድብ የላን። ደላይ ፍትሒ ኢየ ዝብል እውን እቲ ባይታ ከይተውህቦ ኣበ ኢዩ እሞከር እየና። እቲ ባይታ ህዝቢ ምስ መረጾ ጥራሕ  ኢዩ ፈተናኡ ዝጅምር። ስለዚ ሕጂ ኩላትና ከም ኣካል ህዝቢ ኮይንና ብሓባር ንህዝባዊ ቃልሲ ብህዝባዊ ቁዋንቋ ንለዓል።

ኣብ መጨረስታ ህዝባዊ ምንቅስቃስ ክበሃል ከሎ ነቲ ህግደፋውያን ዝገብሩዎ ኣብ ኩሉ መዳያት ክንገጥሞም ኢንተኮይና ሰላማዊ ሰልፊ ጥራሕ ኣይኮነን፡ ኣብ በብዘለናዮ ከተማታት መሰረታዊ ምንቅስቃሳት ኮሙኒቲ ወይ ጽላል ኤርትራውያን ብምምስራት ካብ ደቅና ጀሚርና ክሳብ ሽማግለታትና ብፖለቲካን ሕብረተሰብ ኣውን ቈጠባውን ምንቅስቃስት ናይ መኒሰያትን ደቂኣንስትዮን ምንቅስቅሳት ናይ ስደተኛታት ጉዳ ምትሕብባርን፡ ዝሕምበሰሉ መኣዲ ምስ እንገብር ጥራሕ ኢዩ እወ ሕጂ ክንብል ንኽእል። ካብ ኩሉ ኣገዳሲ ኸኣ ደለይቲ ፍትሒ ምኳና ብግብርን ብኣሰምህሮ ከነሰንዮ ኣሎና።

ተስፋይ ባይረ ሰነ 2016  ጀርመን

    

ብ5-07-2016 ባይቶ መንግስቲ ነዘርላንድ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብጉዳይ ኤርትራ ብዝምልከት ብዛዕባ ዝተኻተዓሉ ድምጺ ምሃብ ንይሩ። ነዚ ብዝምልከት ኣብ ታሕቲ ሰፊሩ ዘሎ ማርቲን ፕላውት ብእንግሊዘኛ ዘቕረቦ ዘይዕላዊ ጽማቕ ናይቲ ዝተወስደ ውሳነታት እዩ። እቲ ጽማቑ ናይቲ ኣብ ድምጺ ዝቐረብ ርእይቶታት ዝተገልገሉሉን ኣዝሚንን ችርድስማን ብዝነደፍዎ ዝተዋሀብ ጭቡጥ መረጋገጽን፥

1፡) እቲ መረጋገጺ ከም ዘመልክቶ ኤምባሲ ኤርትራ ንመንግስቱ ዘርብሕ ናይ ቀረጽ ምእካብ ኣገዳሲ ግደ ከም ዘለዎን፥ ኣብ ነዘርላንድ ዝቕመጡ ኤርትራውያን 2% ካብ እቶቶም ቀረጽ እንተዘይከፊሎም ከም ዘፈራርሕዎምን ዘጉባዕቡዑሎምን ምልክታት ብምህላዉ፥ ነዚ ቀረጽ ናይ ምኽፋልን ነቲ ኣብ ኣብ ውሽጡ ዝፍጽሞ ግጉይ ኣገባብን ደው ከብሎ። ነዚ ብዘይ ኣግባብ ዝጥቀመሉ መንግዲ ደው ምስ ዘየብሎ ከኣ ኤምባሲኡ ዝዕጾ ምዃኑ መንግስቲ ነዘርላንድ ንኣንበሳደር ኤርትራ ጸዊዑ ክገልጸሉ ጠለብ ቀሪቡ።

 

2) 50% ኣብ ነዘርላንድ ካብ ዝንቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ መንግስቲ ነዘርላንድ ኣብ ዝረኽብዎ ሓገዝ እዮም ዝምርኰሱ። ንሕና በዚ ብመልክዕ ግብሪ ብዝኸፈል 2% ገንዘብ ንስርዓት ኤርትራ ክንሕግዝ የብልናን ዝብል’ዩ ርእይቶና። ነዚ ንመንግስቲ ኤርትራ ዝኽፈል ናይ ዳች ቀረጽ ደው ንምባል መንግስቲ ነዘርላንድ ውሳኔ ንክወስድ ንጠልብ።

