ኣብ ፖለቲካዊ ታሪኽ ኤርትራ፡ ህዝብና ኣብ ትሕቲ ዝተፈላለዩ ባዕዳውያን ገዛእቲ-ሐይልታት ክጭኾን ድሕሪ ምጽንሑ፡ ንስለ ናጽነቱን ሓርነቱን ሰውራ ብምብጋስ፡ ን 30 ዓመታት መሪር ቓልሲ ኣካይዱ፡ ሂወት ኣሽሐት ብሉጻት ደቑ ከፊሉ፡ ኣብ 1993 ልኡላዊት ሃገር ከረጋግጽ ኪኢሉ። ኮይኑ ግን፡ ብኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቒ ዝምርሑ ውሑዳት ጉጅለ፡ መብጽዓ ኣሽሐት ሰማእታትናን ህዝብን ብምጥላም፡ ኣብዚ እዋን እዚ፡ ድሕሪ 25 ዓመታት ምርግጋጽ ልእላዊት ነጻ ሃገር፡ ህዝቢ ኤርትራ ሰላም-ተሓሪምዎ፡ ኣብ ዘይቕሱን ፖለቲካዊ ሃዋሁ ናይ ውግእ፡ ማእሰርቲ፡ ሞት፡ ስንክልና፡ ስደት፡ ድኽነትን፡ ኮታ ኩሎም ሕሰማት መነባርሮ ሂውቱ፡ ካብቲ ኣብ ትሕቲ ባዕዳውያን ገዛእቲ ዘሕለፎ ብዝኸፍኣ መልክዑ ይቕጽል ኣሎ። ናይዚ እዋን እዚ ጭኾና ፍሉይ ዝገብሮ ከኣ፡ ንታሪኽን ዝና-ቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘሕስርን ዘህስስን ኮይኑ፡ ንህላወ ሃገርን ህዝብን ብዝፈታተን ደረጃ ኣብ ፕለቲካውን ቑጠባውን ከምኡውን ማሕበራዊ ዕንወት ኣቲና ንርከብ።
ኣብ 60ታት መብዛሕትኣን ኣብ ትሕቲ ኤውሮጳዊ ግዝኣት ዝነበራ ናይ ኣፍሪቓ ሃገራት፡ ናጽነተን ረኺበን ናብ ህንጻ ሃገራውነት ክብገሳ እንከለዋ፡ ህዝቢ ኤርትራ ግን፡ ብሰሪ ናይ ወጻኢ ሐይልታት ፖለቲካዊ ሽርሕታት፡ ባህጊ ናጽነቱን ሓርነቱን ስለ ተነፍጎ፡ ሰብኣውን ሃገራውን ክብሩ ንከውሕስ፡ ኣብቲ ነዊሕ ናይ 30 ዓመታት መሪር ዕጥቓዊ ቓልሲ፡ ሂወት ከልተ ብሉጻት ወሎዶታት ደቑ ክኸፍል ተገዲዱ እዩ። ኣብ 50ታትን 60ታትን ኤርትራ ብተዛማዲ ምስ ካልኦት ኣፍሪቓውያን ሃገራት፡ ብቑጠባዊ-ትሕተ-ቕርጺ ይኹን ብደረጃ ዓቕሚ ሰብ፡ ሓንቲ ካብተን ኣብ ጽቡቕ ኣንፈት ደረጃ ምዕባለ ዝነበራ ኣፍሪቓውያን ሃገራት እያ ኔራ። ኮይኑን ግን፡ ብድሕሪ ንጉስ ሃይለ ስላሴ ፈደራላዊ ሕጊ ብምጥሓስ፡ ንኤርትራ ምስ ጎበጠ፡ ነቲ ሃገርና በጺሓቶ ዝነበረት ቑጠባዊ-ግስጋሰ ይኹን ኪኢላዊ ዓቕሚ ሰብ፡ ብረቒቕ ሜላ ናብ ኢትዮጵያ ክምዝግዕዝ ብምግባር፡ ነቲ ምዕባሌ ንረብሓ ሃገሩ ከምዝውዕል ጌሩዎ። ከም ሳዕቤኑ ከኣ፡ ኤርትራዊ ኪኢላ-ዓቕሚ ስራሕ ከምኡውን ትምህርቲ ንኽረክብ፡ ገለ ናብ ኢትዮጵያ፡ ገለ ንሜዳ፡ ገለ ከኣ ናብ ሕሱም መነባብሮ ስደት ክበታተን ጀመረ።
ከም ሳዕቤኑ ከኣ፡ ዓለምና ናብ ቅልጡፍ ቑጠባዊ ዕብየት ክትስጉም ከላ፡ ህዝቢ ኤርትራ ግን ናጽነቱን ሓርነቱን ከረጋግጽ ኣብ ናይ 30 ዓመታት ከቢድ ዕጥቃዊ ቃልሲ ተጸሚዱ ድሕሪ ምጽንሑ፡ ኣብ 1991 ሃገሩ ካብ ባዕዲ ነጻ ክገብር ከሎ፡ ብንዋታውን ሰብኣውን ዓቕሚ ዝዓነወት ሃገር እዩ ተረኪቡ። ኣብ ቑጠባዊ ዕብየት ናይ ዝኾነ ሕብረተ ሰብ፡ ደረጃ ምዕባሌ ዓቕሚ--ሰብ ወሳኒ ረቓሒ ስለ ዝኾነ፡ ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት ንዝሐለፎ ዕድል ተኪኡ ምስ ዓለም ክጎዓዝ፡ ቑልጡፍ ናይ ተሃድሶን ህንጻ-ሃገርን ህዝብን፡ ብፍላይ ከኣ ናብ መንእሰይ ዘተኮረ ናይ ትምህርትን ስልጠናን ሰፊሕ ወፍሪ ምክያድ፡ ካብ ሐደ ንረብሓ ህዝብን ሃገርን ዝሐሊ መንግስቲ ትጽበዮ ቐንዲ ስርሕ ክኸውን ግቡእን ኩልና ተጸበናዮ እዩ ኔሩ።
ኮይኑ ግን እቲ ዘይተዓደለ ህዝቢ ኤርትራ፡ ከምቲ ሊዒሉ ዝተጠቕሰ፡ ካብ ናይ ነዊሕ ዓመታት በሰላ-ውግእ ትንፋስ ከይመለሰ እንከሎ፡ ኣብ ቐጻሊ ውግኣት ምስ ኩለን ጎረባብቲ ሃገራት፡ ቐጺሉ ከኣ ኣብቲ ብኣጋ ክእለ ዝኽእል ዝነበረ ዝዓበየን ትርጉም ኣልቦ ዝኾነ ውግእ ናይ 1998 ምስ ኢትዮጵያ ተኣትዩ። ኣብዚ ናይ ክልተ ዓመታት ውግእ ከኣ፡ ዝተኸፍለ ቑጽሪ ሂወት ኤርትራዊ፡ ካብቲ ኣብ ናይ 30 ዓመታት ንናጽነት ዝተኸፍለ ሂወት ዝበዝሐን ዝኸፍአን ኮይኑ፡ ኣብ ህዝብና ከቢድ ሞራላዊ ሃስያ ኣከቲሉ። እዚ ከኣ ሐደ ካብቶም ቕንዲ መርኣያ ጭካነን ጥልመትን ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቒ ኮይኑ ስለ ህዝቢ ኤርትራ ቅንጣብ ሓልዮት ዘይብሉ መራሒ ምኻኑ ዘመስከረ ፍጻሜ እዩ። ንህዝቢ ኤርትራ ከኣ፡ ኣብታ ዘላታ ተወሰኸታ ኮይናቶ፡ ከቢድ ሰብኣውን ንዋታውን ዕንወት ገዲፉሉ ጥርይ ዘይኮነ፡ ሓደ ካብቶም ቐንዲ ረቓሒ ወይ እምነ ኩርናዕ ናብዚ ሕጂ ኣቲናዮ ዘለና ናይ ጥፍኣት እዋን እዩ። ኣብዞም ዝሓለፉ 25 ዓመታት ድሕሪ ናጽነት፡ ሰብኣዊ-መሰል ህዝቢ ኤርትራ ቀስ ብቐስ እንዳተጋህሰ ክመጽእ ድሕሪ ምምጽኡ፡ ብፍላይ ድሕሪ ውግእ ናይ 1998 ግን፡ እቲ ጥልመትን ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ህዝቢን ኣዝዩ ግሁድን ሰፊሕን እንዳኾነ መጺኡ። ኣብዚ እዋን እዚ ከኣ፡ ንህላውነት ሃገርን ህዝብን ኣብ ዝፈታተን ደረጃ በጺሑ ኣብ ሓደገኛ ፕለቲካዊን ቑጠባዊን ማሕበራዊን ኩነታት ተኣትዩ።
ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ፡ ኤርትራ ድሕሪ 25 ዓመታት ናጽነት፡ ሕጋዊ-ውዕል ዝምድና ህዝብን-መንግስትን ዘውሕስ ሃገራዊ ቅዋም የብላን፡ ከምኡውን ብምርጫ ህዝቢ ዝቖመ ሕጋዊ መንግስቲ፡ ማለት ሃገራዊ-ባይቶ ይኹን፡ ነጻ ትካላት መንግስቲ እውን የብልናን። ሓሳባትካ ናይ ምግላጽ መባእታዊ መሰል ደቒ-ሰብ እውን ስለዘየለ፡ ርእይትኦም ዝሃቡ ኣሽሐት ደቒ-ሃገር ብዘይፍርድን ብሕማቕ ኣተሓሕዛን ንዓመታት ሃለዋቶም ኣይፍለጥን። ስለ ዝኮነ ካኣ፡ ኤርትራውያን ሎሚ ኣብታ ምእንቲ ሐርነቶም ከቢድ ዝተኸፈሉላ ኤርትራ፡ ጉዳይ ሃገሮም ከምዘይምልከቶም ተቖጺሮም ፡ ከምኡውን ኣብዚ ዘለናዮ ምዕቡል ዘመን፡ ብሐርነት ክምሃሩን ክምዕብሉን ዕድል ተነፊግዎም ደንቒሮም ከም ባራዩ ተኣዘዝቲ ጥራይ ኮይኖም ኣብ ራዕዲ ክነብሩ ብስርዓት ህግደፍ ተፈሪድዎም ኣሎ።
ኣብ ዲፕሎማስያዊ-ጉዳይ እውን፡ ኣብዞም ዝሐለፉ 25 ዓመታት ድሕሪ ናጽነት፡ ሃግርና ኣብ ማሕበረ-ሰብ ዓለም፡ ምስቲ ስለ ናጽነት ዝኸፈለቶ ክቡር ዋጋ ዝዳረግ ክብሪ ንክትረክብ፡ ብውሕልነት ኣይተሰርሐሉን። ከም ሳዕቤን ናይቲ ዘይሕጋዊ ዓንዳሪ ኣካይዳ ዲክታትርያዊ ስርዓት ከኣ፡ ሃገርና ምስ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ኣውንታዊን ሃናጺን ዝምድናታት ከተማዕብል ኣይከኣለትን ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብ ኩለን ጎረባብቲ-ሃገራት ኮነ ካብ ኣለም ተነጺላ ትርከብ። ብተወሳኪ እውን ሕቡራት-ሃገራት ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ኤርትራ ዘተኮረ ክልተ ማዕቐባት በይኑ። ብቐጻሊ እውን ሕቡራት-ሃገራት ኣብ ኤርትራ መጠነ-ሰፊሕ ግህሰት ሰብኣዊ-መሰላት ምህላዉ ስለ ዝገምገመ፡ መርማሪት ኮምሽን ብምቓም፡ እቲ ግህሰት-መሰል ስጋብ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ክበጽሕ ይኽእል እዩ ኢሉ ስለዝገምገመ፡ ቐጻሊ መጽናዕቲ ኣብ ምክያድ ይርከብ። ከም ሳዕቤን ናይዚ ኹሉ ከኣ፡ ኣብ ዓለምና ሎሚ ካልኣይ መጸውዒ ስም ኤርትራ “ኣፍሪቓዊት ሰሜን ኮረያ” ኮይኑ ይርከብ።
ኣብ ቑጠባዊ መዳይ እውን፡ ድሕሪ ርብዒ ዘመን ናጽነት ኤርትራ፡ ሃገርና ብባጀት ይኹን ብግሉጽነትን ዝሰርሕ መንግስቲ የብላን። ንብረት ህዝባዊ ግንባር ንብረት ህዝቢ ከም ምኻኑ መጠን፡ ካብ ሜዳ ህ/ግ ክንደይ ዝኣክል ንብረት ሒዙ ኣትዩ ስጋዕ እዚ እዋን እዚ ንህዝቢ ኣይተገለጸን። ስለዝኾነ ከኣ፡ ኣብዞም ዝሐለፉ ዝያዳ 50 ዓመታት፡ ሃብቲ ሃገርና ብዉሑዳት ብሕጊ ዘይተመርጹ ሰባት ጥራይ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እቲ ዋንኡ ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ ብስእነት ኣሰቓቒ ሂወት እንዳሕለፈ ከሎ፡ ብዛዕባ ሃብቲ ሃገሩን ማዕድናቱ ይኹን ወደባቱ ንመን ይካረ ወዘተ ህዝቢ ኤርትራ ንክፈልጥ መሰሉ ተሓዲጉ ይርከብ።
በቲ ካልእ መዳይ እውን፡ ገለ ካብቶም ቐንዲ ንቑጠባ ሃገርና ረሚሶም ዘለዉ ፖሊሲታት ዲክታተርያዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብዚ ዘለናዮ ዓለም፡ ነቲ ኣፍራይን መሃዝን ዓቕሚ መንእሰይ-ሃገር ከም ባርያ ጅሆ ሒዝካ፡ ከምኡውን ካብ ሃገር ዝኣቱን ዝወጽእን ናውቲ ብምልኡ ብውሑዳት ብህግደፍ ዝውነና ትካላት ቢሒትካን፡ ዕንወት እንተዘይኮኑ፡ ክመጽእ ዝኽእል ቑጠባዊ ዕብየት የልቦን። ከምሳዕቤን ናይዚ ከኣ ብሕታዊ-ወፍሪ ክፋል ቑጠባ-ሃገር ዓንዩ፡ ከምኡውን ኣውፈርቲ ይኹኑ መንእሰያት ኤርትራ፡ ሃገሮም ራሕሪሖም ንዓለም ኣዛራቢ ኮይኑ ዘሎ፡ ብዝሒ ቑጽሪ ሰደተኛታት ኤርትራ ኣኸቲሉ ይርከብ። ስርዓት ህግደፍ ንብዝሒ ቑጽሪ ስደተኛ-ኤርትራ ክሐብኦ ኣብዘይክእል ደረጃ ስለ ዝበጽሐ፡ ከምኡውን ካብቲ ቐንዲ ጥንቒ ስደት ዝኮነ፡ ዝኽሰሰሉ ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰል ንምህዳም፡ ንህዝቢ ስራሕ ምፍጣር ሓላፍነት ፖሊሲታት-መንግስቲ ክንሱ፡ ንሕብረተ ሰብ-ዓለም ከዳናግር፡ ብዘይሕንከት፡ ጠንቒ ስደት ኤርትራውያን ናይ ቑጠባ እዩ ክብሉ ይስምዕ። ኣብ ቑጠባዊ መዳይ እምብኣር ኣብዞም ዝሓለፉ 25 ዓመታት ድሕሪ ናጽነት፡ ህዝቢ ኤርትራ ብሐርነት ጸጋታት ሃገሩ ተጠቒሙ ሰሪሑ ንቡር ሂወቱ ክመርሕ ስለዘይከኣለ፡ ኣብ ስደት ካብ ዝርከቡ መቕርቡን ቤተ-ሰቡን ናይ ዝሰድሉ ገንዘብ ተጸባይ ኮይኑ፡ ኣብ ኣዝዩ ሐደገኛ ተኣፋፊ ሂወት ይርከብ።
