መርሓባ ዓመተ 2017!

2017-01-01 17:25:31 Written by  ሃይለ ወልዱ። Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2395 times

ዓለም ስርሓ ትሰርሕ፡ ትሕምበብ፡ ትዘውር፡ ካብ ጸሓይ ትኽወልን ንጸላማ ትድርገምን፡ ተመሊሳ ትኹላዕን ትበርህን። መዓልታት ይቑጸሩ፡ ኣዋርሕ ይሓልፉ፡ እዋናት ይኣተዉን ይውጹን፤ ሕንጭልጫላትን ቀንጠመንጢን’ውን ከክም ዓቕሞም ይቦቕሉን ይሓሩን፤ ይውለዱን ይሞቱን። ህሉዋት ከክም ኣፈጣጥራኦምን ትዕድልቶምን ፈፈትሎም ሒዞም ይወዛወዙ። ኣብዚ ቀጻሊ ውሁብ ጉዕዞ እቶም ንሓጺር ህሞት ንኽህሉዉ ዕድል ዝረኽቡ ገለ ደቂሰብ’ውን፡ ንምንባሮም ዝሕብር ምልክታታት ዓቕሚ ብቕዓቶም ዝድርቶ፡ ድሕሪ እኹል ምድግጋግም ምኽኑይ ዝኾነ መዓቀኒ ግዜ ፈጢሮም። ትማሊ፡ ሎሚ፡ ጽባሕ፡ ዓሚ፡ ሕጂ፡ ንዓመታ ዝብሉ መዓየሪታ ግዜ፡ ሰዓታት፡ ደቓይቕ፡ መዓልታት፡ ኣዋርሕ፡ ዓመታት፡ ዘበናትን መዋዕልን ምሂዞም፡ ንመንባሮምን ዕድመ ሂወቶምን መኸተኡን ንምምዝዛንን ንምዕቃንን ዝዕይሩሉ ግሩም ጥበባት ኮይኑሎም። እዚ ምህዞ’ዚ ግን፡ ነታ ካብ ትማል ኣትሒዛ ዝነበረት፡ ሕጂ ህሉውትን ጽባሕ’ውን እትቕጽልን ዘይሕለላ ተሓምባቢት ዓለምናስ ኣይንታያን’ዮም። ንሳ ዑደታን ዙረታን ንስለ ዕሽነታ ይኹን ጉርሓ ኮደደድ ትብል’ሞ፡ ንሕና’ውን እንኾኖ ኣይንስእንን። ምስዚ ሓቂ’ዚ ዝተዛመደ ህልውናና ብምቅላሕ፡ እቲ ዝተፈላልየ መዓቀኒ ዕድመታትና ከይዘንጋዕኩ፡ እቶም ብሙሉእ ጥዕና ንዓመት 2016 ክትሰግሩ ክኢልኩም ዘሎኹም ኩሉኹም ክብሩ ይስፋሕ ፈጣሪ እንቃዕ ኣብቅዓኩም። ምስቶም ‘ደለይኹን!’ ዝተፈላለየ ሕጽረታት ዘሎኩም ኩሉኹም’ውን ዝሓሸ መጻኢ ዝሰፈኖ ዓመት ይግበረልኩምን ይግበረልናን እንዳበልኩ፡ ንኹሎም ብሞት ተፈልዮሙና ዘሎዉ ፍቑራትና እውን እግዚኣብሔር ብምሕረቱ ኣይፈለዮም እብል።

