መለኽቲ ስርዓታት ንህዝቢ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሮም ኣእትዮም፥ሕራይ” ኢሉ ከም  ዝግዘኡሎም ንምግባር ዘይፍሕትርዎ መሬትን ዘይፍንቅልዎ እምንን የለን። ኩሎም መለኽቲ ስርዓታት ምናልባት ብገለ ደርጃታት ይፈላለዩ ይኾኑ እምበር ዝጥቀሙሉ ሜላታት ዳርጋ ዝመሳሰል እዩ። ቀንዲ መደቦም ከኣ ህዝቢ ንክርዕድን ንኽፈርህን ሓበረታ ሰኒዖም ከም ዝንብርከኽ ምግባር ዝጥቀሙሉ ሜላ ዓመጽ እዩ። ስለዚ ህዝቢ ኮንዶኾን ይሓልፍ ይኸውን ብምባል ነቲ ኩሉ ኣደራዕ፡ ሽግር፡ ጸበባን ከርፋሕ ናብራን ንገለ ግዜ ክጻወርዎ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ውሽጦም ኣዝዩም ስሱዓትን ተበለጽትን ስለዝርከብዎም ከኣ ነቲ ስርዓት ተዋሳኺ ሓይሊ ኢዮም ዝኾንዎ ብኣኣቶም ኣቢሉ ከኣ ብዙሕ ክዝረግሓሉ ዝደልዮ ተንኮላት የዋፍሮም።
 
ስለዚ መለኽቲእቲ ህዝቢ ተንበርኪኹ ሕራይ ኢሉ ከም ዝኣምኖም ንምግባር ዝሕግዞም ቀዳማይ ነጥቢ ፍርሒ እዩ። እቲ ህዝቢ ኣብ ፍርሕን ራዕድን ምስ ዝኣቱ እቲ መላኺ ስርዓት ዕድመ ስልጣኑ ናይ ምንዋሕ ቀንዲ ረቛሒ ይኸውን። ብተወሳኺ ከኣ ወግሐ ጸብሐ ናይ ጥበራ ኣገባብ እውን ይጥቀም። ንኣብነት  መላኺ ስርዓት እሰያስ ኣብ ፈቐዶ ሓጽብታትን ሕርሻታትን ንይምሰል ዝንቀሳቐሶ ንሱ ጥራሕ ነታ ሃገርን ህዝባን ዝሓሊ ኮይኑ ንኽረአ ዝገብሮ ጉርሒ እዩ። እዚ ከኣ ነቲ ኣጠማምታን ቀልብን ናይቲ ህዝቢ ንምስላብ ዝገብሮ ትያትሮ እዩ።
 
መለኽቲ ነቲ ጭቡጥ ዝኾነ ህዝቢ ብቐሊሉ ክኣምነሉ ይኽእል ኢሎም ዝግምትዎ ጉዳያት እንድዮም ሃሰስ ኢሎም ዝጥቀሙ። ንኣብነት እቲ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ሓምሳታት ንመሰል ርእሰ ውሳኔ ህዝቢ ኤርትራ ጎስያ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘሻረወቶ ጥራሕ ዘይኮነስ እቲ ንሰላሳ ዓመታት ዝወሰደ ውግእ ብሰንካ ምዃኑ እቲ ህዝቢ ስለዝፈልጥ ክሳብ ሎሚ ይምዝምዝዎ። ንዝኾነ እቲ ዝቃወሞ ኣካል ድማ ብእኩብ ይኹን ብውልቀ እንታይ እዩ ንዕኡ ከፍሽል ዝኽእል ብዝብል ሃሰውሰው ኢሉ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዘእምን ዝመስል ሓሳባት ወይ ነጥቢ የቐልቅል። ንኣብነት ሃይለ ድሩዕ ኣብቲ  ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነበረ ውግእ “ተጠላቒና” ኢሉ ኣብ እኩብ ህዝቢ ምዝራቡ፥ ኢሰያስ ነቲ ባዕሉ ዝጻሕተሮ ውግእን ሃገራት ካብቲ ኤርትራ ሒዛቶ ዘላ መሬት ክትለቅቅ ተባሂሉ ምእባዩን ህዝቢ ከይፈልጦ ንኽዓባብጥ፥ ግርም ገይሩ ተጠቒሙላ እዩ። በዚ ዝኣክል ከኣ ንጉጅለ 15ን ካልኦትን ከም ከዳዕቲ ሃገርን ምስጢር ንወያኔ ዝሃቡን ኣምሲሉ ኣብ ህዝቢ ከቕርቦ ከሎ ዝተወሰነ ካብ ህዝቢ ንግዜኡ  ካኣምኖ ክኢሉ እዩ።
 
ካልኣ ጉዳይ እቶም ከሎ ጋና ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ካብ 1991 ኣትሒዞም ነቲ ስርዓት ብግቡእ ዝፈለጥዎ ሃገራውያን ሓይልታት ኤርትራደጊም ናይ ውድባት ሓሸውየ የለን” ክብል ከሎ፥ ነቲ ህዝብና ኣብ ግዜ መግዛኣቲ ዘሕለፎ ስቓይን መከራን ሕጂ ሰላም ብምርካቡ ንሰላሙ ይዘርጉ ኣለዉ ከብል ከኣ ተጠቂምሉ። ሕጂ እሞ ከኣ ብዝገደደ መልክዑ ወዮ ንሱ ምስ ወያኔ ኮይኑ ሃገራዊ ሓይሊ ከምዘየጥፈኣን፥ ንዝቃወምዎ ባይታ ከምዘይከልአን፥ ተመሊሱ ነተን ውድባት ኣብ ኢትዮጵያ መቃለሲ ባይታ ክኾነን ዝመረጻ ከም መጋበርያ ወያነወይጦታትከዳዓት ብማለት ንሱ ዝገብሮ እኩይ ተግባራት ህዝቢ ከየስተብህለሉ ንምኽዋል፡ ነተን ውድባት ብሰንኪ እቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ዶብ ዘይምሕንጻጽ ግርም ገይሩ ንህዝቢ መተኣማመኒ ጭብጢ ተኾነኒ ኢሉ የደናግረሉ ኣሎ። ካብዚ ሓሊፉ በቶም ንዕኡ ከም ኣምላኽ ዘምልኽዎ ዝጽሕፍዎ ጽሑፋትን ዝዝርግሕዎ ኣዕናዊ ፕሮፓግንዳን ኣቢሉ ንሓይሊ ተቓውሞ ክበታትኖ ዝገብሮ ጻዕርን ፋሕተርተርን ብዙሕ’ዩ ሓደ ካብቶም ዕሉላት ደገፍቲ እዚ ዝስርዓት ኣቶ ተስፋማርያም ሓጎስ 21-05-2016 ኣብ ተስፋ ኒይውስ ዝጸሓፎ ሓደ ብሓደ ንእንታይነት እቲ ስርዓት ኣብ ጥበራን ፈኸራን ይገብሮ ዘሎ ጽሑፍ ከኣ ከምዚ ዝስዕብ ንረክብ።
 
‘’ወያነን ኣሜሪካን ሰዓብታን መዓርን ጠስምን ሒዞም ናብ ኤርትራ ከምዘይመጹ ርዱእ ኢዩ። እቲ ዝገርም ግን ናይቶም ከዳዓት መጋበርያ ጸላኢ ዝኾኑ ተቓወምቲ ዝብል ስም ዝተጠመቑ ወይጦታት እዩ እዞም ህዝቦምን መንግስቶም ዝኸሓዱ ኣብ ጥላም ሳእኒ ወያነ ዝተንበርከኹ ወይጦታት እቲ ባህጎምን ትምኒቶምን ኤርትራ ከም በዓል ዒራቕን ሊብያን ክትድምሰስን ክትዓኑን ህዝባ ክሃልቕን ድዮም ዝምነዩ ዘለዉ ?’’ ኢሉ ብሕቶ መልክዕ ዝዓጸዋ ጽሕፍቲ እንተተዓዚብና ባዕሉ እቲ ስርዓት ንህዝብና ዘጽንትን ህዝብና ቀሲኑ ንኸይነብር ዝገብርን ዘሎ እቲ ምዃኑ ጠፊእዎ ዲዩ ነቲ ጉዳይ ናብ ካልኦት ከሳብቦ ዝጽዕር ዘሎ። እዝስ ከምታ ናይ ሂትለር ባዕሉ ዝኾዓቶ ጐዳጉዲ ሃዶሽዶስ ምስ በሎ ጀርመን ኣብ ዓቢ ሽግር ምስ ወደቐት ናብቶም ኣይሁድ ዘሳበቦዶ ኣይመስልን።ንሰላሳ ዓመታት ደምና ከም ውሕጅ ዛርዩ ዓድታትና ዓንዮም ህዝብና ናብ ፈቐዶ ሃገራት ከም ዝስደድ ኮይኑ። እዚ ኹሉ ብሰንኪ ኣሜሪካ እዩ። እነሆ እዚ ሰብዓ ዓመታት ኣቝጺሩ ይርከብ። ኣብዚ ሰብዓ ዓመታት ህዝብና ካብ ምዕባለ ተሓሪሙ ዕጭኡ ውግእን ሞትን ህልቂትን ስደትን ኮይኑ ተሪፉ። ዘዝተወልደን ዘዝጎበዘን ኲናትን መቝሰልትን ስንክልናን መስዋእትን ኮይኑ ዕጭኡ” ከኣ ይብል ከይሓፈረ። እዚ ከኣ እሞ ነቲ እተን ኣብ ውሽጢ 25 ዓመታት ህዝቢ ኤርትራ ናጽነት ረኺበ ኢሉ ክርህዎ ዝተጸበዮ እሞ ኣብ ክንድኡ ማእሰርትን መቕተልትን ጭቆናን ራዕድን በቲ ስርዓት ክፍጸም ከሎስ መንግስቲ ኣመሪካ ዲያከምኡ ግበር” ዝብል ትእዛዝ ሂባቶ እሞ ንመንግስቲ ኣመሪካ ዝኸሳ ዘሎ፥ ፈጺሙ ምስ ሓሳባቱን ምስቲ ዘሎ ክውንነት ዝራጸም እዩ።
 
‘’መንግስቲ ኤርትራ ንርእሱ ክመስልን ጉዳይ ሃገሩ ብዘይ ናይ ማንም ተጽዕኖ ክኣልን ክመርሕን ዝደሊ ኣብ ነብስኻ ምኽኣል ዝብል ቅኑዕ መትከል ረጊጹ ንህዝቡ ለይትን ቀትርን ኣስሚሩ ዝሰርሕ መንግስቲ እዩ። ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነት ናይ ማንም መንግስቲ ተለኣኣኽን ከዳምን ክኸውን ኣይመረጸን እዩ። ከምዚ ዓይነት መንግስቲ ኣብ ኣፍሪቃ ንሃገራት ምዕራብ ብፍላይ ከኣ ንኣሜሪካን ሰዓብታን ሓደገኛ ኢቦላ ቫይረስ እዩ።” ይብል! እዚ’ሞ ኸኣ ዓቢ ናይ ሓሶት ቆፎ ጥራሕ ዘይኮነስ ንህዝቢ ኤርትራ ያኢ ነፍስኻ ምኽኣል እናበልካ ክጠምን ናይ ቁጠባዊ ናጽነት ምኽልካልንሲ ከም ዓቢ ቁምነገር ወሲዱ ህዝቢ ንኽጥብር ዝብሎ ዘሎ እምበር፡ ህዝቢ ኣቲ ጉዳይ መሪርዎን ደም ጥዒምዎን ከምዘሎስ ብሩህ ከም ብርሃን ጸሓይ እዩ።
 
መንግስቲ ኤርትራ ዝበሎ እንተ ደኣ ሃልዩ፣ መትከልና ርእስኻ ምኽኣል፣ ነብስና እንበር ንኻልኦት ክንመስል ኣይንደልን ኢና፣ ናይ ማንም ሃገር ጽግዕተኛን ተለኣኣኽትን ክንከውን ኣይንደልን ኢና ብጽፍርና ጻሕቲርና ክንነብር እምበር ኣእዳውና ንልማኖ ኣይንዝርግሕን ኢና ዝኾነ መዘዝ ሒዙ ዝመጽእ ዓይነት ሓገዝ ኣይንደልን፣ ኣብ ናይ ማንም ሃገር ውሽጣዊ ጉዳይ ኢድና ኣይነእቱን” ዝበሎ’ውን ኣሎ። እዚ ክብል ከሎስ ተስፋምርያም ንመን እዩ ከደናግርን ከዕሹን ዝሓስብ ዘሎ ፈጺሙ ኣይርደኣካን እዩ። ኣጽፋር እናኸራተምካስ ብጽፍርና እንነብር። 
መትከል ርእስኻ ምኻልዶ ነፍስኻ ምቕታል ከም ቁምነገር ድዩ ቆጺርዎ። ደሓርከ ኣብ 1994 “ንመንግስቲ ሱዳን ክንቅይሮ ኢና” ብማለት ኣብ ጉዳይ ህዝቢ ሱዳንዶ ኢዱ ኣየእተወን ድዩ? እቲ ምስ የመን፥ ጂቡቲ፥ ኢትዮጵያ ዝጻሕተሮ ኲናትሲ ጣልቃ ኣታውነት ኣይኮነን ክብለና ድዩ ዝፍትን ዘሎ? እንተኾነ እዚ ክሳብ ሕጂ ኣብ ዓመጽ፡ ጥበራ፥ ስለያን፥ ሓሶትን ዝነብር ስርዓት ዝገበረ እንተገበረ ናብ ምህሳሳን ምስባር’ቶም ደው ኣቢሎሞ ዘለዉ ኣዕኑድ ገጹ እዩ ዘንቈልቅል ዘሎ።
 

ብዙሕ ግዜ  “እዞም ተቓወምቲ ሰልፍታት ወይ ውድባት እንታይ ዕላማ’ዩ ዘለዎም” ዝብል ሕቶ ይቐርብ እዩ። እቲ ሕቶ ከም ሕቶ ዝጽላእ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ እቶም ከምኡ ኢሎም ዝሓቱ እንታይ ክፈልጡ ስለ ዝደለዩ እዮም ከምኡ ኢሎም ዝሓቱ ዝብል’ዩ ክምለስ ዘለዎ። ካብዚ ነቒልና እምበኣር እቲ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ዝደልዮ ክፈላለ ከምዝኽእል ግምት ክንረክብ ይከኣል እዩ። በዚ ዝኣክል እቲ ዝሓትት ገሊኡ ድሌታት ንብሄር፥ ንሃይማኖት፥ ንኣውራጃ ወይ ኣውን ንትሒዘ-ጸኒሕ (conservative) ዝሓስቡን ዝውክሉን ክኾኑ ከለዉ፡ ገሊኡ ከኣ ንህዝቢ ኣተሓቛቚፉ ዘተሓባብር ግዝኣተ ሕግን ቅኑዕ ምሕደራን ዝኣምን እዩ።

ነዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ  ሕቶ ዝሓትት ነፍሲ ወክፉ ነናቱ ዕላማን ኣተሓሳስባን ክህልዎ ዝኽልክሎ የለን። ግንከ እቲ ኣተሓሳስባ ክሳብ ክንደይናይ እዩ ነቲ ሕብረተሰብ ዝፈላሊ ወይ ዝተሓቛቚፍን፥ ዘሳንን ምምማይ ናይ ብልህነት ባህሪ እዩ። ኣብዚ ኩነታት እዚ ነቲ ካብ ስኒት፡ ምትሕብባርን ምትእስሳርን ኣርሒቑ ዝምርሽ ሓሳብ ወይ ዕላማ ነቲ ቀዳማይ ክኸውን ዝግበኦ ንድሕሪት ይጎቶ’ሞ ነቲ ዓወት ኣብ ክንዲ ዘቀላጥፍ የዛሕትል ወይ ከኣ ናይ ሓባር ዓወት ንምርግጋጽ ዘሎ ተኽእሎ የዳኽሞ።