ጽሑፈይ ንምዝዛም፡ እዛ ከቢድ መስዋእቲ ዝተኸፍላ ሃገርና ኤርትራ፡ ከምዚ ሊዒሉ ተጠቕሰ፡ ድሕሪ ርብዒ-ዘመን ከም ልኡላዊት ነጻ ሃገር፡ ሎሚ ኣብ ከቢድ ፖለቲካዊ፡ ዲፕሎማስያዊ፡ ቑጠባውን ከምኡውን ማሕበራዊ ከቢድ ቕልውላው ኣትያ፡ ክሳብ ንህላውነት ሃገርን ህዝብን ዝፈታተን ደረጃ በጺሓ ትርከብ። ካብዚ ኣቲናዮ ዘለና ከቢድ እዋን ንምግልጋል ከኣ፡ ብፍላይ ኣብ ስደት እንርከብ ዜጋታት፡ ካብቲ ኣዕናዊ ተመኩሮ ገለ ኣፍሪቓውያን ሃገራት ተማሂርና፡ ከምኡውን ካብቲ ህግደፍ ዕድሚኡ ንምንዋሕ ብዕሱባት-ሃሱሳቱ ኣቢሉ ሓድነትና ንምድኻም ኣበርቲዑ ዝሰርሓሉ ዘሎ ጸበብቲ ኣረኣእያታት ናይ ብሄር፡ ሃይማኖት፡ ኣውራጃ፡ ውድበይ-ውድብካ ወጺእና፡ ብሃገራዊ ንቕሐት፡ ፖለቲካዊ ራኢና ኣበሪኽና፡ ሐንቲ ብግዝኣተ-ሕጊ እትምራሕ፡ ንኹልና ብማዕርነትን ሰላምን ፍትሕን እንነብረላ ሃገር ክንሃንጽ፡ እቲ ረብሐ ናይ ኹልና ስለዝኮነ፡ ናይዚ መበል 25 ዓመት ናጽነት ሃገርና መብጻዓ ኩልና ክትኸውን ይምሕጸን።
የቐንየለይ
ተኽኣ ጸጋይ
ግንቦት 16 2016
ከም ኤርትራውያን መጠን፡ ህዝብናን ሃገርናን፡ ኣብ ኣዝዩ ጽንኩርን፡ ተሪርን እዋን፡ ከም እንርከብ፡ ንኹልና ብሩህ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ኣዝዩ ኣሻቓሊ ውን እዩ ። ኩነታትና ካባና ሓሊፉ፡ ንዓለም’ውን ኣታሓሳሳቢ ኮይኑ ኣሎ። ሃገርና ምስላ ተደዊኑ ባዲማ፡ ህዝብና ውላዱ ስኢኑ ዘኽቲሙ፡ መንእሰያትና ተስፋ ቆሪጾም፡ እግሮም ናብ ዝመርሖም ተበታቲኖም፡ ኣብ ስደት እንነብር፡ ደለይቲ ፍትሒን ለውጥን’ውን፡ ሓቢርና ዓቕምታትና ኣወሃሂድና፡ ክንምክት ስለ ዘይበቓዕና፡ ኣብ ሓድሕዳዊ ግርጭት ተሸሚምና፡ ህዝብን ሃገርን ከነድሕንስ ይትረፍ፡ ንነብስና’ውን ክንከላኸል ኣብ ዘይንኽእለሉ ደረጃ ወሪድና ምህላውና ኩሉ ዝምስክሮ ሓቂ’ዩ።
ነዚ መሰረት ብምግባር እምብኣር፡ ካብ'ዚ ዓዘቕቲ'ዚ እንወጸሉ፡ ፍታሕ ንምንዳይ፡ ህዝቢ ኤርትራ (ፖለቲካዊ እምነቱን ኣባልነቱን ብዘየገድስ)፥ ፖለቲካዊ ውድባት፡ ሰልፍታትን ሲቪክ ማሕበራትን ፡ ተራኺብና እሂን ምሂን እንብሃለሉ፡ ናይ ሳልስቲ ዓውደ-ዘተ ኣዳሊና ኣለና። እዚ ብ “ሓቀኛ ዋና ኤርትራ ህዝባ’ዩ፡ ስልጣኔኡ ዋሕሳ ፍቕሪ ሓድሕዱ ከኣ ትንፋሳ” ዝብል ቴማ ዝተዳለወ ዘተን ፈስቲቫልን እዚ ንዕለታት 8፡ 9ን10ን ሓምለ 2016 (8, 9 & 10July 2016 ) ኣብ ጀርመን፡ ከተማ ካይዘርስ ላውተርን (Keiserslautern) ኢዩ ተዳልዩ ዘሎ። ብተገዳስነት ንኽትሳተፍዎ፡ ብኽብሪ እናዓደምና ከኣ ንኹለ-ሸነኻዊ እትገብርዎ ደገፍ ከኣ ኣቐዲምና ነመስግነኩም።
ኣብቲ ዘተ ምስታፍኩምን እቲ ንውድብኩም ወይ ማሕበርኩም ዝውክል ሰብን ኣቐዲምኩም ከተፍልጡና ትጽቢት ንገብር። ነቶም ተመዲቦም ዘለዉ ናይ ዛዕባታት ዘተ ማሕበርኩም ወይ ውድብኩም ንኣባላታ ኣቐዲማ ኣዛትያ ሓሳባ ናብ ኣወሃሃዲት ሽማግለ ከተቕርብ እንተደልያ ክትሕብሩና ንላቦ።
ንተወሳኺ ሓበሬታ ንዝዀነ ኣባል እታ ኣወሃሃዲት ሽማግለ ክትውከሱ ትኽእሉ።
ኣወሃሃዲት ሽማግለ
لا شك اننا كارتريين على علم بما هو عليه شعبنا من معاناة وما يمر به من اوقات عصيبة، وكلنا مشغول بهذا الوضع. لقد اصبح العالم ايضا مهتم بقضية شعبنا وما آلت اليه الاوضاع في بلادنا. البلاد في تدهور مستمر والشعب فقد فلزات اكباده، وشبابنا لم يعد له امل البقاء في البلاد فاصبح يهاجر الى كل اتجاهات العالم، وبسبب ضعفنا نحن طلاب العدالة وعدم قدرتنا على تسيق جهودنا، وبقاءنا في وحل الخلافات البينية، لم نعد نستطيع انقاذ شعبنا ووطننا، ولا حتى الدفاع عن انفسنا. هذا هو واقعنا الذي لا نستطيع انكاره. بناءا على هذا ندعو جميع التنظيمات السياسية ومنظمات المجتمع المدني للمشاركة في ندوة للحوار والبحث لايجاد حلول ومخارج من هذا الوحل.
سوف تعقد الندوة تحت شعار: "ارتريا هي ملك لشعبها، وتطور شعبها هو الضمانة لها، التآخي و المحبة بين ابناء الشعب هو متنفسها".
التاريخ: من 8 الى 10 يوليو - 2016
المكان: مدينة كايسرسلاوتم (Keiserslautern) – ألمانيا
يرجى من الجميع ابلاغ اللجنة المنسقة للندوة بمشاركتكم واراءكم حول بنود الحوار المطروحة، ونشكر لكم مقدما حسن تعاونكم في ذلك ودعمكم.
لمزيد من المعلومات بامكانكم التواصل مع اعضاء اللجنة التنسيقية الواردة امساءهم ادناه:
- السيدة اببا ابراها – كندا
- السيدة وجدان ديقول – استراليا
- السيد مرهاوي ولديميكائيل – نيوزيلاندا
- السيد تخلي-ماريام قبري-جيورجس – المانيا
الايميل: This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.
