ንኽትሰምዕ  ምምሃር፣ ንኽትምሃር ምስማዕ  የድሊ:

2016-12-03 21:07:13 Written by  ደራሲ :  ዶ/ር ተስፋ ገብረመድህን Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2823 times

ትርጉም ናብ ትግርኛ   መም/ተኽለ ስብሃቱ ተስፉ
  
ኣብ መንጎ ሰባት ካብ ዘለዉ ናይ ርኽክብ ክእለታት  እቲ ኣዚዩ ኣገዳሲ ምናልባት ምስማዕ  ኢዩ። ምስማዕ እኩብ ድምር ናይ’ቲ ብምስትውዓል ዝወሃብ ዘይተኻፋፈለ ኣቕልቦ፣ማለት ነቲ ዝተባህለ ዘይኮነ፣ ነቲ ዝተገብረ  ርኽክባት ምስማዕን ምርዳእን ኢዩ።ክንዝክሮ ዘድልየና ፣ምድማጽን ምስማዕን ሓደ ኣይኮኑን።  ገለ ሰባት ነቲ ቃላት ከዳምጽዎ ይኽእሉ’ዮም፣ኣቓልቦ እንተ ዘይገይሮሙሉ ግን ነቲ ዝተመሓላለፈ መልእኽቲ ብትኽክል ክርድእዎ ኣይክእሉን’ዮም።ሓደ ሓደ ግዜ ነቲ ዝዝረብ ቃላት ክትሰምዕ  ቀሊል’ዩ፣ እዚ ከኣ ነቲ ትኽክለኛ መልእኽቲ  ምእንቲ ከተራጋግጽ ኣቓልቦ ከይገበርካ ማለት’ዩ።ነቲ ዝተባህለ ከም እንፈልጦ ኢና እንሓስብ፣እንተኾነ ቅድሚ ኣብ ዘይተደላይን ዘይተረጋገጸን መደምደምታ ምብጻሕና እቲ ዝዝረብ ትኽክለኛ ምዃኑን ኣብ’ቲ ኩነታት ዘሎና ርግጽኛነትን ከነጻርዮ ይግባኣና።ኣብ ገለ ግዜ ብሓሳባት ስለ እንዋሓጥ ወይ ብካልእ ጉዳይ ስለ እንተሓዝ ናብቲ ሰባት ዝብልዎ ኣቕልቦና ኣይንገብርን።

ሓደ ግዜ ኣቦይ ማና ዝተባህሉ ሓረስታይ እናሓረሱ ከለዉ፣ኣደይ ፋና ዝተባህላ ሰበይቲ ሕልፍ ክብላ፣ኣቦይ ማና ሓደርኩም ይብላኦም፣ኣቦይ ማና ድማ ትቕብል ኣቢሎም ስርናይ እዘርእ ኣሎኹ ኢሎም መለሱለን።ኣደይ ፋና ድማ ድሓን’ዶ ሓዲርኩም ኢየ ዝብለኩ ዘለኹ በላኦም። ንሶም ድማ ዋላ’ኳ ዝናብ እንተ ዘይብልና፣ተስፋ ንገብር እዚ ስርናይ ክበቑለልና በልወን።ኣብዚ ምዝርራብ’ዚ ኣቦይ ማና ነቲ ኣደይ ፋና ዝበላኦ ኣቓልቦ ስለ ዘይገበሩሉ ቅኑዕ መልሲ ኣይሃብወንን። ብዙሕ ግዜ ተማሳሳሊነገራት ኣባና'ውን ዘጋጥም’ዩ ፣ምኽንያቱ ንኽንሰምዕን ክንርዳእን ምሉእ ኣቓልቦና ናብቲ ሰባት ዝብልዎ ስለ ዘይንገብር ኢዩ።