ብካልእ ሸነኽ ከኣ እቲ ስልጣንን ሓላፍነትን ምውሳን ናይ ህዝቢ ምዃኑ ብምስሓት ባዕሉ እንተስ ብውልቀ እንተስ ብእኩብ እዚ እዩ ክኸውን ዘለዎ ብምባል፡ እቲ ቀዳማይ ዕላማ ተጐስዩ ከምዝሕለፍ ይገብሮ። ብዘይካ’ዚ ነተን ሰልፍታት ብግቡእ ከለልየንን ክፈልጠንን ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ ይበጽሕ እሞ፡ ንኹሉ ብኣልማማ ክርቢት ሸርጢጡ የንድድ። እቲ ቀዳማይ፡ ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃ ክሕዝ ዝግበኦ ጉዳያት ብምድውዋስ  ዝስዕብ ፍልልያትን ምግርጫዋትን ከኣ ነቲ ሃገራዊ ስምዒት ይኹን ነቲ ቅኑዕ ራኢ ሒዙ ንኽቃለስ ዝተወደበ ዘዕንቅፍን ዝሃስን ይኸውን።

ንኣብነት ገሊኡ ኣብ ዲያስፖራ ወይ  ወጻኢ ዝቕመጥ ኤርትራዊ ዜጋ፥ ኣየነይተን ሰልፊ ወይ ውድብ እያ ናይ ቀረባን  ርሑቕን ዕላማኣ ሓንጺጻ ዘነጸረት ንምፍላጥ ኣብ ክንዲ ምጽዓር ንኹለን ከነኣእስን ክቆናጽብን እዩ ዝህንደድ። ነዚ ንምትግባር ከኣ ንሓንሳብ ሰውራ ኤርትራ ሽፍትነት እዩ ነይሩ፥ ሃገርና ልኡላውነት የብላን፥ ሓንሳብ ሰማያዊትዶ ወላ ሕብርታት ዝበዝሓ ባንደራ፡ ዝብሉ ወረታት ኣብ ዝነዝሓሉ እንተዘይርዒምካል ንዓኡ በዓል ዕላማን ራኢን ኣይኮንካን። በዚ ኣካይዳ ካብቲ ብሓባር ኰይንና ክንቃልሶ ዝግበኣና መላኺ ኣተሓሳስባ ስርዓት ህግደፍ  ወጺእና ኣብ ጓል ነገር ስለ ዘህውትተና፡ እቲ መላኺ ስርዓት ብኮራርምቱ ክስሕቕን ናይ ስልጣን ዕድሚኡ ከናውሕን ዕድል ንኸፍተሉ ከም ዘለናን ከነስተብህል ይግበኣና።

ኣብዚ ግዜ እዚ ብፍላይ እቶም ምስ ህዝባዊ ግምባር ዝቃለሱ ዝነበሩ’ሞ ነቲ ውድብ ብግቡእ ዝፈልጥዎን ዘይፈልጥዎን ዱድ ክብሉ ከለዉ እቲ ሰማዒ ከኣ ቃልሱ ኣንጻር መላኺ ስርዓት ገዲፉ ሓዲሽ ዘይተሰሞዐ ታሪኽን ተግባርን ግዲ መሲልዎ፥ ነቲ ንሎሚ መሰረታዊ ዘይኮነ ክሰምዕ ግዜኡን ጉልበቱን የባኽን። እዚ ከኣ ንረብሓ እቲ ብኢደ ወነኑ ስልጣን ጨቢጡ ዘሎ ስርዓት ኢሳያስ እዩ ዝውዕል።

ሎሚ ነቲ ኣብ  ዝሓለፈ ተመኩሮና ዝፍጸም ዝነበረ ግፍዓታትን ጌጋታትን ክዝንቶ እንከሎ ንብድሕሪ ሕጂ ከምኡ ዝኣመሰለ ከይድገም ክንመሃረሉ እምበር፡ ንሕሉፍ ክንፈርድን ክንቀጽዕን እንተዀንና እቲ ሕሉፍ ፈጺሙ ኣይቅየርን እዩ። ‘’ርእሲ ዝነኸሰካ ተመን ብምቕጥቃጥ ቁስሊ ኣይሓውን እዩ’’ ከም ማለት እዩ። ባንደራ ትንደድ ትቀደድ፥ ግፍዕታት ይዘርዘር ኣይዘርዘር፥ ናይ ፈደረሽንዶ ናይ ህግዲፍ ባንደራ ምውድዳር፡ ሰውራ ኤርትራ ሽፍትነትዶ ነይሩ ኣይነበረን፥ ስውኣትዶ ኣገልገልቲ ኢሰያስ ንበሎም ኣይንበሎም፡ ዝብል ኮለል ነቲ ስርዓት ብምንም ዓይነት ዘዳኽሞ ዘይኮነስ መሊሱ ዘፈርዝኖ እዩ። ብኣንጻሩ ንዓና ካብቲ  ቀዳማይ ዕላማና ዘስሕተና ስለዝኾነ እቲ ጉዳይ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ጽባሕ ሓላፍነት ምዃኑ ኣሚንና፡ ቀዳማይ ኣድህቦና ኣንጻር’ቲ ወግሐ ጸብሐ ህዝብና ንምጽናት ተዓጢቑ ዘሉ መላኺ ስርዓት ምውዳቕ ክኸውን ይግበኦ።

ነዚ መላኺ ስርዓት ከመይ ነልግሶን ኣብ ክንድኡ ከመይ ዝበለ ምሕደራን ፍትሕን ክነንግስ ኢና ኣብ ዝብል ፍልጠትና ክነዕሙቚን ዓቕምና ክንድልብን እዩ ዝግበኣና። ነተን ኣብ መስርዕ ቃልሲ ዘለዋ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ሓደ ብሓደ ብዘለወን ዘለወን ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን ግብራዊ ምንቅስቓሰንን  ክነጽንዐንን ኣካል’ተን ዝመረጽናየን ኮይና ክንስለፍን ይግበኣና።

 

እንታይ በልኩም? “እወ ናብራኻ ዘይትገብር እንታይ ገደሰካ ኔው በሎ ፖለቲካ። እዚ ህዝቢ’ዚ ኢሰያስ ከማን ክውሕዶ።” ይብሉኻ ወይ እቶም ንነገራት ከመዛዝኑ ዘይከኣሉ ናይ ልቢ ፈተውትኻ ወይ ድማ እቶም ኮሓልቲ መሲሎም መንቆርቲ ከባኹሩኻ ዝደለዩ ሰብ ዕላማ። ኣየናይ ፖለቲካ’ዩ ምስ እትብሎም እዚ ንስለ ወጽዓን ምረትን ህዝብኻ ዓው ኢልካ ይአክል ባርነት ቅዋማዊ ስርዓት ይተኸል ኢልካ እተስምዖ ድምጺ ምዃኑ’ዩ እቲ ፖለቲካ። እቲ ግደፎ ፖለቲካ ናብራኻ ግበር እናበልካ ንደቂ ሰባት ካብ ቁኑዕ ሕልናዊ መስመር ዘልሓጥ ንኽብሉን ቃልሲ ውጹዓት ኣይ ንላዕሊ ኣይ ንታሕቲ ዞርሞ ዞርሞ ክተርፍ ምቅላስ ግና ዝገደደ መርዛም ናይ ዕንወት ፖለቲካ ምዃኑ ዝነግሮም ዝሰኣኑ እዮም ዝመስሉ እዞም ውዲት ኣዋዲዶም ቃላስን ተቓለስትን ከባትኹ ህርዲግ በሃልቲ። እዞም ሰባት መን’ዮም ኢልካ ብደቂቕ እንተመርሚርካዮም ገሊኦም ካብ ሕኸኸኒ ክሓከካ ህግደፋዊ ሰንሰለት ሓራ ዘይወጹ ንነብሶም ቦኺሮም ንተቓላሳይ ዘባኹሩ ክኾኑ ከለው፤ ገሊኦም ድማ ብውድቀት ህዝቢ ኤርትራ ከበሮ ሓምሓሞም ዝወቕዑ ህዝቢ ኤርትራ ተቓሊሱ ክብሩ ከየምልስ ኩሉ ጊዜ ክሳዱ አድኒኑ ክነብር ዝምነዩ ኣብዚ ተዳኺምናሉ ዘለና እዋን ኣብ ሞንጎና ኣትዮም ፋሕ ብትን ዘእትውልና ዘለው ብናይ መንነት ቅልውላው ዝሕመሱ ኮይኖም ይጸንሑኻ።

ሓደ ሰብ ናብ ቃልሲ ዝጽምበር ንነብሱ ኮይኑ ናብርኡ ገጥ አቢሉ እዩ ንህዝቡን ሃገሩን ዝቃለስ። እሞ ንሓደ ንናብራ ዓለም ሲዒሩ ንህዝቡ ከማን ዝተረፈ በዓል ሕልና ናብራኻ ግበር ምባልሲ ጸርፊ ዶ ዋላስ ሓልዮት። እቶም ናብራኻ ግበር እንታይ ገደሰካ ዝብሉ ሰባት እንታይ ፉሉይ ዓይነት እዮም ዝነብሩ ንነብሶም እንተተባህለኸ እንታይ ክኸውን እዩ እቲ መልሲ። ኣብዚ ቃልሲ ንፍትሕን ዲሞክራስን እኮ ክንደይ ሊቀ ሊቃውንቲ ሙሁራት፡ ጻዕረኛታት ሸቃሎ፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ተመሃሮ ብሓፈሽኡ ኮታስ ስድራ ዘመሓድሩን ዘመሓድራን ብሉጻት ዜጋታት ዝመልኤ እዩ። እሞ እዞም ኩሎም ምሩጻትን ብሉጻትን ዜጋታትናኸ ናብራኦም ኣይገብሩን እዮም ዘለው ማለት ዲዩ? ዶስ እዞም ናብራኻ ግበር እንታይ ገደሰካ ኢሎም ዝጉስጉሱ ናይ ዘመና ካድራት ንሕና ዘይንፈልጦ ብዓይንና ዘይንርእዮ ብእዝንና ዘይንሰምዖ ኣብ ገነት እዮም ዝቕመጡ ዘለው። ፍትሓዊ ቃልስና ክንደይ ናይ ናብራን ህይወትን ዕውታት ሓላፍነት ህዝቢ ዝተሰከሙ ባህራት ዝሓቖፈ ክንሱ ማንም ኣፉ ዝሃቦ ንናብርኡ ኣብ መስትያት ክርኢ ዘይክእል ግደፎ ንህዝቡ ክተርፍ ንነብሱ ከመሓድር ዘይክእል ሰብ ክወራዘየሎምሲ ምስ ምንታይ ክቑጸር ይከአል።

ሓደ እዋን’ዩ ሓደ ዝፈልጦ ሰብ ይረኽበኒ እሞ ጎሮሮና እንዳተርከስና ዕላል ንጅምር። ወዮ መተርከሲ ምስ በዝሐ ዓቃብ ዓቕሊ ሰራዊት ካብ ነብስና እንዳወጸ ምስ ከደ ወያ ሰበይ “ንስኻ ናብራኻ ዘይትገብር ካብዚ ፖለቲካ ዘይትወጽእ” ዝብል ድቦላ ዘረባ ሰንደወለይ። ናብራይ በልክዎ ብምግራም? እወ በለኒ ቁልቁል ዝኣፉ። ናብራይ ደአ ንስኻ ዲኻ ትነብረለይ ዘለኻ? ገለ ናይ ገዛ ኽራይ፡ ቀለበይን ቀለብ ስድራይን ዝተረፈ ወጻኢታተይ ኣዲኡ ትቑጸሮ ንስኻ ዲኻ ትሽፍነለይ ዘለኻ በልክዎ ኩነታቱ ኣግሪሙለይ። “እንታይከ ገደሰኒ፡ ኣነስ ሓልየልካ እየ እምበር” በለኒ ወልደፍደፍ እንዳበልው ሓውሲ ምንስሓብ ብዝዓይነቱ። ነገር ኣጉዱ ናበይ’ሞ ክኸይድ። ኣስዓብኩሉ ደአ እንድሕር ብዛዕባ ናብራይ ክንድዚ ትግደስ ኮይንካ እተን ሸጊሩኒ ኢልካ ካባይን ካብ እገለ ሓወይን ዝወሰድካየን እሞ ዓመተን ኣሕሊፈን ዘለዋ ልቓሕ ዘይትህበኒ በልክዎ ንወዮ ብጻይ ካድር ናብራኻ ዘይትገብር። ወይለይ ባዕለይ ሽግር ኣምጺኤ ኢሉ ነታ ባዕሉ ዝወልዓ ባርዕ ከጥፍእ ቀባሕባሕ ኮነ። ኣነ’ውን እዛ ዝሃብክዎ መርፍእ ትኣኽሎ እያ ኢለ ናብ ካልእ ኣርእስቲ ሰገርና። እንተታ ከርፋሕ ናብራ እስካፑሊ ኣብ ክልተ ብ ክልተ ሜትሮ ስቱድዮ ምስ ተረንሽዋ ምሉእ ልቓሕ ናይዚ ካድር ናብራኻ ዘይትገብር ግና ሰይጣን ከይሕጎስ ምስ ናብራ ቆጺረያ ክሓልፍ ይመርጽ።

እሞ አንቱም ሰብ ሕልና እዞም ናብራኻ ግበር፡ እንታይ ገደሰካ፡ ፖለቲካ ኔው በሎ ወዘተ እንዳበሉ ካብ ሕልናኹም ከህድምኹም ዝፍትኑ ሰባት ንባዕሎም እንታይ ናብራ’ዩ ዘለዎም ኢልኩም ተዓዘብዎም። ሰብ ንስለ ሕልና’ዩ ዝነብር እምበር ዓለም ደአ እንታይ ካልእ ትርጉም ኣለዋ። ደረፍቲ ዓድና ከማን ሰብ ንኸብዱ ጥራይ ኣይኮነን ዝነብር ዝበሉ ቀደም ኣብ ዘመነ እንእኒ ከምዚ ሎሚ ሕልና ኣገዳስነቱ ከይዓዘዘ። በዓል ኣንጆሊና ጆሊ፡ ብራድ ፒት፡ ጆርጅ ኩሉኒ፡ ሊዮናርዶ ዲ ካፕርዮ ዝኣመሰሉ ህቡባት ኣክተራት ሆሊውድ ጻዕዳ ኣሜሪካውያን ክንሶም መሰል ደቂ ሰባት ክኽበርን ህልቂት ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ደው ክብልን ግዜኦም፡ ጉልበቶምን ብሚልዮናት ዶላራት ዝግመት ንዋቶምን የጥፍኡ ኣለው። እዞም መባኾርቲ ካድራት ኣብ ጥቓ’ዞም ኣክተራት ክጽግዑ ዕድል እንተዝረኽቡ እንታይ ገደሰኩም ናብራኹም ግበሩ ዶ ምስ በሉዎም ነዞም ብናይ ግሊ ነፋሪት ዝገሹ አብ ምድራዊ ገነት ዝዓይነቱ መንበሪ ኣባይቲ ዝነብሩ ኣክተራት? ኣይምገደፉን ኣይታ መሕፈሪቶም እንዲያ ስፓናቶ ኮይና ኣሸጊራትና ዘላ።

