ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ኣዳለውቲ ፈስቲቫል 2016
ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን መሪሕነትን ተወከልቲን ሰልፍታትን ውድባትን ማሕበራት
ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ዕዱማት ኣጋይሽ ተሳተፍቲ ፈስቲቫል ብሓፈሻ፡
ብመጀመርታ ኣብ ፈስቲቫል 2016 ንኽንሳተፍ ዝገበርኩምልና ዕድመ ብስመይን ብስም ተበግሶ ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ ጀርመንን ብስም መርበብ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ንኣሰናዳኢት ሽማግለ ፈስቲቫል እንዳ ኣመስገንኩ፡ ልባዊ ሰላምታይ የቕርብ። እንቛዕ ከኣ ኣብዚ መኣዲ ዘተ ዝዓለመ ፈስቲቫልዚ ብሰላም ኣራኸበና እናበልኩ፡ ፈስቲቫልኩም ዕውት ኾይኑ፡ ንቃልሲ ዘዕጥቅን፡ ንፍትሕን ሰላምን ዝሕብር ክኸውን ትምኒትና ወሰን የብሉን።
ኤርትራ ከም ሃገር፡ ኣብ ናይ ዓለም ካርታ ንኽትህሉ ኩሉ ዝካኣሎ ዝኸፈለ ህዝብና፡ ሰላምን ራህዋን፡ ፍትሕን ተሐሪምዎ ኣብ ዘስካሕክሕ ህልቀትን ምጽናትን በጺሑ ከምዘሎ ግደፍ ዶ ንዓና ንዓለውን ዘስደመመ ስለዝኾነ ሓበሬታ ዘድልዮ ኣይኮነን። እቲ ኣስካፊ ኮይኑ ዘሎ ብስም ደላይ ፍትሒ ጸርፊ፣ ግሰጣ፣ ትምክሕቲ ኣነነት፣ ከነጥፍእ፣ ከነብርስ ዝብሉ ኣእምሮ ናይ ሕነ ምፍዳይ ሰነ ሓሳን ካብ ቅድም ንፍልጦ ሎሚ ይበዝሕ። በዚ ዝመጽእ ለውጢ እንታይ ኮን ይኮወን? ይመስለኩም ዶ ማዕርነት ደቂ-ኣንስትዮስ ዝተክሉ? ከይንፋለስ ዘስግእ እዩ።
ርግጽ እዩ ሽፍታ ዝጸበቀት ጓል ወይ ሰበይቲ ሽሞኛን ሰበይቲ ሓያልን ኣምጽ ኢለ ዝእዝዝ እዩ። ይብዛሕ ይውሓድ ድማ ኣብ በዓትታትን ጎዳጉድን ኮይኒ ፈራህ ብጽሞና ዝንቀሳቀስ እዩ። ነዚ ንምእላይ ከኣ ሓላፍነት መንግስትን ደቂ-ዓድን ዩ። ኣብ መላእ ሃገር ብመዓልቲ ይኩን ለይቲ ኣብ ቃልዕ ካብ ዝለዓሉ ሰበ ሰልጣን- ክሳብ ብሓላፍ መንገዲ ከትናሾን ክትዕመጽን ክትዝረፍን ትነብር ዘላ ኤርትራዊት። ተወሳኪ ውላዳ ተዘሚታ ናብርኣ ተሓሪማ ኣብ መሬት ኮላ ብገሃነብ ተበሊዓ ዘላ ብሰንኪ መላኪ ስርዓት ኤርትራ ድኣ እምበር ብናይ ገለ ሸፋቱ ሃገር ምሉእ ደም ኣይምነብዔን እዩ። ካብ መላኪ ሓይሊ ኣፋኩስካ ምግላጽ ንቃንዛ ደቂ-ኣንስትዮ ምንእኣስ እዩ። እዚ ራእይ ኣልቦ እዩ ጥቅመን ዘይኣነጸራ ደቂ-ኣንስትዮውን ኣብኡ ይሕምብሳ።
ደቂ-ኣንስትዮ ሰርዓት ኣሰመራ ባርባራዊ እዩ ንብል። ብዘይ ወዓል ሕደር ክእለ ኣሎዎ። እወ ክእለይ ኣሎዎ !!! ፍትሓዊ ለውጢ ሕጂ እወ!!! ኣሎና ዶ ኣብኡ? ሓጻር ቆላሕታ ናይዚ ገዛ ትምልሶ ።
ሰክፍታና ከም ደቂ ኣንስትዮ ዓብይ እዩ። ሕቶ ደቂ-ኣንስትዮ ዘይኣማእከለ ልወጢ ንመን? ብኩራት ደቂ-ኣንስትዮ ብኩራት ዴሞክራሲ እዩ። እሞ ክሳራ ናይቲ ፍትሒ ከምጽእ ደሞክራሲ ክተክል ኢሉ ዝጓየ ዘሎ ሰለ ዝኮነ ከምቲ ምስላ ዓብይቲ፥ “በይኑ ዝጐይስ ዝቅድሞ ነይብሉ” ዝበሃል እትጽዕርዎን ትድክምዎ ኮንቱ ከይክወን ተመሊስኩም ክትርእዎ ንምሕጸን። እዚ ክብል ከሎኩ ኣብዚ በዓል ብዙሓት መራሕቲን ተውከልትን ዕዱማትን ተሳተፍትን ብሓፍሸኡ ኣብ ሃገርና ለውጢ ክንገብር ኣሎና ትብላን ትብሉን ተራኪብና ሰለ ዘሎና ምሕጽንታይ ናብ ኩልና ኣብዚ ዘሎናን ካብዚ ወጻኢ ዘሎኩምን ዘሎክንን ጉዳይ እዩ ኢልኩም ተዓጢቁም ትርክባን ትርከቡን እዩ። ነዞም ሎሚ ዓቢ ስክፍታ ከመዘሎና መልእክቲ ደቂ ኣንስትዮ ከመሓላልፍ ዕድለ ዝሃብኩም ድማ ደጊመ የምስግን ምሕጽታና ሓድሽ ኣይኮነን ንዓኩም እቲ ብኩራት ደቂ-ኣንስትዮ ዝበሃል ዘሎ ዘተ ደቂ-ኣንስትዮ እንተዝክፍትስ ምሐሸ፣ ታሪካዊ ሓላፍነትዩ ።
ዝኽበርክን ደቂ-ኣንስትዮ !! ኩነታት ሃገርክን ውጺት ቃልስክን ዘጋጥም ዘሎ ተጻብኦታትን ሎሚ ሰማዕቲ ዘይኮንክንስ ሓምበስቲ ናይቲ ቃልሲ ብምኻንክን ክብሪ ንዓክን ሓበን ድማ ይስመዓኒ ከማክን ይብዝሓ፥ ዴሞክራሲ ንማሕበራዊ ማዕርነት ዘደላድል ንብዙሓት ዘማእከል ምሕደራ ሰለ ዝኮነ ካብ ሎሚ ልጓም ኣጽኒዕና ንሓዝ፣ ኣብ ዕንደራ መክሰብ የብልናን ተርድኦና ክሰፍሕን ዘማእክልና ራኢ ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ብሓባር ክንክትሞ ኣሎና። ጉዳይና ካባና ንላዕሊ ዝገልጾ እምበር ዝሰርሐሉ ኣይክርከብን እዩ። ሰለዚ ሸግረይ ንምፍታሕ ቀዳመይቲ ተሓታቲት ባዕለይ ሰለ ዝኮንኩ ተጸበይቲ ኣይንኩን ካብዚኣ ወጽእና ብዛዕባና ንዘቲይ። ንጻውዕት ደቂ-ኣንስትዮ ንስማዕዮ ካብዘን ሎሚ ኣብዚኣ ተረኪብክን ዘሎክን ደቂ-ኣንስትዮ፡ ደቂ-ኣንስትዮ ምስ ዝጽውዓ ሓደ ምእታዊት ኣይትርከባ ኢክን እዚ ድማ ናይ ተጽባይነት ምልክት እዩ። ነዚ ንስገሮ ተሰክምቲ ጾታዊ ሓላፍነትና ንኩን፣ ኣብ ወሽጢ ገዛና ዘሎ ሽግር ንስንዶ ፍታሕውን ነናዲ ድሕሪኡ ኢና ካብ ኣለዋና ናብ ኣሎና ንረግጽ።
በዚ ኣገጣሚ ሓቤሬታ ንኩልክን ደቂ-ኣንስትዮ ካብ ዕለት 16.9 ክሳብ 18.9 16 ኣብ ሮም ብመርበብ ደቂ-ኣንስትዮ ተዳልዩ ዘሎ ን3ይ ርክብ ክትሳተፍኦ ብክብሪ ትጽውዓ ውራይክን እዩ።
የቀንየለይ ክብሪ ይሃብክን ይሃብኩም ተሳተፍቲ።
ህልቀት የብቅዕ፣ ሰማእታት ክከብሩ
ልዙብ መዓልቲ ይግብርልና
ኣዳልውቲ ጻማኩም ርከቡ። ደጊመ ድማ የመስግን ዕድል ብሃብኩም
ንመሰልና ባዕልና!!!
