ብጓልነገር ያኢ ክሃድም!

2016-08-15 07:36:46 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1992 times

ብውሽጢ ይኹን ብደገ ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ህግደፍ ዝፍጠር ዘሎ ተጽዕኖ፡ ቅልጣፍኡ’ኳ ዘገምታዊ እንተኾነ፡ ቀጻሊ ምህላዉ ንዕዘቦ ኣለና። ምናዳምናዳ ንሓንሳብ እቲ መስርሕ ይቕልጥፍ እሞ፡ ንህግደፍ ድማ ብኽንድኡ ደረጃ የሻቕሎን የሰንብዶን። እቲ ጉጀ ከምዚ ዓይነት መሸንቦባ ክመጾ እንከሎ መኸወሊ ክፈጥር ባህርያዊ እዩ። እተኾነ እቲ ዝፈጥሮ መኸወሊ ኣብ ግዚያዊ መዕገሲ እምበር ኣብቲ ቀንዲ ዝሕተተሉ መሰረታዊ ጉዳያት ዘትከለ ኣይከውንን። ምኽንያቱ ከምኡ እንተኾይኑ ካብ ሱሩ ክብርቁቖ ስለ ዝኾነ።

ብፍላይ ኣብዚ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ካብ ኢድ እቲ ጉጅለ ተመንዚዑ፡ ኣብ ዓለም ለኻዊ መድረኻት መዛረቢ ኣጀንዳ ኣብ ዝኾነሉ፡ ኣብ እንዳ ህግደፍ ዓብይ ሻቕሎትን ራዕድን ፈጢሩ ኣሎ። እቲ ጉጀል ብወገኑ ካብዚ መሸንቦባ ነብሱ ንምኽዋል፡ ብዙሓት ዘይመስረታዊ እሞ ድማ ዘይትግበሩ መብጸዓታት እንዳቕረበ መናውሒ ዕድመ ክገብር ፈቲኑ። ከም ኣካል ናይዚ ፈተንኡ፡ “ኣብ ምኽባር ሰብኣዊ መሰል ክሰርሕ እየ፡ እሱራት እቲ ጉዳይ ብዝምልከቶም ኣካላት ዝብጽሕሉ ኩነታት ክፈጥር እየ፡ ኣዜ ኣገልግሎት ግዱድ ዕስክርና ክግድብ እየ፡ ዓለም ለኻዊ ኣኼባታት ኣብ ኣስመራ ይካየዱ ኣለዉ፡ ምስ ጉዳይ የመን ብዝተተሓሓዘ ምስ ዝተወሰና ሃገራት ኣዕራብ ዝምድና ፈጢረ፡ 10 ዓመት ዝተኣስሩ ፓትሪያርክ ኤርትራ ንመንግስቲ ይቕረታ ሓቲቶም፡ ልኡኸይ ናብ ሃገር ቻይና ገይሹ … ወዘተ” ዝብሉ ግዳማዊ መመላኽዕታት ይነዝሕ ኣሎ።

እንተኾነ እዚ መመላኽዕታት፡ ምስቲ መሰረታዊ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ዝምድና ዘየብሉ ተፈታሕካዮስ ቁጻር ጥራይ’ዩ። ንዋላ ሓደ ካብቲ መሰረታዊ ጠለባት ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ኣይምልስን። ከምኡ ስለ ዝኾነ ኢና ድማ ጓልነገር ወይ ግዚያዊ መመላኽዒ ንብሎ ዘለና። እዚ ጥራይ ኣይኮነን እቲ ጉጅለ ኣብዚ መሰረታዊ ዘይኮነ ጉዳያት’ውን ግብራዊ ስጉምቲ ኣይክወስድን እዩ። ኣነቓቕላኡ ምዕሸውን መሸመቲ ግዜ ንምርካብን ዝመሃዞ ስለ ዝኾነ። እንተኾነ ካብዚ ሸንኮለል ምሉእ ብምሉእ ጥራይ ኢዱ ክወጽእ እዩ ማለት ኣይኮነን። እነሆ’ኳ ሓደሓደ ትማሊ በላሕቲ ተቓወምቱ ዝመስሉ ዝነበሩ “ንዕኡ ኣውዲቕና ዝሓሸ ክንፈጥር ዓቕሚ ስለ ዘየብልና፡ ምስኡ ንመሳሰል” ዝቓንኡ ሓሳብ በጨቕ ከብሉ ንዕዘብ ኣለና። እቲ ዝስማዕ ምኽንያቶም “ዓቕሚ የብልናን” ዝብል እዩ። ብርኢቶይ ዓቕሚ ተዘይብልና እቲ ክበሃል ዝነበሮ “ሓቢርና ዓቅሚ ንፍጠር” እምበር ናብኡ ተመሊስና ንስገድ ኣይኮነን። እቲ በዂሩ ዘሎ ናይ ለውጢ ዓቕሚ ንምፍጣር ኢና ከኣ ንቃለስ ዘለና።

