ኤርትራ’ሞ ድሕሪ ህግደፍ’ውን ክትህሉ’ያ

2016-07-15 06:26:07 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1797 times

ዝኾነ ሰብ ንሃገሩ ስለ ዘፍቅር ከምታ ልዕሊ ኩሉ እትኽበር ኣዲኡ “ወላዲ ሃገራይ” ይብላ። ኤርትራ ድማ ካብዚ ንላዕሊ ከም ኣደ ጥራይ ዘይኮነ ከም ብሌን ዓይኒ ነፍሲ ወከፍ ዜጋኣ ክትፍቀር፡ ክትክበርን ክትሕሎን ናይ ግድን እዩ። ምኽንያቱ ቀሊል እዩ። ኤርትራ ንዓና ብኤውሮጳውያን ዝተኸለለት እሞ ደሓር ኤውሮጳውያን ገዛእቲ ምስ ተሳዕሩ ብቐሊሉ ዝተረከብናያ ናጻ ህያብ ዘይኮነስ፡ ኣዝዩ ነዊሕ ግዜን ክቡር ዋጋን ዝተኸፍላ ስለ ዝኾነት። ኤርትራ ሃገራዊ ግርማን ክብርን ዘልብሳ ኣዝዩ ብዙሕ ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ፡ ተመራጺ ኣቀማጣን ጻዕራምን ጸዋርን. ህዝቢ’ውን ዘለዋ መኮአኛን ዕድለኛን ሃገር እያ።

ኤርትራውያን “ናትና እንብላ፡ ኣፍና መሊእ እንዛረበላን ኣራጢጥና እንረግጸላን ሃገር ክንውንን ብዙሕ ጽዒርናን ተሰዊእናን። ድኻምናን ክሳራናን ከኣ ብዘይ ዋጋ ኣይተረፈን። ልኡላዊት ሃገር ወኒንና። ኣብይ’ዩ ሃገርካ? ክንበሃል እንከለና ኣፍና መሊእና “ኤርትራ” ንምባል በቒዕና። እዚ ኣንጸባራቒ ውጽኢት ቃልስና ኮይኑ፡ ናይ መወዳእታ ሽቶና ከም ዘይኮነ ግና ደጋጊምና ገሊጽናዮ ኢና። እቲ ዝጐደለ፡ ክብሪ ሃገር ሓልዩ፡ ንህዝቢ ኣሰሊፉ፡ ፍትሕን ርትዕን ኣንጊሱ ህዝቢ ናይ ሃገሩ ጸጋን ክብርን ተጠቃሚ ከም ዝኸውን ዝገብር መንግስታዊ ምምሕዳር ኣየጥረናን። እቲ ናይ ሕጂ ቀንዲ ዕዮ ገዛና ከኣ ነዚ በዂሩና ዘሎ ሃጓፍ ምምላእ እዩ። እቲ ንህልዊ ኩነታት ቃልስና ዝያዳ መሪርን ዝተሓላለኸን ገይርዎ ዘሎ ከኣ እቶም ኤርትራ ከም ሃገር ክትዕቀብ ዝበሃግናን ሓደ ኣካላ ኮይና ዝተቓለስናን፡ ኤርትራ ናይ ኩሎም ኤርትራውያንን ፍትሓዊትን ንክትከውን ኣብ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ግና ኣብ ሓደ መስመር ዘይምህላውና እዩ።

ገሌና ኤርትራ ከም ሃገር ልኡላዊትን ንዘለኣለም ነባሪትን እያ። እቲ ዝመርሓ ስርዓት ከም ህግደፍ ዝኣመሰለ ዘይትብህጎ ክኸውን እንከሎ ግና ክቕየርን ክውገድን ናይ ግድን እዩ ንብል። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ ስርዓታት ብውሽጢ ማዕረ ባህጊ ህዝቦም  ኮይኖም ኣብ ዘይተረኽብሉ ህሞትን ብግዳም ብዝረኣ ሓፈሻዊ ምዕባለን ዝቕየሩ እምበር ከምዚ ጉጅለ ህግደፍ ከም ቁርዲድ ተላሒግዎ ዘሎ፡ ነበርቲ ኣይኮኑ ዝብል እምነት’ውን ኣለና። ውሑዳት ጉጅለ ህግደፍ ዝቐላሲኦም ኤርትራውያን ብኣንጻሩ “ኤርትራ ብመለኮታዊ ሓይሊ ንህግደፍ ዝተዋህበት እያ” ብዘስምዕ መልክዑ ካብ ህግደፍ ዝተፈልየ ህልውና የብላን። ንሱ ተዘየለ ንሳ እታ ብመስዋእቲ ብዙሓት ኤርትራውያን ጀጋኑ ዝመጸት ኤርትራ ይትህሉን እያ፡ ክሳብ ምባል ይሻድኑ። ስለዚ ካብ ህግደፍ ዝሓሸ ስርዓትን ምምሕዳርን ክንረክብ ኢና ኢልኩም ነዛ ሃገር ከይተጥፍእዋ እንዳበሉ የፈራርሑና እሞ “ንሕና ንሳ ንሳ ድማ ንሕና” ብዝብል ጉልባቡ ዝቐለዐ ቅጥፈት ይድምድሙ። እዚ ኤርትራሲ ናይ ኩሎም ደቃ ዘይኮነስ ናይ ውሱን ጉጅለ እያ እዩ ትርጉሙ። ኣብ ልዕልናን ወሳንነትን ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎም ግጉይ መደምደምታ’ውን ካብዚ ዝፍለ ኣይኮነን።

