ብዕራይሲ ዝበልዖ ሳዕሪ’ምበር፡ ዝጽበዮ ጸድፊ ኣይርኣዮን

2016-05-19 09:52:13 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1903 times

ህዝቢ ኤርትራ እቲ ኩሉ መከራ፡ ግፍዕን ኣደራዕን ተጻዊሩ፡ ተኸታተልቲ መግዛእታዊ ስርዓታት በዲሁ ሃገራዊ መንነቱን ክብሩን ኣዕቊቡ እዩ። ነዛ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ዝረኸባ ሃገር ከኣ ከም ብሌን ዓይኑ ክሕልዋን ክከላኸለላን ናይ ግድን እዩ።

ሕማቕ ዕድል ኮይኑ ግና፡ ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ ነቲ ናይ 30 ዓመታት ዝደመዮን ዝኸፈሎ ክቡር ዋጋን ኣስተርሕዩ ከስተማቕሮ ኣይከኣለን። ካብ መግዛእታዊ ሓዊ ወጺኡ ኣብ ዲክታቶርያዊ ሲኦል ተሸኺሉ ብኣደዳ ጥሜት፥ ድኽነትን፥ ሕገ-ኣልቦነትን ይልብለብ ኣሎ። እዚ ኩሉ ዓደራዕ ዝወርዶ ዘሎ ብደቂ ሃገር ምዃኑ ከኣ፡ እታ ብኽንደይ መስገደላት ሓለፉ ዘረጋገጻ ናጽነት ተመሊሳ ካብ ኢዱ ከይትሞልቆ ከኣ ተዓጊሱ ይርከብ። እወ! ህዝቢ ኤርትራ ነታ ተቓሊሱ ዘምጽኣ ናጽነት ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ጽንኩር ኩነታት ዓመት መጸት ከብዕላን ክዝክራን ናይ ግድን እዩ። ምኽንያቱ እቶም ምእንቲ ናጽነት ክብሉ በጃ ዝሓለፉ ደቁ ክዝክሮምን ከመስግኖምን፡ ነታ መደበስታኦም ዝኾነት ናጽነት ከኽብሩ ንቡር እዩ። ክብሪ ናጽነት ብዝኾነ መዕቀኒ ክልካዕ ኣንከሎ ልዑል ስለ ዝኾነ ኤርትራውያን ከብዕልዋን ግቡእን ናይ ግድንን እዩ።

ሎሚ ሎሚ ነዚ ክቡር ዋጋ ዝተኸፍሎ ናጽነት ዝለበሰት ሃገር ናጻ ኣይኮነትን፡ እንታይ ደኣ ኣብ ባርነት እያ ዘላ እናበሉ፥ ግደ ሓፋሽ ህዝቢ ዘንጊዖምን ጠምዚዞምን፡ ብኢሰይያስ ከም ዝመጸትን ናይ ኢሳያስ ከምዝኾነትን ኣምሲሎም ዝመዝኑ ወገናት ይቀላቐሉ ኣለዉ። ናጽነትና ምስቲ ቅኑዕ ዲሞክራሲያዊ ምሕደራ ኣልቦ ዝኾነ ምልካዊ ስርዓት ምትካሉ ኣዛሚዶም፡ ብደም ደቅና፡ ኣሓትና፡ ኣሕዋትና፡ ኣቦታትናን ኣደታትናን ዝተረኽበት ክነሳ “ኣይናትናን እያ” ዝብሉ ተዳፈርቲ ወገናት’ውን ይቀላቐሉ ኣለዉ። ካብዚ ሓሊፉ እታ ፈቲና ጸሊእና ኤርትራ ኣብ ዓለምለኻዊ መድረኻት ትልለየላ ዘላ ባንደራ፡ ናይ ኢሳይያስ እምበር ናትና ኣይኮነትን ብምባል ኣብ ዘይተደልየ ህውተታን ፍልልያትን ንምእታው ዝግበር ፈተነ ሽርሒ ምዃኑ ህዝብና ክርዳእ የድሊ።

