ንደቂ ሰባት ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ቀንዲ ሓደገኛ ዝኸውን ምትእምማን ጠፊኡ ኣብ ክንድኡ ምጥርጣር ክዕብልል እንከሎ እዩ። ከመይሲ ምጥርጣር ነቲ ባህሪ ናይቲ ካልእ ሸነኽ ንኸይትርዳእ ስለዝዓግት ኩሉ ግዜ ናብ ዘይቅዱው ሃዋህው እዩ ዝወስደካ። እዚ ስለዝኾነ ከኣ ንዝኾነ ይኹን ፖለቲካውን ማሕበራውን ዝምድናታት በቐሊሉ ዝሃሲ እዩ። ስለዚ ምትእምማን ኣብ መንጎ ደቂ ሰባት ንዝግበር ዝምድናታትን ርክባትን ባይታ ዝምድምድ ኣገዳሲ ባእታ እዩ።

ምትእምማን ንሓድሕድካ ብምስምማዕን ኩሉ ብግሉጽ ብምሕባርን ከምኡ እውን ሓቀኛ ምዃን ዘጠቓልል ልቦናዊ ኩነት እዩ። ኣብዚ ኩነታት እዚ እቲ ዝምድናን ርኽክባትን ኣዝዩ ክድልድል እንከሎ ነቲ ርክብን ዝምድናን ተኣማኒ ስለዝገብሮ ምትእምማን ይህነጽ። እምነት ኣብ ዝህነጸሉ ድማ እወንታውን መሰረታውን ለውጢ ንምርግጋጽ ዓቢይ እጃም ኣለዎ። ምትእምማን እንተዘየልዩ ግና ሓቀኛ ዝምድና ኣይፍጠርን እዩ። ሓቀኛ ዝምድና እንተዘየልዩ ከኣ እቲ ናብ ዓወት ዘኽይድ ጐደና ትስሕቶ’ሞ ኣብ ምጥርጣራትን ምትሕልላውን ትጥሕል።

ስለዚ ሰናይ ዝምድና ኣብ ዝሃለውሉ፡ ንነገራት በቲ ዘሎካ ምቅርራብ ኣቢልካ ናብ ቅኑዕ ውሳነ ክትበጽሖ ይከኣል። ምትእምማን ክድልድል ንዝምድናታት እውን ከሕይል፥ ግሉጽን ሓቀኛን ኰንካ ንጌጋታትካ ብኽፉት ኣእምሮ ናይ ምቕባል ትብዓት ክትውንን የድሊ። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ እምነት ከኣ ንዘሎ ምርሕሓቕ ናይ ምቅርራብ ኣድልዪ ኩነት እዩ። ብዘይካ’ዚ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ እምነት ምስ ዝምርኰስ ኩሉ ተግባራቱን ምንቅስቓሳቱን ኣብ ቃሉ ናይ ምጽናዕን፥ ግብራዊ ንምዃንን ዘሎ ቅሩብነት ዝተመስረተ ይኸውን። ብዘይካ’ዚ ነቲ ካብ ካልኦት ዝጽበዮ ሓሳባት ይኹን ተግባር መሰረታዊ መንቀሊኡ ብኣውንታ ክጥምቶን ብፍሕሽው ገጽን ካብ ልቢ ዝነቐለን ዝምድና ክኸውን ይሕግዝ።

ብምትእምማን ኣብ ዝተመስረተ ዝምድና እምበኣር እቲ ቅኑዕ ዘበለ ሓሳብን ግብርን እዩ ዝሳነ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ከኣ ንዕቀት፥ ኣትሒትካ ምርኣይን ሓሶትን ቦታ የብሎምን። እምነት ምስ ዝህሉ እቲ ቂምን ጽልእን ተሪፉ ኣብ ፍቕርን ሰናይ ምግባርን እዩ ዝልወጥ። እዚ ከኣ እዩ ዓወት፡ ኣብ ሓድሕድካ ምትሕልላይን፥ ጸገም ሓድሕድ ምፍላጥን ዘመንጩ። እዚ እምነት እዚ ከኣ እዩ ንሓቂ ካብ ሓሶትን ንቅንዕና ካብ ተንኮልን ፈሊኻ ዘጠምት ልቦና ክሰፍሕ ዝሕግዝ። ምስ ናይ እዚ እቲ ፡ኒሕን ንያትን እወንታዊ ሕልናን ይጥጥዕ እሞ፡ ካብ ግዙኣት ተንኮልን ቅንእን ናጻ ክንከውን ይሕግዘና። ውጽኢቱ ከኣ እቲ ምንዮትናን ድሌታትናን ኩሉ ካብ ሽግር፡ ግፍዕን ወጽዓን ተላቒቑ ሰላማዊ ናብራን ተኸባቢርካ ናይ ምንባርን ቅሩብነት ይድልድል።