በሉ እቶም ደቂ ገርሂ ልባ ነዞም ካድራት ናብራኻ ግበር ካብ ትሰምዑ ናብ ልብኹም ተመሊስኩም ነዚ ካብ በረኻታት ሰሃራ ዘቃልሕ ዘሎ ኣውያት ዕሸላት ኤርትራውያን ምስማዕ ቀጽልዎ። እዞም ኣብዚ ሓድሽ ዜና ካብ ሊብያ ናብ ሜዲተራንያን ክሰግሩ በቶም ዘይንታዮም ገበርቲ ሰናይ ኢጣልያውያንን ስጳኛውያንን ዝደሓኑ ዕምባባ ዝመስሉ ህጻውንቲ፡ ኣዴታትን መንእሰያትን ከመይ ዘየሕዝንኹም። ጠሊቖም እንተዝኾኑ ኔሮም ናይ ሓሶት ንብዓት ምንባዕ ስእልታቶም ኣብ ገጻት ፌይስ ቡክ ምልጣፍ እንታይ ዋጋ ኣለዎ? ነዛ ቁሩብ ቁራቦ ንገብራ ነዛ ካብ ባሕሪ ብጭልፋ ሓገዝ ብዙሕ ምስምስ  አይንድለየላ። ማዕረ ሂወቶም ኣሰናኺሎም ምሉእ ናብርኦም ረሲዖም ዝቃለሱ ሰባት እንተዝህልውና ኔሮም ህግደፍ ቀደም ተዓዚሩ ምስ ሃለወ ኔሩ። እቶም አብዚ ቃልሲ ብምሉእ ዓቕሞም ዝቃለሱ ዘለው ሰባት ኣዝዮም ውሑዳት እዮም ንሱ’ውን ነቶም ካብ ህዝቢ ተዓሪፋ እንዳተሸረፉ ዝቃለሱ ሓዊስካ። ኣብ ፈቖዶ መዘናግዒ ቦታታት ክንደይ ኣሽሓት ዶላራት ነጥፍእ ንሽንቲ ንቢራ፤ እንድሕር ንፍትሕን ንመሰልን ንእሽቶይ ገንዘብ ኣዋጽኡ ተባሂልና ድማ ንምንታይ እዩ ጸላዕላዕ ዝብለና።

ዘመኑ ዘመን ህዝብን ሃገርን ኣድሕን እምበር ዘመን ፖለቲካ ኣይኮነን። ፖለቲካ ገና ዘይበጻሕናዮ። ዋላ እንተደለናዮ እኮ ኩልና ፖለቲከኛታት ክንከውን ኢና ማለት ኣይኮነን። ነዚ ፍቖዶ ሰሃራን ባሕርን ዝጸንት ዘሎ ጽባሕ መተካእታ ዘይብሉ ህዝቢ ነድሕን። ህዝቢ ድራር እለት ሲኢኑ ብልመና እዩ ዝመሓደር ዘሎ። ጎራዙት ዓድና ብሰንኪ ስእነት ዕለታዊ እንጀራ እቲ ኣብ ባህልና ጹዩፍ ዝራሕ ምንዝርና ክሰርሓ እንዳረኣና ቁልፍና ሸጥ ከንብሎ እምበር ከነዝልቖስ ኣይግብርን።፡ዳሕራይ ፖለቲካን ምሕደራን ምስ ተጀመረ ቅዋማዊ ስርዓት ምስ ተተኸለ ኣነ ፖለቲከኛ ኣይኮንኩን ኢልና ጸግዕና ንሕዝ ምርጫና እንድሕር ኮይኑ። ፖለቲካን ሕልናን በበይኑ ምዃኑ ኣይንስሓቶ። ሕልና ዘለዎ ሰብ እቲ ዕድለኛን ቅንዑን ሰብ ጥራይ እዩ። ጉዳይ ህዝብና የገድሰና ፈረቓን’ዩ ንበል። እቶም ብዛዕባ ናብራ ናይቶም ሰብ ሕልና ተቓለስቲ ትሻቐሉ የቐንየልና የግዳስ ናብራኹም እንተገበርኩም ይሓይሽ።

ሰሎ ሙን ገብረእየሱስ 

ኦክላንድ ካሊፎርንያ         

ትርጉም    ናብ ትግርኛ ብመም/ተኽለ ስብሃቱ

ግዜ ይሓልፍ ኣሎ፣እታ ሰዓት ብዘይ ምቁራጽ ቂም ቂም ትብል ኣላ፣ንሕና ግን ክንቆጻጸራ ኣይከኣልናን. ከምቲ “ግዜን ማዕበልን ንዝጽበይዎ የብሎምን”ዝበሃል ግዜ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ኢያ።ግዜ ክትመሓደር ኣይትኽእልን’ያ፣ንሕና ጥራሕ ኢና ንገዛእ ርእስናን ንጠቕሚ ናይ ግዜን ከነማሓድር እንኽእል።ብቀጻሊ ዝኣክል ግዜ ከም ዘሎና ከም ጭቡጥ ወይ ርግጸኛ  ጌርና ንወስዶ።ንኹሉ ንጹር ከም ዝኾነ፣ንኣጠቓቕማ ናይ ግዜ ብግቡእ እንተድኣ ተረዲእናዮን ንጠቕሚ ናይ ግዜ ድማ ብግቡእ እንተድኣ ኣመሓዲርናዮ ዝኾነ ነገር ንምስራሕ ዝኣክል ግዜ ኣሎ።ምምሕዳር ጠቕሚ ግዜ ኣብ ዓወትን ሓጎስን ናይ ዝኾነ ሰብን ኣብ ሞያዊ ዕብየትናን ውልቃዊ ህይወትናን ኣዚዩ ወሳኒ’ዩ።

ምሕደራ  ጠቕሚ ግዜ ማለት ብልክዕ ከም ርእሰ-ምሕደራ ማለት ኢዩ።እቲ ንካልኦት ከነማሓድር እንጥቀሞ ጥበብ ወይ ሜላ ልክዕ ከምቲ ንነብስናን ስድራ-ቤትናን  ከነማሓድር እንጥቀሞ ሜላ ምዃኑ ክንፈልጥ ኣገዳሲ’ ዘዩ። ኣብዛ ብናይ ግዜ ንቕሓት ብፍጥነት እትልወጥ ዘላ ዓለምና፣ኣጠቓቕማ ግዜ ብግቡእ እንተድኣ ኣመሓዲርና ኣብ ሓጺር ግዜ ብዙሕ ነገር ከነሳልጥ ከም እንኽእል ዘታባብዓና ኢዩ።ከነረጋግጾ ዝግበኣና ግን ዝያዳ ወይ ብዝሒ ግዜ ክንገብር ከም ዘይንኽእል ኢዩ፣ምኽንያቱ እቲ ብዝሒ ግዜ ብልዑል ፈጣሪ ስለ ዝተወሰነ ንክልወጥ ፈጺሙ ዘይከኣል’ዩ።ኣብ ሓንቲ ደቕቕ ስሳ ክልኢት፣ኣብ ሓደ ሰዓት ስሳ ደቓይቕ፣ኣብ ሓደ መዓልቲ ዕስራን ኣርባዕተን ሰዓታት፣ኣብ ሓደ ሰሙን ሾውዓተ መዓልታት፣ኣብ ሓደ ዓመት ሓሙሳን ክልተን ሰሙናት ንዝተፈላለዩ ዕላማታት ኣብ ህይወትና ክንጥቀመሎም ዝግበኣና ስለ ዘለዉና ኢዩ።ካብ “ገንዘብ”  “ግዜ” ኣዚዩ ዝያዳ ጠቓሚ ኢዩ።ምኽንያቱ ብዝሒ ገንዘብ ክንገብር ንኽእል ኢና፣ብዝሒ ግዜ ግን ክንገብር ኣይንኽእልን ኢና።

ግዜ እቲ ኣዚዩ ክቡርን ጠቓምን መሰረታዊ ነገር መዓልታዊ ክንጥቀመሉ ብኣምላኽ ዝተዋህበና ክነሱ፣ነዚ መለኮታዊ ህያብ  እናፈለጥና ኣይነመስግንን።ኣድላይነት ጠቕሚ ናይ ግዜ ብዝያዳ ንምብራህን ግሉጽ ምግባርን ከም ኣብነት ናይ ባንክ ኣተሓሕዛ ሕሳብ ንውሰድ፣መበገሲ ሕሳብና ኣብ ነብሲ-ወከፍ ንጉሆ $86,400 ኮይኑ፣ናብ’ቲ ዝቕጽል መዓልቲ እቲ ባንክ ዘዛውሮ ሚዛን የልቦን፣ኣብ ነብሲ-ወከፍ ምሸት ነቲ ኣብ መዓልቲ ዘይተጠቐምናሉ ሚዛን ንኸስሮ።ስለዚ እንታይ ክንገብር ምተገባኣና፣ብልክዕ ሳንቲም ከይተረፈት ስሒብና መዓልታዊ  ክንጥቀመሉ ይግበኣና።ብንጹር ኣብቲ መወዳእታ ግዜ ናይ መዓልቲ ሚዛን ሕሳብና ዘሮ ምእንቲ ከርኢ፣ ዘሎና ገንዘብ ኣብ ምንታይ ከነውዕሎ ከም ዝግባእ ናይ ምምሕዳር ክእለት የድሊ።

ማዕረ-ማዕረ ወይ ተማሳሳሊነት ናይዚ ኣብነት’ዚ ነብሲ-ወከፍና ባንክ ኣሎና፣ ስሙ ከኣ “ግዜ”ኢዩ።ኣብ ነብሲ-ወከፍ ንጉሆ  ባንክና  86,400 ክልኢታት ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝኽፈል የልቅሓና።ኣብታ  መዋደእታ ግዜ ናይ’ታ መዓልቲ ሚዛን ሕሳብና ዘሮ ከመልክት ኣለዎ።ኣብ ነብሲ-ወከፍ ለይቲ ነቲ ዘይተጠቐምናሉ ወይ ኣብ መዓላ ዘይወዓለ ግዜ ይቑረጽ።ነቲ ኣብ መዓልቲ ዝተቐመጠ እንተ ዘይተጠቒምናሉ፣ ግዜ ኣጥፊእና ስለ ዘሎና፣ተመሊስና ነቲ ዝጠፍአ ግዜ ክትካእ ኢልካ ዝሕሰብ ኣይኮነን ።ግዜ ነጻ ኮይኑ ኣዚዩ ክቡር ምዃኑ ክንግንዘብ ይግባኣና።ንግዜ ክንጥቀመሉ እምበር ክንውንኖ ኣይንኽእልን ኢና።ኣብ ጠቕሚ ከነውዕሎ ደኣ’ምበር፣ ይጽንሓለይ ብማለት ክንሕዞ ኣይንኽእልን ኢና።ሓንሳእ ምስ ኣጥፋእናዮ፣ተመሊስና ክንረኽቦ ኣይንኽእልን ኢና። ኣብ ህይወት ደቂ ሰባት ሰለስተ ነገራት ምስ ተፈጸሙ  ዘይምለሱ ዝብል ብሂል ኣሎ።ንሱ ከኣ “ቃል” ካብ ኣፍ ምስ ወጸት “ህሞት ወይ ሓጻር እዋን” ምስ ተሳሕተት ከምኡ’ውን  “ግዜ” ምስ ሓለፈት ልክዕ’ዩ ኩልና ንግዜ ኣዚና ንደልዮ’ኳ እንተኮና፣ንግዜ ብሕማቕ ኣጠቓቕማ ኢና እንጥቀመሉ።እዘን ዝስዕባ ኣገደስቲ ሓጸርቲ ታሪኻት ንምምሕዳር ጠቕሚ ግዜ ዘዘንትዋ  ስለ ዝኾና ብምሉእ ኣቓልቦና ንከታተለን።

ሓደ ግዜ ንጉስ ማሕፉዝን ሓደ ማህቡል ዝበሃል ህኩይ ሰብኣይን ኣዕሩኽ ነበሩ።ሓደ ንጉሆ ንጉስ ማሕፉዝ ንማህቡል ገንዘብ ክትረክብ ንምንታይ ዘይትሰርሕ በሎ።ማህቡል ድማ ዋላ ሓደ ዘስራሓኒ የብለይን፣ምኽንያቱ ጸላእተይ  ኣነ ዝኾነ ስራሕ ኣብ ግዚኡ ከም ዘይውድእ ንኹሉ ሰብ ስለ ዝነገሩለይ። እቲ ሕያዋይ ንጉስ ንማህቡል ጸዊዑ ናብቲ ንብረተይ ዘለዎ መኽዘን ኪድ’ሞ  ክሳብ ጸሓይ እትዓርብ ዘድልየካ ሃብቲ ኣክብ በሎ።

ማህቡል እቲ ዘጋጠሞ ዕድል ንሰበይቱ ክነግራ ብጉያ ከደ። ሰበይቱ ድማ በል ኪድ’ሞ ናይ ወርቂ ገንዘብን ካልእ ክቡራት ኣዕናቑን ኣምጽእ በለቶ። ናቱ መልሲ ግን፣ሕጂ ክኸይድ ኣይክእልን’የ፣ ቅድም ምሰሐይ ሃብኒ በላ። ድሕሪ ምሳሕ ንሓደ ሰዓት ዝኣክል ደቀሰ። ኣብቲ መወዳእታ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ፣ ቦርሳኡ ኣልዒሉ ናብ ኣዳራሽ ናይ’ቲ ንጉስ ክኸይድ ተበገሰ፣ ኣብ መንገዱ ሃሩር ስለ ዝተሰምዖ ኣብ ጽላል ሓንቲ ኦም ኣዕረፈ፣ ድሕሪ ናይ ክልተ ሰዓት ዕረፍቲ  ናብቲ ኣዳራሽ ንጉስ ክኸይድ ምስ ተበገሰ ሓደ ሰብኣይ ኣብ መንገዱ ናይ ምትላል ጥንቆላ የርኢ ስለ ዝነበረ ንምዕዛብ ሓደ ሰዓት ኣጥፍኤ። ብድሕር’ዚ ናብቲ ኣዳራሽ ክኸይድ ከም ዘለዎ ዘኪሩ ጎይዩ ከደ። ኣብቲ ኣዳራሽ ምስ በጽሐ ግን ጸሓይ ዕራብ ኮይኑ ማዕጾ ናይቲ ኣዳራሽ ተዓጽወ፣ ማህቡል ድማ ካብቲ ናይ’ቲ ንጉስ መኽዘን ክእክበሉ ዝነበሮ ሃብቲ ወርቃዊ ዕድል ኣጥፈኤ። ነቶም ጠቕሚ ናይ ግዜ ዝፈልጡ ክቡራት ሰባት ግዜ ሓጻር’ውን ትኹን ክብርቲ’ያ። ማህቡል ምምሕዳር ጠቕሚ ናይ ግዜ  ስለ ዘይፈለጠ፣ግዜ ቀስ ኢላ ዘሊላቶ ሓሊፋ፣ድሓር ግን ናይ ስቅያት ተዘክሮ ከም ዝሓደገትሉ ተዓዚቡ። ብካልእ ኣበሃህላ እቲ ጠቃሚ ግዜ ንሓዋሩ ምስ ጠፍኣና ኣብ ክንዲ ንጠዓስን ንሓዝንን ምሳና ከሎ ብክብሪ ክንጥቀመሉ ይግበኣና። በንጃሚን ፍራንክሊን ከም ዝበሎ “ዝጠፍኤ ግዜ እንደጌና ኣይርከብን’ዩ” ማህቡል ጠቕሚ ናይ ግዜን ምሕደራኡን  ብዘይምፍላጡ  ነቲ ጠቓሚ ንብረት ኣጥፊኡዎ። ክርደኣና ዘለዎ ንጠቓሚ ግዜና ዝያዳ ክብሪ ምስ እንህብ ብዝያዳ ንነብስና ነኽብር፣ ግዜና ድማ ክቡራት ነገራት ከምጽኣልና ይኽእል። ካልእ ምስኡ ዝተኣሳሰር ወይ ዝመሳሰል ታሪኽ ኣብ ብዙሕ ባህልታት ከምኡ’ውን  ኣብ ሃገርና ብባህሊ ትግሪኛ ዝትረኾ ንጠቓሚ ምምሕዳር ናይ ክቡር ግዜ ምጥቃም ዝምልከት ንከታተል።

