ወዲ ሰብ ክፍጠር እንከሎ ተፈጥሮኣዊ ናጽነት ከም ዘለዎ ርዱእ እዩ። እዚ ናጽነት እዚ ግን ካብታ ናቱ ድሌት ወጻኢ ከይዱ ንኻልኦት ክዕምጽ ወይ ሰላም ክኸልእ ኣይተዋህቦን። ዝኾነ ይኹን ፍጡር ምስ ከባቢኡ ተወሃሂዱ ክኸይድን፥ ምስቲ ሕብረተሰቡ ከኣ ክከባበርን ናጽነት ሓድሕድ ክሕሉን ቀንዲ ተደላዪ እዩ። ካብዚ ወጻኢ ግን ግርጭታት፡ ዘይምስምማዕን ዘይምትእምማንን ክፍጠር ይኽእል።
ኤርትራ ምስ ገለ ሃገራት ብስፍሓትን ብዘለወን ባህርያዊ ሃብትን ጸጋታትን ክትወዳደር እንከላ ምናልባት ገሊኣን ብስፍሓት ብሰለስተ ዕጽፊ ዝነኣሳ እየን። ንኣብነት ክልተ ኤውሮጳውያን ሃገራት በልጅዩምን ሆላንድን ንውሰድ። ብመሰረት ሓበረታ ጉጉል፥ በልጂዩም ብስፍሓት መሬታ 30,528 ኪሎሜተር ትርብዒት እያ። ሆላንደ ከኣ 41,543 ኪሎሜተር ትርብዒት እያ። ኤርትራ ከኣ 117,600 ኪሎሜተር ትርብዒት እያ። ናይ ነፍሲ ወከፈን ብዝሒ ህዝቢ ከኣ ከምዚ ዝስዕብ እዩ። በልጂዩም 10,438,353: ሆላንድ 16,730,632: ኤርትራ ድማ 6,086,495። ካብዚ ምናልባት እቲ ኣብ ባሕርን ምደረበዳን ዝጠፍአን ዝጠፍእ ዘሎን ምስ ዝጐድሎ ብዝሒ ህዝቢ ኤርትራ ትሕቲኡ ከኸውን እዩ።
ኤርትራ ነዘን ክልተ ሃገራት ብስፍሓት መሬታ ዳርጋ ንኽልቲኤን ብሰለስተ ዕጽፊ ትተዓጻጸፈን። ብብዝሒ ህዝባ ከኣ ዳርጋ ክልቲኤን ይተዓጻጸፋኣ እየን። ይኹን እምበር ንህዝበን ይኹን ንኣዕቊበነኦ ዘለዋ ህዝቢ ካብቲ ህዝቢ ኤርትራ ዝነብሮ ዘሎ ከርፋሕ ናብራ ኣዝዩ ብዝሓሸ ኣገባብ የመሓድረኦ ኣለዋ። ኮታ ንህይወቱ ዘድሊ ነገራት የማልኣሉ ኣለዋ። እዘን ሰለስተ ዝተጠቕሳ ሃገራት ነፍሲ ወከፈን ዝመሳሰል ናይ ትሕተ ባይታውን ልዕለ ባይታውን ጸጋታትን ባህሪያዊ ሃብትን ይውንና። ኩለን ኣብ ሕርሻ፥ ማዕድን፥ (ሓጺንን ዚንክን) ዓሳ፥ ጋዝ፥ ነዳዲ ዘለወን ኢየን። ኣብ ሰልስቲኤን ሃገራት ዝበቑል ኣዝርእቲ ከም ዕፉን፥ ድንሽ፥ ከምኡ እውን ፍረታትን ኣሕምልትን .. ወዝተ፡ ክህልወን እንከሎ እተን ክልተ ሃገራት ዘይብለን ግን ከኣ ኤርትራ ዘለዋ ከም ወርቂ፡ ፖታሽ፥ ብሩር፥ እምነ-በረድ ,,, ወዘተ ኢዮም። ካልእ ዘይተዳህሰሰ ባህሪያዊ ሃብቲ እውን ኣብ ኤርትራ ክህሉ ይኽእል እዩ። ብዘይካ’ዚ ኤርትራ ክልተ ወደባት እትውንን ሃገር እያ። እዚ ኩሉ ተደማሚሩ ብቑጠባዊ ዓይኒ ምስ እንርእዮ ነዚ ኣዝዩ ውሑድ ህዝባ ይትረፍ ንካልእ’ውን መኾነት። ምኽንያቱ ከም ኣብነት ነዘን ክልተ ሃገራት ምስ ኤርትራ ምስ እነወዳድረን ካብ ናይ ኤርትራ ሃብቲ ዝያዳ ዘለወን ኣይኮናን። ግን እዘን ሃገራት እዚአን ሰላም፥ ቅሳነት፥ ቅኑዕ ምሕደራ፥ ሓድነት፥ ከምኡ እውን ኣእምሮ ማለት ፍልጠት ስለ ዘለወን፡ ነቲ ውሑድ ሃብተን ብግቡእ ሰሪዐን ነዋርሕ ዘይኮነስ ንዓመታት ኣቐዲመን ተሊመን ዝጐድለን፡ ካብ ካልኦት ሃገራት እናተክኣ ህዝበን ብጽቡቕ የናብራ ኣለዋ።
ሽግር ናይ ኤርትራ እምበኣር፡ ቀዳማይ ዘይብቕዓት መራሕቲ፥ ካልኣይ ከኣ ኣርሒቑ ዝሓስብ መንግስትን ምሕደራን ዘይምህላው እዩ። ባህሪ ናይቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ መላኺ ስርዓት ንሃብቲ ሃገር ክጉሕጉሕ ወይ እውን ብካልኦት ሃገራት ንኽምዝመዝ ዘፍቅድ ምዃኑ ከኣ ካልእ ጸገም እዩ። እዚ ንዛረበሉ ዘለና ስርዓት ንህዝቢ ክንዲ ፍረ ኣድሪ ተገዳስነት የብሉን። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ስርዓት እቲ ህዝቢ ናይ ፖለቲካ ድሕረት ስለዘለዎ ኣንጻር ረብሓኡ ክኸይድ ናይ ግድን እዩ። እዚ ከይኣክል ገለ ተበለጽትን ኣድሓርሓርትን ነቲ ቀንዲ ሃገራዊ ጉዳይን ንሃገራዊ መንነትን ዘህስስ ጉዕዞ ተተሓሒዞሞ ንርእን ንዕዘብን ኣሎና። እዞም ብስም ሃይማኖት፥ ብሄርን፥ ዓሌትን ከይተረፈ ካብ ሃገርነት ንታሕቲ ወሪዶም ክጠራነፉ ህርዲግ ዝብሉ ዘለዉ ጽባሕ ንግሆ ናይ ታሪኽ ተሓተትቲ ምዃኖም ክዝንግዑ የብሎምን።
ሎሚ ኣብ ምዕቡል እንዳማትካ ሃገር ኰንካ፡ ነቲ ኣብ ዲቕ ዝበለ ደልሃመት ዘእተወና ፍልልያት ዳግማይ ምግፋሕ ከሳብ ክንደይ ብጉዳይ ሃገርን ህዝብን ንሓሊ ቀንዲ መለለዪና እዩ ክኸውን። ኣብ ኣርበዓታትን ሓምሳታትን ገዛእቲ ሓይልታት ዝተጻወቱልና ምዝንጋዕ ከኣ ሎሚ’ውን መጻወቲ ጓኖት ክንከውን እዩ ኣፍደገ ዝኸፍት። ኤርትራ በዚ ጭካንን ስድን ስርዓት ተመሪሓ፥ ከም ሃገር ናብ ምፍሻል ገጻ ትጐዓዝ ኣላ። ትሕቲ ሃገራዊ ውደባ ገዲፍካ ንኹልኻ ብዘይጥርንፍ ኣገባብ ምትእኽኻብ ነቲ ጨቋኒ ስርዓት ዘገልግል እምበር ንህዝብናን ሃገርናን ዘድሕን ኣይኮነን። ምኽንያቱ ኣብ መንጎ ሓቢርካን ሰሚርካን ምእንቲ ሃገርን ህዝብን ክትቃለስን ክትሓስብን ኣብ መንጎ ንውሱን ሕብረተሰብ ጥራሕ ብምጥርናፍን ምሕሳብን ዘሎ ፍልልይ ዘምጽኦ መዘዝን ኣጸቢቕና ክነለልዮ ይግበኣና። እዚ ግና ባህልኻ፡ ልምድኻን ቋንቋኻን ደምስስ ወይ ከኣ ኣይተማዕብል ከስምዕ ኣይግባእን።
ኣርእስቲ መጽሓፍ፡ ተመኩሮ ተሓኤ ንሃገራዊ ናጽነትን ማሕበራዊ ፍትሕን (1961-1982)
ዓይነት መጽሓፍ፡ ሓቀኛ ታሪኽ
ደረስቲ፡ ፍሰሃየ ሓጐስ፡ ንጉሰ ጸጋይን ድራር ማንታይ
ብዝሒ ገጽ፡ 369 (ብዘይካቲ መእተዊ)
ዝተሓትመሉ ቦታን ግዜን፡ ቤት ማሕተም ሆሚብ 2016
ቅድሚ ኩሉ፡ እዛ መጽሓፍ ኣብ ኢደይ ክትኣቱ’ሞ ከንብባ ዕድል ንዝፈጠሩለይ ኣሕዋት ልባዊ ምስጋናይ የቕርበሎም። ብዓብይኡ ድማ ንደረስትን እታ መጽሓፍ እቲ ሒዛቶ ዝወጸት ክብደት ሒዛ ንክትወጽ ምስ ደረስቲ ንዝተሓባበሩን ዘበርከቱን ኣካላት ልባዊ ምስጋናይ የቕርበሎም። ስለቲ ዘቕረቡልና ክቡር ህያብ ኣመስጊነ ንኣመስጋኒ ክህቦም ድማ ደስ እብለኒ። እዛ መጽሓፍ ከም እትሕብሮ፡ ደረስትን ተሓባበርቶምን ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣብቲ በላሕቲ ኣጋጣምታትን መድረኻትን ተሪሮም ከም ዝተቓለሱ ምርዳእ ይከኣል። ነዛ መጽሓፍ ንምድራስ ዝገብርዎ ተበግሶ ድማ ነቲ ናይ ሽዑ ቃልሶም መሊሱ ኣራጉድዎ።
እዛ መጽሓፍ ብሓፈሻ ነቲ መወዳድርቲ ብዘየብሉ ውድባዊ መዕቀኒ ዝተሓጽረ ተመኩሮ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ጥራይ ዝተባሕተ ታሪኽ ሰውራ ኤርትራ ተደሪቱ ዝጸንሓ ህዝቢ ኤርትራ ዝያዳ ድማ መንእሰይ፡ ምሉእ ስእሊ ኣብ ምሃብ እትሕግዝ እያ። ካብዚ ሓሊፉ ንተጋደልትን ኣባላትን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ድማ ናይዛ መጽሓፍ ምውላድ ሞይትካ ከም ምትንሳእ እትቑጸር ህያብ እያ። እዚ ኣብዛ መጽሓፍ ሰፊሩ ዘሎ ሓበሬታ ብዓብይኡ ንተሓኤ ብኣካል ንዘይፈልጥዋ ኮይኑ፡ ኣባላት ተሓኤ ዝነበሩ እውን ገሊኡ ሽዑ ብዝነበረ ናይ ሓበሬታ ውሱንነት ዘይፈልጥዎ፡ ገሊኡ ድማ ዝወዓልዎ ግና ዝረስዕዎ ከም ዝኸውን ርዱእ እዩ። እዚ ክበሃል እንከሎ ከምቲ ደረስቲ ከሎ ጌና ዝበልዎ ናይታ መጽሓፍ ውሱንነት ኣብ ቦታኡ እዩ። ብዘይብኡ እውን ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተቃለሰ ወይ ብዛዕባ ተመኩሮኣ ኣብ ሜዳ ዝፈልጥ ታሪኻ ብሓንቲ መጽሓፍ ዝዕመም’ዩ ኢሉ ከም ዘይጽበ ፍሉጥ እዩ።
ናይዛ መጽሓፍ ምውጻእ ብመጀመርያ ካለኦት ሓርበኛታት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ከምዚ ደርስቲ ማእከል ድርሰቶም ተመኩሮ ውሱን ክፋል ናይታ ውድብ ገይሮም ዘለዉ፡ ንሳቶም እውን ካልእ ክፋል ናይ ተሐኤ ማእከል ገይሮም ክጽሕፉ ኣፍደገ ዝኸፍት እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ቃልሲ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ብፍላይ ድማ ኣብ ሕብረተሰብኣዊ ጉዳይን ናይ ከተማ ስርርዓትን ዝከኣል ዘይመስል መስተንክራት ዝተኻእለሉ ተመኩሮ ኣብዛ መጽሓፍ ሰፊሩ ስለ ዘሎ፡ “እቲ ናይ ሽዑ’ኳ ዝተኻእለስ ነዚ ናይ ሎሚኸ ስለምንታይ ዘይንኽእሎ” ዝብል ሓድሽ ንያትን ኒሕን እተሕድር እያ። ወረ ኣብ ገሊኡስ ኣይኮነንዶ ነቲ ንተሓኤ ብኣካል ዘይፈልጣ መንእሰይ፡ ነቲ ኣባላ ዝነበረ እሞ በቲ ኣብታ መጽሓፍ ተገሊጹ ዘሎ መስተንክራት ዝሓለፈ እውን “እዝስ እምበርዶ ንሕና ኢና ሰሪሕናዮ” ዘብል’ውን ኮይኑ ረኺበዮ። በዚ ኣጋጣሚ ኩሉ ኣባል ተሓኤ ዝነበረ ነዛ መጽሓፍ ወኒኑ ከንብባ ይግበኦ ዝብል መልእኽተይ ክመሓላልፍ እፈቱ።
ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝሓለፈቶ ውሽጣዊ ምፍሕፋሓትን ንምእላዩ ዝግበር ዝነበረ ጻዕርታትን ነቲ ዘየድሊ ገሊፍካ ነቲ ዝጠቕም ወሲድካ ከም ናይዚ ዘለናዮ መዋእል ቃልሲ መወከሲ ክትወስዶ ዘኽእል ሓበሬታታት ሰፊሩ ምህላዉ እውን እዛ መጽሓፍ ሓጋዚት እያ። እዛ መጽሓፍ ተዘክሮ ጥራይ ዘይኮነስ፡ “እሞ እቲ ኣብዛ መጽሓፍ ሰፊሩ ብዘሎ ዝጀምርናዮ ዕማም ኣብ መወዳእታኡ ንምብጻሕ እንታይ ንግበር” ዝብል ሓላፍነት’ውን እተሰክም እያ።
ትርጉም ናይቲ “ናጽነት ኤርትራ ናይ ሓደ ውድብ ህያብ ዘይኮነስ፡ ናይ መላእ ህዝቢ ኤርትራን ውድባቱን ፍረ ቃልሲ እያ” ዝብል ካብዛ መጽሓፍ ምርዳእ ይከኣል። ካብዚ ሓሊፉ ነቶም ሰውራ ኤርትራ ኪኖ ናጽነት ዘማዕዱ ማሕበረ-ፖለቲካዊ ራኢ ኣይነበሮን ዝብሉ ሓደሓደ ወገናት ናብ ክውንነት ክመጹ ዝሕግዝ ሓሳብ እውን እዛ መጽሓፍ ኣስፊራ ኣላ። ብፍላይ ንትምህርቲ፡ ሕክምናን ማሕበራዊ ናብራ ዕቤትን ወሲኽካ ማሕበራዊ መደባት ተሓኤ እንታይ ይመስል ከም ዝነበረ ዝምልከት ተመኩሮ ክተንብብ እንከለኻ። እዛ ውድብ ነቲ መሰረታዊ ናይ ለውጢ ዕጥቂ ዝኾነ ትምህርቲ እትህቦ ዝነበረት ቆላሕታ ድማ ዝያዳ ዝድነቕ እዩ።
ነዛ መጽሓፍ ምስ ኣንበብኩ ታሪኽ ተሓኤ ንምጽሓፍ ዘኽእል መወከሲ ሰነዳትን ሓበሬታታትን ኣይርከብን’ዩ ዝብል ዝነበረ ስኽፍታይ ተቐንጢጡለይ። ምኽንያቱ ብዙሕ ተረሲዑ ከይከውን ዝሰግኦ ዝነበርኩ ኣስማት ፍጻመታት፡ ዕለታት፡ ኣገደስቲ ቦታታትን ሓርበኛታትን ምስ ውሱን ሕጽረታቱ ተጠቒሱ ርእየ። እዚ ነዞም ናይዛ መጽሓፍ ደረስቲ ዝገጠሞም ናይ ሓበሬታ ሕጽረት፡ ወይ ንሳቶም ዳግማይ መጽሓፎም ክደርሱ እንከለዉ ወይ ድማ ካለኦት ኣሰሮም ሒዞም ክደርሱ እንከለዉ፡ ክፍታሕ’ዩ ዝብል ተስፋይ ከኣ ጠጢዑ።
ድሌትን ርውየትን ሰባት ኣብ ሓደ ነጥቢ ደው ኣይብልን እዩ። ብመንጽር’ዚ ኣነ ድማ ነዛ መጽሓፍ ምስ ኣንበብኩ መቂራትንስ ሰሲዐ። ብዛዕባ ውግእ እገለ ከይውስኹላ ነበሩ ክብል ጀሚረ። ኣብ መንደፈራን መረብን ካብ በጽሑስ፡ ነቲ ብበዓል ስዉእ ወልደዳዊት ተመስገን፡ ነጸረኣብ ክፍላይ፡ መሓምድ ኑር ዓፋን ሃብተ ሰንጋልን እንዳተመርሐ፡ 72 ሰዓታት ክወስድ ተመዲቡ ክነሱ ኣብ ናይ 13 ሰዓታት ጽዕጹዕ ውግእ ዝተዓወተ ውግእ ምሕራር ዓዲዃላ ብኻ መወሰኽዎ ኢለ። መሊሰ ድማ ንተመኩሮ ተሓኤ ኣብ መዳያት ትምህርቲ፡ ሕክምናን ካልኦትን ዝምልከት ተመኩሮ ጠቒሶምሲ ነቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓዲ ብ5 ኣባላት (ኣቦመንበር፡ ናይ ጸጥታ፡ ናይ ንብረት፡ ሓላው ገረብን ተቐባል ኣጋይሽን ዝነበርዎ) ንመጻኢ ሓባራዊ ምምሕዳር እምነ-መሰረት ዘንብር፡ ንበይናዊ ዳንነት ዘወገደ ምምሕዳራትስ ክጠቐስዎ ነይርዎም ምባለይ’ውን ኣይተረፈን። ብዓብይኡ ድማ እቲ ተሓኤ ከቢድ ዋጋ ከፊላ ዘዕወተቶን ክሳብ ሎሚ ኣሰሩ ዘይሃሰሰን ጉዳይ ምድልዳል መሬትከ ምባለይ’ውን ኣይተረፈን።
ኣብታ መጽሓፍ ብዙሓት ሰባት ዘዝዝክርዎ ተመኩሮ ከም ዘቕረቡ ተሓቢሩ እዩ። ኣብ ትሕዝቶ እታ መጽሓፍ’ውን ተንጸባሪቑ ኣሎ። ነዚ ናይ ብዙሓት ብርዒ ሓደ መልክዕ ናይምትሓዙ ውሱን ሕጽረት ይረአ እዩ። ኣብ ዝተወሰኑ ምዕራፋት’ውን ምድግጋም ዘንበብኩ መሲሉኒ። እዚ ክብል እንከለኹ ግና እዚ ኣዝዩ ውሱን ሕጽረት ነቲ ኣቐዲመ ብምሉእ ልበይ ዝነኣድኩዎ፡ ተወፋይነትን ጻዕርን ናይቶም ደርስቲ ብኣሉታ ዝጸሉ እዩ ማለተይ ኣይኮነን። ከምኣቶምስ ኩልና ንግበር።
05 ሚያዝያ 2017
እዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ንምንታይ ን25 ዓመታት ክቕጽል ክኢሉ ዝብል ሕቶ ብዙሓት ኤርትራውያንን ብጕዳይ ኤርትራ ዝግደሱ ወጻእተኛታት ተዓዘብትን ዘልዕልዎ ሕቶ ኢዩ። ነዚ ሕቶ’ዚ ከልዕሉ ከለዉ ድማ፡ እቲ ዝብገስሉ መንቀሊ፡ ነዞም ዝስዕቡ ሓቅታት ኣብ ግምት ብምእታው ኢዩ።
ቀዳማይ፡- ህዝቢ ኤርትራ ን30 ዓመታት ዝኣክል ክምህ ከይበለ ዘካየዶ ብረታዊ ቃልስን ዝኸፈሎ መስዋእትን ዘርኣዮ ጅግንነትን ጽንዓትን ኣብ ግምት ብምእታው፡ እዚ መለለዪታት’ዚ ኣብ ምንታይ ኣተወ? ህዝቢ ኤርትራ እንታይ ኢዩ ዓዚምዎ ዝብል ሕቶ የልዕሉ?
ካልኣይ፡- ኤርትራ፡ ብደረጃ ዓለም ሓንቲ ካብ’ተን ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ድኽነትን ብዝሒ ስደተኛታትን ምስ’ተን ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስርዓ ሃገራት ኩይና ኣላ። ንወፍሪ ርእሰማል ዘየተባብዕ ፖሊሲታት ስርዓት ኢሳያስ ንቝጠባዊ ዓቕሚ ኤርትራ ኣዳኺምዎ ኢዩ።ዋሕዚ መንእሰያት ኤርትራ ንስደት ድማ ተወሳኺ ተጽዕኖ ኣብ ቍጠባ ኤርትራ ዝፈጥር ምዃኑ ዝሰሓት ኣይኩነን። እዚ ኵነታት’ዚ ስለምንታይ’ዩ ናብ ህዝባዊ ዓመጽ ዘየምርሐ?
ሳልሳይ፡- ስልጣን፡ ብሓደ ውልቀ-መራሒ ኢዩ ተገቢቱ ዘሎ። ስለ’ዚ ስለምንታይ ኢዩ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ነዚ ጭቆና’ዚ ክብድህ ዘይፍትን ዘሎ?
መልሲ ናይ’ዚ ሕቶታት’ዚ ምርካብ ቀሊል እኳ እንተዘይኰነ፡ ንልዝብን ክትዕን መእተዊ ዝኸውን ሓሳብ ምቕራብ ግን ኣይጽላእን ኢዩ። እቶም ጠንቅታት ገሊኦም ታሪኻዊ፡ ገሊኦም ባህላዊ፡ ገሊኦም ፖለቲካዊ …ወዘተ መኣዝን ዘለዎም ስለዝዀኑ እቲ ጕዳይ ጥልቅ ዝበለ መጽናዕቲ ዝሓትት ምዃኑ ዘካትዕ ኣይኰነን።
ዲሞክራሲ፡ ብነዊሕ መስርሕ ዝረጋገጽ ዘገምታዊ ምዕባለ ደኣ’ምበር፡ ብሓደ ረፍዲ ወይ ሓደ ዓመት ወይ ሓደ ወለዶ ዝረጋገጽ ዕማም ኣይኰነን። እተን ዲሞክራሲ ነጊሱለን ዝብሃላ ሃገራት ምዕራብ ንገዛእ ርእሰን ዲሞክራስያዊ ስርዓት ንምህናጽ በማእት ዝቝጸር ዓመታት ኢዩ ወሲዱለን ገና እውን ንምምዕባሉ ኣብ ቀጻሊ ቃልሲ ኢየን ዝርከባ ዘለዋ።
እዚ ክንብል ከለና ግን፡ ዲሞክራሲ ዘይብለን ሃገራት፡ በቲ ሃገራት ምዕራብ ዝሓለፍኦ ጐደና ክጓዓዛን በማእት ዝቝጽር ዓመታት ክወስደለንን ኣለወን ማለትና ኣይኰነን። ካብ ተመኵሮ ናይ ሃገራት ምዕራብን ካብ ዓለምና በጺሓቶ ዘላ ስልጣኔን ተበጊስና ነቲ ኣሉታታት ብምውጋድ፡ ምስ ክውንነትናን ባህልናን ኣዛሚድና ናይ ገዛእ ርእስና መርሓ ግብር ኣውጺእና ነቲ ጕዕዞ ብመጠኑ ከነሕጽሮን ይከኣል ኢዩ።
ታሪኽ ህዝቢኤርትራ፡ናይመግዛእትንምልካዊጭቆናን ታሪኽ ኢዩ። ኤርትራ ንዓሰርተ ዓመታት ኣብ ትሕቲ ፈደራላዊ ውዕል ምስ ኢትዮጵያ እተቖረነትላ ግዜ ድማ ኣዝያ ሓጻር ኣብ ርእሲ ምዃና፡ መንግስቲ ሃይለስላሰ እውን ነቲ ውዕል ብኡ ንብኡ ቀለሙ ከይነቐጸ፡ ኢድ ኣብ ምእታውን ኣብ ምፍራሱን ስለእተዋፈረ፡ እቲ ቅዋም ይኹን ፖለቲካዊ ሰልፍታት ህይወት ክዘርኡ ኣይከኣሉን።
ብድሕር’ዚ ዝሰዓበ ናይ 30 ዓመታት ብረታዊ ተጋድሎ ድማ፡ ንወትሃደራዊ ግጥምያ ቀዳምነት ዝሃበን ብናይ ክልተ ደንበታት ስነሓሳብ ዝተጸልወን፤ ጸግዒ ናይ ዴሳዊ ደምበ ኰይኑ፡ ምልኪ ናይ ሸቃላይ ንምንጋስ ዝሕልን ገድሊ ስለዝነበረ፡ ዲሞክራሲ ንምዕንባብ ዝሕግዝ ባይታ ኣይነበረን። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ እታ ሃንዛ ኵላ ንዓይ ዝብል ኣተሓሳስባ ነጊስሉ ዝነበረ እዋን’ዩ ነይሩ።
ብድሕሪ 1991 ድማ ኣብ ኤርትራ ናይ ውልቀ መላኺ ስርዓት ብሓደ ሸነኽ፤ ድኹምን ዝተበታተነን ደምበ ተቓውሞ ድማ በቲ ካልእ ሸነኽ ዝነገሶ ክውንነት ስለዝሰፈነ፡ ለውጢ ክረጋገጽ ኣጸጋሚ ኰይኑ ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ መንግስቲ ይኹን ኣብ ተቓወምቲ ውድባት እምነት ከሕድር ኣይከኣለን። እዚ ድማ፡ ዕምሪ ስልጣን ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ ዝሕግዝ ክውንነት ኢዩ። ካባይ ዝሓሸ ክመርሕ ዝኽእል የለን እናበለ ንህዝቢ ከፋራርሕን ከደናግርን ኢዩ ዝርከብ። ህዝቢ ድማ፡ ካብ ዘይፈትፈልጦ መልኣኽ’ሲ ትፈልጦ ሸይጣን ካብ ዝብል ስነመጐት እቲ ዝሓሸ ዘበሎ ሕማቕ ምርጫ ክቕበል ተቐሲቡ ኣሎ።
ኣብ ከባቢና ብፍላይ ከኣ፡ ኣብስርያ፡ሊብያንየመንንዝተጋህደፍሽለት ናይ ህዝባዊ ሰውራታት ወይ ናይ ለውጢ ቃልስታት፡ ህዝቢ ንስለ ሰላምን ርግኣትን ክብል ኣብ ጐድኒ ምልካውያን መራሕቱ ደው ክብል ዝተገደደሉ ክ~ነታት ከምዝተጋህደ ከም ኣብነት ምጥቃስ ይከኣል ኢዩ።
ዘይብሉ ኣይህብን ስለዝዀነ ነገሩ፡ እዚ ሓድሽ ወለዶ ኤርትራ፡ ንነብሱ ብዲሞክራሲ ዘይተመሓደረ፡ ንኻልእብ ዲሞክራሲ ከመሓድር ግዜ ከድልዮ ኢዩ። እናወደቐ እናተንስአ፡ ካብ ፍሽለታቱ እናተማህረ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ተዓዊቱ ከምዝወጽእ ግን ኣየጠራጥርን ኢዩ። ይንዋሕ ይሕጸር፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓተ-ምልኪ ብቅዋማውን ዲሞራስያውን ስርዓት ክትካእ ምዃኑ ክዕጸፍ ወይ ክስገር ዘይከኣል ታሪኻዊ ሕጊ ኢዩ። ሓድሽ ንገዲም እምበር፡ ገዲም ንሓድሽ ክትክእ ምስ ባህርያዊ ሕጊ ዝቃዶ ኣይኰነን።
ብርሃነ ኣብርሃ
ናይ ስደተኛታት ኣብያተ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ከሰላ ዕውት ድርብ በዓል ኣካይደን፣
Saturday, 01 April 2017 21:48 Written by ብኣባ ገብራይ ብኢደማርያምብዕለት 16-03-2017 ሰለስቲኡ ኣብይተ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ከሰላ ብሓባር ተጠርኒፈን ኣብ ቀጽሪ መባእታ ቤት ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዕዉት በዓል መዛዘሚ ናይ 2016-17 ዓመተ ትምህርትን ዝኽሪ መበል 40 ዓመት ምምስራት ኣብያተ ትምህርቲ ከሰላን መመረቕታ ናይቶም 12 ክፍሊ ዝወድኡ መበል 17 ዙርያን ድርብ በዓል ብድምቀት ኣኺቢረን ውዒለን፣ ኣብዚ በዓል እዚ ዕድመ ዝተገብረሎም መራሕቲ ሃይማኖት ካህናት ደብረ መድኃኔ ዓለምን እንዳ ቅዱስ ሚካኤልን። ዳይረክተር ዘይመንግስታውያን ኣብያተ ትህርቲ ናይ ዞባ ከሰላ ሓው እስታዝ ባብክር ኬላይ። ሓለፍቲ ኮማት ኤርትራን ኢትዮጵያን። ከምኡ’ውን ሓለፍቲ ማሕበረ ኮም ህንዳውያን። ሱፐርቫይዘረት ኣቦ መንበር ማሕበር መማሃራን ዞባ ከሰላ ተሳቲፎም ነይሮም።