ምትእምማን ክሰርጽ ወይ ክህነጽ ከምቲ ስነፍልጠት ዝገልጾ እቲ መስርሕ ብዙሕ ነጥብታት ዝሓዘለ እዩ። ገለ ካብቲ ንምህናጽ ምትእምማን ዝሕግዝ ነጥብታት ምጥቃስ ጠቓሚ እዩ።

‘’ተኣማኒ ምዃን፥ ዓቢ ጸጋ እዩ። እዚ ይንኣስ ይዕበ እቲ ክግበር ዝበልካዮን ዝተሰማማዕካሉን ቃልካ ኣጽኒዕካ ምትግባር ማለት እዩ። ነቲ ዝተሰማማዕካሉ ይኹን ክገብሮ እየ ንዝበልካዮ እንተዘይፈጺምካ ግና እምነት ተጉድል ስለዘሎኻ፡ ኣብ ዝኾነ ጉዳይ ሰብ ኣይኣምነካን። ምኽንያቱ እምነት ተጉድል ስለ ዘለኻ።

‘’ ሓቀኛ ምዃን፥ ኣብ ሓሶት ተመርኲስካ ትረኽቦ መኽሰብ ወይ ፍረ ስለዘየለ፥ ከምኡ እውን ከም ዝሓሰኻ እንተተፈሊጥካ’ሞ ኣሉ እንተ ኢልካ መሊሱ ዝገደደ ኣማኒ የስእነካ፡ ስለዝኾነ ብዝከኣል መጠን ጌጋታትካ ክትኣምንን ነቲ ሓቂ ብግልጺ ከተቕርብን ኣድላይ’ዩ። ዝያዳ ሓጋዚ ዝኸውን ከኣ ኩሉ እትብሎ ንቃለ-ዓለም ዘይኮነ ካብ ውሽጢ ዝነቐለ ክኸውን እንከሎ’ዩ። ንዘይትገብሮ ብዓንተብኡ ኣይፋለይን ክትብል ኣሎካ።

ክትብሎ እትደሊ ኣብ ምባል ግሉጽ ምዃን። ብዛዕባ ሓደ ጉዳይ ክትሕብር ቅሩብ ኣብ ዘይኮንካሉ ከምኡ ብጋህዲ ምንጻር። ክትዕቅቦ ንዝተነግረካ ምስጢር ንዘይምልከቶም ኣሕሊፍካ ምስ እትህብ ከም ክሕደት ስለዝቑጸር ተኣማንነትካ ንምርኣይ ምጽናዕ።’’

ዝምድናታት ኣብ እትፈጥረሉ ግዜ ንረብሓታትካ ልዕሊ ረብሓ እቲ ዝዛመደካ ክኸውን ኣይግባእን። ንስምዒታትካ ብትዕግስቲ ከተመሓድሮ ምኽኣል ዓቢ ናይ ምትእምማን መንፈስ ዘጥሪ ባህሪ እዩ። ኣብ ርእሲ’ዚ ካብ ኣገባብ ዘይብሉን ሃሳዪን ባህሪ ምቚጣብን ተቐባልነት ዘለዎ ሓሳባት ይምልከቶም ንእትብሎም ኣካላት ምክፋል። ኮታ ንርክባትን ምትእምማንን ካብ ዘዛሕትሉ ጉዳያት ምቚጣብን ቐጻሊ ዕቤት ምምዕዳውን።

ድራር መንታይ

 

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ኣዳለውቲ ፈስቲቫል 2016

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን መሪሕነትን ተወከልቲን ሰልፍታትን ውድባትን ማሕበራት

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ዕዱማት ኣጋይሽ ተሳተፍቲ ፈስቲቫል ብሓፈሻ፡

ብመጀመርታ ኣብ ፈስቲቫል 2016 ንኽንሳተፍ ዝገበርኩምልና ዕድመ ብስመይን ብስም ተበግሶ ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ ጀርመንን ብስም መርበብ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ንኣሰናዳኢት ሽማግለ ፈስቲቫል እንዳ ኣመስገንኩ፡ ልባዊ ሰላምታይ የቕርብ። እንቛዕ ከኣ ኣብዚ መኣዲ ዘተ ዝዓለመ ፈስቲቫልዚ ብሰላም ኣራኸበና እናበልኩ፡ ፈስቲቫልኩም ዕውት ኾይኑ፡ ንቃልሲ ዘዕጥቅን፡ ንፍትሕን ሰላምን ዝሕብር ክኸውን ትምኒትና ወሰን የብሉን።

