ባህሊ ዲዩ ኮይኑና ወይ ብሓቂ ኢና ነተግብሮ

2016-12-27 18:05:47 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 3443 times

ህዝቢ ኤርትራ ይኹን ካልኦት ህዝብታት ዓለም እንተስ ካብ ባህሊ ዝወረስዎ ይኹን ወይ ካብ ሃይማኖታዊ እምነቶም ተበጊሶም ኣብ በዓላት ናይ እንቋዕ ኣብጻሓኩምን ሰናይ ምንዮትን ስምዒቶም ይገልጹ። እዚ ናይ ሰናይ ምንዮትን ጽቡቕ ድሌትን ኣብ ኩሉ ዓመት መጸ ዝግበር በዓላት ገሊኡ ብካርቶሊና፥ ገሊኡ ብሂያባት፥ ገሊኡ ከኣ ገዛ ገዛ ብምኻድ እንቋዕ ኣሓጎሰኩምን ኣብጸሓኩምን ብምባል ይቕረ ይቕረ እውን ይበሃሃሉ።

ኣብ ሃይማኖት ክርስትና ይኹን እስልምና ከምኡ’ውን ካልኦት ዝተፈላለዩ ሃይማኖታት ብገለ መልክዑ እኳ ቅሩብ ይፈላለ እንተኾነ እቲ ሰናይ ድሌትን ምንዮትንሲ ሓደ እዩ። ንኣብነት ኣብ ሃይማኖት ክርስትና ነቲ ድኻ ዝኾነ ሰብ፡ በቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝብሎ “የማነይቲ ኢድካ እትገብሮ ጸጋመይቲ ኢድካ ኣይትፍለጦ” ዝብል መሰረት ሓቢኦም እንተስ ገንዘብ እንተስ ካብቲ ዝተሓርደ ይመቕልዎ። ኣብ ሃይማኖት እስልምና ከኣ ብግልጺ የብጽሕሉ። ገዛ ገዛ ከይዶም ከኣ ሰላምታን ይቕረ ይቕረን ይበሃሃሉ። ኣብ ክርስትና እውን ከምኡ ኮይኑ ናብ ጐረባብትኻን ቀረብካን ቤተሰብካን ከይዶም ሰናይ ይምነዩን ይቕረ ይበሃሃሉ።

እቲ ፍልልይ ዘሎ ኣብ ክርስትና ሃይማኖት ንመስተ ከም ስዋ ናይ ምጽማቚ ክግበር ከሎ ኣብ እስልምና ሃይማኖት ግና ካረመላን፥ ብስኮትን ቢቢታ ወይ ከኣ ዘየስክር መስተ እዮም ዘቕርቡ። እዚ ኮይኑ እቲ ግና እቲ ናይ ጽቡቕ ምንዮትን “ንዓመታ ከኣ ከምዛ እዋን” እናበልካን ምኻድ ኣብ ኩሉ ሃይማኖታት ዘሎ እዩ። ንኣብነት ኣብ ሂንዱይዝም ናይ ብርሃን፥ ናይ ይቕረ ይቕረ ምባልን በዓላት ኣለዎም። ኣብቲ ናይ ብርሃን በዓላት ዓወት ብርሃን ኣብ ልዕሊ ጸልማት፥ ፍልጠት ኣብ ልዕሊ ድንቊርና፥ ተስፋ ኣብ ልዕሊ ቀቢጸ ተስፋ ዘመልክት እዩ። ኣብቲ ናይ ይቕረ ይቕረ በዓላት ከኣ ነንሓድሕዶም ይቕረታ ዝሓቱን ይቕረ ዝብሉሉን መዓልቲ እዩ። ኣብዚ ኩሉ ዘለዎም ብልቢ ኢዮም ይቕር ይቅረ ዝበሃሃሉ። ዋላ ንዓመታት ተጻሊኦም ዝነበሩ ይቕረ ይበሃሉ።

