ተሳዒረ ምባል መምዘኒ ፍትሓውነት እዩ!

2016-07-16 21:19:26 Written by  ሙሴ ዓዋተ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1930 times

እቲ ብዙሕ ዋጋ ከፊልና ዘረጋገጽናዮ ነጻነትና ለብዘበን እውን ከም ወትሩ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ናይ ዓለም ብክብ ዝበለን ምዕሩግን ኣገባብ ተባዒሉ። ወላ እኳ ኣብ ክልተ ሸነኽ ደገፍትን ተቃወምትን ኣብ ዝብል ፖለቲካዊ ኣራኣእያታት ተኸፋፍልና ናሃሉ ፡ እቲ ኣብ ሃገርና ዘለና ፍቅርስ ከምቲ ፖለቲካዊ ፍልልያትና ከምዘይኮነ ነቶም ንሉኡላውነትና ክዘርጉ ለይትን መዓልትን ከይደቀሱ ዝሰርሑ ንዘለዉ ናይ ውሽጥን ናይ ደገን ሸነኻት ግሪም ገርና ኣተምቢህናሎም ኣለና።

ንፍትሕን ቅዋማዊት ሃገርን ክትቃለስ ከለኻ ንሉኡላውነት ሃገር ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘየእቱ ምስ ዝኸውን ጥራሕ እዩ እቲ ተቃዋማይ ዕዮ ገዝኡ ኣማሊኡ ክትብሎ ትኽእል። እታ ሃገር ክቡር ዋጋ ከፍልና ዘምጻእናያ ናይ እቶም ዝገዝእዋ ዘለዉ መለኽቲ ናይ ብሕቲ ንብረት ኣይኮነትን፡ ናቶምን ናትናን ናይ ሎምን ናይ ጽባሕን ናይ ወትሩን ሃገር ኤርትራ እያ። እሞ ቃልስና ፍትሒ ንምንጋስ እምበር ሃገር ንምኽሳር ከይከውን ኣገባብ ኣካይዳና ዳግመ ርእይቶ ምግባር ከድልየና እዩ። ንምልኪ ክተልግሶ ንስኻ ካብ ናይ መላኺ ባሕሪ ነጻ ምዃን ከድልየካ እዩ። ኣታሓሳስባና ስርዓት ምቅያር ወይ ምልጋስ ወይ ምድምሳስ ኣብ ዝብል ዘኽታም ስያሳ ጥራሕ ከይተመርኮሰ ፍትሓዊት ሃገር ምንጋስን ምሕናጽን ዝብል ኣምር ክነስፍሕ ይግባእ። ነቲ ምልካዊ ስርዓት ዝማሃዞም ናይ ምርሕሓቅን ናይ ቅርሕንትን ቋንቋ ትዛረብ ካብ ኮንካ እታ ናይ ጽባሕ ኤርትራኻን እዛ ናይ ሎምን ደኣ እንታዩ ፍልልየን ?

ኣብዛ ዓለምና ሰዓራይን ተሳዓራይን ክህሉ ባሃርያዊ እዩ፡ ንስዕረት ምስ ዕንወት ውድቀት ሕመቅ ናይ ምትእስሳር ባህሪ ኣብ ሕብረተሰብና ልሙድ እዩ፡ ካብ ተሳዒረ ምባል ስዒረ ምባል እቲ ዝዓበየ ብልጫ ከምዝዋሃቦ እውን ፍሉጥ እዩ። ብኻልእ ሸነኽ ግን ተሰዒረ ምባል ወይ ብስዕረትካ ምእማን፡ ንመጻኢ ናይ ዓወት ኣፍደገ ዝኸፍት ተባዕን ልቦና ዝመልኦ መባእታዊ ዲሞክራስያዊ ባህሊ ምዃኑ ዝዘንጋዕናዮ እና ንመስል።

ኣብ ባህሪ ናይ ፖለቲካኣዊ ምሕደራ፡ ምልካውያን መራሕቲ እታ ሓሙሽተ ኣሃዝ ዝሓዘለት ተሳዒርና እትብል ድምጺ ከይድምጹ ተለኺቶም ንዕንወቶም ከምዘምርሑ ታሪኽ ዝሕብሮ ጉዳይ እዩ። ምናልባት እዚ ከምዚ ዓይነት ባህሪ ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ መላኺ ጉጅለ ዝግደፍ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ነቶም ንፍትሒ ንቃለስ ኢና ንብል እውን ዝምልከተና ዲሞራስያዊ ባህሊ እዩ።