ኣብ መንጎና  ሓድሕዳዊ ዝምድና ክህልወና ኣዚዩ ኣገዳሲ ክኸውን ከሎ፣ኣብ ኣከባቢና ምስ ዝነብሩ ህዝቢ  ዘሎና ርኽክብ ድማ ግቡእን ቅኑዕን ክኸውን ኣለዎ።እንተድኣ ዘይምርድዳእን ምድንጋርን ከነወግድ ድሌት ኣልዩና።ኩሉ ግዜ ከም ዘጋጥም ካብቲ ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ዝተባህለ ሓንቲ ክፋል ወይ ሓረግ ፣ዋላ’ውን መግለጺ ወሲድና ናይ ገዛእ ርእስና ትርጉም  ብምሃብን ኣብ መደምደምታ ብምብጻሕን  ዘይተደላዪ ዘይምርድዳእን ምድንጋርን ንፈጥር።

እዛ እትስዕብ ታሪኽ ብልክዕ ነቲ ብካልኦት ዝዝረብ ብኣቓልቦ ብዘይምስማዕ  ዘጋጥም ምድንጋር እትገልጽ ኣብነታዊት ታሪኽ ኢያ። ሓደ ግዜ ገለ ጉጅለ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሓደ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ቤተ-ክርስትያን በቲ ብካህን ዝወሃብ ዝነበረ ስብከት ኣዕዘምዘማ።እቲ ምዕዝምዛም ዝጀመረሉ እቲ ካህን ንክልተ ሰናብቲ ኣከታቲሉ ብዛዕባ ጥቕሲ ትንቢተ ኢሳይያስ ኣብ ዝሰበኸሉ ግዜ’ዩ።እተን ደቂ ኣንስትዮ ብሓባር ሰለስተ ደቂ ኣንስትዮ ንጉጅለኤን ዝውክላ ብምምራጽ ነቲ ካህን ተቓወምኦ።ኣገልግሎት ምስ ተወድኤ ንኸዛራርብኦ ቆጸራኦ።ኣብቲ ቆጸራ እተን ሰለስተ ደቂ ኣንድትዮ ናብቲ ካህን ዘቕረብኦ ጥርዓን፣ናብ ቤተ-ክርስትያን  ዘምጽኤን ምኽንያት ስብከት ወንጌል ክመሃራን መንፈሳዊ ቡራኬ ክቕበላን ድኣ’ምበር ዝኾነ ዓይነት ፖሊቲካ ክመሃራ ወይ ክሰምዓ ድሌት ከም ዘይብለን ገለጻሉ።እቲ ካህን ተገዲሱ ብምሉእ ኣቓልቦኡ ሰምዐን።ምኽንያት መዕዘምዘሚኤን ክሳብ ዝውድኣ ምስ ሰምዐ፣መጽሓፍ ቅዱስ ኣሎክን’ዶ? ተንብባኦ’ዶኸ? ኢሉ ሓተተን።መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዘለወንን ሓደ ሓደ ግዜ ከም ዘንብባኦን ገለጻሉ።እቲ ካህን ቀጺሉ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ትንቢተ ኢሳይያስ ኣብቲ ትኽክለኛ ምዕራፍን ጥቕስን ክግንጽላ ሓበረን።