መርሓባ ዓመት 2017! ዓመት ሰላምን ፍቕርን ምሕረትን ስኒትን ትኹነልና። እወ! ዓለምና ንስለ ዘይቀሪ ባህሪኣ ክትሕንበብ’ያ፣ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ከይደኸመት ዝተፈትለቶ ብዙሕ ብዙሕ መዋዕላት። ቁንጣሮ ዓቕምን ህልዉናን ኣብዛ ድንቂ ዝኾነት ዓለምና ወኒንካስ፡ ኣብ መጨረሽታኡ’ውን ሞትን ምኽዋልን ከምዘሎካ ዘይሰሓት እንክንሱ ንምንታይ እዚ ኹሉ ባኣሲ? ንመንከ ንኽጠቅም? ንመንከ ንኸቕስን? ወዮ ሰናይ ከም ስሙ ሰናይ እንድዩ፣ ንስለ ሰናይነቱን ቅሳነቱን ንሱ ኣጸቢቑ ይበልጽ።  ንኽትሃሲ ከይደቀሰካ ከላእ ይተሓደር። እቲ ጥዑምዝጊ ዝተባህለ ዕሉል ኣዝማሪ፡ ንራእሲ ወልደሚካኤል እንታይ’ዩ ኢሉ ኣዝሚሩሎም ዝበሃል? “ምቕታልሲ ለሚዳክዮ ኢኻ፡ ምሕረት ድኣ ልመድ። ንሱ እምበር’ዩ ዘብዝሓልካ ዘመድ።” ብርግጽ ዓቢ ብሂል’ዩ። “ማይ ኣብ ዓይና ኣይትዘረግ።” ይብሉ ኣበዋትና’ሞ፡ ብርግጽ ዓይኒ ሃገር ህዝቢንድ’ዩ፡ ህዝቢ ብዓቕሙ ኣይሰንፍን ግዲ ይኸውን? ግን መራሒኦእ ዝሰነፋ ሃገር እሞ ኣያለይን ኣንተኢሉ ብርግጽ ሃገር ክትሰንፍ ዘይተርፍ’ዩ።

ትስፉው ህዝቢ ሕቡን’ዩ፣ እብ በለካን ለኽዓካን ሕሹኽሹኽን ኣይጽመድን’ዩ። ብተስፋታት ዝተመልአ ውልቀሰብ፡ ጉጅለ፡ ውድብ፡ ይኹን ህዝቢ ንዝንተ ዕለት ዘገድሶ ዕብየት ብምዃኑ፡ እቲ ነዚ ቀንዲ መብጽሒ ዝኸውን መንገዲ ሰላም ምዃኑ ኣይጠፍኦን’ዩ።  ሰላም ማለት ሓድነት ራኢን ተግባርን ምርግጋጽ ስለዝኾነ፡ እቲ ዝበቕዐ መን’ዩ እቲ ተፈልዩን ርሒቑን ዘሎ ብምቁማት ናብቲ ሓባራዊ ምኣዲ ክጽንበር ከምዘሎዎ ንምግባር ንምኽኣል ዝኣክል፡ ካብቲ ዘይሰናይን ኣሰልካይን ናይ ሰዓራይ ኩሉ ይወስድ ዝብል ፈራሕን ስንኩፍን ጥበብ ብምልጋስ ጸንባሪ ሓዳኣዊ ህዝባዊ ስልጣን ምፍጣር የድሊ። ብጽልእን ብቕርሕንትን ብህልኽን ዝውርጽጽ ሰናይ የልቦን። ኣይውዕልን። ብርእይቶን ተግባርን ንዝተፈልየካ፡ ንምንታይ ከምኡ ኮይኑ ኣሎ ንኽትፈልጥ ምፍታን ኣካል ቅኑዕ ፍታሕ’ዩ። ንፍሉይነቱ ብምምዕዳው ማእከላይ ፍታሕ ምንዳይ ብርግጽ መንገዲ ስኒት ኮይኑ ብርግጽ’ውን ቅሳነት ጥራሕ’ዩ ውጽኢቱ። ሰናይ ሰላም’ዩ ፋይዳኡ።

