ጽንብል ናጽነትና ትማልን ሎምን

2017-05-24 12:23:14 Written by  ዓንደጽዮን ግርማይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1925 times

ቅድሚ ኣብ ቀንዲ ሓሳበይ ምእታው፡ ነዚ ክብርን መጎስን ዝግብኦ ውፉይን ጻዕራምን ህዝቢ ኤርትራ ዮሃና እንቋዕ ንመበል 26 ዓመት ጽንብል ናጽነት ኣብቅዓካ ኣብቅዓና እብል።

ናጽነት ዋጋ ክቡር መስዋእቲ ጀጋኑናን ልዑል ጻዕሪ መላእ ህዝብናን ስለ ዝኾነት፡ ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ወወርሒ እንተነብዕላ‘ውን ኣይምበዝሓን። ብመንጽር‘ቲ ዝተኸፍለ ዋጋ ክንርእያ እንከሎና እምበኣር፡ ንዓና ሓለፋን ልዕሊ ኩሉ ክትከብርን ክትዕቀብን ዝግበኣ እዩ። ስለ ዝኾነ ድማ እዩ፡ መላእ ህዝቢ ኤርትራ መን ተሰዊኡ መን ኣትዩ ከይሓተተ ነዛ ህያብ ስዉኣቱ ንዝኾነት በዂሪ ናጽነት 24.05.1991 ብሓባርን ብልዑል ወንን ሓጐሱ ብጓይላን ዝላን ደበላን ማሰን ጨፈራን እልልታን ኣሰንዩ ንሰሙን ዝኣክል ዝጸንበላ።

እዚ ጽንብል‘ዚ ከኣ ተራ መግለጺ ሓጎስን ደስታን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ መደምደምታ መግዛእትን ኣራግጽን ባዕዳውያንን ስቅያቱን፡ መጀመርያ ራህዋን እፎይታን መበገሲ ሓድሽ ጎደና ምዕባለን ምሉእ ተስፋን ህዝቢ ኤርትራ እዩ።

እዚ ማለት ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ወናኒ ነጻን ልዑላዊትን ሃገር ኮይኑ ዝዓነወት ሃገሩ ክሃንጽን ምስተን ድኽነት ዝሰዓራ ምዕቡላት ሃገራት ክስራዕን ንስራሕ ክዋፈርን ህይወቱ ክቅይርን ምሉእ ተስፋን እምነትን ነይሩዎ ማለት እዩ።

ምስጢር ጽንብል ናጽነት ትማሊ እምበኣር እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ተስፋን ባህግን ምሉእ ምትእምማን ዝመንቀሊኡ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ዓዳም ተዓዳሚ ዘይነበሮ ሓጎስን ደስታን እዩ ነይሩ።

-         እዛ ሎሚ ን26 ዓመት ብዘይሃገራዊ ቅዋምን ሕገ-መንግስትን እትመሓደር፤

-         ፍርቂ ህዝባ ብዘይፍትሓዊ ብይን ኣብ ገሃነባዊ ስቅያት ቤት ማእሰርቲ ዝሳቐየላ፤

-         መሰረታዊ መሰል ደቂ-ሰባት ዘይክበረላ፤

-         ተካኢ ወለዶ መንእሰይ ተስፋ ስኢኑ ሃጽ ኢሉ ዝጠፍኣላ፤

-         ወድ-ሰብ ከም ጠለ-በጊዕ ዝሽየጠላን ዝጉዘየላን፤

-         ሕሰም፡ ድኽነት፡ ስቓይን ጓህን ዘስፋሕፍሓላ፤

-         ውሑዳት ሰብ ጽሩራ ዝሕጸኑላ፤

-         ጉቦን ወገነይ ወገንካን ዝስዕርሩላ፡ ብጽዩፍ ምሕደራን ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ዓለም ዝዛረበላ፤

-         መዓልታዊ መሰረታዊ ኣድላዪ ቀረብ  ንወድ-ሰብ ዘይርከበላ፤

-         ኰታ ብዝኾነ መለክዒ ወድሰብ ንክነብራ ኣብ ዘይክእለሉ እዋን ዝግበር መበል 26 ጽንብል ናጻነት ምስቲ ናይ ትማሊ በዂሪ ነጻነት ዝነበረ ባህርን መንፈስን ተመሳሳልነት ክህልዋ ዝሕሰብ ኣይኮነን።

ምኽንያቱ ናጽነት ሰንደቕ ዕላማ ብምንብልባል ወይ‘ውን ባዕዳውያን ስለ ዘውጻእካ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ በቲ ንሳ ንዜጋታት እትህቦ ክብርን ሓርነታዊ ጸጋን ስለ እትጽሎ።

ኣብ መንጎ ናይ መጀመርያ 1991 በዂሪ ጽንብልን  ድሕሪ ርብዒ ዘመን ናይ ሎምን ዘሎ ፍልልይ ንምዕቃንን ርጡብ ሚዛን ምሃብን ከኣ፡ ህዝብና ዝሓልፎ ዘሎ ማሕበራውን ምጣኔ ሃብታውን ባህላውን ፖለቲካውን ኩነታት ምንባብ ጥራሕ እኹል ምስክር እዩ።

