ሓሙሽተ ኣጻብዕ ኣብ ሓደ ጉምቦ ኢድ

2017-01-03 17:55:46 Written by  ድራር ማንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2772 times

ህዝቢ ኤርትራ፥ ድሕሪ ናጽነቱ ምጒንጻፍ እውን፥ እቲ ጭቆናን ግፍዕን ካብ ዘይፍለዮ እነሆ 25 ዓመት ኣቚጺሩ። ይኹን እምበር ነዚ ግፍዒ እዚ ካብ ወዲ ሃገር ከምዚ ዝኣመሰለ ክርከብ እዩ ዝብል ሕልና ወይ ሓሳብ ኣይነበሮን። ህዝብና እቲ ቀንዲ ቀዳማይ ዕላማኡ ዝነበረ ሸቶኡ ስለ ዝሃረመ፡ ነታ ብደምሙ ዝረኸባ መሬት ተመሊሱ ከጥፍኣ ስለዘይደሊ፥ ክሳብ ዝሓልፈሉ ኩሉ ክኢሉ ኣጽቂጡ ኣሎ።

ልክዕ እዩ ሕብረተሰብ ኤርትራ ሓደ ዝዓይነቱ ሕብረተሰብ ኣይኮነን። ሓደ ዓይነት ሕብረተሰብ ኣይኹን እምበር ሓንቲ ሃገር መጸውዒት ስሙ ግና ኣላቶ፥ ንሳ ከኣ ኤርትራ ትበሃል ሃገር እያ። እዛ ሃገር እዚኣ  እያ ንሱር መሰረቱ ኣተኣሳሲራ ከም ሓደ ሕበረተሰብ ናይ ሓንቲ ሃገር ኣተሓባቢራ ክነብረላ ዘኽእል ባይታ ክትከውን ታሪኽን ቅያን ሰሪሑ ልኡላውነታ ዘውሓሰ።

ኩልና ናይ ሓደ ሕብረተሰብ ኣባላት ከምዘይኮና ብሩህ ካብ ኮነ፥ እምበኣር፡ ነታ ሃገር ሓደ ዝዓይነቱ ሕበረተሰብ ሰለዘይኮንና  ክንጨራርማ ህርዲግ እንተበልና ዘይከውን እዩ።  ከመይሲ ኣብ ጉንቦ ኢድና ዘለዋ ኣጻብዕ ናይ ነንበይነን ኣስማት ሒዘን እየን ኣብ ሓንቲ ጉንዲ ናይ ኢድና ጸኒዐን ብሓባር ኢድ ዝብል ስም ወሲደን ብሓባር ዝሰርሓ ዘለዋ። ሓሙሽተኤን ኣጻብዕ ናይ ሓንቲ ኢድና በበይንናባ ኢለን እንተዝኾና መጀመርያ ተፈልየን ኣበይ እየን ክለግባ፥ ካልኣይ ነጥቢ እቲ ሓቢረን ዘፍርይኦ ስራሕከ በየን ኣቢለን እየን ተሰማሚዔን ክፍጽምኦ።

ናይ ሕብረተሰብና ብዙሕነት ከኣ ልክዕ ከምዘን ኣጻብዕትና ኣብ ሓደ ኢድ ለጊበን ዘለዋ ክምሰል ዝኽእል እዩ። ሓደ ዘይዓነቱ ሕብረተሰብከ ሰላምን ፍቕርን ስኒትን ምጽውዋርን ኣለዎዶ ኢልና ምስ እንሓትት ርሑቕ ከይከድና ናይ ህዝቢ ሶማል ከም ኣብነት ክንወስድ ንኽእል። ህዝቢ ሶማል ሓደ ዝዓሌቱ ሓደ ዝሃይማኖቱ ሓደ ዝቋንቁኡ፥ ሓደ ዝባህሉ ግን ክሳብ ሕጂ ኣብ ነንሓድሕዱ ድልዱል ምትእስሳር ዘይብሉ ነንሓድሕዱ ዝናቘት ኩይኑ ኣሎ።

ይኹን እምበር ነዚ ብሃይማኖት፡ ብዓሌት ወይ ብብሄር ዝተፈላለየ ሕብረተሰብ ብምርጫኻ ትኣትዎ ዘይኮነስ እንታይ ደኣ ሓደ ኣብ ትውልዲ እቲ ካልኣይ ከኣ ኣብ ስልጣኔን ምዕብልናን ዝተመርኰሰ እዩ ክኽውን። እዚ ብናይ ስልጣነን ምዕብልናን ዝመጽእ፥ ብናይ ገዛእ ርእስና ድርኺት ተደሪኽናን ብስምዒትና እውን ተዋሒጥና ናይዚ ክፍሊ እዚ ኣባል እየ ምባል ምስቲ ትዋሰኦን እትህቦ እወንታዊ ኣስተዋጽኦን ተደማሚሩ እዩ ነቲ ሕብረተሰብ ኣባሉ ዲኻ ኣይኮነካን ተመስክር። በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ ኣባልነት ብዓሌት ወይ ኣውራጃ ወይ ብሄር  እንተኾይኑ ናይ ደምን ትውልዲ ሓረግን ስለዝኾነ ዝውስኖ ኣብዚ ፈጺምካ ቦታ ከምዘይብልካ ርዱእ እዩ።