لارسال دعمكم المادي:
Paypal ni Hizbawiezete tecle.ghebregergis@t- online.de Teclemariam Ghebregergis IBAN DE63500105175414573205 BIC INGDDEFF
ሰሚናር በይ ኤርያ ካሊፎርንያ- ዝሓለፋ 25 ዓመታት ድሕረት: ድኽነት: ስደት: ባርነትን መሰል ኣልቦነትን ዓመታት ክምዝነበራ ደምዲሙ
Wednesday, 18 May 2016 23:08 Written by ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ቤይ ኤርያ (Bay Area Eritreans for Democratic Change- BAEDC)
በይ ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ብምክንያት 25 ዓመት ናጽነት ኤርትራሰፍሕን ዕዉትን ሰሚናር ግንቦት 7 (7/5/16) ኣብ ከተማ ኦክላንድ ካብ ሰዓት12 ክሳብ ሰዓት 8 ድሕሪ ኣካይዱ።
እቲ ብምክንያት 25 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ዝተካየደ ሰሚናር ቀንዲ ዕላምኡ ነቲ ስርዓት ህግደፍ ብናይ ሐሶት ዳንኬራተዓጠቅ ትሸብሸብ ዝብለሉ ዘሎ ናይ ናጽነት ጽንብል ኤርትራ ኣብ ውሽጢ 25 ናይ ናጽነት ዓመታት ከምቲ ስርዓት ህግደፍ ዝብሎ ኣብ ጎደና ምዕባለ’ዶ ወይስ ከምቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ኣብ መንገዲ ጥፍኣት ነዚ ሐቂ’ዚዘንጸባርቅ ብመርቶዓታት ዝተሰነየ ብሙሁራት ኪኢካታትን ካብ ሰሜን ኣሜርካን ኤውሮጳን ዘቅረብዎ ብዙሕ ህዝቢ ዝተሳተፎ ዕውት ሰሚናር ኔሩ።
እዚ ዕዉትን ኣገዳስን ሰሚናር ከምቲ ኣብ ላዕሊ ተጠቂሱ ዘሎ ኣቀዲሙ ክግበርዝተመርጸሉ ምክንያት ነቲ ስርዓት ህግደፍ ብሐሶትህዝብን ዓለምን ንምድንጋር ናይኣታዊታቱ ንምክዕባትን ዝግብሮ ሜላ ንምብዳህን ነቲ ዝዳናገር ዘሎ ህዝቢ እቲ ሐቂ ፈሊጡ ነቲ ስርዓት ዝግብሮ ዘሎ ናይ ሐሶት መናውራ ክቃውመን ካብ ምድግፉ ክቁጠብን ክሕግዞ ምእንቲ’ዩ።

ትሕዝቶ እቲ ሰሚናር ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ብሉጻት ደቁ ከፊሉ ዘረጋገጾ ነጻነት ፍረጻማ መሪር ቃልሱን ዋጋ መስዋእቲ ብሉጻት ደቁን ሰለዝኾነ ብክብሪ ክዝክሮን ክብዕሎን ዘየማትእ እኻ እንትኾነ ህዝቢ ኤርትራ ግን ኣብ ውሽጢዚ 25 ዓመታት እቶምመብጽዓ ስውእቶም ዝጠለሙ ጭፍራ መራሕቲ ህግደፍ ንኤርትራን ህዝባን ኣብ ዘይወጻእ ዓዘቅቲ ሸሚሞማ እናሃለዉ ኤርትራ ከም ኣብ መንገዲ ግስጋሰን ልምዓትንዘላን ሃገር ጌሮም ንምብዓል ዝዳለዉሉ ዘለዉ ብሩራዊ ኢዮቤል ሐቅነት ዘይብሉ ፈከራ ምኻኑን እቲ ኣብ ባይታ ህዝቢ ኤርትራ ዘሎ ሐቂ ግን ብኣንጻሩ ሽግር፣ መከራ፣ጥሜትንሕማምን፣ ስደትን ሞትን፣ማእሰርትን ስቃይን ምኻኑ ንምምካት’ዩ።
እቶም ኣብዚ ሰሚናር ወረቃቕቲ ዘቕረቡ ከኣ ኤርትራውያን ሙራትን ኪኢላታትን ኮይኖም ገለ ክፋል ዕድሚኦም እንተ ኣብ ምንግስታዊ ወይ ከኣ ብሕታዊ ትካላት ኤርትራ ብምስራሕ ዘሕለፉ እዮም።
ቁጠባዊን ሰብኣውን ኩንታት ኤርትራ፡ ናጻነት ፕረስን መራኸቡ ብዙሓንን፡ ህሉዊ ኩነታት ተክኖሎጂ ኤርትራ ብመጽር ክበጽሖ ዝኽእል ዝነበሮ ደረጃ፡ ፖሊስታት መሪሕነት ህገድፍን ጽልዊኡ ኣብ ብሂራት ኤርትራ ብፍላይ ከኣ ብሄረ ዓፋር፡ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ፡ ህልዊ ኩነታት ናይቶም ቅድሚ ናጽነት ናብ ሱዳን ዝተሰደዱ ኤርትራውያን፡ ሚለንዮም ደቨሎፕመንት ጎልስን እቶም ኣብቲ ሰሚናር ዝተዘተየሎም ኣርእስታት እዮም ነይሮም።
ኣብ ቁጠባ ጕጅለ ህግደፍ ብዘተኸተሎ ውዱቕ ናይ ንግድን ወፍርን ፖሊሲ፡ ከምኡ ከኣ እቲ ብሰንኪ ድፕልዮማሳዊ ውድቀቱ ክፈትሖ ዘይከኣላ ናይ ዶብ ኩነታት ዘስዓቦ ሓደገኛ ፖለቲካዊ ሃዋሕውን ተደማሚሮም ነቲ ካብ ቱሪዝም፡ ዕደና፡ ናይ ወደብ ኣገልግሎትን፡ መሸጣ ምህርቲ ባሕርን ክርከብ ዝግብኦ ዝነበረ ዓቢ ናይ ቁጠባዊ መኽሰብ ከም ዘይ ተረክበን፡ ከም ሳዕቤኑ ከኣ ቁጠባ ኤርትራ ኣብዚ እዋን ዳርጋ ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ታሕቲ ደረጃ ከምዝርከብ ጭቡጥ ኣብነታት ብምቕራብ ኣረዲኡ። ነዚ መጽናዕቲ ዘቐረበ ኣቶ ሰንጋል ወልደ ትንሳኤ ( ሓው ን ሚንስተር ሃይለ ወልደትንሳኤ ) እዩ ነይሩ።
ጕጅለ ህግደፍ ብሰንኪ እቲ ዝተኸተሎ ናይ ምልኪ ስርዓት ኣዝዩ ዝጻረር ስለ ዝኾነ ንነጻነት ሓበሬታን፡ መራኻቢ ብዙሓናን፡ ምስኡ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዙ ዝከይድ ናይ ተክኖሎጂ ሓበሬታን እውን ብጽኑዕ ከምዥቆጻጸሮን፡ ከም ሳዕቤኑ ከኣ ሎሚ ኤርትራ ካብተን ብቱሑት ዝርገሐ ሓበሬታ፡ ተክኖሎጅን፡ ናጽነት ፕረሰን ዝጥቀሳ ሃገራት ዓለም ኮይናን፡ እቲ ናይ ኣፍሪቃ ሰሜን ኮርያ ዝብል ቅጽል ለጊብዋ ከምዘሎ ነቲ ጸብጻብ ዝቕረበ ኣቶ ተወልደ እስቲፋሎስ ኣረዲኡ።
ብዘይካዚ እቲ ብመሪሕነት ስርዓት ህግደፍ ብዙሕ ዝዝረበሉ ሚለንዮም ደቨሎፕመንት ጎል እቲ ዝበዝሐ ንዕኡ ዝምልከት ሓቤሪታ ካብቲ ጕጅለ ህግደፍ ዝህቦ ዝብጻብ ዝተወስደ ምኻኑን እዚ ከኣ ብዙሕ ሓቅነት ክምዝጎድሎን እቲ ነቲ ሰሚናር ዝሃበ ኣቶ ሳሚኤል ብሰፊሕ ኣረዲኡ።
