“… ነቲ ሕማቕ ዝሓመቐ ኣለዎ ”

2017-01-01 10:37:01 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2232 times

“ነቲ ጽቡቕ ዝጸበቐ ኣለዎ፡ ነቲ ሕማቕ ዝሓመቐ ኣለዎ” ዝብል ናይ ግጥሚ ሓረግ ኣብ ሓደ ካብ ዜማታት ነፍስሄር ኣብረሃም ኣፈወርቂ ዝርከብ እዩ። እዚ ኣበሃህላ’ዚ ናይ ጉዳያት ዝምድናውነትን ዘየቋርጽ መስርሕን ዘመላኽት እዩ። ብኻልእ ኣበሃህላ ኩሉ ጉዳያት ኣብ ቀጻሊ መስርሕ ዝነብር እምበር ኣብቲ መወዳእታ በጺሑ ተመስገን ኢልካ ዘይትድምድመሉ ምዃኑ ንምርኣይ ዝበሎ እዩ። ቅኑዕ ኣበሃህላ ከኣ እዩ።

ሓደ ጉዳይ ንምስላጥ ወይ ንምዕማም ክትነቅል እንከለኻ “ክበጽሖ ኣለኒ” እትብሎ ሸቶ ምቕማጥ ግቡእ እዩ። ከምኡ እንተዘይገርካ ከምቲ “ዘይሓስብ ኣይንገድ” ዝበሃል ኢኻ ትኸውን። ኣብ ከምዚ ኩነታት እቲ ድሌት ኩሉ ግዜ ካብቲ ዘለኻዮ ንቕድሚት ዘሰጉም ወይ ዝሓሸ ውጽኢት ዘምጽእ ከም ዝኸውን ፍሉጥ እዩ። እዚ እቲ መበገሲ ድሌት እዩ። ነዚ መሰረታዊ ድሌት ህያው ንምግባር ወይ ዝተመነኻዮ ውጽኢት ንምምዝጋብ ከኣ ንዓኡ ዝምጥን ምቅርራብ ምግባርን ዓቕሚ ምውህላልን የድሊ። ብቑዕ ምድላውን ዓቕምን ከይሓዝካ ዝትለም ትልሚ ግና ሓሳብ ኮይኑ እዩ ዝተርፍ። ምኽንያቱ ኣብቲ መስርሕ ዝሰራሕካዮ እምበር  ዝደለኻዮ ኣይኮንካን እትሓፍስ። እዚ ኣብ ኩሉ ህይወት ወዲ ሰብ እንተላይ ኣብዚ ከም ኤርትራዊ ሓይሊ ተቓውሞ ተሰሊፍናሉ ዘለና ፖለቲካዊ ጉዕዞ ቦታ ዘለዎ ሓቂ እዩ።

እቲ ውጽኢት ኩሉ ግዜ ከምቲ ዝተጸበኻዮ ጥራይ ኣይከውንን እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ ንቕድሚት ክትስጉም እንዳሓለንካ ኣብቲ ዘለኻዮ ጠጠው ምባል ኣሎ። ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ንቕድሚት እንዳማዕደኻስ ካብቲ ዘለኻዮ ንድሕሪት ናይ ምምላስ ዕድል’ውን ዕጽዊ ኣይኮነን። ሓደ ሒዝካ ካለኣይ ክትረክብ እንዳ ተመጣጠርካ ናብ ዜሮ ከም ናይ ምምላስ ክሳራ ማለት እዩ። ምስ ኣርእስትና ከነዛምዶ እንከለና፡ ኣብ ዝሓመቐ ኮይንካ ጽቡቕ ከተምጽእ እንዳ ተቓለስካስ ናብ ዝያዳ ዝሓመቐ ከም ምምላስ ማለት እዩ።