ስለዚ እቲ ዝሰብኮ ዝነበረ ብዛዕባ ነብይ ኢሳይያስ ካብ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ እምበር ብዞባ ፖሊቲካ ከም ዘይኮነ ኣብርሃለን።እቲ ድንግርግር  ወይ ሕልኽልኽ ዝተፈጥረሉ ምኽንያት እተን ደቂ ኣንስትዮ ካብቲ ምሉእ ትሕዝቶ ናይ’ቲ ስብከት እታ “ኢሳይያስ” እትብል ስም ቁንጭል ኣቢለን ብምውሳድ ግጉይ ትርጉም ስለ ዝሃብኦ ኢዩ።

ብዙሕ ሰብ ዝበዝሕ ግዜ ንምስማዕ ከም ህያብ ጌሩ ኢዩ ዝወስዶ፣ይኹን እምበር ናይ ኣጋጣሚ ነገር ኮይኑ፣ብዛዕባ  ምስማዕ  ካብ ምሕሳብ ጠጠው ምስ ኣበልናን  በቲ ካብኣ እንቐስሞን(እንወርሶን)  ምስማዕ ኣዚዩ ኣገዳሲ ናይ ዝተዋሃሃደ  ክእለት፣ ክዓብን ክምዕብልን ዝድለ ምዃኑ ከነራጋግጽ ንኽእል።

ኣብ ወጻኢ ዘሎ ሕብረተ-ሰብና ከም ልሙድ እንዕዘቦ፣ሓደ ሰብ ካብ ናትና ዝተፈልየ ሓሳብ ከቕርብ ከሎ ነቲ ብካል ነቲ  ዝብልዎ ከነፍልጠሎም ኣይንደልን።ከምዚ ዝበለ ኩነታት ዘጋጥመሉ ምኽንያት ድማ ዝበዝሕ ህዝቢ  ንኽርዳእ ብድሌት ስለ ዘይሰምዕ’ዩ።(ስቲቨን ኮቪ) “ዝሰምዑ ንኽምልሹ ስለ ዝደልዩ’ዩ” ይብል። ኩሉ ግዜ ንኽንሰምዕ ንርስዕ።ኣብ ዝርርብ ወይ ቃል ምልልስ ብዙሓት ሰባት ብልክዕ ኣይሰምዑን’ዮም።እቲ ዝዛረብ ዘረብኡ ከይወድኤ ከሎ ክንምልሽ  ኣቐዲምና ተዳሊና ኣሎና።ምስማዕ ሓሳባት ንምልውዋጥ ሓቲትና እንወስዶ’ዩ።እናተዛረብና ከሎና እንመሃሮ ዋላ ሓንቲ ነገር የልቦን።ሰባት ነቶም ብተመስጦ ዝሰምዕዎም’ዮም ብዝያዳ ዝሰምዑ።እንበዝሕ ሰባት ኣቐዲምና  ክንርዳእ ኣይንደልን ኢና፣ ምኽንያቱ ንኽንርዳእ ብድሌት ስለ ዘይሰማዕና።ዝበዝሕ ግዜ ግን እንሰምዕ መልሲ ንምሃብ ድሌት ስለ ዘሎና ኣብቲ ግዜ'ቲ ንዛረብ ወይ ንኽንዛረብ ንዳሎ ኣሎና።ከም ሳዕቤኑ እቲ ኣዚዩ ኣገዳሲ ሓበሬታ ናብቲ ዝካየድ ሓድሕዳዊ ርክባት ብግቡእ ኣይመሓላለፍን።ብሰንኪ ሕጽረት ዝኣክል ሓበሬታ ከኣ ዘይምርድዳእ ይፍጠር፣እቲ ዘይምርድዳእ  ግርጭት ይፈጥር።ብዝሒ ናይቲ ኣሉታዊ ዝርርብ ኣብ ልምዳዊ ሓድሕዳዊ ዝርርብና ዘጋጥምን ዝወሃሃድን በቶም ነቲ ብካልእ ኣካል ዝተባህለ ዘይሰምዑን ዘይርድኡን ሰባት’ዩ።