ደቀንስትዮ ኤርትራ ብሰንኪ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተገዲደን ኣብ ኣባልት ሰረዊት ስለ ዝምደባ ብዘይ ድለተንን፡ ብሓይሊ ከም ዝድፈራን ካብቲ ኣብ ኣገልግሎት ብምኻድ ክወርደን ዝኽእል በደላት ንኽናገፋ ብዘይ ፍትወተን ኣብ ንኡስ ዕድሚን ይምርዓዋን ወይ ውን ናብ ስደት የምርሓ ምህላወንን ነቲ ጸብጸብ ዘቕረበት ወ/ሮ ኤልሳ ካብ ኣትላንታ እረዲኣ።
ጕጅለ ህግደፍ ንባህልን ልምንድን ብሄራት ኤርትራ ግዲ ዘይህብ ኣብ ርእሲ ምኾኑ፡ ነቶም ኣብ ብልምዳውን ባህላውን ምሕደራ ዝመሓደሩ ቢሄራት ኤርትራ ብኣስገዳድን ሓይሊ ብረትን ኣብቲ ናቱ ምስመር ከምዘእትዎምን ብሂረ ዓፋር ከኣ ናይዚ ሓደ ኣብነት ብኾኑን፡ ብስንኪ እዚ ከኣ ኣብ ደገ ዝርከቡ ተወልድቲ ብሄረ ዓፋር ናይ ገዛእ ርእሶም ምሕደራ ክህልውምን ፡ እዚ ክሳብ ዝተሓለወሎም ከኣ ኣብ ኣሕዋቶም ኤርትራውያን ኣብ ትሕቲ መሰላት ቤሂራት እተኽብር ሓንቲ ኤርትራ ሓቢሮም ንኽነብሩ ጸገም ከምዘይብሎም ነቲ ጸብጽብ ዘቕረበ ኣቶ ኣሕመድ ሞሓመድ ካብ ካናዳ ኣብ መደርኡ ኣረጋጊጹ ።
ሱዳን ንቶም ሎሚ ድሕሪ ናጽነት ብስነኪ ዓመጽን ውዱቕ ምሕደራን ስርዓት ህግደፍ ዝስደዱ ዘለዎ መብዛሕቲኦም መንእሰያት ዝኾኑ ኤርትራውያን ጥራይ ዘይኮነት ፡ ነቶም ኣብ ሱሳታት ብሰንኪ መግዛእቲ ህይለስለሴን ደርግን ዝተሰደዱ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ሱዳን ንወለዶታት ዝሰረቱ ኤርትራውያን እውን እትእንግድ ጎረቤት ሃገር እያ። እዞም ኣብ ምዓስከራት ዝነብሩ ኤርትራውያን ቀረብ ዝስተ ማይ፡ ሕክምና፡ ትምህርትን ኣብ ዘይብሉ ኣዝዩ ሕሱም ሂወት ከምዝነብሩ ብሰፊሕ ዘገለጸት መንእሰይ ሳብሬና ኣማን (ካብ ሎስ ኣንጀለስ) ምስ ኣቦኣ ጀሚል ኣማን (ካብ ከባቢ ዋሺንግቶን ዲሲ)፡ ኩሉ ኤርትራዊ ዓቕሙ ብምውህሃድ ንኹነታት ሂወት እዞም ስደተኛንታት ንምምሕያሽ ክሰርሕ ኣዘካኪሮም። መንእሰይ ሳብሬና ነቲ ተዓዚባቶ ዝመጸት ኣስካሕካሒ ሂወት ኤርትራውያን ኣብ ሱዳን ኣብ ዶኪመንታሬ ፊልም ጌራ ንምቕራብ ኣብምድላው ትርከብ::
እዚ ሰሚናር በቲ ዘቕረቦ ትሕዝቶ፡ ነቲ ሰሚናር ንምክያድ ዝተጠቅመሉ ቴክኖሎጅን፡ ብዙሑነት ናይቶም ነቲ ሰሚናር ዘካየዱ ኤርትራውያን ኪኢላታትን ኣዝዩ ፍሉይ ምንባሩ፡ ብዙሓት ተሳተፍቲ ናይቲ ሰሚናር ይገልጹ። ከምዚ ዝዓይነቱ ሰሚናራት ብድሕሪ ሕጂ ንኽካየድ ከኣ ኣዘኻኺሮም።
ነቲ ዝነበረ ሰሚናር ንምክትታል ኣብዘን ዝስዐባ ሊንክስ (ጥብቆ) ተወከሱ:
Afar people suffering by Ahmed Mohamed (ጉዳይ ደቂ ዓፋር ዘሕለፍዎ ዘለዉ መከራን ድሌታቶምን ብ ኣሕመድ ሞሃመድ ካብ ካናዳ): https://youtu.be/QPDn7VJKq_A
Women's rights by Elsa Mesfin (አዋናዊ ሽግራት ኣብ መሰል ደቂ ኣንስትዮ- ኤልሳ መስፍን):
https://youtu.be/pUCZFba2OMI
ICT by Tewolde Stefanos (ዘመናዊ መራኸቢታትን ሓበሬታን ብ ተወልደ ስቲፋኖስ)
Eritrean Refugees in Eastern Sudan by Sabrina and Jamil (ሃለዋት ስደተኛታት ምብራቓዊ ሱዳን ሳብሪና ጀሚልን ጀሚል ኣማን): https://youtu.be/J7loNq-eExI
Mass Media and Mellinium development goals by Samuel N. (መራኸቢ-ብዙሃን: ሚለንየም ዲቨሎፕምነት ሸቶን ብሳሙኤል): https://youtu.be/vTLHS7whiX8
Eritrean Economy by Sengal Woldetensae (ውድዓዊ ገምጋም- ግስጋሴ ቁጠባ ኤርትራ ብሰንጋል ዎልደትንሳኤ
https://youtu.be/e9q6uHLc_i4
ኣቅድም ኣቢሉ’ውን በይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ "ስደተኛታት፡ ፍልሰትኤርትራውያን" ("Refugees: The Eritrean Exodus") ዝብል ዶኪመንታሬ ፊልም ብህቡብ ኣመሪካዊ ዳህሳሲ ክሪስ ኮተር ብምርምርን ሞያውነትን ዝተዳለወ ስነዳ ፊልም ብዕለት 28/4/2016 ብዓወት ዛዚምዋ:: እዚ መደብ ካብ ኣመሓዳሪት ከተማ ሪችመንድ፡ ቤት ጽሕፈት ኣመሓዳሪት ከተ ከተማ ኦክላንድ፡ ሓለፍቲን ሰራሕተጛታትን ዘይመንግስታውያን ማሕበራትን ኣለይቲ ስደተኛታቶምን ክሳብ ውልቃውያን ተጣበቕቲ መሰል ደቂሰባት ብሃንቀውታ ዝተጸበይዋ ፊልምእዩኔ ሩ። ኤርትራውያን ብሰንኪ ሕሱም ምሕደራ ሃገሮም ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ስደተኛታት ቦታ ዘሕልፍዎ ዘለዉ ግፍዕን ሐሰረ መከራን ዘሪኢ ንኩሉቲ ተሳታፋይ ልቡ ዝተንከፈ ኣብ ከተማ ኦክላንድ ዕዉት ስራሕ ኣካይዱ ኔሩ’ዩ።
ከም መቀጸልታ ናይ ብሩራዊ ኢዮበል ዝኽሪ ነቲ ጎብለል ኤርትራዊ ስነጥበባዊ ዮውሃነስ ትካቦ (ወዲ ትካቦ) ምስ ውሃ ዘበሉ ኣጀብቱ ን ምያዝይ 29 ኣብ ኦክላንድ ናይ ምሸታዊ ትልሂት ኣዳልዩ ከም ዘሎ ንሕብር::
ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ቤይ ኤርያ (Bay Area Eritreans for Democratic Change- BAEDC)
ካሊፎርንያ - ሰሜን ኣመሪካ - This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.