ብውሽጢ ይኹን ብደገ ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ህግደፍ ዝፍጠር ዘሎ ተጽዕኖ፡ ቅልጣፍኡ’ኳ ዘገምታዊ እንተኾነ፡ ቀጻሊ ምህላዉ ንዕዘቦ ኣለና። ምናዳምናዳ ንሓንሳብ እቲ መስርሕ ይቕልጥፍ እሞ፡ ንህግደፍ ድማ ብኽንድኡ ደረጃ የሻቕሎን የሰንብዶን። እቲ ጉጀ ከምዚ ዓይነት መሸንቦባ ክመጾ እንከሎ መኸወሊ ክፈጥር ባህርያዊ እዩ። እተኾነ እቲ ዝፈጥሮ መኸወሊ ኣብ ግዚያዊ መዕገሲ እምበር ኣብቲ ቀንዲ ዝሕተተሉ መሰረታዊ ጉዳያት ዘትከለ ኣይከውንን። ምኽንያቱ ከምኡ እንተኾይኑ ካብ ሱሩ ክብርቁቖ ስለ ዝኾነ።
ብፍላይ ኣብዚ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ካብ ኢድ እቲ ጉጅለ ተመንዚዑ፡ ኣብ ዓለም ለኻዊ መድረኻት መዛረቢ ኣጀንዳ ኣብ ዝኾነሉ፡ ኣብ እንዳ ህግደፍ ዓብይ ሻቕሎትን ራዕድን ፈጢሩ ኣሎ። እቲ ጉጀል ብወገኑ ካብዚ መሸንቦባ ነብሱ ንምኽዋል፡ ብዙሓት ዘይመስረታዊ እሞ ድማ ዘይትግበሩ መብጸዓታት እንዳቕረበ መናውሒ ዕድመ ክገብር ፈቲኑ። ከም ኣካል ናይዚ ፈተንኡ፡ “ኣብ ምኽባር ሰብኣዊ መሰል ክሰርሕ እየ፡ እሱራት እቲ ጉዳይ ብዝምልከቶም ኣካላት ዝብጽሕሉ ኩነታት ክፈጥር እየ፡ ኣዜ ኣገልግሎት ግዱድ ዕስክርና ክግድብ እየ፡ ዓለም ለኻዊ ኣኼባታት ኣብ ኣስመራ ይካየዱ ኣለዉ፡ ምስ ጉዳይ የመን ብዝተተሓሓዘ ምስ ዝተወሰና ሃገራት ኣዕራብ ዝምድና ፈጢረ፡ 10 ዓመት ዝተኣስሩ ፓትሪያርክ ኤርትራ ንመንግስቲ ይቕረታ ሓቲቶም፡ ልኡኸይ ናብ ሃገር ቻይና ገይሹ … ወዘተ” ዝብሉ ግዳማዊ መመላኽዕታት ይነዝሕ ኣሎ።
እንተኾነ እዚ መመላኽዕታት፡ ምስቲ መሰረታዊ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ዝምድና ዘየብሉ ተፈታሕካዮስ ቁጻር ጥራይ’ዩ። ንዋላ ሓደ ካብቲ መሰረታዊ ጠለባት ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ኣይምልስን። ከምኡ ስለ ዝኾነ ኢና ድማ ጓልነገር ወይ ግዚያዊ መመላኽዒ ንብሎ ዘለና። እዚ ጥራይ ኣይኮነን እቲ ጉጅለ ኣብዚ መሰረታዊ ዘይኮነ ጉዳያት’ውን ግብራዊ ስጉምቲ ኣይክወስድን እዩ። ኣነቓቕላኡ ምዕሸውን መሸመቲ ግዜ ንምርካብን ዝመሃዞ ስለ ዝኾነ። እንተኾነ ካብዚ ሸንኮለል ምሉእ ብምሉእ ጥራይ ኢዱ ክወጽእ እዩ ማለት ኣይኮነን። እነሆ’ኳ ሓደሓደ ትማሊ በላሕቲ ተቓወምቱ ዝመስሉ ዝነበሩ “ንዕኡ ኣውዲቕና ዝሓሸ ክንፈጥር ዓቕሚ ስለ ዘየብልና፡ ምስኡ ንመሳሰል” ዝቓንኡ ሓሳብ በጨቕ ከብሉ ንዕዘብ ኣለና። እቲ ዝስማዕ ምኽንያቶም “ዓቕሚ የብልናን” ዝብል እዩ። ብርኢቶይ ዓቕሚ ተዘይብልና እቲ ክበሃል ዝነበሮ “ሓቢርና ዓቅሚ ንፍጠር” እምበር ናብኡ ተመሊስና ንስገድ ኣይኮነን። እቲ በዂሩ ዘሎ ናይ ለውጢ ዓቕሚ ንምፍጣር ኢና ከኣ ንቃለስ ዘለና።
ብዙሓት ወገናት ከምዘይስሕትዎ፡ ድሕሪ ሕጂ ጉጅለ ህግደፍ ድሌትን ባህግን ህዝቢ ኤርትራ ዘማልእ ስርዓት ዝተክል ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ነዚ ዝምልከት መስመር ሓሊፉስ ኣብ ቦታ ወጻዒ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዝኹየጥ ነዊሕ ኮይኑ እዩ። ስለዚ ብእዉጅ ኣንጻርካ ካብ ዝተሰለፈ ሓይሉ ንጽቡቕካ ኣይትጽበዮን ኢኻ። ህዝቢ ኤርትራ እውን ነዚ ኣጸቢቑ ይረደኦ እዩ። እቲ ጉጅለ እውን ኣብ ልቢ ህዝቢ ኤርትራ ዝነበሮ ባይታ ከም ዝነቐጸ ይርዳእ እዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ድማ ኣብ ስልጣን ንክነብር እቲ ዘዋጸኦ ንህዝቢ ከረድእ ዘይኮነስ፡ ከገድድ ክፈላልን ጥራይ ምዃኑ ይፈልጥ እዩ። ከምኡ ድማ እዩ ዝገብር ዘሎ።
“እንታይ’ዩ እቲ ኣብ ኤርትራ ክትግበር ዘይተኻእለ መሰረታዊ ድሌት ህዝቢ ኤርትራ?” ዝብል ሕቶ ምናልባት ነቲ ጉዳይ ብቐረባ ብዘይተኸታተልዎ ዘይኤርትራዊ ወገናት ይለዓል ይኸውን። ብህዝቢ ኤርትራ ግና ሎሚ ኣይለዓልን እዩ። መውጽእ ኣፉ ካብ ዝገብሮ ነዊሕ ዓመታት ስለ ዘሕለፈ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ሕገመንግስታዊ ውሕስነት ዘለዎ፡ ልዕልና ህዝቢ ኣብ መንግስቲ ብንጹር ዘርእን ዘተግብርን፡ ማዕርነት፡ ደሞክራሲ፡ ፍትሒ፡ ልምዓትን ድሕንነትን ዝማእከሉ ምምሕዳር ከም ዝደሊ ብሩህን ንጹርን እዩ። እቲ ጉጅለ ህግደፍ ዝኸዶ ዘሎ ናይ ሸፈጥ መንገዲ ጥዑይ ድዩ ሕሙም ንምምዛን ከኣ በዚ ጥራይ እዩ ክዕቀን ዝግበኦ። ክሳብ ሕጂ ብእንዕዘቦ ዘለና ኩሉ መንገዲ ህግደፍ ነዞም ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ኢልና ዝጠቐስናዮም ዘራጉድ ዘይኮነስ ብኣንጻሩ ዘዳኽሞም እዩ። እታ ሓንቲ ኣምጺእዋ ዘሎ ፈሊጥ ከኣ ንኤርትራ ካብ ናታ ኣብ ዝኸፈአ ደረጃ ኣለዋ ዝብለን ሃገራት ሃስስ እንዳበለ ኣወዳዲሩ “ንሕና ንሓይሽ” ዝብል ስብከት ምቅላሕ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ግና ካባይ ስኸፈኣን ኣለዋ ኢሉ ዝደዓዓስ ዘይኮነስ ዘይተፈትሐ ሕቶ ከም ዘለዎ ኣሚኑ እዩ ዝቃለስ ዘሎ። ስለምንታይ እዩኸ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ዝሓሸ ስርዓት ምስ ዝተኸላ ሃገራትን ህዝብን ምውድዳር ናብተን ካብኡ ንታሕቲ ዘለዋ ንቑልቁል ክጥምት ጥራይ ዝቕሰብ?
ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ኣባላት ዓውደ መጽናዕቲ ፍራንክፎርት፡
ዕዙዝ ልባዊ ሰላምታይ ብምቕዳም ኣብ እተካይድዎ ኣገዳሲ ዓውደ መጽናዕቲ ዓወት እናተመነኹ ነዛ ሓጻር መልእኽተይ ከታሓላልፍ ከለኹ ብተገዳስነት ክትርይዋ ብምትእምማን እዬ።
ዕላማ መጽናዕትኹምን ትጋብኡሉ ዘሎኹምን ብሓደ ወገን፡ ሃገርናን ህዝብናን ኣብ ዝለዓለ ህጹጽ ናይ ምድሓን መንገዲ ዘናድየሉ ዘሎ ኸኣ ብኻልእ ወገን ይኻየድ ብምህላዉ፣ ረዚን ሓላፍነት ዘሰክም ፈታኒ እዋን ምዃኑ ተረዲኩም መድረኽ ዝጠልቦ ናብ ሓቀኛ መፍትሒ ዝወስድ ቅኑዕ ጎደና ዘማእዝን ውጽኢት ሒዝኩም ክትወጹ ተስፋን ትጽቢትን ኩሉ ደላይ ፍትሒ ብፍላይ፡ ኩሉ ኣብ ትሕቲ ስቓይ ስርዓት ህ ግ ደ ፍ ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ ኸኣ ብሓፈሻ ምዃኑ አረጋግጸልኩም።
ብኡ መጠን ድማ ክእለትኩም ዝፍተነሉ መድረኽ ምዃኑ ተረዲእኩም ነቲ ብሓደ ኴንና ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢና ክንልዓል ዘየኽኣለና ምኽንያት ብግሉጽ ኣብ ምድህሳስ ልዑል ተራ ክትጻወቱ ሓደራ እብል። እዚ ክብል ከሎኹ ንሓደ ገኒሕኩም ንሓደ ምዒድኩም ኣብ ሓንቲ ድስቲ ግዒትኩም ክትቅርቡልና ወይ ድማ ጠቢሕኩምን ሓጒምኩምን ካብ ውሽጣዊ ሕማማትና ከተሕውዩና ዝብል ናይ የዋሃት መልእኽቲ ንምትሕልላፍ ኣይኮነን፡ እንተ ንደልዮ‘ውን ተግባራዊ ኣይከውንን። እንተኾነ እተካይድዎ ዓውደ መጽናዕቲ፡ ነዚ ንኩልና ዘሳቒ ዘሎ ብቱን ኩነታት ግቡእ መኣዝኑ ኣብ ምትሓዝ ዝሕግዝ ብዝተፈላለየ እዋናት ዝተኻየዱ መጽናዕትታትን ገምጋም ሕሉፋት ተሞኮሮታትን ከም መወከሲ ተጠቒምኩም፡ እንታይ ነይሮምን ከመይ ተሰሪሑሎምን ወይ ስለ ምንታይ ኣይሰርሑን ብርጡብ ዳህሲስኩምን ምስ ናታትኩም ተሞክሮታት ደሚርኩም ፡ ሓይሊ ደንበ ደለይቲ ፍትሒ ብሓደ ኣብ ቓልሲ ንድሕነት ሃገር ዝጽመደሉ ንጹር ጎደና ምእማት እምበር ብበይንኹም ዝውዳእ ከም ዘይኾነ ንኩሉ ርዱእ እመስለኒ።
እቲ ድሒሩ ዝስዕብ ውጽኢት ዕዉት መጽናዕትኩም ኽኣ ኣብ ግብሪ ናይ ምውዓሉ መደብን ነዚ ኣብ ንምቕጻል ዝሕግዝ እተማእከለ ኣካል ኣብ ምምዛዝ ከብጽሓና ምኽኣለ ኢለ እኣምን። ሎሚ ተመን ኣብ እግርኻ በትሪ ኣብ ኢድካ ወሳኒ ባዕልኻ ዝብል ምስላ ወለድና ዘዘካኽር እዋን ኢና ዘሎና፡ እዚ ማለት ኸኣ ብከም ህ ግ ደ ፍ ዝበለ ኣረመናዊ ስርዓት ንርብዒ ዘመን እናተሳቐኻ ሓቢርካ ንምልጋሱ ዘይምቅላስ ናይ ባዕልና ጸገም እምበር ነመኻንየሉ ኣካል የለን። ኣብዚ ህዝብና ደም ዝነብዓሉን ዝበርሰሉን ዘሎ እዋን ወይ ደላይ ፍትሒ ኢኻ ብትብዓት ትቓለስ ወይ ደጋፍ ጸረ ህዝቢ ኢኻ ምስኡ ትድምሰስ እምበር ሳልሳይ መማረጺ ሕልንኦም ናይ ዘዕረቡ ዘጋታት ጥራሕ‘ዩ ክኸውን ዝኽእል፡ ካብኡ ይሰውረና።
ስለ ዝኾነ እቲ ከርሰነገር ናይ‘ቲ ዓውደ መጽናዕቲ ኣብዚ ዘተኮረ ክኸውንን ብዘይንሓፍነት ክጉርጐርን ክጋለጽን እምበር ብላዕሊ ላዕሊ ሸፈፍ ኢልካ ዝሕለፍ ክኸውን ኣይግባእን። ኣብዚ መዳይዚ ኩሉ ዝክኣለኩም ዓቕሚ ወፊኹም ብዓወት ክትዛዝሙ ብውጽኢት ስራሕኩም ድማ ክትምጎሱን ብተስፋ እጽበ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት ኤርትራውያን ተማሃሮ 11 ክፍሊ ናብ ሳዋ ከም ዝወረዱ ኣብ ማዕከናት ዜና ክቃላሕ ቀንዩ ኣሎ። እዚ ድማ ብጉልባብ ትምህርቲ ኩሎም ትምህርቶም ዝውድኡ ተመሃሮ ናብ ግዱድ ዕስክርና ዝኽተቡሉን ኣብ ግዱድ ስራሕን ዘመናዊ ግልያነትን ዝኣትውሉ መስርሕ እዩ። እዞም ዓቕሚ ኣዳምን ሄዋንን ዘይበጽሑ ዕሸላት መንእሰያት፡ ካብ ማሙቕ ገዝኦምን ካብ ሓለዋ ስድራቤቶምን ወለዶምን ተመንዚዖም ኣብ ትሕቲ ጽንኩር ኩነታት ወተሃደራዊ ታዕሊም ክወስዱን፡ እሞ ከኣ ንብዙሓት ሕልናን ርህራሄን ዝጎደሎም ዓለምቲ ክቃልዑ ይግደዱ ኣለዉ። ብዙሓት ካብኣቶም ድማ ግዳያት ናይ ዝተፈላለየ ስነኣእምሮዊ፡ ኣካላዊን፡ ጾታዊ በሰላታትን ከምዝኾኑ ዝምስክርዎ ሓቂ እዩ። ሓንቲ ካብዞም ዕሸላት ጓል 17 ዓመት ኣባል 27 ዙርያ "ገንሸል ሳዋ" ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ፈይስቡክ ዘውጽኣቶ ምስክርነት፡ ኣብ ሳዋ ብሓደ ኮሎነል ዘጋጠማ ምግሳስን፡ ጥንስን፡ ምንጻል ጥንስን ንኹሉ ሕልና ዘለዎ ኤርትራዊ ልቢ ዝሰብር እዩ።