ሓደ ግዜ ሓንቲ ፈጣን ማንቲለ ብጉያኣ እትምካሕ ነበረት። እቲ ብዘገምታን ብስሩዕን ዝጎዪ ኣባ-ጎብየ ናይ  ማንቲለ ጉራ ብምስማዕ  ስለ ዝሰልቸዎ፣ናይ ጉያ ቅድድም ምስ ማንቲለ ክገብር ወሰነ። ኩሎም እንስሳ በረኻ ነቲ ኣገዳሲ ቅድድም ክዕዘቡ ተኣከቡ፣ ናይ ምብጋስ ብረት ምስ ተተኮሰ ድማ እቲ ቅድድም ብፍጥነት ተጀመረ። ማንቲለ ንውሱን ግዜ ምስ ጎየየት፣ ንድሓር ገጻ ቁሊሕ ብምባል ድማ ዓው ኢላ ጨረሐት፣ በዚ ጎታት ኣካይዳን ኣሳጉማን ኣባ-ጎብየ ከመይ ኢሉ ኣብዚ ቅድድም ክዕወት’የ ኢሉ ትጽቢት ይገብር ብማለት ኣብቲ ቅድድም ከም እትስዕር ብምትእምማን ንምዕራፍ ዝኣክል ግዜ ኣሎኒ ብማለት ማንቲለ ኣብቲ ወሰን መንገዲ ኣብ ትሕቲ ጽላል ሓንቲ ኦም ኣካላታ ዘርጊሓ ተጋደመት፣ ቀልጢፉ’ውን ድቃስ ወሰዳ። እታ ማንቲለ ደቂሳ እናሓለመት ከላ፣ኣባ-ጎብየ ተስፋ ከይቆረጸ ርግእ ኢሉ ብዘይምቁራጽ መንገዱ ብምቕጻል ነታ ማንቲለ ሓሊፉዋ ከደ። ክሳብ’ታ ናይ መወዳእታ መስመር ወይ ሕንጻጽ ዝበጽሕ ዋላ ሓንቲ ደቒቕ  ጠጠው ከይበለ ኣብ ቦትኡ በጽሐ። እቶም ዝዕዘቡ ዝነበሩ እንስሳታት ንኣባ-ጎብየ ብዓውታ ሓጎሶም ገለጹሉ። ናይ ዓውታ ድምጾም ንማንቲለ ካብ ምድቃሳ ምስ ኣበራበራ፣ ታ ማንቲለ ኣካላታ እንዳ ዘርግሐትን እንዳ ኣምባሃቖትን ተንሲኣ ክትጎዪ ጀመረት፣ እንተኾነ ግን ኣዚያ ደንጕያ ስለ ዝነበረት፣ኣባ-ጎብየ ኣብቲ  መወዳእታ ናይ ውድድር መስመር ቀዲሙ ብምብጻሕ ኣብቲ ውድድር ተዓዋቲ ኮነ። ካብዚ ታሪኽ’ዚ እንመሃሮ፣ኣባ-ጎብየ ዋላ’ኳ ቀስ ኢሉ እንተ ተጓዕዘ፣ ኣብቲ ውድድር ተዓዋቲ ኮይኑ፣ምኽንያቱ ንግዚኡ ብግቡእ ተጠቒሙ ብቆራጽነት ስለ ዝተቐዳደመ ኢዩ። ማንቲለ ግን ሽሕ’ኳ ፈጣን ጎያይት እንተ ኮነት ንግዚኣ ብግቡእን ብብልሓትን ስለ ዘይተጠቕመትሉን ሕሉፍ ርእሰ-ምትእምማን ስለ ዝነበራን ኣብቲ ውድድር ክትሰዓር ክኢላ። ማንቲለ ኣብቲ ውድድር ከም እትዕወት ፍጹም እምነት’ኳ እንተነበራ ከም ሕማቕ ኣጋጣሚ  ግን ተሳዒራ።

ምምሕዳር ኣጠቓቕማ ግዜ፣ ኣብቲ ኣከባቢና ምስ ዘለዉ ካልኦት ሰባት እንምስርቶ ዓይነት ዝምድና”ውን  የንጸባርቕ’ዩ። ምስ ህዝቢ ኢና እንነብር፣ግዜ ከኣ ሓደ ካብቲ ኣገዳሲ ረቛሒ ኣብ መንጎና ንዘሎና ዝምድና ዘቃራርብ’ዩ። ንጹር ኣብነት ክኾነና ዝኽእል፣ንሕና ኤርትራዊያን እንኽተሎ ኣከባብራ ቆጸራና ኣብ ማሕበራዊ ጉዳያትና ከም ናይ መርዓ ስነ-ስርዓት፣ ኣገልግሎት ቀብሪ፣ ፈስቲቫልን ካልእን ብቀጻሊ ከም እንዕዘቦ ኣብ ቤተ-ክርስትያን፣ ኣብ ናይ ማሕበረ-ሰብ ማእከልን ካልእ ናይ ማሕበራዊ ጉዳያት መኤከቢ ቦታን ኣብ ግዜና ኣይንርከብን ኢና። ብፍላይ ኣብ ወጻኢ እንነብር ኤርትራዊያን ቆጸራ ዘይምኽባርን ናብ ናይ ማሕበራዊ ጉዳያት ደንጕኻ ምምጻእን “ቆጸራ ሓበሻ “ ዝብል  ልሙድ ኣበሃህላ  ከም ቅቡል ኮይኑ ኣሎ። ኣብ ማእከል ስብከት ንመጽእ፣መንፈሳዊ ኣገልግሎት እናተኻየደ ከሎ ድማ ገዲፍናዮ ንኸይድ። መርዓ ተዓዲምና ዝተዳለወ መግቢ ክብላዕ ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ ብቁሪ ምስ ጠምበወ ወይ መግቢ ምስ ተዓጽወ ደንጕና ንመጽእ። ኣብ ዝተፋላለዩ ዓይነት ማሕበራዊ ስራሓት ደንጕና ንመጽእ።

ኤርትራዊያን ዘይኮኑ ኣጋይሽ ነቲ ናይ ግዜ ምድንጓይ ልምድና ዘይፈልጡ ፣ዘምጸኦም ጉዳይ ከይፈጸሙ ቅድሚ’ቲ ጉዳይ ምጅማሩ ሓዲጎሞ ይኸዱ። ዊልያም ሸክስፔር “ሓንቲ ደቒቕ ካብ ምድንጓይ ሰለስተ ሰዓት ኣቐዲምካ ክትመጽእ ይምረጽ”ይብል ካብ ፈጺምካ ምትራፍ ደንጕኻ ምኻድ ዝሓይሽ’ኳ እንተኾነ፣ግዜኻ ኣኽቢርካ ምኻድ ግን ዝበለጸ ኢዩ። ምኽንያቱ ግዜኻ ኣኽቢርካ ኣብ ቆጸራኻ ምርካብ ናይ ዝኣቶኻሉ ቃል ልቦናዊ ርድኢትን ብስለትን ዘመልክት ኮይኑ፣ ኣብ መንጎና ድማ  ክብርን ኩርዓትን የስዕብ። ብተወሳኺ ገሌና ጨሪሽና ናብ ቤተ-ክርስትያን ኣይንኸይድን ወይ ድማ ናብ ካልእ ቤተ-ክርስትያን ንኸይድ ምኽንያቱ ብፍላይ ኣብ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን እቲ ዝወሃብ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ካብ መጠን ንላዕሊ ነዊሕ’ዩ። ስለ’ዚ እታ ቤተ-ክርስትያን ቁጽሪ ኣባላታ ክውስኽን ሓገዝ ክትረክብን ከምኡ’ውን ንጡፍ ተሳታፍነት ናይ ኤርትራዊያን ምሁራትን ሰብ ሞያን ንኽህሉዉ፣ እቲ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ርትዓዊ ብዝኾነ ንኹሉ ዝሰማማዕ ውሱን ግዜ ክመሓየሽ ኣለዎ።እቲ ናይ ግዜ ምውሳን ንኹሉ ዝሰማማዕ ኮይኑ ድሌት ሰዓብቲ ወይ ኣመንቲ ድማ ይማላእ። ካህናት ድሌትን ጠለብን ናይ ደቂ ማሕበሮም ንምምላእን ኣድላዪ ምምሕያሽ ንኽገብሩን ናይ ግዜ ንቕሓት ክህልዎም ኣለዎ። ምኽንያቱ መብዝሕትና ኣብ ዓበይቲ ከተማታት እንነብር ኣብ ሰንበት ክፍጸም ዝግበኦ ማሕበራዊ ግዴታና ንምምላእ ኩሉ ንምዕማምን ግዜና ከም ዝጥዕም እናኣመዓራኣረና ኢና ንነብር ዘሎና። ስለዚ ጠቕሚ ናይ ግዜ ብትኽክል እንተ ዘይተረዲእናን፣ንክቡር ግዜና ብዝግባእ ከነማሓድር እንተ ዘይከኢልናን  ካብ ዓርክና ማህቡል ኣይንሓይሽን ኢና። ማህቡል ግዜኡ ብከንቱ ኣባኺኑ ዕድል ከለዎ ነቲ ካብ መኽዘን ናይ’ቲ ንጉስ ክእኽቦ ዝነበሮ ጠቓሚ ሃብቲ ማለት ወርቂ ገንዘብ ኣብ ግዜኡ ክእክብ ብዘይምኽኣሉ ድሌቱ ከማልእ ኣይከኣለን።  ብተማሳሳልነት ንኹሉ ንጹር  ከም ዝኾነ ንሕና’ውን ናይ ብሓቂ ጠቕሚ ናይ ግዜና ኣይነኽብርን ኢና። ኩነታትና እንተ ንልውጥ ከምኡ’ውን ጽቡቕ ኣረኣእያ  ኣብ  ክብሩን ጠቕሙን ናይ ክቡር ግዜና እንተ ዝህልወና፣ ኣጠቓቕማ ግዜና ኣብ ቤተ-ክርስትያንን ኣብ ካልእ ማሕበራዊ ጉዳያትን ብዙሕ ውጽኢታዊ ምኾነ።

ግዜ ፍቱን መምህር ኢዩ። ግዜ ኣብ ህይወት ዘገድስ ነገር ንዓና እተርእየሉ ዘደንቕ መንገዲ ኣሎ።   ነልሶን ማንዴላ ከም ዝበሎ “ንግዜ  ኩሉ-ሳዕ ብብልሃት ክንጥቀማ ኣሎና፣ግዜ ቅኑዕ ነገር ክትገብር  ኩሉሳዕ ድልውቲ ምዃና ርግጸኛ ኩን” ንኣጠቓቕማ  ግዜ ብትኽክል እንተድኣ ኣመሓዲርናዮ፣ ብርግጽ ፡ውጽኢታዊ ስራሕ ክንሰርሕ እኹል ግዜ ኣሎና።ንኣጠቓቕማ ግዜ ብግቡእ አንተድኣ ኣመሓዲርናዮ ንዘሎና ስድራ-ቤታዊ ግዴታ ተረዲእና፣ግዜና ሰሪዕና ምስቶም ዝዓብዩ ዘለዉ ደቅና ዝኣክል ግዜ ከነሕልፍ ንኽእል። ኣስገለን ዓርኩን ድሕሪ ስራሕ ናይ ምሸት ብዝሕ ግዜ ኣብ ወረ፣ብዛዕባ ፖሊቲካ ኣብ ምዝርራብን ናብ ዶናትን ስታር-ባክስን ብምኻድ ግዜኦም የሕልፍዎ። ብልክዕ እንታይ ማለት’ዩ ምስ ፍትዋት ስድራ-ቤቶም ዘሕልፍዋ ሓጻር ግዜ’ያ  ወይ’ውን የብሎምን። ኣሴር ወዲ 10 ዓመት ዝኾነ ወዲ ኣቶ ኣስገለ፣ ኣቡኡ ኩሉ ግዜ ካብ ስራሕ ብቅጥታ ናብ ገዝኡ ዝመጽእ ይመስሎ ነይሩ። ሓደ ምሸትኣሴር ንኣቡኡ ኣብ ስርሑ ኣብ ሰዓት ክንደይ ከም ዝኽፈል ምስ ሓተቶ፣ኣስገለ ኣብ ወዱ ኣዚዩ ብሕርቃን ንዓኻ ዝምልከተካ ኣይኮነን ብማለት  ብነድሪ ኮረየሉ። ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ኣስገለ ወዱ ንምንታይ ከምዚ ኢሉ ከም ዝሓተቶ ክሓስብ ጀመረ፡ንወዱ ጸዊዑ ከኣ ብርግጽ ክትፈልጥ እንተ ደሊኻ ኣብ ሰዓት ዝወስዶ $20 ኢዩ በሎ። ቀጺሉ ኣሴር ኣቡኡ ከለቆሖ ዝኽእል እንተኮይኑ $10 ሓተቶ። ኣብዚ ግዜ’ዚ ኣስገለ ኣብ ወዱ ኣዚዩ ሓረቐ፣ ኮረየሉ ከኣ፣ኣብ ክንዲ ናይ ቤት ትምህርትኻ  ምስራሕ፣ እቲ ገንዘብ እትደልዮ ዘሎኻ ንቪድዮ ጌም ዲዩ? ብማለት ናብ መደቀሲ ክፍሉ ክኸይድ ኣዘዞ። ቁሩብ ምስ ተራጋግኤ  ግን ኣስገለ እዚ ወደይ ምናልባት እዚ ገንዘብ ንኣድላዪ ነገራት ኣብ ቤት ትምህርቱ የድልዮ ይኸውን ብማለት ናብ ክፍሊ ናይ ወዱ ብምኻድ ንወዱ $10 ሃቦ። ብድሕር’ዚ ኣሴር ብቅጥታ ካብታ ናይ ሓሰማ መቐመጥ ገንዘቡ $10 ቆጺሩ ነታ ኣቡኡ ዝሃቦ $10 ወሲኹ $20 ብምእካብ ንኣቡኡ ሃቦ። ባባ እዚ ዝህበካ ዘሎኹ $20 ኣብ ስራሕካ ንሰዓት ትኽፈሎ ኮይኑ፣ሓደ ሰዓት ናይ ግዜኻ ምስ ስድራኻ ከተሕልፍ ኢለ ኢየ። ሽዑ ኣስገለ ዓቢ ጌጋ ይገብር ከም ዝነበረ ተረዲኡ ሕፍረት ተሰምዖ፣ ክዛረብ ኣይከኣለን ከም ሓደ ሕጻን ቆልዓ ከኣ በኸየ።ንወዱ ሓቝፉ ብክልተ ምዕጉርቱ ሰዓሞ። ስድራ-ቤት ናይ ግዜ ቀዳምነት ክወሃብ ከም ዘለዎ ኣሴር ወዱ ስለ ዘንቕሖ(ስለ ዘፍለጦ) ድማ ብወዱ ኩርዓት ተሰምዖ። ኣቦ ዓቢ ሚና ብምጽዋት ናይ ውላዱ ኣብነት ክኸውን ዝግበኦ፣እቲ ውላድ ኣብነት ናይ ኣቡኡ ናይ ምዃን ዓቢ ሚና ተጻወተ።