 

3) እዚ ስርዓት እዚ ካብ ኣብ ዓለም ኣለዉ ዝበሃሉ ጨቘንቲ ስርዓታት ኣዝዩ ዝኸፍአን፥ ኤርትራውያን ካብዚ ወጽዓ እዚ ክሃድሙን፥ ማሕበረ-ቁጠባዊ ልምዓት ዘስኣነ ብምዃኑ፥ መንግስቲ ነዘርላንድ ነቲ ንመንግስቲ ኤርትራ ኣብ ንምሃብ ተዳልዩ ዘሎ 200 ሚልዮን ዩሮ ንኸይሰማማዓሉን፥ ኣብ ክንድኡ ኣብቲ ዞና ንመቐበሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ክውዕል ንጠልብ።

 

4) ኣልሸባብ ኣብቲ ናይ ሃገራውን ኤውሮጳውን መዝገብ ፈጠርቲ ራዕዲ ክምዝገብ ንመንግስቲ ነዘርላንድ ንጠልብ።

 

5) ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኣንጻር ሰብኣውነት ዝካየድ ዘሎ ግፍዕን፡ ብናይ ሕቡራት ሃገራት መርማሪት ሽማግለ ብጉዳይ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ዝተዋሀበ ኣሰንባዲ ሓበረታን፡ ጌና ምምሕያሽ ዘይተገብረሉ ምዃኑን፥ ኣብ ኢድ ሕቡራት ሃገራት ናይ ጽጥታ ቤት ምኽሪ በጺሑ፥ ኣብ ኤርትራ ንዝግበር ግፍዒ ኣንጻር ሰብእውነት ደው ንምባል ግቡእ ስጒምቲ ክውሰድ ዝብል ርእይቶ ንድግፍ። መንግስቲ ነዘርላንድ እቲ ጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ናብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ከመሓላልፎን ኣብ ኤርትራ ዝካየድ ግፍዕታት ኣንጻር ሰብኣዊነት ምግጣም ዝዓለመ ጻውዒት ንሕቡራት ሃገራት መንግስታት ከቕርብ ጠሊቡ።

 

6) ኣብ ነዘርላንድ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ስርዓት ኤርትራን ተሓባበርቱን ሓለዋ ከም ዘድልዮም ግድን ብምዃኑ፡ መንግስቲ ነዘርላንድ እንተ ወሓደ ነቲ ብ (COA) ወለንተኛታትን እቶም ናብዚ ትካል እዚ ከም ናይ YPFDJ ሆላንድ ምስቲ ስርዓት ዝምድና ዘለዎም ዝቐርቡ ሕጹያት ዝግበር ምጽራይ ክናዋሕን ኣድላዪ መርመራ ክገብርን ከም ዘለዎ ይጠልብ። COA) (ማእከላይ ኣካል መቐበሊ ሓተትቲ ዑቕባ እዩ)

 

7) ኣብ ሄግ ዘሎ ቆንስል ኤርትራ ምስ ብሓይሊ ናይ ምምንዛዕን ምርዓድን ምትእስሳር ከም ዘለዎ ብምዕዛብ፥ መንግስቲ ነዘርላንድ ነዚ ኣብ ሄግ ዝርከብ ቆንስል ኤርትራ ኣብ ናይ ግፍዓዊ ተግባራት ምስታፉ ምጽራይ ክጅምር ይጠልብ።

 

8) ኣብ ኤርትራ ዘሎ መላኺ ስርዓት፡ ብመርመራ ሕቡራት ሃገራት መስረት፥ ዝፍጽሞ ግፍዒ ኣንጻር ሰባኣውነት ገበነኛ ምዃኑ፥ ንኣልሸባብ ምሕጋዙን ኣብ ደገ ነዚ ስርዓት ዝምውል ብሓይሊ ዝኽፈል ቀረጽ ብምእካብ ንኣሸባሪ ውድብ ክድግፍ ዘኽእሎ ብምዃኑ፥ እዚ ብኤርትራ ዝግበር ኣብ ዲያስፖራ ምእካብ ግብሪ ብምርኣይ ምስቲ ተግባር ምምንዛዕን ምርዓድን ተደሚሩ፥ መንግስቲ ነዘርላንድ ነዚ ናይ ዲያስፖራ ምእካብ ግብሪ ብሕጊ ዝኽልከለሉ መርመራ ምክያድን፡ ዓለም-ለኻዊ ኣማኸርቲ ሕጊ ብምሕታት መንግስቲ ነዘርላንድ ኣብ ክሊ እቲ ናይ ኢውሮጳ ሕብረት ኣንጻር ነዊሕ ቅልጽም ኤርትራን ካልኦትን፡ ናይ ዲያስፖራ ቀርጽ ምኽፋል ድው ዝብለሉ ስጉምቲ ምውሳድ ይጠልብ

