ንውጹዕሲ ትሕግዞ እምበር: ኣይተጋፍዖን

2016-07-20 06:55:17 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2106 times

ንፍትሕን ሰላምን ዝቃለስ፥ ንውጹዕ ዘብኡ ኩሉ ክርህዎን፥ ፍርዲ ዝሰኣነ ፍትሒ ክረክብን ዝጽዕር ዘበለ ፍትሓዊ እዩ። ንውጹዕ መሊስካ ምውጻዕን ምግፋዕን፥ ኣንጻር ምልኪ ዘይተላዕለ ኢልካ ምንእኣስን ግና ናይ መለኽቲ ባህሪ ብምዃኑ ድው ክብል ዘለዎ እዩ።

ኣብ ኤርትራ ዝነብር ህዝቢ፥ ዋላ’ቲ ነቲ ስርዓት ዘገልግል ኣባል ምክልኻል ሃገር፡ መምህር ወይ ጸሓፋይ ኮታ፡ ኩሉ ኣብ ትሕቲ እቲ ስርዓት ዝናበር ኤርትራዊ ውጹዕ እዩ። ብዘይካ እቶም ውሑዳት መጋበርያ እቲ ስርዓት ኮይኖም ንህዝቢ ዘበሳብሱ ዘለዉን፥ ሽመት ክንውስኽ ኢሎም ገበን ዝፍጽሙ  ዘለዉን ገዲፍካ ካልእ ኩሉ ግፉዕን ውጹዕን እዩ። ንሕና  “ደለይቲ ፍትሕን  ለውጥን ኢና” ኢልና እንቃለስ ዘለና ኤርትራውያን፥ ነቲ ውጹዕ ሓራ ንምውጻእ እምበር፡  ኣብ ትሕቲ እቲ ስርዓት ይናበር ስለዘሎ ጥራይ፡ ከምቲ “ወዲ ዓሻስ ክልተ ግዜ ይውቃዕ” ዝበሃል መሊስና ኣደራዕ ክንኮኖ ርትዓዊ ወይ  ፍትሓዊ ኣይኮነን። እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ህዝቢ ከምዚ ኣብ ወጻኢ ዝነብር ዘሎ ኤርትራዊ ርህይዎን ጥዒምዎን ይነብር የሎን። ነታ ድራር እለቱ ክርክብ ድምጹ ከትሕት ወይ ሃገሩ ጠንጢኑ ክስደድ ኣለዎ።  ስለዚ በዚ ኣብ ደገ ዘሎና ቅሳነትን ናጽነትን ተደሪኽና ነቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ህዝብና ከማና ክንርእዮ ፍትሓዊ ኣይኮነን።

ካብ’ቲ ተራ ህዝቢ ኣትሒዝካ ክሳብ እቲ ኣብ ኣብያተ ጽሕፈት መንግስቲ ሓላፍነት ዘለዎን ዋላ ውሑድ ይኹን ደሞዝ ዝኽፈልን  ኣብቲ ወተሃደራዊ ክፍሊ ዝተፈላለየ ጽፍሒ መዓርግ ካብ  ዘለዎምን፡ ነቶም ዲቕ ዝበሉ መሳርሒ እቲ ስርዓት ፈሊና ከነለሊ ናይ ግድን እዩ። እዚ ማለት መላእ ህዝቢ ኤርትራ ደጋፍን መሳርሕን እቲ ወጻዒ ስርዓት ኣዩ ኢልካ ካብ ምድምዳም የድሕነካ ንምባል እዩ።