ድሕሪ’ቲ ምስ ወዱ ዘጋጠመ ኩነታት ኣስገለ ነቲ ዝጸንሖ ሕማቕ ጠባይ ጠጠው ኣቢሉ ዝተመሓየሸ ናይ ስድራ-ቤት ሰብ ኮነ። ናይ ግዜ ንቕሓትን ኣረኣእያን ኣማዕቢሉ ብዛዕባ ግዜ ኣብ ስድራ-ቤት ዘለዎ  ጠቕሚ ዝግደስ ሓላፍነታዊ ክኸውን በቕዐ። ደቅና ቅኑዕ መንገዲ ክኽተሉን ናይ ግዜ ጠቕሚ ክፈልጡን ንደሊ እንተድኣ ኮይና ካብ ሕጻንነቶም ጀሚርና ዝበዝሕ ግዜና ምሶኦም ከነጥፍእ ይግበኣና። ዋላ ጻዕቂ ስራሕ ይሃልወና ብዙሕ ግዜ ምስ ደቅና ከነሕልፍ ይግበኣና። ምኽንያቱ እታ ፍትንቲ ትካል ኣብ ህይወት ደቅና እወንታዊ ወይ ርግጸኛ ውጽኢት እተምጽእን ብዘየጣራጥር ኣብቶም ኣባላት ስድራ-ቤት ፍቕሪ እትፈጥርን ስድራ-ቤት ስለ ዝኾነት። ክንፈልጦ ዝግበኣና እቲ ኣዚዩ ኣገዳሲ ግዜ ፣እቲ ዝበዝሐ ግዜ ምስ ደቅና ሓቢርና እነሕልፎ  ኢዩ። ምኽንያቱ ኣብ ናይ ገዛእ  ርእስኻ ስድራ-ቤት ዝሓልፍ ግዜ እቲ ዝዓበየ ህያብ ናይ ህይወት ኢዩ። ናይ ስድራ-ቤት ግዜ ካብ ነገራዊ ሃብቲ ወይ ማሕበረ-ፖሊቲካዊ ተፈላጥነት ኣዚዩ ኣገዳሲ ከም ዝኾነ ንኹሉ ብሩህ ኢዩ። ዝኾነ ናይ ፋናንሲያዊ ሃብቲ ብዝሒ ወይ ሞያዊ ዓወት ነቲ ኣብ ስድራ-ቤት ዝሓልፍ ግዜ ክትክኦ ኣይክእልን’ዩ።  ናይ ስድራ-ቤት ግዜ ከም ሓደ ሰንሰለት ንሓቀኛ ስድራ-ቤትና ዘራኽብን ንስድራ-ቤታዊ ዝምድናን ፍቕርን ዘሐይልን ኢዩ። ናይ ስድራ-ቤት ግዜ  ኩሉ ግዜ ብስድራና ክዕቀብን ክኽበርን ዝግበኦ ቅዱስ ግዜ ኢዩ። ስድራና ምስ ኣክበርና ኢና ንክቡር ግዜና ክብሪ እንህብ። ግዜና ምስ ስድራና ብዘይ ምሕላፍና ኣብ ግዜ ሞትና ንጠዓስ ምኽንያቱ ግዜ’ዩ እቲ ሓደ ምንጪ ናይ ህይወትና  ብኣፍልጦ ብከመይ ከነሕልፎ ክንውስን ዝግበኣና።

ንጠቕሚ ናይ ግዜ ኣብ ቅኑዕ ኣረኣእያ ንምቕማጥን ንጹር ምስትውዓልን ትኽክለኛ ኣተሓሳስባ ናይ ግዜ ክህልወናን ነዘን ዝስዕባ መግለጺታት ከነንብበንን ክንርድኤንን ኣዚዩ ኣገዳሲ ኢዩ።   መግለጺታት፣ ጠቕሚ ናይ ሓደ ዓመት ንምርግጋጽ ንሓደ ኣብ ትምህርቱ ዝወደቐ ተመሃራይ፣መሊሱ ንሓደ ዓመት ክደግም ዘለዎ ሕተት። ጠቕሚ ናይ ሓደ ወርሒ ንምርግጋጽ ኣብ መወዳእታ ንሓደ ጽቡቕ ሕጻን ዝወለደት ኣደ ሕተት። ጠቕሚ ናይ ሓደ ሰሙን ንምርግጋጽ  ንምድላው ዝኣክል ንዋት ዘይኣከበ ንሓደ ዝተጨነቐ ኣዳላዊ ሰሙናዊ ጋዜጣ ሕተት። ጠቕሚ ናይ ሓደ ሰዓት ንምፍላጥ ንኽራኸቡ ብታህዋኽ ዝጽበዩ ክልተ ፍቁራት ሕተት። ጠቕሚ ናይ ሓንቲ ደቕቕ ንምፍላጥ  ሓደ ንስራሕ ቃለ-መሕትት ክገብር ዝተበገሰ’ሞ ባቡር ዘምለጠቶ ሕተት። ጠቕሚ ናይ ሓንቲ ክልኢት ንምፍላጥ ካብ ናይ ሞት ሓደጋ ንዋራ ዝደሓነ ሰብ ሕተት። ከምቲ ቻርለስ ዳርዊን ዝበሎ “ሓደ ሰብ ሓንቲ ሰዓት ካብ ግዜኡ ከባኽን ዝደፈረ፣ ጠቕሚ ናይ ህይወት ኣይፈለጣን” ምኽንያቱ ህይወት ንግዜ ብግቡእ ክንጥቀም ክትምህረና ከላ ግዜ ከኣ ጠቕሚ ናይ ህይወት ትምህረና። ብዛዕባ ጠቅሚ ናይ ግዜ ብዝምልከት ብቋንቋ ዓረብኛ እውን “ኣልዓብ ቢል ኩሉ፡ላኪን ማተልዓብ ቢልወቕት”ይበሃል’ዩ። ትርጉሙ ብኹሉ ነገር ክንጻወት ንኽእል ኢና ብግዜ ግን ጸወታ የለን ማለት’ዩ። ምኽንያቱ ኣብ ኩሉ ባህልታት ግዜ ዋጋ ዘለዎ ክቡር ህያብ  ናይ ኣምላኽ ኢዩ።  “ኣል ወቕት ደሃብ” “ግዜ ወርቂ ኢዩ”  “ታይም ኢዝ ጎልድ”  ንዘላትና ሓጻር ግዜ መዓልታዊ ብክብሪ ምግላጻ ወሳኒ’ዩ። ምኽንያቱ ትማሊ ታሪኽ’ዩ፣ጽባሕ ምስጢር’ዩ፣ ሎሚ ግን ውህብቶ ኢያ፣ ከምኡ ስለ ዝኾነት ከኣ ኢያ ህያብ ዝተባህለት።

ብሓፈሻ  ዋላ ሓደ ጥንቆላዊ ነገር የለን ካብቲ ካብ ኣምላኽ ዝሃበና ግዜ ኣብዚሕና እንተ ተጠቐምና ዘድልየና መደብ ምግባርን ምፍጻሙን ጥራሕ’ዩ። ብዛዕባ ምምሕዳር ኣጠቓቕማ  ግዜ ምስጢር የልቦን። እቲ ክልወጥ ዝድለ ኣብ ኣረኣእያናን ብናይ ግዜ ዘሎና ኣተሓሳስባን ንኣጠቓቕማ ግዜ ድማ ብከመይ ነማሓድርን’ዩ። ይኹን እምበር  ንምምሕዳር ኣጠቓቕማ  ግዜ ናይ ገዛእ ርእስኻ- ስነስርዓትን ነብሰ-ምቁጽጻርን  የድሊ ኢዩ፣ ክሳብ ኣረኣእያናን ናይ ኣቑዋምና ለውጢ ኣብ ነብስና ዝረኤን ዝደራጆን ብመንገድና ክንሓስብን ክንሰርሕን። ብድሕር’ዚ ምምሕዳር ንኣጠቓቕማ ግዜ ከም መዓልታዊ ናይ ስራሕ ልማድ ይኸውን። መደብን ፕሮግራም ምውጻእን ንምምሕዳር ኣጠቓቕማ ግዜ ዋጋ የብሉን፣ዝኾነ ሰብ እንተድኣ ብግቡእ ዘይተኻታቲሉዎም። ኣብ ምምሕዳር ኣጠቓቕማ ግዜ  ንህይወትና ዝለዓለ መዋቕር ከነማዕብል ክንክእል ኣሎና። ከምኡ’ውን ስሩዕ ፕሮግራም ንተግባራትና  ብምስራዕ፣ተሪፋ ንዘላ ነብሲ-ወከፍ መዓልቲ ኣብ ህይወትና ኣብቶም ንጥፈታት ክትውዕል ምውሳን። እዚ ከኣ ነቶም ግላዊ፣ሞያዊን፣ መንፈሳዊን ጻማታት ናብ ድሌትና ይልውጦም። እዚ መስርሕ’ዚ ኣብ ልዕሊ ምድንጓይ ከንዕወት ይሕግዘናን ካብ ጸቕጢ ይቆጻጸረልናን፡ክንውደብን ቀዳምነት ብመሃብ ዕላማና ንምስራዕን ሾቶና ንምውቃዕን ይሕግዘና። ነቲ ክቡርን ዋጋ ዘለዎን ግዜና ብግቡእን ብልቦናን ኣብ ግብሪ ከነውዕል  ይሕግዘና።
 

 

ኣብ ኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ጸረ-ህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባ ምዃኑ ኣብ ናይ ሓባር ምርድዳእ ካብ ንበጽሕ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ናብዚ መደምደምታ ክንበጽሕ ዘኽኣለና ናይቲ ጉጅለ ርኡይ ቀጻሊ ዓመጸኛ ተግባራት እዩ። እዚ ጸረ-ህዝብነቱ ዝግለጸሉ መርኣያታት ብዙሕ ኮይኑ፡ ቀንዲ መለክዒኡ ኣብ ንዝህብን ሃገርን ዝምልከቱ ዓበይቲ ጉዳያት ዘርእዮ ኢደ-ወነናውነት ብኣብነት ዝጥቀስ እዩ። እዚ ጉጅለ ብኢደወነኑ ክኸይድ ንከኽእሎ ዝሓዞ መንገዲ ድማ ብዘይ ቅዋም ምግዛእ እዩ።

እዚ ጉጅለ ንግዱድ ዕስክርና፡ ስርዓተ ምሕደራ መሬት፡ ወፍሪ ኢንቨስትመንት)፡ ኣተሓሕዛ መሰረታዊ መሰላትን ምእዋጅ ውግኣት ኣንጻር ናይ ርሑቕን ቀረባን ገረባብትን ወሲኽካ ዝወስዶም ኩሎም ስጉምትታት ብዘይ ኣፍልጦን ምቁጽጻርን ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ዘካይዶም ኣህጉራዊ ዝምድናታትን ስምምዓትን እውን ከምኡ። እዚ ዘርእየና ድማ እቲ ጉጅለ ክትልምን ውዕላት ክኽትምን እንከሎ ዘገድሶ ወይ ዝምርኮሰሉ ናቱ ጸቢብ ረብሓን ኣብ ስልጣን ምቕጻልን ጥራይ ምዃኑ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ግና ብዛዕባቲ ብስሙ ዝሕሰብን ዝግበርን ከም ዝኾነ ጓና ወረ ጥራይ እዩ ዝሰምዕ።

ኣብዚ ቀረባ ግዜ ጉጅለ ህግደፍ ኣብቲ ኣብ የመን ዝተወለዐ ውግእ ኢዱ የእቱ ከም ዘሎ ብዙሓት ናይ ዜና ማዕከናት ክሕብሩ ጸኒሖም እዮም። ህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባዚ ንሱ ዋጋ ዝኸፍለሉ ኢድ ኣእታውነት ካብቲ ብቐጥታ ሓበሬታ ክረኽበሉ ዝግበኦ ጉጅለ ወግዓዊ ሓበሬታ ኣይረኸበን። ከምቲ “ላምሲ ብኢዳ ዝቐርባ ብእግራ ትሓክኽ” ዝበሃል ካብ ናይ ርሑቕ ምንጭታት እዩ ከጨናጭን ጸኒሑ። እነሆ ሎሚ ግና ናጻ ማዕከናት ዜናን ጸሓፍትን ብዛዕባቲ ኢድ ኣእታውነትን ኣብ መሬት ኤርትራ ንመሻርኽቱ ዝሃቦ ወተሃደራዊ መደበርን ብዙሓት ይዛረቡን ይጽሕፉን ኣለዉ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ማርቲን ፕላውት ብዝተባህለ ጸሓፋይ ዝተዘርገሐ ሓተታ ብኣብነት ዝጥቀስ እዩ። ንሱ ከም ዝብሎ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ መሬት ኤርትራ ነተን ኣብ ውግእ የመን ተሰሊፈን ዘለዋ በዓል ሕብረት ዓረብ ኢምሬትስ ወተሃደራዊ መደበር ዝኸውን መሬት ኣካርዩ ብዙሕ ገንዘብ ረኺቡ ኣሎ። እቲ ዝረኽቦ ረብሓ ብገንዘብ ጥራይ ዝገለጽ ዘይኮነስ ኣብ ስልጣን ንክቕጽል ነቲ ስምምዕ ከም መፈራርሒ በትሪ ናይ ምጥቃም መልእኽቲ እውን ኣለዎ።

እዚ ተግባር ንረብሓኡ እምበር ንረብሓ እቲ ብዘይሕገመንግስቲ ዝገዝኦ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ከምዘይከውን ርዱእ እዩ። እዚ ጉጅለ ብመሰረቱ ህዝቢ ጠሊሙ ንህልውናኡ ጥራይ ዝተሰለፈ ሕሉፍ ዲክታቶር ምዃኑ ንጹር ክነሱ ኣብዚኣ በጺሑ ናይ ህዝቢ ሓላዪ ክኸውን ኢሉ ዝጽበ ወገን ክህሉ ዘይግመት ኣይኮነን። እቶም ካብኡ መሬት ዝካረዩ ዘለዉ ወገናት ዘገድሶም ከኣ ናታቶም ከባቢያዊ እስትራተጂያዊ ህልውና እምበር መሰልን ረብሓን ህዝቢ ኤርትራ ክኸውን እትጽበዮ ኣይኮነን። ወዮ “ኣነ ናትካ ንስኻ ከኣ ናተይ” እንዳበለ ዝሽሕጦ ጉጅለ’ኳ እንዳከሓዶ ንሳቶም ክሓልይሉ ፈጺምካ እትጽበዮ ኣይኮነን።

ጉጅለ ህግደፍ ኣካይድኡ ኣብ “ዝቐደመ ኣይኽፋእ” ዝተመስረተ ለኻኺምካ ምጥፋእ ካብ ዝኸውን ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። እዚ ሕጂ ንዛረበሉ ዘለና ወስታ’ውን ምስዚ ዝተቓነየ እዩ። እዚ ጉጅለ ካብዚ ዝኣትዎ ዘሎ ህዝቢ ዘይፈልጦን ዘይቆጻጸሮን ውዕላት ብውሕዱ ክልተ ረብሓታት ክረክብ እዩ። እቲ ሓደ ጉጅለኡ ዘዕንግለሉ ገንዘባዊ ረብሓ ምርካብ እዩ። እቲ ካለኣይ ድማ ኣብ ስልጣን ንክቕጽል ካብ ህዝቢ ኤርትራ ተስፋ ስለ ዝቖረጸ ንናቱ ከባቢያዊ ረብሓ ክብል “ኣጆኻ ኣነ ኣለኹልካ” ዝብሎ ናይ ደገ ዘራይ ሓይሊ ምርካብ። እቲ መሬቱ፡ ደቁን ካልእ ሃገራዊ ጸጋኡን ዝምንዛዕ ዘሎ ኤርትራዊ ግና ብኽንድኡ ድረጃ እዩ ዝውጻዕን መሰሉ ዝገሃዝን።

