ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ዓለም ካብ ውግእ ብዘይንእስ ኣስጋኢ ኮይኑ ዘሎ ድርቅን ንሱ ዘስዕቦ ጥሜትን ምዃኑ ብዝተፈላለዩ መጽናዕትታት ዝረጋገጽ ዘሎ እዩ። ነዚ ብዝምልከት ናብ ኣህጉርና ኣፍሪቃ ክንቋመት እንከለና፡ ብፍላይ እዚ ሃገርና እትርከበሉ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብኣብነት ዝጥቀስ እዩ። ካብኡ ናብኡ ሶማልያ፡ ደቡብ ሱዳንን ኬንያን ካብተን ኣብዚ ዝተጠቕሰ ዞባ ብሓያል ደርቅን ጥምየትን ተጠቒዐን ዘለዋ እየን። ኢትዮጵያ እውን ከባቢ 5 ሚልዮን ካብ ህዝባ በዚ ደርቂ ተጠቒዑ ከም ዘሎ ብወግዒ ኣፍሊጣ እያ። ናይዘን ዝጠቐስናየን ሃገራት ብደርቂ ምህሳይ ብዝተፈላለዩ ዓለም ለኻዊ ትካላትን ናይ ዜና ማዕከናትን ዝተቓለሐ ኮይኑ ናይቲ መቃልሕ መሰረት ድማ ናይተን ሃገራት መንግስታት ህይወት ህዝቦም ንምድሓን ዘካየድዎ ድህሰሳን ናብ ሕብረተሰብ ዓለም ዘቕረብዎ ናይ ህይወት ኣድሕን መጸዋዕታ እዩ።
ሃገርና ኤርትራ ኣብዚ ኣስታት 34-38 ሚልዮን ህዝቢ ብደርቂ ዝተጠቕዓሉ ቀርኒ ኣፍሪቃ እያ እትርከብ። ኤርትራ ካብተን ኣብ ከባቢኣ ዘለዋ ሃገራት ብዝያዳ ብደርቅን ጥሜትን ክትጥቃዕ ዝሰፈሐ ዕድል እንዳሃለዋ፡ እንተኾነ ብወገን መንግስቲ ህግደፍ ነዚ ብዝምልከት ዝተዋህበ መግለጺ የለን። ብኣንጻሩ እቲ ዝስማዕ ኤርትራ “ዋላ ሓንቲ ናይ ደርቅን ጥምየትን ስግኣት የብላን ዝብል ናይ ጃህራ ድምጺ እዩ። እዚ ክበሃል እንከሎ “ከመይ ገይራ ካብቲ ኣልማማ መጥቃዕቲ ኤልኒኖ ድሒና?፡ ኤርትራ ኣይኮነዶ ኤልኒኖ ተወሲኽዎ ብዓንተብኡ ጠልን ዝናብን ተዝርከብ እውን ናይ ምስራሕ ዓቕሚ ዘለዎ ሓይሊ ሰባ ተጸንቂቑ ኣብ ዝተሰደሉ ኩነታት ብጥምየት ዘይትጥቀዓሉ ተኣምር እንታይ እዩ?” ዝብሉ ሕቶታት ዘይተመለሱ እዮም። በቲ ካልእ ወገን ግና ሓባኢ ባህሪ እቲ ንኤርትራ ዝመርሕ ዘሎ ኣካል ንእንፈልጥ ወገናት እዚ ናይ ህግደፍ ኣተሓባባእ ሓድሽ ኣይኮነናን እዩ።
ኣብዚ እዋንዚ ብዛዕባቲ ስርዓት ህግደፍ ክሓብኦ ዝደሊ ኩነታት ደርቅን ጥሜትን ኣብ ኤርትራ፡ ዝተፈላለዩ ሓበሬታት ይወጹ ኣለዉ። ፍርቂ ስፍሓት ኤርትራ ብኤልኒኖ ከም ዝተጠቕዐን ከም ሳዕቤን ናይዚ ኣብ ኤርትራ ሓደገኛ ጥምየት ከም ዘሎን ዘቃልዑ ወገናት ብዙሓት እዮም። ከም መርኣያ ናይዚ ከኣ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዓመተ 2017፡ ኣስታት 22,700 ትሕቲ 5 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ንሓደገኛ ጥሜት ተቓሊዖም ከም ዘለዉ የረጋግጹ ኣለዉ። ካብቶም ምስክርነቶም ዝሃቡ ብጉዳይ ህጻናት ዝግደስ ዓለም ለኻዊ ትካል ዩነሰፍ ሓደ እዩ። መንግስቲ ኤርትራ ግና ነዚ’ውን ኣይቅበሎን እዩ። ካልእ ን17 ሃገራት ኣፍሪቃ ከም ኣብነት ወሲዱ ንህልዊ ኩነታት ጥሜት ብዝምልከት መጽናዕቲ ዘካየደ ሓደ ግዱስ ኣካል ከኣ ኣብ ኤርትራ 45, 000 ህጻናት ኣብ ከቢድ ናይ ጥሜት ሓደጋ ከም ዘለዉ ኣመልኪቱ ኣሎ። ካብዚ ሓሊፎም ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራ ካብ ሰለስተ ሰባት እቶም ክልተ ኣብ ሓደጋ ጥምየት ከም ዝለዉ ዝግለጸሉ ኩነታት ኣሎ። ኣብ ኤርትራ ሓደጋ ጥሜት ኣብ ምግዳድን ሓገዝ ኣብ ምዕጋትን ካብ ኤልኒኖ ብዘይንእስ እታ ሃገር ንሓበሬታ ዕጽውቲ ምዃና ዝጥቀስ እዩ። ብሲንኪ እዚ ናይ ሓበሬታ ማዕጾ ዕጽዊ ምዃኑ፡ ዓለም ለኻዊ ናይ ረዲአት ትካላት እቲ ጉዳይ ብግቡእ ተረዲኦም ሓገዝ ክልግሱ ከም ዝጽገሙ ይጠቕሱ ኣለዉ።
ኣብዚ እዋንዚ ብዛዕባ ኩነታት ኤርትራ ሓበሬታ ካብ ዝርከበሉ መንገድታት ሓደ እቶም ካብ ኤርትራ ዝውሕዙ ዘለዉ ስደተኛታት እዮም። ንሳቶም ከምቲ ኣብ ብዙሕ መዳያት ዝህብዎ ሓበሬታ፡ ኩነታት ጥሜትን ደርቅን ኣብ ኤርትራ ዝምልከት ዝህብዎ ሓበሬታ እውን፤ ካብቲ ናይ ዓለም ናይ ዜና ማዕከናትን ናይ ረዲአት ትካላትን ዝግምትዎን ዝስከፍዎን ዝኸፈአ እንተዘይኮይኑ ዝሓሸ ኣይኮነን። “ናትና ዓዲ ለቒቕካ ምውጻእከ ካልእ ኤልኒኖዶ ኣይኮነን እዩ” ዝብልዎ’ውን ኣለዉዎም። ሓቂ ከኣ እዮም። ዝናብን ጠልን ኣብ ዝሃለወሉ ውቕቲ እውን ካልእስ ይትረፍ ኣብ ቀብሪ ጉድጓድ ዝኹዕትን ኣስከሬን ዝጸውርን መንእሰይ ኣብ ዝሰኣነሉ ዓድታት ኤርትራ ጥምየት ክህሉ ናይ ግድን እዩ።
እምበኣር ኩነታት ደርቅን ጥምየትን ኤርትራ ካብቲ ናይ ካልእ ሃገራት ዝተፈልየ እዩ። ከምኡ ዝኾነሉ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ ዝሕባእ ምዃኑ እዩ። ከምቲ “ሓባእ ቁስሉስ ሓባእ ፈውሱ” ዝበሃል ዝተሓብአ ጸገም መፍትሒ ክርከቦ ኣጸጋሚ እዩ። ምናልባት ስርዓት ህግደፍ “ብሰንኪ ለውጢ ኩነታት ኣየር ሕጽረት መግቢ ኣጋጢሙና’ሞ ሓግዙና” ምባል ጸድፍን ቀላይን ይኾኖ ይኸውን። ቀንዲ ስግኣቱ ከኣ ህይወት ከድሕኑ ናብ ሃገር ዝኣትዉ ትካላት ነቲ ካልእ ገበናቱ ከይርእይሉ ይኸውን። ህዝቢ እንዳሃለቐ ማዕጾ ረጊጥካ ጸማም እዝኒ ምሃብ ተሓታትነት ኣብ ዘለዎ ምምሕዳር መሕተተ። እንተኾነ ስርዓት ኤርትራ “ተሓታትነት” ዝብል ኣምር ካብ መዝገቡ ስለ ዝተሓከ ብኸምኡ ክቕጽል እትጽበዮ እዩ። ስለዚ እቶም ናይ ህዝቢ ልሳን ክንከውን እንቃለስ ዘለና ወገናት ተቓውሞ ከምቲ ብዛዕባ ግህሰት ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት ድምጽና እነስምዕ፡ ኣብ ዝረኸብናዮ ኣጋጣሚ ሕብረተ-ሰብ ዓለም ዝኾነ ሜላ ተጠቒሙ ህጻናት ኤርትራ ብጥምየት ቅድሚ ምርጋፎም ከድሕኖም ኣውያትና ከነስምዕ ይግበኣና።
8 መጋቢት ዓለም ለኻዊት መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ ብተርድኦ ማሕበርና ጾታዊ ወጽዓ ደቂ ኣንስትዮ ንምውጋድ; ብሓፈሽኡ ማሕበራዊ ፍትሒ ንሙሉእ ሕብረተሰብ፡ ብፍላይ ድማ ደቂ-ኣንስትዮ ካብ ተባዕታዊ ጸብለልትነትን ትምክሕትን ንምውጻእ፡ የድሊ ኣስተምህሮታት ምሃብን ንምግላጽን ኮይኑ: ዕድመን ቦታን ዘይሓትት ምእንቲ ሰብኣዊ መሰልን ማሕበራዊ ማዕርነትን ንምርግጋጽ 8 መጋቢት ብጽንዓትን ሓድነትን ደቂ-ኣንስትዮ ደጊመን ንቓልሲ ዝልዓላላን መቃልስቲ መሐዙት ዘዕስላላን መዓልቲ እያ። መሓዙት ቃልሲ ደቂ ኣንስትዮ ክባሃል እንከሎ ከኣ: እቶም ንወጽዓታት ኣለልዮም ምእንቲ ማሕበራዊ ማዕርነትን፡ ሰላምን፡ ዴሞክራስን ክነግስ ኣብ ጎነን ደው ዝብሉ ኣካል ሕብረተሰብን ሐቢሮም እማመ ደቂ-ኣንስትዮ ዝዝትዩን ትልመን ዘጽንዑን እዮም።
እዚ ዝተጠቕሰ ርእይቶ መበገሲ ብምግባርን ብመሰረት 'ንመጻኢ ራእና ሓቢርና ንዘቲ' !! ዝብል ዝተገብረ ጻውዒትን ብዕለት 11.03.2017 ኣብ ፍራንክፎርት ዝኽሪ በዓል 8 መጋቢት ተገይሩ። ኣብቲ ዝኽሪ በዓል፡ ድሕሪ ናይ እንኻዕ ብድሓን መጻእክንን መጻእኩምን መግለጽን ምስጋናን፡ ማሕበር ናይቲ መዓልቲ መደባት ዝኽሪ 8 መጋቢት ከመይ ከምተሰርዔን ክበጽሖ ዝድለ ዘሎ ሽቶን ብምንጻር፡ ሎሚ ኩልኹም ስለእትግንዘብዎ ኣብ ታሪኻዊ ኣመጻጽኣ 8 መጋቢትን እንታይ ከምዝተፈጸመን ኣብ መግለጺ ምቅራብ ግዜና ከነባኽን ስለዘይግባኣና፡ ብቐጥታ ናብቲ ዝተታሕዘ መደብ ክእቶ ብኣደ-መንበር ማሕበር ንተሳተፍቲ ተሓቢሩ።
