ቅድሚ ንካለኦት ምውቃስ ግደኻ ምብርካት

2016-08-03 06:31:02 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1861 times

ሓደ ዝዕመም ስራሕ ረብሓኡ ናይ ሓባር እንተኾይኑ፡ ከምቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ዕዉት ንክኸውን ናይ ኩሎም እቶም ተጠቀምቲ ኢደይ ኢድካ ከም ዘድልዮ ውሁብ ሓቂ እዩ። እቶም ተጠቀምቲ ኣብቲ ቃልሲ እውን ሰብ ግደ ዝኾኑ ኣካላት ብዝተፈላለዩ መምዘንታት፡ ክዕቀን እንከሎ ዓቕምታቶም ዝተፈላለየ ክኸውን ይኽእል። ኣብቲ ናይ ሓባር ናይ ቃልሲ መኣዲ ዝሳተፍሉ ኣገባባት እውን ከምኡ ዝተፈላለየ ክኸውን ግድን እዩ። ገሊኡ ብጉልበት ገሊኡ ብሓሳብ። ገሊኡ ብውሽጢ ገሊኡ ብግዳም። ገሊኡ ብገንዘብ ገሊኡ ድማ ብህይወት። ናይዚ ኩሉ ውሁድ ጻዕርን ኣበርክቶን ድምር ከኣ ነቲ ናይ ሓባር ሸቶ የዕውት። ከም ኤርትራውያን እቲ ኣብ ግዜ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት ዘርኣናዮ ኩሎም ናጽነትን ምኽባር መሰልን ዝብህጉ ኤርትራውያን ከከም ክእለቶም፡ ዓቕሞምን ዝንባለኦምን፡ ብዓድን ብበረኻን ዘበርከትዎን ዘመዝገብዎ ዓወትን ካባና ሓሊፉ ንካልኦት ወገናት እውን ኣብነት ዝኸውን ንኡድ ተመኩሮ እዩ።

ሎሚሎሚ ኣብዚ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ንምርግጋጽ ደሞክራስን ምኽባር ኩሉ መሰላትን እዚ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ ውህደትና ንናይ ሓባር ረብሓ እንዳረቐቐ፡ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ንሱ ክገብሮ ዝግበኦ ከይገበረ ክነቕፎን ከቆናጽቦን ንዕዘብ ኣለና። እቲ መንእሰይ ነቲ ብዕድመ ዘደፈአን  ብተመኩሮ ዝገረረን ገዲም ነቲ ሃብታም ኣውንታኡ ገዲፉ፡ ነቲ ንኡስ ድኽመቱ መዝሚዙ ክነቕፎን ከቆናጽቦን ትዕዘብ። እሞ ድማ ንሱ እቲ ነቓፋይ ካብኡ ትጽቢት ዝግበረሉ ኣበርክቶ ከየርኣየ። እቲ ገዲም ነቲ መንእሰይ ድማ ከምኡ ብግልባጡ። ኣብ መንጎ በርገሳዊ ማሕበራትን ፖለቲካዊ ውድባትን፡ ኣብ መንጎ ዝተወደቡን ብውልቆም ነበርክት ኣለና ዝብሉን፡ ኣብ መንጎ ነንሕድሕድ ውድባትን ማሕበራት እውን እዚ ናትካ ኣቐሚጥካ ብዛዕባ እቲ ካልእ ኣካል ምውርዛይ ይርአ እዩ። እዚ ኣተሓሕዛ ጉዳያት ኣንጻር ሓድነት ናይቶም ናይ ሓባር ረብሓ ዘለዎ ስለ ዝኾነ፡ ከም ብዓል ህግደፍ ዝኣመሰሉ ሓድነት ናይቶም ኣንጻሮም ዝተሰለፉ ርእሶም ዘሕምሞምን ዘባህርሮምን፡ ነዚ ዘይቅዱስ ምርሕሓቓት የታትይዎ እዮም።