 

9) ንመንግስቲ ነዘርላንድ ብዛዕባ ኣብ ነዝረላንድ ዝርከቡ ወከልቲ ስርዓት ኤርትራ ሓበሬታ ከቕርብን ንባይቶ ከኣ ኣብ ዝቐለጠፈ ግዜ ክሕብርን ይጠልብ።

 

10) መንስግቲ ነዘርላንድ ምስቲ ኣጠቓቕማን ኩነታት ሕብረት ኤውሮጳን ኣብ ባህርን ዓቕምን ናይ ዲያስፖራ ንስርዓት ኤርትራ ዝኽፈል ግብሪ ምጽራይ ንምክያድ ተበግሶታት ክጅምር ይጠልብ።

 

11) መንግስቲ ነዘርላንድ   እቲ ንኤርትራ ዝዋጻእ ገንዘብ ክድስክልን ኣብ ክንድኡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ወይ ከኣ ካልኦት ዘይመንግስታውን ማሕበራት ከም ዝጥቀማሉ ክገብር ንኤውሮጳዊ ኮሚሽን ጻውዒት ከቕርብ ይጥለብ።

 

ድራር ማንታይ

ህዝቢ ኤርትራ ጸላእቲ እግሮም ካብ ዝተኽሉ ኣትሒዙ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ከይተሓለለ ብዘካየዶ ቃልሲ እዩ ንሃገሩ ናጻ ኣውጺእዋ። ልክዕ እዩ መንእሰይ ደራኺ ሓይልን ለውጥን ምዃኑ ዘካትዕን ዘዛርብን ኣይኮነን። ስለዚ ከኣ እቲ ኣብ ግዜኡ መንእሰይ ዝነበረ ወሎዶታት  ዝከኣሎ ከምዝገበረ ክንዝንጋዕ ኣይግባእን።

መንእሰይ  ውዑይ፡ ደራኽን ደላይ ለውጥን  ብምዃኑ  ነቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ክስተናዕቕን ከነኣእስን ኣይግባእን። ምኽንያቱ ንሱ እቲ ኣብታ ግዜ ንእስነቱ ዝነበረላ እዋን ብዘለዎ ዓቕምን ነፍሰ ተኣማምነትን ነቲ ኩሉ ስቓይን ከርተትን ተጻዊሩ እዩ። እወ! እቲ ወጽዓን ግፍዕን ሓደ ካብቲ ሓደ ዝፈላለየሉ ክህሉ ይኽእል ይኸውን፥ ካብኡ ሓሊፉ እቲ  ዘጋጥም ዝነበረ ጸገምሲ ኩሉ ሓደ እዩ። ኣብ ግዜ መግዛእቲ ዝነበረ መንእሰይ ዝሓለፎ መድረኻት ጽንኩርን ከቢድን ምንባሩ ኣይንስሕቶን ኢና። ናይ ሎሚ መንእሰይ ከኣ ብወዲ ሃገር ክጭቆን፡ ክግፋዕን ክሳቐን እንከሎ እዩ እቲ ፍሉይ ዝገብሮ እምበር ካልእ ፍልልይ የብሉን። ናይ ሎሚ መንእሰይ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ኣይትምህርቲ፡ ኣይስራሕን ኣይሓዳርን ዕድሚኡ ከንቱ ኣብ ዝሓልፈሉ ዘሎ ህሞት ካብቲ ገዲም ወለዶ ዝያዳ ከምዝተወጸዐ ተሰሚዕዎ ከስተማስል ዘይኮነስ  ነቲ ካብዚ ዘናግፍ ናይ ለውጢ ኣተሓሳስባ ከለሊ ይግብኦ።