ድሕርዚ፡ ብመሪሕነት ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ስምረት ኤርትራውያን ንፍትሒ ማሕበር መንእሰያት ዘተዳለወ ናይ ክብሪ ዕምባባ ንተሳተፍቲ ደቂ-ኣንስትዮ ተዓዲሉ፡ ብዘይካዚ መንእሰያት 'ክብሪ ደቂ-ኣንስትዮ ከብርና እዩ፣ ወጽዓ ደቂ ኣንስትዮ ንምውጋድ ኣብ ዘካየድ ቃልሰ ዝለዓለ እጃምና ከነበርክት እና፡ ኣብ ማዕርነትን ተሳትፎን ደቂ-ኣንስትዮ ተሓተቲ ኢና' ዝብል ሞራላውን ናይ ቃልሲ ደልውነትን መግለጺ ኣቕሪቦም።
ቀጺሉ ኣብቲ በዓል ዝቀረበ ተግባራዊ መደብ፡ ተሳተፍቲ ብተገዳስነትን ኣስተብህሎን ኣብ ናይ ልዝብ ጠረጴዛ ጉጅለታት ተኸፋፊሎም፡ ነዘን ዝስዕባ ሰለስተ ሕቶታት ኣብ ምምላስ ዘለዎም ሓሳባትን ርእይቶን ጠርኒፎም ብጽሑፍ ንኸቕርቡ ተገሊጹ።
1. መሰረታዊ ሕቶ ደቂ-ኣንስቶ ኤርትራን ዘጋጥመን ብድሆታትን
2. መፍትሒ ሓሳባት ንዘሎ ሸግራት ምዝርዛር
3. ኣፈጻጽማ መፍትሒ ሓሳባት ኣብ ስራሕ ምትግበር፣
ነፍስ-ወክፍ ጉጀለ ንዝቐረበ ሕቶታት ብዕመቀት ንውሕ ዝበለ ግዜ ወሲዳ ብምዝታይ፡ ተሳተፍቲ ዘቕረብዎ መሰረታዊ ሽግራት ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ትማልን ሎምን መንዛሕታኡ ዝመሳሰል ኣካ^ኣንተነበረ ብዕምቆት ኣገላልጻኡ ግን ፍልልዝ ክነብሮ ግድን ስለዝነበረ፡ እቲ ልምዳዊ ፍልልይን ጸብለልትነትን ካብ ዋሕዲ ዕልልታ ከምዝጅምር ዝጠቐሰ ነይሩ። ገለ ካብቶም ኣገደስቲ መንቀሊ ወጽዓታት ንምጥቃስ ከኣ፡
1. ሕጽረት ትምህርቲ ኣብመላእ ሕብረተ ሰብ ኤርትራ ምህላዉ፡
2. ማሕበራውን ቁጠባውን ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ዝእግዱ ባህላውን ሃይማኖታውን ጸቕጥታት
3. ባህላውን ሃይማኖታውን ጉዳያት ደባሊቕካ ብምቕራብን ብምውሳብን መሳርሒ ድሑር ልምድታት ክትግልገለሎም ምድላይዕ
4. ኣብ ዝጸደቁ ህዝባዊ ሕግታት ብኩራት ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ምንባሮምን፡ ዝቆሙ ሕግታት ህዝቢ ዘይምፍላጡን ነቶም ጠቐምቲ ሕግታት ብግቡእ ኣብ ኣገልግሎት ዘይምዎኣሎምን፡
5. ብሰሪ ስደትን ውጽኢቱን ዘጋጥም ዘሎ ስነ ኣእምራዊ ጸገማትን ዘይምዱብ ወሊድን፡
6. ደምበ ተቓውሞ ንደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቃልሲ ዘሳትፍን ዘተባብዕን ኩንነታት ክፈጥር ዘምኽኣሉ
7. ፖለቲካዊ ምንቅስቓሳትን ቁጠባዊ ኣፍራይነትን ዕማም ደቂ-ተባዕትዮ ጥራሕ ጌርካ ስለዝውሰድ፡
8. ሓደ ንኩለን ደቂ ኣንስትዮ ክጥርንፍ ዝኽእል ወይ ብሓባር ክሰርሓሉ ዘኽእል ማሕበር ዘይምህላው
እዚኣቶምን ከምኡ ዝኣመሰሉ ብዙሓት ጠንቂ ሽግራት፡ ብሓደ ካብ ነፍሲ ወከፍ ናይ ልዝብ ጉጅለ ድሕሪ ምግላጽ፡ ንዝቐረቡ ፍሉይ ርእይቶታን ነቲ ዘሎ ጾታዊ ወጽዓታት ኣብ ምውጋድ ክግበር ዘለዎ ተግባራዊ ዕማማትን ድማ ብዝርዝር ተገሊጾም።

ዝቀረቡ ጠንቂ ወጽዓታት ደቂ ኣንስትዮን፡ መፍትሒ ሓሳባትን ኣገባብ ኣተገባብርኦምን ሓፈሻዊ እኻ^ዝኹኑ እምበር፡ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝገብራኦም ናይ ሓባር መጽናዕትታት ሓገዝቲ ክኾኑ ከምዝኽእሉ እውን ግምት ኣሎ። ኣብ መደምደምታ ናይ ሓባር ልዝብ ብርእይቶን ለበዋታትን ከምኡውን መተሓሳስቢ ጸኒዕካ ማዕርነታዊ ቃልሲ ደቂ-ኣንስትዮ ቀጻልነቱ ኣብ ምርግጋጽን ብሐድነት ኩለን ውጹዓት ከምዝዕወት ምእማን ዝብል ኣገዳሲ ሓሳብ ብምቕራብ'ዩ ዝኽሪ 8 መጋቢት 2017 ተፈጺሙ።
ንመሰልና ባዕልና!!!
ሓደ ፖለቲካዊ ሰልፊ ክምስረት እንከሎ፥ እቶም ነቲ ፖለቲካዊ ሰልፊ ንምምስራት ዕግበት ዘለዎምን፥ ብዝኣምኑሉ ዕላማን ዝገዝኦም ሕግታትን ተሰማሚዖም እዮም ዘቑሙዎ። እዚ ዝቐውም ሰልፊ ንህዝቢ ዝውክል ኣይኮነን። እዚ ሰልፊ ነቶም ዘቘምዎ ሰባት ጥራሕ እዩ ዝውክል። ኣብ ውሽጡ ከመይ ይካየድ ብኸመይከ ዕላምኡ ናብ ህዝቢ የቕርብ ንኣኡ ዝምልከት እዩ። ህዝቢ ከኣ እንተደልዩ ይቕበሎ እንተዘይደልዩ ከኣ ናብ ካልእ ዘርበሖ ሰልፊ ከዘንብል ይኽእል።
ሰልፍታት ንህዝቢ ዝውክላ እቲ ህዝቢ ኣብ ስልጣን ንኽመጻ ምስ መረጸን እዩ። ሰልፍታት ብተናጸል ድዩ ብሓባር ከከም እቲ ቅዋም ዘፍቅዶ ስልጣን ብህዝቢ ይወሃበን። ስለዚ ህዝባዊ ምርጫ ተኻይዱ፡ እቲ ናይ ቁጽጽርን ናይ ተሓታትነትን ኣብቲ መንግስታዊ ደረጃ ምስ በጽሓ እየን ናይ ህዝቢ ወከልቲ ዝኾና። ምኽንያቱ ነቲ ናይ ምምራሕ ስልጣን ዝጨበጠት ሰልፊ ወይ ዝጨበጣ ሰልፍታት ንርእይቶ ህዝቢ ኣብ ተግባር የውዕላዶ ኣለዋ ኣየውዕላን ህዝቢ ክቆጻጸረንን ክተሓሳሰበንን ናይ ግድን እዩ። እቲ ህዝቢ ነተን ሰልፍታት ክመርጸን ከሎ፥ ነቲ ንሱ ዝኣምነሉ ድሌትን ትርግታ ልቡን ኣብ ተግባር የውዕላን ኣየውዕላን ክቆጻጸረንን ካብ ስልጣን ከውርደንን ናቱ ሓላፍነት ስለዝኾነ። ብሓፈሻኡ ኣብ መንጎ ስልጣን ዝሓዘን ስልጣን ዘይሓዘን ሰልፍታት ፍልልይ ከምዘሎ ክንርዳእ ኣሎና።
ኣብ ስልጣን ዘየለዋ ሰልፍታት ግና ተሓታትነተን ናብቲ ኣባለን እምበር ናብ ደገ ኣይኮነን። ምኽንያቱ እቲ ኣባል ዘይኮነ በየናይ ሕጊ ነቲ ብኣካል ዘይሳተፈሉን ዘየገልግሎን ከምኡ እውን ዘየለወሉ ሰልፊ እዝን እትን ገርካ ወይ እውን ኣይገበርካን ኢሉ መስመር ከትሕዞ ወይ ክከላኸለሉ ክኽእል። እቲ ወጻኢ ካብ ሰልፍታት ዘሎ ህዝቢ ባዕሉ ነቲ እዚ ሰልፊ እዚ ናተይ ርእይቶን ድሌትን ይውክለኒ ኢሉ ምስ ዝዓግብ ነቲ ሰልፊ ብተግባር ክተሓባበሮን ክሕግዞን ኣብ ዝኽእለሉ ደረጃ ምስ በጽሐ ክቆጻጸርን ክሓትትን መሰል ዘለዎ።
ልክዕ እዩ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ዝለዓለ መሳርሒ ናይ ለውጥን መሰረት ናይ ዲሞክራስን ምዃነን ዝከሓድ ኣይኮነን። ነቲ ድሌታትን ሃንቀውታን ህዝቢ ንምምላእ ሓንሳብ ከም ተቓዋሚ ነቲ መንግስቲ ካብ ድሌታት ህዝቢ ወጻኢ ምስ ዝጎዓዝ ዝቃወማ እየን። ሓንሳብ ድማ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝበጽሓሉ ከኣ ነቲ ዝመረጸን ህዝቢ ወኪለን በቲ ህዝቢ ዘጽደቖ ቅዋም ተኸቲለን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽርን ተሓታትነትን ህዝቢ ክኾና ናይ ግድን እዩ።
እዘን ሰልፍታት ዝኽተልኦ መንገዲ ንዲሞክራሲያዊ መስርሕ ዘደንፍዓን፥ ኣብ ህዝቢ ኣፍልጦ ዲሞክራሲ ንኽስፋፋሕ ዝቃለሳን ክኾና ከምዝግበአን ርዱእ እዩ። ዲሞክራሲያውነተን ከኣ በቶም ኣባላተንን ኣብ ዝኾነ ይኹን ኣጋጣሚ ዝሕግዝወንን ዝድግፍወንን፥ ወገናት እምበር ብደገ ዘሎ ሓንቲ እጃም ዘየበርከተለን ኣካል ክሓተንን ክቆጻጸረንን ኣይክእልን እዩ። እዚ ማለት እቶም ዝሕግዙ ይኹኑ ወጻኢ ካብቲ ሰልፊ ዘለዉ ኣካላት ብዛዕባ ዕላማአንን ዝኽተልኦ መስመርን ግን ኣይሓቱን ማለት ኣይኮነን። ክጽንበርወን እንተኾይኖም ከመይነት ኣካይደአንን ዕላማአንን ምስ ፈለጡ እዮም ወይ ክጽንበሩ ወይ ከኣ ከይጽንበሩ ክውስኑ ዝኽእሉ።