ካብዚ ሓቂ‘ዚ ነቒልካ እምበኣር ጥሙይ ማዕረ ጽጉብ፡ ሕዙን ማዕረ ሕጉስ ክዘልል ክሕጐስ ቀሊል እኳ እንተዘይኮነ፡ ህዝብና ንክብርቲ ናጽነቱ፡ ተግባራትን ኣመራርሓን ህግደፍ ብዘየገድስ፡ ነታ ጽባሕ ዝጽበያ ሕግን ፍትሕን ዝመለለይኣ ናጽነት እናኣማዕደወ፡ ንመንግስቲ ፈሪሕና እንምርቖ ሓሪቕና ንውላድና እንረግሞን ናይ ክልቲኦም ኣይብጻሕ እናበለ ብኣካል ከም ዝጽንብላ ርዱእ‘ዩ። ስለያ ስርዓት ህግደፍን ካመራታቶምን እሞ ከኣ ስራሕ ተረኺቡለይ መን ክፍተል መን ክዕዘብ ወዓለ፡ ኣብ ምስናድን ፖለቲካዊ ትርጉም ኣብ ምእላምን፡ ምቅንባር ተጸሚዶም ከም ዝውዕሉ ዘተሓትት ኣይኮነን።

እዚ ግን ወዲሰብ ብፍትሒ እምበር ብፍርሒ ንዘልኣለም ስለ ዘይነብር፡ ከልዕሎን መልሲ ክረኽበሉ ዘለዎ ክሳብ መዓስ ከምዚ ዓይነት ጽንብል ዝብል ሕቶ ክህልዎ ግድን‘ዩ። እቲ መልሲ ከከም መለስቱ ዝፈላለ እኳ እንተኾነ፡ እታ ሓቀኛ መልሲ ግን ሓንቲ‘ያ። ንሳ ድማ ስርዓት ህግደፍ ሃገርን ህዝብን ለኪሙ ናይ ምጥፋእ ስርሐይ ኢሉ ተተሓሒዙዎ ምህላዉ ሃገር ንምድሓን ሓቢርካ ንድሕነታ ምቅላስን እያ።

እዚ መስርሕ‘ዚ ከኣ ንሓደ ካብቲ ሓደ ዝያዳ ስለ ዘይትብጽሖን፡ ኩሉ ደላይ ፍትሕን ኣፍቃር ህዝቡን ኤርትራዊ እንተላይቶም ብጥሙይ ከብዶም ንስርዓት ህግደፍ ዝሕልዉ ዘለዉ ውጹዓት ምክልኻል ኤርትራን፡ እቶም ምእንቲ ንእሽቶ ውልቃዊ ረብሓ ክብሉ 2% ዝኸፍሉ ኣብ ስደት ዝነብሩ ክጽመዱሉ ዘለዎም ጉዳይ እዩ።

ስርዓት ህግደፍ ሃገር ኣብ ምምራሕ ፈሺሉ እንከሎ፡ ን26 ዓመታት ኣብ ልዕሊ ህዝብና ሸይሸይ ዝብል ዘሎ፡ ድኽመትን ምብትታንን ደምበ ተቓውሞ ብዝፈጠረሉ ዕድል እምበር፡ ካብ ኩሎም ገዛእቲ ሓይልታት ስለ ዝሓየለ ኣይኮነን። ስለዚ ክብርን መሰልን ሃገርና ኣብ ንቡር ክምለስ ዝፈረሰ ህንጻታት ክሕደስ ፡ ዝሓዘነ ወላዲ ክድበስ፡ ዝቓደረ ግራሁና ክሕረስ፡ ኣብ ሃገረ ባዕዲ ዝነብር ህዝብና ንዓዱ ክምለስ፡ እዚ ኣረሜናዊ ስርዓት‘ዚ ሱሩ መሰረቱ ይመንቈስ።

እዚ ከኣ ኩሉ ትሕቲ ሃገራዊ ኣረኣእያ ኣወጊድካን ኣመሓዲርካን ሃገር ኣብ ቀዳማይ ቦታ ሰሪዕካ፡ ብሓባር ካብ ምቅላስ ዝሓሸ ኣማራጺ የለን። ሓቢርናን ከቢርናን እንነብረላ ሃገር ብሓባር ከነድሕና ስለ ዝግባእ፡ ሎሚ ኣብ ዝግበር መበል 26 ዓመት ጽንብል ነጻነት ሃገርና ንምድሓን መብጽዓና እነሐድሰላ‘ምበር ኣብ ዳስ ህግደፍ እንቈጻጸየሉ ወይ ድማ ተስፋ ቆሪጽና ምዕጉርትና ሒዝና እንትክዘሉ እዋን ከም ዘይኮነ ክንርዳእ ይግባእ።

ዓወት ንፍትሓዊ ቃልስና

ውድቀት ንስርዓት ህግደፍን ዓንገልቱን

ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ዓንደጽዮን ግርማይ

ጀርመን

Last modified on Wednesday, 24 May 2017 14:31