ስለዚ ዝተፈልየ ኣረኣእያን ኣምልኻኽታን ንዘለዎም ሰባት ምስማዕ፣ንነብስና ኣብ ጫማኦም ምእታው ከድልየና’ዩ።ሺሕ’ኳ ምሳኦም እንተ ዘይተሳማማዕና ኣንፈት ኣረኣእያኦም ብዝበለጸ ንምርዳእ ግን ይሕግዘና’ዩ። ኩልና እንሰማማዓሉ ናይ ሓባር ባይታ ንምርካብ ክንቃለስ ኣሎና። ናይ ሓድሕድና ኣረኣእያ ንምኽባር ድማ ጽቡቕ ተግባር ምዝውታር የድሊየና።

እዛ ስዒባ እነንብባ መስሓቕ ዝኾነት ታሪኽ፣ መልእኽትና ብቃል ይኹን ወይ ብጽሑፍ ብንጹር ናብቲ ካልኣይ ኣካል እንተ ዘይኣመሓላሊፍና ብሰንኪ ብግጉይ ምርዳእን ምድንጋርን ከጋጥም ዝኽእል ኩነት’ያ እትገልጽ።እታ ታርኽ ብዛዕባ በዓል ቤት ኣቶ ጉርጃ ምስ በዓልቲ ቤቱ ወ/ሮ ግምጃ ኣብ ኣቑሑት ናይ ምግዛእ ጉዕዞ ዘጋጠመ ጌጋ ኢዩ።ግምጃ ንጓል ዓሰርተ ዓመት ጓሎም ዕለተ-ልደት ንምኽባር፣ሕብስቲ ሽኮር ንምድላው ካብ ግሮሶሪ ኣቑሑ ንምግዛእ ስለ ዝደለየት ንበዓል ቤታ ኣቶ ጉርጃ ክትሰዶ ወሰነት፣ከም ኣጋጣሚ ጉርጃ ብጉዳይ ስፖርት ክኸይድ ተበጊሱ ስለ ዝነበረ ኣብ ሓደ ኩነታት እንተድኣ ተሳማሚዖም ክገዝኣላ ተሳማምዐ።ንሱ ከኣ እቲ ዝግዛእ ኣቑሑ ውሑድ እንተድኣ ኮይኑ በቲ ናይ ቅልጡፍ መስመር፣ውሑድ ኣቑሑ ገዚእካ ትሓልፈሉ ሓሊፈ ግዜ ከየጥፋእኩ ኣብ ስፖርት ከርክብ እኽእል’የ በላ።ግምጃ እቲ ዘድልያ ዝግዛእ ኣቑሑ ብቓል ነገረቶ፣ንሱ ግን ዝርዝር ኣስማት ናይቲ  ዝግዛእ ኣቑሑ ብጽሑፍ ክትህቦ ስለ ዝሓተታ ሂባቶ ከደ።ግምጃ ቀልጢፉ ክመጻ ተጸበየት፣ከም ትጽቢታ ቀልጢፉ ስለ ዘይመጸ ግን ተጨነቐት።ስልኪ ኣልዒላ ክትድውል እናተዳለወት ድምጺ ምምጽኡ ሰምዐት።ሰለስተ ሳጹን ሒዙ መጺኡ ኣብ’ቲ ምድሪ ናይ ክሽነ ኣቐመጦ፣ዝተረፈ ኣቑሑ ሒዘ ክመጽእ’የ ኢሉዋ ከኣ ወጸ።ግምጃ እንታይ ኢዩ ዝዛረብ ዘሎ ኢላ እናተደነቐት ነቲ ሳጹናት ክትከፍቶ ጀመረት። ኣቑሑ ዝመልአ ብዝሒ ሳጹናት እናረኣየት ኣዚያ ተገረመት።