እምበኣር ሰልፍታት ንዜጋታት ምስ መንግስቲ ዘራኽባን ንድሌታት ህዝቢ ከም ተጣበቕቲ ኮይነን ንወጽዓ ህዝቢ ዝከላኸላ እየን። መንእሰያት ብርግጽ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ዝሕለቑ ኮይኖም ኣብተን ሰልፍታት ኣትዮም ክሳተፉን ክነጥፉን ይግባእ። ምኽንያቱ ዜጋታት ኣብ ሰልፍታት ምስ ዝጽንበሩን ፖለቲካዊ ተሳትፎኦም ምስ ዘረጋግጹን እተን ሰልፍታት ክድንፍዓ፡ ክንቀሳቐሳን ክጸልዋን ይኽእላ። ይኹን እምበር ገለ እተን ሰልፍታት ነቶም መንእሰያት ኣብ ውሽጢ ኣቲኹም ክትቃለሱ ኣሎኩም ምባለን ከም ግጉይ ኣገባብ ገይሮም ብምውሳድ መንእሰያት ዘደናግሩ ጨለታት ኣለዉ። መንእሰያት ኣብ ሰልፍታት ኣትዮም ኣብ ፖለቲካዊ መስርሕ ተሳቲፎም ተመኩሮ ክድልቡን ኣብ ዲሞክራሲያዊ መስርሕ ክጽመዱን ኣብ ክንዲ ዘተባብዕዎም ካብ ሰልፍታት ንኽርሕቁ ዝገበርዎ ጐስጓስ ግን ጸረ ዲሞክራሲ ምዃኑ ብሩህ እዩ። ምኽንያቱ መንእሰያት ፖለቲካዊ ተሳታፍነት እንተዘይሃልይዎም ንናይ ሓንቲ ሃገር ዕቤትን ቀጻልነትን ዕንቅፋት ከም ዝኸውን ምግንዛብ ስለ ዘድሊ። እቶም ንመንእሰያት ኣብ ሰልፍታት ኣይትሳተፉ ኢሎም ዝጉስጉሱሉ ምኽንያት ክህልዎም ይኽእል እዩ። ሎሚ ነቲ ዕረ ብመዓር ሸፊኖም ብጥዑም ቃላት ሰቢኾም ጽባሕ ንዑ ኣብዚ ናትና ደምበ እተዉ ምባሎም ዘይተርፎም ምዃኑ ምስትብሃል ኣገዳሲ እዩ። ስለዚ መንእስያት ብምቁር ቃላት ጥራይ ከይተመሰጥኩም፡ ነቲ ዝበሃል ኣኮማሲዕኩም ክተስተብህልሉ የድሊ። መንእሰያት ንገዛእ ርእሶም ዲሞክራሲያዊ ኣተሓሳስባ ክፈልጡን ከምሃሩን ከምኡ እውን ኣብ ፖለቲካ ሃገሮም ክሳተፉን እንተዘይክኢሎም ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብ ዲሞክራሲያዊ ኣመላኻኽታ ክሰርጽን ክዓኩኽን ኣይክእልን እዩ። ንሳቶም’ውን ትውልዳዊ ሓላፍነቶም ክፍጽሙ ኣይክእሉን እዮም።
ስለዚ ኩሉ ዜጋ ዝያዳ ድማ መንእሰያት ንዲሞክራሲ ኣብ ተግባር ከውዕሉን ብኡ መሰረት ኣተሓሳስባኦም ከማዕብሉን፥ ኣብ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ይኹን ሲቪል ማሕበራት ክሳተፉ ግድን’ዩ። እቲ ኣብ ሲቪል ኮይኑ ክዋሳእ ዝደሊ ኣብ ስልጣን ዘይቆራቖስ ወገን ነተን ሰልፍታት ዝሕግዝ ዲሞክራሲያዊ ራኢ ከስፋሕፍሕ ይጽዕር። እቲ ኣብ ሰልፍታት ዝሳተፍ ከኣ ነቲ ዲሞክራሲያዊ ክብርታት ሒዙ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝመጸሉ ነቲ እተን ሲቪል ማሕበራት ዝእምተኦ ኣብ ግብሪ ከውዕል ክበቅዕ ተመኩሮ ደሊቡ ነብሱ ከዳልውን ይግበኦ።
ደቀ ኣንስትዮ ዓለም ተጠርኒፈን ኣንጻር ኩሉ ኣብ ልዕሊአን ዝፍጸም ወጽዓን ድሕረትን ወጊደን ክብርን ማዕርነትን ንምርግጋጽ ቃልሲ ዝጀመራሉ መበል 107 ዓመት ንምዓብል ይቀራረባ ምህላወን ንዕዘብ ኣሎና። እዚ ብሑዳት ነብሰ ተኣማንነት ዝውንና ተብዓት ተበጊሱ ኩለን ደቀኣንስትዮ ዓለም ዝዓሰልኦ ማዕበል ቃልሲ፡ ምሉእ ብምሉእ ተዓዊቱ እኳ እንተዘይተባህለ፡ ኣብተን ብቅዋምን ዲሞክራስን ዝመሓደራ ሃገራት ዓለምና ግን ሰጓሚ ውጽኢት ኣመዝጊቡ እዩ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ካብ ንሓደ ዓይነት ስራሕ ሓደ ደረጃ ደሞወዝ ሓሊፈን ክሳብ ሃገር ንምምራሕ ተወዳዲረን ስዒረንስ፡ ኣብ ስልጣን በጺሐን መሰለንን መሰል ዝመርሕኦ ህዝበን ኣብ ምሕላው ጥራሕ ከይተሓጽራ መሰልን ክብርን ናይ ካልኦት ኣብ ትሕቲ ጨቖንቲ መራሕቲ ሃገራት ዝግበር ግፍዒ ከብቅዕ ክጣበቓ ንርእን ንሰዕምን ኣለና።
እዚ መስርሕ ቃልስዚ ምስ መስርሕ ቃልስን ኣስተዋጽኦን ኤርትራውያን ክመዛዘን ከሎ፡ ዓለምለኻዊ ማሕበር ደቀ ኣንስትዮ ሰላም ኣብ ዝነገሶን ብፍትሒ ኣብ ዝመሓደራን ሃገራት ይካየድ ብምንባሩ፡ ጽሩይ ማይን መግብን እናረኸባ ኣብ ትሕቲ ውሑስ ህይወት እናነበራ ብውሑድ መስዋእትን ስቓይን ከም ዘካየድኦ ንምርድኡ ኣይጸግምን። ደቀኣንስትዮ ኤርትራ ግን፡ ኣንጻር ኣብ ልዕሊአን ዝፍጸም በደልን፡ ተባዕታዊ ትምክሕትን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ኣንጻር ባዕዳውያን ስርዓታት፡ ምእንቲ ፍትሕን ዝተነፍገ መሰለንን መሰል ህዝበን ንምምላስ ምስ ኣሕዋተን ደቂ ተባዕትዮ፡ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ብምስላፍ ተኣምር ሰሪሐን ክቡር መስዋእቲ ከፊለን ናጽነት ዘረጋገጻን ማዕርነተን ብግብሪ ዘመስከራ ጀጋኑ እዬን።
እዘን ብዋጋ ክቡር መስዋእተን ኣብ ዝተረኸበት ሓዳስ ሃገር፡ ጌና ደሮና እግረን ከይነገፋ ነቲ ኣሚነን ኣነ ክስዋእ ንስኻ ጽናሕ እናበላ ዝተቓለሳሉ ረዚን ዕላማ ስሒቱ መንገዲ ጥፍኣት ክመርጽ ከሎ ዓገብ ዘይምባለን፡ ንዝፈልጠንስ ይትረፍ ብወረ ንዝከታተል‘ውን ክርድኦ ኣይክእልን እዩ። ብርግጽ ኤርትራ ከም መብዛሕትኡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ህ.ግ.ሓ.ኤ. መጠኑ ዝሓለፈ እምነት ስለ ዝነበረን፡ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጥልመትን ክሕደትን ክኣቱ‘ዩ ኢለን ከይግምታ ይኽእላ እየን።ድሕሪ ቅንጸላ ስንኩልላን ማይ ሓባር ግን ፡እቲ ስርዓት ክሳብ ክንደይ ከም ዝሸፈተን፡ ሃ ናጽን ተባልሓትን ውዑይ ዓቕሚ ኤርትራያን መንእሰያት በታቲኑ ሃርጋፍ ድሌት ስልጣኑ ንምዕቃብ ጥራሕ ከም ዝመረጸ መዝገብ ቃላት ዘየድልዮ ንጹር ጉዳይ ምኻኑ ከመይ ይስወረን ይስወሮም?
እዚ መልእኽትዚ ድሕሪ ሕጂ ኣብዛ ኣነ ዝመርሓ ብሕታዊት ርስቲ ዝሓትትስ ይትረፍ ህንጥሾ ዝብልውን ንኣካለ ስንኩላን ዝረኸበት ዕጫ እያ ትረኽቦ ዝብል ኣረመናውን ፍጹም ዘየናሕስን ባህርያቱ ዝገልጽ ምዃኑ ዘይምርዳእከ ዕሽነት ዶ ንበሎ ጽላለ? እዚ ሎሚ ድሕሪ ርብዒ ዘመን ናጽነትና እንረኽቦ ዘለና መዋድድርቲ ዘይብሉ ሕሰምን ስቓይን እምበኣር ደም ስንኩላን ክፈስስ ሕድሪ ስዉኣትና ክጥለም ከሎ ዓገብ ብዘይምባልና፡ ኣውያቶም ሰማእታት ሰማይ ዓሪጉ ናይ ዝወረደ ሓጥያት ውጽኢት ስቕታና እንረኽቦ ዘሎና ኣደራዕ ምዃኑ ሓሞት ሓርማዝ እናጥዓመና ክንውሕጦ ዝግብኣና ጉዳይ እዩ።
ሕጅኸ ሕድሪ ኣቦታቶም ተቐቢሎም ሃገር ክሃንጹ ዝኽእሉ ልዑል ዓቕምን ብልሕን ዝውንኑ ደቃ ተስፋ ቆሪጾም ብምስዳድ ኣብ ባሕርን ምድረበዳን ዝጠፍኡላ፡ ናጽነት ንምርግጋጽ መዘና ኣልቦ ታሪኽ ዝሰርሑ ጀጋኑ ብዘይፍትሒ ተሸሪቦም ኣብ ዝሳቐዩላ ሓዳረን ደቀን ብለይቲ ተመንጢሎም ድሃይ ብዘይምርካበን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ስድራቤት መሪር ሓዘንን ራዕድን ዝገናዘየላ ዘሎ እዋን ትበዓል ዘላ መዓልቲ ደቀኣንስትዮ፡ ብወገን ኤርትራውያን ደቀኣንስትዮ ደገፍቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ እንታይ ኮን ክብሃል ይኸውን? ክሒድኩም ኣኽሒድኩምና ጠሊምኩም ኣጥሊምኩምና ይኣክል ብዘይካሎም ኣይትበለጽ ብዓል ዓቢ መስፈር ኢለን ዶ ህዝበን ክኽሕሳን ሕሉፍ ጅግንነተን ዳግም ብምሕዳስ፡ ምስዘን ካብ ጽባሕ ናጽነት ጀሚረን ፍትሒ ጐደለ ህዝቢ ተበደለ ኢለን፡ ኣብ ክንዲ ውጹዕ ወገነን ደው ኢለን ዝጣበቓ ዘለዋ ኣባላት ደልይቲ ፍትሒ ኣሓተን ተጸምቢረን፡ ነዚ ጠላም ስርዓት ኣልጊሰን ፍትሓዊ ምሕደራ ኣብ ምርጋግጽ ንቃልሲ ይውስና? ወይስ ከም ቀደመን ነቲ ኣብ እዋን ቃልሲ ዝፈጸምኦ ጅግንነት እናኣኮማሰዓ መኣዝነን ስሒተን፡ ህዝበን እናተበደለ ኣብ ዳስ ጥፍኣት ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ የጣቕዓን የዳኽራን?