ኤርትራውያን ድሕሪ መሪርን ነዊሕን ቃልሲ ናጻን ልኡላዊትን ሃገር ኤርትራ ኣውሒስና። እዚ ከምቲ ክቡር ዋጋ ዝተኸፍሎ ኣዝዩ ዓብይ ስጉምቲ ንቕድሚት እዩ። እንተኾነ ብዓይኒ ፍትሒ፡ ደሞክራስን ሰላምን ኤርትራን ህዝባን ብዙሕ ስለ ዝበኾሮም ነዚ ዝበኾረ ከነረጋግጽን ሓደ ኢልና ክልተ ንምባልን ኣብ መሪር ናይ ለውጢ ቃልሲ ኣለና። ብኻልእ ኣዘራርባ ንኤርትራን ህዝባን  ካብዚ ብሰንኪ ህግደፍ ዘለዉዎ “ጸልሙት ዘበን” ናብ  ዝሓሸ ናይ ምስግጋሮም ቃልሲ ነካይድ ኣለና። እዚ ቃልስዚ እውን ከም ዝኾነ ዕማም ንምዕዋቱ ዘተኣማምን ኣዕዋቲ ዓቕምን ድልውነትን የድልዮ። ብመንጽር እዚ ዝሓሸት ኤርትራ ናይ ምርካብ ድሌት ከም ዘለና ዘዛርብ ኣይኮነን። ”ነዚ ድሌትናዚ ዘዕቁብ በዓልቤታውን ወድዓውን ዓቕሚ’ኸ ኣለናዶ?፡ ዝብል ግና ደጋጊምና ክንድህስሶን ክንሓስቦን ዝግበኣና እዩ። ንበዓል ቤታዊ ድኽመትና ብወድዓዊ ጸገማት ኣጐልቢና ከይንሽፍጥ ከኣ ምጥንቓቕከድልየናእዩ። ኣብዚ መዳይዚ ዝጐድሉና መባእታዊ በዓልቤታዊ ብቕዓታት ከም ዘለዉ ንርእዮ ኣለና። ኣብ ክንዲ ኣብ ናእሽቱን ዘይመሰረታውን ጉዳያት ኣብ ዓበይትን እስትራተጅያውን ጉዳያት ዘይምድሃብ፡ ቅድሚ ጉዳይ ሃገር፡ ጉዳይ ውልቅን ጉጅለን ምቕዳም፡ ጉዳይ ንምዕራይ ከካብ ነብስኻ ዘይምጅማር፡ ኣብ ክንዲ ምጽውዋር ምትህልላኽ ምቕዳም…ወዘተ ኩሎም ዓበይቲ ጉድለታት ከም ዘለዉና ዘመላኽቱ እዮም። እሞ ድማ ንጋገ ምህላውና እንዳተረዳእና ኣብ ክንዲ ጠጠው ኢልካ ኣስተንቲንካ ምእራም፡ በቲ ግጉይ ንቕጽል ምህላውና። ነቲ “ገ-ክብሉኻዶ ትጋገ” ዝብል ምስላኳ ከነስተማቕሮ ኣይበቓዕናን።

ሎሚ ካብዚ ዘላቶ ኣዝያ ዝሓሸት ኤርትራ ንምህናጽ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ፡ ወይ ኣብቲ ዘለናዮ ከነኹድድ ወይ ድማ ንድሕሪት ክንምለስ ዝድርኹ ምልክታት ሓሓሊፎም ከም ዝረኣዩ ተዓዚብና እንስከፍ ብዙሓት ኢና። ክትከስብ ወፊርካስ ብኽሳራ ከም ምምላስ እዩ። እቶም ካብዚ ሕማቕ ናብቲ ዝሓመቐ ክመልሱና ውጥምቅልቅል ዝብሉ፡ ንቃልስና ምእቲ ናጽነት ናብ ሽፍትነት ክወስዱ፡ ንጀጋኑ ስዉኣትና ብናይ ከንቱ ሞት ክገልጹ ዝደናደኑ፡ ብዓብይኡ ንልኡላውነትና ኣብ ምልክት ሕቶ ከእትዉ ድንዕምንዕ ዝብሉ ብፖለቲካዝጠፈሹ ናይዚ ኣብነት እዮም። እንተኾነ ከይዕወቱ ዕደ። ጻዕርናን ቃልስናን ክኸውን ዝግበኦ ግና ንሳቶም ከምዘይዕወቱ ምግባር ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንሕና እቶም ኤርትራ ኣብ ርእሲ’ቲ ልኡላውነታ ፍትሒ፡ ደሞራስን ማዕርነትን ክትድርብ ንቃለስ ዘለና ከም እንዕወት ምግባር እዩ። ካብቲ ጽቡቕ ናብቲ ዝጸበቐ፡ ማለት ካብ ልኡላዊት ናብ ደሞክራስያዊት ኤርትራ ክንሰግር ምብቃዕ።

መደባት ኣብ መፈለምታ ናይ ሓደ ናይ ግዜ መዕቀኒ ምጅማር ዝተመደ እዩ። ኣብ መዓልቲ ክትሰርሖ ዝመደብካዮ ንግሆ፡ ኣብ ወርሒ ክትሰርሖ ዝመደብካዮ ባሕቲ፡ ኣብ ዓመት ክትሰርሖ ዝመደብካዮ ድማ ኣብ ከምዚ ንርከበሉ ዘለና ሰሙን ምጅማር ዝተለምደ እዩ። ዙሓት ውልቀሰባትኳ ሓደ ዓመት ሓሊፉ ሓድሽ ዓመት ክጅምሩ እንከለዉ ኣብ ህይወቶም ምስግጋር ከርእዩ ይውጥኑ። ንኣብነት ካብ ሓደ ዓይነት ወልፊ ክወጹ። በዚ ዝዕወቱ ከኣ ብዙሓት እዮም። ንሕና ከኣ ነዚ ንኣትዎ ዘለና ሓድሽ ዓመት ሃየ ብከምዚ ዓይነት ዝትግበር ኣዕዋቲ ውጥን ነሰንዮ። ቃልስና ካብ ንድሕሪት ምምላስን ደውታን ወጺኡ ንቕድሚት ከም ዝሓንን ናይ ምግባሩ ልባዊ ሕልና ንስነቕ። መጻኢ ሓድሽ ዓመት ከኣ “ካብ ሕማቕ ናብ ጽቡቕ ወጺእና” ኢልና ነዘንትወላ ከም እኸውን ንግበር።

Last modified on Sunday, 01 January 2017 11:40