እቲ ጉዳይ እምበኣር፡ ወጻዕን ተወጻዕን ፈላሊና ክንጥምትን ክንመዝንን ከም ዝግበኣና እዩ ዘርእየና። ካብዚ ብምንቃል ኤርትራ ናይቶም ወጻዕቲ ጥራሕ እያ፡ ዝብል ተንታን ፍጹም ቅኑዕ ኣይኮነን። ምኽንያቱ እታ ሃገር ናይቶም ውጹዓትን ወጻዕትን ናይ ሓባር እያ። እቲ ንዕዘቦ ዘለና ፍልልይ ፍትሕን ቅኑዕ ዲሞክራሲያዊ መሕደራን ዘይምህላዉ ዘምጽኦ እዩ። እታ ሃገር ኣብቶም ክልተ ተጻረርቲ ኣካላት ኣይትምቀልን እያ። ምኽንያቱ እቶም ወጻዕትን ተወጻዕን ካብ  ህዝቢ ኤርትራ ዝወጹ ስለዝኾኑ ክልቲኦም ኣካላት ናይቲ ህዝቢ እዮም። እታ ሃገር እውን ናይቲ ህዝቢ እያ።  ከም’ዚ ብምዃኑ ኣብ መንጎ ክልትኦም ወገናት ወጻዕን ተወጻዕን ዘሎ መሰረታዊ ናይ ረብሓ ፍልልይ ከየስተብሃሉ  ስለዝደገፉ ጥራሕ፡ ብኣልማማ ኣካል ናይቲ ወጻዒ እዮም ኢልካ ፍርዲ ምሃብ ዘይስነፍልጠታዊ እዩ። ኣብ ኩሉ እቲ ጽፍሕታት ናይቲ ስርዓት፡ እንተላይ ኣብቲ ምክልኻል ሃገር  ኣብ ውሽጡ ለውጢ ዝደልን   ለውጢ ዝዕንቅጽን ኣለዉ።

ኣብዚ ዝያዳ ክበርህ ዝግበኦ ጉዳይ፡  ኣብ ናይ ሎሚ ኤርትራ ህዝብን መንግስትን ሓደ ኣይኮኑን፥ ምኽንያቱ እቲ መንግስቲ ናይ ህዝቢ ኣይኮነን። ብኻልእ ኣዘራርባ እቲ መንግስቲ ብፈቓድ ህዝቢ ዘመርጸ ሰለዘይኮነ እቲ ህዝቢ ኣገልጋሊ እምበር ተገልጋሊ ኣይኮነን። እቲ ህዝቢ ነቲ መንግስቲ “ፎእ” ካብ ዝብሎ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ ኣሎ። ስለዚ እቲ ሓቂ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ ክነሱ፡ኣቂሓቂሕ ንሕና እቶም ተቓወምቲ ነቲ ህዝቢ ማዕረቲ ዓመጸኛ ስርዓት ከነወግዞ ኣይግባእን። ህዝቢ ዲሞክራሲ፥ ፍትሕን ናጽነትን ስኢኑ ብህግደፍ ተቐፊዱ እናሃለወ፡ ብቕጽበት ተዘይተላዕለ ክንብል ርትዓዊ ኣይኮነን። እዚ ስርዓት’ዚ ደገፍቲ የብሉን። እቶም “ደገፍቱ ኢና”፡ ዝብሉ’ውን ረብሓኦምን ጥቕሞምን ከይጐድል እንተዘይኮይኑ ብልቢ፡ ናቱ ኣይኮኑን።

ስለዚ ንሕና ኤርትራውያን ምእንቲ’ዛ ሃገር ዘፍሰስናዮ ደምን ዝኸስከስናዮ ኣዕጽምትን እኮ፡ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ብሓባር ናጽነትን ሓርነትን ከስተማቕር እምበር ንምጉዝዛይ ኣይነበረን። ከምኡ ስለዝኾነ ድማ ሎሚ’ውን እቲ ደጋፍን ተቓዋምን ተባሂሉ ዝፈላለ ዘሎ ህዝቢ እታ ሃገር ትኹን ፍትሕን ዲሞክራስን ብማዕረ እዮም ዝብጽሕዎን ዝጽበዮምን። ኣብ ነንሓድሕድና ከምቲ “ጀብሃን ሻዕብያን” እናበልና ተፈላሊና ዓወት ካብ ኣፍደገ ገዛና ዝተመልሰትን እንደጋና ክትመጽእ ነዊሕ ግዜ ዝወሰደትን ከይከውን ብኣተሓሳስባ ናብ ደረጃ ሓባራዊ ሃገራውነት ክብ ክንብል ይግበኣና።

 

Last modified on Wednesday, 20 July 2016 08:59