እቲ ሓቂ ተማሃሮ 11 ክፍሊ ናብ ሳዋ ክኸዱ ከለዉ ግዱድ ዕስክርና እዩ። በቲ ልክዕ ስሙ ክንጽውዖ ድማ ይግባእ። እወ ግዱድ ዕስክርና!!! የግዳስ ንሕና ኤርትራውያን ነቲ ዘይንቡር ከም ንቡር፡ ነቲ መሪር ከም መዓርለሚድናዮ: ከም ቅቡል ጌርና ወሲድናዮ ስለዝኾና ክንቃወሞን ዓገብ ክንብሎን ከምዘሎና'ውን ሓሲብናሉ ኣይንፈልጥን። እዚ ድማ ኣእምሮና ክሳብ ክንደይ ደንዚዙ ከምዘሎ ዘሰክፍ መርኣያ እዩ።
እንታይ እዩ እቲ ጥቕሙ? እዚ ኣብ ስልጣን ተዀይጡ ዘሎ ስርዓት፡ ስልጣኑ ንኸናውሕ፡ ንዝኾነ ዓይነት ናይ ተማሃሮ ኣብያን ምልዕዓልን ከየጋጥም ከመይ ጌሩ ነዞም ተማሃሮ ክቆጻጸሮምን፡ ምእዙዛት ክገብሮምን ዝመሃዞ ተንኰል ድኣ'ምበር ብዛዕባ እዞም ዕሸላት መንእሰያት ሓልዩ ኣይኮነን።
እዞም መዓንጣ ዘይቆጸሩ ንኣሽቱ ኣሕዋትናን፡ ኣሓትናን፡ ደቅናን፡ እሞ ከኣ ኣብቲ ምሕብሓብን ምእላይን ዘድልዮ ኣዝዩ ተነቃፊ ዕድመኦም ብዝኾነ ምኽንያት ካብ ስድርኦም ክፍለዩ ብፍጹም ኣይግባእን። ንሕና ዓገብ ብዘይምባልና እዮም ድማ ናብዚ ዝቃልዑ ዘለዉ። ስለዚ ድማ ካብዚ ኩነታት ክሃድሙ ኣደዳ ስደትን መከራን ሞትን ይኾኑ ኣለዉ።
ስለዚ ሎሚ ድምጽና ብዓውታ እነስምዓሉ ሰዓት ኣኺሉ እዩ። ይኣክል ሱቕታ! ይኣክል እንታይ ገደሰኒ! እዚ ግዱድ ዕስክርና ግዱድ ስራሕን ዘመናዊ ግልያነትን ደው ክብል ኩላትና ዓቕምና ዘፍቅዶ ክንገብር ውዓል ሕደር ዘይበሃሎ ሞራላዊ ግዴታና እዩ። እምቢ ንግዱድ ዕስክርና! እምቢ ንግዱድ ስራሕ! እምቢ ንዘመናዊ ግልያነት! ኣነ እንተዘይተዛሪበ መን? ሎሚ እንተዘይተዛሪበ መዓስ?
ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን (ኤምዲሰመ)
3 ነሓሰ 2016
ፕሪቶርያ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ
ሓደ ዝዕመም ስራሕ ረብሓኡ ናይ ሓባር እንተኾይኑ፡ ከምቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ዕዉት ንክኸውን ናይ ኩሎም እቶም ተጠቀምቲ ኢደይ ኢድካ ከም ዘድልዮ ውሁብ ሓቂ እዩ። እቶም ተጠቀምቲ ኣብቲ ቃልሲ እውን ሰብ ግደ ዝኾኑ ኣካላት ብዝተፈላለዩ መምዘንታት፡ ክዕቀን እንከሎ ዓቕምታቶም ዝተፈላለየ ክኸውን ይኽእል። ኣብቲ ናይ ሓባር ናይ ቃልሲ መኣዲ ዝሳተፍሉ ኣገባባት እውን ከምኡ ዝተፈላለየ ክኸውን ግድን እዩ። ገሊኡ ብጉልበት ገሊኡ ብሓሳብ። ገሊኡ ብውሽጢ ገሊኡ ብግዳም። ገሊኡ ብገንዘብ ገሊኡ ድማ ብህይወት። ናይዚ ኩሉ ውሁድ ጻዕርን ኣበርክቶን ድምር ከኣ ነቲ ናይ ሓባር ሸቶ የዕውት። ከም ኤርትራውያን እቲ ኣብ ግዜ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት ዘርኣናዮ ኩሎም ናጽነትን ምኽባር መሰልን ዝብህጉ ኤርትራውያን ከከም ክእለቶም፡ ዓቕሞምን ዝንባለኦምን፡ ብዓድን ብበረኻን ዘበርከትዎን ዘመዝገብዎ ዓወትን ካባና ሓሊፉ ንካልኦት ወገናት እውን ኣብነት ዝኸውን ንኡድ ተመኩሮ እዩ።
ሎሚሎሚ ኣብዚ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ንምርግጋጽ ደሞክራስን ምኽባር ኩሉ መሰላትን እዚ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ ውህደትና ንናይ ሓባር ረብሓ እንዳረቐቐ፡ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ንሱ ክገብሮ ዝግበኦ ከይገበረ ክነቕፎን ከቆናጽቦን ንዕዘብ ኣለና። እቲ መንእሰይ ነቲ ብዕድመ ዘደፈአን ብተመኩሮ ዝገረረን ገዲም ነቲ ሃብታም ኣውንታኡ ገዲፉ፡ ነቲ ንኡስ ድኽመቱ መዝሚዙ ክነቕፎን ከቆናጽቦን ትዕዘብ። እሞ ድማ ንሱ እቲ ነቓፋይ ካብኡ ትጽቢት ዝግበረሉ ኣበርክቶ ከየርኣየ። እቲ ገዲም ነቲ መንእሰይ ድማ ከምኡ ብግልባጡ። ኣብ መንጎ በርገሳዊ ማሕበራትን ፖለቲካዊ ውድባትን፡ ኣብ መንጎ ዝተወደቡን ብውልቆም ነበርክት ኣለና ዝብሉን፡ ኣብ መንጎ ነንሕድሕድ ውድባትን ማሕበራት እውን እዚ ናትካ ኣቐሚጥካ ብዛዕባ እቲ ካልእ ኣካል ምውርዛይ ይርአ እዩ። እዚ ኣተሓሕዛ ጉዳያት ኣንጻር ሓድነት ናይቶም ናይ ሓባር ረብሓ ዘለዎ ስለ ዝኾነ፡ ከም ብዓል ህግደፍ ዝኣመሰሉ ሓድነት ናይቶም ኣንጻሮም ዝተሰለፉ ርእሶም ዘሕምሞምን ዘባህርሮምን፡ ነዚ ዘይቅዱስ ምርሕሓቓት የታትይዎ እዮም።