ኣብታ ቀዳመይቲ ሳጹን ሓደ ፓውንድ ጠስሚ፣ ክልተ ሳጹን ሹኮር፣ሰለስተ ጠራሙዝ ቫኒላ፣ነበረ። ኣብታ ካልኣይቲ ሳጹን ኣርባዕተ ደርዘን እንቛቖሖ፣ኣብታ ሳልሰይቲ ሳጹን ሓሙሽተ ጥማር ስብሒ ሓሰማን እታ ዝርዝር ናይ ኣቑሑት ዝሓዘት ወረቐትን  ነበረ።ግምጃ ነቲ ዝርዝር ምስ ረኣየት ድማ ብሃንደበት እንታይ ከም ዘጋጠመ ተረድኤት።ጉርጃ በቲ ናይ ቅልጡፍ መስመር ክኸይድ ከም ዘለዎ ርግጸኛ ክትከውን ከም ዘለዋ ምስ ሓተታ፣እቲ ዝርዝር ናይቶም ዝግዝኡ ኣቑሑት ዝጸሓፈቶ ብተርታ ቁጽሪ ካብ 1-7 ስለ ዝነበረ ጉርጃ ነቶም ዝተረፉ ኣቑት ሒዙ ቅድሚ ምምላሱ ነታ ዝርዝር ናይ ኣቑት ዝሓዘት ቀልጢፋ ሓቢኣ፣ብዛዕባ’ቲ ዝተጻሕፈ ተራ ቁጽርን ዝተገዝኡ ብዝሒ ኣቑሑትን ዘጋጠመ ምድንጋርን ዋላ ሓደ ነገር ከይትዛረብ ብምውሳን፣ኣብ ክንዳኡ ንበዓል ቤታ ዓቢ ሰብ ምዃኑ ከተመስግኖ መደብት።ብድሕር’ዚ ጉርጃ ብብዝሒ ሳጹናት፣ማለት  6 ዓበይቲ ሳጹናት ናይ ሓርጭ፣7 ዓበይቲ ካርቶን ናይ ጸባ ኣምጽኤ።ኩሉ ምስ ኣራገፈ ናብ በዓልቲ ቤቱ እናጠመተ፣ ብግልጺ ክነግረኪ ኣነ በቲ ናይ ቅልጡፍ ዝኽፈሎ ናይ ውሑድ ቦታ ኣይከድኩን ምኽንያቱ እቲ ኣቑሑት ኣዚዩ ብዙሕ ስለ ዝኾነ።ኮይኑ ግን እቲ ተቐባል ገንዘብ ነታ ናይ መወዳእታ ኣቕሓ ምስ ደወለ(ጢጥ ምስ ኣበላ)  ጌጋ ከም ዝገበርኩ ከራጋግጽ  ክኢለ፣ ካብቲ  ግሮሶሪ ቀልጢፈ ክወጽእ ደለኹ፣ምኽንያቱ እቶም ብድሕረይ ተሰሪዖም ዝነበሩ ሰባት ይስሕቁኒ ስለ ዝነበሩ።ካብ መጀመርትኡ እቶም ኣብቲ  ዝርዝር ዝተጻሕፉ 1-7 ቁጽርታት ዝርዝር ናይቶም ኣቑሑት ንምግላጽ እምበር ብዝሒ ናይቶም ክግዝኡ ዘለዎም ኣቑሑት ንምምልካት ኣይኮነን።ብግልጺ ንምዝራብ እምበኣር ኣብዚ ናይ ብጉጉይ ምርዳእ ዘስደምም ተግባር ግምጃ ዘይኮነት ጉርጃ ኢዩ ተዳናጊሩ።

እቲ ታሪኽ ብንጹር ከም ዘመልክቶ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን  ኣብ መልእኽቲ ምትሕልላፍ ኣረዳድኦኦም ዝተፋለለየ ኢዩ።ደቂ ኣንስትዮ ክዛረባ ከለዋ ነቲ ዝተባህለ’ውን ብኣቓልቦ ይሰምዖኦ ኢየን።ደቂ ተባዕትዮ  ክዛረቡ ከለዉ ግን ነቲ ዝተባህለ ጽቡቕ ጌሮም ስለ ዘይሰምዕዎ ካብቲ ዝካየድ መስርሕ ብዙሕ ይጎድሎም። ብሓፈሻዊ ኣዘራርባ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ኣዚዩ ዝሓሸ ናይ ምስማዕ ክእለት ኣለወን።