መድረኽ ልክዕ ስዓት 3።00 ድ.ቀ. ብመምህር ወልደሂወት ቀለተ ተኸፍተ፣ መምህር ወልደሂወት ሓደ ድሕሪ ሓደ ንተሳተፍቲ ናይቲ በዓል ናይ እንቋዕ ድሓን መጻኹም መልእኽቲ ብምትሕልላፍ ን5ተ ስዓት ዝኣክል ዘሎ መደባት ንመድረኽ ዝመርሑ ተማሃሮ ኣረከቡ።

ኣለይቲ መድረኽ ነቲ ካብ ተማሃሮ ዝተዋጽኡ ኣባላት ክፍሊ ባህላዊ ጉዳያት ናይ ሰለስቲኡ ኣብያተ ትምህርቲ ብሽማግለ መማሃራን ተመልሚሎም ዘዳለዉዎ መልእኽቲ ሓዘል ተዋስኦታትን መዛሙርን ደርፍታትን ዋዛ ምስ ቁም ነገርን ሓንቲ ድሕሪ ሓንቲ እንዳተበላለጹ ብቋንቋታት ትግርኛ - ዓረብ - ትግረ - ብሌን - እንግሊዝ - ከምኡ’ውን ኣምሓርኛን ናይ ህንዲ ባህሊ ብግቡእ ሰሪዔን ከቕርባ እንከለዋ። ነቲ ዘቕርብኦ መደብ ዝገልጽ ብመልክዕ ግጥሚ እንዳሃባ ብኽልቲኡ ቋንቋታት ማለት ብትግርኛን ብዓረብን ክሳብ መወዳእት ግዜ ብጽፈት መሪሐንኦ፣ ኩሉ እቲ ተማሃሮ ዘቅረብዎ መደባት ከም ኣብ ስደት ምህላዎም መጠን ባህሎም ንኽፈልጡን ክዕቅቡን ዘዛኻኽር ኢዩ ነይሩ ኪብሃል ይከኣል፣ ብዝርዝር ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ባህልን ልምድን ናይ ሕዝቢ ዘንጸባርቕ ስለዝነበረ ከኣ ተፋተስቲ ናይቲ በዓል ዝመሰጠን ዓቢ ኣድናቆት ዘሕደረን ትርኢት ነበረ።

ካብቲ ዝዘመርዎ መዝሙር ንልቢ ዕዱማት ዝመሰጠ ሓደ ከምዚ ዝብል ነበረ።- “ከነመስግን ኢና …… ከነመስግን። ኣብ ስደት ኮይና ከነመስግን። ትምህርቲ ከፊትኩም አምሃርኩምና። ከነመስግን ኢና ከነመስግን፣ ድሮ 40 ዓመት ኮይኑ ዕድሜኪ። ንክንደይ ብሉጻት ዘምሃርኪ። ኣቦይ ኣደይ ሓወይ ሓፍተይ ሓሊፎም በኣኪ። ከነመስግን ኢና ከነመስግን፣ ዕድለኛታት ኢና ምዃና ደቅኪ። እንታይ ምኮና እንተዘይትህልዊ። ዕድመን ጥዕናን ይሃቦም ንዝመስረቱኪ። ከነመስግን ኢና ከነመስግን” ዝብል ነበረ።

ኣብ መንጎ ናይቲ ዝካየድ ዝነበረ ምርኢት “ቃል ተማሃሮ” – “ቃል መማሃራን” ብመምህር ክፍላይ ወልደጋብር። ቃል ኣባ ገብራይ ኣካያዲ ኣብያተ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስቲያን ከሰላ። ቃል ሓው ባብክር ኬላይ ወኪል ዘይመንግስታውያን ኣብያተ ትምህርቲ ተዋሂቡ።

ንተማሃሮ ወኪሉ ቃል ዝሃበ ተማሃራይ።- ድሕሪ ናይ ክብሪ ሰላምታ ንኹሎም ተሳተፍቲ ናይቲ በዓል ድሕሪ መሃብ። ንኹሎም ነቶም ነዚ ኣብያተ ትምህርቲ እዚ ኣብ ቦታ ስደት ከፊቶም ብትምህርትን ሰነ-ምግባርን ተኲስዂስና ክንዓቢ ዕድል ዝሃቡና ክቡር ነ.ኄር ኣባ ማሪኖ ሃይለን ንካህናት ማኅበር ካፑቺን ካቶሊካዊት ቤ ክርስቲያን ኣመስጊኑ፣ ብፍላይ ከኣ ነባገብራይ ቢኢደማርያም ኣካያዲ ኣብያተ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤ ክርስቲያን ከሰላ ብቀረባ ኮይኖም መዓልታዊ ንጥፈታት ናይ ኣብያተ ትምህርትና ብምክትታልን ኣድላይ ዝበልዎ ንዕቤትና ዝሕግዝ ምኽርን ሓሳባትን ዝህቡና ልዑል ምስጋና ይብጽሓዮም ኢሉ።

ነቶም ቀለማዊ ትምህርቲ ጥራይ ዘይኮነ ብሃገራዊ ኣተዓባብያን ሰናይ ተግባራትን መልሚሎም ዘዕብዩና ዘለዉ ክቡራን መማሃራን ክብርን ምጎስን ይኽኖም ብምባል። ኣብ መወዳእታ ከኣ ናይ ተማሃር ግደን ከዘውርርዎ ዘለዎም ጽቡቕ ጠባይ ኣዘኻኺሩ።
ቀጺሎም መምህር ክፍላይ ወልደጋብር ንመማሃራን ናይ ሰለስቲኡ ኣብያተ ትምህርቲ ወኪሎም ብዛዕባ ትምህርቲ መግለጺ ሂቦም።

መም. ክፍላይ ንተሳተፍቲ ዘስምዕዎ መደረ ከምዚ ዝስዕብ ነበረ:--
ክቡራት ኣጋይሽና እንቋዕ ብደሓን መጻኹም፣ ብምቅጻል ብስመይን ብስም መሳርሕተይ መማሃራንን ልባዊ ሰላምታይ የቅርበልኩም፣።
ብምቅጻል “ዝኽሪ ናይ 40 ዓመት ምምስራት ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብያተ ትምህርቲ ንስደተኛታት ኤርትራ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ናይ መባእታን ማከላይን ላዕለዋይን ቤት ትምህርትታት ተጠርኒፈን ኣብ ዘለዋሉ ህሞት በዚ ኣጋጣሚ ምዝዛም ናይ 2016-17 ዓመተ -ትምህርትን ናይ 40 ዓመት ንሕጻናት ስደተኛታት ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ ተጸሚዳ ዝሃበቶ ኣገልግሎት ትዝክር ከምዘላ ብምዝካርና እንቋዕ ናብዚ ክቡር ዕለት ኣብቅዓና እብል።
ንፉዕ ተማሃራይ ከም ንፉዕ ሓረስታይ ይምሰል፣ ሕማቕ ድማ ከም ሃካይ ሓረስታይ ከምዝብሃል ሎሚ ድማ ኣብዛ ዕለት እዚኣ ኣብ መንጎ መማሃራንን ተማሃሮን። ፍልጠት ንምሃብ ኣብ ዝተገብረ ናይ እንካን ሃባን ዓውደ - ትምህርቲ ብፍላይ ተማሃሮ በብስርሖም ውጺኢት ፍረ-ጻምኦም እተፍልጥ ዕለት ምዃና እተዘክር ኢያ።
ነዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቅሰ ዓውደ - ትምህርቲ ተዋሳእቲ መን ኢዮም ንዝብል ሕቶ። መምህር። ተማሃራይ። ወለድን ኢዮም፣ እዚኣቶም ኣብ ስርሖም ሓደ ከም ሰለስተ ወይ ሰለስተ ከም ሓደ ኮይኒም እዮም ኪሰርሑ ዘለዎም፣ ካብ ሰለስቲኦም ሓደ ምስ ዝጎድል ዓወት ናይ ተማሃራይ ክረኣ ኣይክእልን ኢዩ።
ተማሃሮ ብማዕረ ይማሃሩ። ብማዕረ ይምርመሩ። ብማዕረ ድማ ይቅጽዑ። ፍረ-ጻማ ጻዕሮም (ውጺኢቶም) ግን ኣብ መንፋዓቶምን ኣብ ምክትታል ወለዶምን ብዝያዳ ዝተመርኮሰ ይኸውን።
ትምህርቲ ብግቡእ ንኽኸይድ ስርዓተ - ሕጊ ቤት ትምህርቲ ተሓልዩ ምስ ዝኸይድ ኢዩ።
ከምቲ ኣብ መእተዊ ዝኽሪ ናይ 40 ዓመት ዝተረቁሐ ወይ ናብ ወርቃዊ ኢዮቤል እትኸይድ ዘላ ቤት ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ንስደተናታት ዕድመ ናይ ወዲ ሰብ ዘምሀረት እንተበልና ቃል ኣጋንኖ ኣይኮነን፣ ከመይ ኣብያተ ትምህርትና ብዘይ ናይ ዜጋ ኣፈላላይ ከም ኤርትራውያን ኢትዮጵያውያንን ሱዳናውያንን ህንዳውያንን …. ኣብ ናይ ፍልጠት ጎደና ኰይና ኣስታት ልዕሊ 24,000 (ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ) ተማሃሮ ዘምሃረት ፍልጥቲ ቤት ትምህርቲ ኢያ።
እዛ ን40 ዓመት ዝኸውን ፍልጠት ንሕዝባ ዘካፈለት ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስቲያን። ብፍላይ ብማኅበር ካፑቺን ዝግበረልና ዘሎ ሰናይ ተግባራት ብስመይን ብስም መማሃራንን ቀጽልዎ እንዳበልኩ ጻማኹም ካብ ኣምላኽ ርኸብዎ እብል።
ኦ ወለዲ ገዛ ኣብ ከውሒ ምስ ዝህነጽ ኢዩ ተሪር ዝኸውን። ንፉዕ ተማሃራይ ድማ ናይ ወላዲ ምክትታል ምስ ዝህልዎ ልክዕ ከምዚ ዝበልክዎ ጽንዑን ንፊዕን ይኸውን ኢሎም።
ካብዚ ቀጺሎም ከኣ ኣባ ገብራይ ቢኢደማርያም ኣካያዲ ኣብያተ ትምህርትና ከምዚ ክብሉ ቃሎም ኣስምዑ:-

