ህላዌ ጽኑዕን ብሱልን ፖለቲካዊ ሰልፊ ናይ ግድን እዩ

2016-12-09 17:47:50 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 3060 times

ንእኩይ ምሕደራ ኣልጊስካ፥ ኣብ ክንድኡ ህዝቢ ዝድግፎ፡ ዝኣምነሉን ንኹሉ ብማዕረ ብዘይ ኣድልዎ ዘመሓድርን ስርዓተ-መንግስቲ ምትካል መሰረታዊ እዩ። እዚ ካብቲ ዘሎካ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን መትከላዊ ሕንጻጽን ተበጊስካ ብተግባር ነቲ ዕላማ እቲ ንምዕዋት ምቅላስ ማለት እዩ። ዕላማን ተግባርን በበይኑ እንተኾይኑ ግና ውጽኢቱ ፈላላይን ሓደገኛን እዩ ዝኽውን።

ነዚ ዕላማ እዚ ብተግባር ንኽትዋሳእሉ ከኣ ዱልዱል ፖለቲካዊ ሰልፍን ስቪላዊ ማሕበርን ምምስራት የድሊ። እዚ ዱልዱል ሰልፊ፡ ፖለቲካዊ ማሕበርን ብሱል ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባን ዝውንን፡ ኣብ ነንሓድሕዱ ጽኑዕ እምነት ዘለዎ ተመላላኢ ክኸውን ናይ ግድን እዩ። እዚ ከኣ ንመላእ ህዝቢ ዘሰማምዕን ዘቀራርብን፥ እቲ ህዝቢ ዝደልዮ ሕገ-መንግስትን ቅዋምን ልዕልና ዝኸብረሉን ዝህነጸሉን መስርሕ እዩ። እዚ ዝኸውን፡ ሓደ ነቲ ሓደ ካብቲ ፖለቲካዊ ዕላማን መትከልን፥ ንህዝቢ ካብ ዘርብሕ ኣገባብ ዝሓዘለ ኣሰራርሓ ንኸይወጽእ እናተሓላለወ ክኸይድ እንከሎ እዩ እምበር ሓድሕድ ብምጽራር ኣይኮነን።

ኩለን ሰልፍታትን ማሕበራትን ናይ ሓባር ሃገራዊ ኣረዳድኣ ምስ ዝውንና፥ ንስምዒታት ህዝቢ ዘበራብርን ንጸረ-ምልኪ ኽቃለስን ኣብ ረብሓኡ ዝውዕል ቅዋም ክተክልን ይሕግዝ። እዚ ሓሳብ እዚ ምስ ዝዕወት ከኣ እዩ ኩሉ ጻዕርና፡ ጻዕርናን ኣተሓሳስባናን ተደማሚሩ ነቲ ሓንጎፋይ ኢልና እንቕበሎ፡ ዘተሓቛቚፈናን ንዘላኣለም ዝጠቕመናን እናተወራራሲ ዝኸይድን ባህሊ ከነማዕብል ንኽእል። እዚ ባህሊ እዚ ከኣ ዲሞክራሲያዊ፡ ፍትሓውን ርትዓውን ብዝኾነ መንገዲ ምስ ዝኽይድ ተኸባቢርናን ተሰማሚዒናን ሓድነትና ኣደልዲልና ንዘሎ ሽግራት ብክፉት ልቦና ተዛቲና ክንፈትሕ ብዙሕ ጸገም ኣየጋጥመናን። ካብኡ ሓሊፉ ኣብ ነንሓድሕዱ ዝመናጨትን፥ ዘይከባበርን እንተኾይኑ ካብዚ ሕጂ ሃገርና ኣትያቶ ዘላ ድኽነትን፡ ናይ ጥፍኣት ዓዘቕትን ክንወጻኣ ማለት ዘበት ኣዩ።