ብወገነይ "ዓሻስ ሓንዳይ ክሳብ ዝውዳእ ገበጣ ይጻወት" ንዝብል ምስላ ኣቦታት ኣስተብሂለ፡ ምስዚ ብመራኩስ ስለላ ዝንቀሳቐስ ዘሎ ስርዓት ክሳብ ግብኣተ መሬት ኣብ ክንዲ ምኻድ ምስ ውጹዕ ህዝበን ወጊነን ኣንጻር ጭቈና ክቃለሳ እመኽር። ነዚ ሰናይ ምኽር‘ዚ ጸማም እዝኒ ሂበን ምስኡ ጥፍኣትና ምስኡ ልምዓትና ዝብላ እንተዀይነን ከኣ፡ ዝሓለፈ ቅያ ጅግንነተን ብርኳን ሓጺበን፡ ብዝመጽእ ወለዶ ናይ ገበን ተሓተትቲ ምዃነን ክንገረን እዋኑ እዩ።
እንተ ፍትሓዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ግን፡ በተን ንጉዳይና ኣሎናሉ ባዕልና ዝብላ ጀጋኑ ወከልቲ ውጹዓት ማሕበር ደቀኣንስትዮ ምስ ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ኰይነን ንስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ካብ ሱሩ በንቊረን ብምዕናው፡ ኣብ ቦትኡ ህዝቢ ዝማእከሉ ብቕዋም ትመሓደር ሃገር ብምርግጋጽ፡ ነዚ ገበነኛ ስርዓት ኣብ ፍርዲ ዘቕርቡሉ እዋን ርሑቕ ኣይኮነን።
ምስ ደይልቲ ፍትሒ ተብግሶ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ንቕድሚት ክሳብ ዓወት
ዓንደጽዮን ግርማይ
ጀርመን
ህጹጽ ጻውዒት ንኹሉ ተቓላሳይ ንፍትሕን ደሞክራስን ተንስእ ተሇዓል ህዝብኻን ሃገርካን ንምዴሓን
Saturday, 04 March 2017 22:20 Written by ማሕበር ምጥርናፍ ኤርትራውያን ኣምስተርዲምን ከባቢኣንህዝቢ ኤርትራ ብብዙሕ መልክዕ ዝግለጽ ብዙሑነት ዝነበሮን ዘለዎን ህዝቢ እዩ። ሃይማኖቱ ከኣ ካብቲ መርኣያ ብዙሕነቱ ሓደ’ዩ። ጉዳይ ሃገርን ህዝብን ክለዓል እንከሎ እዚ ብዙሕነት ዝወለዶ ናይ “እዚ መንገዲዚ’ባ ይሓይሽ” ፍልልይ ክንጸባረቕ ባህርያዊ እዩ። እዚ ተሓቚኑ ምስ ጸዓየ ግና ሓይልን ዓቕምን እዩ ዝወልድ። ህዝቢ ኤርትራ ኣስላማዩ ክርስትያኑ እውን ኣብ ክሉ መድረኽን ኣጋጣምን ካብ ኣብ መሰረታዊ ዘይኮነ ንኡስ ሓሳባት ምፍልላይ ሓሊፉ፡ ሓዲኡ ነቲ ሓደ ኣግሊሉ ጉዳይ ኤርትራ “ናይ በይነይ ጉዳይ’ዩ” ኢሉ ኣይፈልጥን እዩ። ካብዚ ዝነቐለ ከኣ እዩ፥ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ መተካእታ ዘይነበሮ መሰሉ ንምምላስ ካልእ ካብኡ ዝፈኾሰ መንገዲ ስለ ዘይነበሮ ልዕሊ ፍርቂ ክፍለ-ዘመን ክቡር ህይወት ዝገበረ። ቃልሲ መሪርን ክንዲ ህይወት ዝኣክል ክቡር ዋጋን ንብረትን ዘኽፍል እዩ።
ኣብዚ ልዕሊ ፍርቂ ክፍለ ዘመን ዝወሰደ ቃልሲ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ብሓባር ተቓሊሱ። እዚ ድማ ኩሉ ነቲ ወጽዓ “ኣብ ልዕሊ ኩልና ዝተጻዕነ ኣርዑት እዩ” ኢሉ ይኣምነሉ ከም ዝነበረ ዘመልክት እዩ። ኤርትራዊ ናብ ቃልሲ ክስለፍ እንከሎ ናብኡ ዘሰልፎ ስሕበት እቲ ዝዕዘቦ ዝነበረ ወጽዓን ዘማዕድዎ ዝነበረ ናጽነትን እምበር፡ መሓመድ ድዩ ገብረግዝኣብሄር ናይቶም ቅድሚኡ ኣብቲ ቃልሲ ዝነበሩ ፍሩያት ስምን ዝናን ኣይነበረን። ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ’ቲ በረታዊ ምንቅስቓስ ክጅምር እንከሎ፡ በቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ናይ ብዙሓት ወጻእተኛታት ዘራጊ ዕግርግርን ምትእትታውን ዝተጸልወ ምንባሩ ዝከሓድ ኣይኮነን። ብሰንኪ እዚ ጽልዋ’ዚ ከኣ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተወሰኑ ክውግኖም ዝነበሮ ከይወገነ ዝተበገሰ ምንባሩ ከም ኣካል ታሪኽ ቃልስና ቦታኡ ዝሓዘ እምበር እናሻዕ ሓድሽ መዋጸኦ ሓሳብ ምምጻእ ክኣብየካ እንከሎ እናጠወቕካ እትውለዖ መፈራርሒ ኣይኮነን። እዚ ከኣ ኣባና ከም ብርቂ ዝውሰድ ዘይኮነስ ኣብ ዝኾነ ከም ናትና ተመኩሮ ዘለዎ ቃልስታት ዘጋጥም እዩ።
ከምቲ “ ንቆልዓ ምፍታው ምስ ንፋጡ” ዝበሃል ንኤርትራ ምፍታዋን “ኣለኹልኪ” ምባላን ምስ ኩሉ ናይ ብዙሕነታ መልክዕን ግርማን እምበር ባህ ዘዝበለካ እንዳቆንጠርካ ኣይኮነን። ኣብቲ ዝሓልፈ ኮነ ኣብዚ ነካይዶ ዘለና ሓርነታዊ ቃልሲ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብዙሓት ዘከራኽሩ መፈላልይ ነጥብታት ኮይኖም ዝቐርቡን ጉዳያት ኣለዉ። እነኾነ ከምዚ ዓይነት ንኡስ ፍልልያት ብዙሕነትና ክሳብ ዘኽበርና ዘይፍለዩናን ግና ድማ ብሓባር ከይንጐዓዝ ዘይዕንቅፉናን እዮም። እቲ ቀንዲ ማእከል ናይቲ ምስሕሓብ ምዕቃብን ዘይምዕቃብ ሓድነትን ህላወን ኤርትራ እዩ። ሓድነት ምዕቃብ ማለት ዝርዝራዊ ትሕዝቶ ዘለዎ ኮይኑ፡ ንብዙሕነት መፈላለይ ዘይኮነስ፡ መልክዕን ዓቕምን ከም ዝኸውን ጌርካ ከተመሓድሮ ምኽኣል እዩ። ብፍላይ ጀኦግራፊያዊ ኣቀማምጣን ሃይማኖታዊ እምነትን ኤርትራውያን ብቐሊሉ ክምዝመዝ ዝኽእል እዩ ብዝብል ዝተፈላለዩ “ረብሓና ኣብ ምብታን ሓድነት ኤርትራ እዩ” ኢሎም ዝግምቱ ዝነበርኑን ዘለዉን ናይ ግዳምን ናይ ውሽጥን ሓይልታት ክጥቀምሉ ፈቲኖም እዮም። ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልስና ከም ኣብነት ናይዚ ዘይቅዱስ ሕልና፡ ጀብሃ ናይ ኣስላም ሻዕብያ ድማ ናይ ክርስቲያን ኣምሲሎም ንምቕራብ ዝፈተኑ ግና ዘይተዓወቱ ወገናት ተራእዮም እዮም። ዝገደፍዎ ስንብራት ግና ቀሊል ኣይነበረን።
ሎሚ እውን ጉዳይ ኤርትራ ክለዓል እንከሎ ዝለዓል ዘሻቕል ጉዳይ ሓድነታ እዩ። ሕቶ ሓድነት ኣብ ኤርትራ ካብ ሕቶ ህክልውና ተፈልዩ ስለ ዘይረአ። ኣገባቡ ብዝየገድስ ንሓድነት ኤርትራ ኣብ ዋጋዕዳጋ ዘውርድ፡ ሳዕቤኑ ኣዕናዊ ክነሱ ብዓቕሊ ጽበትን ንቕድሚት ዘሰጉም ሓድሽ ሓሳብ ክትፈጥር ብዘይምኽኣልን ዝተጠቖዑ ገለ ወገናት ጉዳይ ኤርትራ ሓደ ጭላፍ ካብቲ ብዙሕነታ ቆንጢርካ ዝፍታሕ ስለዝመስሎም ከዕለብጡ ይረኣዩ ኣለዉ። በዚ ምኽንያት ከኣ ገሊኦም ኩሉቲ ሓጥያት ናብ መታሕትን ኣስላምን ኣላጊቦም፡ ንከበሳን ክርስቲያንን ጐብለል ገይሮም ከቕርቡ ይህቅኑ። በቲ ካልእ ናይ ዓቕሊ ጽበት ኣቕጣጫ ድማ ንኹሉቲ ኣብ ኤርትራ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ እሾኽ መርገም ከበሳን ክርስቲያንን ዘምጽእዎ ኣምሲሎም ብምቕራብ ጉዳይ ኤርትራ ጉዳይ ኣስላም ኣምሲሎም ከቕርብዎ ይፍትኑ። እሞ ከኣ ነዚ ሩባ ዘየሳግር ኣተሓሳስባኦም ከም ውርሻ ናብ መንእሰያት ከመሓላልፍዎ ይፍትኑ። እዚ ልግብጋብ ኣቀማምጣዚ ነታ ክቡር ዋጋ ዝተኸፍላ ኤርትራ ከቶ ዝውክል ኣይኮነን።
