ቃል ጽምብል መበል 26 ዓመት ናጽነት ኤርትራ

2017-05-21 09:02:36 Written by  ብኣወሃሃዲት ሽማግለ ደለይቲ ለውጥን ፍትሕን Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1784 times

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ተቓለስቲን ደለይቲ ፍትሕን

ህዝብና ዋላኳ መብጽዓን ሕድርን ሰማእታትና ብዝጠለመ ጉጅለ ይዕመጽን ይርገጽን እንተሎ፡ ኣበየ ኩርናዑ፡ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ብሉጻት ደቁ ንዝወደቑሉ ናጽነቱ ይጽንብል ኣሎ። ንሕና እውን ኣካል እዚ ክቡር ህዝቢ ከም ምዃንና መበል 26 ዓመት በዓል ናጽነት ንምብዓል ተኣኻኺብና ኣሎና።UK Independence Day 1

 

ናጽነትና ክቡራት አሕዋትናን ኣሓትናን ዝተሰውኡላን ዝደመዩላን ረዛን ህያብ ስለዝኾነት፡ ዋላ እውን ምልክን መላኽን፡ መብጽዓን ሕድርን ጠሊሞም ብሕሰም እንተደወኑዋ፡ ህዝብናን ኩላትና ደለይቲ ለውጥን ፍትሕን፡ ሕድሪ ሰማእታትና ብምኽባር ኣብ ዝኾነ ጽንኩር እዋን  እውን  እንተኾነ ንናጽነትና ካብ ምኽባራን ምዝካራን ኣይክንቦክርን ኢና።

ናጽነት: ክብረትንሕድርን ንዓና ንደለይቲ ለውጥን ፍትሕን፡ መብጽዓን ሓላፍነትን እዩ።  ነፍሲ ወከፍ ስድራ-ቤት ኤርትራ ንናጽነት ኤርትራ ክቡር ዋጋ ከፊላ እያ። ስለዚ ናጽነት ናይቲ ክቡር ዋጋን ደቁን ዝኸፈለ ህዝቢ እምበር፡ ብምልክን ሓይልን ስልጣን ሒዙ ናይ ዝገዝእ ዘሎ ስርዓት ኣይኮነን። 

ኩላትና እዞም ኣብዚ ተኣኪብና ዘለና ተቓለስቲ፡ ኣብ ዕለተ ናጽነት ነናይ ገዛእ ርእስና ትዝታን ዝኽርን ኣሎና። ናጽነት ክውንቲ ኮይና ምስተባህለ ዝተሰመዓና ሓጎስን እፎይታን ምስቲ ድሕሪ ናጽነትና ዘጋጠመና ክሕደትን ጥልመትን፡ M]oñ ኣብ ኩናት ዝጠፍአ ህይወትን ዝባኸነ ንዋትን፡ ብሰንኪ ብደዐን ንዕቀትን መላኺ ስርዓት ዝተኸስረ ዕድልን ዝጠፍአ ግዜን፡ ብምግንዛብ መሪር ጓህን ሓዘንን ክስመዓና ግድን እዩ። ግን ከኣ ጠለምትን ከሓድትን ከም ግብሮም ዝፍደዩላን ህዝብና፡ ነታ ብሉጻት ደቁ ዝኸፈለላ ናጽነቱ ብሓርነታዊ ሰብኣዊ መሰላቱ ኣደልዲሉ ኮሪዑ ዝነብረሉ እዋን ርሑቕ ኣይክኸውንን እዩ'ሞ በቲ ዘይተርፍ ብሩህ መጻኢ ዮሃና እብል። ነቲ እንሓልሞን እንሕልኖን መጻኢ ክውን ንምግባር ከኣ እጅገና ክንስብስብ ይግባእ።