ንሃገርና ካብዚ ሽግራት እዚ ክነውጻኣ እንተዀና ድማ ናይ ነፍሲ ወክፍ ጽቡቕ ድሌት፥ ቅሩብነትን፥ ቅኑዕ ሕልናን እንተልዩ፡ ሽግር ህዝብናን ሃገርናን ዘይፍታሕ ኣይኮነን። ምኽንያቱ እቲ ሽግር ሽግር ህላዌ ናይ ሰልፍታት ወይ እውን ማሕበራት ዘይኮነስ እቲ ሽግር ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ እዩ። እቲ ሽግር ኣብ ቅኑዕነትን ፍትሓዊ ዝኾነ ድሌት ህዝቢ ኤርትራ እምበር ሰልፍታት በይነን ኣይኮናን ዝፈትሐኦ። ስለዚ ንሰልፍታት ዘሻድነን ወይ ዘዳኽመን ህዝቢ እዩ። ህዝቢ ከኣ ሓቀኛን ርትዓውን ፈራዲ ክኸውን ኣለዎ። እዚ ማለት ሽግር ኤርትራ ብሃይማኖት ወይ ብብሄር ንምፍታሕ ምህቃን ማለት እቲ ሽግር መሊሱ ዝጋፋሕን መዕለቢ ዘይርከቦን እዩ ዝኸውን። ኩሉ እቲ ሽግርና ብብስለትን ኣፍልጦን ብክፉት ልብን እንተ ተተሓሒዝናዮ ጸገምና ዘይእለ ወይ ዘይፍታሕ ክሳብ ክንድቲ ከቢድ ኣይኮነን።

ይኹን እምበር እቲ ኣተሓሳስባናን ኣተሓሕዛናን ንጉዳያት ብፍትሓውን፥ ንዕርቂ ዝዕድምን ዘቀራርብን ፍታሕ ንምቕራብ ድሉዋት እንተዀና፥ ግደ ሰልፍታት ብምስትንዓቕን ብምንእኣስን ዘይኮነስ ንድኽመተን ኣሪምካ ኣብ ሃገራዊ መስመርን መትከላዊ እምነትን ንምርዓመን ምጽዓር እዩ ዘድሊ። ምኽንያቱ ንሰን እየን ምስ ህዝቢ ምትእስሳር ዘለወንን ህዝቢ እውን እንተስ ክስዕበን እንተስ ክነጽገን ብትካላዊ ስራሓት ተጠርኒፈን ስለዘቕርባ ኣብ ቅድሚኡ ተሓታትነት ኣለወን። እዚ ናይ ብጃምላ ተኣኪብካ ቀይዲ ብዘይብሉ ናይ ወለንተኛታት ውደባ ወይ ድሌት (Interest groups) ወይ ብጸዋዒት መራኸቢ ብዙሃን ዝእከብ ተሓታትነት ስለዘይብሉ እቲ መስርሕ ከምተን ናይ ሰልፍታት ምቁጽጻር ክህለዎ ኣይክእልን እዩ። ስለዚ ሓያል ፖለቲካዊ ሰልፊ ንምርግጋጽ ዲሞክራሲን ጽኑዕ ተሓታትነት ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።

በዚ ምኽንያት ናይ ሰልፍታት ውድድር ንዲሞክራሲ የደልድል፥ ህዝቢ ውን ክርደኦን ክሰርሓሉን ይኽእል፥ ፍትሕን ፍትሓዊ ኣተሓሳስባ ዝውንን ህዝቢ እውን ይፍጠር። እዚ ምስ እንገብር እተን ህሉዋት ሰልፍታት ይኹና ብሕጂ ዝፍጠራ እቲ ዘይተወደበ ኣካል ለይቲ ምስ መዓልቲ ንስርሓተንን ሃገራዊ መርገጻተንን ክከታተልን ክዕዘብን ከጽንዕን ይግበኦ። እዚ ምስ ዝገብር ከኣ እዩ እቲ ዝበዝሐ ኣጽቂጡ ዘሎ ህዝብና ንፍርሒ ስዒሩ ንኣብ መንጎ ተቓወምቲ ሓይልታት ንዝፍጠር ፍልልያት ከይተረፈ ኣብ መሰመሩ ዘትሕዝን ንብድሕሪ ሕጂ እቲ ቃልሲ ወናኒኡ ምዃኑ ንኽግንዘብን ዘኽእሎ። እቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ህዝብና ከኣ ምስቲ ሰራዊት ምክልኻል ኢድን ጓንትን ምኾነ እሞ፥ ዝምድንኡ እናደልደለ ኣብ ዝኸደሉ እዋን መላኺ ስርዓት ንህዝቢ ከበሳብስ ከሎ እቲ ሰራዊት ኣብ ጐኒ ህዝቢ ደው ክብል ምኸኣለ።

