መጠንቀቕታ ንኹሎም ሓተቲ ዑቕባ

2016-07-29 08:34:35 Written by  በይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንደሞክራሲያዊ ለውጢ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 3332 times

BayAreaLogoNew

ከም ዝፍለጥ ኣብ 2014 ኣቐዲሙ ዝወጸ መጠንቀቕታ ምንባሩ ዝዝከር’ዩ።እዚ ተዳጋጋሚ ዝወጽእ ዘሎ መጠንቀቕታ ተግባራዊ ንክኸውን በይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንደሞክራሲያዊ ለውጢ: ነዚ ጉዳይ ብዕቱብ ሒዙ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ሰብ መዚ ኢምግረሽንን ሆምላንድ ሰኩሪቲን (department immigration and homeland security) ብምትሕብባር: ነቶም መሰል ዑቕባ ሓቲቶም ክነሶም 2% ዚኸፍሉን ናብ ዓዲ ዝመላለሱን ንምልላይን ስጉምቲ ንምውሳድን ዕዉት ስራሕ የሳላሰል ኣሎ።

ነቲ ናይ 2014 መጥንቀቕታ ሸለል ብምባል ንዝሃብኩሞ ማሕላ ኪሕድኩም፡ ተመሊስኩም ምስቲ ኣደዳ መከራን ስደትን ዝገበረኩም ስርዓት ክትዳናገጹን ክትተሓጋገዙን ሕጊ እዚ ትነብርሉ ሃገርን ሕጊ ስደተኛታት ዓለም ዝጥሕስ ገበን ትፍጽሙ ምህላውኩም ክትግዘቡ ይግባእ። ስለ ዝኾነ ድማ ብሕጊ’ቲ ትነብርሉ ሃገር ናይ መንበሪ ፍቃድ ወረቀትኩም ናይ ምሕዳግን ክሳብ ናይ ምጥራዝ ናብ ኤርትራ ከም ዘሎ ትዝንግዕዎ የብልኩምን። ድሮ ውን ሃገራት ኤሮጳ (European countries) ከም በዓል ስዊዘርላንድን ሆላንድን ነዚ መስርሕ ጀሚረንኦ ከም ዘለዋን ብዙሓት ሓተቲ ዑቕባ ኤርትራውያን: ደገፍትን ተደናገጽትን ስርዓት ህግደፍ ድማ ግዳይ ኮይኖም ኣለዉ።

ኣብ ከምዚ ኩነታት ከይትበጽሑን፣ ምእንቲ ፍትሕን ሓቅን ደው ክትብሉን  ኣብ ዝሓለፈ መጠንቀቕታ ተገሊጹ ኔሩ’ዩ። እቶም ንዝተዋህበኩም ምኽርን ማዕዳን ነጺግኩም ደድሕርቲ ዓማጺ ስርዓት ተዳኽሩ ዘለኹም ዕድመ፡ ጾታ ብዘየገድስ ከነጋልጸኩም ምኻና ደጊምና ነተሓሳስብ። ኣብዚ ሃገር ዑቕባ ዝተዋህበኩም ምኽንያት ብስርዓት ህግደፍ ግፍዒ፣ ስቓይ፣ መከራን ሽግር ስለ ዝበጻሓኩምን ከምሰብ ድማ ምንባር ስለ ዝተኸልከልኩምን ኢኹም:: ነዚ ሓቀኛ እኩይ ባህሪ ናይቲ ስርዓት ገሊጽኩም ናይ ዕቁባ መሰልኩም ረኺብኩም ከትብቅዑ ግን: ነቲ ንማሕላኹም ኣሚኑ ከም ሰብ ዘዕቆበኩም ህዝብን ሃገርን ሕጉ ኣክቢርኩም ክትነብሩ ትጽውዑ ኣለኹም::