ዝበዝሑ ደቂ ተባዕትዮ  ካብ ደቂ ኣንስትዮ ንላዕሊ ብፍላይ ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም ክዛረቡ ይደልዩ። ይኹን እምበር ብዙሕ ሰብ፡ ደቂ ተባዕትዮ ይኹን ደቂ ኣንስትዮ ክሰምዑ ስለ ዘይግደሱ ኢዩ፣ሰብ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ዝዛረብ።ሓደ ካብቲ ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻ ምዝራብ ዘለዎ ብልጫ ገለ ሰባት ይሰምዕዎም ከም ዘለዉ ክፈልጡ ይኽእሉ። ኣብ ሓድሕዳዊ ዝርርብ ማለት ምስ ኣዕሩኽ ወይ ኣብ ሰሚናር ምስታፍ ወይ ብስልኺ ምስ ገለ ሰባት ኣብ ምዝራብ ሓደ ቀንዲ ኣንፈት ኣሎ፣ንሱ ከኣ ምስ ኣረኣእያና ንዘይሰማምዑ ሰባት ከይንሰምዖም ብሰላማዊ ኣገባብ ጠጠው ዘበልናዮ። ኣብ ቅንዕናና ርግጸኛታት ኢና ንካልኦት ከይንሰምዕ።ኣብ ክንድኡ ንሕና ዕጉባት  ኢና ኣብ ናይ ገዛእ ርእስና ግምታዊ ልክዕነት ምሕሳብን ምእማንን ንሓደ ዓይነት ኣመለኻኽታ።እዚ ናይ ምሁራት ምዕላቕ ወይ ትዕቢት ጥራይ’ዩ፣ብፍላይ ብወገን ደቂ ተባዕትዮ  ነቲ ስምዒት ናይ ምትእስሳርን ምትሕግጋዝን ኣብ  ወጻኢ ዘሎ ሕብረተ-ስብና በሪዙዎ ኢዩ።እቲ ጽቡቕ ነገር ግን ኣምላኽ ብምኽንያት ጌሩ ንበዓል ቤታ ክትኣልን ንኩነታትና  ከተራጋግእ ጓል ኣንስተይቲ ምፍጣሩ  ሓደ ዓቢ ጸጋ’ዩ።

ምስማዕ እቲ ቀዳማይ ሕጊን መጀመርያ ስጉምትን ንተሰማዕነት ሓድሕዳዊ ርኽክባት ኢዩ።ትርጉም ንምፍልጥ፣ወትሩ ብኣእዛና ንሰምዕ ፣ብዓይንና እንሰምዕ ጠባያት ንምምዛን’ዩ፣ ንስምዒትና ብዓይኒ-ልብና ንሰምዕ።ንክትሰምዕ ምምሃር ዝተፈልየ ክእለት ወይ ሞያ ናይ ሓድሕዳዊ ርኽክብ’ዩ።ነገር ግን ምስማዕ መፋጥርትና ዝኾነ ክእለት ወይ ሞያ ከም ዘይኮነ ክንግንዘብ ይግበኣና።ከመይ ጌርና ናይ ጽቡቅ ምስማዕ ክእለት ነማዕብልን ነቲ ዝተምሃርናዮ ከኣ ብከመይ ንሙከርን ክንመሃር ኣሎና።ኣብ ምስማዕ እንተድኣ መጺና ክልተ ኣማራጺታት ኣሎና፣ንሱ ከኣ ብኣወንታዊ ትጽቢት ክንሰምዕ ንኽእል፣ወይ ፍርዲ ብምሃብ ንሰምዕ።