ሓደሓደ ገርሀኛታት እዚ ጉጅለ ዝወስዶ ዘሎ ስጉምትታት ኣብ ፍሉይ ረብሓኡ ዝድረት ዘይኮነስ ህዝቢ ዝርበሓሉ’ውን ክኸውን ይኽእል እዩ ብዝብል ክትስፈዉ ትሰምዕ ኢኻ። እንተኾነ እዚ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸን ብተግባር ዝተራእየን እዚ በይናዊ ተዋሳኢ ጉጅለ ህግደፍ ብዘይ ኣፍልጦን ተሳትፎን ህዝቢ ዝኸዶ ዘሎ ስለ ዝኾነ፡ እቲ ውጽኢቱ’ውን ንዓኡ ጥራይ እዩ። ምናልባት ግና ኣብቲ ህልውናኡ ንምርግጋጽ ዝገብሮ ቃልሲ ሕድሪ ህዝቢ ክሒዶም ዕድሚኡ ከናውሑ ዝተሰለፉ ውሑዳት ወገናት በዚ ረብሓ ኣይክዕንገሉን እዮም ማለት ኣይኮነን። ኩልና ከም እንፈልጦ ኣብ ኤርትራ “ወርቂ ቢሻ ተዃዒቱ ብቢልዮናት ዶላራት ይሽየጥ ኣሎ” ካብ እንሰምዕ ነዊሕ ዓመታት ኮይኑ። ኣብዚ እዋንዚ ቁጠባዊ ኮነ ማሕበራዊ ኩነታት ህዝብና ናብ ድኽነትን ስእነትን ገጹ እምበር፡ ከም ናይቲ ዝሕፈስ ዘሎ ሃብቲ ወርቂ ነጸብራቕ ናይ ራህዋ ምልክት ኣይረኣናን። ውጽኢት ናይዚ ንዛረበሉ ዘለና እውን ካብዚ ወጻኢ ኣይክኸውንን እዩ። ካብዚ ሓሊፉ እዚ ጉዳይዚ ኣብ ነገራዊ ረብሓ ምርካብን ዘይምርካብን ተደሪቱ ዝተርፍ ዘይኮነስ ከምቲ “ኣእትወኒ እምበር ውጸለይሲ የዳዲ” ዝበሃል ንልኡላውነት ኤርትራ’ውን ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ እዩ።

BAEDCLogo2ህዝቢ ኤርትራ ዝተፈላልዩ ተበራረይቲ ባዕዳውያን ገዛእቲ ክገዝእዎ’ኻ እንተጸንሑ ንመግዛእቶም ኣሜን ኡሉ ተቀቢሉዎ ኣይፈልጥ’ዩ። ኣብ ውሽጢ ሕንብርቶም ኾይኑ ዝተፈላለየ ናይ ተቃውሞ ቃልሲ ከካካይድ ድሕሪ ምጽናሕ ድማ ምረት መግዛእቶም እናከፈኤ ምስ መጸ ብዝርዳኦም ቃንቃ ቃልሲ እንቢታኡ ንምግላጽን ተቃሊሱ መሰሉ ንምርግጋጽን መስከረም ሓደ 1961 ዕጥቃዊ ቃልሱ ብጅግና እድሪስ ሐምድ ዓዋተ ብምብጋስ ነቲ ገዚፍን ምሉእ ዕጥቂ ዝሐዘን ጸላኢ ንምግጣም ኣብ ጎቦታት ኣዳል ዕጥቃዊ ቃልሱ ብም ጅማር ንገዛእቲ ደርብታት ዘሰንበደ ፈላሚ ዕጥቃዊ ቃልሲ’ዩ ኔሩ።

ገዛእቲ ሓይልታት ንዝተበገሰ ዕጥቃዊ ቃልሲ ንምቁጻይን ንምንብርካክን ዝካኣሎም እካ እንተገበሩ ንቓልሲ ውጹዕ ዝዓግት ሓይሊ ስለዘየለ ግን ህዝቢ ኤርትራ ንመሰሉን ናጽነቱን ብዝለዓለ ናህሪ ንሜዳ ክውሕዝን ኣንጻር ገዛቱን ዓመጽቱን ሓይሉ ኽቃልሰ’ዩ ተራእዩ። እቶም ብዝተፈላለየ ዓሌትን ሃይማኖትን ክፋፊሎም ኣንጻር ወጽዕኡን መሰሉን ደው ከይብል ሜላታትቶም ዝጥቀሙ ዝነበሩ ገዛእቲ ሐይልታት ህዝቢ ኤርትራ ብዓሌትን ፤ብሃይማኖት ይኩን በኣውራጃ ሐደ ዘይፋላለ ስሙር ህዝቢ ምኻኑ ብቃልሱ ኣረጋጊጹሎም’ዩ። እቲ ብውሑዳትን ብደሑር ብረትን ዝጀመረ ቓልሲ ብዓሰርተታት ኣሸሐት መንእሰያትን  ደቂ ኣንሰትዮን ንሜዳ ብምውሐዝን ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ ዓቅምታቱን ውደብኡን ብምሕያል ንጽላእቱ ዘይስገር ዓርሞሽሽ ሓይሊኾይኑ ምስ ረከብዎ፡ ዓንጾ ዓንጾ ንማዕጾ ገዛእቲ ደርብታት ንሰለማዊ ህዝቢ ኣብ ምሕራድን ዓድታት ኣብ ምቕጻልን ተዋፊሮም።እቲ እኩይባርባራዊ ግፍዕታቶምግን ንህዝቢ ኤርትራ መሊሱ  ንቓልሲ ክሓንን እዩ ጌርዎ።

እንበኣርከስ ውጽኢት ናይ እቲ ሕኑንን ጽኑዕን፣ ቃልሲን ረዚን፡ መስዋእትን ‘ዩ ድሕሪ 30 ዓመት መሪር ተጋድሎ ናጽነቱ ብምርግጋጽ ወናኒ ሃገሩ ክከውን ዝበቅዐ። እዚ ብመሪር ቃልስን ከቢድ መስዋእትን ዝተረጋገጸ ናጽነት እምበአር’ዩ ሎሚ በቲ ዓማጺ ሰርዓት ተጨውዩ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ማንም ግዜንላዕሊ ሰብዓዊ መሰላቱ ተነፊግዎ ካብ ናይ ባዕዳውያን ገዛእቲ ዝመረረ ሕሰም መነባብሮ፣ ሰደት፣ ሞትን ማእሰርትን ኣብ ሐራ ዝብላ መሬቱ ብገዛኢ ደርቢ ወዲ ሃገር ሓሳረ መከርኡ ዝርኢ ዘሎ።እዚ ንምግላጹ ዘጸግም መከራ ነቲ ብሂወቱን ንብረቱን ሰውርኡ ሐብሒቡ ሃገራዊ ናጽነት ንክረጋገጽ ዘይደኣደነ ዋጋ ዝከፈለ ህዝቢ ዘይጻሙን ዘይሞስኡን ኣብ ክንዲ ቅሳነትን ራህዋን ዝጸልመተ ሂወት ከሕልፍ ይግደድ ኣሎ።

ሐደ መስከረም ከነብዕል ከለና እንበኣር ንስል ዝክሪ ዘይኮነስ ካብ ታሪክ ናታ ጅግንነት፣ ትብዓት፣ሐድነት፣ ተወፋይነትን ትግሃትን ወሪስና ነታ ደበና ጥፍኣት ኣንጸላሊይዋ ዘሎ ሃገርና ብሓድነት ካብ ኣትያቶ ዘላ ጽንተት ከነድሕና ቃል እናትወሉ ዕለትዩ። ስርዓት ህግደፍ ሎሚ ንህዝቢ ኤርትራ ብራዕድን ሽቁረራን
ቀይዱ ብምሓዝ ኣብ ዝባኑ ተሓንጊጡ ይነብር ኣሎ።እዚ ደም ውጹዓት ሰትዩ ዘይጸግብ ስርዓት ስዕረቱ ከም ኩሎም ገዛእቲ ኣያታቱ ዘይተርፎካ እንተኮነ ማዓልቱ ከይሓጽር እቲ ኣብ ደንበ ተቓውሞ (ደለይቲ-ፍትሒ) ዘሎ ዘይጥርኑፍ ኣካይዳን ዘይምጽውዋርን ተራ ምንዋሕ ስልጣን ህግደፍ ዓብይ ተራ ይጻወት ኣሎ።
ስለዚ ሐድነትና ብምትራር ህዝብና ካብ ምንጋጋ ዓመጽቲ እነድሕነሉ ሰዓቱ ሕጂዩ ኢሉ መድረክ (ግዜ) ይጽውዓና ኣሎ። በዚ ኣጋጣሚ በይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ንኩሉ ኣንጻር ህግደፍ ዝቃለስ ደላይ ለውጢ ኣብ በይ-ኤርያ ይኩን ካብ በይ-ኤርያ ወጻኢ ብሐባር ክሰርሕን ክዛተን ቅሩብነቱ  እናገለጸ መጸዋዕትኡ’ውን የቅርብ!!
                        
                               ባሕቲ መስከረም ምስ ታርካዊ ክብራ ንዘልኣለም ትንበር!!
                         ህዝባዊትን ዲሞክራስያዊት ኤርትራ ብቃልሲ ውጹዓት ክትህነጽ’ያ!!
                                      በይ- ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ

                                                 01/09/16







          

ሰንደቕ ዓላማ ወይ ባንዴራ ከከም ኣጠቃቕምኡን እምነቱን ብዙሕ ትርጉማት ዝሓዘለ እዩ። ሰንደቕ ዓላማ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ጨርቂ እዩ ዝቕረጽ። እዚ ከኣ ምስ ገለ ታሪኽን ተረኽቦን ብምትእስሳር’ዩ ዝግለጽ። ስለምንታይ ብኸምኡ ይግለጽ ኣብ ገሊኡ ሓቀኛ ታሪኽ ትረክብ። ኣብ ገለኡ ከኣ ግጉይ ሓበረታ ክትረክብ ትኽእል።

መልእኽቲ ሰነደቕ ዓላማ ኣብ ናይ ሕብሪ ወይ ቀለም ወይ ፍልልያት ዝመርኰስ እዩ። እቲ ቀለማት ተልእኮ ንምግላጽ ዝምረጽ ምልክት ወይ መለለዪ እዩ። ንኣብነት ኣብ እንስሳ፡ ብፍላይ ኣብ ገመል ከብቲ ወይ’ውን ፈረስ ብሓዊ ብምትኳስ “ሕላገት ወይ ዕላመት ናይ ዓዲ እክለ” ተባሂሉ ክፍለጥ ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዝውቱር እዩ።

ጉጉል ከምዝገልጾ እቲ ኣብ ጨርቂ ዝሰኣል ይኹን ዝቕለም ምልክት ከም ዓላማ ወይ ሕላገት (symbol) ይውሰድ። መስቀል፥ ሴፍ፥ ማዕጺድ ምስ ማርተሎ፥ ገረብ፥ ኮኸብ፥ ሴፍ፡ ገረብ፡ ፍርቂ-ወርሒ፥ ንስሪ (eagle) ... ወዘተ ኣብ ባንዴራ ነናቶም ትርጉም ዝሓዘሉ እዮም። እቶም ትርጉማት ገሊኦም ንሃይማኖት ገሊኦም ድማ ንፖለቲካዊ እምነት ዝምልከቱ እዮም። እቶም ዝመርጽዎ ከኣ ስለምንታይ ከምዝጥቀሙሉ ምስ ግዜን ኩነታትን ዝሳነ ምዃኑ ይእምት።

ሰንደቕ ዓላማ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣምታት ይዝውተር። ሲቪላዊ ምንቅስቓስ፥ ወተሃደራዊ ተግባር፥ ኣብ ናይ ሓጐስን ሓዘንን ኣጋጣምታት፡ ዓለም ለኻዊ ፍጻመ፥ ሃይማኖታዊ እምነት፥ ስፖርታዊ ንጥፈታት፥ ፖለቲካ ስረሓት እዮም። ሰንደቕ ዓላማ እምበኣር ብዙሕ በብዓይነቱ ነጸብራቓትን ሕላገታትን ዘመልክት እዩ።

ንሃገራዊ ሰንደቕ ዓላማ ከም ኣብነት እንተወሲድና፡ ምስ ታሪኽ ናይ ሓደ ህዝቢ ወይ እውን ሓርበኛዊ ጀግንነቱ ዝተሓሓዝ እዩ። በዚ መሰረት ብዙሓት ወገናት ንሰንደቕ ዓላማ ከም ናይ ወተሃደራዊ ኣሃዱታት መለለዪ ይጥቀሙሉ። ሰንደቕ-ዓላማ ኣብ ሃገራት ዓረብ ከም ምልክት ብርገድ፥ ኣብ ስጳኛ ከም ምልክት ቦጦሎኒ ይጥቀሙሉ። ነዚ ብዝምልከት’ውን ጉግል ዝህቦ መብርሂ ኣሎ።

ኣብ ሰንድቕ ዓላማ እቲ ሕብርታት ነናቱ ትርጉም ስለዘለዎ እቲ ሰንደቕ ዓላማ ዝመርጽ ኣካል ከከም ዝጥዕሞን ዝመረጾን ሓሳብ ገይሩ ይቐርጾ። ሰንደቕ ዓላማ ከም ምልክት ወይ ከም መለለዪ ኣብ ዝኾነ ተረኽቦ ክንጥቀመሉ ይከኣል እዩ። ንኣብነት ኣብ ጉዕዞ መርከብ፥ ኣብ ግዜ ውግእ፥ ኣብ ሃገራዊ በዓላት። ካብዚ ሓሊፉ እቲ ዘንበልብሎ ኣካል ካበየነይቲ ሃገር ምዃኑ መፍለዪኡ እዩ። እዚ ምስ’ቲ ኣብ ወተሃደራዊ ናይ ምስጢር ለይቲ ዝበሃል ዝመሳሰል እዩ። ንኣብነት ኣብ ግዜ ጀብሃ ወይ ተሓኤ ሰራዊት ነታ ባንደራ ናይ ፈደረሽን ሒዙ እዩ ዝንቀሳቀስ ዝነበረ። እዚ ከኣ ተጋደልቲ ካብቶም ወተሃደራት ጸላኢ ንኽፍለዩ ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ ምልክት እዩ። ምኽንያቱ ካልእ መፍለዪ ስለዘይነብሮም። ኮታ ባንዴራ መን ምዃንካ ዘፍልጥ ወይ ዘመልክት ምስጢር ስለ ዝኾነ።

ኣብ ሰንደቕ ዓላማ እንጥቀመሎም ሕብርታት፡ ሰማያዊ፡ ጻዕዳ፥ ቀይሕ፥ ቀጠልያ፥ ብጫ፥ ጸሊም ይርከብዎም። እዚ ከኣ ሕብርታት ንብዙሕ ምዕባለታት ዝገልጹ ብምዃኖም ዘመልክት እዩ።

ትርጉም ሕብርታት ኣብ ሰንደቕ ዓላማ ሓደ ብሓደ እንተርኢናዮም ነናቶም ትርጉም ኣለዎም። ንኣብነት ባትና ኣተረጓጉማ፡ ጻዕዳ- ናይ ሰላም፥ ንጽህና፡ በረድ፡ ቅሳነት፡ ህድኣት። ሰማያዊ- ንሰማይ፥ ንባሕርን፡ ብጠቕላላ ንሃብቲ ማያትን ይውክል። ቀይሕ፡ ኣካላትና ሰለስተ ርብዒ ብፈሳሲ ዝተሃንጸ እዩ። ሓደ ካብኡ ከኣ ደም’ዩ። ንዓኡ ከኣ የመልክት። ስለዚ ደም ህይወት ስለ ዝህበና ቀይሕ ንዓኡ የመልክት፥ ህይወት፥ ፍቕሪ፥ ሓይሊ፥ ቅድሜኻ ሓደገኛ’ዩ ደውበል፥ ዝብል ናይ መጠንቅቕታ ትርጉም ከኣ ብቀይሕ ይውከል። ጸሊም፡ ውግእ፥ ዘይትስፉው መጻኢ የመልክት። ቀጠልያ፡ ፍርያምነት፥ ቆጻል መሬት፡ ዕሙር ገረብን ልምዓት የርኢ። ብጫ፡ ብርሃን ጸሓይን፥ ብሩህ መጽእን ይእምት። እስኪ ካብዚ ተበጊስና ንሰንደቕ ዓላማታትና ንምዘነን። እታ ቅድም ዝነበረት ሰንደቕ-ዓላማ ነዚ ትመስል፥-

