መልእኽቲ ንተሳተፍቲ ዓውደ መጽናዕቲ ፍራንክፎርት፡

2016-08-10 22:48:53 Written by  ዓንደጽዮን ግርማይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2758 times

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ኣባላት ዓውደ መጽናዕቲ ፍራንክፎርት፡

ዕዙዝ ልባዊ ሰላምታይ ብምቕዳም ኣብ እተካይድዎ ኣገዳሲ ዓውደ መጽናዕቲ ዓወት እናተመነኹ ነዛ ሓጻር መልእኽተይ ከታሓላልፍ ከለኹ ብተገዳስነት ክትርይዋ ብምትእምማን እዬ።

ዕላማ መጽናዕትኹምን ትጋብኡሉ ዘሎኹምን ብሓደ ወገን፡ ሃገርናን ህዝብናን ኣብ ዝለዓለ ህጹጽ ናይ ምድሓን መንገዲ ዘናድየሉ ዘሎ ኸኣ ብኻልእ ወገን ይኻየድ ብምህላዉ፣ ረዚን ሓላፍነት ዘሰክም ፈታኒ እዋን ምዃኑ ተረዲኩም መድረኽ ዝጠልቦ ናብ ሓቀኛ መፍትሒ ዝወስድ ቅኑዕ ጎደና ዘማእዝን ውጽኢት ሒዝኩም ክትወጹ ተስፋን ትጽቢትን ኩሉ ደላይ ፍትሒ ብፍላይ፡ ኩሉ ኣብ ትሕቲ ስቓይ ስርዓት ህ ግ ደ ፍ ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ ኸኣ ብሓፈሻ ምዃኑ አረጋግጸልኩም።

ብኡ መጠን ድማ ክእለትኩም ዝፍተነሉ መድረኽ ምዃኑ ተረዲእኩም ነቲ ብሓደ ኴንና ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢና ክንልዓል ዘየኽኣለና ምኽንያት ብግሉጽ ኣብ ምድህሳስ ልዑል ተራ ክትጻወቱ ሓደራ እብል። እዚ ክብል ከሎኹ ንሓደ ገኒሕኩም ንሓደ ምዒድኩም ኣብ ሓንቲ ድስቲ ግዒትኩም ክትቅርቡልና ወይ ድማ ጠቢሕኩምን ሓጒምኩምን ካብ ውሽጣዊ ሕማማትና ከተሕውዩና ዝብል ናይ የዋሃት መልእኽቲ ንምትሕልላፍ ኣይኮነን፡ እንተ ንደልዮ‘ውን ተግባራዊ ኣይከውንን። እንተኾነ እተካይድዎ ዓውደ መጽናዕቲ፡ ነዚ ንኩልና ዘሳቒ ዘሎ ብቱን ኩነታት ግቡእ መኣዝኑ ኣብ ምትሓዝ ዝሕግዝ ብዝተፈላለየ እዋናት ዝተኻየዱ መጽናዕትታትን ገምጋም ሕሉፋት ተሞኮሮታትን ከም መወከሲ ተጠቒምኩም፡ እንታይ ነይሮምን ከመይ ተሰሪሑሎምን ወይ ስለ ምንታይ ኣይሰርሑን ብርጡብ ዳህሲስኩምን ምስ ናታትኩም ተሞክሮታት ደሚርኩም ፡ ሓይሊ ደንበ ደለይቲ ፍትሒ ብሓደ ኣብ ቓልሲ ንድሕነት ሃገር ዝጽመደሉ ንጹር ጎደና ምእማት እምበር ብበይንኹም ዝውዳእ ከም ዘይኾነ ንኩሉ ርዱእ እመስለኒ።

እቲ ድሒሩ ዝስዕብ ውጽኢት ዕዉት መጽናዕትኩም ኽኣ ኣብ ግብሪ ናይ ምውዓሉ መደብን ነዚ ኣብ ንምቕጻል ዝሕግዝ እተማእከለ ኣካል ኣብ ምምዛዝ ከብጽሓና ምኽኣለ ኢለ እኣምን። ሎሚ ተመን ኣብ እግርኻ በትሪ ኣብ ኢድካ ወሳኒ ባዕልኻ ዝብል ምስላ ወለድና ዘዘካኽር እዋን ኢና ዘሎና፡ እዚ ማለት ኸኣ ብከም ህ ግ ደ ፍ ዝበለ ኣረመናዊ ስርዓት ንርብዒ ዘመን እናተሳቐኻ ሓቢርካ ንምልጋሱ ዘይምቅላስ ናይ ባዕልና ጸገም እምበር ነመኻንየሉ ኣካል የለን። ኣብዚ ህዝብና ደም ዝነብዓሉን ዝበርሰሉን ዘሎ እዋን ወይ ደላይ ፍትሒ ኢኻ ብትብዓት ትቓለስ ወይ ደጋፍ ጸረ ህዝቢ ኢኻ ምስኡ ትድምሰስ እምበር ሳልሳይ መማረጺ ሕልንኦም ናይ ዘዕረቡ ዘጋታት ጥራሕ‘ዩ ክኸውን ዝኽእል፡ ካብኡ ይሰውረና።

ስለ ዝኾነ እቲ ከርሰነገር ናይ‘ቲ ዓውደ መጽናዕቲ ኣብዚ ዘተኮረ ክኸውንን ብዘይንሓፍነት ክጉርጐርን ክጋለጽን እምበር ብላዕሊ ላዕሊ ሸፈፍ ኢልካ ዝሕለፍ ክኸውን ኣይግባእን። ኣብዚ መዳይዚ ኩሉ ዝክኣለኩም ዓቕሚ ወፊኹም ብዓወት ክትዛዝሙ ብውጽኢት ስራሕኩም ድማ ክትምጎሱን ብተስፋ እጽበ።



Last modified on Thursday, 11 August 2016 01:01