እምበኣር ንናጽነት ከም ባርነት ካብ ቆጸርዎ፡ ጸገምና ኣብ ክንዲ ምልካዊ ስርዓት ዝኸውን እቲ ናጻ ምውጻእና’ዩ ይብሉ ምህላዎምዶ ዘንጊዐምዎ ይኾኑ? ናብቲ ቅድሚ ናጽነት ዝነበርናዮ መግዛእታዊ ኩነት ንመለስ ማለቶም ምዃኑኸ የስተብህሉሉዶ ይህልዉ።? ከም ዝመስለኒ ከምቲ ‘’በዕራይሲ ዝበልዖ ሳዕሪ’ምበር፡ ዝጽበዮ ገድል ኣይርእዮን’’ ዝበሃል እዚ ኹሉ ንኢሳይያስን ሰዓብቱን ስለ ዝጸላእካ ንናጽነት ክትሕሰም ማለት ናብታ ምስ ኢትዮጵያ ዝነበርናያ ኩነታት ንመለስ ይብሉና ኣለዉ’ምበር ንናጽነት ተሓሲሞም ደኣ ነየነይቲ ሃገር እዮም ዲሞክራስን ፍትሕን ከልብስዋ ዝሓስቡ ዘለዉ?

ስለዚ ነቲ ብሳላ ዝተስርሐ ቅያ፡ ዝተመዝገበ ናጽነትን ሓድነትን ክንዕቅብ ዘኽኣለና ታሪኽ ኣፍሪስካ ካልእ ታሪኽ ክስራሕ ከምዘይከኣል ክርድኡ ይግባእ። ናጽነት ብቃልስና ምምጻኣ ዲዩ ከይንሓብር፡ ከይንሰምርን ከይንቀራረብን ገይሩና ዘሎ? እቲ ናጽነት ድዩ’ኸ ነዚ መላኺ ስርዓት ተቃሊስና ከይነወግዶ ዓንቂጹና ዘሎ? ወይ እቲ ዲክታቶርያዊ ስርዓት እዩ ጸገምና? ክርድኡ ዘይምኽኣሎም ዘገርም እዩ። ሽግርና እምበኣር፡ ንናጽነት ምኽባርን ዝኽርታቱ ምብዓልን ዘይኮነ፡ ህላዌ መላኺ ስርዓትን ድሑር፡ ዘይምዕቡልን ዝንቡዕን ኣተሓሳስባኡን እዩ። ደሓር ከኣ ሓደሓደ ወገናት እቲ ኣብ መንጎ ናጽነትን ሓርነትን ዘሎ ፍልልይ ኣዳቒቖም ከይፈለጡ ብሃውሪ ኣፍራሲ ተራ ይጻወቱ ኣለዉ።

እዞም ወገናት ዝተጸንዐ ዘረባ ዝዛረቡ ዘለዉ መሲልዎም፡ ኣፎም ዝሃቦም ዘይጽጹይ ቃላት ብምጥቃም፥ ንናጽነት ከነውሩ ኣንከለዉ፡ ንህዝቢ ዝድብሱ ዘለው ይመስሎም ይኸውን። “ናጽነትና ኣይናኣምነሉን” ኢና ክብሉና ከለዉኸ ነቲ ትማሊ ብረፈረንዱም ወይ ህዝባዊ ወኸሳ ኣቢልና ዘረጋገጽናዮ ልኡላውነት’ኮ እዮም ኣሉ ንምባል ዝመጣጠሩ ዘለዉ። ሳዕቤን ናይ ከምዚ ዝዓይነቱ ግጉይ ወስታታትከ ጽባሕ ንግሆ ኣብ ምንታይ ገደል ከእትወና ከምዝኽእል ክንዝንግዕ ኣይግበኣናን።

ሎሚ ንሕና ነቒሕና ኢልና፡ እሞ ብሱል ፖለቲካዊ ኣፍልጦ ዘይብልካ፡ ምሁራትን ተመራመርትን መሲልካ ክትቀርብ ምፍታን ክሳብ ከንደይ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከም ዘለና ዘርኢ እዩ። ስለዚ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ብምኽንያት 24 ጉንበት 2016 ናብ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ዮውሃና መልእኽቲ ነተሓላልፍ። ንኹሎም ኤርትራውያን ሰማእታት ከኣ ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ይብጸሓዮም።

ድራር መንታይ

Last modified on Thursday, 19 May 2016 11:56