እንተደኣ እቲ መኣዲ ቃልሲ ኮነ ውጽኢቱ ናይ ሓባርካ ኮይኑ እቲ ቅኑዕ ኣገላልጻ መንነትካ “ንሕና” እዩ ክኸውን ዝግበኦ። ካብዚ ሓሊፉ ነቲ ብባህሪኡ ዝተቐራረበ ንከተረሓሕቕ “ንሕናን ንሳቶምን” ዝብል ሓረግ ምዝውታር፡ ኣሉታዊ ሳዕቤናቱ ብዙሕ ኮይኑ ቀንዲ ድማ ሓድነት ናይቶም ናይ ሓድነት ተጠቀምቲ ዘዳኽም እዩ። እቶም ካብቲ ቃልሲ ለውጥን ዓወትን ክሕፈስ እሞ ህዝብና ክርህዎ እንደሊ ቅድሚ ኩሉ ብሓሳብን ግብርን ነንውልቅና፡ ነንውድብና፡ ነንማሕበርና ቀንዲ ኣካል ናይቲ ለውጢ ከምጽእ ዝግበኦ ሓይሊ ገይርና ክንወስድ ይግበኣና። ሽዑ ኢና ከኣ ቅድሚ እገለ እንታይ ገይሩ ምባል፡ ኣነኸ እንታይ ገይረ ኢልና ንነብስና ክንሓታ ዝግበኣና። ሕቶ ካብ ሓተትና ከኣ መልሲ ክንረኽበሉ ንቕሰብ። ካብዚ ብምንቃል እዮም ከኣ ፈለጣት ናይዚ ዛዕባዚ፡ “ለውጢ እትኽእሎ ብምብርካት እምበር ኣበርክቶ ካለኦት ብምንእኣስ ዝመጽእ ኣይኮነን” ዝብሉ።
ከምዚ ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ መላኺ ባህርያት ጉጅለ ህግደፍ ገጢሙና ዘሎ ጸበባ ክገጥም እንከሎ፡ ቅድሚ ኩሉ ነገዛእ ርእስና ኣብ ናይ ለውጢ ተጸባይነት ቦታ ዘይኮነስ፡ ኣካል ናይቲ ንለውጢ ዝጽዕት ወገን ጌርና ከነሰልፋ ናይ ግድን እዩ። ለውጢ ትብህግን ትጽበን ክንስኻ ኣካል ናይቲ ናይ ለውጢ ሓይሊ ዘይምዃን ብሓጺሩ ቅቡል ኣይኮነን። ከምቲ “ ንሰብ መስትያቱ ሰብዩ” ዝበሃል ንሓደ ውልቀሰብ፡ ውድብ ወይ ማሕበር ኣብ መስርሕ ንሱ ክርእዮ ዘይከኣለ ጌጋኡ ክተርእዮ፡ ምዝኽኻሩ ምናልባት እውን ምንቃፉ ኣይግባእን ማለት ኣይኮነን። እንተኾነ እቲ ኣነቓቕላ ናብዚ ተግባርዚ፡ ንንእሽቶ ኣሉታ ኣጉሊሕካ ብምስኣል ንምቁንጻብ ዘይኮነስ፡ ነቲ ጌጋ ከይዓበየ ፈዊስካ ንምህናጽን ምሕጋዝ ክኸውን ይግበኦ። እሞ ድማ ንስኻውን እቲ ካለኦት ክገብርዎ እትደልዮ እንዳፈጸምካን ዝነቅፍ መልሓስን ብርዕን ብምስሓል ጥራይ ዘይኮነ፡ ሃናጺ ነቐፈታ ዝሰምዕ እዝንን ልብን ብምኽፋት ክኸውን ይግበኦ።
ከምቲ “ተመሊስካ ንእትረድኦ ሓዲግካዮ ኣይትእቶ” ዝበሃል፡ ኣጻብዕትና ኣንጻር ሓደ ክንቅስር እንከለና፡ ሳዕቤኑ ኣብ ልዕሊ እቲ እነወጣውጠሉ ኣካል ጥራይ ዘይኮነ ናባና እውን ምዃኑ ክንኣምን የድሊ። ንኣብነት ኣብዚ እዋንዚ ኣብ መስርዕ ደንበ ተቓውሞና ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ ካብ ዘለዉ ናይ ለውጢ ሓይልታት ኣብ ሓደ ዝረአ ኣውንታዊ ኮነ ኣሉታዊ ምዕባለ ነቶም ካለኦት እውን ከም ዝጸልዎም ምርዳእ። ነቲ ብቐጥታ ዝህሰ ዘሎ ጥራይ ኢልካ ዘይኮነስ፡ እንተላይ ምእንታኻ ኢልካ እውን ከተስተብህለሉ ናይ ግድን እዩ። ካብ ከምዚ ዓይነት ዘይሓጋዚ ኣካይዳ ምኻድ ከድሕኑና ካብ ዝኽእሉ መርጫታት ሓደ ከኣ “ቅድሚ ንካለኦት ምውቃስ ግደኻ ምብርካት” ዝብል ተረድኦ ምሓዝ እዩ።
መጽሒት ሓርነት ሕታም ቁ. 50 / Harnnet Tigrinia Magazine Issue # 50
Monday, 01 August 2016 22:46 Written by EPDP Information Office
ከም ዝፍለጥ ኣብ 2014 ኣቐዲሙ ዝወጸ መጠንቀቕታ ምንባሩ ዝዝከር’ዩ።እዚ ተዳጋጋሚ ዝወጽእ ዘሎ መጠንቀቕታ ተግባራዊ ንክኸውን በይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንደሞክራሲያዊ ለውጢ: ነዚ ጉዳይ ብዕቱብ ሒዙ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ሰብ መዚ ኢምግረሽንን ሆምላንድ ሰኩሪቲን (department immigration and homeland security) ብምትሕብባር: ነቶም መሰል ዑቕባ ሓቲቶም ክነሶም 2% ዚኸፍሉን ናብ ዓዲ ዝመላለሱን ንምልላይን ስጉምቲ ንምውሳድን ዕዉት ስራሕ የሳላሰል ኣሎ።