ኤርትራ ከም ሃገር፡ ኣብ ናይ ዓለም ካርታ ንኽትህሉ ኩሉ ዝካኣሎ ዝኸፈለ ህዝብና፡ ሰላምን ራህዋን፡ ፍትሕን ተሐሪምዎ ኣብ ዘስካሕክሕ ህልቀትን ምጽናትን በጺሑ ከምዘሎ ግደፍ ዶ ንዓና ንዓለውን ዘስደመመ ስለዝኾነ ሓበሬታ ዘድልዮ ኣይኮነን። እቲ ኣስካፊ ኮይኑ ዘሎ ብስም ደላይ ፍትሒ ጸርፊ፣ ግሰጣ፣ ትምክሕቲ ኣነነት፣ ከነጥፍእ፣ ከነብርስ ዝብሉ ኣእምሮ ናይ ሕነ ምፍዳይ ሰነ ሓሳን ካብ ቅድም ንፍልጦ ሎሚ ይበዝሕ። በዚ ዝመጽእ ለውጢ እንታይ ኮን ይኮወን? ይመስለኩም ዶ ማዕርነት ደቂ-ኣንስትዮስ ዝተክሉ? ከይንፋለስ ዘስግእ እዩ።

ርግጽ እዩ ሽፍታ ዝጸበቀት ጓል ወይ ሰበይቲ ሽሞኛን ሰበይቲ ሓያልን ኣምጽ ኢለ ዝእዝዝ እዩ። ይብዛሕ ይውሓድ ድማ ኣብ በዓትታትን ጎዳጉድን ኮይኒ ፈራህ ብጽሞና ዝንቀሳቀስ እዩ። ነዚ ንምእላይ ከኣ ሓላፍነት መንግስትን ደቂ-ዓድን ዩ። ኣብ መላእ ሃገር ብመዓልቲ ይኩን ለይቲ ኣብ ቃልዕ ካብ ዝለዓሉ ሰበ ሰልጣን- ክሳብ ብሓላፍ መንገዲ ከትናሾን ክትዕመጽን ክትዝረፍን ትነብር ዘላ ኤርትራዊት። ተወሳኪ ውላዳ ተዘሚታ ናብርኣ ተሓሪማ ኣብ መሬት ኮላ ብገሃነብ ተበሊዓ ዘላ ብሰንኪ መላኪ ስርዓት ኤርትራ ድኣ እምበር ብናይ ገለ ሸፋቱ ሃገር ምሉእ ደም ኣይምነብዔን እዩ። ካብ መላኪ ሓይሊ ኣፋኩስካ ምግላጽ ንቃንዛ ደቂ-ኣንስትዮ ምንእኣስ እዩ። እዚ ራእይ ኣልቦ እዩ ጥቅመን ዘይኣነጸራ ደቂ-ኣንስትዮውን ኣብኡ ይሕምብሳ።

ደቂ-ኣንስትዮ ሰርዓት ኣሰመራ ባርባራዊ እዩ ንብል። ብዘይ ወዓል ሕደር ክእለ ኣሎዎ። እወ ክእለይ ኣሎዎ !!! ፍትሓዊ ለውጢ ሕጂ እወ!!! ኣሎና ዶ ኣብኡ? ሓጻር ቆላሕታ ናይዚ ገዛ ትምልሶ ።

ሰክፍታና ከም ደቂ ኣንስትዮ ዓብይ እዩ። ሕቶ ደቂ-ኣንስትዮ ዘይኣማእከለ ልወጢ ንመን? ብኩራት ደቂ-ኣንስትዮ ብኩራት ዴሞክራሲ እዩ። እሞ ክሳራ ናይቲ ፍትሒ ከምጽእ ደሞክራሲ ክተክል ኢሉ ዝጓየ ዘሎ ሰለ ዝኮነ ከምቲ ምስላ ዓብይቲ፥ “በይኑ ዝጐይስ ዝቅድሞ ነይብሉ” ዝበሃል እትጽዕርዎን ትድክምዎ ኮንቱ ከይክወን ተመሊስኩም ክትርእዎ ንምሕጸን። እዚ ክብል ከሎኩ ኣብዚ በዓል ብዙሓት መራሕቲን ተውከልትን ዕዱማትን ተሳተፍትን ብሓፍሸኡ ኣብ ሃገርና ለውጢ ክንገብር ኣሎና ትብላን ትብሉን ተራኪብና ሰለ ዘሎና ምሕጽንታይ ናብ ኩልና ኣብዚ ዘሎናን ካብዚ ወጻኢ ዘሎኩምን ዘሎክንን ጉዳይ እዩ ኢልኩም ተዓጢቁም ትርክባን ትርከቡን እዩ። ነዞም ሎሚ ዓቢ ስክፍታ ከመዘሎና መልእክቲ ደቂ ኣንስትዮ ከመሓላልፍ ዕድለ ዝሃብኩም ድማ ደጊመ የምስግን ምሕጽታና ሓድሽ ኣይኮነን ንዓኩም እቲ ብኩራት ደቂ-ኣንስትዮ ዝበሃል ዘሎ ዘተ ደቂ-ኣንስትዮ እንተዝክፍትስ ምሐሸ፣ ታሪካዊ ሓላፍነትዩ ።