እቶም ሓቀኛታት ሰብ ጥበብ ፖሊቲካ ኣዕርዮም ዝፈልጡዎ ጉዳይ፡ ፖልቲካ ንጽልእን ንባእስን ዘይምዃኑ’ዩ። ፖለቲከኛታት፡ 20 ዓመታት ዝኣክል ኣባሎም ኮይኑ ንዝጸንሐ ሰብ፡ ምስቲ ትማል ዝተሓወሰን ከወዳድሩ እንተኾይኖም፡ ብቕዓት ኣባልነት እቲ በዓል ዕስራ ዓመት፡ ግድነት’ዩ በቲ ሓዲሽ ኣባል ክመዝኑ።  ጽባሕ ጽባሕ ዘይብርክት ወፍሪ ፖሊቲካ ጽጉም ምዃኑ ዘካትዕ የብሉን። ከምኡ ኣብ ዝኾነሉ እዋን እቲ መስርሕ ክኽለስ፡ ክግምጠል፡ ክድኳዕ መተካእታ ዘይብሉ ጉዳይ’ዩ ክኸውን ዝግባኦ። ግን እዚ እንተዘይተገይሩ ይዕበ ይንኣስ ዓመጽ ምህላዉ ዓቢ ምልክት’ዩ። ኣምበኣርከስ ካብዚ ተረድኦ ዝብገስ ዘሎ ፖሊቲካዊ ሚዛነይ፡ ዓመተ 2017 ከምዚ ዝስዕብ ክኾነይ ምደለኹ፡-

1)   ወዮ ደኣ ብጉባኤታትን ስሩዕ ኣኼባታትን ጉዕዙኡ ዘይዕይርን ዘይሕብርን ፖልቲካዊ ውድብ፡ ህዝባዊ ውድብ ክትብሎ ዘይከኣል ኮይኑ እምበር፡ ህግደፍ  ብሂወቱ ኔሩ እንተዝህሉስ ገለ ትልኽ መስተውዓልናሉ። ብዝኾነ ኾይኑ ከምቲ “ኣቦኻ ኣብ ዝደቀሱና ንድቅስ።” በለት ሓንቲ ኣደ ዝተባህለ እንድዩ ኮይኑ ደጊም ዘሎ፡ ትም ጥዑም ጥራሕ ኢለ ከይሓልፎ ዘይከኣል ኮነ። እቲ ሓቂ እዚ ኮይኑ እንዳሃለወ ዘገድሰኒ መርበብ ሓበረታ መስከረምን ገለታትን፡ ኮታ ኣብ  ዝሓለፈ ዉሑድ ዓመታት ተመሓዛዝዮሞ ዘሎዉን ብዙሓት፡ ብምድግጋም ከትንብህዎ ዝፍትኑ ዘሎዉ ሓሳብ ዳርጋ ምህለላ ኮይኑ’ዩ ዝስመዓኒ። ‘ወዮ ተጸብጺቦምሲ ተነቢቦም ከኣ!’ ዝብል ባጫ ከይወጸኒ እንዳተጠንቀቕኩ፡ ንመንከ ክሕሾ? ከይገደፍኩ፡ ብማዕሪኡ ምምህላል ምምህላሉስ ናብ’ቲ ምህለላ ዝግባኦ ልዑል ፈጣሪየይ ኣተኻኺለ፡ ‘ኣስከ ነዞም ብመን ይፈልጥ ኣብ ደቂ ሰባት ዝምህለሉ ዘሎዉ፡ ጸገሞም ኣይጠፋኣካንዩ’ሞ፡ ደጊም ኣካዊንካ ስምዓዮምን፡ ኣብ ልዕሊ ጸላእቶም’ውን ልቢ ኣዕቢ።’ ብምባል እንተጸለኹ፡ እንተገደደ ገደደ፡ እዞም ምህላውኩም’ውን ዘይፈልጡ ሓያላት ውልቀሰባት ካብ ባህግኹም እንተኣብኮሩኹም፡ ብወገነይ ንዝግባኦ ለመንኩን፡ ጽባሕ’ውን ሓሊፉ ዝድርበለይ ጸሎት እንድዩ’ሞ ይሓግዝናን ይሓግዝኩምን። ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ ልቢ ዘሎዎ ወደቦ ግዲ ይፈጥረልና ይኸውን!