ኣባላት ጨናፍር ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰ.ደ.ህ.ኤ) ካብ ከተማታት በይ-ኤርያ ተጓዒዞም ኣብ ከተማ ኦክላንድ ተራኺቦም ብ14 ግንቦት 2016፣ ሓሙሽተ ሰዓታት ዝወሰደ ኣኼባ ኣካይዶም። ኣባል ፈጻሚ ሽማግለን ሓላፊ ስርርዓዊ ጉዳያትን ተጋዳላይ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ)፣ ሓፈሻዊ ኣተሃላልዋ ሃገርናን ህዝብና ኣብ ትሕቲ ጨቋኒ ስርዓት ዘሕልፎ ዘሎ መሪር ናብራን ብሓፈሻ፣ ኵነታት ሰልፍናን ደምበ ተቓውሞን ድማ ብፍላይ ድሕሪ ምግላጹ፡ ብዛዕባ’ቲ ባዕሉ ዝተሳተፎ ኣብ መጀመርያ ወርሒ ሚያዝያ 2016 ኣብ ኣዲስኣበባ ብ “ግዜያዊ ኣካል ርኽክብ ምምኻራዊ ዋዕላ ናይሮቢ” ዝተኻየደ ኣኼባ ሓበሬታን መብርህን ሂቡ።
ተስፋይ መግለጺኡ ብምቕጻል፡ ዕማም ግዜያዊ ኣካል ርኽክብን በቲ ዝተዋህቦ ሓላፍነት መሰረት ዘሰላሰሎ ስራሓትን ዘጽደቖ ውሳኔታትን ብዝርዝር ሓቢሩ። እቶም ቀንዲ ካብኦም ድማ፡
· ነቶም ኣብ ዋዕላ ናይሮቢ ዝወዓሉን ዘይወዓሉን ፖሊቲካዊ ውድባት፡ ናብ ኩሉ ሓቆፍ ምምኻራዊ ዋዕላ ንምምጻእ ሰፊሕ ርኽክባት ከም ዘካየደ
· ቀጺሉ ኣብ ዝካየድ ምምኻራዊ ዋዕላ ንምይይጥ ዝቐርቡ ንድፊ ሰነዳት እተዳሉ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ኣቝሙ ምህላዉ
· ተወጢኑ ዘሎ ካልኣይ ኩሉ ሓቆፍ ምምኻራዊ ዋዕላ፣ ብገምጋም ኣብ ክፍላ ነሓሰ 2016 ንኽካየድ
ተስፋይ ካብ ኣባላት ንዝቐረበሉ ሕቶታት መብርሂ ብምሃብ ዛዚሙ።
ቀጺሉ ኣባል ዞባ ሽማግለ ሰ.ደ.ህ.ኤ - ሰሜን ኣመሪካ፤ ኣብ ዞባና ክካየድ ዝጸንሐ ንጥፈታትን ተወጢኑ ዘሎ መደባትን ሓቢሩ። ንዞባ ዝምልከቱ ኣገደስቲ ጉዳያት ብምልዓል ኣኼበኛ ዓሚቝ ምይይጥ ኣካይዱ።
ጨንፈር ሳን ሆዘ ኣባዚሑ ዘቕረቦ፣ ንኣብ 2015 ዝተሰላሰለ 2ይ ጉባኤን ፈስቲቫልን ሰ.ደ.ህ.ኤ ዘንጸባርቕ ፖስተር ንኣባላት ተዓዲሉ ኣኼባ ተደምዲሙ።
ዓወት ንፍትሓውን ደሞክራስያውን ቃልስታት ህዝቢ ኤርትራ
ክብርን ዝኽርን ንሰማእታትና
ወኪል ክፍሊ ዜና ኣብ ሰሜን ኣሜርካ

ንውጉኣት ሓርነት መደበር ከሰላ ብጉዱሳት ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራውያንን ደቂኣንስትዮ ኣባላትማሕበር ኣካለ ጽጉማንን ኤርትራ ንዘዳለዋኦ ድራር ብዕለት 14-05-2016 ኣብ NIED SAALBAU FRANKFURT ብዓወት ተዛዚሙ።
ሎሚ ውን ከምቲ ወርትግ ሰናይ ኣገልግሎተን ከይተቘጠባ በዚ ዝተጠቕሰ ዕለትን ቦታን ካብ ሰዓት 15.00 ክሳዕ 23.00 ብዋዛን ቁምነገርን ዝተሰነዬ ምሸት 1.085.00 (ሓደ ሽሕን ሰማንያን ኤውሮ) ኣስተዋጽኦ ከም ዝተገበረ ንሕብር።
እዚ ዝተጠቕሰ ኣስተዋጽኦ ጥራይ ዘይኰነ እቶም ኣብዚ ምሸት እዚ ብግዜ ምሕጻር ዘይመጹ ኣካላት ብባንክ ይሰዱ ምህላዎም ክንገልጽ ንፈቱ።
ተኻፈልቲ ግዱሳት ዕዱማት ነዚ ነዊሕ ሰዓታት ዝወሰደ ጊዜ ብልዝብን ብሃናጺ ምኽርን፡ ብዋዛ ምስ ቁም ነገርን፡ ዝተሰነየ ዓወት ዝሓዘለ ምሸታዊ ዕድመ ነፍሲ ወከፍ ዕዱም ንኣዳለውቲ ድራር በቲ መኣዛ ዘለዎ መግቢን መስተን ብምቕራበን ጥራይ ዘይኰነ ነቲ ከይተሓለላ ዘካይደኦ ዘለዋ ሰናይ ኣገልግሎት ምስጋና ብምቕራብ ናይቲ በዓል መዛዘሚ ኰነ።
ኣብ ህልዊ ምምሕዳር ስርዓት ኤርትራ ዝካየድ ሕጊ ኣልቦ ናይ መደናገርቲ ስራሓት፡ ጸብጺብካ ዝውዳእ ኣይኮነን። ብመንጽር ባህሪ ናይ መለኽቲ እንተለኪዒናዮ እውን ምምሕዳር ህግደፍ ካብቶም ኣብ ዓለም ዝተራእዩ መለኽቲ መዳርግቲ የብሉን። ገሊኦም መለኽቲ ንዜጋታቶም እንተወሓደ ሰሪሖም ክዕንገሉ ከምዘለዎም ይገብሩ እዮም። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምልኪ ግና ብመንጽር’ዚ ኣሉታውነቱ ፍሉይ እዩ እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን።
ብሰንኪ እኩይን መላኽን ምሕደራ ስርዓት ህግደፍ ዝፈጠሮ ሕገ- ኣልቦነት፥ ኣብ ኤርትራ ህዝቢ ኣብ ነንሓድሕዱ ኣገባብ ዘይብሉ፡ ውሽጠውሽጢ ዝመሃዝ ስምምዓት ከካይድ ይግደድ። ንኣብነት ኣብ መዳይ ኣካራይን ተኻራይን ካብ ሕጊ ወጻኢ ስምምዓት ይወዓዓሉን ይፈራረሙን። እቲ ኣካራይ ገዛ ንመንግስቲ ግብሪ ስለዝኸፍል’ሞ እቲ ግብሪ ከኣ ብዙሕ ብምዃኑ፥ ከጉድል ክብል ሕቡእ ሜላታት ክጥቀም ይግደድ።
እቲ ተኻራያይ ከኣ ዘጽልለሉ ገዛ ንኽረክብ በቲ ኣካራያይ ዝበሎ መሰረት ክቕበል ወይ ክሰማማዕ ናይ ግድን ይኸውን። ጭንቂ፡ መከራን ሕገ- ኣልቦ ምሕደራን ዘየምጽኦ መዘዝ የልቦን እሞ፡ ልክዕ ከምታ በዕራይ ነቲ ገደል ገዲፉ ነቲ ዝበልዖ ሳዕሪ ጥራይ ብምስትብሃል ዝጸድፍ፡ ክልቲኣቶም ኣካራያይን ተኻራያይን ሳዕቤኑ ዘንጊዖም ክበላሓቱ ይጽዕሩ። እዚ ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ተግባራት እዩ። እቲ መንግስቲ ከኣ ካብቲ ጎሪሐ ዝብል ኣካራይ ዝያዳ ጎራሕን ተንኮለኛን ብምዃኑ ነቲ ዝግበር ሽጣራታት ኣይስሕቶን እዩ። እዚ ተግባሩ ኣብ ውሽጢ ሃገር እውን ይዕለለሉ’ዩ።
እምበኣር ኣብ ነዚ ዝምልከት ግብራዊ ኣብነት ንመልከት፡ “በ” ዝበሃል ዋና ገዛን “መ” ዝበሃል ተኻራያይን ዝተወዓዓልዎ ስምምዕ ነይርዎም። እቲ ንገዝኡ ብ 6000 ናቕፋ ዘካሪ፡ ንሓደ መጽለሊ ስኢኑ ዝተሸገረ ተኻራያይ ንሰማማዕ እምበር ከካሪየካ እየ ይብሎ። እቲ ተኻራያይ ከኣ ጥራሕ ዘጽልለላ ገዛ ሃበኒ እምበር፡ ግዲ የለን ክንሰማማዕ ኢና ዝብል መልሲ ክህቦ ናይ ግድን ነይሩ። እቲ ስምምዕ ከኣ ከምዚ ዝስዕብ ኮነ። ኣካራያይ ንተኻራያይ እቲ ዋጋ ክራይ ገዛ ንወርሒ 6000 ናቕፋ ክኸውን፡ እቲ ስምምዕ ከኣ ንወርሒ ብሕሳብ 4000 ናቕፋ ኮይኑ ክሰፍር ይወዓዓሉ። ጉድ ናይቲ ዝፍጸም ዘሎ ሸፈጥ ንተዓዘብ። እቲ ዋና ገዛ እቲ ንግብሪ ዝኸፍሎ 20% እንተኾይኑ እቲ ዓቐን ገንዝብ ናይ 6000 ናቕፋ 1200 እዩ ዝኸውን።