ኣብ ሂወት ናይ ፖለቲካ ክትስዕርን ክትሳዓርን ንቡር ምዃኑ ፈሊጥካ፡ ኣብ ዝተሰዓርካሉ እዋን ተሳዒረ ኢልካ ነቲ ዝሳዓረካ፡ ስዒርካ ብምባል እምነትካ ምግላጽ እቲ ዓቢ ሚዛን ዘለዎ ናይ ዲሞክራስያ መምዘኒ እዩ። ኣብ ፖለቲካዊ ሂወት ብስዕረትካ ኣሚንካ ነቲ ዝሳዓረካ ናይ ምምራሕ ዘንጉ ብምእማን ክትክተሎ ምብቃዕ ኣገዳስን ወሳንን ናይ ዲምክራስያ ሓለገት እዩ።

ምናልባት ኣብ መጻኢ እንተ ሓገዘና እስከ ድሕሪት ምልስ ኢልና ገለ ገለ ኣብነታት ናይ ሰዓራይን ተሳዓራይን መድረኻት ኣብ ሃገራዊ ቃልስና ንመልከት። ምኽንያቱ ሰዓራይን ተሳዓራይን ክህሉ ባህርያዊ እዩ ካብ በልና፡ ኣብ ሕሉፍ ተመክሮና እውን ከም ኣብነት ክጥቀሱ ዝኽእሉ ኣይሳኣኑን። እሞ ኣብዚ ክሳብ ሎሚ ዘካየድናዮ ቃልሲ ብሰንኪ ናይ ዘይብሱል ፖለቲካዊ ባህሪ ናይ ምቅብባል ምጽውዋር ምትእምማን፡ ዝተራእዩ 2 ኣብነታት ብምጥቃስ ሓሳበይ ክዓጹ፡

1. እቲ 1981 ኣብ ውግእ ኣድሕድ ዝተሳዕረ ሸነኽ፡ ኣነ ተሳዒረ እየ ስለዚ ነቲ ዘንጊ ናይ ብረታዊ ቃልሲ ናይ ምምራሕ ነቲ ዝሳዓረኒ ይህቦ ኣሎኹ እንተ ዝብል ነሩ፡ ሎሚ እቲ ስእሊ ናይ ተቃውሞ ደምበ ካልእ ኣውንታውን ዝተቀራረበን መልክዕዶ ኣይማሃለዎን

2. 2010 ሃገራዊ ዋዕላ ኣብ ኣዋሳ ዝተጋባኣሉ እዋን እዩ ነሩ፡ እቲ ዝበዝሐ ሸነኽ ናይ ተቃውሞ ደምበ ንኺድ ጥራሕ ኣብ ዝብለሉ ዝነበረ እዋን፡ ገለ ውሑድ ሸነኽ ግን ኣይፋልኩምን ኣይንታሃወኽ ጽባሕ ከይንጽገም ሎሚ ኣጽፍፍና ንእቶ ብምባል ምሕጽንቱኡን ስክፍቱኡን ስለዘቅረበ ጸማም እዝኒ ተውሃቢዎ፡ ውጽኢቱ ድማ እቲ ዘለናዮ ኣታሃላልዋ ዝገልጾ እዩ። እሞ ኣብዚ እንተኾነ እውን እቲ ኣነ ዝተኸተልክዎ መስሪሕ ኣይሰርሐን ጌጋ እዩ ነሩ ብምባል፡ ነቲ ከስርሕን ከዕውትን ዝኽእል መንገዲ ሒዙ ንዘሎ ሸነኽ ብዕግበት ተሳዒረ ኢልካ ክትገድፈሉ ከለኻ፡ ዓቢ ኣብነት ንዲምክራስያዊ ህንጸት ኮንካ ብምብጃውካ፡ ንስኻ እውን ኣካል ናይቶም ዝሳዓሩ ክምዝገብረካ ርግጽ እዩ። ነዚ መስሪሕ እዚ ምስ ንክተል ጥራሕ ኢና እምባኣር ኣብ ዝሓሰብናዮ ዕላማ ክንበጽሕ ንኽእል።

ኤርትራ ሃርና ትባረኽ

 

Last modified on Saturday, 16 July 2016 23:23