ተቓላሳይ ብተመኩሮ እንዳበሰለ ብዕድመ ድማ እንዳደፈአ ክኸይድ እንከሎ፡ ኣይኮነንዶ ዘይነበረን ዘይተገብረን ምሂዙ ምቕራብ፡ ነቲ ዝነበረን ዝተሰግረን ድኽመት ኣሕዲሱ ከቕርቦ እንከሎ እውን ንመጻኢ ስለ ዘይሕግዝ ኣየምሕረሉን እዩ። ንሱ ክገብሮ ዝግበኦ ብኸመይ እቲ ዝትከኦ ወለዶ ሓቢሩ ነቲ ቃልሲ ከም ዘቐጽሎ እምበር፡ ተተፋኒኑ በበይኑ ከም ዝወፍር ንምግባር ኣይኮነን። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ናይ “ኣቦይ” መዓርግ ዝለበሱ ኣቶ ሃብተማርያም ኣብርሃ ኣብ መርበብ ኣሰና ዝሃብዎ መጻኢ ዘጸልምት ጸውዒት ናይዚ ኣብነት እዩ። ኣብዚ ዘለናዮ ኤርትራዊ ኩነታት ናይ ቃልሲ ተመኩሮ ኣለኒ ዝብል፡ ደቂ ክልቲኡ ሃይማኖት ኣብ ሓደ ጉድጓድ ክቕበሩ እንከልዉ ዝወዓለ ባእታን “ህዝቢ ከገልግልን ክምህርን እየ” ምስ ዝብል ሚዲያ ተሓጋጊዙ ሕንኩ ጠቕሊሉ “ነኣስላም ንግደፎም ንሕና ከበሳን ክርስትያንን ንቐጽል” ዝብል መጸዋዕታ ምስማዕ ዘስደምምን ከክንድቲ በሃሊኡ ዘሕፍርን እዩ። እዚ እቶም ኣስላም በይኖም ዝጉህይሉ እቶም ክርስትያን ከኣ ዝሕጐስሉ ዘይኮነ ኩልና ኤርትራውያን ኣስላማይ ክስታናይ ደቂ ቆላ ደጋ ብሓባር ከነወግዞ ዝግበኣና መሰረታዊ ጉዳይ እዩ።
ምስ ኢትዮጵያ ኮነ ምስ ካለኦት ጐረባብትና ዝምድና ምምስራት ኣድላይ ምዃኑ ውሁብ እዩ። እንተኾነ ግና እቲ ንፈጥሮ ዝምድና ብዋጋ ናይ ህልውናና ከም ኤርትራ ዋሕስ ዝኾነ ሓድነትና ኣይኮነን። ስጋ እንተተቖጺሩን ባህሊ እንተተጸኒዑን ገሌና ምስ ኢትዮጵያ ገሌና ድማ ምስ ሱዳን ዝያዳ ጥቡቕ ዝምድና ከም ዝህልወና ፍሉጥ እዩ። ንሕና ኤርትራውያን ኣብ ሕድሕድና ከኣ ብዓብይኡ ሓደ ዜጋን ደቂ ሓንቲ ለዋህ፡ ተባዕን ሃብታምን መሬት ኢና። እቶም ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮም “ኣቦይ” “ኤርትራ ናይ ከበሳን ክርስትያንን እያ” ምባሎም ጥራይ ዘይኮነ ነተን ከበሳ ዝበልወን ኣውራጃታት ንዘይምትእምማን ፈይ ዘበልዎ መርዚ’ውን ቀሊል ግምት ዝወሃቦ ኣይኮነን። “ናይ ሎሚ ገደደ ሰያብ ዝዓበደ” ማለት ከምዚ እዩ። እቶም እንዛመዶም’ውን ካብ ኤርትራ ሓደ ጭላፍ ሒዝና ጢልጢል ክንብል እንከላና ይዕዘቡና እዮም። ንሳቶም እውን ምሳና ክዛመዱ እንከለዉ ብዋጋ ናቶም ሓድነት ኣይኮነን። ብኸምዚ ናይ ኣቦይ ሃብተማርያም ኣብርሃ መጸዋዕታ ሓድነታ ዝፈረሰት ኤርትራ ንሰላሞም’ውን ሓደገኛ ከም ዝኸውን ከኣ ኣይስሕትዎን እዮም ዝብል ግምት ኣለኒ።
ካለኣይን መወዳእታን ክፋል
ኣብ ቀዳማይ ክፋል ናይዚ ካለኣይ ክፋሉ ዘቕቦ ዘለኹ ጽሑፍ “ካብዚ ብምንቃል ከኣ ናብ ስልጣን ክሰግር ዝደሊ ይኹን ዘይደሊ ኣብ መስርሕ እናተነጸረ ይጎዓዝ። በዚ ኣቢሉ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ወሪድዎ ዘሎ ከቢድ ቅልውላው ምስቲ ደንበ ተቓውሞ ኢድን ጓንትን ኰይኑ ነዚ ቅልውላው ዘስዕቦ ሓደጋ ንምምካት ሓባራዊ መኸተን ኣንፈትን ክሕዝ ይኽእል።” ኣብ ዝብል እየ ኣቋሪጸነ ነይረ። መወዳእታ ክፍሉ ከኣ ይቕጽል። ሰናይ ንባብ።
እቲ ጽባሕ ዘጓንፈና ብድሆታት ካብቲ ሎሚ መላኺ ስርዓት ንምውዳቕ እንገብሮ ዘለና ቃልሲ ዝሓየለን ዝኸበደን እዩ ክኸውን። ምኽንያቱ እታ ሃገር ኣብ ትሕቲ ጨቋኒ ስርዓተ-ምሕደራ ስለዝጸነሐት፥ እቲ ህዝቢ ኣብ ነንሓድሕዱ ምትእምማን ዘይብሉን ኣብ ሕድሕዱ ከም ዝጠራጠርን ገይሩ ዝገዝኦ ዘሎ ህዝቢ ናብ ንቡር ህይወት ንምምላስ ከቢድ ቃልሲ ስለ ዝሓትት። ሎሚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ዝነበረ ውርዙይ ምክብባር ተፋሒቑ ሰናይ ልምዲ ተባሕጒጉ ኣብ ክንድኡ ተነፋፊግካን ተነጻጺግካን ምኻድ እዩ። ኣብ ርእሲ’ዚ ድኽነት ኣዝዩ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑ ውሑዳት ግና እታ ሃገር ናይ በይኖም ኰይና ትራእየሉ ዘላ ስለ ዝኾነ፡ ኩሉ’ዚ ተደማሚሩ ኣብ ከቢድ ናይ ሸቐልቐልን ቅልውላውን ዘጥሕል እዩ።
ነዚ ናይ ቅድምን ደሓርን ፖለቲካዊ ቅልውላዋት ንምፍዋስ ዝወስዶ ግዜ፡ ዝሓቶ ጻዕሪ፡ ጉልበትን ገንዘብን ከኣ ዝተዓጻጸፈ እዩ ክኸውን። እቲ ህዝቢ ቁጠባዊ ናጽነት ዘይነበሮን ንዓመታት መሰሉ ተገፊፉ ዝመሓደር ዝነበረ፥ ንለውጢ ድልዊ ክኸውን ከቢድ እዩ። እዚ ፖለቲካዊ ናጽነቱ ተሓሪሙ ሓሳቡ ክገልጽ ይኹን ተበዲለ ወይ ተገፊዐ ክብል ኣብ ዘይክእለሉ ህይወት ዝነበረ ህዝቢ፥ እቲ ስርዓት ምስ ኣልገሰ ቅጽበታዊ ፍታሕ ክደሊ ናይ ግድን እዩ። መሬቱ ተመንዚዑ፥ ኣብ ጥራሕ ጎልጎል ዝተደርበየ ህዝቢ ዝሓድሮ ስነ-ኣእምሮኣዊ መሃስይትን ስምብራትን ኣዝዩ ከቢድ ብምዃኑ ኣብ ምምስራት ሓድሽ መንግስቲ ብዙሕ ግርጭታት ክረአ ይኽእል’ዩ። ካብዚ ሓሊፉ ብሰንኪ እቲ መላኺ ስርዓት ንዲሞክራሲ ኣብ ተግባር ሰለ ዘይረኣዮ፥ መላኣ ህዝቢ ኣብ ዲሞክራሲያዊ መስርሕ ተዋሲኡ ተመኩሮ ስለዘይቀሰመ ነዚ ዲሞክራሲያዊ ባህሊ ኣብ ህዝቢ ንምስራጽ ዓብን ከቢድን ብደሆ ክኸውን እዩ።
ኣብ ኣጀማምራ ብረታዊ ገድልና ንኹሉ ጠርኒፉን ብዝተጸንዐን ኣይተበገሰን፡ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሜዳ ኤርትራ ካብ ሓደ ውድብ ንላዕሊ ክጻወር ኣይክእልን ኢላ፥ እንዳበልና ክሳብ ሕጂ ንሓሚ ኣሎና። እዚ ኩሉ እናሓመና ከኣ እቲ ብጉጉይ ኣጀማምራ ዝጀመረ ናይ 1991 ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ጥርኒፉ ከሳትፍ ኣይከኣልን። ኣብ’ዛ ሜዳ ኤርትራ ካብ ሓደ ውድብ ንላዕሊ ክጻወር ኣይክእልን’ዩ እናተባህለት ትሕመ ዝነበረት ኤርትራ፥ ንመንግስቲ ኤርትራ ብዘይካ እንኮ ውድብ ውድብ ዝሕዞ የለን ተባህለ። ብሰንኪ እዚ ከኣ ሓሸውየ ውድባት የለን፥ ንዓመታት ተቓሊሶም ዘይተዓውቱ ኣበይ ዝነበሩ እዮም ሕጂ ናይ ስልጣን ምክፋል ይኹን ምሽራኽ ዝደልዩ ብዝብል እንተላይ መሰረታዊ መሰል ህዝቢ ተገፈ።
ኣብ’ቲ ቅድም ልክዕ እዩ ኤርትራ ካብ ናይ ነዊሕ ጉበጣዊ ኩነት ናጻ ብምውጽኣ ህዝቢ ይኹን መሪሕነትን ሰራዊትን ናይቲ ናጽነት ዝተረከበ ውድብ ነዚ ናይ ኣሳታፍነት ጉዳይ እንተ ብፍላጥ ወይ ብዘይፍላጥ ኣይተገደስሉን። ነቶም ነዚ ዘይእክብ ኣገባብ ነቒፎም ኣብ ቃልሲ ንለውጢ ተሰሊፎም ዘለዉ ክብርን ምስጋናን ዝግበኦም እዩ። ካብዚ እንቐስሞ ተመኩሮ እምበኣር ነቲ ጽባሕ ንግሆ ንህዝብና ብዘይኣፈላላይን፥ ማዕርነት ብዝመልኦን ፍትሕን ስነ-ስርዓትን ናይ ምውሓስ ተኽእሎና ክዓቢ ቅድሚ ኩሉ ሃገራዊ ዘተ የድልየና። ነቲ ሃገረ ኤርትራ እትመሓደረሉ ኣገባብ ካብቲ ጨቋኒ ስርዓት ዝኽተሎ ዘሎ ዝተፈልየን ዘተኣማምንን ፍታሕ ምውሓስ ንሓና እዞም ደምበ ተቓውሞ ኣንውደኦ ዘይኮነ፡ ነዚ ስርዓት ምስ ኣውደቕና ምስ ህዝብና ኰይና እነጥርዮ እዩ ክኸውን።