2)   እቲ ዝዓበየ ጸገም ደቂ-ሰባት መን-ከማይን ነፍሰ-ፍትወትን እንድዩ’ሞ፡ ኤርትራን ሕሉፍን ህሉውን ታሪኻ’ውን ብሰንኪ’ዚ ጸገም’ዚ ኣኺሉ ተሪፉዎ እኖሆ። ‘ማይ ብዓይና ኣይትዘረግ።’ ኮይኑና እንዳሃለወ፡ ‘ኣድጊ ገዲፎም’ሲ ንጠይቂ።’ ከምዝብሉዎ ተወሲኹዎ፡ ህዝቢ ኤርትራ ነታ ኣብዛ እዋን’ዚኣ ተሪፋቶ ዝእናሃ እንኮ ክብሪ ዝኽሪ ቃልስን መስዋእትነትን ንምብልሻው፡ ከይሓነኹ ‘ሽፍትነት’ ኣጎዝጒዞም ክዝንጥልዎ ከናሹዉዎን ዝውዕሉን ዝሓድሩን ዘሎዉ ገለ ስሑዋት፡ ደጊም ይኣክል ንዘይትንከፍ ኣይትተንክፉ እንተበልኩ ዝጋገ ዘሎኹ ኣይስመዓንን ዘሎ። ህዝቢ’ውን ካብ ቀንጠ መንጥን ጓል-ነገርን ኣልጊሱ ዓይኒ ንዓይኒ፡ ገጽ ንገጽን፡ ብዘይተጐላባን፡ ይንእሱ ይዕበዩ ምኩሓትን መን ከማና በሃልትን ዝሓንኩሉን ዝደኑሉን ልዕሊ ኩሉ’ውን ልቢ ዝሰኹዑሉን ዓመት 2017 ይግበረልና።

3)   ምንዳድን ምቅጻልን ባንዴራ ዝበሃል ሓዲሽ ሃውተታ’ውን ብምድግጋም ኣብ 2016 ተራእዩ’ሎ። ብርግጽ እቲ ተግባር ናይ እንኪሒራን ናይ ካብኡ ኣይሕለፉን’ዩ። ግን ቅንጣብ ትኹን ፖሊቲካዊ መኽሰብ የብሉን። ከምቲ ብምስላ ዝንገር ብሂል “ካብተን ዝዕንድራስ፡ እተን ዓንዲረን ኢለን ዝዕንድራ ይበዝሓ።” ንኽመስል፡ ካብቶም ባንዴራዘንድዱስ፡ እቶም ባንዴራይ ኣንዲዶም ኢሎም ካን ትቕጽል ዘብሉ ክሰምዕን ክርኢን ከሎኹ ‘ዝገደደ!’ እንተበልኩስ፡ ኣየናድድን ግዲ ይኸውን። ምስ ኩሉ ዝሰማምዓሉ ነገር ኣንተሃልዩ ባንደራ ብዋናኣ’ያ ትኽበር። ካብዚ ሓሊፉ ተራ ጨርቂ ካብ ምዃን ኣትበልጸሉ የብላን። ኣሽሓት ኣጭርቕቲ ከንድድ ዝወዓለ፡ ንጁባኡ ሕለዩሉ እምበር፡ ንወያ ናተይ ባንዴራስ ንኽንድድ መን ዝሃቦ ዓቕሚ? ኣቱም ባንዴራና ኣንዲዱዋ እትብሉን እተልቅሱን በጃኻትኩም ባንዲራኹም መምስ ነፍስኹም ኣሎዋ። ይጥዓዩ ኣይጥዓዩ ገዝኦም ዘንድዱስ ኣሎዉ እንድዮም ካብኣቶም መዓስ ክንበልጽ ኮንና። ግን ከምቲ ኣቐዲመ ኢለዮ ዘሎኹ፡ ባንደራኹም ኣብቲ ውሑስ ቦታ ኣንብሩውዋ’ሞ፡ ማንም ሓልፍ መንገዲ ንኸንድዳ ዓቕሚ ከምዘይብሉ ፍለጡ። ግን ነቶም ምንዳድ ዝምእምኦም፡ ኣጭርቕቲ ቀቀሊሉ ሰብ’ውን ዘንድዱ ኣሎዉ እንድዮም፡ ይኣኽለኩም ይበለና። ተስፋ እገብር’ውን ካብዚ ሕልኩስ ተግባር ወጺእና፡ ኣብ ዓመት 2017 ካብ ኣጭርቕቲ ምንዳድ ናብ ንሃገር ዝጠቅም ክንጽመድ።