ዝኽበርክን ደቂ-ኣንስትዮ !! ኩነታት ሃገርክን ውጺት ቃልስክን ዘጋጥም ዘሎ ተጻብኦታትን ሎሚ ሰማዕቲ ዘይኮንክንስ ሓምበስቲ ናይቲ ቃልሲ ብምኻንክን ክብሪ ንዓክን ሓበን ድማ ይስመዓኒ ከማክን ይብዝሓ፥ ዴሞክራሲ ንማሕበራዊ ማዕርነት ዘደላድል ንብዙሓት ዘማእከል ምሕደራ ሰለ ዝኮነ ካብ ሎሚ ልጓም ኣጽኒዕና ንሓዝ፣ ኣብ ዕንደራ መክሰብ የብልናን ተርድኦና ክሰፍሕን ዘማእክልና ራኢ ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ብሓባር ክንክትሞ ኣሎና። ጉዳይና ካባና ንላዕሊ ዝገልጾ እምበር ዝሰርሐሉ ኣይክርከብን እዩ። ሰለዚ ሸግረይ ንምፍታሕ ቀዳመይቲ ተሓታቲት ባዕለይ ሰለ ዝኮንኩ ተጸበይቲ ኣይንኩን ካብዚኣ ወጽእና ብዛዕባና ንዘቲይ። ንጻውዕት ደቂ-ኣንስትዮ ንስማዕዮ ካብዘን ሎሚ ኣብዚኣ ተረኪብክን ዘሎክን ደቂ-ኣንስትዮ፡ ደቂ-ኣንስትዮ ምስ ዝጽውዓ ሓደ ምእታዊት ኣይትርከባ ኢክን እዚ ድማ ናይ ተጽባይነት ምልክት እዩ። ነዚ ንስገሮ ተሰክምቲ ጾታዊ ሓላፍነትና ንኩን፣ ኣብ ወሽጢ ገዛና ዘሎ ሽግር ንስንዶ ፍታሕውን ነናዲ ድሕሪኡ ኢና ካብ ኣለዋና ናብ ኣሎና ንረግጽ።

በዚ ኣገጣሚ ሓቤሬታ ንኩልክን ደቂ-ኣንስትዮ ካብ ዕለት 16.9 ክሳብ 18.9 16 ኣብ ሮም ብመርበብ ደቂ-ኣንስትዮ ተዳልዩ ዘሎ ን3ይ ርክብ ክትሳተፍኦ ብክብሪ ትጽውዓ ውራይክን እዩ።

የቀንየለይ ክብሪ ይሃብክን ይሃብኩም ተሳተፍቲ።

ህልቀት የብቅዕ፣ ሰማእታት ክከብሩ

ልዙብ መዓልቲ ይግብርልና

ኣዳልውቲ ጻማኩም ርከቡ። ደጊመ ድማ የመስግን ዕድል ብሃብኩም

ንመሰልና ባዕልና!!!

 

         

        

ብውሽጢ ይኹን ብደገ ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ህግደፍ ዝፍጠር ዘሎ ተጽዕኖ፡ ቅልጣፍኡ’ኳ ዘገምታዊ እንተኾነ፡ ቀጻሊ ምህላዉ ንዕዘቦ ኣለና። ምናዳምናዳ ንሓንሳብ እቲ መስርሕ ይቕልጥፍ እሞ፡ ንህግደፍ ድማ ብኽንድኡ ደረጃ የሻቕሎን የሰንብዶን። እቲ ጉጀ ከምዚ ዓይነት መሸንቦባ ክመጾ እንከሎ መኸወሊ ክፈጥር ባህርያዊ እዩ። እተኾነ እቲ ዝፈጥሮ መኸወሊ ኣብ ግዚያዊ መዕገሲ እምበር ኣብቲ ቀንዲ ዝሕተተሉ መሰረታዊ ጉዳያት ዘትከለ ኣይከውንን። ምኽንያቱ ከምኡ እንተኾይኑ ካብ ሱሩ ክብርቁቖ ስለ ዝኾነ።