ነዚ ሰርዓት እዚ ተቓሊስና ካብ ስልጣኑ ምስ ኣውረድናዮኸ ዝሓዘ ሓዘ ብምባል ዲና ሰዓርን-ተሳዓርን ወይ ናይ ተዓዋትን-ተዓዋትን መገዲ ኢና ክንክተል። ኣብዚ ጉዳይ እዚ እታ ኤርትራ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ብምዃና፥ ኣብ ነዚ ስርዓት እዚ ንምውዳቕ ዝተገብረ ቃልሲ ዝተሳተፈ ይኹን ዘይተሳተፈ ብማዕረ እትብጽሖ ምኹና ምእማን የድሊ። ከመይሲ እታ ኤርትራ ናይቲ ሰዓራይ ጥራሕ ስለዘይኮነት። ስለዚ ነዚ ሃገራዊ ራኢ እዚ ጽባሕ ንግሆ ኣበይ ዘነበረ ወይ ኣውን እዝን እትን ዝፈጸመ ኢልና ክነዋስን ይኹን ክነግልል ኣይግባእን።
ስለዚ ነቲ ምስሊ ሃገርና ዝድውንን ህዝብና ዘሳቕን ዘሎ ግጉይ ተመኩሮ ኣመሰራርታ መንግስትን ህዝባዊ ምሕደራን ደጊምና ንመጻኢ’ውን ዝሓሸ ዕድል ከይነጥፍእ፥ ከሎ ጌና እቲ ንኹሉ ዘሳትፍ መኣዲ ዕርቅን ሕድገትን ክሕስበሉ ይግባእ። እቲ ዝቐውም ስርዓተ መንግስቲ ከኣ ንኹሉ ኤርትራዊ መምስ ዝንባለኡ ዘሳትፍ ክኸውን ክንጽዕት ይግበኣና። እዚ ደምበ ተቓውሞ ምስ ተዓወ ዝምስረት መሰጋገሪ መንግስቲ ናብ ሃገራውን ሕገ-መንግስታውን መንግስቲ ዘብጽሕ ዕዉት ጽርግያ ክኸውን ካብ ብሕጂ ከነኽብሮ ዝግበኣና ብዙሕነት ግቡእ ቆላሕታ ክንገብረሉ ግድን እዩ። ሓደ ካብኡ ነቲ መሰጋገሪ መድረኽ እቲ ደምበ ተቓውሞ ምስቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ናይ ምክልኻል ሰራዊት፥ ኣብ ተካላት እቲ መንግስቲ ዝርከቡ እሞ ካብ ገበን ናጻ ዝኾኑ፡ ምሁራት፡ ክኢላታት፡ ዓበይቲ ዓዲ፡ መራሕቲ ሃይማኖትን ካልኦት ውልቀሰባትን ብዝሓወሰ መሰጋገሪ ባይቶ ክምስረት ቅድመ ተደላይነት ኣለዎ። ምኽንያቱ ንኣብ ኣውሽጢ ዘሎ ገዲፍካ ናይ በይንኻ ዝሓንጸጽካዮ ወይ ዝተለምካዮ ኣብ ግብሪ ክውዕል ማለት ቅኑዕ ኣይኮነን። እዚ ምትግባር ከኣ እዩ ነቲ ናይ ጽባሕ ብደሆ ዘኽብዶ
ቀዳማይ ክፋል
ብዙሕ ግዜ ከም ዝዝረበሉን ዝጸሓፈሉን፥ ሃገርና ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ውልቀመላኺ ስርዓት ትሕመስ ከምዘላ ርዱእ እዩ። ሎሚ፡ በዚ ውልቀመላኺ ክትሕመስ እንከላ፥ ጽባሕከ እንተስ ክትሳቐ ወይ ክርህዋ ኣብ ትሕቲ ከመይ ዝመስል ስርዓተ ምሕደራ እያ ክትመሓደር ዝብል ሕቶ ይለዓል እዩ። ነዚ ሕቶ’ዚ ንምምላስ ሎምን ጽባሕን ዝገጥሙና ብድሆታት በብደረጃታቱ ሓደ ብሓደ ምዝርዛር የድሊ። ከመይሲ ነዚ ከይሲ ስርዓተ ምሕደራ ኣለሊኻ ካልእ ተመሳሳሊ ስርዓት ንኸይትከል ኣብ ዝግበር ቃልሲ ንዝጽበየና ብድሆታት ምንጻር ስለ ዘድሊ።
እቲ ካልኣይ ከኣ ህዝቢ ምጥርናፍን ምእካብንዶ ወይ ህዝቢ ምብታን እውን ኣብ ውሽጢ እቲ ብድሆታት ዝኣቱ እዩ። እዋናዊ ብድሆታትና እምበኣር ብቐዳማይ ደረጃ ዝስራዕ ነዚ መላኺ ስርዓት ምልጋስ እዩ። መላኺ ስርዓት ምልጋስ ማለት ድሕነት ህዝብን ሃገርን ማለት እዩ። ድሕነት ሃገርን ህዝብን ማለት ከኣ ፍትሓውን ዲሞክራሲያዊ ስርዓተ ምሕደራን ልኡላውነት ህዝቢ ምኽባርን ዝኽተል ማለት እዩ።
ምእንቲ ድሕነት ሃገርን ህዝብን ክበሃል እንከሎ እምበኣር፡ ነዚ መላኺ ስርዓት ካብ ስልጣኑ ከምዝወርድ ንምግባር ዝግበር ቃልስን ኣወዳድብኡን ዝምልከት ይኸውን። ኣብ መወዳእትኡ ከኣ ንሃገራውን ህዝባውን ረብሓ ዲዩ ክድምደም ወይ ከኣ ኣብ ዲቕ ዝበለ ደልሃመት’ዩ ክኣቱ ምግንዛብ ከድልየና እዩ። ስለዚ ነዚ መላኺ ስርዓት እዚ ንምእላይ ሰለስተ ኣገባባት ከምዘለዉ ምጥቃስ ኣድላዪነት ኣለዎ። እዞም ሰለስተ ኣገባባት ከኣ ከም ምርጫን ዘዋጽኣካን ክትጥቀመሎም ይከኣል እዩ። እቲ ቀንዲ ጉዳይ ናይ ኣገባባት ፍልልያት ዘይኮነስ እቲ ውጽኢት ነቲ ምልክን ምልካዊ ኣተሓሳስባን ዝውግድ ዲዩ ኣይኮነን እዩ ክምዘን ዝግበኦ። እዚ ከኣ ኣብ ከመይ ዝመሰለ ኩነታትን ሃዋህውን፥ ከምኡ እውን በዓልበታዊ ዓቕምን ትጥቀመሎም ምጽናዕ እውን ኣገዳሲ ነጥቢ እዩ።
ካብዞም ኣገባባት እዚኦም እቲ ሓደ ነቲ ጨቋንን መላኽን ስርዓት ንባህጊ ህዝቢ ዝከላኸል ይኹን ፖለቲካዊ ፍታሕ ክቕርብ ባህሪኡ ከምዘይኮነ ርዱእ ክንሱ፡ ኣብ መንቀራቕሮ ዘእትዎ ሜላ እዩ። ንሱ ከኣ እቲ ስርዓት ነቲ ከምዘይፈልጦ ኮይኑ ዝሓልፎ ዘሎ ናይ ለውጢ ሓይልታት ርዒሙ፡ ናብ ዘተ ከም ዝኣቱ ዝግበር ጸቕጢ እዩ። እዚ ጸቕጢ እዚ ከኣ እቲ ዲፕሎማሲያውን፥ ፖለቲካውን ቃልሲ ብምክያድ ግፍዕታት እዚ ስርዓት እዚ ዝቕለዓሉን፥ ሕብረተሰብ ዓለምን ህዝቢ ኤርትራን ብንጹር ክርድኦ ዘግብርን እዩ። ብሓጺሩ ነዚ መላኺ ስርዓት ካብ ሕብረተሰብ ዓለም ናይ ፖለቲካ፡ ቁጠባን ሞራልን ደገፋት ከምዘይረክብን፥ ካብ ቆላሕታ ዓለም ከምዝንጸልን ምግባር እዩ።
እቲ ካልኣይን ቀንድን ኣገባብ ንህዝብኻ ዝብትን ውደባ ገዲፍካ፥ ህዝብኻ ጠርኒፍካን ኣኪብካን ብውሽጥን ደገን ተደጋጊፍካ ነቲ ስልጣን በመገዲ ህዝባዊ ናዕቢ፥ ማለት ዘይጐነጻዊ ኣገባብ ኣቢልካ ምቅላሱን ምግዳዱን እዩ። እቲ ሳልሳይ ከም ምርጫ ዝውሰድ ጐነጽ ናይ ምጥቃም ዝኽልክል ሕጊ እኳ እንተዘየለ ኣብ ከምዚ ተበታቲኑ ዘሎ ደምበ ተቓውሞና ብረት ምጥቃም ንኣደዳ ጥፍኣት ዘቃልዕ እዩ። ኣብ ርእሲ’ዚ ኣብዚ መዳይ እቲ ናይ ሎጅስትክስ ኣቕርቦት ዝተማለአ ስለዘይከውን መንጠሪ ድሕረ-ባይታ ደምበ ተቓውሞ እውን ዝተኣማምን ብዘይምዃኑ ተደራቢ ጸገም ስለዘኸትልን፥ እቲ ሳልሳይ ነጥቢ ከኣ ነቲ መላኺ ስርዓት በቲ ሓያል ጎኑ ትገጥሞ ስለ ዘለኻ መፍትኡ ብምዃኑ ጐነጽ ዘይምጥቃም እንተዘይተመርጸ ይሓይሽ። መለኽቲ ስርዓታት ስልጣኖም ከናውሑ እንተኾይኖም ኣብ ህውከት፡ ውግእን ሽበራን እምበር ኣብ ሰላምን ቅሳነትን ኣይኮነን።
እዚ ዝተጠቕሰ ሕልኽልኽ ከመይ ገርና ንብድሆን ኣብ ጠቕምና ነውዕሎን ዝጽበየና ዘሎ ናይ ሎሚ ብድሆ ብምዃኑ ተቢዕና ክንሕዞ እንግደድ ጓህሪ እዩ። ካብዚ ወጻኢ ኣብ ጥራሕ ጎልጎል ደላይ ፍትሒ እናበልካ ኣብ ነንሓድሕድካ ስኒት፡ ውህደትን ስጥመትን ከይፈጠርካ ለውጢ ከምዘይመጽእ ፍሉጥ እዩ። ምኽንያቱ ደምበ ተቓውሞ ኣብ ኢዱ ዝሓዞ ዘተኣማምን ናይ ሓባር ዓቕሚ የብሉን። እዚ ማለት ሰሚሩ ሓድነቱ ዘየደልደለሉ፡ ነቲ ስርዓት ብዘውድቐሉ ኣገባብ ውደባ ተኸቲሉ ህዝቢ ዝዓስሎን ዝኣምኖን ውደባ ዘይወነነ ብምዃኑ እዩ። እዚ ማለት ደምበ ተቓውሞ ኣብ ነንሓድሕዱ እናተነዓዓቐን፥ ውድባት ኣይረብሓን እየን ኣይትስምዕወን እናበልካ ዕምሪ ምልኪ ክሓጽር ኣይክእልን እዩ። ስለዚ፥ ነዚ ስርዓት እዚ በዚ ደምበ ተቓውሞ ክሳብ ሕጂ ሒዝዎ ዘሎ ኣገባብ ዝተፈላለለየ ውደባታት ፈጺሙ ከድመዓሉ ከምዘይክእል እነሆ ናይ 26 ዓመታት ተመኩሮ ክምህረና ይኽእል እዩ። ስለዚ እቲ ዝጽበየና ዘሎ ስርዓት ናይ ምውዳቕ ብድሆ ከም-ቅድመ ኩነት ክነዋድዶን ክነማልኦን ዝግበኣና ጉዳያት ምፍጻም የድልየና።