4)   ካብ ኣምሓራ፡ ትግራይ፡ ሱዳን፡ ሶማል፡ ዓረብ ዘይውለድ ኤርትራዊ፡ ብርግጽ እቲ ጽሩይ ኣፍሪቃዊ ክኸውን ኣሎዎ፡ እዩ ዝብል እቲ ናይ ምሁራን ምህሮ። እሞ እቲ ኣቦሓጎታቱ ኣቐዲሞም ንኤርትራ ዝፈለሱ፡ ነቶም ኣባሕጎታቶም ድሒሮ ዘርከቡ፡ ንሕና ብዓሌትና ካባኻኹም ንብለጽ ክብሉን፡ ብማዕሪኡ’ውን ወዲ/ጓል-ኣባትነት ከቑጽሩ፡ መንነት ክህቡን ክኸልኡን ክፈታትኑ ክትሰምዕ እንከሎኻ፡ መንጸሮር ዝሓዞ ዒንኪላሎ ፖልቲካ ካብ ምዃን ሓሊፉ ንፋስያ ምኻኑ ይስወጠካ። እሞ’ዚ መሓዛኡ ኣውራጃነትከ ምስ ምንታይ ደኣ ይቑጸር? ብርግጽ ምልኪ ቅድሚ ኣብ ተግባር ምውዓሉ ሓሳብ ስለ ዝኾነ፡ እዞም ነቲ ሰፊሕ ዕድል ክረኽቡ ዘይከኣሉ ዕሸላት መለኽቲ፡ ገለ መላመዲ ዝኾኖም ብዓቕሞም ጽብብ ዝበለ መላመዲ ክልል ክፈጥሩን፡ መን ይፈልጥ መሕኮር ስልጣን እንተጠቐሞም ክፍትኑሉ ዝሓልሙ ኣይክሰኣኑን’ዮም። እምበኣርከስ ከምቲ ቅድሚ 15 ዓመታት ኣቢሉ ይገብር ንኣውራጃነት ከበሳና ኣመልኪተ ገለ ሓንጢጠሉ ንዝነበርኩ ሓሳብ ብምዝካር፡ ምስዚ ኣብ ዓመት 2016 ቁሩብ ሳዕሪሩ ዝጸንሐ ግናይነታት ብምዝካር፡ ኣስከ ገለ ክደግም። ኩልና እንሰማምዓሉ ጉዳት’ዩ እዚ ከበሳታት ኤርትራ መረብ ምላሽ፡ ምድረ ኣግእዚ፡ ምድረ ሓማሴን ይበሃል ምንባሩ። ስለዚ’ውን ካን ብዘይናትካ ኩታ ሸነን እንተዘይኮይኑ፡ ‘ንሕና ሓምሴን እኮ ኢና!’ ዝብል እንተተረኺቡ’ሞ፡ ካብቶም ካልኦት ደቂ ከበሳ(ደቂ ሓማሴን) ብብሉጽነቱ ክምከሓሉ እንተሰሚዕኩም፡ ዕዋኖ በሉዎ። መኽንያቱ ሓማሴን ናይ ኩሉ ከበሳ መጸውዒ’ዩ ዝነበረ፡ ንመን ቀሪቡ ኣንታ ንመን ክርሕቆ? ግን ብማዕሪኡ’ውን ‘ኣከለጉዛይ ይኹን ሰራየ’ ኣልዒሉ ካብ ካላኡ ንላዕሊ ዝበልጽ’የ ኣንዳበለ ፈኽነን ዝብል እንተተረኸበ’ውን በሉዎ፣ ክልቲኣቱ መጸውዕ ፍሉያት ዓሌት ብምዃኑ ብዓለትካ ኮራዕካ እምበር ኣውራጃስ ኢምጰራጦርያዊ መግዛእቲ ጣልያን ዝደኮኖ ክልል እንድዩ’ሞ ምለሰሉ ደኣ በሉዎ። ትፈልጡዶ ሰራየ ምስ ዝተረፉ ኣሕዋቶም ዝፈረዩዎም ኩሎም ‘ደቂ ወረሰናዝጊ’ ይበሃሉ ምንባሮም፡ ብማዕረኡ’ውን ዝበዝሐ ኣብዚ ሕጂ ናይ ሰናዕ ኣውራጃ ኣካለጉዛይን ሓማሴንን ዝነብር ህዝቢ ብዓሌቱ ‘ደቂ ሚናብ’ ይበሃል ምንባሩ። እዚ ክብል ከሎኹ ንቡዙሕ ካብ ካልእ ዓሌታት ዝመበቆሉ ህዝቢ ከበሳ ዘንጊዐ ዘይኮነስ፡ ሰእን ኣፍልጦ ኣብ ዘይምልከቶም መላኺ ሃለውለው ተሸሚሞም ከምቲ ኣብ ‘ሓማሴን’ ኣመልኪተ ኢለዮ ዘሎኹ ብዘይኩታኻ ሸነን ዘይሓምቀሉ የለን’ሞ፡ ሓደራኹም ምዕባይን ምጥርናፍን ይኹነልና እቲ ጥበብ።  ስለዚ እዚ ከንቱ ኣውራጃዊ ዘመተ 2016 ደጊም ይኣኽሎ፤ ብርግጽ’ውን ካብ ሃመማ ሓኸለ ምፍታሽን ከንቱነትን’ዩ። ነቶም በዚ ሸንኮለል’ዚ ዝጸመምኩም ኤርትራውያን ተወላዶ ካላኦት ኣውርጃታት’ውን፡ ሓደራኹም ካብዚ መሕመሚ ጉዳይ የድሕንኩም። ምናልባት ተመሳሳሊ ጸገማት እንተሃልዩኩም ንጽባሕ ኣይተቐምጡዎ። ብሓፈሽኡ ግን ክብረት መስዋእትነት ህዝብና ዝቓኒ፡ ንቕድሚት ጥራሕ ዝሰጉም፡ ስሙር ኤርትራዊ ተሞክሮ ዘቃልሕ፡ ሰላምን ቅሳነትን ዕብየትን ዝዓሰሎ ዓመት 2017 ደጊም ይፍጠረልና።