ብፍላይ ኣብዚ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ካብ ኢድ እቲ ጉጅለ ተመንዚዑ፡ ኣብ ዓለም ለኻዊ መድረኻት መዛረቢ ኣጀንዳ ኣብ ዝኾነሉ፡ ኣብ እንዳ ህግደፍ ዓብይ ሻቕሎትን ራዕድን ፈጢሩ ኣሎ። እቲ ጉጀል ብወገኑ ካብዚ መሸንቦባ ነብሱ ንምኽዋል፡ ብዙሓት ዘይመስረታዊ እሞ ድማ ዘይትግበሩ መብጸዓታት እንዳቕረበ መናውሒ ዕድመ ክገብር ፈቲኑ። ከም ኣካል ናይዚ ፈተንኡ፡ “ኣብ ምኽባር ሰብኣዊ መሰል ክሰርሕ እየ፡ እሱራት እቲ ጉዳይ ብዝምልከቶም ኣካላት ዝብጽሕሉ ኩነታት ክፈጥር እየ፡ ኣዜ ኣገልግሎት ግዱድ ዕስክርና ክግድብ እየ፡ ዓለም ለኻዊ ኣኼባታት ኣብ ኣስመራ ይካየዱ ኣለዉ፡ ምስ ጉዳይ የመን ብዝተተሓሓዘ ምስ ዝተወሰና ሃገራት ኣዕራብ ዝምድና ፈጢረ፡ 10 ዓመት ዝተኣስሩ ፓትሪያርክ ኤርትራ ንመንግስቲ ይቕረታ ሓቲቶም፡ ልኡኸይ ናብ ሃገር ቻይና ገይሹ … ወዘተ” ዝብሉ ግዳማዊ መመላኽዕታት ይነዝሕ ኣሎ።

እንተኾነ እዚ መመላኽዕታት፡ ምስቲ መሰረታዊ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ዝምድና ዘየብሉ ተፈታሕካዮስ ቁጻር ጥራይ’ዩ። ንዋላ ሓደ ካብቲ መሰረታዊ ጠለባት ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ኣይምልስን። ከምኡ ስለ ዝኾነ ኢና ድማ ጓልነገር ወይ ግዚያዊ መመላኽዒ ንብሎ ዘለና። እዚ ጥራይ ኣይኮነን እቲ ጉጅለ ኣብዚ መሰረታዊ ዘይኮነ ጉዳያት’ውን ግብራዊ ስጉምቲ ኣይክወስድን እዩ። ኣነቓቕላኡ ምዕሸውን መሸመቲ ግዜ ንምርካብን ዝመሃዞ ስለ ዝኾነ። እንተኾነ ካብዚ ሸንኮለል ምሉእ ብምሉእ ጥራይ ኢዱ ክወጽእ እዩ ማለት ኣይኮነን። እነሆ’ኳ ሓደሓደ ትማሊ በላሕቲ ተቓወምቱ ዝመስሉ ዝነበሩ “ንዕኡ ኣውዲቕና ዝሓሸ ክንፈጥር ዓቕሚ ስለ ዘየብልና፡ ምስኡ ንመሳሰል” ዝቓንኡ ሓሳብ በጨቕ ከብሉ ንዕዘብ ኣለና። እቲ ዝስማዕ ምኽንያቶም “ዓቕሚ የብልናን” ዝብል እዩ። ብርኢቶይ ዓቕሚ ተዘይብልና እቲ ክበሃል ዝነበሮ “ሓቢርና ዓቅሚ ንፍጠር” እምበር ናብኡ ተመሊስና ንስገድ ኣይኮነን። እቲ በዂሩ ዘሎ ናይ ለውጢ ዓቕሚ ንምፍጣር ኢና ከኣ ንቃለስ ዘለና።

ብዙሓት ወገናት ከምዘይስሕትዎ፡ ድሕሪ ሕጂ ጉጅለ ህግደፍ ድሌትን ባህግን ህዝቢ ኤርትራ ዘማልእ ስርዓት ዝተክል ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ነዚ ዝምልከት መስመር ሓሊፉስ ኣብ ቦታ ወጻዒ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዝኹየጥ ነዊሕ ኮይኑ እዩ። ስለዚ ብእዉጅ ኣንጻርካ ካብ ዝተሰለፈ ሓይሉ ንጽቡቕካ ኣይትጽበዮን ኢኻ። ህዝቢ ኤርትራ እውን ነዚ ኣጸቢቑ ይረደኦ እዩ። እቲ ጉጅለ እውን ኣብ ልቢ ህዝቢ ኤርትራ ዝነበሮ ባይታ ከም ዝነቐጸ ይርዳእ እዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ድማ ኣብ ስልጣን ንክነብር እቲ ዘዋጸኦ ንህዝቢ ከረድእ ዘይኮነስ፡ ከገድድ ክፈላልን ጥራይ ምዃኑ ይፈልጥ እዩ። ከምኡ ድማ እዩ ዝገብር ዘሎ።