እንተደኣ እቲ መኣዲ ቃልሲ ኮነ ውጽኢቱ ናይ ሓባርካ ኮይኑ እቲ ቅኑዕ ኣገላልጻ መንነትካ “ንሕና” እዩ ክኸውን ዝግበኦ። ካብዚ ሓሊፉ ነቲ ብባህሪኡ ዝተቐራረበ ንከተረሓሕቕ “ንሕናን ንሳቶምን” ዝብል ሓረግ ምዝውታር፡ ኣሉታዊ ሳዕቤናቱ ብዙሕ ኮይኑ ቀንዲ ድማ ሓድነት ናይቶም ናይ ሓድነት ተጠቀምቲ ዘዳኽም እዩ።  እቶም ካብቲ ቃልሲ ለውጥን ዓወትን ክሕፈስ እሞ ህዝብና ክርህዎ እንደሊ ቅድሚ ኩሉ ብሓሳብን ግብርን ነንውልቅና፡ ነንውድብና፡ ነንማሕበርና ቀንዲ ኣካል ናይቲ ለውጢ ከምጽእ ዝግበኦ ሓይሊ ገይርና ክንወስድ ይግበኣና። ሽዑ ኢና ከኣ ቅድሚ እገለ እንታይ ገይሩ ምባል፡ ኣነኸ እንታይ ገይረ ኢልና ንነብስና ክንሓታ ዝግበኣና።  ሕቶ ካብ ሓተትና ከኣ መልሲ ክንረኽበሉ ንቕሰብ። ካብዚ ብምንቃል እዮም ከኣ ፈለጣት ናይዚ ዛዕባዚ፡ “ለውጢ እትኽእሎ ብምብርካት እምበር ኣበርክቶ ካለኦት ብምንእኣስ ዝመጽእ ኣይኮነን” ዝብሉ።

ከምዚ ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ መላኺ ባህርያት ጉጅለ ህግደፍ ገጢሙና ዘሎ ጸበባ ክገጥም እንከሎ፡ ቅድሚ ኩሉ ነገዛእ ርእስና ኣብ ናይ ለውጢ ተጸባይነት ቦታ ዘይኮነስ፡ ኣካል ናይቲ ንለውጢ ዝጽዕት ወገን ጌርና ከነሰልፋ ናይ ግድን እዩ። ለውጢ ትብህግን ትጽበን ክንስኻ ኣካል ናይቲ ናይ ለውጢ  ሓይሊ ዘይምዃን ብሓጺሩ ቅቡል ኣይኮነን። ከምቲ “ ንሰብ መስትያቱ ሰብዩ” ዝበሃል ንሓደ ውልቀሰብ፡ ውድብ ወይ ማሕበር ኣብ መስርሕ ንሱ ክርእዮ ዘይከኣለ ጌጋኡ ክተርእዮ፡ ምዝኽኻሩ ምናልባት እውን ምንቃፉ ኣይግባእን ማለት ኣይኮነን። እንተኾነ እቲ ኣነቓቕላ ናብዚ ተግባርዚ፡ ንንእሽቶ ኣሉታ ኣጉሊሕካ ብምስኣል ንምቁንጻብ ዘይኮነስ፡ ነቲ ጌጋ ከይዓበየ ፈዊስካ ንምህናጽን ምሕጋዝ ክኸውን ይግበኦ። እሞ ድማ ንስኻውን እቲ ካለኦት ክገብርዎ እትደልዮ እንዳፈጸምካን ዝነቅፍ መልሓስን ብርዕን ብምስሓል ጥራይ ዘይኮነ፡ ሃናጺ ነቐፈታ ዝሰምዕ እዝንን ልብን ብምኽፋት ክኸውን ይግበኦ።

ከምቲ “ተመሊስካ ንእትረድኦ ሓዲግካዮ ኣይትእቶ” ዝበሃል፡ ኣጻብዕትና ኣንጻር ሓደ ክንቅስር እንከለና፡ ሳዕቤኑ ኣብ ልዕሊ እቲ እነወጣውጠሉ ኣካል ጥራይ ዘይኮነ ናባና እውን ምዃኑ ክንኣምን የድሊ። ንኣብነት ኣብዚ እዋንዚ ኣብ መስርዕ ደንበ ተቓውሞና ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ ካብ ዘለዉ ናይ ለውጢ ሓይልታት ኣብ ሓደ ዝረአ ኣውንታዊ ኮነ ኣሉታዊ ምዕባለ ነቶም ካለኦት እውን ከም ዝጸልዎም ምርዳእ። ነቲ ብቐጥታ ዝህሰ ዘሎ ጥራይ ኢልካ ዘይኮነስ፡ እንተላይ ምእንታኻ ኢልካ እውን ከተስተብህለሉ ናይ ግድን እዩ። ካብ ከምዚ ዓይነት ዘይሓጋዚ ኣካይዳ ምኻድ ከድሕኑና ካብ ዝኽእሉ መርጫታት ሓደ ከኣ “ቅድሚ ንካለኦት ምውቃስ ግደኻ ምብርካት” ዝብል ተረድኦ ምሓዝ እዩ።

Last modified on Wednesday, 03 August 2016 08:36