ነቲ ናይ 2014 መጥንቀቕታ ሸለል ብምባል ንዝሃብኩሞ ማሕላ ኪሕድኩም፡ ተመሊስኩም ምስቲ ኣደዳ መከራን ስደትን ዝገበረኩም ስርዓት ክትዳናገጹን ክትተሓጋገዙን ሕጊ እዚ ትነብርሉ ሃገርን ሕጊ ስደተኛታት ዓለም ዝጥሕስ ገበን ትፍጽሙ ምህላውኩም ክትግዘቡ ይግባእ። ስለ ዝኾነ ድማ ብሕጊ’ቲ ትነብርሉ ሃገር ናይ መንበሪ ፍቃድ ወረቀትኩም ናይ ምሕዳግን ክሳብ ናይ ምጥራዝ ናብ ኤርትራ ከም ዘሎ ትዝንግዕዎ የብልኩምን። ድሮ ውን ሃገራት ኤሮጳ (European countries) ከም በዓል ስዊዘርላንድን ሆላንድን ነዚ መስርሕ ጀሚረንኦ ከም ዘለዋን ብዙሓት ሓተቲ ዑቕባ ኤርትራውያን: ደገፍትን ተደናገጽትን ስርዓት ህግደፍ ድማ ግዳይ ኮይኖም ኣለዉ።
ኣብ ከምዚ ኩነታት ከይትበጽሑን፣ ምእንቲ ፍትሕን ሓቅን ደው ክትብሉን ኣብ ዝሓለፈ መጠንቀቕታ ተገሊጹ ኔሩ’ዩ። እቶም ንዝተዋህበኩም ምኽርን ማዕዳን ነጺግኩም ደድሕርቲ ዓማጺ ስርዓት ተዳኽሩ ዘለኹም ዕድመ፡ ጾታ ብዘየገድስ ከነጋልጸኩም ምኻና ደጊምና ነተሓሳስብ። ኣብዚ ሃገር ዑቕባ ዝተዋህበኩም ምኽንያት ብስርዓት ህግደፍ ግፍዒ፣ ስቓይ፣ መከራን ሽግር ስለ ዝበጻሓኩምን ከምሰብ ድማ ምንባር ስለ ዝተኸልከልኩምን ኢኹም:: ነዚ ሓቀኛ እኩይ ባህሪ ናይቲ ስርዓት ገሊጽኩም ናይ ዕቁባ መሰልኩም ረኺብኩም ከትብቅዑ ግን: ነቲ ንማሕላኹም ኣሚኑ ከም ሰብ ዘዕቆበኩም ህዝብን ሃገርን ሕጉ ኣክቢርኩም ክትነብሩ ትጽውዑ ኣለኹም::
ብፍላይ መንእሰያት: እዚ ኩሉ ሓሶትን ጥልመትን ብዋጋ እቶም ከማኻትኩም ምንባር ምስ-ሰኣኑ ሃጽ ኢሎም ነዚ ንስኻትኩም ረኺብኩሞ ዘለኩም ዕድል ንምርካብ ግን ድማ ከይበጽሕዎ ዕደመ ንእስነቶምን ክብርቲ ሂወቶምን ንቡር ቀብሪ’ኻ ከይረኸቡ ብዓሳታት ባሕርን ኣሞራታት ሳህራን ዝተበልዑ መዛንኩም ፣ብዋጋቶም እንተስ ትሕዝቶ ሓጺርዎም ወይ ዕድል ተዓጺዎም መዋእሎም ሓለውቲ ድፍዕን፣ ግዳያት ማእሰርትን ሞትን ናይቲ ስርዓት ዝኾኑ ዘለዉ መንእሰያት የሕዋትኩም፡ ኣያታትኩምን ኣቦታትኩምን ምኻኑ’ዩ። እቶም ኣቦታትን ኣዴታትን ትብሃሉ’ውን ከማኻትኩም ወሊዶም እንከለዉ ብሰንኪ’ቲ ተሳስይዎ ዘለኹም ዓማጺ ሰርዓት ውሉዳቶም ስኢኖም ከይኣክል ነቲ ብማዕዶ ዝሰምዕዎ መርድእ ደቆም እኻ ንቡር ሓዘን ከይ ገብሩሎም ተኸልኪሎም ኣለዉ። እዚ ኩሉ ሓሳረ መከራ ወለዲ፡ ስቓይን ሞትን ውሉድ እንዳ ረኣኹም ሕልናኹም ሸጥኩም ምስዚ ውልከ-ምልኪ ስርዓት ተሳስዩ ብምህላውኩም ብታሪኽ ትሓተቲ ምኻንኩም ኣይትዘንግዑ። ብቐንዱ እቶም ካብ መንግስቲ ሓገዝ እንዳ ወሰድኩም፡ ነዚ ግብረ-ሽበራ ዚሙውል ስርዓት ህግደፍ 2% ትኸፍሉ፡ ሆም-ላንድ ሰኩሪቲ ምስ ኢምግረሽን ብምትሕብባር፡ ሓበሬታ ኣብ ምእካብ ከምዝርከብን በዚ ድማ ብዙሓት ግዳይ ናይ ወረቐት ምሕዳግን ምጥራዝን ክትኮኑ ምኻንኩም ክትርድእዎ ይግባእ።
ብፍላይ እቶም ንፌስቲቫላትን፡ ባዓላትን፡ከምኡ’ውን ፕሮፕሮጋንዳዊ ስለያዊ ሰርሓትን ተዋፊርኩም ነቲ ኣብ ዕርበተ ሞቱ ዝኸይድ ዘሎ ስርዓት ባላ ኮንኩም ትድግፍዎ ዘለኹም ዋጋ ጥልመት ውጹዕ ህዝቢ ትፍደይሉ ሰዓት ኣኺሉ ኣሎ። ናይዚ ኣብነት ድማ ኣቅድም ኣቢሉ ኣብ ስዊዘርላንድ፡ ሕጂ ድማ ኣብ ሆላንድ እቶም ዑቕባ ተዋሂብዎም ክነሶም ምስ ስርዓት ህግደፍ ዘውደኽድኹን ዓዲ ዝመላለሱን ኤረትራውያን ተለልዮም ናይ ዑቕባ ወረቐቶም ተሓዲጎም ናብ ኤርትራ ዝጥረዝሉ መዓልቲ ይቖጽሩ ኣለዉ። ኣብ ካሊፎርንያ ውን በይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንደሞክራሲያዊ ለውጢ: ዝርዝር ኣስማት ናይ 28 ኤርትራ በጺሖም ዝተመልሱ ሓተቲ ዑቕባ (ካብ ሳንሆዘን ከባቢኣን 8: ኦክላንድን ከባቢኣን 11: ሳንታሮዛ 6: ሳንፍራንሲስኮ ድማ 3) ናብ ሆም-ላንድ ሰኩሪቲ አረኪቡ ከምዘሎ ነፍልጥ። ድሮ ውን ኣስማቶም ኣብ ዳታበይዝ ተታሒዙ ናይ ምጽራይ ስራሕ ጀሚሮም ኣብ ምክትታሎም ይርከቡ። ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ውልቀ ሰባት ንፈልጥ እንተ ኮይና ድማ ምእንቲ ከነቃልዖም ምሉእ ሓብሬታ ብምስዳድ ክትተሓባበሩና ብትሕትና ንሓትት።
ስለዚ እዞም ሓተቲ ዑቕባ ዝኾንኩም ኤርትራውያን ካብ ፈስቲባላት ህግደፍ ምስታፍን 2% ካብ ምኽፋልን ክትቁጠቡን: ምስቲ ስርዓት ዘለኩም ርክብ ብምብታኽ ምስ ህዝብኹም ክትውግኑ ትጽውዑ ኣለኹም። እንተ ዘይኮይኑ ግን ከም ቀደም ይመስለኪን ውሕጅ ይወስደክን ስለዝኮነ፡ ካብ ደሓር ዋይዋይ ሕጂ ኢደካን እግርኻን ምእካብ ትሕሸኩም።
ሞት ንዓመጽቲ: ሰላምን ፍትሕን ንህዝቢ ኤርትራ!!
በይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንደሞክራሲያዊ ለውጢ
ንፍትሕን ሰላምን ዝቃለስ፥ ንውጹዕ ዘብኡ ኩሉ ክርህዎን፥ ፍርዲ ዝሰኣነ ፍትሒ ክረክብን ዝጽዕር ዘበለ ፍትሓዊ እዩ። ንውጹዕ መሊስካ ምውጻዕን ምግፋዕን፥ ኣንጻር ምልኪ ዘይተላዕለ ኢልካ ምንእኣስን ግና ናይ መለኽቲ ባህሪ ብምዃኑ ድው ክብል ዘለዎ እዩ።
ኣብ ኤርትራ ዝነብር ህዝቢ፥ ዋላ’ቲ ነቲ ስርዓት ዘገልግል ኣባል ምክልኻል ሃገር፡ መምህር ወይ ጸሓፋይ ኮታ፡ ኩሉ ኣብ ትሕቲ እቲ ስርዓት ዝናበር ኤርትራዊ ውጹዕ እዩ። ብዘይካ እቶም ውሑዳት መጋበርያ እቲ ስርዓት ኮይኖም ንህዝቢ ዘበሳብሱ ዘለዉን፥ ሽመት ክንውስኽ ኢሎም ገበን ዝፍጽሙ ዘለዉን ገዲፍካ ካልእ ኩሉ ግፉዕን ውጹዕን እዩ። ንሕና “ደለይቲ ፍትሕን ለውጥን ኢና” ኢልና እንቃለስ ዘለና ኤርትራውያን፥ ነቲ ውጹዕ ሓራ ንምውጻእ እምበር፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ስርዓት ይናበር ስለዘሎ ጥራይ፡ ከምቲ “ወዲ ዓሻስ ክልተ ግዜ ይውቃዕ” ዝበሃል መሊስና ኣደራዕ ክንኮኖ ርትዓዊ ወይ ፍትሓዊ ኣይኮነን። እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ህዝቢ ከምዚ ኣብ ወጻኢ ዝነብር ዘሎ ኤርትራዊ ርህይዎን ጥዒምዎን ይነብር የሎን። ነታ ድራር እለቱ ክርክብ ድምጹ ከትሕት ወይ ሃገሩ ጠንጢኑ ክስደድ ኣለዎ። ስለዚ በዚ ኣብ ደገ ዘሎና ቅሳነትን ናጽነትን ተደሪኽና ነቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ህዝብና ከማና ክንርእዮ ፍትሓዊ ኣይኮነን።
ካብ’ቲ ተራ ህዝቢ ኣትሒዝካ ክሳብ እቲ ኣብ ኣብያተ ጽሕፈት መንግስቲ ሓላፍነት ዘለዎን ዋላ ውሑድ ይኹን ደሞዝ ዝኽፈልን ኣብቲ ወተሃደራዊ ክፍሊ ዝተፈላለየ ጽፍሒ መዓርግ ካብ ዘለዎምን፡ ነቶም ዲቕ ዝበሉ መሳርሒ እቲ ስርዓት ፈሊና ከነለሊ ናይ ግድን እዩ። እዚ ማለት መላእ ህዝቢ ኤርትራ ደጋፍን መሳርሕን እቲ ወጻዒ ስርዓት ኣዩ ኢልካ ካብ ምድምዳም የድሕነካ ንምባል እዩ።
እቲ ጉዳይ እምበኣር፡ ወጻዕን ተወጻዕን ፈላሊና ክንጥምትን ክንመዝንን ከም ዝግበኣና እዩ ዘርእየና። ካብዚ ብምንቃል ኤርትራ ናይቶም ወጻዕቲ ጥራሕ እያ፡ ዝብል ተንታን ፍጹም ቅኑዕ ኣይኮነን። ምኽንያቱ እታ ሃገር ናይቶም ውጹዓትን ወጻዕትን ናይ ሓባር እያ። እቲ ንዕዘቦ ዘለና ፍልልይ ፍትሕን ቅኑዕ ዲሞክራሲያዊ መሕደራን ዘይምህላዉ ዘምጽኦ እዩ። እታ ሃገር ኣብቶም ክልተ ተጻረርቲ ኣካላት ኣይትምቀልን እያ። ምኽንያቱ እቶም ወጻዕትን ተወጻዕን ካብ ህዝቢ ኤርትራ ዝወጹ ስለዝኾኑ ክልቲኦም ኣካላት ናይቲ ህዝቢ እዮም። እታ ሃገር እውን ናይቲ ህዝቢ እያ። ከም’ዚ ብምዃኑ ኣብ መንጎ ክልትኦም ወገናት ወጻዕን ተወጻዕን ዘሎ መሰረታዊ ናይ ረብሓ ፍልልይ ከየስተብሃሉ ስለዝደገፉ ጥራሕ፡ ብኣልማማ ኣካል ናይቲ ወጻዒ እዮም ኢልካ ፍርዲ ምሃብ ዘይስነፍልጠታዊ እዩ። ኣብ ኩሉ እቲ ጽፍሕታት ናይቲ ስርዓት፡ እንተላይ ኣብቲ ምክልኻል ሃገር ኣብ ውሽጡ ለውጢ ዝደልን ለውጢ ዝዕንቅጽን ኣለዉ።
ኣብዚ ዝያዳ ክበርህ ዝግበኦ ጉዳይ፡ ኣብ ናይ ሎሚ ኤርትራ ህዝብን መንግስትን ሓደ ኣይኮኑን፥ ምኽንያቱ እቲ መንግስቲ ናይ ህዝቢ ኣይኮነን። ብኻልእ ኣዘራርባ እቲ መንግስቲ ብፈቓድ ህዝቢ ዘመርጸ ሰለዘይኮነ እቲ ህዝቢ ኣገልጋሊ እምበር ተገልጋሊ ኣይኮነን። እቲ ህዝቢ ነቲ መንግስቲ “ፎእ” ካብ ዝብሎ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ ኣሎ። ስለዚ እቲ ሓቂ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ ክነሱ፡ ንሕና እቶም ተቓወምቲ ነቲ ህዝቢ ማዕረቲ ዓመጸኛ ስርዓት ከነወግዞ ኣይግባእን። ህዝቢ ዲሞክራሲ፥ ፍትሕን ናጽነትን ስኢኑ ብህግደፍ ተቐፊዱ እናሃለወ፡ ብቕጽበት ተዘይተላዕለ ክንብል ርትዓዊ ኣይኮነን። እዚ ስርዓት’ዚ ደገፍቲ የብሉን። እቶም “ደገፍቱ ኢና”፡ ዝብሉ’ውን ረብሓኦምን ጥቕሞምን ከይጐድል እንተዘይኮይኑ ብልቢ፡ ናቱ ኣይኮኑን።
ስለዚ ንሕና ኤርትራውያን ምእንቲ’ዛ ሃገር ዘፍሰስናዮ ደምን ዝኸስከስናዮ ኣዕጽምትን እኮ፡ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ብሓባር ናጽነትን ሓርነትን ከስተማቕር እምበር ንምጉዝዛይ ኣይነበረን። ከምኡ ስለዝኾነ ድማ ሎሚ’ውን እቲ ደጋፍን ተቓዋምን ተባሂሉ ዝፈላለ ዘሎ ህዝቢ እታ ሃገር ትኹን ፍትሕን ዲሞክራስን ብማዕረ እዮም ዝብጽሕዎን ዝጽበዮምን። ኣብ ነንሓድሕድና ከምቲ “ጀብሃን ሻዕብያን” እናበልና ተፈላሊና ዓወት ካብ ኣፍደገ ገዛና ዝተመልሰትን እንደጋና ክትመጽእ ነዊሕ ግዜ ዝወሰደትን ከይከውን ብኣተሓሳስባ ናብ ደረጃ ሓባራዊ ሃገራውነት ክብ ክንብል ይግበኣና።