5)   መራኸቢ ብዙሓትና ኣሞኳደኣ ኢንተርነት፡ ኣብ ዓለምና ፈጢሩዎ ዘሎ ናህሪ ሓበረታ ንዓለምና ናብ ዘይትፈልጦ ዝነበረት ሓዲሽ ክውንነትን ግጥምያን ኣእትዩዋ ስለ ዘሎ፡ ኤርትራውነትና’ውን ዓቕሚ ንቕሓት ህዝብና ዝመጽዮ ይሕመቕ ይጸብቕ ምትሕቑቛናት ክህሉዎ ግድን’ዩ። ወዮ ደእ መንግስቲ ኤርትራ እንተስ ብሰላ ሕምቀቱ ይኹን ጸረ ናጽነት እንካን ሃባን ኣብ መንጉኡን ህዝቡን ኣብ ንኢንተርነት ኮሕኖ ገይሩዋ ኣሎ’ምበር፡ ምስዚ ዘሎ ሃውተታ ዝንቡዓትሲ ክንደይኮን ከሽግሮ ምከኣለ? ዘየተሓሳስብ ኣይኮነን። እቶም ኮነ ኢሎም ንህዝቢ ኣብ ቤላ-ቤለው ከንብሩዎ ዝመረጹን ጸረ ውዱብ ኩውንነትን ፋሉላውያን ኣብ ዓለምና ፈጢሮሞ ዘሎዉ ምድንጋርን ገልበጥበጥን ነቲ ብዓቕሚ ትምህርቱ ዝሰንኮፈን ሚዛን ዝጎድሎን ብዝያዳ ብበጃ ዘይርጡብ ሓበረታ ገይሮሞ ከምዘሎዉ መጠን፣ ኤርትራውነትና’ውን ከምዓቕሙ ክጻላሎ ዝርከብ ዘሎ እንድዩ፡ ከምቲ ኣቦታት ዝብሉዎ “ሓንካስ ዘውረዮ በዓል ፈረስ ነይመልሶ!” ኮይኑ ስለ ዘሎ፡ ደጊም ኣብዚ ይግባይ ዘይበሃሎ ሃለወለው ፓልቶክን ካልእን ንዑኡ ዝመስል ክውኒነት ወጺኡ ገጽ ንገጽ ብምርድዳእ ናብ ዝሓሸን ዝበለጸን ዓውደ ቃልሲ ዘሰጋግር ይግበረልና ዓመት 2017.