ኣብ ግንቦት 1991፡ ነታ ድሕሪ 30 ዓመታት መሪር ቃልሲ ዝረኸብናያ ናጽነት ክንቅበላ እንከለና ፡ ኣብ መግዛእቲ ባዕዲ ዘጋጥመና ዝነበረ ሓሳረ-መከራን ግፍዕን፡ ሓንሳብ ንሓዋሩን ተቐንጢጡ'ዩ ኢልና ስለዝኣመንና ንሓጎስና መግለጺ ኣይረኸብናሉን። እንተኾነ ኩሉ ነገር ካብ ትጽቢትና ወጻኢ ኮይኑ መብጽዓ ሰማእታትና ብምልኪተጨውዩ። ምስ ናጽነት ሓድሽ ህይወት ክንጅምር፡ ንዝዓነወት ሃገርና ከነዐምር ዝተዳኸመ ቁጠባና ከነበራብር ሓሊንናን ተተስፊናን ግን ብሰናይ ዘይነቐለ መላኺ ስርዓት፡ ንኹሉ ተስፋታት ህዝብና ቆጽዩዎ።

ኣብዚ እዋን እዚ እምበኣር እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝነብር ዘሎ ህዝብና፡ ብመሪር ሕሰም መነባብሮ፡ ብድኽነትን ስእነትን ተዋጢሩ፣ ኣብ ቤቱን ሃገሩን ተሓይሩ፣ መሰላቱ ተጋሂሱ፡ ደቁ ብጃምላ ንስደት እናፈለሱ፡ ካብ ኣብ ዘበነ መግዛእቲ ባዕዲ ዝኸፍአ ሃለዋት እናሕለፈ እዩ ናጽነቱ ዝጽምብል ዘሎ። ንሕና እዞም ኣብ ስደት እንርከብ ዜጋታት ከኣ፡ ብስቓይን ህዝብና እናተቐንዘና፡ ብሃለዋትን ክውንነትን ሃገርና እናተሻቐልና ናጽነትና ንጽምብል ኣሎና። ይኹን እምበር ኩላትና ኣብ ውሽጥን ግዳምን እንርከብ ዜጋታት ኣጋጢሙና ብዘሎ ከቢድ ሽግር ተስፋ ቆሪጽና ርእስና ኣይከነድንን ኢና። UK Independence Day 2

 

ሰማእታትና ናጽነትና ኣረኪቦሙና እዮም። ዋላኳ ራኢኦም እንተተጠልመን መብጽዐኦም እንተተኻሕደን ንሳቶም ዕዮኦም ዛዚሞም ሓሊፎም እዮም።  ነቲ ንሳቶም ዘረከቡና ናጽነት ብሰብኣዊ ክብርን ሓርነትን ንምኹልዑ፡ ተሪፉ ዘሎ ናትና ዕማም፣ ናትና ተራ እዩ።  ስለዚ ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ብዝሓየለ መንፈስን ቅሩብነትን፡ ብስሙር ቃልሲ ቅልጽምን አሕቢርና፡ ተጠሊሙ ንዘሎ ክብርናን መሰልናን ክንመልስ፣ ሕድርን ሓደራን ሰማእታትና ከነኽብር ብዝያዳ ክንዋሳእን ቃልና ከነሐድስን እጽውዕ።

ብሰንኪ እዚ ጨካን መላኺ ስርዓት፡ ህዝብና ካብ ቤት ንብረቱ ተሰዲዱ ብፍላይ መንእሰያትና፡ ኣብ ጉዕዞኡ ኣብ ኣጻምእ ሰሃራን ባሕርን ክትዛረkሉ ዘ]ካሕክሕ ግፍዒ ይወርዶም ከምዘሎ ዕለታዊ እንሰምዖን እንዋሳኣሉን ጉዳይ እዩ። ይኹን እምበር ዕድመ መላኺ ብጻዕርን ተወፋይነትን ተቓለስቲ ፍትሒ ስለዝውሰን ስቓይን መከራን ህዝብና ንምሕጻር በዚዕዙዝኣጋጣሚ'ዚ ኩለንትናዊ ገምጋም ብምግባር ኣድማዒ ስራሕ ክንሰርሕ  እምሕጸን።

ናጽነት ዘረከቡና ሰማእታትና ንዘልኣለም ብኽብሪ ይዘከሩ።

ውድቀት ንመላኺን ዓማጽን ስርዓት!

የቐንየለይ።

Last modified on Sunday, 21 May 2017 11:20