ዝኸበርኩም ኣጋይሽና:
ብመጀመርያ ናብዛ ክብርቲ መዛዘሚት ዕለት ዓመተ ትምህርቲ 2016-17 ብደሓነ-ሰላም ዘብጽሓና ልዑል ፈጣሪ ክብርን ምስጋናን ንእኡ ይኹን። ኣሜን።
ክቡራት ተሳተፍቲ ሎሚ’ውን ከምቲ ልሙድ ኣገባብ ኣበዓዕላ መዛዘሚ ኣብያተ ትምህርትና ኣብዛ ንእሽቶይ ዳስ ዳስ ፍልጠትን። ናይ መጻኢ ምዕባለ እትእምትን ኰይና በዚ ኣጋጣሚ’ውን ኣብያተ ትምህርትና ንኹሉ ዜጋ ብዘይ ኣፈላላይ ነርባዓ (40) ዓመት ዝኸውን ዝበርከቶኦ ናይ ትምህርቲ ዕድልን ፍልጠትን። እንዝክረሉ ጊዜ ከምዝኾነ ዝያዳ ሓበሬታ ክህብ እፈቱ።
እዚ ዓቢ ውጽኢት ናይ ትምህርቲ ምዕባሌ ዝተረኽበ ግን ተቀባል ጋሻን ፈታዊ ትምህርትን ዝኾነ ኃው መንግስቲ ሱዳን ባዕልና ንባዕልና ንክንመሃርን ንክንመሓደርን ነጻ ዕድል ስለዝሃቡና ኢዩ።
ደቂ ሰባት ናይ ዝተፈላለየ ልምድን ባህልን ሕብረተ-ሰብኣዊ ዝንባለታትን ሕዞም ስለዝጐዓዙ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስቲያን ድማ ብሰንኪ ብርቱዕ ኲናት ካብ ሃገሮም ዝተመዛበሉ። ናብ ኃው ጐረቤት መንግስቲ ሱዳን ብብዝሒ ዝተሰደ ሕዝቢ ኤርትራ ብምርኣይ ዝያዳ ብዝርድኦ ቋንቋን ባህልን ብዘይ ናይ ዜጋ ኣፈላላይ ን40 ዓመት ነዚ ገዚፍ ናይ ትምህርቲ ስነ-መዕበያ ፕሮጀክት (project) ቁጠባዊ ምሕደራ ሀሰስ ብምባል ብሰናይ ተበግሶን ጻዕርን ኣኅዋት ካፑቺን ይስራሕ ከምዝነበረን ከምዘሎን ክጠቅስ እፈቱ፣ ከም ኣብነት ክቡር ነፍሰ-ሄር ኣባ ማሪኖ ምስ ብጸቶምን ብዙሓት ገበርቲ ሰናይን ማኅበራትን ገዳማትን ናይዚ ዓቢ ስራሕ ዕማም። እጃሞም ከምዘበርከቱ ህያው ምስክር’ውን ኢዩ።

ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስቲያን ብኃልዮት ማኅበር ካፑቺን ነቲ ብ1977 ኣብ ንእሽተይ ዳስ ዝጀመረቶ ብምዕባይ ከም መባእታን ማእከላይን ደረጃ ስሩዕ መደባዊ ትምህርቲ ንስደተኛታት ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ክሳብ 1997 ማለት ን20 ዓመት ኣገልግሎቱ ከም ዝሃበ ከዘኻኽር እፈቱ፣ እቲ ብላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት (UNHCR) ዝካየድ ዝነበረ ቤት ትምህርቲ ላዕለዋይ ደረጃ ኣብ 1997 ዓ.ም. ናይ ምዕጻው መደብ ስለዝጀመረ። ንሰለስተ ዓመት ብሓባር ድሕሪ ምስራሕ ኣብ 2000 ዓ.ም. ስለዝተዓጽወ። ካቶሊካዊት ቤተ - ክርስቲያን ናይ ላዕለዋይ ትምህርቲ ሓላፍነት ብምውሳድ ክትቅጽሎ ስለዝተረኽበት እንሆ’ውን ድሮ 20 ዓመታት ኣብ ኣገልግሎት ከምዘላ እንዳሓበርኩ። ሎሚ ዓመት ከኣ ንመበል 17 ዙርያ 12-ክፍሊ ዝወድኡ ነመርቕ ከምዘሎና እንደገና ብዝያዳ ከብርህ እፈቱ።

እኩብ ድምር ናይ 40 ዓመታት ብዝሒ ተማሃሮ ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስቲያን ዝተማሃሩ ኣስታት 24,000 (ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ) ኪኾኑ እንከለዉ 60% ደቂ ተባዕትዮ 40% ድማ ደቂ ኣንስትዮ ኢዮም።

ዋላ እኳ ስደት መሪር እንተኾነ እዚ ናይ ትምህርቲ ዓወት ዝተረኽበ ግን መማሃራንን ወለድን ጽቡቕ ድላይ ተማሃሮን ብሓባር ስለዝሰርሑ ኢዮም ኪብሃል ይከኣል፣ ፍረ ናይዚ ሓባራዊ ጻዕሪ ከኣ ክሳብ ሎሚ ተማሃሮና ኣብ ናይ 12 ክፍሊ መርመራ ንዩኒቨርስቲ ብጽቡቕ ነጥቢ ይሓልፉ ከምዘለዎ ኩላትና እንፈልጦ ሓቂ ኢዩ፣ ስለዚ’ውን እቶም በዚ ዝሓለፉ ተማሃሮና ኣብ ዝተፈላለየ ዓውዲ ስራሕ ተዋፊሮም ግላውን ማሕበራውን ሃገራውን ግቡኦም ዝፍጽሙ ብዙሓት ዘጋታት ከምዘፍረየት ዘይርሳዕ ሓቂ ኢዩ።

ክቡራት ወለዲ ተማሃሮና ብፍላይ ናይ ዝሓለፈ ጊዜን ናይ ሎሚ ግዜን ከነወዳድሮ ከሎና ዓቢ ፍልልይ ከምዘሎና ክንርዳእ ይግባእ፣ ኣብ ዝሓለፈ ምዕባሌ ተክኖሎጂ ስለዘይነበረ ኩሉ ሰራሕ ብናይ ሓንጎል ርድኢት ነበረ፣ ናይ ሎሚ ግን ብተክኖሎጂ ዝተሰነየ ስለዝኾነ ደቅና ኣብ ካልእ ኣድህቦ ከይወደቁ ጊዜ ትምህርቶምን መጽናዕቶምን ክንከታተል ከምዘሎና ክንርዳእ ኣሎና፣ ስራሕ ንቃላት ይቅድም ዝብል ምስላ ተጠቅምና ኲልና ብሓባር ፈተውቲ ትምህርቲ ክንከውን ንጽዓር፣ ብዘይ ትምህርቲ ሕይወት ዋጋ የብሉን።