 ከም ዝተበደለን፥ በዳሊኡ ድማ እቲ ገዲም ተቓላሲ ምዃኑ ከርኢ፡ “ንሕና መንእሰያት ዝያዳ ተበዲልና” ብምባል ንወጽዓኡ ብፍሉይ ክጥምት እንታይ መኽሰብ ዝረኸበሉ ደልዩ እዩ? ኩሉ እቲ ኣደራዕ ናብቲ ገዲም ወለዶ ምልጋቡኸ ቅኑዕዶ ይመስል? እቲ መንእሰይ ናይ ቀደም ናይ ሎሚ ገዲም ዝተጋገዮ እንተሎ ነቲ ጌጋ  ብኸመይ ክእረም ከምዘለዎ ናቱ ሓላፍነት እዩ ከርኢ ዝግበኦ። ነዚ ንምብቃዕ ከኣ ካብ መንእሰይ ብዙሕ እዩ ዝጥለብ። መንእሰይ ንመጻኢ ህይወቱ ክትልም ከሎ ካብቲ ገዲም ወለዶ ክቐስሞ ዘለዎ ተመኲሮ ክቐስም ግድን’ዩ። እዚ ከኣ ናይ ሓባር ቃልሲ ብምክያድ ዝረጋገጽ’ዩ። ንመጻኢ ዕድሉ ባይታ ከጣጥሕ እንተኾይኑ ካብ ብሉይ ናብ ሓዲሽ ንኽምዕብል ምስቲ ዝተኻየደን ዝካየድ ዘሎን  ምዕብልና ክዛመድ ይግበኦ። ነዚ ክበቅዕ ከኣ ነቲ ዘረሓሕቕ ዝንባለታት ዓጊቱ ኣብ ክንድኡ ብመንገዲ ዕርቂ  ኣቢሉ ጌጋታቱ ክድህስስን ክእርምን ይግባእ።

መንእሰይ እምበኣር ኩሉ እቲ ጻዕርታቱን ቃልስታቱን ሓድነታዊት ሃገረ ኤርትራ፡ ብኣሳታፊ  ደሞክራሲያውን ቅዋማውን መትከላት ክትህነጽ ንቕድሚት ከማዕዱ እምበር፥ ንዝሓለፈ ንሱ ዘይተዋሰኣሉ ታሪኽ ከምድላዩ ክትርጉምን ከነኣእስን ቅኑዕ ኣይኮነን። ቀንዲ ቆላሕትኡ ከኣ ኣብ ሕሉፍ ምጽብጻብ ዘይኮነስ ብምዕቡል ኣተሓሳስባ መጻኢ ምምዕዳው ክኸውን ይግበኦ።  መንእሰይ ነዚ ብተግባር ክሰርሓሉ እንተኾይኑ  ፍልጠትን ኣስተብህሎን ክዕጠቕን ሓላፍነት ክወስድን ኣገዳሲ እዩ።

መንእሰይ ነታ ድሕሪ ከንደይ ውረድ ደይብ ልኡላውነታ ዘውሓሰት ሃገር ካብ ኣትያቶ ዘላ ሽግር ንምድሓን ነዚ ካብ  ውልቀመላኽነት ናብ ፍትሕን ደሞክራስን ንምስግጋር ዝግበር ዘሎ መስርሕ ቃልሲ ከሎ ጌና ክነቕሓሉ ይግበኦ። እዚ ከኣ  በይኑ  ነተን ኣብቲ መስርሕ ነናተን ግደን ቦታን ዘለወን ሰልፍታትን ውድባት ኣግሊሉ ዝበጽሖ ወይ ዘሳልጦ ኣይኮነን። እዚ ዝብል ዘለኹ ነቲ መንእሰይ ንምሕማይ ዘይኮነስ፡ ነቶም ከደናግርዎን መቓልስቱ ከየለሊ ዝዕንቅጽዎን ኣካላት ክፈልጦምን ክመምዮምን ከም ዝግበኦ ንምዝኽኻር  እዩ። እቶም  “መንእሰያት ካብቶም ዝሓለፉ ገዳይም ዝበለጽኩም ኢኹም” እንዳበሉ ሕሹኽ ዝብሉ ቅኑዕ ፍታሕ ዘምጽኡ ኣይኮኑን። እዚ  ነቲ መንእሰይ ናይ ምድንጋር ማሕለኻ  እምበር ሓቀኛ ለውጢ ዘውሕስ ምኽሪ ኣይኮነን’ሞ መንእሰይ ከስተብህለሉ ይግበኦ። ሰብ ደሓኑ መሲሎም ብእንግዳዑ ኣብ ስልጣን ክውጥሑ ዝደልዩ ኣካላት ክህልዉ ከም ዝኽእሉ  ከስተብህል ከኣ ሓላፍነቱ እዩ።  እቲ ወግሐ ጸብሐ “መንእሰይ ጥራይ እዩ ለውጢ ዘምጽእ” ዝበሃል “መንእሰይ ንለውጢ ዘቀላጥፍ ተካኢ እምበር በይኑ ለውጢ ዘምጽእ ኣይኮነን” ብዝብል ክእረም ይግበኦ። መንእሰይ ናይ ለውጢ ሓይሊ ንክኸውን ኣብ ርእሲ እቲ ውዑይ ዕድሜኡ ዓቕምን ብቕዓትን ክድልብ ግድን’ዩ። እዚ ከኣ ኣብ ጸቢብ መንእሰያዊ ክሊ ተደሪትካ ዘይኮነስ ኣብ ሰፊሕ መድረኽ’ዩ ዝረጋገጽ።

