መን‘ዩ ደኣ ለውጢ ዘምጽእ

2016-07-19 07:48:16 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2842 times

ኤርትራውያን እቶም ዝባኖም ቀሊዖም ኣብ መስርዕ ተቓውሞ ዘለዉ ጥራይ ዘይኮኑ፡ እንተላይ እቶም እንዳደለይዎ ግና ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ዓው ኢሎም ዘይዛረብሉ፡ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሮም ለውጢ ከም ዝብህጉ ዘሰሓሕበና ኣይኮነን። ምእንቲ እዚ ምስዚ ዝብህግዎ ለውጢ ዝምድናታት ዘለዎም ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣምታት ዘልዕልዎም ሕቶታት ኣለዉ። ሓደ ካብቲ ሕቶታት “መንዩ ለውጢ ዘምጽእ?” ዝብል ብዙሕ ግዜ ዝለዓልን ዝጸሓፈሉን ምዃኑ ኩልና ተዓዚብና አለና። እቶም ነዚ ዝምልሱ   ዝተፈላለዩ መልስታት ከም ዘለውዎም ከኣ ክንዕዘብ ጸኒሕናን ኣለናን።

ኣብዚ ዛዕባዚ ካብ ዘከራኽሩ ጉዳያት ሓደ እቲ ብገለ ወገናት “ለውጢ በዘን ተቓወምቲ ውድባት ኣይመጽእን እዩ” ዝብል ዘይቅቡል መደምደምታ እዩ። እዞም ወገናት ካብዚ ሓሊፎም “ለውጢ ንምምጻእ ውዳበ ኣየድልን እዩ” ክሳብ ምባል ከመጣጠሩ እንከለዉ ከኣ ነቲ ጉዳይ መሊሱ ይሓላልኾ’ሞ “እዚኣቶም ከደኣ መንዮም?” ኢልካ ክትሓትትን ክትሻቐልን ትግደድ።ኣብዚ ጉዳይ እንተሓቲትካ ከኣ እንተኾነ እቶም ትሓቶም ይምልሱልካ፡ እንተዘየለ ናትካ መልሲ ክህልወካ ናይ ግድን እዩ። እዞም ንውድባትን ውዳበን ከም ናይ ለውጢ ባእታታት ዘይቅበሉ ወገናት ብድፉኑ “ለውጢ ብህዝቢ እዩ ዝመጽእ” ክብሉ ንሰምዖም ኢና። ናይ ህዝቢ ወሳኒ ናይ ለውጢ እጃም ኣማን ብኣማን ኣይከሓድን እዩ። እንተኾነ ነቲ ሰፊሕ ብዝሕን ደራኺ ሓይልን ናይ ህዝቢ ናብ ናይ ለውጢ ወሳኒ ዓቕሚ ምብቅዑ ነብሱ ዝኸኣለ መስርሕ ቃልሲ ከም ዘለዎ ክዝንጋዕ ኣይግባእን። ኣብዚ  መስርሕ ካብ ዝጥቀሰ መለክዕታት እቲ ቀንዲ ወሳኒ ኣድላይነት ውዳበ እዩ። ኣብዚ ነቲ “ዘይተወደበ ዓቕሚ ህዝቢ ናይ ለውጢ ሓይሊ ኣይከውንን እዩ” ዝብል ፍቱን ናይ ዓወት ኣምር ዘይምዝንጋዕ ማለት’ዩ።

ህሉዋት ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ ከም ዝኾነ ተመኩሮ ካብ ህዝቢ ኣርሒቕካ ዝረኣያ ኣይኮናን። ህዝብን ውድብን ተተኻኻእቲ’ኳ ተዘይኮኑ ተጸላለውቲ ምዃኖም ግና ክዝንጋዕ የብሉን። ውድባት ብዘይህዝቢ ከምቲ ዓሳ ብዘይማይ ዘይነብር ክህልዋ ኣይክእላን እየን። ህዝቢ ከኣ እንተዘይተወዲቡ ናይ ለውጥን ዓወትን ዓቕሚ ኣይከውንን እዩ። ኣብዚ ለውጢ ክንብል እንከለና ነቲ ዝጸንሐ ኣብ ምፍራስ ጥራይ ዘተኩር ለውጢ ማለትና ዘይኮነስ፡ ነቲ ዝነበረ ኣፍሪሱ ኣብ ክንድኡ ድማ ሰላምን ቀጻሊ ምዕባለን ዘውሕስ መተካእታ ዘረጋገጽ ለውጢ ማለትና እዩ። ብመንጽር እዚ ህልዋት ውድባት ኤርትራ ውጽኢተን ትሕቲ ትጽቢት ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ ካብ ውድብ ናብ ውድብ ዘሎ ፍልልያት ከይዘንጋዕካ፡ ትሕቲ ትጽቢተን’ውን ከም ዝኾነ ነጋሪ ዝደልያሉ ኣይኮናን። እንተኾነ ክሳብ ሕጂ ኣብ ዝተጓዕዘኦን ዝኸፈላኦ ዋጋን፡ ናብዚ ሎሚ ዘለናዮ ብራኸ መድረኽ ተቓውሞ ዘብጸሐን እቲ ሓላፍነት ክርከብ ዝግበኦ መንእሰይ ወለዶ እንተተረኪብዎ ድማ ናብ ዝሓየለ ክምዕብል ዝኽእል ኣበርክቶ የብለንን ማለት ኣይኮነን። እዚ ተመኩሮአን፡ ክንቀፍ ግቡእ እዩ። ንሓድሽ ናይ ለውጢ ሓይሊ ኣፍደገአን ክኸፍታ ምኩሕኩሐን’ውን ከምኡ ቅቡል’ዩ። ካብኡ ሓሊፍካ “በዚኣተን ዝመጽእ ለውጢ የለን፡ ኣበይ ዝነበራኸ እየን” ዝብል ምዝንጣል ብሓቂ ሓላፍነት ህዝብን ሃገርን ካብ ዝስመዖ ድላይ ለውጢ ትጽበዮ ኣይኮነን።

