ህዝቢ ብቅኑዕ ምሕደራ እምበር ብጥበራ ኣይምራሕን

2016-12-18 17:11:41 Written by  ድራር ማንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2651 times

መለኽቲ ስርዓታት መናውሒ ዕድመ ስልጣኖም ዝጥቀምሉ ሜላታት ንህዝቢ ብቀቢላ፥ ብሃይማኖትን ካልእ ስምዒታታን ከምዘይተኣማመን ብምግባር እዩ። ስርዓት ኢሳያስ ናይ ሃይማኖት ይኹን ናይ ቀቢላ እንዶ ስለዘይብሉ ኣብኡ ጥራይ ኣየድህብን እዩ። እቲ ቀንዲ ነጥቢ ህዝቢ ይጭቆን ከምዘሎ ክሳብ ዘይፈለጠ ኣሜን ኢሉ ስለ ዝግዛእ ሓደ ካብቲ ናይ ስልጣን መናዊሕ እዩ።

ይኹን እምበር መለኽቲ ስርዓታት ንሽግራት ብዲሞክራሲያዊ ኣገባብን ፍትሓዊ መሰረትን ምፍታሕ ስለዘይክእሉ ኣብ መወዳእታ ጥፍኣቶም እዮም ዝዕድሙ። ኣብቲ ናብ ምውዳቕ ዝቀራረበሉ ከኣ ነታ ሃገር ክሕምስዋን ነቲ ህዝቢ ከምዘይቀስንን ኣብ ነንሓድሕዱ ምእንቲ ክመናጨትን ብኽቱር ይጽዕሩ። ስርዓት ኢሳያስ ካብቶም ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ዝጥቀመሎም ነጥብታት እዞም ዝስዕቡ ኢዮም።

እቲ ቀንዲ መሳርሒ ፕሮፓጋንዳውን ስለያውን ስርሒት ምክያድ እዩ። ፕሮፓጋንዳ ከካየድ እንከሎ እቲ ወግሐ ጸበሐ ብሓሶት፡ ጥበራን ዘይትግበር ተስፋን ከኸውን ከሎ፡ እቲ ካልእ ከኣ ናይ ዶብ ምስምስን ንዝቃወምዎ ኣካላት ከም ጸረ ሃገር፥ ወይጦታትን መጋበርያታትን ጸላእቲ እናምሰለ ከናሹን ከነኣእስን ህርድግ ይብል። ከምኡ እውን ንድኽመታቱን ንሰይጣናዊ ተግባራቱን ክሽፍን፡ ኣመሪካዶ ምዕራብዶ ኣንጻርና ኣሽርዮም፡ ነዛ ሃገር ከዕንውዋን ንኸይትብልጽግ ይጽዕሩን ኣለዉ ክብል ከይሓፈረ ይዛረብ። ወዮ ነታ ሃገርን ህዝብን ዝድህኽ፡ ዝኣስርን ዝቐትልን ኩሉ ቁጠባ ኣብ ቁጽጽሩ ኣእትዩ ፖለቲካዊ ናጽነት ከሊኡ ዝሕምሳ ዘሎ ንኸዘንግዕ ናብ ካልኦት ኢዱ የወጣውጥ። ብተወሳኺ ንሱ ከም ናይታ ሃገር ሓላይን ብዘይካኡ ካልእ ሰብ ክኢላ ወይ እውን ዘመሓድር ከምዘየለን ኣምሲሉ በቶም ንሱ ዝጸፈዮም ኣቢሉ ኣብ ህዝቢ ይዝርግሕ።

እዞም ሰባት እዚኦም ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሒ ብደረጃ ተራን ሰብ መዝን፥ ኣብ መንግስታውን፡ በርጌሳውን ስራሓት ዝተዋፈሩን፥ ውሑዳት ሰብ ጹሩራን ከምኡ እውን ኣብ ዙርያ እቲ መላኺ ስርዓት ንከብዶም ዝተሸጡን ኣሰሊፉ እዩ ኩሉ እቲ ናይ ምፍርራሕ ይኹን፥ ናይ ምጽንጻን ስረሓት ዘካይድ። ካልኦት ወጻኢ ካብ ኤርትራ ኮይኖም፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝፍጸም በደልን ክፋእን ንይምሰል ኣብ መርበብ ሓበረታኦም ብምስፋር ነቲ ዝተረፈ ግና፡ ነቲ ስርዓት ዘመጉስን ንሱ ዝግበሮ ጭቆና ዘይግደሱሉ ናይ ሓበረታ መርበብ እውን ኣለውዎ። ነቲ ብዝወሃቦ ራብሓ ክተሓዝ ዝግበኦ ከኣ መሬት ክውንን ዓዲ በጺሑ ንኽምለስ ዝደሊ፥ ካልእ ኣብ ውሽጢ ሃገር ገለ ሓለፋ እንተረኸበ ጭንን ንዝብል ከኣ “መንግስትና’ ዝብሉ ስሱዓት ቀንዲ መሳሪሒ እዮም።