ድራር መንታይ

ብዕለት 3 ሓምለ 2016 ኣባላት ስልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ስ.ዲ.ህ.ኤ.) ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ምስ ፈጻሚ ኣካል ፓርቲ ናይ ተሌኮንፈረንስ ኣኼባ ኣካይዱ። እዚ ካብ ስለስተ ሰዓት ንላዕሊ ዝወሰደ ኣኼባ ብኣሕዋት ተስፋይ ደጊጋ፡ ኣለም ዮውሃንስ፡ ኤርትራ ኣልኣዛርን እዩ ተኻይዱ።

ኣኼባ ኣብዞም ዝስዕቡ ዛዕባታት ተመያይጡ፤
1.
ውሳኔ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል

    ኣብ ኤርትራ 

2. ንጥፈታት ግዝያዊ ኣካል ርክብ (Adhoc Contact Organ) ናይሮቢ

3. ንዕለት 10 ንሓሰ 2016 ኣብ ፍራንክፎርት ጀርመን ብስ.ዲ.ህ.ኤ. ዝእንገድ ዘሎ ኮንፈረንስ

4. ኵነታት ሰልፊ

ድሕሪ ሰፊሕ ገለጻ ብፈጻሚት ኣካል፡ ኣኼባ ኣብ ሕቶን መልስን ኣተወ። ዕምቆት ዝሓዘለ፡ ምክብባር ዝዓሰሎ፡ ምሉእ ግዜ ዝተዋህቦ ምምይያጥ ተኻየደ። ኣኼባ ከኣ ብጽቡቅ ተዛዚሙ።

 

ክፍሊ ዜናን ባህልን ሰሜን ኣሜሪካ

ADE Logo

ከምቲ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ዝካየድ ዘሎ ወፈራ ንረድኤት ናብ ሱዳን ዝርከቡ ኣካለ ጽጉማን ኣሕዋትና ዉፍይ ሰናይ ተግባርነብሰ ምኽኣል መደበር ኣካለ ጽጉማን ዝብል ተበግሶታትን መጽናዕትን ንምዕዋት ተጀሚሩ ኣሎ። ንሕና ከም ኣብ ሃገረ ሽወደን እንነብር ኤርትራውያን እውን ድሮ ኣብ ዕለት 02/04/2016 ዝተካየደ ዓመታዊ ጉባኤ ጀሚርና ስለዘሎና በብዓቅምና ነዞም ምእንቲ ህዝብን ሃገረ ኤርትራን ዝሰንከሉ በብክእለትና ንምሕጋዝ ንጽዉዕ። ሓገዝ ንምልኣኽ Eritreanska Föreningen för Funktionshindrade S.S. ፖስትጂሮ. 650565-5 ኮይኑ ንዝያዳ ሓበሬታ ምስ ዘድሊ ናብ ዋና ጸሓፊ ማሕበር .ስልኪ 0707494711 ተወከሱ።

War wounded

እዚ ማሕበር እዚ ካብ ዝኾነ ፖሊቲካውን ሃይማኖታውን ዝምባሌ ነጻ ዝኾነ ሰብኣዊ ማሕበር ኮይኑ፡ ክሳብ ዝወግሕ ኩሉ ኤርትራዊ ርህሩህ ከይዝንግዕ ንጽዉዕ። ብዝመርጽኩሞ ኣገባብ ሓገዝኩም ክትልግሱ ንላቦ።

ፖስት ጂሮ 650565-5 እንሆ።