ስለዚ በታ ዝገበርዋ ምስጢራዊት ስምምዕ ናይቲ 4000 ናቕፋ 20% ኣብ ወርሒ ንመንግስቲ ዝኸፍሎ 800 ናቕፋ ክኸውን እንከሎ እተን 2000 ናቕፋ ግና ግብሪ ዘይክፈለን እየን። ስለዚ እቲ ዋና ገዛ ኣብ ክንዲ ኣብ ወርሒ 6000-1200 = 4,800 ናቕፋ ጥራይ ዝረክብ፥ 6000-800 = 5,200 ናቕፋ ኣብ ኢዱ ‘’ኣታዊ ይኸውን። እቲ ዝያዳ ተንኮለኛ መንግስቲ ከኣ ንኽልቲኦም ንኽረክብ ከምቲ ኣበው “ክለተ ጎራሓትሲ ሓሙዂሽቲ ስንቆም” ዝብልዎ’ ይባላሕት። ሕጊ ኣልቦ ብምዃኑ ብዘይሕጊ ስምምዕ ከምዝካየድ ክፈልጥ ናይ ግድን እዩ። ስለዚ ነቲ ዘካረየን ዝተኻረየን ነቲ ዝተሰማምዕሉ ወርሓዊ ዓቐን ክቕርቡ ይሓቶም። ብድሕሪኡ እታ ገዛ ክሳብ ክንደይ ክትካረ ከምትኽእል ንምፍላጥ ሸነንቲ ወይ ገምገምቲ ይልእከላ። እቲ ተኻራያይ ዝበሎ ምስቲ እቶም ሸነንቲ ዝገመትዎ ዝመሳሰል እንተኾይኑ ቅቡል ይኸውን። ዘይመሳሰል እንተኾይኑ ድማ በቲ ባዕሉ ዘሸነኖ ከም ዝኽፈል ይገብር።
እዚ ማለት እታ ገዛ በታ 4000 ናቕፋ እንተ ተሸኒና ዕድል ናይቲ ተኻራያይ እዩ ኣብኣ ትጸድቀሉ። ካብኡ ዝተሓተ ዲዩ ወይ ዝለዓለ እንተኾይኑ እውን ከምኡ። እታ ገዛ ልዕሊ 4000 ናቕፋ ኣብ ወርሒ እንተ ተሸኒና ከኣ፡ እቲ ተኻራያይ ክኸፍል ዝኽእል እንተኾይኑ ይኸፍል። ልዕሊ ዓቕሙ እንተኾይኑ ድማ ካብታ ገዛ ክወጽእ ግድን’ዩ። ኣቲ ዓመጸኛ መንግስቲ ከኣ በዚ ኣገባብ እታ ኣብ ኢዱ ትኣቱ ግብሪ ብዘይ ሓደ ጎደል ኣብ ኢዱ ከምትበጽሕ ይገብር።
ድራር መንታይ
መጠንቀቅታ ንኹሉ ብምኽንያት ፖለቲካዊ ሽግር ኤርትራ ፍቓድ ዝወሰደ ብፍላይ ከኣ ንሓተትቲ ዑቁባ ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ ሃገረ ሽወደን
Friday, 13 May 2016 21:18 Written by ጽላል ስዊድናዊ -ኤርትራዊ ኮሙኒቲ ኣብ ከተማ ስቶክሆልም
ደገፍትን ወከልትን ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ፡ ብምኽንያት መበል 25 ናጽነት ሃገረ ኤርትራ ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ኣብ ሶልና ሃለን ቀዳም ዕለት 14 ግንቦት 2016 ካብ ሰዓት12.00 ክሳብ ወጋሕታ ኣብ ዝግበር ዳንኬራ ፡ ንዝኸዱ ሓተቲ ዑቁባ ስደተኛታት፣ ካብዚ ስርዓት ነፍሶም ከድሕኑ ሃዲሞም ዑቁባ ሓቲቶም ክንሶም ፡ ተመሊሶም ኣብቲ ናይ ስደቶም ጠንቅን መውሃቢ ፍቓዶም ዝኾነ፣ እዚ ስር ዓትዚ ንኣኻትኩም ግዳይ ናይ ሰብ ነጋዶን፣ ኣብ ምድረ በዳን፣ ባሕርን ዝሞቱ ኣሕዋትኩም፣ ኤርትራውያን ኣይኮኑን ኣፍሪቃውያን ኢዮም ኢሉ ዝጠለመ፣ክትሳተፉ ከሎኹም እንታይ ይስማዓኩም፣ ትማሊ- ትማሊ ዶ ኣይኮነን ኤርትራውያን ኣይኮንኩምን ዝበለኩም፣ሎምዶ ኤርትራውያን ምዃንኩም ዘኪሩ ዘይኮነስ ንፖሊቲካዊ ሃልኪ ክጥቀመልኩም ምዃኑ ጠፊእኩም ኣይኮነን፣እቲ ዋሕዚ ስደት ይቅጽል ኣሎ፣ ግንከ ተመሊስኩም ነቲ ጠንቂ ስደትኩም ዝኾነ ስር ዓት ኣብ ዝገብሮ ዳንከራ ምስታፍ ግን ንጉዳይኩም ከምስደተኛታት ተቀባልነት ከምዘይረክብ ዝገብር ምስክር ኢዩ፡፤
እቲ ስርዓት ዘዳልዎ ፈስታ ክሳተፉ ከለዉ ንጉዳይ ፍቓዶም ዘይቅቡልን ኣብሓደጋ ዘእቱን ክኸውን ስለዝኽእል ፣ ኩነታት ብዝሒ ስደተኛታት ኣብ ሽወደን ነዚ ጉዳይ’ዚ ከጋድዶ’ውን ይኽእል’ዩ።
ከም ጽላል ስዊድናዊ ኤርትራዊ ኮሙኒቲ ኣብ ስቶክሆልም ነዚ ጉዳይ እዚ ብዝምልከት ምስ ማሕበር ጋዜጠኛታትን ማሕበራት ሰብኣዊ መሰላትን ከምዝዘተየሉ ከይሓበርና ክንሓልፍ ኣይንደልን።
ጋዜጠኛታትን ካልኦት በቲ ጉዳይ ዝግደሱን፡ ዝምልከቶም መንግስታዊ ኣካላትን ቆላሕታ ይገብሩሉ ስለዘለዉ ጉዳይኩምን መጻኢ ሂወትኩምን ከይበላሸወኩም ክልተ ግዜ ክትሓስቡሉ ኣጥቢቕና ንምሕጸን።
ንኽመጽእ ዝኽእል ጸገማትን ሓደጋታትን ኣብ ግምት ብምእታው ከምኡ እውን ምስቲ ሓደገኛ ዝኾነ ጉዕዞኹምን ዝወረደኩም ግፍዕን መከራን እናስተንተንኩም፣
ናብ ዘይተደልየ ሓደጋ ከይትወድቁ ክትሓስብሉ ብጥብቂ ነማሕጽን።
ምስ ሰላምታ!
ጽላል ስዊድናዊ -ኤርትራዊ ኮሙኒቲ ኣብ ከተማ ስቶክሆልም

ብመጀመሪያ ሰላምታና ይብጻሕኩም። ቀጺልና ደማ ደስ እናበለና ነዚ ዝስዕብ ብስራት ነበስረኩም። ንሕና እብ ሆላንድ እንነብር ኤረትራውያን ስደተኛታት፣ ነቲ ናይ መበል 25 ዓመት መዓልቲ ነጻነት ሓቢርና ንምብዓል ኣብ ከተማ ኣምስተርዳም መደብ ሰሪዕና ኣለና።
እዚ በዓል እዚ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ስለዝኾነ እሞ ብኹሉ ኤርትራዊ ዜጋ ከኣ ስለዝተረኽበ፣ ንኩሉ ኤርትራዊ ሓደ ይብጽሖ ኢልና ንእምን። ስለዝኾነ ድማ፣ እብዚ ህዝባዊ በዓል ብምስታፍ: በቲ ሓደ ሸነኽ ነቶም ኩሎም ነዛ ክብርቲ መዓልቲ ኩውንቲ ንምግባር ዝተሰውኡ፣ ዝሰንከሉ፣ ዘለና ክብሪ እንገልጸሉ: ብካልእ ሸነኽ ድማ፣ ኩነታት ሃገርናን ህዝብናን እንመዝነሉን፣ ካባና ዝጥልብ እንእምተሉን፣ ኣገዳሲ ዕለት ስለዝኾነ፣ ኩሉኹም ኤርትራውያንን ፈተውቲ ኤርትራን መጺእኩም ክትሳተፉ ብኽብሪ ንዕድም።
| ዕለት | 22 ጉንቦት 2016. (22-05-2016) |
| ጊዜ | ካብ ሰዓት 14:00 ክሳብ ሰዓት 22፡00 |
| ቦታ | Dickenslaan 173, 1102 AS Amsterdam. |
| መጓዓዝያ | Metro 53 (station Venserpolder) |
| ንሓበሬታ | ተሌፎን፡ + 31 687207167 |
ብደሓን ምጹ
ሽማግለ ማሕበር
ኣንቱም ንሰማማዕ
ጽባሕ ከይንጽፋዕ