“ለውጢ ከይተወደብካ ኣይመጽእን እዩ” ኢልካ ምድምዳም የጸግም ይኸውን። ኣብ ዝርዝር ትሕዝቶ ለውጢ ኣቲኻ፡ ብዛዕባቲ ከምዚ ንሕና ንቃለሰሉ ዘለና፡ ህዝቢ ዝማእከሉ፡ ቀጻሊ ሰላምን ርግኣትን ዘውሕስ፡ ካብቲ ቅድሚ ለውጢ ዝነበረ ብመሰረቱ ዝተፈልየ ፖለቲካዊ ህይወት ዘምጽእ ለውጢ ክትሓስብ እንከለኻ ግና፡ ብዘይውዳበ ዝመጽእ ለውጢ ውሕስነት የብሉን ኢልካ ምድምዳም ቅኑዕ እዩ። ምናዳምናዳ ነቲ ጉዳይ ምስ ተመኩሮ፡ ሊቢያ፡ ዒራቕ…. ወዘተ ከተዛምዶ እንከለኻ ሓደጋታት ናይ ከይተወደብካ ዝመጽእ ለውጢ ብንጹር እዩ ዝረኣየካ። እቲ ውዳበ ከኣ ኣብ ንጹር ራኢ ዝተመስረተ ፖለቲካዊ ውዳበ እምበር ታራ ናይ ሰባት ተጸዋዊዕካ ምትእኽኻብ ክኸውን ኣይግባእን።

ገለገለ ወገናት ነዚ ህልዊ ፖለቲካዊ ውድባት “ናይ ለውጢ ሓይሊ ኣይከውንን እዩ” ኢሎም ዝድንድንሉ ምኽንያታት ብዙሕ ክኸውን ይኽእል። ካልእ ጉልባብ እንተዘየልይዎ፡ እቲ ምኽንያታት ካብ፡ ህዝቢ ክስዕቦ ኣይከኣለን፡ ኣብ ሕድሕዱ ኣየሳነየን፡ ስምምዓቱን ፍልልያቱን ግቡእ ኣይሰርዐን፡ … ወዘተ ዝብሉ ሓሊፉ ካልእ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። እዚ ድኽመታት’ዚ ኣብ ፖለቲካዊ ውድባት ክርአ እትመርጾ’ኳ ተዘይኮነ፡ እንተተራእየ እምብዛ ዘገርምን ፍጹም ዘይፍታሕ ጌርካ ክውሰድ ግና ቅቡል ኣይኮነን። ብፍላይ ከኣ እቲ ውድባት ድኽመታት ከም ዘለዎ ክእመን እንከሎ። እቲ ለውጢ ዝደልን ነዚ ኣብዚ ናይ ለውጢ መስርሕ ኣገዳሲ  ባእታ ዝኾነ ውድባት ዘሎ ጸገም ዝተዓዘበን ኣካል፡ ክግበሮ ዝግባእ እምበኣር፡ ነቲ ውድባት ኣውንታኡን ኣሉታኡን ጠቓሊልካ ናብ ገደል ምድርባይ ዘይኮነ፡ ነዚ ድኽመታቱ ኣብ ምእራምን ዝጎደሎ ኣብ ምምላእን እጃምካ ምብርካት’ዩ። ነዚ ንምብቃዕ ከኣ ነቲ ውድባት ብናይ ማዕዶ ተዓዝብነት ዘይኮነስ ቀሪብካን ኣካሉ ብምዃንን ጥራይ እዩ ዝሳለጥ። ስለዚ ኢና ከኣ ለውጢ ብውዱብ ህዝባዊ ሓይሊ እዩ ዝመጽእ እንብል።

Last modified on Tuesday, 19 July 2016 09:52