ኤርትራውያን እቶም ዝባኖም ቀሊዖም ኣብ መስርዕ ተቓውሞ ዘለዉ ጥራይ ዘይኮኑ፡ እንተላይ እቶም እንዳደለይዎ ግና ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ዓው ኢሎም ዘይዛረብሉ፡ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሮም ለውጢ ከም ዝብህጉ ዘሰሓሕበና ኣይኮነን። ምእንቲ እዚ ምስዚ ዝብህግዎ ለውጢ ዝምድናታት ዘለዎም ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣምታት ዘልዕልዎም ሕቶታት ኣለዉ። ሓደ ካብቲ ሕቶታት “መንዩ ለውጢ ዘምጽእ?” ዝብል ብዙሕ ግዜ ዝለዓልን ዝጸሓፈሉን ምዃኑ ኩልና ተዓዚብና አለና። እቶም ነዚ ዝምልሱ ዝተፈላለዩ መልስታት ከም ዘለውዎም ከኣ ክንዕዘብ ጸኒሕናን ኣለናን።
ኣብዚ ዛዕባዚ ካብ ዘከራኽሩ ጉዳያት ሓደ እቲ ብገለ ወገናት “ለውጢ በዘን ተቓወምቲ ውድባት ኣይመጽእን እዩ” ዝብል ዘይቅቡል መደምደምታ እዩ። እዞም ወገናት ካብዚ ሓሊፎም “ለውጢ ንምምጻእ ውዳበ ኣየድልን እዩ” ክሳብ ምባል ከመጣጠሩ እንከለዉ ከኣ ነቲ ጉዳይ መሊሱ ይሓላልኾ’ሞ “እዚኣቶም ከደኣ መንዮም?” ኢልካ ክትሓትትን ክትሻቐልን ትግደድ።ኣብዚ ጉዳይ እንተሓቲትካ ከኣ እንተኾነ እቶም ትሓቶም ይምልሱልካ፡ እንተዘየለ ናትካ መልሲ ክህልወካ ናይ ግድን እዩ። እዞም ንውድባትን ውዳበን ከም ናይ ለውጢ ባእታታት ዘይቅበሉ ወገናት ብድፉኑ “ለውጢ ብህዝቢ እዩ ዝመጽእ” ክብሉ ንሰምዖም ኢና። ናይ ህዝቢ ወሳኒ ናይ ለውጢ እጃም ኣማን ብኣማን ኣይከሓድን እዩ። እንተኾነ ነቲ ሰፊሕ ብዝሕን ደራኺ ሓይልን ናይ ህዝቢ ናብ ናይ ለውጢ ወሳኒ ዓቕሚ ምብቅዑ ነብሱ ዝኸኣለ መስርሕ ቃልሲ ከም ዘለዎ ክዝንጋዕ ኣይግባእን። ኣብዚ መስርሕ ካብ ዝጥቀሰ መለክዕታት እቲ ቀንዲ ወሳኒ ኣድላይነት ውዳበ እዩ። ኣብዚ ነቲ “ዘይተወደበ ዓቕሚ ህዝቢ ናይ ለውጢ ሓይሊ ኣይከውንን እዩ” ዝብል ፍቱን ናይ ዓወት ኣምር ዘይምዝንጋዕ ማለት’ዩ።
ህሉዋት ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ ከም ዝኾነ ተመኩሮ ካብ ህዝቢ ኣርሒቕካ ዝረኣያ ኣይኮናን። ህዝብን ውድብን ተተኻኻእቲ’ኳ ተዘይኮኑ ተጸላለውቲ ምዃኖም ግና ክዝንጋዕ የብሉን። ውድባት ብዘይህዝቢ ከምቲ ዓሳ ብዘይማይ ዘይነብር ክህልዋ ኣይክእላን እየን። ህዝቢ ከኣ እንተዘይተወዲቡ ናይ ለውጥን ዓወትን ዓቕሚ ኣይከውንን እዩ። ኣብዚ ለውጢ ክንብል እንከለና ነቲ ዝጸንሐ ኣብ ምፍራስ ጥራይ ዘተኩር ለውጢ ማለትና ዘይኮነስ፡ ነቲ ዝነበረ ኣፍሪሱ ኣብ ክንድኡ ድማ ሰላምን ቀጻሊ ምዕባለን ዘውሕስ መተካእታ ዘረጋገጽ ለውጢ ማለትና እዩ። ብመንጽር እዚ ህልዋት ውድባት ኤርትራ ውጽኢተን ትሕቲ ትጽቢት ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ ካብ ውድብ ናብ ውድብ ዘሎ ፍልልያት ከይዘንጋዕካ፡ ትሕቲ ትጽቢተን’ውን ከም ዝኾነ ነጋሪ ዝደልያሉ ኣይኮናን። እንተኾነ ክሳብ ሕጂ ኣብ ዝተጓዕዘኦን ዝኸፈላኦ ዋጋን፡ ናብዚ ሎሚ ዘለናዮ ብራኸ መድረኽ ተቓውሞ ዘብጸሐን እቲ ሓላፍነት ክርከብ ዝግበኦ መንእሰይ ወለዶ እንተተረኪብዎ ድማ ናብ ዝሓየለ ክምዕብል ዝኽእል ኣበርክቶ የብለንን ማለት ኣይኮነን። እዚ ተመኩሮአን፡ ክንቀፍ ግቡእ እዩ። ንሓድሽ ናይ ለውጢ ሓይሊ ኣፍደገአን ክኸፍታ ምኩሕኩሐን’ውን ከምኡ ቅቡል’ዩ። ካብኡ ሓሊፍካ “በዚኣተን ዝመጽእ ለውጢ የለን፡ ኣበይ ዝነበራኸ እየን” ዝብል ምዝንጣል ብሓቂ ሓላፍነት ህዝብን ሃገርን ካብ ዝስመዖ ድላይ ለውጢ ትጽበዮ ኣይኮነን።
“ለውጢ ከይተወደብካ ኣይመጽእን እዩ” ኢልካ ምድምዳም የጸግም ይኸውን። ኣብ ዝርዝር ትሕዝቶ ለውጢ ኣቲኻ፡ ብዛዕባቲ ከምዚ ንሕና ንቃለሰሉ ዘለና፡ ህዝቢ ዝማእከሉ፡ ቀጻሊ ሰላምን ርግኣትን ዘውሕስ፡ ካብቲ ቅድሚ ለውጢ ዝነበረ ብመሰረቱ ዝተፈልየ ፖለቲካዊ ህይወት ዘምጽእ ለውጢ ክትሓስብ እንከለኻ ግና፡ ብዘይውዳበ ዝመጽእ ለውጢ ውሕስነት የብሉን ኢልካ ምድምዳም ቅኑዕ እዩ። ምናዳምናዳ ነቲ ጉዳይ ምስ ተመኩሮ፡ ሊቢያ፡ ዒራቕ…. ወዘተ ከተዛምዶ እንከለኻ ሓደጋታት ናይ ከይተወደብካ ዝመጽእ ለውጢ ብንጹር እዩ ዝረኣየካ። እቲ ውዳበ ከኣ ኣብ ንጹር ራኢ ዝተመስረተ ፖለቲካዊ ውዳበ እምበር ታራ ናይ ሰባት ተጸዋዊዕካ ምትእኽኻብ ክኸውን ኣይግባእን።
ገለገለ ወገናት ነዚ ህልዊ ፖለቲካዊ ውድባት “ናይ ለውጢ ሓይሊ ኣይከውንን እዩ” ኢሎም ዝድንድንሉ ምኽንያታት ብዙሕ ክኸውን ይኽእል። ካልእ ጉልባብ እንተዘየልይዎ፡ እቲ ምኽንያታት ካብ፡ ህዝቢ ክስዕቦ ኣይከኣለን፡ ኣብ ሕድሕዱ ኣየሳነየን፡ ስምምዓቱን ፍልልያቱን ግቡእ ኣይሰርዐን፡ … ወዘተ ዝብሉ ሓሊፉ ካልእ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። እዚ ድኽመታት’ዚ ኣብ ፖለቲካዊ ውድባት ክርአ እትመርጾ’ኳ ተዘይኮነ፡ እንተተራእየ እምብዛ ዘገርምን ፍጹም ዘይፍታሕ ጌርካ ክውሰድ ግና ቅቡል ኣይኮነን። ብፍላይ ከኣ እቲ ውድባት ድኽመታት ከም ዘለዎ ክእመን እንከሎ። እቲ ለውጢ ዝደልን ነዚ ኣብዚ ናይ ለውጢ መስርሕ ኣገዳሲ ባእታ ዝኾነ ውድባት ዘሎ ጸገም ዝተዓዘበን ኣካል፡ ክግበሮ ዝግባእ እምበኣር፡ ነቲ ውድባት ኣውንታኡን ኣሉታኡን ጠቓሊልካ ናብ ገደል ምድርባይ ዘይኮነ፡ ነዚ ድኽመታቱ ኣብ ምእራምን ዝጎደሎ ኣብ ምምላእን እጃምካ ምብርካት’ዩ። ነዚ ንምብቃዕ ከኣ ነቲ ውድባት ብናይ ማዕዶ ተዓዝብነት ዘይኮነስ ቀሪብካን ኣካሉ ብምዃንን ጥራይ እዩ ዝሳለጥ። ስለዚ ኢና ከኣ ለውጢ ብውዱብ ህዝባዊ ሓይሊ እዩ ዝመጽእ እንብል።