ብፍላይ መንእሰያት: እዚ ኩሉ ሓሶትን ጥልመትን ብዋጋ እቶም ከማኻትኩም ምንባር ምስ-ሰኣኑ  ሃጽ ኢሎም ነዚ ንስኻትኩም ረኺብኩሞ ዘለኩም ዕድል ንምርካብ ግን ድማ ከይበጽሕዎ ዕደመ ንእስነቶምን ክብርቲ ሂወቶምን ንቡር ቀብሪ’ኻ ከይረኸቡ ብዓሳታት ባሕርን ኣሞራታት ሳህራን ዝተበልዑ መዛንኩም ፣ብዋጋቶም እንተስ  ትሕዝቶ ሓጺርዎም ወይ ዕድል ተዓጺዎም መዋእሎም ሓለውቲ ድፍዕን፣ ግዳያት ማእሰርትን ሞትን ናይቲ ስርዓት ዝኾኑ  ዘለዉ መንእሰያት የሕዋትኩም፡ ኣያታትኩምን ኣቦታትኩምን ምኻኑ’ዩ። እቶም ኣቦታትን ኣዴታትን ትብሃሉ’ውን ከማኻትኩም ወሊዶም እንከለዉ ብሰንኪ’ቲ ተሳስይዎ ዘለኹም ዓማጺ ሰርዓት ውሉዳቶም ስኢኖም ከይኣክል ነቲ ብማዕዶ ዝሰምዕዎ መርድእ ደቆም እኻ ንቡር ሓዘን ከይ ገብሩሎም ተኸልኪሎም ኣለዉ። እዚ ኩሉ ሓሳረ መከራ ወለዲ፡ ስቓይን ሞትን ውሉድ እንዳ ረኣኹም ሕልናኹም ሸጥኩም ምስዚ ውልከ-ምልኪ ስርዓት ተሳስዩ ብምህላውኩም ብታሪኽ ትሓተቲ ምኻንኩም ኣይትዘንግዑ። ብቐንዱ እቶም ካብ መንግስቲ ሓገዝ እንዳ ወሰድኩም፡ ነዚ ግብረ-ሽበራ ዚሙውል ስርዓት ህግደፍ 2% ትኸፍሉ፡ ሆም-ላንድ ሰኩሪቲ ምስ ኢምግረሽን ብምትሕብባር፡ ሓበሬታ ኣብ ምእካብ ከምዝርከብን በዚ ድማ ብዙሓት ግዳይ ናይ ወረቐት ምሕዳግን ምጥራዝን ክትኮኑ ምኻንኩም ክትርድእዎ ይግባእ። 

ብፍላይ እቶም ንፌስቲቫላትን፡ ባዓላትን፡ከምኡ’ውን ፕሮፕሮጋንዳዊ ስለያዊ  ሰርሓትን ተዋፊርኩም ነቲ ኣብ ዕርበተ ሞቱ ዝኸይድ ዘሎ ስርዓት ባላ ኮንኩም ትድግፍዎ ዘለኹም ዋጋ ጥልመት ውጹዕ ህዝቢ ትፍደይሉ ሰዓት ኣኺሉ ኣሎ። ናይዚ ኣብነት ድማ ኣቅድም ኣቢሉ ኣብ ስዊዘርላንድ፡ ሕጂ ድማ ኣብ ሆላንድ እቶም ዑቕባ ተዋሂብዎም ክነሶም ምስ ስርዓት ህግደፍ ዘውደኽድኹን ዓዲ ዝመላለሱን ኤረትራውያን ተለልዮም ናይ ዑቕባ ወረቐቶም ተሓዲጎም ናብ ኤርትራ ዝጥረዝሉ መዓልቲ ይቖጽሩ ኣለዉ። ኣብ ካሊፎርንያ ውን በይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንደሞክራሲያዊ ለውጢ:  ዝርዝር ኣስማት ናይ 28 ኤርትራ በጺሖም ዝተመልሱ ሓተቲ ዑቕባ (ካብ ሳንሆዘን ከባቢኣን 8: ኦክላንድን ከባቢኣን 11: ሳንታሮዛ 6: ሳንፍራንሲስኮ ድማ 3) ናብ ሆም-ላንድ ሰኩሪቲ አረኪቡ ከምዘሎ ነፍልጥ። ድሮ ውን ኣስማቶም ኣብ ዳታበይዝ ተታሒዙ ናይ ምጽራይ ስራሕ ጀሚሮም ኣብ ምክትታሎም ይርከቡ። ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ውልቀ ሰባት ንፈልጥ እንተ ኮይና ድማ ምእንቲ ከነቃልዖም ምሉእ ሓብሬታ ብምስዳድ ክትተሓባበሩና ብትሕትና ንሓትት።

ስለዚ እዞም ሓተቲ ዑቕባ ዝኾንኩም ኤርትራውያን ካብ ፈስቲባላት ህግደፍ ምስታፍን 2% ካብ ምኽፋልን ክትቁጠቡን: ምስቲ ስርዓት ዘለኩም ርክብ ብምብታኽ ምስ ህዝብኹም ክትውግኑ ትጽውዑ ኣለኹም። እንተ ዘይኮይኑ ግን ከም ቀደም ይመስለኪን ውሕጅ ይወስደክን ስለዝኮነ፡ ካብ ደሓር ዋይዋይ ሕጂ ኢደካን እግርኻን ምእካብ ትሕሸኩም።    

ሞት ንዓመጽቲ: ሰላምን ፍትሕን ንህዝቢ ኤርትራ!!  
በይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንደሞክራሲያዊ ለውጢ

Last modified on Friday, 29 July 2016 10:51