ብናተይ እምንቶ ናይዚ ሕጂ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዶብ ሰጊሩ ንዓለም ዘገረመ ጸገማት፡ ጠንቂ ሓደን ሓደን እቲ ሓላፋይ ግና ክሳብ ዝሓልፍ ህዝቢ ዘሕልፍ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ጥራይ እዩ። ስርዓት ህግደፍ ተወጊዱ፡ ካብኡ ብመሰረቱን ብባህሪኡን ዝፍለ ኣብዘሓ ዝኣምን፡ ልዕልናን ወሳንነትን ህዝቢ ዝቕበል፡ ኮታ ህዝቢ ናተይ ብዝብሎ ሕገመንግስቲ ተቐይዱ ዝመርሕ መንግስቲ ኣብ ዝሃለወሉ ኩሉ ጸገማት ኤርትራን ህዝባን ክፍታሕ እዩ። እቲ ሓቂ እዚ እንዳሃለወ ገለገለ ወገናት ነቲ ሓቀኛ ምኽንያት ንጐድኒ ገዲፎም፡ ንናጽነትናን ልኡላውነትናን ብጐቦ ዓይኖም እንዳጠመቱ፡ ኤርትራ ከም ብቑጠባ’ውን ነብሳ  ዘይትኽእል ኣምሲሎም ዘቕርቡ እሞ ካልእ ዘይቅዱስ መድሃኒት ክእዙላ ዝደናደኑ ወገናት ንዕዘብ ኢና። ኣብቲ ሓቂ ንምምጻእ ግና ኤርትራ ዳርጋ ኣብ መብዛሕትአን ዝማዕበላ ሃገራት ዘሎ ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ ኣለዋ። ንህዝባ ዝቕልብ እኽሊ ከፍሪ ዝኽእል ልሙዕ መሬት ሕርሻ ኣለዋ። ጻዕራምን ብጽፍሩ ዝነብርን ህዝቢ’ውን ኣለዋ። ብዓይኒ ንግዲ እውን ቀይሕ ባሕራ ዝተዓጥቀት ብዘይምግናን ምችእትን ተበሃጊትን እያ። ድሕሪ እዚ ምውናን እቲ “ብቑጠባ’ውን ነብሳ ኣይትኽእልን እያ” ዝብል ምስምስ እንታይ ኣምጸኦ።

ኣብ ሓደ ቦታ “ምኽርን መግብን ካብ ገዛ፡ ክኸውን እንከሎ ይምረጽ” ዝብል ቁምነገ ኣንቢበ ኣለኹ። እስኪ ነዚ ምስላ ናብ ህልዊ ኩነታትና ነምጸኣዮ። እቶም ብርሑቕ ኮይኖም ብዛዕባ ኤርትራ ዝወራዘዩ፡ ካብ ዘይምፍላጥ ወይ ሕቡእ ኣጀንዳ ካብ ምሓዝ ዝብገሱ ንግደፎም፡ ግና ንተዓዘቦም። ንሕና ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን እስከ ነናትና ስራሕ ንስራሕ። ቀንዲ ጠንቂ ጸገምና ግጉይ ኣተሓሕዛ ጉጅለ ህግደፍ ጥራይ ምዃኑ ብግቡእ ነስተማቕሮ። እቲ ዝድህሰስ ሓቂ’ውን ንሱ እዩ። ነዚ ጉጅለ ኣወጊድና ኣብ ክንዳኡ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ክሳብ ዝተኸልና መሰረታዊ ጸገምና ከም ዝፍታሕ ከኣ ብፍርቂ ዘይኮነስ ብምሉእ ልብና ንእመን። ንእምነትና ድማ ኣብ ባይታ ብግብሪ ነርእዮ። ድሕሪ እዚ ኤርትራ ብኸምዚ ሕጂ ዘላቶ ቃንዛን እህህን ዘይኮነስ፡ ሃብታም ቅስንትን ኩሉ መሰል ህዝባ ዝተሓለወላን ሃገር ኮይና ክትነብር እያ።

Last modified on Friday, 15 July 2016 08:30