ቀይሕ መስመር ንዝሰገረ ስሩዕን መንግስታውን ገበናት ሱዳን. ብሓደ ድምጺ ይኣክል ንበሎ!!!

2016-07-16 10:13:15 Written by  ተስፋልደት ኣብርሃ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2687 times

 ንኹሉ ወጽዓ ንምምሓውን ፍትሒ ንምንጋስን ዝቃለስ ኤርትራዊ ብዘይ-ሓደ ጎደል ዝምልከት እዋናዊ ጉዳይ፦ ኩልኹም ብዝተፈላለየ ማዕከናት ዜናን፣ ማሕበራዊ መድያን ክትሰምዕዎ ከምዝጸናሕኩምን ዘለኹምን፣ ህዝብና ካብቲ ኣራዊታዊ ስርዓት ህግድፍ  ህይወቱ ንምድሓን ፣ነቲ ካብ መቕዘፍቲ ተኲስካ -ቅተል ዝብል   ጭከና ህግድፍ ድሕሪ  ምምላጥ፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ዘጋጥምዎ ናይ ህይወትን ሰብኣዊ ክብርን  ሓደጋታት ኣዝዮም ብዙሓትን ካብ ነንሕድሕዶም ዝኽፍኡ ኣስካሕካሕትን ምኳኖም ንሕና ዘይኮነስ  ዳርጋ ንምሉእ ዓለም ዘስደመ  ፍጻሜታት ንዕዘበሉ ዘለና መዋእል ስለዝኾነ ምዝርዛሮም ዘድሊ ኣይመስለንን።

ነዚ ኹሉ ጠንቂ ስርዓት ህግድፍ ምኻኑ'ውን ፣ኣብ መወዳእታ ናይ ዝሓለፈ ውርሒ ብፍሉይ  ንጉዳይ ሽግር ህዝብና ንምምርማር  ዝተጋብአ ፣ኮምሽን ገበን ጸረ ሰብኣውነት ሓቅነቱ ድሕሪ ምርግጋጽ፣ ምስ 'ቲ ሓፈሻዊ መምርሒታት  ኣህጉራዊ ሕጊ ከም ዝማማዕ  ድሕሪ ምምዛን፣ብርግጽ ገበን ከምዝተፈጸመ ጥራይ ዘይኮነ፡ክሳብ ብስሩዕ ኣገባብ ካብ ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንት ናብ ኩሎም ኣካላት ብዝዝርጋሕ  ኣገባብን ሜላን ምኳኑ እኹል ስነዳት ድሕሪ ምእካብ፣ ኣስማት ፈጸምቱ ብዝርዝር ብዕሹግ ቡስጣ ናብቲ ዝለዓለ ብይን ዝህብ ኣካል ስለዘመሓላለፎ፣ ብዛዕባ ገበናት ተፈጺሞምዶ ኣይተፈጸሙን ብምባል ንካታዓሉ ግዜ ሓሊፉ ጥራይ ዘይኮነስ ብሕጂ ክውሰኽ ዝኽእል ፍጻሜታት ነውርን ገበንን እንተዘይኮይኑ ክጎድልን ክመሓየሽን ዝኽእል ነገር ከምዘየለ ተረጋጊጹ እዩ።

ሱዳን ኣካል ናይቲ መገብኣያ  ብምኳን ዝተዓዘበቶን፡ ብምሉእ  ድምጺ (100%) ተሰማሚዑ ናብቲ  ዝለዓለ ዝምልከቶ ክፍሊ ሕቡራት መንግስታትን ኣካላቱን ንውሳኔ ኣሕሊፍዎን እናተዓዘበ'ድኣ፡ ስለምንታዩ፡ መንግስቲ ሱዳን ብስሩዕ ኣገባብ ነቲ ገበን  ንቦታ ወታሃደራት ህግድፍ ብምትካእ ፡ነቶም ናይ ድሕነቶምን ሰብኣዊ ክብሮምን ሕጋዊ ተሓታቲ ክኸውን ዝግበኦ ወገናትና ፣ነቲ ዓለም ዝወገዞ ተግባራት ክንዲ ዝማሃረሉ ፡ ኣብ ቦታ ስርዓት ኢሳያስ ተመሊሱ ዳግማይ ከተግብሮ መሪጹ? ኢሳያስ ክፈትዎሉ ደኾን ይኸውን ወይስ ኤርትራውያን ዝዘርየሎምን ዘእውየሎምን የለን ብዝብል። ወይስ እተን ብስም ህዝቢ ክዛረባ ዝኽእላ ገለ ፖለቲካዊ ውድባት'ውን እንተኾነ፣ ኣብ ርእሲ'ቲ ዝጸንሐን ተራ ዘይብሉ ህላዌአን ደንዲንወን እዩ።