ብኸመይ ንሰምዕ፣ ብኸመይ ከም እንሓስብን እንዛረብን ይቐርጽ።ብፍርዲ ምስማዕ ከይሓሰብካዮ ዝፍጸም ዘይተረጋገጸ ጠባይ ኢዩ።ሓንሳእ እቲ ፍርዲ ኣብ ቦትኡ እንከሎ ነቲ ከነድምጾ እንደልዮ ንሰምዖ።ንሓደ ሰብ ደንቆሮ ኢዩ ኢልና እንተድኣ ፈሪድናዮ፣ብዛዕባ እዚ ሰብ’ዚ  ነዚ ኣቓልቦ ደገፍቲ ዝኹኑ ኩሉ ንሰምዕ።ከምኡ’ውን ንሓደ ሰብ በሊሕ ወይ መስተውዓሊ ኢዩ ኢልና እንተድኣ ፈሪድናዮ፣ብዛዕባ’ዚ ሰብ’ዚ ነዚ ኣቓልቦ ደገፍቲ ዝኮኑ ኩሉ ንሰምዕ።እምበኣር ንኽትሰምዕ ምምሃር፣ሓደ ሓያል ጥበብ ወይ ብልሓት ምስምማዕ ንምህናጽ ዝጠቅም ኢዩ። ብምሉእ ቀልብና ጽቡቕ ንኽንሰምዕ ዘረባ ጠጠው ከነብል ኣሎና፣ሰባት ብዘይምቁራጽ ወይ ምስንኻል ዘረብኦም ክፍጽሙ ትዕግስቲ የድልየና ኢዩ።ዝኾነ ኮይኑ፣ ምስማዕ ጽቡቕ ዋጋ ዘለዎ ጠቓሚ ጻዕሪ’ዩ።ካልኦት ዝብልዎ ብቕንዕና ግዱስ ብምዃን፣ኣብቲ ዝምድና ኣገደስቲ ምዃኖም ነርእዮም ኣሎና።ምስማዕ ንሰባት ክብርን ተቐባልነትን ይህቦም።ነዚ ዘረጋግጸልና (Bryani McGill) “ሓደ ካብቶም ቅኑዓት ኣገባባት ናይ ክብሪ፣ነቲ ካልእ ሰብ ዝብሎ፣ ምስማዕ ኢዩ” ይብል። ምስ ካልኦት ሰባት ዝህልወና ጽቡቕ ዝምድና ኣብ ጽቡቅ ናይ ምስማዕ ክእለትና ዝተመርኮሰ ኢዩ።ንኣገዳስነት ናይ ምስማዕ ከነጽሩልና ዝኽእሉ፣ ኣምላኽ ንጽቡቕ ምኽንያት ምስ ክልተ ኣእዛንን፣ሓደ ኣፍን ከም እንፍጠር ጌሩና።ካብ ምስማዕ ብዙሕ ክንዛረብ ተሓሲቡ እንተ ዝነብር፣ምስ ክልተ ኣፍን ሓደ እዝኒን ምተፈጠርና ኔርና።ኣዚና ፈላጣት ወይ ብቑዓት ሰማዕቲ ክንከውን ድማ ቅድሚ ሓደ ግዜ ምዝራብና ክልተ ግዜ ክንሰምዕ ትጽቢት ይግበረና።ከምዚ ምስ እንገብር ከኣ ነቲ ኣብ መንጎና ዘሎ ዝምድና ከነማሓይሾ ንኽእል፣ጽቡቕ ናይ ምርድዳእ መንፈስ’ውን ይህልወና። ነቶም ኣብ ንሓድሕድና ክህልዉ ዝኽእሉ ዘይተደለይቲ  ዘይምርድዳእን ምድንጋርን ከነጉድሎም ንኽእል።ብኸምዚ ምኽንያት ኩሉ ግዜ ብኣቓልቦ ዝግበር ምስማዕ ምስ ካልኦት ሰባት ንዝህልወና ዝምድና ጽኑዕ መሰረት ኢዩ። ምስ ሰባት ብምሉእ ኣቓልቦ ክንሰምዕ ብዘይምኽኣልና፣ብፍላይ ምስ ደቅና ንዝህልወና ርኽክብ  ብቀሊሉ ከቋርጽ ይኽእል ኢዩ።