Flag ELF

መጀመርያ በቲ ሰማያዊ ሕብሪ ንጀምር። ሰማያዊ ሕብሪ ንሰማይ፥ ንባሕርን ንማያትን የመልክት። እቲ ኣቑጽልቲ ከኣ ንልምዓት፥ ገረብ፡ ፍርያም መሬትን ናይ ሰላም ኣገዳስነትን የመልክት። ካልእ እቲ ናይ ቆጽሊ ኣውሊዕ ጨናፍር ባይቶ ኤርትራ ይኹን ኢሉ ዝተሰማምዑሉ እምበር ከምዚ ዝኣመሰለ ጨናፍር ዘለዎ ገረብ ስለ ዘሎ ኣይኮነን።

Flag Eritrea

ኣብዛ ዳሕረወይቲ ሰንደቕ ዓላማ እንተመጻእና ከኣ፡ እቲ ቀጠልያ ልምላመ፡ እቲ ሰማያዊ ባሕርን ማያትን፥ እቲ ቀይሕ ከኣ ምእንቲ ሃገር ዝተኸፍለ ክቡር ህይወትን ዝፈሰሰ ደምን ምዃኑ ተተርጒሙ ኣሎ። እታ ጨንፈር ኣውሊዕ ብጫ ምዃና፡ በቲ ትርጉም ባህሪ ናይ ሕብሪ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ እዩ። ይኹን እምበር ካብዚ ወጻኢ ትርጉም ክዋሃቦ እንከሎ ንቑጽ ጨንፈር እዩ ዘመልክት። በዚ ኮይኑ በቲ እቲ ናይ ብዙሓት ጀጋኑ ህይወት ዝተኸፍሎ ቃልሲ ምእንቲ ሃገር ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ናጻ ምውጽእ እምበር ምእንቲ ሕብርን ምልክንት ሰንደቕ ዓላማ ኣይነበረን። ከምኡ ነይሩ እንተዝኸውን’ሞ እቲ ገዛኢ፡ ሰንደቕ ዓላማኹም ኣምበልብሉ እንተዝብለና ውን መተቐበልናዮ ነርና። ምኽንያቱ ናብቲ ካብ ባህግን ድሌትን ህዝቢ ኤርትራ ዝተፈጥረ ፈደረሽን ተመለሱ ማለቱ ስለ ዝነበረ። ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ግና ካብዚ ዝዓሞቐ ትርጉም ነይርዎ።

ኣብዚ እዋን እዚ እታ ዳሕረወይቲ ባንዴራ እያ ናይ ሃገረ ኤርትራ ምልክት ኮይና ዘላ። እታ ናይ ግዜ ፈደረሽን ዝነበረት ኣብ ግዜ ቃልሲ ንኹሉ በረኻታት ኤርትራ ዝዳህሰሰት ሕርበኛ ሎሚ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ብወግዒ ኣይፈልጣን እዩ። እዚ ማለት ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ ግቡእ ቦታ ማለት ብዘጽድቖ ቅዋም ኣቢሉ ኣብ ዝመርጾ ባይቶ ክሳብ ንበጽሕ እዛ ካልኣይቲ ከም ንኤርትራ ትውክል ምልክት ተቐቢልና ክንልለየላ ግዱዳት ኢና። ኣብቲ ህዝቢ ዝመረጾ መንግስቲ ምስ በጻሕና ግና እንታይ ዓይነት ባንዴራ ከም እንውለብልብ ምውሳን ስልጣን ናይ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ክኸውን እዩ። ካብዚ ክውንነት ብምንቃል’ዩ እምበኣር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ከም ፍታሕ ኣብዚ እዋንዚ “ክልቲኤን ብሓባር ንጠቐመለን” ዝብል ሓሳብ ዘምጸአ። ብዓይኒ ሕጊ እንተኸድና እታ ኤርትራ ልኡላዊት ካብ ዝኾነትሉ ግዜ ጀሚራ ዝተሰቕለት’ሞ ዓለም ኣፍልጦ ዝሃባ ሰንደቕ ዓላማ፡ ብሕገ-መንግስታዊ ፈቓድ ህዝቢ ካሳብ ትቕየር ንኤርትራ ትውክል ክትከውን እያ።

ሕጂ እዘን ክልተ ባንዴራታት ንመን ይውክላ እንተልና ኢልና ምናልባት “ንጀብሃን ሻዕብያን” ንብል ንኸውን። ነቲ ጀብሃ ወይ ሻዕብያ ዝብል’ውን ነናቱ ትርጉም እዩ ዝወህቦ እምበር፡ ናይ ሓባር ምዃነን ዝኸልአን ኣይመሃለወን። ክዝንጋዕ ዘይግበኦ፡ ሰንደቕ ዓላማ ምስ ኩሉ ሕብርታቱ፥ ናይ ህዝብን ሃገርን እምበር ባህርያቱ ብዘየገድስ ናይ ሓላፊ መንግስቲ ኣይኮነትን። ስለዚ ንሰንደቕ ዕላማ ኣንድድ ኣይተንድድ፥ ነቲ ስርዓት ዝትንክፎ ኣይኮነን። ነቲ ስርዓት ዝትንክፎ ካብቲ ስልጣኑ በርቊቕካ ክትጉሕፎ እንከሎኻ ጥራሕ እዩ ። ስለዚ በዚ መሰረታዊ ዘይኮነ ነገር ክንዋጠጥን ክንሰሓሓብን ግዜና ከነባኽን ኣይግበኣናን።

ድራር መንታይ

ንእሽቶይ ዓዲ መቐነይ ነይትስእን ከምዝብሉዎ፤ ሰብ ዲያስፖራ ኤርትራውያን መቐነይ ረኺብና ቀኒና ብሰንኪ ሓንቲ ባንዴራ ብሓደ ኤርትራዊ ምቅጻላ ምኽንያት። እቶም ንዙረት ወይ ዕብዳን ዓዲ ምስ ከዱ’ሞ፤ ኣሸበሸብ ወያኔ ኣብ ከባቢ ጾሮና ወይ ከባቢ ባድመ መጥቃዕቲ ጀሚራ እንድሕር ሰሚዖም ናይ መምለሲ ኣየር ቲኬቶም ኣተዓራርዮም ካብ ኤርትራ ክህድሙ ከም ፍሊት ዝተነፍሓሉ ሃመማ መውጽኢ ቀዳዳት ሃሰው ዝብሉ አምሰሉታት ባንዴራና ተቓጺላ ኢሎም ንብዓት ሓርገጽ ምንባዖም ዘገርም ኣይኮነን። እቲ ዘገርም እዚ ደምበ ተቓውሞ ንሰለ ማሕበራዊ ፍትሕን ንልዕልና ሕግን ደው ኢለ ኣለኹ ዝብል ካብ ሓደ ጽውጽዋይ ናብ ካልእ ሓሸውየ ክነጥር ጊዜ ይዓርቦ ምህላው እዩ።

እዛ ሕጂ ንህዝብን መንግስት ኤርትራ ወኪላ ኣብ ፍቖዶ ው.ሕ.ሃን ሓድነት ኣፍሪቃን ካልእን ተሰቒላ ዘላ ባንዴራ ናይ ኢሰያስ ወይ ናይ ህግደፍ እያ ዝብል ርእይቶ አብ ዝሓለፉ እዋናት ተላዒሉ ለባማትን ሙኩራትን ተቓለስቲ ነቲ ሕቶ ብደቂቕ ርእዮምን መርሚሮምን፤ ጉዳይና ጉዳይ ጨርቅን ሕብርን ዘይኮነስ ጉዳይ ዲሞክራስን ፍትሕን እዩ። ነዚ ሕቶ ናይ ባንዴራ ዝምልስ ኣካል ድማ ካብ ህዝቢ ናብ ህዝቢ ዝተመርጸ ሕጋዊ ዲሞክራስያዊ ብወከልት ህዝቢ ዝቖመ ቅዋማዊ መንግስቲ እዩ ኢሎም ሰናይ መዕለቢ ካብ ዝገብሩሉ ነዊሕ እዋን ኮይኑ። እቶም ናጽነት ዓዶም ክርእዩ ማዕጾ ዝተረገጦም ገዳይም ተቓለስቲ ልቢ ኣዕብዮም ንኹሉ ሓቆፍ ቃልሲ መታን ክህልወና ነቲ መሪር ግናኸ ወሳኒ መድርኸ ኣሜን ኢሎም ተቐቢሎም ቃልሲ ንሓርነት ኣብ ሕጋዊ ቦትኡ ስጋብ ዝበጽሕ ክልቲኤን ባንዴራታት ማዕረ ንማዕረ ክስቀላ ዝበጽሕዎ ስምምዕ እውን አዝዩ ደስ ዘብል ውሳኔ ኔሩ።

እቶም ነዚ ገዲም ወለዶ 40ታት 50ታት 60ታትን ምስዚ ሓድሽ ወለዶ 70ታት 80ታትን 90ታትን ከነላግቦ ዝተበገስና እውን ነዚ ቁዱስ ሓሳባት ኣቦታትናን ኣዴታትናን ተቐቢልና ነቶም ዝፈላልዩና ርእይቶታት ዕሽሽ ኢልና ናብቶም ዘቀራርቡና ጉዳያት ጸቒጥና ክንሰርሕ መሪጽና። ነዘን ክልተ ባንዴራታት ድማ ኣብ እንገብሮ ኣኼባታትን ሰልፍታትን ተሰኪምናየን ብዘይ ዋላ ሓደ ጸገም ክንጉዓዝ ጀሚርና። አብዚ ቀረባ እዋን ግና ኣይግድን ሓደ ሓደ ሰማያዊት ባንዴራ ኣውሊዕ ልዕሊ ሰቦም ትብጽሖም ዝመስሎም ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብኹሉ ሸነኻቱ ክርእዩ ዘይክእሉ ካብ ዘመነ ሓራካን ጀብሃ ዓባይን ኣርሒቖም ክሓስቡ ዘይክእሉ ጸበብቲ ሕሉፋት ነዚ እንትርፎ ስምዒት ካልእ ንቕሓት ኮነ ርድኢት ክውንን ህልዊ ኩነታት ኤርትራ ዘየፍቀዱሉ ብወፍሪ ባርነት ህግደፍ ዝተዳኸመ መንእሰይ ተጠቂሞም ፈላላዩ መርዚ ኣብ ምንዛሕን ስቓይ ህዝብና ኣብ ምንዋሕን ይርከቡ። ንተቓለስቲ ደቂ ሃገር ሽርሕታት ኣዋዲድካ ካብ ቃልሲ ንምውራድ ዝተገብረ ከንቱ ፈተነ ዘስዓቦ ዕንወት ከይሓወየ ሕጂ ካብ ሰብ ይውረድ ናብ ባንዴራ ትውረድ ምብጻሕና ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ። እዚ ዘለናዮ ዘመን ትንፋስ ዘይህብ ህዝብን ሃገርን እተድሕነሉ ቀራና እዋን እምበር ነቲ ጊዜኡ ዘሕለፈ ሕንቅል ሕንቅሊተይ ጀብሃን ሻዕብያን እነቃንየሉ ጊዜ ኣይኮነን።

እዛ እዋናዊት ባንዴራ ኤርትራ ከመይ ኣቢላ እያ ባንዴራ ኢሰያስን ህግደፍን ትኸውን ?

እዛ ባንዴራ መቦቆላ ናይ ህ.ግ ኣርማ ምዃኑ ርዱእ እዩ። ህ.ግ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ሙሩጻት ደቁ ከፊሉ ናጻ ክወጽእ እንከሎ መሪሕ ተራ ዝተጻወተ ውድብ ምዃኑ ክርሳዕ የብሉን። ብዘይ ምግናን ኣብ ናጽነት ቀረበ ቀረበ ዝበሃለሉ ዝነበረ እዋን ዳርጋ ኩሉ ኤርትራዊ ብኹሉ ዓቕምታቱ ኣካል ህ.ግ ኮይኑ ስለዝተቓለሰ እምበር ህ.ግ በይኑ ኮይኑ ናጽነት ኤርትራ ከውሕስ ምንም ዓቕሚ ኣይምሃለዎን። ተጋደልቲ ተ.ሓ.ኤ እውን እንተኾኑ ነቲ ሕሉፍ ጽልእን ቅርሕንትን ንጎድኒ ገዲፎም ጸሓይና መሊኣ ንኽትበርቕ ከካብ ዝነበርዎ ሃገረ ስደት ኣብ ጎድኒ ህ.ግ ምስላፎምን ምስውኦምን እዚ ግንባር እዚ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ግምባር እምበር፤ ናይ ኢሰያስን ናይቶም ጊዜ ዘይተርክቦም ዝመስሎም በብእዋኑ ዝብሉዑን ዝእሰሩን ዘለው ኣገልገልቲ ኢሰያስ ዝነበሩን ዘለውን ፈጻሚትን ማእከላይ ሽማግለን ግንባር ኣይነበረን። እሞ እዛ ባንዴራ እዚአ ካብ ህዝቢ መንዚዕካ ንውልቀሰብን ንመዳኸርቱን ራሕሪሓካያ ምኻድ ተሰዓርነት ጥራይ እዩ ዝኸውን። ነዛ ኣእላፍ ጀጋኑ ዝወደቑላ ባንዴራ ጽባሕ ንግሆ ምቕያራ ብሓፋሽ እንተተመርጸ ድማ ብኽብሪ ክትወርድ እዩ ዝግብኣ እምበር፤ “ሕነ ቀራናት ንጓዕማማት” ዝዓይነቱ ምቅጻል ትርጉም ኣይህልዎን።

እዛ ባንዴራ ዕላዊት ካብ ትኸውን ጀሚሩ ክንደይ ታሪኻዊ ፍጻመታት ብሰንኪ ተረኽቦታትን ዓንዳሪ ኣካይዳ ኢሰያስን ኣጋጢሙና እዩ። ንኣብነት ጠንቁ ብዘየገድስ ኵናት ምስ የመን ብሰንኪ ደሴታት ዙቑር ሓኒሽ፡ ኵናት ምስ ሃገረ ሱዳን፡ ዶባዊ ኵናት ምስ ኢትዮጵያን ጁቡትን ተኻይዱ እዩ። እዚኦም ኵናታት ዋላ ኢሰያስ ይወልዓዮም ብዘየገድስ እቶም በጃ ህዝብን ሃገርን ዝተሰውኡ ደቂ ሃዝቢ ናይ ህዝቢ እመበር ናይ ኢሰያስ ስውኣት ኢልካ ምምዳቦም ፖለቲካዊ ተልሜደንንነት እዩ ክበሃል ዝከአል። ንምንታይከ ነቶም ስድራ እዞም ስውኣት ክትንክፍ ዝኽእል ተኣፋፊ ሕቶ አምጺእና ቁስሊ እዞም

ኣቦታትን ኣዴታትን ንጎድእ። ነቲ ኵናት ደው ከብልዎ ወይ ክቃወሙዎ ዝነበሮም እቶም ሓላፍነት ናይ ህዝቢ ተሰኪሞም ክንሶም ኢሰያስ ስረኦም ዘፍትሖም ስማውያን ሚኒስተራትን ጀነራላትን እምበር እቶም ብዘይ ኣፍልጦ ሃገር ተወሪራ ተባሂሎም ኩቡር ዋጋ ዝኸፈሉ ስውኣት ኣይኮኑን። እሞ እዞም ስውኣት ክቕበሩ እንከለው ዝለበስዋ ባንዴራ ናይ ህዝቢ ዶ ዋላስ ናይ ኢሰያስን ህግደፍን።