ኣብ መወዳእታ።-
ኃው መንግስቲ ሱዳን ኣብ ጐድንና ደው ብምባል ዕድል ትምህርትን ሞራልን ስለዝሓገዙና የሞጉስ፣ በዚ ኣጋጣሚ ከኣ ከተማና ከተማ ከሰላ ኣኣንጋዲት “ሃገራዊ ፈስቲቫል ተማሃሮ” ኮይና ብምምራጻ ሓጎስ ይስምዓና፣ ዕዉት ኪኸውን ከኣ ንምነ፣ ደቅና ዝዓብይሉን ዝማሃርሉን ስለዝኾነ ከኣ ተማሃሮና እጃሞም ከበርክቱ ምዃኖም ቃል ንኣቱ ኪብሉ ቃሎም ኣስምዑ።
ብኣጋጣሚ ምምስራት 40 ዓመት ኣብያተ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣስታት 38/40 ዓመት ዘገልገሉ ገዳይም መምሃራን ንአብያተ ትምህርትን ስልማት ተዋሂቡ።
ቃል ኣቶ በብክር ኬላይ ወኪል ዘይመንግስታውያን ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል እዚ ቤት ትምህርቲ ኣብ ትሕቲ ጽላል ትምህርቲ ሚኒስተር ኮይኑ ካብ ዝምስረት እንሆ ኣርብዓ ዓመት ይዝክር ኣሎ፣ ኣብዚ መዋዕል ከዓ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ዘካይዶ ዘሎ ዓብይን ዝነውሔን ዝበለጸን ሓደ ካብተን ዘይመስግስታውያን ኣብያተ ትምህርቲ ጽፉፍን ስሩዕን ከምዝኮነ እናመስከርና። በቲ ዝገብሮ ዘሎ ሰነ-መዕበያ ኣዚና ንኾርዕ፣ ምኽንያቱ እዚ ት/ቲ ብዘይ ኣፈላላይ ዜጋ። ሃይማኖት። ንኹሉ ጠርኒፉ ብነጻ ኣገልግሎት ዘወፊ ስለዝኾነ ክትቅጽልዎ ነተባብዕ፣ ዓቕምና ብዝፈቅደልና ከኣ ኩሉ ጊዜ ኣብ ጐንኹም ከምዘሎና ከረጋግጸልኩም ንፈቱ፣ ከምኡ’ውን በቲ ተማሃሮ ዘቅረብዎ ባህላውን ትምህርቲ ሓዘል ምርኢት ኣዚዩ መሳጥን መሃርን ከምምዃኑ መጠን ኣብቲ ብሃገር ደረጃ ዝቀርብ “ፈስቲቫል ተማሃሮ” ተማሃሮኹም ክሳተፉ ምኳኖም የረጋግጸልኩም ኪብሉ ዘረቦኦም ደምደሙ።
ኣብ መወዳእታ ነቶም ኣብዚ ዓመት ትምህርቲ ብትምህርቶም ጸብለልትነት ዘርኣዩ ናይ ሰለስቲኡ ኣብያተ ትምህርቲ ንፉዓት ተማሃሮ ነቲ ተዳልዩሎም ካብ ኣዚሎ (መዋዕለ ሕጻናት) ክሳብ 11 ክፍሊ ሽልማት ዝወስድሉ ጊዜ ስለዝበጽሐ ነባ ገብራይ ሽልማት ንኪዕድሉ ናብ መድረኽ ደየቡ። ኣባ ገብራይ ከኣ ነባ ሰሎሞን ነጋን ነባ ጴጥሮስ ወልደና ናብ መድረኽ ዓደምዎም፣ ሽዑ ምዕዳል ሽልማት ሓደ ድሕሪ ሓደ ብሰላምን ብስነ-ስርዓትን ተዛዘመ።
ብሰላም ኣጀሚሩ ብሰላም ኣብ ፍጻሜ ዘብጽሓና ኣምላኽና ምስጋና ይኹኖ፣ ንዝመጽእ ዓመተ ትምህርቲ 2017-18 ከኣ ዕድመን ጥዕናን ሂቡ ብሰላም የራኽበና። ኣሜን።
ኣብዚ መበል 21 ዘመንምቛም መንግስታት ብዓለትነትን ሃይማኖትን ይከኣልዶ? ተራእዮ ኣግኣዝያንከ ንረብሓ መን?
Tuesday, 28 March 2017 06:47 Written by ብፍስሓ ናይር
"Exposing Agazians false narratives of building TigrayTigrini"
ብፍስሓ ናይር
ሎሚ ነዚ ሓተታ ከቅርብ ዝገደደኒ እቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓን ብፍላይ ድማ ኣብ ፓልቶኮት ኤርትራውያን ክቀርብ ዝጸንሔ ዘይጸረየን ኣብ ሓቀኛ ጽሑፋት ታሪኽ ብዛዕባ ሕዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ምርኰሳ ዘይብሉ ናይ ሃውተታ ክትዓት ክካየድ ብምኽትታልን ከምኡ ድማ ኣብ ገለ መጽሔታት ከም "ውራይና" ዝብሉ መጽሔታትን ብምንባብ እዚ ጉዳይ እዚ ንኩልና ስለዝምልከት ሰነ ፍልጠታዊ ድህሰሳ ዘድልዮ ተረኽቦ ኢዩ።
መጀመርያ ታሪኽ ምፍላጥ ንህልዊ ኩነታትናን ንመጻእን ካብ ዝሓለፈ ናይ ሓድሕድ ውግእን ኩናትን፣ ብርሰትን ድኽነትን ድንቁርናን ኣተሓሳስባ ወጺእና፣ ሓዲሽ ኣተሓሳስባ ነዛ ብብዙሓት ዓለታትን ሃይማኖታትን ዝቆማ ሃገራት ኢትዮጵያን ኤርትራን ካብኡ ሓሊፍካ ድማ ንምሉእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሃገራት ሰላምን ደሞክራስያን፣ ሰብኣዊ መሰላትን ግዝኣተ ሕግን ዘንግሳ መንግስታት ምሕናጽ ድኣ እምበር ኣብ ሓደ ዓለታዊ ኣተሓሳስባ ናይ ዘመኒ እምኒ 4000 ዓመት( ንድሕሪት ምሕሳብ እንታይ እዩ እቲ ምኽንያት ንረብሓ መንከ፣ ዓሚቁን ሰፊሕን ትንተናን ሰለ ዘድልዮ፣ኩልና እቶም ንድሕነት ሕዝብናን ኣካባቢናን ንግደስ ከነድህበሉ እዋኑ ኢዩ ይመስለኒ።
ኣብ ጥንታዊ ታሪኽ ኣብዛ ሎሚ ኢትዮያን ኤርትራን ተባሂለን ዝጽዋዓ ሃገራት ሕዝብን ቅድሚ ልደት ክርስቶስ ዝነበረን ድሕሪኡ ዝተረኽበን ጽሑፋት እቲ ኣብዘን ሃገራት ዝነብር ዝነበረ መበቆሎም ካብ ካም /ኩሽ ፣ሰም፣ ሓማውያን ወይ ድማ ሓውዋስዋስ ዓለታት ከምዝኾኑ ይዝንቶ። ነዚ ዝያዳ ንምርዳእ ድማ ናይ ሎሚ ኢትዮጵያን ኤርትራን ሕዝብታት ታሪኽ ንምፍላጥ ዝሕግዙና፣ ናይ ኣርኪዮሎጅን ናይ ታሪኽ ቅርስታት፣ ናይ ታሪኽ ጽሑፋት፣ ካብ ጥንታዊ ቦታታት ብምድላይ፣ ናይ ሕዝብታት ዘርእን መበቈልን እምነታትን፣ምቋም ሃገራትን ሃገራውነትን ኣብ እንታይ ዝተመርኰሰ ምዃኑ ክሕግዘና ይኽእል፡
ኣብ ጥንታዊ ታሪኽ ቅድሚ ጽሑፍ ምምጹኡ፣ ወድሰብ ዝተፈላለየ ናይ ሕይወት መነባብሮ ከምዝሓለፈ ይዝንቶ ካብ ምእራር ዝብላዕ ካብ ኣታኽልቲ ድሓር ሃድን፣ ጸኒሑ ኣብ ሓደ ቦታ ምቅማጥን ሕርሻን፣ጸኒሑ ድማ ኢንዱስትሪ ከምኡ እናበለ ሰልጣነ ሕዝብታት ዓለም ኣብዚ ሕጂ ግሎባላይዘን ዓለም ኣብ ሓንቲ ቂሾት ኮይና ትግለጸሉ ደርጃ ኣብ ዝተበጽሔ ግዜ ሕጂ ተመሊስካ፣ ንሕና እባ ኣጋዝያን፣ንሕና ኢና ንመርሓኩም፣ትግራይ -ትግሪኚ፣ ኣስላምን ዓረብን ክጥፍኡ ኣለዎም እናበልካ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ዓጀውጀው እምበርዶ ናይ ጥዕና ኢዩ ኢልካ ክትሓስብ ዝግድደካ ኢዩ፡፤
ኣብቲ ግዜቲ ሃገራት ብዶባት ዝፍልጣ እውን ኣይተፈጥራን ነረን፣ እታ ሓንቲ ኣሰር ንግስነታት ከምዝነበራ ክሳብ ክንደይ ሕዝብን ስፍሓት መረትን ሒዞም ይገዝኡ ነሮም፣ ዝፍለጣ ቅድሚ ንግስነት ኣግኣዝያን ናይ ነገድ ኖህ ካም ኩሽ ዘመን መንግስቲ ከምዝነበረ ድሕሪኡ ድማ ናይ ኣግኣዝያን ንግስነት ቅድሚ ልደት ክርስቶስን ድሕሪ ልደተ ክርስቶስን ከምዝነበረ፣ ድሕሪኡ ኣብ መበል 1300-ናይ ነገደ ዛጉየ ዘመነ መንግስቲ ድሕሪኡ ድማ ናይ ሽዋ ነገስታት ኢየን። ብዛዕባ ነገድ ዮቅጣን- ነገደ ኣግኣዝያን ጽሑፍ ገዕዝ ከምዝነበሮም ዝፍለጥ ሰነድ የለን፣ ግን ነገደ ሳባ ካብ ደቡብ ዓረብ እዮም ፍደል ግዕዝ ዝመሃዙ እዚኦም ድማ ካብ ካብ ሶርያ /ፈኒቅያ - ጢሮስ ናይ ሎሚ ሊባኖስ ከምዝመጽኤ ኢዩ ዝእመን( ፍስሓ ያዜ ካሳ፣ የኢትዮያ የ 5 ሺ ዓመት ታሪክ፣ ከኖህ እስከ ኢህአዴግ፣ መጽሓፍ 1 ርኤ)
ኣመጻጽኣ ፍደላት ምስ ትውልዲ ዝተኣሳሰር ዘይኮነስ ምስ ምህዞ ደቂ-ሰባት ድኣ እምበር ሕዝቢ ሓደ ዓለት ተኣኪቡ ዝመሃዞ ኣይኮነን።
ብዛዕባ ኣመጻጽኣ ፍደላት
ኣብቲ ግዜቲ ፈኒካውያን ማለት እቲ መጀመርያ ናይ ጽሑፍ ፊደላት ዝመሃዙ ኣብ ናይ ሎሚ ማእከላይ ምብራቅ ሃገራት፣ መሶጳጣምያ ሱርያን ሊባኖስ ከምኡ ድማ ኢራቅ ምንጪ ናይ ሎሚ ኩሉ ፍደላት ዕብራይስጢ፣ ዓረብ፣ ግዕዝ፣ ጽኒሑ ድማ ላቲን ኣብ ግዜ ሮማውያን ዝተጀመረን ዘሎን ፍደላት ምዃኑ ታሪኻውያን ይዝንትዉ፣ ምልክት ፍደላት ግዕዝ ሎሚ ኣብ ኤርትራን ኣብ ክልል ትግራይን ይርከብ፣ ዘሐወለ ዘተአገበረ..........ሓውልትታት ይርከብ፣ እቲ ኣብ ኣኽሱም ይኹን ኣብ ካል እ ቦታት ዝርከብ ሓውልታት ብግዜ ኣግዝያን ጥራሕ ዘይኮነ ብኩሎም በቶም ሽዑ በብተራ ዝነግሱ ዝነበሩ ዝተሰርሔ ድኣ እምበር ብኣግዝያን ዝበሃሉ ጥራሕ ነሮም ማለት ዝንቡዕ ሓበረታ ኢዩ።
እቲ ከም መንግስቲ ወይ ንጉሳዊ መንግስቲ ኣስማቱ ካብ ኣክሱም( Axumite Kingdom, Zaguie Dynasty, Solomonic Dynasty................ and many other coercive rules in this region) ኩሎም ድማ ኣብ ዝተወሰነ ቦታት ውሱን ኣካባቢ( city- states ) ድኣ ነሩ እምበር ኣብዚ ሎሚ ንፈልጦ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣስፋሕፊሖም የማሓድር ነሩ ዝብል ጽሑፋት የለን፣ እቶም ኣብቲ ግዜቲ ገዛእቲ ዝነበሩ ብንግስናን ሽማምንትን በተክህነትን ድኣ እምበር ሕዝቢ ዝመረጾም መንግስታት ይኹኑ ሃገራት ብዶባተን ዝፍልጣ ይትረፍዶ ኣግኣዝያን ኣብ ምሉእ ዓለም እውን ክሳብ 990 ድ.ልደት ክርስቶስ ዝቆማ መንግስታት ይኹና ሃገራት ኣይነበራን።
ኣመጻጽኣ ክርስትናን ኢስልምናን
ኩላትና ኣብ ታሪኽ ኣብ መባእታውን ካል ኣይን ደረጃ ትምህርቲ ዝተመሃርናዮ ብ ዛዕባ ምምጻእ ክርስትናን ኢስልምናን ኣብዘን ሎሚ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተባሂለን ዝጽዋ ዓ ሃገራትን ሕዝብን ፣ ክርስትና ኣብ 4ይ ዘመን ልደት ክርስቶስ ብክልተ ኣሕዋት ካብ ቲሮስ ወይ /Tyre ሎሚ ብሊባኖን ትፍለጥ ሃገር ትውልዶም ሲርያውያን ፈኒካውያን፣ፍረሚናጦስን-ከሳተ- ብርሃን ፣ እደስዩስን ምስ ሓውቦኦም መሮፒኡስ ካብ ጢሮስ ብቀይሕ ባሕሪ ተሳጊሮም ኣብ መረት ምስ በጽሑ እቶም ባሕረኛታት ብዘይካ እቶም ክልተ መን እሰያት ፍረመንጡስን ኤዲስዩስን ካል ኦት ከምዘተቀትሉ፣ፍረሚንጦስን ኤደስዩስን ግን ከምባሮት ተታሒዞም ናብ ንጉስ ኤዛና ናብ ኣኽሱም ከምዝተወስዱ ታሪኽ ይዝንቱ፣ ንሳቶም ድማ ንጉስ ኤዛና መማኽርቱ ኮይኖም ክርስትና ከምሁሩ ጀመሩ፣ፍረሚንጦስ ኣብ አኽሱም ጥራሕ ከይተወሰነ ክሳብ እስክንድርያ/ግብጺ በጺሑ ኣቡን ተሸይሙ ኣብ ኣኽሱም ተመሊሱ ከም መራሒ ሃይማኖት ክርስትና ኣብ ምስፍሕፋሕ ተጸምደ፣ ሓዉ ኤደስዩስ እውን ጢሮስ ተመሊሱ ክህነት ተቀቢሉ፣ ምስ ፍረሚንጦስ ኮይኑ ክሳብ እስክንድርያ ብምብጻሕ ንፓትርያክ እስክንድርያ ናብ ኢትዮጵያ ኣቡን ክሰዱ ተማሕጸንዎ፣ ኣብቲ ግዜቲ ኢዩ ድማ እቲ ክልተ መጻሕፍቲ ብሉይ ኪዳንን ሓዲስ ኪዳንን ናብ ግዕዝ ዝተተርጐመ፣ ሰነ-ጽሑፍ ግዕዝ ድማ ካብ ኣብጃ/ Consanants/ ናብ ኣቡጊዳ/ Vocal/ syllabus ዝተለወጠ/ ሰለዚ ንቋንቋ ግዕዝ ሰነ-ጽሑፋዊ ቅርጻ ዝሃብዎ ከምቲ ናይ ሎሚ ፍላስፋታት ኣግዝያን ዝብልዎ ዘይኮነስ መሰረቱ ካብ ማእከላይ ምስራቅ ዝመጹ ሱርያዊ/ፈኒካዊ ፍልስፍና እዩ፣ እምብ ኣር ፍላስፋታት ኣጋዝያን ክንዲ እቲ ሓቀኛ ታሪኽ ኣመጻጽ ክርስትና ብኣይሁድ ዘይኮነስ በቶም ኣብዚ ግዜዚ ቋንቋ ዓረብ ዝዛረቡ ክርስትያን ዝመንጨወ ኢዩ።
