ዜና ናይ ድራር ምስዮት ማኣጽ

2016-12-11 18:25:45 Written by  ማሕበር ኣካለ ጽጉማን Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2025 times

ኣብቲ ብዕለት 03-12-2016 ዓ.ም. ብግዱሳት ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራውያንን  ከምኡውን ብምትሕብባር ማሕበር ኣካለ ጽጉማንን ዝተገብረ ናይ ውጉኣት ሓርነት መደበር ከሰላ ናይ ድራር ምስዮት ብዓወት ተዛዚሙ።

እዚ በዚ ተጠቒሱ ዘሎ ዕለት ኣብ ኣዳራሽ  Nied Saalbau  ኣብ ከተማ  ፍራንክፈርት ካብ ሰዓት 16.00 ክሳዕ 23.00 ሰዓታት ዝውሰደ ዕድመ ብፈገግታን  ብዋዛን ቁምነገርን ተሰንዩ  ዘምሰየ  ሰናይን ቅዱስን ምሸት፤ እኹል ትሩፍ ድራርን ዝስተን ምድላው ከም ዝነበሮ ዕድመኛታት ንኣደለውቲ ድራር ምስጋነኦም ሓደ ብሓደ ኣቕሪቦም።

ብድሕሪዚ ዕድመኛታት እቲ ዘይሕለል ናይ ሕልና ልግሶም ንውጉኣት ሓርነት 1.400.00 (ሓደ ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን) ኤውሮ  ብጥረ ገንዘብ  ኣወፊዮም። ብዘይካዚ እቶም ብስራሕ ምኽንያት ኣብዚ ምሸትዚ ዘይተረኽቡ  ኣሕዋትን ኣሓትን ኣስተዋጽኦኦም ብባንክ ይልእኩ ምህላዎም ንሕብር።

ኣብ መደምደምታ  እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ቅዱስ ተግባር ንጀጋኑ ብጾትካ  ተመሊስካ ምርኣይ ሕልናዊ ስምዒትካ ምርዋይ ምዃኑ ብምግንዛብ፤ ካብዚ ንላዕሊ ክግበርን ክምዕብልን ናይ ኵሉ ኤርትራዊ ዜጋ ሓላፍነት ምዃኑ ዕድመኛታት ኣተሓሳሲቦም።                                                          

ግዱሳት ኤርትራውያን ጋታት ደቂ ኣንስትዮን                                                               ኣባላት ማኣጽ ኤርትራን                                                             

ፍራንክፈርትን ከባቢኡን

Last modified on Sunday, 11 December 2016 19:34