እቲ በብዓይነቱን ዝተፈላለየን ሕብረተሰብ እምበኣር ኩለንተናኡ ኣብ ምዕባለን ስልጣነን ክሓስብ ከሎ ነታ ንሱ ዝኣባላ ሕብረትሰብ ወይ ብሄር ወይ ዓሌት ወይ ኣውራጃ ጥራሕ ዝሓስብ ኮይኑ ሓደገኛ ውጽኢት እዩ ክህልዎ። ምኽንያቱ ኣብ ከምዚ ኣተሓሳስባ እዚ እቲ ድርቅና፥ ኣንነትን ስሰዐን ባይታ ዝምድመደሉ ስለዝኾነ፥ ነቲ ኣነ ይፈልጥ፥ ኣነ ዝበልክዎ ይኹን፥ ኣነ ዝሓንጸጽክዎ ይተግበር፥ ብዘይካይ ካልእ የልቦን ናብ ዝብል ጸቢብ  ፍትወተ ነፍስኻ፡ ብሄርካ፡ ሃይማኖትካን ቀቢላኻን ቀዳምንት ክትህብ እዩ ዝደፋፍኣካ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ከኣ ዝቕይደካ ሕጊ ስለዘይብልካ ዝደለኻዮ ንዝኾነ ይኹን ካብ ቃሕታኻ ተበጊስካ ትስጉም። ንኹሉ ብሓባር ዘርብሕን ዝጠቅምን ሓሳብ ድማ ኣብ ኣእምሮኻ ኣይቅልቀልን። ከምዚ ኣብ ዝኾነሉ ግዜ ከኣ፥ ነቲ ሽግርካ ብሓባር ናይ ፍታሕን መንፈስ ሃሲሱ፥ ንብሄረይ ጥራይ ሒዘ እየ ኣብ ዝደልዮ ክበጽሕ ዝኽእል ኣብ ዝብል ጽበት ትጥሕል እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ነቲ ብሓባር ካበይ ነቒልና ናበይ ክንበጽሕ ዝብል ኣምር ብምዕቡልን ፍትሓዊ ኣተሓሳስባን ነጺግና ብናይ ሃይማኖት ወይ ከኣ ብሄር ወይ እውን ኣውራጃ ኣቢልና ብናይ ገዛእ ርእስና ስምዒት ተመሪሕና ክንበጽሖ ኣይንኽእልን ኢና።

እንታይ ደኣ እዩ ንደቂ ሰባት ዘሰማምዖም ጉዳይ። ደቂ ሰባት ኣብ ሓድሕድ ዝገብርዎ ደጋዊ ርክባት በቲ ካብ ውሽጦም ዝነቅል ኣተሓሳስባ እዩ ዝውሰን። እዚ ደጋውን ውሽጣውን ተግባራዊ ምትእስሳር እዚ ከኣ እዩ እንተስ ክፈላለዩ እንተስ ክሳነዩ ዝገዝኦም። ኣብዚ ከኣ መስርሕ ሓሳብን ተግባርን ሓባራዊ ወይ እውን በይናዊ ክኸውን ይኽእል።

እዚ ኣብ መንጎ ብሰላም ናይ ምንባርን ንሓባራዊ ረብሓ ዘቋመትን ኣብ መንጎ ብህውከትን ፈላለዪን ተነጺልካ ምንባርን ዘሎ ኣተሓሳስባ  እዩ። እቲ ንሓባራዊ ዝጠመተ ናይ ባህሊ፡ ሃይማኖትን ፖለቲካን ፍልልይ ብዘየገድስ ኣብ ሓድሕድ ምክብባርን ፍቕርን፥ ኣብ ሓባራዊ ረብሓታት ዝጠመተ እዩ። እዚ ነቲ ኣተሓሳስባናን ተረድኦናን ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ በሰላም ምንባርን ብዓመጽ ከስዕብ ዝኽእል ጉዳያት ብግቡእ ምልላይ ማለት እዩ። እዚ ማለት ቋንቋኻ፥ ሃይማኖትካ፥ ኣውራጃኻ ወይ ብሄርካ ክሓድ ማለት ዘይኮነስ እንታይ ደኣ ካብ ውሽጥኻ ነቒሉ ዝብገስ ኣተሓሳስባ ንስኻን ካልኦትን ብሓባር ዘናብረኩም ጉዳያት ንምሕሳብን ንምትግባርን ዝሕግዙ ይቕረ ምባልን ሕድገታት ምግባርን ማለት እዩ።

ኩሉ ወዲሰብ ናይ ነንበይኑ ድሌት፡ ሃንቀውታን ትጽቢትን ከምዘለዎ ርዱእ እዩ። ነዚ ድሌታት እዚ ግን በዘን ሰለስተ ዓበይቲ ነጥብታት ምስ ዝግዛእ ኩሉ እቲ ድሌታቱን ጦብላሕታትቱን ከሳለጥ ይኽእል። እዚ ከኣ ንኹሉ ሓቈፍን ኣሳታፍን ኮይኑ፥ ንኹሉ ዝተፈላለየ ባህሊ፡ ሃይማኖትን ካልእን ተቐቢሉ ብዘይኣፈላላይ ዘኽብርን ዘተኣናግድን ክኸውን ኣለዎ። ነዚ ንምትግባር ድማ መሰል ደቂ ሰባት፥ ዲሞክራሲ፡ ግዝኣተ ሕግን ምኽባርን እዩ። ካብኡ ሓሊፉ ሃይማኖት፡ ብሄርን ኣውራጃን ኣብ ሕብረተሰብ ከፋፋሊ ጽልዋ እንተሃልይዎ ክውገድ ኣለዎ ዝብል ውሽጣዊ ድሌት፡ ተበግሶን ዕግበትን ክህሉ ናይ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ  ግዴታዊ ተግባር ክኸውን ይግባእ።

 

Last modified on Tuesday, 03 January 2017 18:59