“እንታይ’ዩ እቲ ኣብ ኤርትራ ክትግበር ዘይተኻእለ መሰረታዊ ድሌት ህዝቢ ኤርትራ?” ዝብል ሕቶ ምናልባት ነቲ ጉዳይ ብቐረባ ብዘይተኸታተልዎ ዘይኤርትራዊ ወገናት ይለዓል ይኸውን። ብህዝቢ ኤርትራ ግና ሎሚ ኣይለዓልን እዩ። መውጽእ ኣፉ ካብ ዝገብሮ ነዊሕ ዓመታት ስለ ዘሕለፈ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ሕገመንግስታዊ ውሕስነት ዘለዎ፡ ልዕልና ህዝቢ ኣብ መንግስቲ ብንጹር ዘርእን ዘተግብርን፡ ማዕርነት፡ ደሞክራሲ፡ ፍትሒ፡ ልምዓትን ድሕንነትን ዝማእከሉ ምምሕዳር ከም ዝደሊ ብሩህን ንጹርን እዩ። እቲ ጉጅለ ህግደፍ ዝኸዶ ዘሎ ናይ ሸፈጥ መንገዲ ጥዑይ ድዩ ሕሙም ንምምዛን ከኣ በዚ ጥራይ እዩ ክዕቀን ዝግበኦ። ክሳብ ሕጂ ብእንዕዘቦ ዘለና ኩሉ መንገዲ ህግደፍ ነዞም ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ኢልና ዝጠቐስናዮም ዘራጉድ ዘይኮነስ ብኣንጻሩ ዘዳኽሞም እዩ። እታ ሓንቲ ኣምጺእዋ ዘሎ ፈሊጥ ከኣ ንኤርትራ ካብ ናታ ኣብ ዝኸፈአ ደረጃ ኣለዋ ዝብለን ሃገራት ሃስስ እንዳበለ ኣወዳዲሩ “ንሕና ንሓይሽ” ዝብል ስብከት ምቅላሕ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ግና ካባይ ስኸፈኣን ኣለዋ ኢሉ ዝደዓዓስ ዘይኮነስ ዘይተፈትሐ ሕቶ ከም ዘለዎ ኣሚኑ እዩ ዝቃለስ ዘሎ። ስለምንታይ እዩኸ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ዝሓሸ ስርዓት ምስ ዝተኸላ ሃገራትን ህዝብን ምውድዳር ናብተን ካብኡ ንታሕቲ ዘለዋ ንቑልቁል ክጥምት ጥራይ ዝቕሰብ?

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ኣባላት ዓውደ መጽናዕቲ ፍራንክፎርት፡

ዕዙዝ ልባዊ ሰላምታይ ብምቕዳም ኣብ እተካይድዎ ኣገዳሲ ዓውደ መጽናዕቲ ዓወት እናተመነኹ ነዛ ሓጻር መልእኽተይ ከታሓላልፍ ከለኹ ብተገዳስነት ክትርይዋ ብምትእምማን እዬ።

ዕላማ መጽናዕትኹምን ትጋብኡሉ ዘሎኹምን ብሓደ ወገን፡ ሃገርናን ህዝብናን ኣብ ዝለዓለ ህጹጽ ናይ ምድሓን መንገዲ ዘናድየሉ ዘሎ ኸኣ ብኻልእ ወገን ይኻየድ ብምህላዉ፣ ረዚን ሓላፍነት ዘሰክም ፈታኒ እዋን ምዃኑ ተረዲኩም መድረኽ ዝጠልቦ ናብ ሓቀኛ መፍትሒ ዝወስድ ቅኑዕ ጎደና ዘማእዝን ውጽኢት ሒዝኩም ክትወጹ ተስፋን ትጽቢትን ኩሉ ደላይ ፍትሒ ብፍላይ፡ ኩሉ ኣብ ትሕቲ ስቓይ ስርዓት ህ ግ ደ ፍ ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ ኸኣ ብሓፈሻ ምዃኑ አረጋግጸልኩም።

