መለኽቲ ዓገቲ ናይ ሓባር ረብሓ’ዮም

2016-12-07 07:42:28 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2103 times

ብዙሕ ግዜ ብዛዕባ እንታይነት እዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓትን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝውርዶ ዘሎ ግፍዕን ጭቆናን ተጻሒፉን ተዘሪቡን እዩ። እቲ ዝጸሓፍ ይኹን ዝዝረብ ንስለ ምጽሓፍን ምዝራብን ዘይኮነስ፥ ነቲ ንሱ ሒዝዎ ዘሎ ቄናን መንገዲ ተረዲእና ብድሕሪኡ እውን ከምኡ ዝመሰል ከይመጸና ተመኩሮ ንምቕሳም እዩ።

ብዛዕባ ውልቀ መለኽቲ ክትረኽ እንከሎ ኩሉ ግዜ ነቶም ኣብ ስልጣን ዘለዉ ውሱናት ጥራይ ዝምልከት  ጌርና ንወስዶ ኣይንሰኣንን ንኸውን። ካብዚ ንምድሓን እዩ ከኣ እቲ ፖለቲካዊ ጠቀስ መለኽቲ ዝጸሓፍን ዝዝረብን። መለኽቲ ነቲ ብፍላጥ ዘዘውትርዎ እኩይ ተግባራትን  ንህዝቢ ጅሆ ዝሕዝሉ ስልትን ዝምህዝዎ ተንኮላት፥ ንዓና ናብ ዝሓሸ ንምቕያሩ  ክንቃለስ ዘዳልወና ኣዩ።

መለኽቲ ስርዓታት ኣብ ስልጣን ዘለዉ ይኹን ናይ ምልኪ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ጌና ኣብ ስልጣን ዘይበጽሑ ኩሎም፥ ኣገባቦም ሓደ ዓይነት እዩ። እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ መላኺ ስርዓት ኣብያተ ማእሰርቲ ከብዝሕ፥ ህዝቢ ኣብ ነንሓድሕዱ ከይረዳዳእ ብኸብዱ ሒዙ ኣመት ድራሩ ጥራሕ ከም ዝሓስብ ምግባር፥ ኮታ ኩሉ ፖለቲካዊ መሰል ህዝቢ ገፊፉ ክረግጽን ከርዕድን ጥራሕ እምበር፡ ራህዋን ቅሳነትን ከስፍን ማለት ዘበት እዩ። መለኽቲ ስርዓታት ነቲ ህዝቢ ዘረስርስ ዝመስል ግዝያዊ ጠለባት ከማልእ ወይ እውን ተስፋታት እናሃበ ስልጣኑ ዘናውሓሉን፥ ኣንጻሩ ንዝብገስ ይኹን ንዝሓስብ ከኣ ኣብ ደልሃመት እናኣተወ እዩ ኣፉ ዓቢሱ ስቕ ከብል ዝጽዕር።

ብኣንጻሩ እቲ ገና ኣብ ስልጣን ዘይበጽሐ ወይ ስልጣን ዘይጨበጠ ናይ ምልኪ ኣተሓሳስባ ዝውንን ኣካል፡ ካብቲ ስልጣን ዝጨበጠ ብዘይፍለ ኣገባብ እዩ ዝጎዓዝ። ማለት ነፋጊ ወይ ኣግላሊ ዝኾነ ኣሰራርሓ ዝኽተልን ዝሕዝን፥ ናተይ ስምዑ ብዝይዓነቱ፥ ንስነፍልጠት ዝውግድ ኣተሓሳስባ ከስርጽ ዝጽዕር ውደባ ኣየድልን ዝብል ከይተመራመረ ብፈጠራን ሓሶትን ነቲ ዝሓለፈ ታሪኽ ልበ-ወለድ ኣምሲሉ ብምቕራብ ግጉይ ታሪኽ ክፈጥር ዝደሊ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ንሕሉፍ ኣሉታዊ ሸነኻት እናጻሕተረ፡ ነዚ ኣተሓሳስባኡ ዝውክል ውደባን ንሱ ክሕባኣሉ ዝኽእል ቃላትን ኣተሓሳስባን፥ ይዝርግሕ።

ከምቲ ግቡእ ኣብ ሕሉፍ ታሪኽ ኣይንበርን። እንታይ ደኣ ካብኡ ክንመሃርን ንመጻኢ ዝጠመተ ምዕብልናን ስልጣነን ክነተኣታቱ እዩ ዝግበኣና። እዚ ነቲ ሕሉፍ ታሪኽ ምስ ኩሉ እወንታኡን ኣሉታኡን ምትሕውዋስ መጻኢ ከይብክለልና ክንጥንቀቐሉ ይግባእ። ኣውራ ከኣ ብውሽጡ ንዲሞክራሲ ዘይቅበል ክነሱ፡ ብደገ ግን ተሓላቒ ዲሞክራሲ ክኸውን ንዝደሊ ክነለልዮን ክንከታተሎን የድሊ። ምኽንያቱ ውልቀ-መለኽቲ ህዝቢ ተመሲሎምን ንድሌት ህዝቢ ዘማልኡ ኮይኖም ክቐርቡን ዝኽደንዎ ካባ፥ ነቲ ኣካብን ኣሳታፍን ኣተሓሳስባ ብግብሪ ክዕንቅጹ ኢዮም ህርዲግ ዝብሉ። ምልካዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ከኣ ንህላወ ውድባት ብስነ-ፍልጠት ገምጊሞም የድሊዶ ኣየድልን ኣብ ክንዲ ዝመራመሩ፡ ምስታ ስልጣን ዝረኽቡላ ብምትእስሳር፥ ውድባት ኣየድልያን ኢየን ይብሉ። ህላዌ ውድባት ድሌታቶም ከተግብሩ ከም ዘየኽእሎም ስለ ዝርድኡ። ምኽንያቱ ህዝቢ ኣማራጺታት ምስ ዝረክብ ነቲ ዘይደልዮ ኣይትውክለንን ኢኻ፥ እምንቶይ ምስቲ ናትካ ኣይሰማማዕን እዩ ዝብል ግብረ መልሲ ከቕርብ ስለ ዝኽእል።