ሃይማኖት እስልምና እውን ካብ 6ይ ክፍለ ዘመን ንመጀመርያ ኣብቲ ግዜቲ ነቢይ መሓመድ ሰዓብቱ በቶም ኣረማውያን ምስ ተሃድኑ ኪዱ ናብ ምድሪ ሓበሻ ኣብኡ ንጉስ አኽሱም ኣብ ሓደ እግዚብሔር ዝኣምን ሰለ ዘሎ ክቀብለኩም ኢዩ ምስ በሎም ኣመንቲ ምስልምና ናብ ኣኽሱምን ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ሎሚ ኣዱሊስ ተባሂላ ትጽዋዕ ቦታ ሰፈሩ፣ካብኡ ንንየው ድማ ብሰላም ሃይማኖቶም ከስፋሕፍሑ ጀመሩ፣ ካብ ሽዑ ድማ ኢዩ ሃገራት ኣዕራብ ይኹና ካልኦት ምስልምና ሃገራት ንኢትዮጵያን ኤርትራን ዓብይ ኣኽብሮት ዘለዎም፣ ኣቱም ጽዮናውያን - ኣግኣዝያን ኣብ ስደት ብሳላ ወል ፈያር/ Social-Welfare ናይ ምዕራባውያን ሃገራት ከይሰራሕኩምን ከይተምሃርኩምን እዚ ናይ ግዜና ተክኖሎጂ ኣብ ድሕሪ ኢንተርነት ኰንኩም ተፈላሰፉ ዘሎኹም፣ ኣብ ስራሕን ትምህርትን ምስ እትዋፈሩ ንነፍስኹምን ሕዝብኹምን ምጠቀምኩም፣ ካብዚ ናይ ጥንቲ ፖሊቲካን፣ ናይ ጽልእን ፍርሓትን እውን ምደሓንኩም፣ እወ እዚ ግዜዚ እቶም ኣብ ከምዚ ሃለዋት ዘለዉ፣ ገለ ናይ ሰነ-ኣእምሮ ተመራመርቲ ከምዝብልዎ እዞም ኣብ ፖልቶኮት ዘህተፍትፉ ገለ ጉድለት ናይ ሰነ-ኣ እምሮን ካብ ማሕበረ-ሰብ ዝተነጸሉን ኢዮም ኢሎም ይገልጽዎም እሞ ተራፒ ሕክምና ሰነ-ኣእምሮ የድልዮም ይብሉ፡፤
ኣብዛ ሎሚ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝብሃላ ሃገራት እቶም ገዛእቲ ኩሉ ግዜ ነንሕድሕዶም ክዋግኡን ሕዝቦም ከጥፍኡን ከምዝነበሩ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ናይ ሕዝቢ ምንቅስቃስ ከምዝነበረ ይዝንቶ ፣ ናቱ መቀጸልታ ድማ ወራራት ኣብ ልዕሊ ሕዝብታት ናይዚ ከባቢ ንሕና ዘርከብናዮ እኹል ምስክር ኢዩ፡ መጀመርያ ግዕዝ ዝብል ቃል ናይቲ ፍደላት እምበር ናይ ሕዝቢ መጸውዒ ሰም ኣይኮነን፣ እቶም ብግዕዝ ክጽሕፉ ዝጀመሩ ኣብ ግዜ ምእታው ክርስትና ካብ ናይ ሎሚ ሱርያ ዝመጹ በተክህነት ክርስትያን እዮም ንጉሳዊ መንግስቲ ኣክሱም ዕላዊ ቋንቋኡ ግሪኽ ወይ ጽርኣ ዝበሃል ኢዩ ነሩ፣ ንክርስትና ዝተቀበሉን ዘስፋሕፋሑን ድማ እዞም ሎሚ ኣግኣዝያን ንሕና ዝብሉ ዘይኮነስ ዘርኢ ካም-ኩሽ ኣገው ዳይናስቲ እቶም ንኣኽሱም 300 ዝገዝኡ፣ ነቲ ስልጣን ድማ ብሰላም ናብቶም ንሕና ኢና ካብ ነገደ ይሁዳ ዝብሉ ኣመሓላሊፎም፣ ናይዚ ጭቡጥ ምስክርነት ድማ ሎሚ ኣብ ላሊበላን ካልእ ቦታታን ዘሎ ሕንጻታት በተክርስትናት እኹል ምስክር ኢዩ፡፤ ኣብ ኤርትራ እውን ንቋንቋ ትግርኛ ብስነ- ጽሑፍ ዘማ ዕበሉ እቶም ኣግዝያን ዝብሃሉ ኣይኮኑን እንታይ ድኣ ካልኦት ዘርኢ ሕዝቢ ኢዮም፣ ሓደ ቋንቋ ናይ ሓደ ዘርኢ ከምዘይኮነ ኣብዚ ዘሎናዮ እዋን ንምስክሮ ሓቂ ኢዩ፣ ሎሚ ቋንቛ እንግሊዝ ብዝበዝሕ ሕዝብታት ዓለም መራኸቢ ኮይኑ ኣሎ፣ ቋንቋና ከይትዛረቡ ዝብሉ እንግልዛውያን ግን የለዉን፣ ከምኡ እውን ሃይማኖት ዘርኢን ደረትን የብሉን፣ ኣቱም ፍላስፋታት ኣግኣዝያን መጀመርያ ሃይማኖት ክርስትና ካብ ዘርኢ ኣይሁድ ኣይመጽኤን፣ ስለምንታይ ኢኹም ዝምድናኹም ምስ ኣይሁድ ተታሕዝዎ፣ ሞኣ ኣንበሳ ዘእምነገደ ይሁዳ፣ እዚ ኢዩ ምልክትና ባንደራን ድማ ትብሉ፣ ትፈልጥዶ ሎሚ እቶም ቅድሚ 37 ዓመታት ፈላሻ ዝበሃሉ ሕዝብታት ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኢስራኤል ዝመጽኡ ኩነታት መነባብሮኦም፣ብዛዕባ ሰብኣውን ዘግነታውን መሰላቶም፣ ትማሊ ትማሊዶ በሽሓት ወጺኦም ሰላማዊ ሰልፊ መሰልና ይሕሎ የለን ኢሎም ክሓቱ ኣይተራእይንዶ ብእንታይ ድኣ እሞ ኢኹም ኣጋዝያንን ኢስራኤል ትብህግዎን ትውልድኹም ካብ ኣይሁድ ኢና ትብሉ፣ በጃኻትኩም ቅድሚ ኣብ ፓልቶክ ወይ ፈይስ ቡክ ዘርባዕባዕ ቅድሚ ምባልኩም ኣመጻጽኣን ኣቋቁማን መንግስታት - ሃገራት ታሪኽ ኣንብቡ።
ንሕናስ ኣፍሪቃውያን ኢና ይትርፍዶ ሎሚ ኣብዚ መበል 21 ዘመን ዘይኮነስ ሓድነት ኣፍሪቃ ኣብ ምምስራት ዓብይ ግደ ዝተጻወትና ሎሚ ድሕሪት ከምሽንቲ ገመል 4000 ዓመት ንድሕሪት መንግስቲ ትግራይ/ትግርኚ ረፑብሊክ ኣግኣዝያን ዝብልሲ እምበርዶ ኣብዛ ናይ ሎሚ ዓለምና ኣሎኹም ክሓቶም እፈቱ። ንእሽቶ ትግራይ /ትግርኚ ዶ ትሓይሽ ወይስ ሰፋሕ ሃገረ ኢትዮጵያን ኤርትራን ካብኡ ሓሊፋ ድማ ንኩላተን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝሕበር ኣንጻር ድኽነትን ድንቁርናን ውግእን ወረ ውገን ሓቢሩ ዝቃለስ ዝተዋሃሃደ ንብዙሓነት ሕዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሰላምን ብልጽግናን ዘማሓድር ስርዓታት ድኣ ኣብ ምሕናጽ ድኣ ንሕሰብ እምበር ሕና ንሳቶም ኣብ ዝብል ክርክር ምእታው እቲ መጀመርያ ዝጉዳእ ሕዝቢ ትግራይን ኤርትራን እዚ ሎሚ ንሕና ኣግዝያን ዝብል ምዃኑ ፍሉጥ ኢዩ፣ ውጥን ኣግኣዝያን- ትግራይ ትግርኚ ኣብ ኣርባዓታት ድሕሪ ስዕረት ኢጣልያዊ መግዛእቲ ናይ ኤርትራ መሰል ርእሰ ውሳነ ሕቶ ምስ ቀረበ ከም ርእይቶ/ሓሳብ ብገለ ኤርትራውያን ዝቀረብ ዝነበረ ኢዩ ነሩ እንተኾነ ኣብቲ ግዜቲ በተን ፖሊቲካዊ ሰልፍታት ኤርትራ ተቀባልነት ሰለዘይረኸበ ፈሺሉ ዝተረፈ ርእይቶ ኢዩ ነሩ፣ ብፍላይ ነዚ ውጥን እዚ ዘፍሽለ እቲ ብራእሲ ተሰማ ዝምራሕ ዝነበረ ሊበራል ሰልፊ ምንባሩ ኣብ ብዙሕ ታሪኻውን ፖሊቲካውን ጽሑፋት ይገልጽ።( ኣይንፈላለ፣ 1941-1950 ብ ኣለምሰገድ ተስፋይ) ከምኡ እውን ዶር.ደጃዝማች ዘውደ ገብረስላሰ ኣብ መጽሓፉ፣ ( የኢትዮጵያ እና የኤርትራ ግጭት መንሥ ኤ እና መፍትሔ) ኣብ ዝብል መጽሓፉ ከምዚ ይብል፣
"ኤርትራና ትግራይ በኢጣልያ የግዛት ዘመን ተቀላቅለው እንደነበሩ ውህደታቸውን ቀጥሎ ነጻ የትግራይ ትግርኚ መንግስት በኢንግሊዝ ድጋፍ ለመቋቈም ያቀዱት፣ ልዑል ራስ ስዩም መንገሻ ኢትዮጵያን ኣልከፍልም ብማለት አሳቡብ ተቃውመው ከኣምባ ኣላጌ ጦርነት በኋላ በ1943 ዓ. ም ወደ ኣዲስ ኣበባ በመሄዳቸው ከሸፈ።"
ሰለዚ ትግራይ -ትግርኚ ውጥን ኣብ ዝሓልፈ ታሪኽ ብትግራዎት ይኹን ኤርትራዉያን ተቀባልነት ዘይብሉ ውጥን ኢዩ፣ ውጥን ትግራይ ትግርኒ ናይቶም ተስፋ ዝቈረጹ ባእታት እምበር ናይ ሕዝቢ ኤርትራን ትግራይን ውጥን እውን ኣይኮነን።
አብ መጽሔት ውራይና መበል 34 ሕታም ጥሪ 2009 ዓ. ም ኣብቲ ውጥን ኣግኣዝያውነት ወይ ብሄር ኣግኣዚ ክልተ ከምዝነበሩ እቲ ሓደ ብናይ ትግራይ ተጋሩ ዝተጀመረ ብማሕበር ዝፍለጥ፣ ጸኒሑ ድማ ሃገራዊ ግንባር ኣግ ኣዝያን ከምዘቆሙ ይፍለጥ ንዝያዳ ሓበረታ ምስዚ ተኣሳሲሩ ብ PDF ዝተላኤኸ ርኤ
ጸላእቲ ኣግ ኣዝያን፣ ፖሊቲካ ኢስላምን ዓረባዊ ሃገራውነትን፣ ሃገራውነት ኣምሓራን ኢዩ ይብሉ።
ውከሳ/ References
1. Cardinal Paulos Tsadua On SaintFrumentius and the Liturgy of Ethiopian Church
2. ውራይና፣ ኣግ ኣዝያን እንታይነት ምንቅስቃስ ብሄረ ኣግ ኣዝያን/ትግራይ -ትግርኚ
3. የኢትዮጵያ የ 5 ሺ ዓመት ታሪክ ፣ ከኖህ እስከ ኢህአዴግ፣ ብፍስሓ ያዜ ካሳ
3. ኣይንፈላለ ፣ 1941-1950፣ ኣለምሰገድ ተስፋይ
4. የኢትዮጵያ እና የኤርትራ ግጭት መንሥኤ እና መፍትሔ፣ ዶ/ር ደጃዝማች ገብረ ሥላሴ
5. Eritrea - The making of A Nation -1890-1991 by Redie Bereketeab Uppsla University 2000
6. Paths toward the nation, Islam Community, and early Nationalist Mobilization in Eritrea, 1941-1961 by Joseph L. Venosa
7. Italian Colonialism in Eritrea , 1882-1941 Policies, praxix and impact by Tekeste Negash
8. Eritrea and Ethiopia- The Federal Experience by Tekeste Negash
9. Eritrea At CrossRoads- A narrative of Triumph, Betrayal and Hope by Andebrhan Welde Giorgis
10. Coercion, Capital And European States- AD 990-1992 by Charles Tilly
ኤርትራ ብምብራቕ ምስ ቀይሕ ባሕሪ፡ ብምዕራብን ሰሜንን ምስ ሱዳን ብደቡብ ድማ ምስ ኢትዮጵያን ጅቡትን እትዳወብ ናጻን ልኡላዊትን ሃገር እያ። ናይ ኤርትራ ልኡላውነት ካብቲ ናይ ካልኦት ሃገራት ልኡላውነት ፍሉይ እዩ። ምኽንያቱ ድሕሪ 2ይ ውግእ ዓለም ብውሳነ ሓያላት መንግስታት ዝተዋህበ ህያብ ዘይኮነ፡ ብዙሓት ክሕደታትን ጥልመታትን ምስ ኣጋጠሞ ብመሪርን ነዊሕን ሰንሰለታዊ ቃልሲ ዝተረኽበ ስለ ዝኾነ። ኤርትራዊ ሃገራውነትን ልኡላውነትን ኩሎም ኤርትራውያን ንኡስ መግለጺ ብዙሕነቶም ዓቂቦም ብሓባር ዘረጋገጽዎ ስለ ዝኾነ ቅድሚት ዝስራዕ ድሙቕ መግለጺ መንነት ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ኤርትራዊ ኣብ ኩሉ መድረኻት ነብሱ ከላሊ እንከሎ ቀዳማይ መላሹ “ኤርትራዊ እየ” ዝብል ከኣ ምእንቲ እዚ እዩ። እዚ ቅድሚ’ቲ ካልእ ዝርዝር ዝስራዕ መልሲ መግለጺ ኤርትራዊ፡ ሓድነት፡ ዓቕምን ጽንዓትን እዩ። ጽንዓትና፡ ሓድነትናን ቀጻልነትናን ዘይደልዩ ወገናት ክጨራርምዎ እንተሓለኑ ከኣ ሓድሽ ክኾነና ኣይግባእን። ምኽንያቱ ነዚ ኩሉ መስገደል ፈንጢስና ብምሕላፍ ናጽነትና ዘረጋገጽና ምዃና ስለ እንርዳእ።