ብኡ መጠን ድማ ክእለትኩም ዝፍተነሉ መድረኽ ምዃኑ ተረዲእኩም ነቲ ብሓደ ኴንና ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢና ክንልዓል ዘየኽኣለና ምኽንያት ብግሉጽ ኣብ ምድህሳስ ልዑል ተራ ክትጻወቱ ሓደራ እብል። እዚ ክብል ከሎኹ ንሓደ ገኒሕኩም ንሓደ ምዒድኩም ኣብ ሓንቲ ድስቲ ግዒትኩም ክትቅርቡልና ወይ ድማ ጠቢሕኩምን ሓጒምኩምን ካብ ውሽጣዊ ሕማማትና ከተሕውዩና ዝብል ናይ የዋሃት መልእኽቲ ንምትሕልላፍ ኣይኮነን፡ እንተ ንደልዮ‘ውን ተግባራዊ ኣይከውንን። እንተኾነ እተካይድዎ ዓውደ መጽናዕቲ፡ ነዚ ንኩልና ዘሳቒ ዘሎ ብቱን ኩነታት ግቡእ መኣዝኑ ኣብ ምትሓዝ ዝሕግዝ ብዝተፈላለየ እዋናት ዝተኻየዱ መጽናዕትታትን ገምጋም ሕሉፋት ተሞኮሮታትን ከም መወከሲ ተጠቒምኩም፡ እንታይ ነይሮምን ከመይ ተሰሪሑሎምን ወይ ስለ ምንታይ ኣይሰርሑን ብርጡብ ዳህሲስኩምን ምስ ናታትኩም ተሞክሮታት ደሚርኩም ፡ ሓይሊ ደንበ ደለይቲ ፍትሒ ብሓደ ኣብ ቓልሲ ንድሕነት ሃገር ዝጽመደሉ ንጹር ጎደና ምእማት እምበር ብበይንኹም ዝውዳእ ከም ዘይኾነ ንኩሉ ርዱእ እመስለኒ።

እቲ ድሒሩ ዝስዕብ ውጽኢት ዕዉት መጽናዕትኩም ኽኣ ኣብ ግብሪ ናይ ምውዓሉ መደብን ነዚ ኣብ ንምቕጻል ዝሕግዝ እተማእከለ ኣካል ኣብ ምምዛዝ ከብጽሓና ምኽኣለ ኢለ እኣምን። ሎሚ ተመን ኣብ እግርኻ በትሪ ኣብ ኢድካ ወሳኒ ባዕልኻ ዝብል ምስላ ወለድና ዘዘካኽር እዋን ኢና ዘሎና፡ እዚ ማለት ኸኣ ብከም ህ ግ ደ ፍ ዝበለ ኣረመናዊ ስርዓት ንርብዒ ዘመን እናተሳቐኻ ሓቢርካ ንምልጋሱ ዘይምቅላስ ናይ ባዕልና ጸገም እምበር ነመኻንየሉ ኣካል የለን። ኣብዚ ህዝብና ደም ዝነብዓሉን ዝበርሰሉን ዘሎ እዋን ወይ ደላይ ፍትሒ ኢኻ ብትብዓት ትቓለስ ወይ ደጋፍ ጸረ ህዝቢ ኢኻ ምስኡ ትድምሰስ እምበር ሳልሳይ መማረጺ ሕልንኦም ናይ ዘዕረቡ ዘጋታት ጥራሕ‘ዩ ክኸውን ዝኽእል፡ ካብኡ ይሰውረና።

ስለ ዝኾነ እቲ ከርሰነገር ናይ‘ቲ ዓውደ መጽናዕቲ ኣብዚ ዘተኮረ ክኸውንን ብዘይንሓፍነት ክጉርጐርን ክጋለጽን እምበር ብላዕሊ ላዕሊ ሸፈፍ ኢልካ ዝሕለፍ ክኸውን ኣይግባእን። ኣብዚ መዳይዚ ኩሉ ዝክኣለኩም ዓቕሚ ወፊኹም ብዓወት ክትዛዝሙ ብውጽኢት ስራሕኩም ድማ ክትምጎሱን ብተስፋ እጽበ።