እዚ ኩሉ ኣብ ነንሓድሕድና እንፍጽሞ ናይ ጽቡቕ ምንዮትን ሰናይ ድሌትን ነታ በዓል ጥራሕ ዲያ ወይ ቀጻልነት ኣለዋ ኢልና ምስ እንሓትት ግና ቀጻልነት የብሉን ኣብ ዝብል ነጥቢ ኢና ንበጽሕ። ምኽንያቱ ወዲ ሰብ ብባህርያቱ ናይ ስሰዐን፥ ናይ ጸብለልነትን፥ ናይ መን ከማይን ይዕብልሎ ስለዝኾነ ተቐላጢፉ ኣብ ናይ ዓለማዊ ፍትወተ ነፍሲ ገጹ ስለዘድህብ እዩ። እቲ ኩሉ ምንዮትን ሰናይ ድሌትን ካብ ልቢ ዘይነቅል እንተኾይኑ ከኣ ነታ ሸዓ መዓልቲ እምበር ንብድሕሪኣ ዘሎ ግዜስ ተመሊስካ ናብ ጭቃ ዝዓይነቱ እዩ ዝጐዓዝ።

ሎሚ፥ ኣብ ዓለም ዝርከብ ህዝቢ እንታይ እዩ ዘሕጉሶ፥ እንታይ እዩኸ ዝፈላልዮ፥ ኣብ ምንቲ ምንታይ እዩኸ እዚ ኹሉ ሕጊግ ዝበሃልን ህልቂት ናይ ደቂ ሰባት ዝረኣየሉ ዘሎ? ስለምንታይ ከምታ ኣብቲ በዓላት ይቕረ ይቅረ እንበሃሃሎ ኣብዚ ናይ ህልቂት ሕድገታት ገርና ህዝቢ ሰላም ዝነብረሉ ዘይንሓስብ። ኩሉ እቲ ዝግበር ዘሎ እምበኣር ናይ ሃይማኖት ይኹን ናይ ብሄር ናይ ኣውራጃ ምትእኽኻብ ናይ ሸቐጥን ናይ ሃብቲ ምድላብን እንተዘይኮይኑ ብርግጽ ነቲ ሃይማኖት ዝደልዮን፥ እቲ ብፖለቲካ ከተግብሮ ዝጽዕርን እዝኒ ከምዘይንህቦ ኢዩ ዘመልክተልና። ስለዚ ነዛ ዝሓለፈት ዓመት እንታይ እንታይ ኣጒዲልና እንታይ እወንታዊ ጉዳያትከ ፈጺምና እንታይከ ተሪፉና ኣብ ዝብል ነጥቢ ኣቲና ክንፍትሻ የድሊየና። ነፍሲ ወከፍና “በቲ ዓመት መጸ ኣብ በዓላት ዝምነዮ ዲየ ዝጎዓዝ ዘለኹ ወይ ከኣ ኣፍኣዊ እዩ” ኢልና ንነፍስና ክንሓትትን ክንመራመርን የድሊ። ብድሕሪኡ ነታ ትመጽእ ዓመት 2017ከ ካብቲ ናይ ቅድሚኣ ዝነበረት ዓመት ዘጒደልናዮን፥ ንሓበራዊ ልዕሊ ውልቃዊ ረብሓታት ጠሚትና ዝተሓቛቚፈናን ዝጠራንፈናን ተግባራትን ትልምታትን ክንሓስብ ዲና ወይ ተሓጺብካ ናብ ጭቃ ከም ዝበሃል ኢና ክንከውን።

እቲ ክሳብ ሕጂ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓድሕድ ምቅንጻልን፥ ሓድሕድ ዝፈላሊ ምትላምን ብምዃኑ፥ ጽቡቕ ምንዮት ወይ ጽቡቕ ድሌት ናይ ዝተመነኻ ዋጋ የብሉን። እቲ ዝበሃል ጽቡቕ ቃል ናይ ተግባር ክኸውን ካብ ዘይከኣለ ከኣ ንሓዋሩ እቲ ሰናይ ልምድናን ባህልናን ኣፋኣዊ እምበር ካብ ልቢ ነቒሉ ዝትግበር ከምዘይከውን እውን ይእምተልና ኣሎ።

ዓለም ትናወጽ ከምዘላ እናተዓዘብና፥ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ብዘይደልዮ ኣገባብ ክናቘት እናሓንጸጽና፥ ጽልእን ቅርሕንትን ብዝዕድም ሓሳባት እናተመራሕና በየን ኣቢላ እያ ደኣ እሞ እታ ዓመት 2017 ከምቲ እንደልዮን እንምነዮን ጽቡቕ ክትኮነልና። በሉ እስከ ኣምላኽ ባዕሉ ይተዓረቐና ግብርና። ንዓመተ 2017 ከኣ ናብ ዝሓሸ ኩነታት ክንልውጣ የብቀዓና።

ርሑስ ልደትን በዓል ሓዲሽ ዓመትን

Last modified on Tuesday, 27 December 2016 19:11