ኤርትራዊ ሃገራውነትን መንነትን ከም ናይ ኩለን ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ድልዱል ኣህጉራዊ ስምምዕ ዝተሰረተ እምበር ዝኾነ ዓቕሉ ዘጽበበ፡ ምስ ኣብ ካልእ ልኡላዊ ሃገርነት ዝነብሩ ኣካላት ተጫንዩ ከፍርሶ ዝኽእል ኣይኮነን። ኤርትራውነት ናይ ሓባር መንነት እዩ፡ ነቲ ኣብዚ ሉኣላዊ መንነት ሰፊሩ ዘሎ ንኡስ መግለጺ መንነት ናይ ምዕባይ ውስጠ-መሰል ብመትከል መሰል ምውዳብን ሓሳብካ ምግላጽን ኣዕቊቡን ብሓባር ዘንብር እዩ። ነዚ ጠማሪ መንነት ምትኹታዅን ንኡሳን ኣፋትል መዚዝካ ቅድሚት ክትሰርዕ ምፍታንን ከኣ ነቲ ምንጪ ሓይልና ዝኾነ ሓድነትና ዝህድድን ኣፍራሲ ሳዕቤናት ዘለዎን ኮይኑ፡ ቀንዲ ሕመረቱ ከኣ ኤርትራዊ መንነት ምብራዝ እዩ። ድሕሪ ምብራዝ ዘሎ ሳዕቤን ከኣ ሕማቕ ብዛዕባ ምዃኑ ብዙሕ ዘረባ ዘድልዮ ኣይኮነን።
ኤርትራዊ መንነት እቲ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ዝስራዕን ዝዕቀብን እዩ። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ካልኦት ኣብቲ ቀንዲ መንነት ዝሕቆፉ ኤርትራዊ መንነታት የለዉን ማለት ኣይኮነን። ኤርትራ ብዙሓዊት ሃገር እያ ካብ በልና በብደረጃኦም ዝስርዑ ንኡሳን መንነታት ኣለዉና ማለት እዩ። ንኣብነት ብማዕርነት ክንዕቅቦ ዝግበኣና ሃይማኖታዊ መንነት ኣለና። ብሄራዊ መንነት ኣለና። ቋንቋ፡ ባህልን ኣሰፋፍራን መሰረት ገይርና ንቓንዮም ናይ መንነት መግለጽታት እውን ኣለዉና። ነዞም ንኡሳን ናይ መንነት መለክዕታት ነቲ ቀንዲ ኤርትራዊ መንነት ክጻባእ ብዘይክእል ኣገባብ ምሓዞምን ምምዕባሎምን ከኣ መተካእታ ዘየብሉ መሰል ከም ዘለና ክንርስዕ ኣይግበኣናን። ነቲ “ኤርትራዊ ሕድነትና ብንኡስ ስምዒታት ክህደድ ኣይገበኦን” ዝብል ሓይልና ቆራሚምና ከይነዳኽሞ ክንጥንቀቕ ግድን እዩ።
ኣብ ትሕቲ ልኡላዊ ኤርትራዊ ጽላል፡ ብሄራዊ፡ ሃይማኖታዊ፡ ባህላውን ቋንቋውን ኣዘረጋግሓና ከመይ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። እዚ ንኡሳት ናይ መንነት መግለጺና ከም ድላዩ ዶባት እንዳጠሓሰ ነናብ ዝቐርቦ ዝውሕዝ ዘይኮነ፡ ብኤርትራዊ ቀንዲ ናይ መንነት መለክዒ ዝቕለስ እዩ። ከምኡ እንተዘይኮይኑ ትርጉም ኤርትራዊ መግለጺ መንነት ስለ ዝብለል። ነዚ ዓብይ ዕርዲ መግለጺ መንነት ከይተጻባእካ፡ መንነትካ ምስፋሕን ምምዕባልን ግና ቅዋማዊ ውሕስነት ክረክብ ዝግበኦ መሰል እዩ። ብዛዕባዚ ናይ መንነት ጉዳይ ከነልዕል እንከለና ቀንዲ ማእከልና ኤርትራዊ መንነት እምበር፡ ውልቃዊ፡ ውድባዊ፡ ቀቢላው፡ ቦታውን ቋንቋውን ስምዒታት ቅድሚት ክስራዕ እንከሎ ከቶ ውጽኢቱ ምብትታን ምዃኑ ክንዝንግዖ ኣይግበኣናን።
በዚ መንጽር ኣብ ኤርትራ ክንመጽእ እንከለና ኣብ ምዕራባዊ ቆላ ዝርከብ ክፋል ህዝባ፡ ብሃይማኖት፡ ቋንቋ፡ ብሄርን ባህልን ምስ ገለ ኣብ ሱዳን ዝርከብ ክፋል ህዝቢ ዝመሳሰል ክኸውን ይኽእል። እዚ ምምስሳል ግና ነቲ ኤርትራዊ መንነት ዘመልክት ዶብ ሰይሩ ቃና ክቕይር ኣይክእልን እዩ። እንተዝኽእል ከኣ ሳዕቤኑ ነቲ ብደምን ኣዕጽምትን ዝተነድቀ ኤርትራዊ መንነት ዝደናዳን እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ከበሳ ኤርትራ ካብ ዘሎ ህዝብና መብዛሕትኡ ምስ ገለ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነብር ህዝቢ፡ ብቋንቋ፡ ዘርኢ፡ ባህሊ፡ ሃይማኖት፡ መውስቦን ካልእን ዝመሳሰል እዩ። ግና ድማ ክልቲኡ እዚ ተመሳሳልነት ዘለዎ ህዝቢ ሓዲኡ ኣብ ትሕቲ ኤርትራዊ እቲ ሓደ ድማ ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያዊ መንነትን ልኡላውነትን ዝሰፈረ ስለ ዝኾነ፡ ብዕግርግርን ናይ ውሱናት ሰባት ህርፋንን ኣብ ቀንዲ መንነታቱ ዝዋገ ኣይኮነን። እዚ ልኡላውነታት ኣዕሚቑ ዝተሰረተ ስለ ዝኾነ፡ ገለ ዓቕሎም ዘጽበቡ ብዝፈጥርዎ ካብ ኣግኣዝያን ክሳብ ትግራይ ትግርኚ ብዝምጠጥ ኣብ’ቲ ቀደም ቀደም ተፈቲኑ ብዘይሰርሐ ዘይቅርዑይ ቅድታት ዝኽማህ ኣይኮነን።
በቲ ቅኑዕ ንኤርትራዊ ሓድነት ዘይጻባእ ኣገባብ ቃልሲ ምስላጥ ኣብዩካ ተስፋ ምስ ቆረጽካ፡ ብኹሉ መለክዕታት ተቐባልነት ዘየብሉ ታሪኽ ጠፋጢፍካ ንድሕሪት ተመሊስካ፡ ንዞባውን ኣህጉራውን ስምምዓት ጥሒስካ ልኡላዊ ዶባት ብዘይኣፍልጦ ህዝቢ ኣፍሪስካን ዘርኣዊ ሓረግ መዚዝካን ዘርኢ፡ ቋንቋን ካልእ ተመሳሳልነት ቅድሚት ኣሰሊፍካ ሓድሽ ሃገርነት ክትፈጥር ምምጥጣር ከሎ ጌና “ይኣክል” ክበሃል ይግበኦ። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ነቲ ሃገራዊ መንነት ብዘይጻባእ መልክዑ፡ ኣብዚ ንርከበሉ ዘለና ናይ ዓለማውነት መድረኽ ኣይኮነንዶ ምስ ብብዙሕ ንኡስ መንነታት እትመሳሰሎ ጐረባብቲ ህዝቢ፡ ምስ ህዝቢ ዓለም’ውን ዝምድና ምፍጣር ኣገዳሲ ምዃኑ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። ምንቅስቓስ ኣግኣዝያንን ካለኦት መዳመቕትን ከኣ ንህርፋኖም በዚ መንጽር ክገንሕዎ ሓደራ እብሎም።
ዝኸበርክንን ዝኸብርኩምን ኣሓትን ኣሕዋትን
መጽሓፍ፡ ተመክሮ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ንሃገራዊ ናጽነትን ማሕበራዊ ፍትሕን፡ Eritrean Liberation Front (ELF). Its Struggle For Freedom and Social Justice (1961 – 1982) ካብ ምጅማር ክሳብ ተሓቲማ ንኣንበብቲ እትቐርብ፣ ነዊሕን ጽዑቕ ስራሕን እዩ ተኻይዱ። ብሕጽር ዝበለ፡ካብ ምእካብ መወከሲ ሰነዳት ዝኾኑ ናይ ታሪኽ መጻሕፍቲ፣ ስነ-ጽሑፋትን ጋዜጣታትን ተሓኤ፡ ቃለ መሓትት ምስቶም ብኣካል ኣብቲ ታሪኻዊ መስርሕ ዝተሳተፉን ተዘክሮታቶምን ተመኵሮኦምን ዘካፍሉ፡ ካብ መርበባት መራኸቢ ብዙሃን ዝተረኽበ ሓበሬታት ኣኪብካ፡ ቅደም-ተኸተል ሓልዩ ተሰሪዑ ንኽዳሎ የጠቓልል።
ድሕሪ’ዚ ዝተጠቕሰ ግዜን እኩብ ጻዕርታትን መጽሓፍ ተሓቲማ። እቲ ዝቕጽል ስራሕ ኣብ ኢድ ኣንበብቲ ንኽትበጽሕ ናይ ምዝርጋሕ ዕማም ከኣ ካልኣይ ጻዕሪ ነይሩ። እቲ ፕሮጀክት፡ ካብ ምድላው፣ ተሓቲሙ ክሳብ ምዝርጋሕ ዘጠቓለለ ስለዝዀነ፣ ኣብ ምዝርጋሕ ብዙሓት ግዱሳት ሃገራውያን ወለንተኛታት ስለዝተሳተፍኩም፣ ኣካል ናይቲ ዕዉት ፕሮጀክት እዩ። ኣንበብቲ ኣብ ዝርከብሉ ተንቀሳቒስኩምን ከምዝገዝእዎ ዝገበርኩሞ ጻዕሪን ከቢድ ምዃኑ ኣጸቢቕና ንርድኦን ዝተሞኰርናዮን ስለዝዀነ፤ ንዘርኣኹሞ ተገዳስነትን ተወፋይነትን ኣዕዚዝና ኢና ንግንዘቦ፣ ምስጋናና ድማ ደረት የብሉን። ንስኻትኩምን ከማኻትኩምን ዝኣመሰሉ ግዱሳት ኣሓትን ኣሕዋትን ስለዘለኹም ድማ'ዩ፣ ፕሮጀክትና ተዓዊቱ፡ ብጻዕርታትኩም ድማ ኣዚና ኢና ንሕበን።
ካብ ብዙሓት ኣንበብቲ ንዝወሰድናዮ ተበግሶን ትሕዝቶ መጽሓፍን ዝንእድ፣ ካብ ገለ’ውን ዝጐደለ እናኣመቱ ሃናጺ ርእይቶታቶም ዝለገሱ በጺሑና። ብርግጽ እዚ መጽሓፍ’ዚ መጀመርን ካልኦት ንኽጽሕፉ ዘተባብዕን እምበር፡ ንዅሉ ኣማሊኡ እዩ ቀሪቡ ዘሎ ዝብል ዕግበት ንሕና’ውን የብልናን። በዚ ኣጋጣሚ ካልኦት ደረስቲ ንዝተወሰደ ተበግሶ ተኸቲሎም ተሞክሮኦም ንኸካፍሉ ኣብነት ክኸውን ተስፋ ንገብር። ንሕና’ውን ጻዕርናን ምትሕብባርናን ቀጻሊ ምዃኑ ነረጋግጸሎም።
እቲ ዝስዕብ ሕቶ፡ ናይ መጽሓፍ ኣታዊ ንምንታይ ኮን ይውዕል ይኸውን ዝብል ክኸውን ስለዝኽእል፡ ብመጀመርታ ንሕና ኣብ እንነብረሉ ዘለና ሃገራት ናይ መነባብሮ ጸገም ስለ ዘየብልና፡ ካብ ሽያጥ መጽሓፍ ክንረብሕ ኢና ዝብል ሓሳብ ኣይነበረናን የብልናን ድማ። ታሪኽ ቃልሲ ህዝብና ካብ ምዕቃብ ሓሊፉ፣ በዚ ክዓቢ ይኽእል እዩ ዝብል ፖለቲካዊ ዕላማ’ውን ስለዘይጸንሓና፡ ሽያጥ መጽሓፍ ንወጻኢታቱ ድሕሪ ምሽፋኑ፤ ኣብ መማዕበሊ ስነ-ጽሑፍ ብፍላይ ንምስናድ ታሪኽን ቃልስን ህዝቢ ኤርትራ ዝካየድ ቀጻሊ ንጥፈታት ዝውዕል ንምትሕብባር፤ ከምኡ’ውን ኣብ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ወዲ-ሸሪፎይን መደበር ውጉኣት ሓርነት ከሰላን ክውዕል ከነወፍዮ ምዃና ነረጋግጽ። ስለዚ ኸኣ፡ እቶም ነቲ መጽሓፍ ዝዘርጋሕኩምን ዝገዛእኩምን፡ነቶም ወትሩ ሓገዝ ክፍለዮም ዘይግብኦ ኣሓትን ኣሕዋትን ኩልና ዝኾኑ ኤርትራውያን ስለዝሓገዝኩም ክትሕበኑ ይግባኣኩም።
ምስ ሰናይ ትምኒት!
ድራር ማንታይ
ንጉሰ ጸጋይ
ፍስሃየ ሓጎስ
8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ በይ ኤርያ
Monday, 20 March 2017 21:06 Written by በይ ኤርያ ኤርትራውያን ን ዴሞክራስያዊ ለውጢበይ ኤርያ ኤርትራውያን ን ደሞክራስያዊ ለውጢ ብ 18 መጋቢት 8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቀ ኣንስትዮን ዝኽሪ ተጎርባን ብ ኽብሪ ዘኪሩ ውዒሉ፡ ኣብ"ዚ ታርኻዊ በዓል ኣብ በይ ኤርያ ዝነብሩ ደለይቲ ፍትሒ ብሓባር ኮይኖም ከብዕልዎ ካብ እተፈላለዩ ኣብ ክሊ በይ ኤርያ ዝርከባ ከተማታት ብምትእኽኻብ ነቲ በዓል ድርብ ድምቀት ሂብዎ ውዒሉ።