  

6)   ኣብ መጨረሽታ ከልዕሎ ዝደልዮ ነጥብን ዘይናይመጨረሽታን ግን፡ ብዛዕባ ‘ተቓውሞና’ እዩ። ‘ኣብ መንጎ ክልተ ዒቃ ዝቦቐለት ቆልቃልሲ ንምዋእላ ክትነብዕ ትነብር።’ ከም ዝብሉዎ፡ ብክልተን ሰለስተን ስሕለታት ክትሕርሓር እትነብር ዘላ ብዋንነት ንገሊኦም ጥራሕ ተገዲፋ ትልኽ እትብል ዘላ ተቓውሞ፡ ካን ከም መለቀብታ ጥራሕ ተቖጺራ ምህላዋ የሕዝነካ። ያኢ ሃገርና ጥዒሙዋን ርህዩዋን ያኢ ከም ዘሎ፡ ንቑምነገር ገዲፍካ ኣብ ጓል ነገር ተሸኺልካ ሸንኮለል ምብል ዝገርም’ዩ። ህዝብና ሓሲሙዎ’ሎ፡ ራህዋ ዘምጽኣሉ ዪደሊ። እዚ ዕማም’ዚ ናይ ኩሉ ኣዚሩ ንኽርኢ ብቕዓት ዘሎዎ ሃገራዊ ዕማም’ዩ። እሱ ስለዝኾነ’ዩ እውን ኩሉ ልቢ ዘሎዎ ኤርትራዊ ክቃወም ዝሕተት። ስለዚ’ውን ኤርትራዊ ተቓውሞ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ’ዩ። ዘድምዕ ተቕውሞ እንተዘይሃልዩ ድኽመት ናይ ሓደ ክልተ ጉልባብቦም ዝቐልዑ ወልቀሰባት ይኹን ጉጅለታት ጥራሕ’ዩ ኣየስምዕን። እቲ ፍሽለት ናይ ኩሉ’ዩ። ብቐንዱ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ሉሙስ ምናቱ ክሓብእ ምእንታን፡ ንመዓቀን ጥምዙሕ ህላወኡ ዝጥቀመሉ መስትያት ንምግባሩ፡ ኣይበልክኹምንዶ? ካባይ ዝበልጽ ክትረኽቡ ኣይትሕሰቡ፣ እንዳበለ ዝሕባኣሉ ዘሎ ጸላም በዓቲ ኮይኑሉ ምህላዉ ከተስተውዕል፤ ብማዕረኡ’ውን ከምቲ መንግስተ ሰማይ የዋርሶ ነፍስሔር ስዉእ ስዩም ዕቕባሚካኤል ‘እዚ ተቓውሞ ዝመንግስቶም እውን ኣሎዉ’ዮም’ ብምባል ዘጠመቆም ዘይበልዩ ጃለታት፡ ንሃገርና ዝኸውን ቅንጣብ ትዕየር ረብሓ ዘይገበሩ እንክንሶም፡ ንተቕውሞና ጥራሕ ብምቅዋም፡ ንድኽመታት መንግስቲ ምሕረት ዝሃቡን መተዓረቒ ክገብሩዎ ዝፍትኑ ምስሉያትን ተበለጽትን ኣብ 2017 ኣብ ህዝባዊ ልቦም ተመሊሶም ንህዝቢ ኤርትራ ዝጠቅም ቁምነገር ክገብሩ ክርኢ ምንዮተይን ጸሎተይን ወሰን የብሉን።

ፈጣሪ ሃገርና ይባርኸልና!

 

ሃይለ ወልዱ።

ሎንዶን።

Last modified on Sunday, 01 January 2017 18:27