ብምልኪ ከይንጥቃዕ
ንሓድሕድና ከይንበላላዕ
ሕደጉ ኣይንገዳዳዕ
ብሃገር ኣይንጣላዕ።
‘’ዓስ እብለኪ ክር እብለኪ እንተኣበኺ ንነብሪ ጎልጎል እህበኪ’’ ዝብል ምስላ ወለድና ኣሎ። ንሕና ነቶም ቅድመና ዝነበሩ ዝሓለፍዎ ተመኲሮ እንተስ ብቐጥታ ካብኦም ወይ ከኣ ብዝተክእዎም ኣካላት ክንዲ ንመሃር፡ ኣብ ደረጃ ምንጽጻግ ጥሒልና ንርከብ። “ሕደጉ! ኣንድነት እባ ራቢጣ እናተበበሃሃልና ኣይንፈላለ” እናተባህለ ከሎ እኮ እዩ ኣብ ሓምሳታት ተጻባእትና ንኤርትራ ብፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያ ክትቊረን ዝፈረዱዋ። ሕጂ እውን ታሪኽ ንነፍሱ ይደግም ከም ዝበሃል እነሆ ከምታ ናብ ዓዘቕቲ ዘእተወትና ኣገባብ ሒዝና ንምርሽ ዝብሉና ወገናት ዝቀላቐሉ ዘለዉ ይመስሉ።
ሎሚ ነፍስ ወከፍ ኤርትራዊ ዜጋ፥ ንዲሞክራስን ፍትሕን ከም ቀንዲ ዕላማኡ ገይሩ ክዋሳእ እንተዘይበቒዑ፥ ምልኪ ካብ ኣተሓሳስባና ንዘልኣለም ክድምሰስ ኣይኮነን። ኩሉ ዕዮ ገዛና ከኣ ንሕብረብሄራዊ ኣተሓሳስባ ምስ ናይ ማሕበራዊ ዲሞክራሲ ስነሓሳብ ብምትእስሳር ኣበርቲዕና ክንነቕሓሉን ክነተግብሮን ቀንዲ ሓላፍነት እዩ። ነዚ እምነት እዚ ምስ እንሕዝ ከኣ እዩ እቲ ናይ እምነት ናጽነት፥ ማዕረነትን ናጽነትን ዝሰፈና ሃገር፡ ሓድነትን ክብርን ህዝቢ ዘውሕስ ስርዓት ክንፈጥር እንኽእል። እዚ ክበሃል እንከሎ፡ ኩልና ናይ ዕላማ ሓድነት ክህልወና ምስ ዝኽእል እዩ ድልዱል ሃገራዊ ጥምረትን ምትእምማን ዝመልኦ ሓባራዊ ስራሓት ተወሃሂዱ ንኡድ ንኹሉ ዘዕግብ ፍታሕ ክርከብ ዝከኣል።
ካብዚ ሓሊፉ ንዕዮ ገዛና ኣትኪልናን ኣነጺርናን ኣብ ክንዲ ምስራሕ፥ ንእኡ ብዘፍርስ መንገዲ ምኻድ፡ ዕላማ ኣልቦ ኰንና ካብ ምልካዊ ኣተሓሳስባ ናጻ ክንከውን ኣይክንክእልን ኢና። ነዚ ወሪዱና ዘሎና ምልካዊ ስርዓት ክንገጥሞን ካብ ሱሩ ክንምሕዎን እምበኣር፡ ተተሓሒዝናዮ ዘሎና ዕዮ ገዛ ብሓቂ ናብ ሰላማዊ ናብራ ዘብጽሕ ከምዘይኮነ እዩ ዝእምት። ንሱ ድማ፥ ንናጽነት ኣይተቓለስናን፥ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ናይ እገለ ብሄር እዩ፥ ባንደራ እዚኣ እባ ኣቲኣ፥ እንዳበልካ፡ ታሪኽ ቃልሲ ህዝብን ስውኣቱን ብምንእኣስ ንምልኪ ዘውግዱ ኣገባብ ኣይኮኑን። ንሓርነታዊ ቃልስና ክንበቕዖን ክነዕውቶን እንተዀይና፥ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባናን ራኢናን ንመጻኢት ኤርትራ ከመይ ትመሓደርን ትህነጽን ኣብ ዝብል ሓደ ክኸውን ይግባእ። ምኽንያቱ እቲ ሽግርና ደርባዊ ወጽዓ ስለዝኾነ፡ ደርባዊ ወጽዓ ከኣ ደርባዊ ቃልሲ ብምክያድ እዩ ዝውገድ።
እዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት፡ ብናይ ብሄር፡ ዓሌት ወይ ሃይማኖት ኣሳቢቡ ንፍሉይን ውሱንን ሕብረተሰብ መጥቃዕቲ ኣየካየደን። እንታይ ደኣ ብኣልማማ ንኹለን ብሄራትን ሃይማኖታትን እዩ ዝጭቊን ዘሎ። ኣብዚ ጉዳይ እዚ ኣየናይ ብሄር ወይ ኣየናይ ሃይማኖት ዝያዳ ተወጺዑ ኣብ ዝብል እንተኣቲና ኣብ ናይ ጉጅልኣዊ ባህሪ ሰጢምና እቲ ወጽዓ ኣየናይ ሃይማኖት ይኹን ብሄር ብዘየገድስ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ እዩ ንዝብል ወድዓዊ ሚዛን ንፍኩሶ ኣሎና እዩ ዘስምዕ።
ኣብ ኤርትራ፡ ስልጣንን ምንጭታት ናውቲ ማእቶትን ገቢቱ ዝሓዘ ስርዓት እምበር ንብሄር ወይ ንሃይማኖት ወኪሉ ዝጭቊን ከምዘይኮነ ኩልና ክንኣምን ይግበኣና። እቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ስርዓት ናይ ጨቋንን ተጨቋንን እምበር ብመልክዕ ገዛእን ተገዛእን ክንጥምቶ ኣየድልን። እዚ ናይ ክልተ ተጻረርቲ ሸነኻት ጨቋንን ተጨቋንን ቁርቊስ ናይ ስልጣን መን ጨበጠ ቃልሲ ብምዃኑ፡ እቲ ሓደ ደላይ ለውጢ እቲ ካልእ ከኣ ጸረ ለውጢ እምበር ንፉሉይ ብሄር ወይ ሃይማኖት ዝመጽእ ለውጢ ኣይኮነን። ስለዚ ኣተሓሳስባና ክንደይ ካብ ኣየናይ ብሄር ወይ ሃይማኖት ተኣሲሮም ወይ ተቐቲሎም ምጽብጻብ ዘይኮነስ ኩሎም ምእንቲ ሓንቲ ኤርትራ ዝቖስሉ፡ ዝተሓየሩን ዝተሰውኡን ምዃኖም ክንዓግብ ይግበኣና። በዚ መሰረት እቲ ነዚ ምልካዊ ስርዓት ኣልጊስና ኣብ ክንድኡ ዝትከል ስርዓት ዝተኣማምን ህዝባዊ ተሳትፎን ምልኣት ሕብረተሰብን ዝውሕስ ዲሞክራሲያዊ ትካላት ክምስረት እምበር ንፍሉይ ብሄር ወይ ሃይማኖት ዘርብሕ ለውጢ ከምዘየለ’ውን ክንርዳእ ይግበኣና። እዚ ክትግበር ግን ንሓደ ስርዓት ሽፍታ ኢልካዮ ኣይበልካዮ፥ ባንደራና እቲኣ ወይ እዚኣ፥ ናጻ ሃገር የለን ብምባል ነቲ ስርዓት ዝቕይር ኣይኮነን።
እቲ ጸገም ናይ ኩሉ ክነሱ፡ ናይ ሓደ ብሄር ወጽዓ እዩ ምባልን፥ ዲሞክራስን ፍትሕን ኣየረጋገጽን እዩ። እዚ ኮነ ኢልካ ብገለ ገለ ወገናት ሃገራዊ መንነትናን ናጽነትናን ክብርናን ናይ ምድኻም ኣዕናዊ ፈተነ እዩ። እዚ ግጉይ ኣካይዳ ምስ ዝዕወት ናብ ገደል ከእትውናን ነቲ ቅኑዕ ሓርነታዊ ቃልሲ በቲ ክኸዶ ዝግበኦ ስነፍልጠታውን ፍቱንን ኣገባብ ኣቀላልሳ ከይከይድ ዝዕንቅፍ ሽርሒ እውን እዩ። ካብዚ ሓሊፉ መንእሰይ ተመኲሮ ኣያታቱ ከይቀስምን ምስኣያታቱ ከይቃለስን ወግሐ ጸብሐ ምቱኽታዅ፡ ሃገራዊ መንነትና ንምህሳስ ዝግበር ምህዞ እዩ። እዚ ከይዱ ከይዱ ኣግላሊ ባህርያትን ጠባያትን ከም ዝስዕርር ይገብር እሞ ሰላም፡ ቅሳነትን ርግእትን ዝሰፈና ሃገር ኣብ ምምስራት ኣፍራስን ግቡእና ከይንፍጽም ዓንቃፍን እዩ።