እቲ ነዚ መላኺ ስርዓት ንምውዳቕ ዝግበር ቃልሲ ብዕሙትን ካብ ፖለቲካዊ ስነፍልጠት ወጻእን ዝካየድ ፖለቲካ ኣብ ዕግሽግሽን ዕግርግርን እምበር ንማሕበራዊ፥ ቁጠባውን፥ ፖለቲካውን፥ ጉዳያት ኣብ ዝርከቡ ሽግራት ክፈትሕ ይኹን ክኣሊ ኣይበቅዕን እዩ። እዚ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ዋላ ነቲ መላኺ ስርዓት ክኣሊ እውን ዝተወሃሃደ ግብራዊ ዝኾነ ስትራተጅን፥ ስጡም ናይ ለውጢ ሓሳብን፥ ሃገራዊ ራኢን ክውንን ኣይክእልን እዩ። ስለዚ እንታይ ምስ ዝግበር እዩ ደኣ ነዚ ተበታቲኑ ዘሎ ሓይልታት ደምበ ተቓውሞ ካብቲ ተበታቲንዎ ዘሎ ወጺኡ ንሃገራዊ ረብሓ ክውዕለሉ ብዝኽእል ኣገባብ ክውደብ? ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ሕቶ ብግቡእ ንምምላስ፥ እዚ ደምበ ተቓውሞ ካብዚ ዘለዎ ፖለቲካዊ ክሳራ ክወጽእ ግድን’ዩ። ካብዚ ፖለቲካዊ ክሳራ ንኽወጽእ እንተኮይኑ፥ ነቲ ፖለቲካዊ ሽግራት ፖለትካዊ ፍታሕ ምስ ምውዳቕ እዚ መላኺ ስርዓት ምዃኑ ምእማን።
እቲ ኣብቲ ዳሕረዋይ ምዕራፍ ቃልሲ ብሃገራዊ ቅዋም ዝፍታሕ ሽግራት ከኣ ናይዚ እዋን እዚ ሽግር ከምዘይኮነ ምፍላጥ። ናብዚ መዳይ’ዚ ዘዕዉት ውደባ ከኣ ሰፊሕን ኣሳታፍን ዝኾነ ሃገራዊ ልፍንቲ ምቛም ከድሊ እዩ። እዚ ሃገራዊ ልፍንቲ እዚ ከም ርእይቶ፥ እቲ ብዝተፈላለየ መልክዕ ፖለቲካዊ ውደባ ተወዲቡ ዘሎ ሓይልታት፥ ብርኢቶይ ናይ ብሄራዊ ሃይማኖታውን ዕልማናውን ነንበይኑ ምሕዝነት ክፈጥር ኣለዎ። እዚ ነነበይኑ ምሕዝነት ምስ ፈጠረ ከኣ ንሰልስቲኡ ምሕዝነት ኣብ ሃገራዊ ልፍቲ ተኣትዩ ንኡኡ ዘማእክል ሽማግለ ይምስረት። እቲ ስልጣን በብእብረ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓደ ዓመት ይካየድ። ዝተረፋ ህዝባውያን ስቪላውን ማሕበራት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ዘዝመረጽዎ እምነቶም ይጽንበሩ። ካብዚ ብምንቃል ከኣ ናብ ስልጣን ክሰግር ዝደሊ ይኹን ዘይደሊ ኣብ መስርሕ እናተነጸረ ይጎዓዝ። በዚ ኣቢሉ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ወሪድዎ ዘሎ ከቢድ ቅልውላው ምስቲ ደንበ ተቓውሞ ኢድን ጓንትን ኰይኑ ነዚ ቅልውላው ዘስዕቦ ሓደጋ ንምምካት ሓባራዊ መኸተን ኣንፈትን ክሕዝ ይኽእል።
ካለኣይ ክፋልን መወዳእታን ይቕጽል ……
እቲ ካብ ክፍላ ጥሪ ጀሚሩ ብዙሕ ጎስጓስን ዳንኬራን ክግበረሉ ዝቐነየ ቃለ መሓትት ዲክታቶር ኢሳያስ ካብ 27-29. 01.2017 ዓ.ም.ፈ. ከም ዝተኻየደ ብዙሓት ኤርትራውያን ዝተኸታትልዎ ሓቂ እዩ።
ኣነውን ካብ ዲክታቶር ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ጥዑይ መልሲ ክረክብ ትጽቢት‘ኳ እንተዘይነበርኒ፡ ኢሎሞ ካብ ምባል ባዕለይ ክሰምዕ ብምውሳን ክሳብ መወዳእታ ተኸታቲለዮ፡ ካብ‘ቲ ዝሰማዕክዎ ፍረ-ኣልቦ ገለጽኡ ነቒለ ድማ፡ ነዛ ከም አርእስቲ ዝመረጽክዋ ንትሕዝቶ መልስታቱ እትገልጽ ምስላ ኣመልኪተ መልእኽተይ ንምትሕልላፍ ኣብ ቀንዲ መበገስየይ ከስግረኩም።
ፕረሰደንት ኢሳያስ ኣብ ዘቤታውን ዞባውን ዓለማውን ዘጠቓለለ ገለ ኣገደስቲ ገለ ከኣ ንህልኽ ዝዕድም ንዝቐረቡሉ ሕቶታት ክምልስ ከሎ፡ ኣቐዲሙ ክቐርቡ ዝወሰኖም ከም ዝነበሩ ብዝእምት ኣገባብ ከም ዘይቀረቡን ብሕጂ ቀሪቦም ክምልስ ድልው ምዃኑን ብምሕባር ልቢ ዘይፈልጥዎ የውሃን ከደናግር ፈቲኑ።ነቶም ሓቀኛ ባህሪያቱ ዝፈልጡ ግን፡ እቲ መደብ ነቲ ከም ናይ ካልኦት መራሕቲ ሃገራት ኣብ ዓለምለኻዊ መጋብኣያ ተረኺቡ ንክምድር ብሰንኪ‘ቲ ሓርፋፍ ባህሪያቱን ግጉይ ዲፕሎማሲዊ ፖሊስኡን ብእገዳ ምኽንያት ዘይረኸቦ ዕድል ኣብ‘ዛ ናይ በይኑ ሕዛእቲ ዝኾነት ቲቪኤረ ትሓቢኡ ተሃኑ ከውጽእ እምበር፡ ንህዝብን ሃገርን ዘገድሱ ሕቶታት ክምልስ ዝዓለመ ከምዘይኮነ ኣረጋጊጾም ዝፈልጥዎን ዘይጽበይዎን ሓቂ እዩ።
ስለ ዝኾነ ናይ ሓባር ሚዛን ንምሃብን መታን ክንኽእልን ካብኡ ተበጊስና ድማ ፍታሕ ንምንዳይ ነብስና ክንጸምድን ነተን ሕቶታትን ዝሃቦ መልስን ንመልከት፡፡ ንዘቤታዊ ጉዳይ፡ ንቁጠባዊ ልምዓት ዝምልከት ዝተታሕዘ እንታይ ሓድሽ መደብ ኣሎ? ምቕያር ባጤራን በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን፡ መደብ ደሞዝን ምስትኽኻል ኣተገባብርኡን፡ ክኢላዊ ዓቕሚ ንምፍራይ እንታይ መደብ ኣሎ?
ክኢላዊ ዓቕምና ንምጽንቃቕ ንዝካየድ ዘሎ ሸርሕታት ንምክልኻል እንታይ መደብ ኣሎ? ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ሃገርና ንምሕያል ኮነ እገዳ ንምልዓል ዝምልከት እንታይ ዝተታሕዘ መደብ ኣሎ? ጸገም ኣባይቲ ንምፍታሕ ዝወጸ መደብ እንተሎ ዝብሉ ንምምላስ ብጽዓት ጀሚሩ።ጽዓት ኣብ ልምዓት ሓንቲ ሃገር ኣገዳሲ ቅድመ ኩነት ምዃኑ ብምርዳእ ቀዳምነት ተዋሂብዎ 120 ኪሎዋት ከመንጩ ዝኽእል ትካል ጽዓት ሕርጊጎ‘ ሃኒጽና። እንተኾነ ብምኽንያት ዘይጥንቁቕ እተሓሕንዛን ቅልጡፍ ጽገናን ክሰርሕስ ይትረፍ ኣሎ ንምባል ኣብ ዘሰክፍ ደረጃ ስለ ዝበጽሐ እኹል ኣገልግሎት ንክህብ፡ እንደገና ካብ‘ቲ ቅድም ዝወጸሉ ገንዘብን ጉልበትን ዘይውሕድ ከም ዝሓትት ዓንዴል እናጠዓሞ ተኣሚኑ።
ኣብዚ‘ውን ካብ‘ቲ ዘይተዓወተ መደብ ዝሓይሽ ብርጡብ መጽናዕትን ብቑዕ ክኢላዊ ዓቕሚ ሰብን ዝተደገፈ ዘተኣማምን መደብ ስለ ዘየቕረበ ካብ ዝሓለፉ ተራ መብጽዓታት ከምዘይሓልፍ ንምግማቱ ኣየጽግምን እዩ። ቀጺሉ ናብ ቀረብ ማይ ብምስጋር ነቲ ጽዓት ኮነ ማይ ንምንታይ ትጥቀመሉ ዝብል ዓጀውጀዉ ገዲፍካ ዝነጠበ ማይ ንምዕቃብ ብዙሕ ከም ዝተሰርሐ ገለ ኣብነታት እናጠቐሰ ብምግላጽ፡ ነቲ ኣብ ህዝብና ወሪዱ ዘሎ ሽግር ቀረብ ማይ ዝግባእ ኣቓልቦ ከም ዘይሃቦ በቶም ዝጠቕሶም ዝነበረ ናይ ርሑቕ በረኻታት ዕቋር ማያት ክገልጽ ፈቲኑ።
እዚ ከኣ ማይ ብዘይሓይሊ ጽዓት ካብ ዝተኸዘኖ ቦታ ናብ ተጠቀምቲ ክበጽሕ ከም ዘይክእል እናፈለጠ ንኣብ ከተማታት ዝነብር ህዝብና ረሲዑ ናብ ሰብ ጀራዲን ጥራሕ ምትኳሩ ዘረጋግጽ መርትዖ እዩ። ካብኡ ሓሊፉ ንትሕተ ቅርጻ ኣመልኪቱ፡ ኣብ ሃገርና ብአየር ብባሕሪ ኮነ ብምድሪ፡ ኣለዉና ኢልና ኣፍና መሊእና እንዛረብሎም ዘተኣማምኑ ትሕተ ቅርጻ የብልናን ድሕሪ ምባል፡ ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ከግልግል ተባሂሉ ኣብ ባጽዕ ዝተሰርሐ ኣይተገልገልናሉን፡፡ እቲ ዝጸንሓና መዓርፎ ነፍርቲ ኣስመራ‘ውን ስለ ዘየማዕበልናዮ ዘተአማምን ኣይኮነን።እቲ ንፍርያት ሃገር ብይዘምብልሻውን ብቕልጡፍን ናብ ተጠቀምቲ ንምብጻሕ ከገልግል ተባሂሉ ዝተሰርሐ ናይ ሳዋ መዓርፎ ነፈርቲ ውን ብዝተገብረሉ ትጽቢት መጠን ከምዘይሰርሐ ኣነጺሩ።
