ኣብ ስዊስ ዝርከቡ ኤርትራውያን ንማእከል ኣካለ-ጽጉማን ከሰላ ሓገዝ ኣወፊዮም

2016-12-26 21:57:00 Written by  ካብ ተኻፈልቲ ምስዮት Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1966 times

ኣብ ከተማ ሎዛን (ሃገረ ስዊስ) ዝርከቡ ኤርትራውያን ብዕለት 3 ታሕሳስ 2016 ሓደ ዕዉት ምስዮት ብምድላው፡ ነቶም ኣብ "ማእከል ኣካለ-ጽጉማን ከሰላ" ንዝርከቡ ኤርትራውያን ዝኸውን ሓገዝ ኣዋጺኦም። ካብቲ ጠቕላላ እተኣከበ ገንዘብ፡ 2,000 ዶላር ነቶም ኣብ መደበር ኣካለ-ጽጉማን ዘሎዉ ክኸውን፡ ዝተረፈ 300 ዶላር ከኣ ንሕዝንቲ ስድራ-ቤት ስዉእ ዑስማን ኣሕመድ ከም ዝበጽሕ ጌይሮም ኣሎዉ። ስዉእ ዑስማን ኣሕመድ፡ ነቲ መደበር ኣካለ-ጽጉማን ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ከገልግሎ ድሕሪ ምጽናዕ፡ ብዝሓለፈ 26 መስከረም 2016 ካብ ብጾቱ ኣካለ-ጽግማን ብሞት ተፈልዩ።

ኣብቲ ኣብነታዊ ናይ ሓገዝ ምእካብ ምስዮት፡ ቀዳማይ ወለዶ ኤርትራውያንን መንእሰይ ወለዶን ጥራይ ዘይኮኑ፡ ዝጸንሐ ፖለቲካዊ ይኹን ሲቪካዊ ውደባዊ ፍልልያት ጥሒሶም፡ 'ተቓወምትን ደገፍትን' ከይተበሃሃሉ ኤርትራውያን ብሓደ ኢድ ንደገፍ ውጹዓት ደቂ ሃገር ኢሎም ብሓደ ዝሰርሑሉን ዘምሰዩሉን መደብ ነይሩ። ሓደ ካብ ተኻፈልቲ ምስዮት ከም ዝበሎ፡ "ኲላትና ካባና ንዝጽበዩ ኣካላትና ብዘይ ኣፈላላይ ክንሕግዝ ከሎና ኲርዓት ክስምዓና ይግባእ። ብዘይ ኣፈላላይ ፖለቲካ ክንሕግዞም ከኣ ግዱዳት ኢና" ክብል ገሊጽዎ።

 

Microsoft Word glish.gif11

 

ምስዮት ሎዛን

ኣባላት ሽማግለ ምስዮት፡ ብፍሕሹው ተሳታፍነት ነባሮ ሎዛንን ከባብን ሕጉሳት ከም ዝኾኑ ድሕሪ ምግላጽ፡ ኣብ መጻኢ እውን ነዚ ናይ ግብረ-ሰናይ ስራሕ ክቕጽልዎ ተተባቢዖም ከም ዘሎዉ ገሊጾም። ገለ ኣብ ከተማ ሎዛን ዝቕመጡ ደቂ ሃገር፡ ካብ ነዊሕ ዓመታት ኣትሒዞም ንመደበር ኣካለ-ጽጉማን ብኣድራሻ ሓው ተስፋይ ተኽልዝጊ፡ ፕረሲደንት ማሕበር ኣካለ-ጽጉማን፡ ኣቢሎም ውልቃዊ ሓገዛቶም ይልእኩ ምንባሮም እውን ዝዝከር ኢዩ።

 

Microsoft Word glish.gif12

 

ከም ዝፍለጥ፡ እቲ ኣብ ከሰላ ዝርከብ መደበር ኣካለ-ጽጉማን፡ ብውልቃዊ ልግሲ ደቂ ሃገርን ተሓባበርቶምን ደገፍ ዝጽበ ትካል ኢዩ። ኣብ ብዙሕ ከተማታት ዓለም፡ ነቲ ካብ ዝቐውም ልዕሊ 35 ዓመት ዘሎዎ መደበር ዝኸውን ሓገዝ ክእከብ ጸኒሑ ኣሎ። ንኣብነት በዛ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰት ዕለት (3 ታሕሳስ) እውን ብሓልዮት ኣብ ከባቢ ፍራንክፎርት ዝርከባ ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ናይ ድራር ምሸት ተዳልዩ 1,400 ኤውሮ ከም እተኣከበ ተሓቢሩ ኣሎ።

Last modified on Monday, 26 December 2016 23:08