ሰልፍታትን ውድባትን መስረት ህንጸት ዲሞክራስን ምዕብልናን ሕብረተሰብ እምነ-ኲርናዕ ክነሰን ክህልዋ የብለንን ምባሎም፥ ካብቲ ስርዓት ዲሞክራሲ ፈላላይን ኣባኣስን እዩ እናበለ ንዲሞክራሲ ዘይናታ ቀለም ዝቐብእ ብምንታይ ይፍለዩ። ገሊኦም ከኣ ኣብ ክንዲ ነቲ ዝድገፍ ደጊፎም፥ ነቲ ዝንጸግ ነጺጎም ቅኑዕ ሚዛን ምሃብ፡ ብግምጣሉ የዘንትዉ።  እቲ ናይ ውድባት ወይ ሰልፍታት ምብዛሕ ንጦብላሓታቶም ከም ዝዕንቅጽ ስለ ዝርድኡ፥ ኣብ ክንዲ እተን ሰልፍታት ኣብ ምንታይ ዝተሰረተ ፖለቲካዊ መትከል ኢየን ዝውንና ተመራሚሮም ክፈልጥወን ዝጽዕሩ መርገጾም ከየነጽሩ ክብሉ ንኹለን ብሓባር የላህምወን።

ምኽንያት ምንጻግ ህላወ ውድባት ወይ ሰልፍታት ፈሊጥና፥ ህላወአን ዲዩ ወይ ዘይህላውአን እዩ  ዘርብሕ ንዝብል ብልቦና ክነጽንዖ እዩ ዝግባእ። እንተዘይኮነ መሰለይ እዩ እናበልካ ምስ ህዝቢ ዘየሳኒ፡ ዘየሳትፍን ዘየተሓቛቚፍን፥ ንውሱናት ሕላፍነት ዘይስመዖም ኣካላት እንተዘይኮይኑ ንመላእ ህዝቢ እታ ሃገር ከም ዘየርብሕ ርዱእ እዩ።

ሎሚ ሎሚ እሞ ኣፎም መሊኦም ብመሰረቱ ውደባ ዝበሃል ኣየድልን እዩ ዝብሉ ፍላስፋታት እናበዝሑ ይኸዱ ኣለዉ። እዚኣቶም ነቲ ዲሞክራሲያዊ መስርሕ ንድሕሪት ጐቲቶም ንህዝቢ ኣደንቊሮም፥ ብሕግን ስርዓትን ክኸዱ ዘይደልዩ፡ ኣብ መወዳእታ ንሶም ስልጣን ዝጭብጡሉ መንገዲ እዮም ሃነፍነፍ ዝብሉ። ምኽንያቱ ንህዝቢ ዓይኑ ኣዕሚትካን ኣእዛኑ ደፊንካን እቲ ቀንዲ መሰረት ዲሞክራሲ ዝኾነ ውደባ ግደፉ ምባል ንዲሞክራሲያ’ውን ፍትሓውን ዝኾነ ኣገባብ ገዲፍካ በቲ ቃሕ ዝበለካ ዘይእርኑብ መንገዲ ንምኻድ ዝዓለመ ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልእ ትርጉም የብሉን።

ስለዚ ካብዚ ዘይርትዓዊ ኣተሓሳስባ ወጺእና፡ ኣብ ክንዲ ሰልፊ ክስቶ እዚ ገበረት እዚ ደገመት ምባል፡ ኣብ ውሽጢ ሰልፊ ወይ ብደገ ኮንካ ንመስርሕ ደሞክራሲ ምዕንቃጽ ደው ኣቢልና ንስልፊ ክስቶ ዘእርምን ንቕድሚት ዘሰጉምን ሓሳብን ግብርን ዘሰነዮ እጃም ምብርካት እዩ ዘድሊ። ካብኡ ሓሊፉ እቲ ሰልፊ ይኹን ውድብ ናቱ ክገብር እንከሎ እቲ ዝተረፈ፡ ማለት ኣባልነት ዘይብሉ ኣካል ሃገራዊ እጃሙ ዘበርክተሉ መንገዲ ክኽተል ይግበኦ። ነዚ ንምትግባር ወይ ኣብተን ዘለዋ ውዳበታት ኣትዩ ክዋሳእ ወይ ከኣ ናቱ ውዳበ መስሪቱ ምስተን ካለኦት ክወሃሃድን ብሓባር ክሰርሕን ዘለናዮ መድረኽ ዝጠልቦ መንገዲ’ዩ።

ድራር መንታይ

Last modified on Wednesday, 07 December 2016 08:45