ብዙሓትን ጥምዙሓትን’ባ ከይንበሃል

2016-12-24 18:26:21 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1923 times

ብሓፈሻዊ ኣገላልጻ ብፍላይ ኣብ ኣውንታዊ መዳይ “ብዝሒ” ተሃራፋይ እዩ። ኣብቲ ኣሉታዊ መዳይ ከኣ ብኣንጻሩ እዩ። ብዙሕ ፈታዊ ወይ ብዙሕ  ነገራዊ ሃብቲ ክህልወካ ዝድገፍን ዝህረፍን እዩ። ብዙሕ ጸላእን ዕዳን ክህልወካ ግና ዘይድለን ዘይበሃግን እዩ። ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ብዝሕን ብቕዓትን ምውድዳር ዝተለምደ እዩ። ገሊኡ ንብዝሒ የቐድም። ገሊኡ ድማ ብብቕዓት ይግደስ። እቶም ንብቕዓት ዘቐድሙ “ውሑድን ጽፉፍን” ዝብል ኣበሃህላ የዘውትሩ። እቶም ኣምለኽቲ ብዙሒ ድማ “ብቕዓት ካብ ብዝሒ እዩ ዝርከብ” ዝብል ኣበሃህላ ኣለዎም። ኣጠቓሊልካ ክምዘን እንከሎ እምበኣር፡ እቲ ቀንዲ ጉዳይ ብውጽኢት እዩ ዝምዘን። እቲ ብቑዕ ቁጽሩ ብዘየገድስ ኣብቲ ዝተሰለፈሉ ዘዕግብ ብመሰረት ኣቐዲሙ ዝተለሞ ሸቶ ውጽኢት ዘመዝግብ እዩ።

ንሕና ኤርትራውያን ቁጽርና ናይ መወዳእታ ዉሑድ’ኳ እንተዘይኮነ፡ ምስ ብዙሕ ህዝቢ ዘለወን ሃገራት ኣይንምደብን ኢና። ሕሉፍ ተመኩሮና ክድህሰስ እንከሎ ግና፡ ውሑዳት ክንስና ብዙሓት’ውን ክፍጽምዎ ኢልካ ምግማቱ ዘጸግም መስተንክር ኣመዝጊብና ንብዙሓት ኣብነት ክንከውን ክኢልና ኢና። እዚ ተመኩሮና ናይ ብቕዓት ልዕልና ኣብ ልዕሊ ብዝሒ ዝተመስከረሉ ተመኩሮ እዩ። ውሑዳት ክንስና ብቑዓት ዝኾናሉ ምስጢር ንብዙሓት የጨንቖም ከም ዝነበረ ንፈልጥ ኢና። እዚ ምስጢር ነዓና ንዋናታቱ ግና ብሩህ ስለ ዝኾና እምብዛ ኣይምስጠረናን’ዩ። ቀንዲ ምስጢር ተዓዋትነትና ጽንዓትናን  ሓድነትና እዩ ንብል ዝነበረና ድማ ካብዚ ነቒልና ኢና። እዚ ጽንዓትን ሓድነትን ነዓና ኤርትራውያን እቲ ሓደ ካብቲ ሓደ ፈሊኻ ዘይርአ ነይሩ። ሕጂ እውን እዩ። ሓድነት  ሃልዩካ ነቲ ከተዕውቶ ዝግበኣካ ዘተግብር  ጽንዓት እንተዘየብልካ ኣብቲ ዝደለኻዮ ኣይትበጽሕን። ጽንዓት ሃልዩካ ብሓባር እንተዘይወፊርካ እውን ከምኡ።

ኣብቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ቃልስና ናይ ዝነበረና ብቓዓት ልዑል መግለጺ ጽንዓት ካብ ብዙሓት እዩ። እዚ ጽንዓት ከኣ ብህያብ ዝተዋህበና ዘይኮነስ፡ ሳላ ዕጥቅና ዝገበርናዮ ምጽውዋር፡ ምክእኣልን ኣብ ክንዲ ኣብ ናእሽቱ ጉዳያት ምኹዳድ ናብ ቀንዲ ጉዳያት ምቁማት ስለ ዘዘውተርና እዩ። እዚ ኩሉ ክንዲ ናጽነት ዝኣክል መሰረታዊ ጉዳይ ካብ ምንጋጋ ሱር ዝሰደዱ ገዛእቲ መዝሒቕካናይ  ምውጻእ መስተንክር ክንሰርሕ እንከለና፡ ብዙሕነትና ግርማናን ስልማትናን እዩ ነይሩ። ብዙሓት ክንስኻ ኣብቲ ሓደ ክትኮነሉ ዝግበኣካ ሓደ ምዃን ክሳብ ክንደይ ኣዕዋቲ ምዃኑ ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ ቃልስና ርኢናዮ ኢና። ትሕቲ ሃገራውነት ንዝስርዑ ሃይማኖታዊ፡ ከባብያውን ዓሌታውን ስምዒታትና ከኣ ነቲ ሃገራዊ ጉዳይና ብዘይዕንቅፍ መንገዲ ቀጺዕናዮም ኢና። ዋጋ ከኣ ከፊልናሉ። ኣብ ሓደ ጉድጓድ “ናጽነት ወይ ሞት/ዓወትንሓፋሽ” እንዳጨራሕና፡ ብናይ ሓባር ሃገራዊ ጸሎት ተቐቢርና። ኣብ ሓደ መኣዲ ብሃገራዊ ባርኾት ተመጊብና። ከምኡ ምግባርና ከኣ ዘሕብንን ዘነይትን እምበር ዘሕፍር ኣይነበረን ሕጂ እውን ኣይኮነን።