እንባኣርከስ  ከም ህዝብን ደለይቲ ፍትሕን መጠን ፣ዓቕምናን ሕልናናን ልዕሊ'ቲ ኩሎም መለኽትን ገበነኛታትን ዝውንንዎ ዓቕሚ ብረትን ቁጽሪ ወታሃደራትን ክኸውን ከምዝኽእል ኣብ ካልእ ከይከድና ካብዚ ኣብ ጀነቫ ዝቐነየ ሓይሊ ህዝባዊ ማዕበል ኣይካኣለን'ዩ ክትብል ይገብረካ።  እቲ ናይ ነውርን ገበንን ግምታቶም ብዘየገድስ ግን ፣ፖለቲካዊ ውድባት ዲፕሎማስያዊ ጥንቃቐን ዕቃቤታትን ክገብሩ ክንካታዕ ዘይኮነ፡ እዞም ብስሩዕን መንግስታዊ ደረጃን ምስ ሓይልታት ስለያ ህግድፍ ብምውህሃድ፣ ነቲ በብቑሩብ ካብተን ኣብ ጥቓ ዶብ ዝርከባ መደበር ስደተኛታትን ከተማታትን ዝጀመርዎ ምትሕብባር ጭውያን ስለያን ህግድፍ፣ ኣብ ግሉጽን እዉጅን ብሓይልን ብጅምላዊ ግፋን ክሳብ  ካርቱም በጺሑ፣ ድሮ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብኣስገዳድን ግፋን ፣ክቕተሉ ከምዝኽእሉ እናፈለጠን ኮነ ኢሉን ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ኣብ መላእ ኤርትራ ዝግበር ግፍዒ ፡ኣብ መላእ ሱዳን ይትግብሮ ስለዘሎ ! ንሕና ከም ደለይቲ ፍትሕን ህዝብን መጠን ፣ካብ ሰማዕትን መውረይቲ ሕሰምን ህዝብና ካብ ምዃን ወጺና ፣ብኸመይ ዋልታን ድርዕን ህዝብና ኮይና ንምክቶን ነፍሽሎን ግዴታን ሓላፍነትን ኣለና። 

ኣብዚ ከይጠቐስኩዎ ክሓልፍ ዘይደሊ'ውን ፣ ኣብዚ ዓለም ብጉዳይ ጸገም ህዝብና  ተጋቢእሉ ዝቐነየ ገበናት ጸረ ሰብኣውነት ፣ወኪል መንግስቲ ሱዳን ባዕለይ ብዓረብ ክዛረብ ከምዝሰማዕኩዎ፣ ዋላ'ውን እቶም ዝርካቦም  ምስ ስርዓት ኢሳያስ ክደናገጹ ዝፈተኑ ነቲ"ናይ 1997 ቅዋም ንኽትግበር "ክጽውዑ እንከለዉ ፣ ከይሓፈረ ዝበሎ "መንግስቲ ኤርትራ  ሓድሽ ሕጊ ይነድፍ ስለዘሎ ነቲ ሓድሽ ሕጊ ነዲፉ ናብ ህዝቢ ከቕርቦ  ዕድል ይዋሃቦ" ክብልየ ሰሚዐዮን። ስለዚ ስርዓት ሰዳን ፖለቲካዊ ደጋፊ ኢሳያስ ጥራይ ዘይኮነስ ፣ኣብ ስሩዕ ምጽናት ህዝብና ጥርጡር ፣ካብ ኣህጉራዊ ሕጊ ኮነ ሰብኣዊ ርህራሄ ወጻኢ ብዝኾነ ድማ ክቕተሉ ምኻኖም እናፈለጠ ፣ነቶም ካብ ቤት ማእሰርትታትን በረኻታትን ኤርትራ ንኸምልጡ ሓለዋ ኢሳያስ ዘይካኣሎም፣ ብግፋን ቃጻን መልክዕ ንህግድፍ ከረክቦም እንከሎ ፣ክሳብ በቶም ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኮነ ናይ ሕጊ ሰብ ሞያ ፣ከም ኣካል ዶብ ሰገር ገበንን ጸረ ሰብኣውነትን ብኣህጉራዊ ሕጊ ክሲ ንምቕራብ ከይተረፈ ክትድህስስዎ ዘለኩም ጉዳይ  ኮይኑ ይስማዓኒ። ንግዚኡ ግን ኣብቲ ቀንዲ ብዘይ ውዓል-ሕደር  ክንገሮ ይግባኣና'ዩ ኢለ ዘተኮርኩሉ ነጥብታት ብምድሃብ ነዞም ዝስዕቡ ሓሳባት ከካፍለኩም ይፈቱ።