ንሕና እቶም ተቓወምቲ ኣብ ነንሓድሕድና ክንበላላዕን፥ ንሃገራዊ ጥምረትን ሕድሕዳዊ ዝምድናን ዝበታትኽን ውደባ ብምክያድ ነቲ ሰራዊት ካብ ናይቲ ስርዓት ጸጊዒነት ክነላቕቖ ኣይክንክእልን ኢና። ነቲ ፖለቲካዊ ጸገም ከኣ ፖለቲካዊ ፍታሕ ከምዘድልዮ ንኽርዳእ እውን ኣይክነብቀዖን ኢና። ኣብ ከምዚ ኩነታት ከኣ እተን ሰልፍታትን ስቪላዊ ማሕበራትን ኣብ ክንዲ ንዲሞክራሲያዊ መስርሕን፥ ዲሞክራሲያዊ መተከልን ንቕድሚት ከም ዝሓንን፥ ህዝቢ እውን ብግቡእ እናተረደኦን ብተገባር እናእሰነየኦ ናብ ምሕጋዝ ዝኸዳ፡ ክወናጀላ እንተኾይነን ዝምድና ይህሰ እሞ ብሰንኩ ርትዓውን ቅኑዕን ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ይጠፍእ።

ጉጅለታት ሰብ ጽቡቕ ድሌት፡ ንህላዌ ሰልፍታት ኣብ ክንዲ ዘተባብዓን ዝድግፋን፡ ብኣንጻሩ ሰልፍታት ኣይጠቕማን እየን፡ ህዝባዊ ውደባ እዩ ዘድሊ እናበላ ክጉስጉሳ ከለዋ፡ ንህላዌ ሰልፍታት ከም ሽግር ቆጺረንን ኣዳኺመንን ስልጣን ንምጭባጥ ዝገብረኦ ፈተነ እዩ። እተን ማሕበራት ንበይነን፡ ብዘይህላዌ ድልዱል ሰልፋዊ ውዳበታት ኣብ ከመይነትን ኣፈጻጽማን ዲሞክራሲ ይኹን፥ ኣብ ቀጻልነት መስርሑን ምዕቃቡን፡ ግደ የብለንን’ኳ ተዘይተባህለ በይነን ክዓመኦ ኣይክእላን እየን። ብዘይካዚ ኣብ ዘይህላወ ሰልፍታት ብተሳትፎ ህዝቢ ቅዋም ምንዳፍን ምጽዳቕን ንዲሞክራሲያዊ ምሕደራን ውሕስነት የብሉን። ድሕሪ ውድቀት እዚ ኣብ ሃገርና ዝገዝእ ዘሎ ስርዓት ናይ ጽባሕ ኤርትራ፡ ህዝባ ብማዕርነት ዝነብረላ ንክትከውን ምጽራር ህላወ ሰልፍታት ሓጋዚ ኣይከውንን እዩ። ስለዚ ህላዌ ድልዱል ፖለቲካዊ ሰልፍታት ኣብ ምህናጽ ደሞክራሲ ናይ ግድን እዩ።


ድራር መንታይ

Last modified on Friday, 09 December 2016 18:56