ደቅና ክሰምዑና’ኳ እንተ ዘይከኣሉ ከቋርጽዎ ከም ዘለዎም ብምትብባዕ፣ከይተሓለልና ክሰምዑን ኣወንታዊ ኣረኣእያ ክሃንጹን ዝበለጸ ሚዛን ኣተሓሳስባ ከማዕብሉን ጻዕርና ከነካይድ ይግባእ።እቲ ንኣባላት ስድራ-ቤትናን ምሳና ርኽክብ ዘለዎም ሰባትን ክንህቦ እንኽእል ዝዓበየ ህያብ ምስማዕ ኢዩ። ኣብ ምስማዕ ዘሎና ናይ ምስትውዓል ክእለት ብምምሕያሽ ኣዚና ዝበለጽና ወለዲ፣ሰብ-ሓዳር፣ ካህን(ሰባኺ) መምህር፣ ዓርኪ፣ ወይ ጽቡቕ  ኣሰር-ዝኽተል ትውልዲ  ክንከውን ንኽእል ኢና። ከምኡ’ውን እንተድኣ ብኣኽብሮት፣ከም ነብስና ብምርኣይን ብኣወንታዊ ኣመለኻኽታን ሰሚዕናዮም፣ሰባት ብቀሊሉ ክስዕቡናን ከመስግኑናን ይኽእሉ ኢዮም።ናይ ምስማዕ ክእለትና ንምምሕያሽ ክንሰርሕ ሓላፍነትና ኢዩ።ግዜን ጻዕርን ይወስድ’ዩ፣ግቡእ ጻማ  ጻዕሪ ግን ኣለዎ።

ዊንስተን ቸርችል ከም ዝበሎ “ትብዓት እታ ክትስእን ክትዛረብን እትውሰድ’ያ።ከምኡ’ውን ትብዓት እታ ኮፍ ክትብልን ክትሰምዕን አትውሰድ’ያ” ይብል።ብሓፈሽኡ ብግቡእ ምስማዕ ሓደ ካብቲ ኣዚዩ ኣገዳሲ ክእለት ሓደ ሓያል መራሒ ክህልዎ ዘለዎ ኢዩ።ስለ ዝኾነ ከኣ ኢዩ መንእሰያት ተካእትና ወለዶ ከማዕብልዎ ዝድለ ዘሎ።

እቶም ካብ ብዙሕ ዝዛረቡ ብዙሕ ዝሰምዑ ሰባት ኢዮም፣ኣዚዮም ዕዉታት ዝኾኑ።ብልክዕ ውሑድ እንተድኣ ተዛሪብና፣ብዙሕ ንሰምዕን ነንሓድሕድና ድማ ንረዳዳእን።ሕማቕ ብምዝራብ፣ኣፍና ኣብ ሽግር ተእትወና፣ኣእዛና ግን ዋላ ነቲ ዝኸፍኤ ድምጺ እንተ ሰምዑ ኣብ ሽግር ኣየውድቑናን’ዮም። ከምቲ ምስላ ቱርኪ ዝብሎ “ምዝራብ ብሩር እንተድኣ ኮይኑ፣ምስማዕ ወርቂ’ዩ” ብንጹር እምበኣር ምስማዕ ኣዚዩ ኣገዳሲ ክእለት ኮይኑ፣ኩልና ጠቕሚ ክንቀስመሉ እንኽእል ኢዩ።ጽቡቕ ሰማዒ ብምዃን ነቲ ኣብ ሓድሕድና ክህሉ ዘለዎ ዓይነት ዝምድና ከነማሓይሽ ንኽእል፣ ኣብ መንጎና ንዝፍጠር ኣድላዪ ዘይኮነ ግርጭት ንምውጋድ ከኣ ክእለት ነማዕብል።

Last modified on Saturday, 03 December 2016 22:11