1--ብስም ህዝቢ ኤርትራ መንግስቲ ሱዳን ብስሩዕ ኣብ ልዕሊ ወገናትና ዝገብሮ ዘሎ ናይ ታሪኽን ሕግን ግህሰትን ነውርን ፣ናብ ዝምልከቶ ኣህጉራዊ ትካል ክስን ስምዕታን ምቕራብ። 

2- ብኡ መልክዕ ናብ ኩሎም ዝምልከቶም ዞባውን ኣህጉራውን ዓንኬላት ዲፕሎማስን ሰብኣዊ መሰላትን መዘክር ምቕራብን ፣ብስኑድ ህዝባዊ ደገፍ*( petition) ምስናዩን።

3- ንኣብከባቢና ዝርከቡ ሱዳናውያን ሚሲዮናት ዲፕሎማሲ ካብ ብውልቀ ሰብ  ደረጃ ክሳብ ብኮሚኒቲ፣ ብንጹር ምሕባርን ምጥንቃቕን። ክሳብ ሰላማዊ ሰልፍታት’ውን ምክያድ።

እዚ ተግባራት ምክያድ ግዜ ዘይህብን ንጽባሕ ዘይበሃሎን ጉዳይ ኩላትና  ደላይቲ ፍትሒ ኮይኑ፣ ብዘይካቲ እቲ ፍቱንን ኣድማዕን ናብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት  ዝጣበቕን ናይ ሕግን ፖለቲካን ሰብሞያ ክገብርዎ ዝግበኦም ፣ከም ህዝቢ በብዞባና ሽማግለታት ብምምዛዝ ክንብገስ ከምዘለና፡ ከም ኣካል  ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ዕማማት ህዝባዊ ውክልና ንፍትሕን ሰላምን ክንርእዮ ዘለና መድረኻዊ ኣካል ቃልስና ኮይኑ  ይስማዓኒ!!!.

ኣብዚ ዘለናዮ መዋእል ንስለ ንሓውኻን ሓብትኻን ዘይኮነስ ፣ካብ ንሓፈሻዊ ክብርታት ሰብኣዊ መሰል ክሳብ ኣኽላባትን ደማሙን'ውን መሰሎምን ክብሮምን ከይጋሃስ ዝጣበቑ ሰባትን ማሕበራትን እናርኣና ፣ንመሰልን ክብርን ህዝብና ንምውሓስ ዘየማትእ ተበግሶ ብምውሳድ፣ ታሪኽ ክንሰርሕ ወገናትና ይጽውዑና ኣለዉ!!! ጉዳይ ብዙሓት ንውሑዳት ክንዲ ንገድፎ ንሳተፎ ! 

ንፍትሒ ዝጣበቕን ዝቃለስን ወትሩ ክቡር !

ገበነኛን ተዓዛቢ ገበንን ድማ ውትሩ ሕሱር !

ተስፋልደት ኣብርሃ።

15 ሓምለ 2016

Last modified on Saturday, 16 July 2016 12:21