ሕጂ እውን እቲ ኣገባብ ደኣ ይቀየር እምበር፡ ኣብ መስርሕ ቃልሲ ኢና ዘለና። እኳደኣ ኣብ ዝመረረን ዝተሓላለኸን ቃልሲ። እዚ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ነቲ ናይ ቅድም መበቆል ጽንዓትናን ዓወትናን ዝነበረ ዓቕሚ ዝያዳ እነሕይለሉ እምበር፡ ንድሕሪት ንምለሰሉ ኣይኮነን። እቲ ቅድም ምእንቲ እቲ ቀንዲ ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ከነዕውት፡ ትሕቲ እዚ ንዝኾኡ ስምዒታትና ነዕግሰሉ ዝነበርና ጹረትን ሕድገትን ዝያዳ ኣብ ከነሕይለሉ ዝግበኣና እምበር፡ ናብ ታሕቲ ወሪድና ቅድሚ ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ብንኡሳን ዘይእዋናዊ ጉዳያት ዝያዳ እንግደሰሉ ክኸውን ኣይግባእን። ብመሰረቱ ክንመዝኖ እንከለናኸ፡ ኣብ ሓደ ናይ ቃልሲ መዋእል ንዘዕወተካ ተመኩሮ መሊስካ ምስ ህልዊ ኩነታት ኣሳኒኻ ከተሕይሎ እምበር ክትዓጽፎዶ ይግባእ እዩ?

ሳላ  እምነታትና ኣብቲ ዘዝተመደበሎም ቅዱስ ቦታ ደሪትና፡ ኣብ ጉዳይ ሃገርን ህዝብን ብሓባር  ዝዓሰልና ተዓዊትና። እሞ ሕጂ ግልብጥሽ ኣተሓሕዛ ክንፈጥር ንደናደነሉ ምኽንያት ደኣ እንታይ እዩ? ኣብ ኩሉቲ ካልእ ስምዒታት እውን ከምኡ።ከምቲ ሓሓሊፉ ዝንጸባረቕ ነዚ እንተዘይበቒዕናዮ ግና ከምቲ “ንድሕሪት ከም ሽንቲ ገመል” ዝበሃል እዩ ክኸውን። ኣብ ክንዲ ከምቲ ወለድና “ልብን ሳዕርን እንዳሓደረ ይበቁል” ዝበልዎ፡ ኣብ ኩሉ ኣውንታ ኣብ ልዕሊ’ቲ ዝነበረና ክንድልብ  ክንጽዕር እዩ ዝግበኣና። ብዙሓት ኤርትራውያን  ሰልፍታት፡ ውድባትን ማሕበራትን ምህላውና መርኣያ “ናይ ምውዳብ ናጽነትና እዩ” እንዳበልና ከምቲ ብዝሕና ተዘይኣድሚዕና ግና “ብዙሓትን ጥምዙሓትን” ኢና ክንበሃል።

ኣብቲ ዝሓለፈን ዘሎን ሰንሰለታዊ ቃልሲ ኩሎም ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ንምድኻም ይኽተልዎ ካብ ዝነበሩን ዘለዉን  ሜላታት ሓደ ምምብታን ሓድነቱ እዩ። ምኽንያቱ ሓድነቱ ሕመረት ጽንዓቱን ተዓዋትነቱን ምዃና ስለ ዝኣምኑ። ንሕና ከይንሰዓር ከኣ ኣብ ሓድነትና ቀዳድ ከይንፈጥር ክንጥንቀቕ ናይ ግድን ነይሩን እዩን። ቅድሚ ሕጂ ሳላ ሓድነትና ከፍርሱ ንዝደልዩ ገጽ ዘይሃብና ተዓዊትና። ንሳቶም ድማ ተሳዒሮም። ሎሚ ግና ሓድነትና ከፍርስ ንዝደሊ ሓይሊ ንጠዓዓመሉ ከይንህሉ ሃየ ንጠንቀቕ። ጸላእትና ጸላላእቲ ህዝቢ ኤርትራ እምበኣር ኣክይኮነንዶ ነቓዕ ረኺቦም ነቃዕ ክፈጥሩ ላዕልን ታሕትን ዝብሉ ዘለዉ እዮም።

ርሑስ በዓል ልደትን ሕጉስ ሓድሽ ዓመትን 

Last modified on Saturday, 24 December 2016 19:30