እዚኦም ዓዲ በጺሖም ነናብቲ ዕቑባ ሓቲቶም ዝተፈቕደሎም ሃገር ምስ ተመልሱ ኣብ ዓዲ ዘሎ ርእዮም ዘስካሕክሕ ምዃኑ መዚኖም ንብዓት ሓርገጽ ይነብዑ። እዚኦም ነቶም ምስ ተቓወምቲ ክራኽቡ እንከለዉ “ዓድናስ ሕማቕ ኣላ፥ ህዝብናስ ተሳቕዩ፥ ብገዛእ ገንዘቡ ካብ ኩሉ ተኸልኪሉ .. ወዘተ” እናበሉ የውርዩ። ንገዛእ ርእሶም ቁሩብ መሰል ክረኽቡ እንከለዉ ከኣ፡ ክላእ እንታይ ኢልካሉ ኢኻ ዓዲ ደኣ ልምዓት ንልምዓት እኮ ገይርዋ እዚ ሰብኣይ” ክብሉ ይስምዑ። ስለዚ ሕልና ዘይብሎም ሰባት ስለዝኾኑ ነቲ ስርዓት ንምግልጋል ላዕልን ታሕትን ካብ ምባል ዓዲ ኣይውዕሉን።

ነዚ ዘራጉድ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ወዮ ቅድሚ ሎሚ “ዲሞክራሲ መበኣሲ፥ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ዝፈላሊ’ዪ፥ ኣብይ ዘሎ ዲሞክራሲ” እናበለ ከምዘይገዓረን እተን ዲሞክራሲ እናበላ ዝልፍልፋ እኳ ኣየተግበረኦን” ዝበሃል ዝነበረ ተረሲዑን መርበብ መስከረም ቅድም ከምዘይሰምዐ ሎሚ “ዕዉር እንታይ ትደሊ ብርሃን፥ ህዝቢከ እንታይ ይደሊ ቅዋም” ክብል ተዓዚብና።’ እዚ ከኣ ቃልሲ ህዝብና ቅኑዕ መስርዑ ሒዙ ንከይጐዓዝ ዝዓናቕፍ ተንኮለኛ ፕሮፓጋንዳ መንግስቲ ንምንዛሕ ዝተኣልመ እዩ። ቅዋም ደኣ መኣስ ይጽላእ ኮይኑ፡ እንተኾነ ግና ምስታ ቅዋም እኮ ዲሞክራሲ፥ ፍትሒ፥ ማዕርነት ዝብላ ዓንቀጻት ክቀላቐላ ምዃነን መስከረም ነት ከመይ ኢሉ እዩ ዘንጊዕዎ? ዶስ እቲ ትማሊ ነቲ ዘይተተግበረ ቅዋም ብኽንደይ ክኢላታት ዝተዳለወን ህዝቢ ኤርትራ ዘድመጸሉን’ዩ እናበለ ዝንየተሉ ዝነበረ መላኺ ስርዓት ሞይቱ እዩ ኢሉ ንዝገለጾ መርድእ ከምዘይስመዐ ዲዩ ኽከውን ደልዩ። እቲ ዝሞተ ቅዋም ድሕሪ ምውላዱ ኣብ 18 ዓመት ዝዕድሚኡ ከም ዝሞተ ፈሊጥና ኣሎና። እዚ ጽባሕ ዝውለድ ዘሎ ቅዋም ከኣ ድሕሪ ዝተወሰነ ዓመታት ከይመውት ውሕስነት የብሉን። ምኽንያቱ እተን ጸላእቲ መላኺ ዝኾና ዲሞክራሲያን ፍትሕን ኣብቲ ቅዋም ቦታ ክህልወን ስለዘይክእል እቲ ቅዋም ኣብ ግብሪ ክውዕል ኣይኮነን። እዚ ማለት ከኣ እቲ ቅዋም ክሕንጸጽ እንከሎ ቅድም ቀዳድም ዕድመ ናይቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ እዩ ክውስን። እዚ ከኣ ኣቶ ኢሳያስ ዘይድግፎን ዘይደልዮን ዓንቀጽ እዩ።

መለኽቲ እምበኣር ብጥበራን ሓቀኛ ሓበረታ ሓቢእካ ኣጉል ተስፋ ብምሃብን፥ እንተስ ብጠቕሚ እንተስ ብምፍርራሕ ንዓኣቶም ዝድግፉ ዓማዊል ብምፍጣር ስልጣኖም ከናውሕ እዮም ዝቃለሱ። ስለዚ መለኽቲ ኣብ ቅዋም ፈጺሞም ስለዘይኣምኑ ኣብ ዓመጽን ናይ ሓሶት ፕሮፓጋንዳን ተሓቢኦም እዮም ስልጣኖም ዘናውሑ።

Last modified on Sunday, 18 December 2016 18:18