እቶም ኣብ ታሪኽና ንዘንተ እለት እንዝክሮም ከም ኣቦና ወልደኣብ ወልደማርያምን ዑመር ሃኪቶን ዝኣመሰሉ ተቓለስቲ ክቕበሩ ከለው ቃሬዛኦም ዝሸፈነ ባንዴራ ከመይ ዘይባንዴራና? ድሕሪ ናጽነት እንተኾነ እውን ክንደይ ሓቀኛታትን ፈተውቲ ህዝብን ደቂ ሃገር ዝኾኑ ተጋደልትን ፍሉጣት ስነጥበበኛታትን ሬሳኦም ምስ ዘሰነይት ባንዴራ እንታይ ጽልኢ ኣለና? ኣትሌታትና ንመቃዳድምቶም ራሕሪሖም ብዓወት እንክኣትው ክብርናን ዝናናን ሓፍ እንከብሉ ዘምበልብሉዋ ባንዴራስ ንመን ኢኹም ክትህብዋ ደሊኹም? ነቲ ኤርትራን ህዝባን ንመጻኢ ክህሉው ዘይደሊ በላዕ ሰብ ኢሰያስ? እንድዒ ጌጋ ደአ ይኽለኣለይ እምበር ኢሰያስ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ንላዕሊ ንደምሒትን አርበኞች ግንቦት ሰባትን ዝፈቱ ካብዛ እዋናዊት ባንዴራና ንላዕሊ ነታ ቀጠልያ ብጫ ቀይሕ ዝሕብራ ባንዴራ ኢትዮጵያ ዘለዎ ፍቕሪ ዝዓቢ ኮይኑ እዩ ዝስመዓኒ።

ትርጉም እዋናዊት ባንዴራ ኤርትራ

ትርጉም እዋናዊት ባንዴራ ኤርትራ እንድሕር ብዕምቆት ካብ ስሚዒት ወጺና ርኢናዮ ካብታ ናይ ፈደረሽን ባንዴራ ዘይንእስ ትርጉም ዝሓዘለ እዩ። ንጸጋታት ባሕርና፡ ንዝኸፈልናዮ መስዋእቲ፡ ንእንምነዮ ልምዓትን ብሩህ መጻእን ዝሓዘለት ባንዴራ እንታይ ኣበሳ ኣለዋ እንትርፎ መራሕቲ ህግደፍ ዘውርዱልና ዘለው ኣደራዕ። እዚ ክብል ከለኹ ምስ ኣውሊዕ ባንዴራና ምንም ዘጻልእ ጉዳይ የብለይን ምስ’ዛ ባንዴራ ኣቦታተይ ኣባሓጎታተይ። ድሕሪ ናጽነት ንሳ ቀጺላ ኔራ እንትትኸውን እውን ደስ ምስ በለኒ ኔሩ ካብዚ ሕጂ ንሰምዖ ዘለና ዘይተደልየ ገልታዕታዕ ከማን ምደሓንና ኔርና። የግዳስ ንሳ ካብ እትወርድን ካብ እትትካእን ርብዒ ዘመን ተቖጺሩ እዛ ሓዳሽ ባንዴራ ካብ እትመጽእ ጥራይ ሚልዮናት ኣእላፍ ተወሊዶምሲ ዓብዮም ከማን። እሞ ሕጂ ልዕሊ 80% ኤርትራዊ ብዛዕባ እታ ዝሓለፈት ባንዴራ ምንም ዝጭበጥ ኣፍልጦ ዘይብሉ ክንሱ ኣውሊዕ እንዳበልካ ምጉስጓስ ምስ ምንታይ ክቑጸር ይከኣል። እንድሕር አውሊዕ ክትምለስ ተደልዩ እውን መርሓባ ኢልና ክንቅበላ እንታይ ጸገም ኣለዎ ጥራይ ህዝቢ ይምረጻ እምበር። እሞ እዚ ካብ ኮነ እቲ ሓቂ ንምንታይ ኢኹም ዘይትገድፍዎ ነዚ ህዝቢ ካብ ወግሐ ጸብሐ ፋላላዩ ነገራት እንዳምጻኹም ነቲ ባይታ ዘቢጡ ዘሎ ምትእምማን ቃልስን ደቂ ሃገርን መሊስኩም ትሕቲ ባይታ ትቐብርዎ።

ሓደ ካብቲ ዝቐርብ ብዛዕባ እዛ እዋናዊት ባንዴራ ርእይቶ እንታይ ዝብል’ዩ፤ ኣክንዲ ቀጠልያ አውሊዕ ዝሓረረት ብጫ ዝሕብራ ኣውሊዕ ዝሓዘት እያ ዝብል ምስ ሰማዕኩ ከይገረመኒ ኣይተረፈን። እዋይ ኣንታ እንታይ እዩ ወሪዱና ክትብል ትግደድ። ባንዴራ ዓለማት ከይድካ ክትርእይ ድማ ትግደድ። ባንዴራ ኣልጀርያ ቀይሕ ወርሒ፡ ባንዴራ ጋና ጸሊም ኮኾብ፡ ባንዴራ ካናዳ ቀይሕ ቆጽሊ ተሰሊመን ምስ ረኣኻየን ደቂ ዓድና እንታይ ምስ በሉ ዜጋታት ናይዘን ሃገራት እንተዝኾኑ ትብል። ቀይሕ ወርሒ ወይ ጸሊም ኮኾብ ዝብሉዎ የለን ኢሎም ዶ ምስ ሞገቱ? ወያ ንነብሳ ኮይና ነዓና ከማን ስርናይ ሊኢኻ ዘዕበየትና ካናዳኸ ቀጠልያ ሰዊት ስርናይ እምበር ቀይሕ ቆጽሊ ኣይግበአን ኢሎም ኣብ ፈይስ ቡክ ኵናት ከይጅምሩ’ውን ትፈርሃሎም።

ዊዒልና ሓዲርና ፍቕሪ እዩ ዝስዕር

ደገፍቲ ህግደፍ ብፍላይ ድማ እቶም ካብ ሓሙሽተ ሜትሮ ኣርሒቖም ክሓስቡ ዘይክእሉ በሃማት ስሕዋትን ነዛ ባንዴራ ኣብ ቆቢዕ፡ ክራቫታ፡ ካሚቻ፡ ዙርያ፡ ነጸላ፡ ሻርባ፡ ጽላል ወዘተ ኣስፊሮም ከምታ አመሎም ከኹድዱ እንተራናዮም ዋላ’ኳ ንግዜኡ ብልጭ እንተበልና ብዙሕ ክንግደሰሎም የብልናን። ንሶም እኮ ካባና ዝገደዱ ኣንጻር ሕልንኦም ዝቃለሱ ውሽጦም ሑሩራት እዮም። እንድሕር ከይተሓለልና ፍቕሪ ኣርእናዮም ናብና ዝመጹሉ መዓልቲ ርሑቕ ኣይኮነን። ባንዴራ ምቅጻል ድማ ነቲ ኣብ መንጎ ደገፍትን ተቓወምትን ዘሎ ቅርሕንቲ ከጋድድ እምበር ምንም ካልእ ረብሓ የብሉን። ነዛ ባንዴራ ድማ ንስኻ ኣንታ ደላይ ለውጢ ምስ መዛኑኻን ብጾትካን ኢኻ ኣብ ፍቖዶ በረኻን ጣሻን ወዲቕካላ። ትማሊ ትማሊ ንክረምቲ ናብ ኤርትራ ክመጹ ከለው በለስ ኢልካ ትጽውዖም ዝነበርካ ናይ ትርፊ ጊዜ ሃገራውያን ብምንም መለክዒ ነዛ ባንዴራኻ ክግብቱ ኣይበቕዑን እዮም። ሰማያዊት ኣውሊዕ ባንዴራኻ ሕድሪ ስለ ዘጽናዕካ፤ እዛ እዋናዊት እውን ባንዴራኻ ብኣኣ ጠቕሊልካ ብጾትካ ስለዝቐበርካ። እንታይ ገደሰካ ብጨርቂ ብሽፎን ትዛረብ። ትማሊ ትማሊ ወርሒ ሰነ ብድምጽኻ ንተልአቪቭን ጀነቫን ዘንቀጥቀጥካ ውጻእ መዓት ከመይ ጌረ ንበድኒ ህግደፍ ይቐብር ኢልካ ሕሰብ እምበር፤ ከም ሽንቲ

ግመል ጨርቂ ትንደድ አይትንደድ ክትብል ጊዜኻ ከተዕርብ ኣየምሕረልካን እዩ። ህዝብና ዘድልዮ ዘሎ ንኢሰያስን ጭፍርኡን ዘቃጽል ተባዕ ሃገራዊ እምበር ጨርቂ ኣቃጺልካ ዝመጽእ ለውጢ እንተዝህሉ፤ ኣዴታትናን ኣደ ዓባየታትናን ዝርካበን ሽፎን ኣኪበን ሓዊ ሮኪዔን ቃል ቃል አቢለን ከምታ ንናጽነት ሕጂ’ውን ቀደም ሓራ መውጽኣና ኔረን።

ሰሎሙን ገብረእየሱስ

ኦክላንድ ካሊፎርንያ

ናይ ኤርትራ ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ ከካይዶ ዝጸንሐ ኣኼባ ሎሚውን ካብ ኩለን ጨናፍር ናይ ኤውሮጳን ኣመሪካን ዝተስተፍዎ ሰሚናር ብዕለት 15 ነሓሰ 2016 ኣብ ፍራንክፎርት ኣካይዱ።

እዚ ካብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ካብ 14፡00 ክሳብ 17፡00 ኣብዘሎ ግዜ ዝተኻየደ ሰሚናር፡ ብናይ ዋና ጸሓፊ ማሕበር ሓው ኣፈወርቂ ኣባይ ሰላምታን ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ሰናይ ምንዮትን ከምኡውን ካብ ሓው ተሳፋይ ተኽለዝጊ ኣቦ መንበር ማሕበር ዋላዃ ብኣካል ክርከብ እንተዘይካኣለ፣ ብዝላኣኾ ሰላምታን ጽቡቕ ድልየትን እዩ ተከፊቱ። ኣስዒቡ፡ ንኵነታት መደበር ከሰላን ምዕብልናኡን ብዝምልከት ሓው ኣፈወርቂ ኣባይ ሰፊሕ ሓበሬታ ኣቕሪቡ።

ቀጺሉ ኣብዞም ዝስዕቡ 5ተ ነጥብታት ዝሓዘ ኣጀንዳ ብቕደም ተኸተል ብዕምቆትን ዝርዝርን ተዛትዩ።
1. ህልዊ ኲነታት ኣሕዋት ኣካለ ጽጉማትናን መደበር ኣብ ሱዳን፡
2. ሓጸሪቲ ጸብጻብ ንጥፈታት ናይ ኣብ ዝተፋላለያ ኩርናዓት ዓለም ተመስሪተን ዘሎዋ ጨናፍር፡
3. ዓመታዊ ብጀት 2017
4. ትግባረ መጽናዕቲ ትካል፡
5. ትካላዊ ኣሰራርሓ ማሕበርን
ዝብሉ ዛዕባታት ሰፊሕ ዝርርብን ናይ ሓሳባት ምልውዋጥን ተገይሩ። ኣገደስቲ ናይ ስራሕ ዕማማት ተሊሙን ሓባራዊ ውሳኔታት ኣስፊሩን ኣሎ። ኣብ መደምደምታ ኣብ ነፍሲወከፍ 3ተ ዓመት ዚካየድ ጉባኤ ኤርትራዊ ማሕበር ኣካለ-ጽጉማን ዕለት 27/08/2016 ብመራኸቢ ብዙሓን ክካየድ ምዃኑ ብምዝኽኻር ሰሚናር ብዝኽረ ስዉኣት ተዛዚሙ።

 መግለጺ ግዜያዊ ኣካል ርኽክብ ሃገራዊ ምምኻራዊ ዋዕላ ናይሮቢ

 ኣቦ መንበር ግዜያዊ ኣካል ርኽክብ ሃግራዊ ምምኻራዊ ዋዕላ ኣቶ ሱለማን ሑሰንን ኣባል ግዜያዊ ኣካል ርኽክብ ኣቶ ተስፋይ ወልደሚካኤል ደጊጋን ዝመርሕዎ  መግለጺ፡   ሃገራዊ ምምኻራዊ ዋዕላ  ኣብ  ፈስቲቫል ኤርትራ ካብ ዝቐረበ ሐደ ኣገዳሲ ንጥፈት ነይሩ።

ሓው ሱለማን፡  ነቲ ብወርሒ ሕዳር 2015 ኣብ ናይሮቢ ዝተኻየደ ምምኻራዊ  ዋዕላ፡ ክብ ምድላው ኣትሒዙ  ክሳብ ምስልሳሉ ከመይ ከም ዝነብረ ኣብ ልዕሊ ምግላጹ፡  ብመሰረት  ውሳኔታት እዚ ዋዕላ’ዚ  6ተ ዝኣባላቱ ግዜያዊ ኣካል ርኽክብ ከም ዝቖመ ኣብሪሁ።

ናይ ግዜያዊ ኣካል ርኽክብ፡ መበገስታትን፡ ዕላማታትን ክሳብ ሕጂ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን ብምግላጽ ድማ፡ ኩሎም እቶም ናብ ዳግማይ ምምኻራዊ ዋዕላ ክሳተፉ ትጽቢት ዝግበረሎም ውድባት ጸዋዒት ከም እተገብረሎምን። ኩሎም ድማ ክሳተፉ ምዃኖም ኣረጋጊጾም ከም ዘለዉን ኣብሪሁ።  ብተወሳኺ ምስ’ዛ ኣካል ርኽክብ ዝተሓባበሩ ምሁራትን ክኢላታትን ከም እተመደቡን ኣብ ዝተፈላለየ ጉዳያት ነቲ ዋዕላ፡ መበገሲ ክኸውን ዝኽእል ሰነዳት ኣብ ምድላው ከም ዘሎን ሓቢሩ።  ኣብ ክሉ ዕማማት  ናይ ኩለን ውድባት ተሓባባርነት ጽቡቕ ምህላው፡ መጽናዕታዊ ስነዳት ኣብ ዝድምደመሉ እውን ናብ  ኩለን ውድባት ክዝርጋሕን ክጽናዕን፡ ብተወሳኺ ርእይቶታት  ክመሓየሽን ምዃኑ ኣብሪሁ።

ሓው ተስፋይ ደጊጋ ብወገኑ ድማ  እቲ ትጽቢት ዝንበረሉ ዋዕላ፡ ዋንነቱ ኩሉ  ውድባት ምዃኑ፡  መሰረታዊ ዕማም ናይ ግዜያዊ ኣካል እውን፡ ኣግላልነት ዘይብሉ ናይ ኩሉ ሓቆፍ ዋዕላ ምዃኑ ኣብሪሁ።

ብድሕሪ’ዚ መድረኽ ሕቶን መልሲን ተኸፊቱ  ኣኽIአበኛታት ዘለዎም ሕቶታት ኣብ ርእሲ ምቕራቦም፡  ጠቓሚ ለበዋታት ንግዜያዊ ኣካል ኣመሓላሊፎም።

እቲ መግለጺ ብኽልቲኡ ቋንቋታት ትግርኛን ዓረብኛን ዝቐረበ ከይኑ ብ ፓወር ፖይንት ቅርጻዊ ገለጻ (Power Point Slide show) ዝቐረበ ብምንባሩ ኣንባቢ ሓፈሻዊ  ስእሊ ንኽህልዎ ከም ዘለዎ ነቕርብ።