EMDHRLogo

ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት ኤርትራውያን ተማሃሮ 11 ክፍሊ ናብ ሳዋ ከም ዝወረዱ ኣብ ማዕከናት ዜና ክቃላሕ ቀንዩ ኣሎ። እዚ ድማ ብጉልባብ ትምህርቲ ኩሎም ትምህርቶም ዝውድኡ ተመሃሮ ናብ ግዱድ ዕስክርና ዝኽተቡሉን ኣብ ግዱድ ስራሕን ዘመናዊ ግልያነትን ዝኣትውሉ መስርሕ እዩ። እዞም ዓቕሚ ኣዳምን ሄዋንን ዘይበጽሑ ዕሸላት መንእሰያት፡ ካብ ማሙቕ ገዝኦምን ካብ ሓለዋ ስድራቤቶምን ወለዶምን ተመንዚዖም ኣብ ትሕቲ ጽንኩር ኩነታት ወተሃደራዊ ታዕሊም ክወስዱን፡ እሞ ከኣ ንብዙሓት ሕልናን ርህራሄን ዝጎደሎም ዓለምቲ ክቃልዑ ይግደዱ ኣለዉ። ብዙሓት ካብኣቶም ድማ ግዳያት ናይ ዝተፈላለየ ስነኣእምሮዊ፡ ኣካላዊን፡ ጾታዊ በሰላታትን ከምዝኾኑ ዝምስክርዎ ሓቂ እዩ። ሓንቲ ካብዞም ዕሸላት ጓል 17 ዓመት ኣባል 27 ዙርያ "ገንሸል ሳዋ" ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ፈይስቡክ ዘውጽኣቶ ምስክርነት፡ ኣብ ሳዋ ብሓደ ኮሎነል ዘጋጠማ ምግሳስን፡ ጥንስን፡ ምንጻል ጥንስን ንኹሉ ሕልና ዘለዎ ኤርትራዊ ልቢ ዝሰብር እዩ።

እቲ ሓቂ ተማሃሮ 11 ክፍሊ ናብ ሳዋ ክኸዱ ከለዉ ግዱድ ዕስክርና እዩ። በቲ ልክዕ ስሙ ክንጽውዖ ድማ ይግባእ። እወ ግዱድ ዕስክርና!!! የግዳስ ንሕና ኤርትራውያን ነቲ ዘይንቡር ከም ንቡር፡ ነቲ መሪር ከም መዓርለሚድናዮ: ከም ቅቡል ጌርና ወሲድናዮ ስለዝኾና ክንቃወሞን ዓገብ ክንብሎን ከምዘሎና'ውን ሓሲብናሉ ኣይንፈልጥን። እዚ ድማ ኣእምሮና ክሳብ ክንደይ ደንዚዙ ከምዘሎ ዘሰክፍ መርኣያ እዩ።

እንታይ እዩ እቲ ጥቕሙ? እዚ ኣብ ስልጣን ተዀይጡ ዘሎ ስርዓት፡ ስልጣኑ ንኸናውሕ፡ ንዝኾነ ዓይነት ናይ ተማሃሮ ኣብያን ምልዕዓልን ከየጋጥም ከመይ ጌሩ ነዞም ተማሃሮ ክቆጻጸሮምን፡ ምእዙዛት ክገብሮምን ዝመሃዞ ተንኰል ድኣ'ምበር ብዛዕባ እዞም ዕሸላት መንእሰያት ሓልዩ ኣይኮነን።

እዞም መዓንጣ ዘይቆጸሩ ንኣሽቱ ኣሕዋትናን፡ ኣሓትናን፡ ደቅናን፡ እሞ ከኣ ኣብቲ ምሕብሓብን ምእላይን ዘድልዮ ኣዝዩ ተነቃፊ ዕድመኦም ብዝኾነ ምኽንያት ካብ ስድርኦም ክፍለዩ ብፍጹም ኣይግባእን። ንሕና ዓገብ ብዘይምባልና እዮም ድማ ናብዚ ዝቃልዑ ዘለዉ። ስለዚ ድማ ካብዚ ኩነታት ክሃድሙ ኣደዳ ስደትን መከራን ሞትን ይኾኑ ኣለዉ።

ስለዚ ሎሚ ድምጽና ብዓውታ እነስምዓሉ ሰዓት ኣኺሉ እዩ። ይኣክል ሱቕታ! ይኣክል እንታይ ገደሰኒ! እዚ ግዱድ ዕስክርና ግዱድ ስራሕን ዘመናዊ ግልያነትን ደው ክብል ኩላትና ዓቕምና ዘፍቅዶ ክንገብር ውዓል ሕደር ዘይበሃሎ ሞራላዊ ግዴታና እዩ። እምቢ ንግዱድ ዕስክርና! እምቢ ግዱድ ስራሕ! እምቢ ዘመናዊ ግልያነት! ኣነ እንተዘይተዛሪበ መን? ሎሚ እንተዘይተዛሪበ መዓስ?

ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን (ኤምዲሰመ)

3 ነሓሰ 2016

ፕሪቶርያ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ

Eritrea Festival 2016 Events

Thursday, 04 August 2016 12:29 Written by