ብዙሓት ወገናት ከምዘይስሕትዎ፡ ድሕሪ ሕጂ ጉጅለ ህግደፍ ድሌትን ባህግን ህዝቢ ኤርትራ ዘማልእ ስርዓት ዝተክል ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ነዚ ዝምልከት መስመር ሓሊፉስ ኣብ ቦታ ወጻዒ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዝኹየጥ ነዊሕ ኮይኑ እዩ። ስለዚ ብእዉጅ ኣንጻርካ ካብ ዝተሰለፈ ሓይሉ ንጽቡቕካ ኣይትጽበዮን ኢኻ። ህዝቢ ኤርትራ እውን ነዚ ኣጸቢቑ ይረደኦ እዩ። እቲ ጉጅለ እውን ኣብ ልቢ ህዝቢ ኤርትራ ዝነበሮ ባይታ ከም ዝነቐጸ ይርዳእ እዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ድማ ኣብ ስልጣን ንክነብር እቲ ዘዋጸኦ ንህዝቢ ከረድእ ዘይኮነስ፡ ከገድድ ክፈላልን ጥራይ ምዃኑ ይፈልጥ እዩ። ከምኡ ድማ እዩ ዝገብር ዘሎ።

“እንታይ’ዩ እቲ ኣብ ኤርትራ ክትግበር ዘይተኻእለ መሰረታዊ ድሌት ህዝቢ ኤርትራ?” ዝብል ሕቶ ምናልባት ነቲ ጉዳይ ብቐረባ ብዘይተኸታተልዎ ዘይኤርትራዊ ወገናት ይለዓል ይኸውን። ብህዝቢ ኤርትራ ግና ሎሚ ኣይለዓልን እዩ። መውጽእ ኣፉ ካብ ዝገብሮ ነዊሕ ዓመታት ስለ ዘሕለፈ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ሕገመንግስታዊ ውሕስነት ዘለዎ፡ ልዕልና ህዝቢ ኣብ መንግስቲ ብንጹር ዘርእን ዘተግብርን፡ ማዕርነት፡ ደሞክራሲ፡ ፍትሒ፡ ልምዓትን ድሕንነትን ዝማእከሉ ምምሕዳር ከም ዝደሊ ብሩህን ንጹርን እዩ። እቲ ጉጅለ ህግደፍ ዝኸዶ ዘሎ ናይ ሸፈጥ መንገዲ ጥዑይ ድዩ ሕሙም ንምምዛን ከኣ በዚ ጥራይ እዩ ክዕቀን ዝግበኦ። ክሳብ ሕጂ ብእንዕዘቦ ዘለና ኩሉ መንገዲ ህግደፍ ነዞም ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ኢልና ዝጠቐስናዮም ዘራጉድ ዘይኮነስ ብኣንጻሩ ዘዳኽሞም እዩ። እታ ሓንቲ ኣምጺእዋ ዘሎ ፈሊጥ ከኣ ንኤርትራ ካብ ናታ ኣብ ዝኸፈአ ደረጃ ኣለዋ ዝብለን ሃገራት ሃስስ እንዳበለ ኣወዳዲሩ “ንሕና ንሓይሽ” ዝብል ስብከት ምቅላሕ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ግና ካባይ ስኸፈኣን ኣለዋ ኢሉ ዝደዓዓስ ዘይኮነስ ዘይተፈትሐ ሕቶ ከም ዘለዎ ኣሚኑ እዩ ዝቃለስ ዘሎ። ስለምንታይ እዩኸ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ዝሓሸ ስርዓት ምስ ዝተኸላ ሃገራትን ህዝብን ምውድዳር ናብተን ካብኡ ንታሕቲ ዘለዋ ንቑልቁል ክጥምት ጥራይ ዝቕሰብ?

Last modified on Monday, 15 August 2016 09:38