“ዘይቐንእ ኣይወለድ”

2016-12-12 10:53:55 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2271 times

ቅንኢ ማለት እንታይ ምዃኑ ንምብራህ ሰፊሕ ዝርዝር ከም ዘድዮ ብሩህ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ብዛዕባኡ ንምትንታን  ፍሉይን ዓሚቝን ፍልጠት ብዛዕባኡ ከም ዝሓትት ኣብ ግምት ክኣቱ ዝግበኦ እዩ። ብሓጺሩ ገለ ጥቕስ ኣቢልካ ንምሕላፍ ግና፡ ቅንኢ ብኽልተ መልክዕ ምቕራቡ ዝከኣል እዩ። ብሓፈሻ ሓደ ንዓኻውን ዘድልየካን እትብህጎ ጉዳይ፡ ብካለኦት ክትግበር ወይ ክውነን ክትዕዘብ እንከለኻ ንስኻውን ናይዚ ጸጋ ተጠቃሚ ክትከውን ተሕድሮ ህርፋን እዩ። ገለ ወገናት ብቕንኢ ናይቲ ንሳቶም  ዘይረኸብዎ ጸጋ ተጠቃሚ ዝኾነ ኣካል ክተናኾልዎን ከዕንቅጽዎን ይረኣዩ። እዚ እቲ ብሕብረተሰብና ትቐባልነት ዘይብሉ ናይ ቅንኢ ኣሉታዊ ትሕዝቶ እዩ። ነቲ ከምኡ ዝገብር ኣካል “ሓሳድ” ዝብል ቅጽል ዝወሃበሉ ኣጋጣሚ’ውን ኣሎ። በቲ ካልእ ወገን ድማ ሰባት በቲ ኣብ ካልእ ኣካል ዝረኣይዎ ጽቡቕ ነገር ይቐንኡ እሞ፡ በዚ ቅንኢ ተተባቢዖም ንሳቶም እውን  ነቲ ዘቕነኦም ከም መበገሲ ወሲዶም ብጻዕሮም ክረኽብዎ ይለዓሉ። እዚ እቲ ብሕብረተሰብና ዝድገፍን “ዘይቀንእ ኣይወለድ” እንዳተባህለ ዝተባባዕን እዩ። “ቅዱስ ቅንኢ” እንዳተባህለ’ውን ይግለጽ እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ንሕና ኤርትራውያን እቲ በዂሩና ዘሎ ናይ ሓባር ጸጋታት ብካለኦት ክትግበርን ክውነንን ክንዕዘብ እንከለና ኣዚና ንቐንእ። “ስለምንታይ ንሕናኸ ናይዚ ጸጋዚ ተጠቀምቲ ዘይኮና?” ኢልና  ከኣ ወርትግ ንሓትት። እቲ ካልኦት ዝረኸብዎን ዝተግበርዎን “ንሕና’ውን ክንውንኖ ይግበኣና” ኢልና ምምጥጣርና እውን ኣይተረፈን። ውጽኢቱ ምስ ብልሒ እቲ ቅንእና ክወዳደር እንከሎ ግና ትሕቲ ግምትና እዩ። ኣብዚ እዋንዚ እቲ ዝበኾረና እሞ ኣብ ካልእ ክንርእዮን ክንሰምዖን እንከለና ዘቕነኣና ብዙሕ እዩ። ኣብ ሃገርና ቅዋም የለን። ኩሉ መሰላት ኣይክበርን እዩ። ህዝቢ ዝመረጾ ምምሕዳር የለን። ናይ ምውዳብን ሓሳብካ ምግላጽን መሰል የለን። ሕግን ፍትሓውነትን የለን። ህዝቢ ናይ ሃገሩ ቁጠባዊ ጸጋ ተጠቃሚ ኣይኮነን። ናይ ምንባር ውሕስነት የለን። ኮታ ኣብ ሃገርና ናይቲ “የለን” ዝርዝር ኣዝዩ ነዊሕ እዩ። እዚታት ኣብ ካለኦት ሃገራት ህያው ኮይኑ ክንሰምዕን ክንርእን እንከለና ኢና ከኣ ንቐንእ። እዚ ቅንእና ቅዱስ ቅንኢ እዩ። ናይ ብሓቂ ቅዱስ ዝኸውን ግና እዚ ቅንኢ’ዚ ብዝወለዶ ናህሪ፡ ብመትከል ብዙሕነታዊ ሓድነት ተቓኒና፡ ዝቕድምን ዝስዕብን ብግቡእ ኣለሊናን ሰሪዕናን ቅንእና ከነግህድ ንቕድሚት ክንስጉም እንተበቒዕና ጥራይ እዩ። ካብዚ ወጻኢ ግና ቅንእና ቅዱስ ዘይኮነስ ሕልሚ ኮይኑ እዩ ዝተርፍ።