መርሕነት ቦርድ በይ ኤርያ ኤርትራውያን ን ደሞክራስያዊ ለውጢ ናይ እንቛዕ ደሓን መጻእኩም መኽፈቲ ድሕሪ ምግባር፡ ኣስዒቡ ታሪኽን ኣበርክቶን ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ ፡ ኣብ ምኹስኳስ ባህልን ሕብረተሰብን፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ዘሓልፉ፡ ን ልዕሊ 40 ዓመታት ኣብ ጉዕዞ ቃልስ ን ሃገራዊ ናጽነት ድሕሪኡ ዝሰዓበ ሕቶ ዴሞክራስን ሰብኣዊ ሓርነትን ዘበርከተኦን ዘበርክትኦ ዘሎ፡ መወዳድርቲ ኣልቦ ከምዝኾነ ኣስሚሪሉ፡ ተሪፉ ዘሎ ጉዕዞ ሓርነታዊ ቃልሲ ከም ቀደመን ከይተሓለላ መዓንጠአን ሸጥ ኣቢለን ኣበርቲዐን ክሰርሓ ተላብዩ።
ብመሰረት ኣቐዲሙ ዝወጸ መደብ ንዝኽሪ መዓልቲ ደቀ ኣንስትዮ ተሞክሮአን ከካፍላ ካብ ዝተዓደማ ሓርበኛታት ተቓለስቲ ወ/ሮ ኣስገደት ምሕረተኣብ ካብ በይ ኤርያ፡ ዶክተር ሳዕድያ ሑሰኒን ካን ኖርዋይ ከምኡውን ኤተማር ኑጉሰ ካብ ነውዮርክ ባፎሎ ሕሉፍ ታሪኽ ደቀ ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለየ ዓውዲታት ቃልስን ዘጋጥመን ዝነበርን ዘሎን ብድሆታት ብምግላጽ ኣብዚ ግዜ'ዚ ኣብ ሃገርና ኣጋጢሙ ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ብሓፈሻ ኣብ ደቀ ኣንስርዮ ከኣ ብፍላይ ብምግምጋም፡ ተወዲበን ምስ ኣሕዋተን ደለይቲ ፍትሒ ኮይነን ከምወትሩ ኣበርክቶአን ከዕዝዛ ቃል ብምእታው ናይ ኩሎም ኣሕዋተን ደለይቲ ፍትሒ ደገፍ ከይፍለየን ተላብየን።
በይ ኤርያ ኤርትራውያን ን ዴሞክራስያዊ ለውጢ ማዕረ ኣዚ ረዚን ዕለት መዓልቲ ደቀ ኣንስትዮ ን ዝኽሪ ተጎርባውን ብኽብሪ ዘኪሩ ውዒሉ ፡ዝኽሪ ተጎርባ ሓደ ካብቲ ክዝከር ዝግበኦ ቅያታት ገድሊ ኮይኑ ብደረጃ በይ ኤርያ ምስ መዓልቲ ደቀ ኣንስትዮ ንኻልኣይ ግዚኡ ተዘኪሩ ወዒሉ፡ ኣብ'ቲ ኣጋጣሚ ገዲም ተጋዳላይ ኣቶ ሮሞዳን ሳልሕ ብዛዕባ ቶጎርባ ሰፊሕ መብሪሂ ሂቡ።

ብድሕሪ'ዚ በይ ኤርያ ኤርትራውያን ን ዴሞክራስያዊ ለውጢ፡ ደኺመ ከይበላ ብተወፋይነት ተቓሊሰን ዘቃለሳ ኣብነታውያ ደቀ ኣንስትዮ ን ኣበርክቶአን ዘንጸባርቕ ናይ ምስክር ወረቐት ዓዲሉ።
በይ ኤርያ ኤርትራውያን ን ዴሞክራስያዊ ለውጢ ቅድሚ ሒጂውን ብተመሳሳሊ ኣብ ሳንታ ሮዛ ዕውት ኣኼባ ኣቃኒዑ ምንባሩ ይዝከር።

በይ ኤርያ ኤርትራውያን ን ዴሞክራስያዊ ለውጢ
ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ዓለም ካብ ውግእ ብዘይንእስ ኣስጋኢ ኮይኑ ዘሎ ድርቅን ንሱ ዘስዕቦ ጥሜትን ምዃኑ ብዝተፈላለዩ መጽናዕትታት ዝረጋገጽ ዘሎ እዩ። ነዚ ብዝምልከት ናብ ኣህጉርና ኣፍሪቃ ክንቋመት እንከለና፡ ብፍላይ እዚ ሃገርና እትርከበሉ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብኣብነት ዝጥቀስ እዩ። ካብኡ ናብኡ ሶማልያ፡ ደቡብ ሱዳንን ኬንያን ካብተን ኣብዚ ዝተጠቕሰ ዞባ ብሓያል ደርቅን ጥምየትን ተጠቒዐን ዘለዋ እየን። ኢትዮጵያ እውን ከባቢ 5 ሚልዮን ካብ ህዝባ በዚ ደርቂ ተጠቒዑ ከም ዘሎ ብወግዒ ኣፍሊጣ እያ። ናይዘን ዝጠቐስናየን ሃገራት ብደርቂ ምህሳይ ብዝተፈላለዩ ዓለም ለኻዊ ትካላትን ናይ ዜና ማዕከናትን ዝተቓለሐ ኮይኑ ናይቲ መቃልሕ መሰረት ድማ ናይተን ሃገራት መንግስታት ህይወት ህዝቦም ንምድሓን ዘካየድዎ ድህሰሳን ናብ ሕብረተሰብ ዓለም ዘቕረብዎ ናይ ህይወት ኣድሕን መጸዋዕታ እዩ።
ሃገርና ኤርትራ ኣብዚ ኣስታት 34-38 ሚልዮን ህዝቢ ብደርቂ ዝተጠቕዓሉ ቀርኒ ኣፍሪቃ እያ እትርከብ። ኤርትራ ካብተን ኣብ ከባቢኣ ዘለዋ ሃገራት ብዝያዳ ብደርቅን ጥሜትን ክትጥቃዕ ዝሰፈሐ ዕድል እንዳሃለዋ፡ እንተኾነ ብወገን መንግስቲ ህግደፍ ነዚ ብዝምልከት ዝተዋህበ መግለጺ የለን። ብኣንጻሩ እቲ ዝስማዕ ኤርትራ “ዋላ ሓንቲ ናይ ደርቅን ጥምየትን ስግኣት የብላን ዝብል ናይ ጃህራ ድምጺ እዩ። እዚ ክበሃል እንከሎ “ከመይ ገይራ ካብቲ ኣልማማ መጥቃዕቲ ኤልኒኖ ድሒና?፡ ኤርትራ ኣይኮነዶ ኤልኒኖ ተወሲኽዎ ብዓንተብኡ ጠልን ዝናብን ተዝርከብ እውን ናይ ምስራሕ ዓቕሚ ዘለዎ ሓይሊ ሰባ ተጸንቂቑ ኣብ ዝተሰደሉ ኩነታት ብጥምየት ዘይትጥቀዓሉ ተኣምር እንታይ እዩ?” ዝብሉ ሕቶታት ዘይተመለሱ እዮም። በቲ ካልእ ወገን ግና ሓባኢ ባህሪ እቲ ንኤርትራ ዝመርሕ ዘሎ ኣካል ንእንፈልጥ ወገናት እዚ ናይ ህግደፍ ኣተሓባባእ ሓድሽ ኣይኮነናን እዩ።
ኣብዚ እዋንዚ ብዛዕባቲ ስርዓት ህግደፍ ክሓብኦ ዝደሊ ኩነታት ደርቅን ጥሜትን ኣብ ኤርትራ፡ ዝተፈላለዩ ሓበሬታት ይወጹ ኣለዉ። ፍርቂ ስፍሓት ኤርትራ ብኤልኒኖ ከም ዝተጠቕዐን ከም ሳዕቤን ናይዚ ኣብ ኤርትራ ሓደገኛ ጥምየት ከም ዘሎን ዘቃልዑ ወገናት ብዙሓት እዮም። ከም መርኣያ ናይዚ ከኣ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዓመተ 2017፡ ኣስታት 22,700 ትሕቲ 5 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ንሓደገኛ ጥሜት ተቓሊዖም ከም ዘለዉ የረጋግጹ ኣለዉ። ካብቶም ምስክርነቶም ዝሃቡ ብጉዳይ ህጻናት ዝግደስ ዓለም ለኻዊ ትካል ዩነሰፍ ሓደ እዩ። መንግስቲ ኤርትራ ግና ነዚ’ውን ኣይቅበሎን እዩ። ካልእ ን17 ሃገራት ኣፍሪቃ ከም ኣብነት ወሲዱ ንህልዊ ኩነታት ጥሜት ብዝምልከት መጽናዕቲ ዘካየደ ሓደ ግዱስ ኣካል ከኣ ኣብ ኤርትራ 45, 000 ህጻናት ኣብ ከቢድ ናይ ጥሜት ሓደጋ ከም ዘለዉ ኣመልኪቱ ኣሎ። ካብዚ ሓሊፎም ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራ ካብ ሰለስተ ሰባት እቶም ክልተ ኣብ ሓደጋ ጥምየት ከም ዝለዉ ዝግለጸሉ ኩነታት ኣሎ። ኣብ ኤርትራ ሓደጋ ጥሜት ኣብ ምግዳድን ሓገዝ ኣብ ምዕጋትን ካብ ኤልኒኖ ብዘይንእስ እታ ሃገር ንሓበሬታ ዕጽውቲ ምዃና ዝጥቀስ እዩ። ብሲንኪ እዚ ናይ ሓበሬታ ማዕጾ ዕጽዊ ምዃኑ፡ ዓለም ለኻዊ ናይ ረዲአት ትካላት እቲ ጉዳይ ብግቡእ ተረዲኦም ሓገዝ ክልግሱ ከም ዝጽገሙ ይጠቕሱ ኣለዉ።
ኣብዚ እዋንዚ ብዛዕባ ኩነታት ኤርትራ ሓበሬታ ካብ ዝርከበሉ መንገድታት ሓደ እቶም ካብ ኤርትራ ዝውሕዙ ዘለዉ ስደተኛታት እዮም። ንሳቶም ከምቲ ኣብ ብዙሕ መዳያት ዝህብዎ ሓበሬታ፡ ኩነታት ጥሜትን ደርቅን ኣብ ኤርትራ ዝምልከት ዝህብዎ ሓበሬታ እውን፤ ካብቲ ናይ ዓለም ናይ ዜና ማዕከናትን ናይ ረዲአት ትካላትን ዝግምትዎን ዝስከፍዎን ዝኸፈአ እንተዘይኮይኑ ዝሓሸ ኣይኮነን። “ናትና ዓዲ ለቒቕካ ምውጻእከ ካልእ ኤልኒኖዶ ኣይኮነን እዩ” ዝብልዎ’ውን ኣለዉዎም። ሓቂ ከኣ እዮም። ዝናብን ጠልን ኣብ ዝሃለወሉ ውቕቲ እውን ካልእስ ይትረፍ ኣብ ቀብሪ ጉድጓድ ዝኹዕትን ኣስከሬን ዝጸውርን መንእሰይ ኣብ ዝሰኣነሉ ዓድታት ኤርትራ ጥምየት ክህሉ ናይ ግድን እዩ።
እምበኣር ኩነታት ደርቅን ጥምየትን ኤርትራ ካብቲ ናይ ካልእ ሃገራት ዝተፈልየ እዩ። ከምኡ ዝኾነሉ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ ዝሕባእ ምዃኑ እዩ። ከምቲ “ሓባእ ቁስሉስ ሓባእ ፈውሱ” ዝበሃል ዝተሓብአ ጸገም መፍትሒ ክርከቦ ኣጸጋሚ እዩ። ምናልባት ስርዓት ህግደፍ “ብሰንኪ ለውጢ ኩነታት ኣየር ሕጽረት መግቢ ኣጋጢሙና’ሞ ሓግዙና” ምባል ጸድፍን ቀላይን ይኾኖ ይኸውን። ቀንዲ ስግኣቱ ከኣ ህይወት ከድሕኑ ናብ ሃገር ዝኣትዉ ትካላት ነቲ ካልእ ገበናቱ ከይርእይሉ ይኸውን። ህዝቢ እንዳሃለቐ ማዕጾ ረጊጥካ ጸማም እዝኒ ምሃብ ተሓታትነት ኣብ ዘለዎ ምምሕዳር መሕተተ። እንተኾነ ስርዓት ኤርትራ “ተሓታትነት” ዝብል ኣምር ካብ መዝገቡ ስለ ዝተሓከ ብኸምኡ ክቕጽል እትጽበዮ እዩ። ስለዚ እቶም ናይ ህዝቢ ልሳን ክንከውን እንቃለስ ዘለና ወገናት ተቓውሞ ከምቲ ብዛዕባ ግህሰት ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት ድምጽና እነስምዕ፡ ኣብ ዝረኸብናዮ ኣጋጣሚ ሕብረተ-ሰብ ዓለም ዝኾነ ሜላ ተጠቒሙ ህጻናት ኤርትራ ብጥምየት ቅድሚ ምርጋፎም ከድሕኖም ኣውያትና ከነስምዕ ይግበኣና።