ኣብ እገለ ሃገር ደሞክራሲያዊ ምርጫ ተኻይዱ፡ ኣብ እገለ ሃገር ኣቲ ብምርጫ ዝተሳዕረ፡ ነቲ ዝሰዓሮ “እንኳዕ ኣሕጎሰካ ኢሉ ጽቡቕ መጻኢ ተመንይሉ”፡ ኣብ እገለ ሃገር ብናይ ህዝብን ዝተፈላለያ ፖለቲካዊ ውድባት ናይ ሓባር ተሳትፎ ደሞክራሲያዊ ሕገመንግስቲ ጸዲቑ፡ ኣብ እገለ ሃገር ኣንጻርቲ ብጉልበት ክመርሕ ዝጸንሐ ዲክታቶር ግንባር ፈጢሮም ክቃለሱ ዝጸንሑ ሰልፍታት ስዒሮም፡ ዝብል ወሲኽካ ዝርዝር ናይቲ ዘቕንኣናን ዘህርፈናን ዜናታት ብዙሕን በብዕለቱ ዝዝርጋሕን እዩ። በዚታት ከም እንቐንእ ከኣ ፍሉጥ እዩ። “ድሕሪ ቅንኢኸ?” ዝብል ሕቶ ከኣ ኣብ መስርሕ መልሲ ዘሎ እዩ።

ሎሚ ንህዝብና ተሓሪምዎ ካብ ዘሎ ዘቕንእ ዛዕባታት ሓደ ዜና ደሞክራሲያዊ ምርጫ እዩ። ኣብዚ ግዜዚ ከምዚ ዝኣመሰለ መርኣያ ደሞክራሲ ዜና ክትሰምዕ ናይ ኣሜሪካ ወይ ካልእ ዝማዕበለት ሃገር ምጽባይ ኣየድልን እዩ። ኣብዚ ቀረባ መዓልልታት’ኳ ኣብ ጋና ምርጫ ተኻይዱስ ብናይ ህዝቢ ልኡላዊ ውሳነ ተዛዚሙ። ኣብ ስልጣን ዝጸንሑ ተሳዒሮም ብዘይዕጥይጥይ ስዕረቶም ተቐቢሎም። እቶም ሓድሽ ዝተመርጹ ድማ ዓቕሞም ዝፈቕዶ ክሰርሑ ቃል ኣትዮም። ድሕሪ እዚ ጥይት ኣይተተኮሰን ንብረት ኣይነደደን። ናይ ጋምቢያ ምርጫ ብኸምዚ ኣገባብ ክውዳእ ከኣ ሕብረት ኣፍሪቃን ካለኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ይደፍኡ ኣለዉ። እዚ ንዓና ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ቅዱስ ቅንኢ ከሕድረልና ዝግበኦ እዩ። ከምቲ ግቡእ ንዲክታቶር ኢሳይያስን ጉጅለኡ’ውን ናብ ውነኦም ተመሊሶም ከቕነኦም መተገበአ። እንተኾነ ኢሳያስን ሒደት ሰዓብቱን በቲ ሓደ ዓይነት ቅንኢ ስለ ዝተመረዙ በዚ ኣይክቐንኡን እዮም።

ምምሕዳር ህግደፍ ኣብ ህዝብና ቅዱስ ቅንኢ ከይሓድር እሞ ኣንጻሩ ከይለዓል ብዛዕባ ቅዱስ ቅንኢ ዘቕንእ ዘይኮነስ፡ ብዛዕባ ከይመጸጋ እትሰግኦ ተረኽቦታት እዩ ዘዘንትው። ህዝቢ “ከም ኣብ በዓል እገለ ሃገር ዘሎ ደሞክራሲያዊ ተመኩሮታት ዘይንኽተል” ኢሉ ምእንቲ ከይሓስብ ብኣንጻሩ “ንሕና ንሓይሽ” ዝብል መፈራርሒ መልእኽቲ ንምትሕልላፍ፡ ራኣይወን በዓል ደቡብ ሱዳን፡ ሶማልያ፡ ሶርያ፡ ኣፍጋኒስታን፡ ዒራቕ የመን፡ ከምኡ’ውን ድሕሪ ምርጫ ዕግርግር ዝተፈጥረለን ሃገራት እንዳጠቐሰ፡ እዩ  መልእኽቲ  ዘመሓላልፍ። ናይዚ መልእኽቲ ትርጉም ህዝቢ ኣብ ክንዲ ንዘሓሸ ጉዳይ ቅንኢ ሓዲርዎ ንቕድሚት ዘማዕዱ፡ በቲ ዝኸፈአ ሰጊኡ ኣብቲ ዘለዎ ተኾርምዎ “መን ከማኻ” እንዳበሎ ከም ዝግዛእ ንምግባር እዩ። እንተኾነ እዚ ተንኮሉ ሎሚ ተቐሊዑ እዩ። ብኣንጻሩ ንሕናን ህዝብናን፡ ናይ ሕሉፍ እሱራት ከይኮና፡ በቲ ካብ ናትና ዝኸፈአ ከይረዓድና፡ ነቲ ዘይረኸብናዮ ክንረክብ ቅዱስ ቅንኢ” ክንቀንእን ንቕድሚት ከነማዕዱን ናይ ግድን’ዩ።

ብኣሮን ናኦድ

Last modified on Monday, 12 December 2016 11:58