ኣብ ናይ መሬት ትሕተ ቅርጻ ብዝምልከት እዚ ትካል‘ዚ ኣብ ምዕባሌ ሃገር ዝህልዎ ኣስተዋጽኦ ብምርዳእ ዝጸንሑ ክጽገኑ ሓደስቲ ከኣ ክህነጹ ዝወጸ መደብ ከነትግብሮ ስለ ዘይከአልና፡ እተን ንዜና ትጥቀሙለን ሓደስቲ ኣውቶቡሳት ውን እንተኾና፡ ብሰንኪ ጥጡሕ ትሕተ ቅርጻ ዘይምህላው ንህዝቢ ዘዕግብ ኣገልግሎት ይህባ ከምዘየለዋ ድሕሪ ምንጻር፡ እዚ ክሳብ ዘይተማልአ ጉዕዞ ምዕብልና ክቕጽል ስለ ዘይክእል ከኣ ዝከኣል ክግበር ከምዘድሊ ኣመልኪቱ። ብምቕጻል ንምዕብልና ምቕያር ባጤራን ምውሳኽን ምስትኽኻል ደሞዝን ኣመልኪቱ ባጤራ ብእነፍርዮ ብፍላይ፡ ብዝተፍላለዩ መልክዕ ኣታዊታት ሃገር ከኣ ብሓፈሻ ዝዕቀን ኣገዳሲ መንኮርኮር ምዕብልና‘ኳ ይኹን እምበር ዕቤትናን ሰላምናን ዘስግኦም ሓሳዳት ብዝፈጥርዎ ውዱብ ዕንቅፋት ኣታዊና ከምቲ ክኸዶ ዝግብኦ ከይዱ ክብሃል ኣይክኣልን። ምኽንያቱ ካብ ደገ ክኣቱ ዝግብኦ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ኣብ ክንዲ ንኤርትራ ኣብ ሱዳን ዝርከብ ደዃኹን ኣትዩ እቲ ዶላር ይኹን ካልእ ባጤራ ብናቕፋ ተሸሪፉ ናብ ኤርትራ ስለ ዝኣቱ፡ ናይ ናቕፋ ዝቕባበ ከም ዘሎ ክእምት ከሎ፡ እዚ ብናይ ደገ ሓልታት ዝካየድ ውዱን መስርሕ እዩ ክብል ኣብ ምኽሳስ ካልኦት ክህውትት ጸኒሑ ኣብ መወዳእታ ነዚ ሰጊርና ኣብ ትስፍው ባይታ ኣሎና ክብል ጻዕዳ ሓሶት ኣቕሪቡ።ምስዚ ኣተሓሒዙ ጉዳይ ወሰኽን ምስትኽካል ሰራሕተኛታት ዝቕረበሉ ሕቶ ንምምላስ፡ ብናቕፋ ገዛ ዲኻ ደርሆ ወይስ እንቋቚሖ፡ እቲ ዝኽፈል ሰራሕተኛኸ ነዳቓይ ዲዩ ጽሓፋይ ወዘተ-ወዘተ ዝብሉ ሕቶታት ንምንታይ ኣልዒልዎም ናይ ምምላስ ንሰማዕቲ ዝግደፍ ኮይኑ፡ ኣብ መወዳእታ ግን ብታሕተዎት ክጅምር እዩ‘ኳ እንተበለ ምዓስን ክንደይን ንዝብሉ ግን ዘሊልዎም ሓሊፉ።
እቶም ዕዙማት ጋዜጠኛታት ከኣ ሕቶና ኣይተመለሰን ምባልስ ይትረፍ ሰዓት ክትኣክለሎም መውጽኢ ከም ዝሰኣነት ኣንጭዋ ቀባሕባሕ ይብሉ ምንባሮም ዘይተዓዘበ ኣይህሉን።ክኢላዊ ዓቕሚ ንዕምባይን ንዕኡ ንምጽንቃቕን ዝግበር ዘሎ ሸርሒ ንምክልኻል ዝወጸ መደብ እንተሎ ንምምላስ፡ መዐቀኒ ምዕብልና ሓንቲ ሃገር ብዝህልዋ ምሁር ዓቕሚ ስለ ዝልካዕ ከሉ ክምሃር ዝተጀመረ መደብ ሎሚ‘ውን፡ ክዓብን ክሰፍሕን ዘድሊ ይግበር ምህላዉ ይገልጽ። እቲ ዘገርም ግን ዝርኤናዮ ኣየዛርበና በለት ጉብጥሽ ከም ዝብሃል ቤት ሕክምናን ቀረባቱ ቤት ትምህርትን ቀረባቱ ደሚርካ ክንዲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ቤት ማእሰርቲ ዘይኸውን ቤት ትምህርቲ ሰሪሐ ምባል ካብ ምድንጋር ሓሊፉ ካልእ ትርጉም የብሉን።
ብዘይካዚ እዛ ፈውሲ ማሕላ ሓንቲ ዩንቨስቲ ዘይብላ፡ መንእሰያታ ኣብ ክንድ ዝመሃሩ መወዳእታ ዘይብሉ ግዱድ ዕስክርና መሪርዎም ሃጽ ኢሎም ዝጠፍኡላ ሃገር እናመራሕካስ ክመሃሩ ምባል ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ምሽክዕላ እዩ። ንክኢላዊ ዓቕሚ ንምፍራይ ክምልስ ከሎ ከኣ‘ሞ እቲ ካብ ውሽጥ ኣስመራ ጀሚሩ ክሳብ ሊብያ ዝካየድ ዘሎ ንግዲ ደቂ ሰባት ብመንን ከመይን ይካየድ ምህላዉ ጽሓይ ዝወቕዖ ምስጢር ስለ ዝኾነ ምግላጹ ደድሕሪ ዕቡዳት ምዕባድ እዩ።እዚ ከኣ ነቲ ኩሉ ብሰንኪ ግስሩጥ ምሕደሩኡ ዝሰዓበ ብርሰትን ዕንወትን ናብ ካልኦት እናጸግዐ ስልጣኑ ንምንዋሕ ዝዓለመ ኣረጊት ሽጣራ ምዃኑ ኤርትራውስ ይትረፍ ንዓለም ዘገረምን ዘዛርብ ዘሎን ጉድይ‘ዩ።
ንጸገም ኣባይቲ ኣመልኪቱ ድማ፡ገለ ኣብነታት ብምጥቃስ ዝተሃንጸ ገዛውቲ‘ኳ ይሃሉ እምበር ኣኻሊ ከም ዘይኮነን ነዚ ንምፍታሕ ንህንጻ ዘድሊ ጥረ-ነገራትን መሳርሒታትን ካብ ሸመንቶ ጀሚርካ ናይ ምፍራይን ምርካብን ጸገም ጌና ዘይተዓወትናሉ ጉዳይ እዩ ድሕሪ ምባል፡ እቶም ብውልቂ ዘካርዩ ወነንቲ ኣባይቲ ግን ኣታዊታቶም ንምኽዕባት ኣብ ሃረምረም ስለ ዘሎው ገደብ ክግበረሎም ኣሎዎ ይብል። እዚ ኩሉ ንዘቤታዊ ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ዝጠቅም፡ እዚ ጌርናን ዓቂብናን ናብ ካልእ ንስጉም ኣሎና ዝብል ዘይርከቦ አንተ ፈታሕካዮስ ጥራሕ ቁጻር ዝኾነ መልሲ፡ ዘመሓላልፎ መልእኽቲ እንተልዩ እዚ ስርዓትዚ ካብ ልምዓትን ዕቤትን ህዝቢ ኤርትራ ንላዕሊ ከዐውቶ ዝደሊ ሕቡእ ኣጀንዳ ምህላዉን ንዕኡ ምጽባይ ከኣ ማይ ሓቚንካ ጠስሚ ካብ ምጽባይ ዝሓልፍ ከም ዘይኮነን እዩ።በዚ መሰረት ህዝቢ ኤርትራ ቀሲኑ ዋና ሃገሩን ተጠቃሚ ዕድሉን ክኸውን ስልጣኑ ክጭብጥ ንጽባሕ ዘይውንዘፍ ጉዳዩ ምዃኑ ተረዲኡ ዕድሜ ክጽበ ኣይግባእን።
ፕረሰደንት ኢሳያስ ንዓለማውን ዲፕሎማሲያውን ዝምልከት፡ፖለቲካውን ዲፕሎማሲውን ኩነታትና ከመይ ኣሎ፡ ከኢላዊ ዓቅምና ንምጽንቓቕ ዝግበር ሸርሕታት ንምክልኻል እንታይ መደብ ተታሒዙ ኣሎ፡ምምጻእ ሓዲሽ ፕረሲደንት ኣመሪካ እንታይ ጽልዋ ይህልዎ፡ኣብ ኢትዮጵያ ዝተወልዐ ህውከት ብኮማዶ ፖስት ይፍታሕ ዶ ትብል ዝብሉ ገለ ኣገስቲ ገለ ግን ንሃልኽን ተሃንካ ንምውጻእ ተዳልዮም ዝቐረብሉ ሕቶታት ክምልስ ከሎ።
ኣብዛ መራሕቲ ሓያላት ሃገራት ከም ድላዮም ዝቘጻጽርዋን ዝጽዕሩላን ዓለም፡ ዝረዓመ ክርግጽ ዝአበየ ድማ ክድቘስ ወይ ክዳኸም ዝዕላምኡ ዓውሎማዊ መስርሕ ኣብ ዝካየደሉ መዋእል ምህላውና ክሉ ዝዕዘቦ ዘሎ ግሉጽ ሓቂ‘ዩ ድሕሪ ምባል፡ ነዚ ንምግባር ከኣ ካብ ርሑቅን ቀረባን ኣገልገልቲ ዝኾንዎም ሰብ ረብሓ እናዋፈሩ ሰላም ዓለምና ኣብ ምዝራግን ማእለያ ዘይብሉ ንብረትን ህይወትን ናይ ምዕናው ተግባራት ምዕዛብ ዕለታዊ ንከታተሎ ዘሎና ጉዳይ እዩ።
ንሕና ከኣ ነዚ እከይ ተግባራቶም ስለ ዘይተቐበልና ንምብርካኽና ተባሂሉ ዘይተማህዘን ዘይተኣልመን የለን ክብል፡ ነቲ ባዕሉ ዝፈጸሞ ንሓገርና ካብ ዓለም፡ንህዝብና ድማ ካብ ለገስቲ ሃገራት ክርኸብ ዝክእል ኩሉ መዳያዊ ሓገዛት ንከይረኽብ ዝኣገደ ሕጊ ኣልቦ ስርዓትን ገበነናዊ ተባራቱን ሓቢኡ ንክልኦት ኣብ ምኽሳስ ሰጊሩ፡እዚ ላግጽን ካብ ሓቂ ምህዳምን ‘ምዃኑ ህዝብናስ ይትረፍ ህዝቢ ዓለም ውን ዝፈልጦ ቅሉዕ መጽገብ እዩ ጥራሕ ዘይኮነስ መለለይ ግጉይ ፖሊስኡን ዕሸል ፖለቲካዊ ትሕትኡን ምዃኑ ዝተመስከረሉ፡ካብዞም ኣብ ልዕሊ ደቅሰብ ብገበን ዝክሰሱ ዘሎው ናይ ዘመንና ዲክታቶራት መራሕቲ ሓደ እዩ።
ከምዚ ዝኣመሰለ ህዝባውን ሃገራውን ሓላፍነት ዘይስምዖ ንግሉጽነት ከም ቁሪ ኣሰሓይታ ዝፈርሕ መራሒ፡ ናጽነትናን ክብረትናን ዓቂብና ክንከይድ ስለ ዝመረጽና ንምድካምና ዝግበር ዘሎ፡ ፍርሒ ዝፈጠሮ ሸርሕታት ማእለያ የብሉን፡ ነዚ ኩሉ መኪትና ግን፡ ኣብ ዝሓሸ ደረጃ ኣሎና፡ ክብል ሓቅነት ዝጐደሎ መልሲ ምሃቡ ምስቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ሓቂ ዝራጸም ናይ ጽላለ መግለጺ ምዃኑ ህዝብና ዝርድኦ ጉዳይ እዩ። እቲ ንብዙሓት ሃገራትን መራሕተንን ዝሰንዘሮ ጸርፍን ምንእኣስን ብዝምልከት ከኣ ክምቲ ኣብ ቀርኒ ብዕራይ ዝተቀመጠ ጽንጽያ እንተኸቢደካስ ንገረኒ ክወርደልክ ምስ በሎ ኣብ ቀርነይ ምህልውካ ዘይምህላውካን‘ዃ ኣይፈልጥኩ ዝበሎ ምስላ መሲልካ ምሕላፉ ይሕይሽ።
ንኢትዮጵያ ዝምልከት ዝሃቦ መልስ‘ሞ ከኣ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ቅርሕቲ ንምውጻት እንተዘይዀኑ ኮንዶፖስት ኢትዮጵያ ይፍትሕዎ ኣይፍትሕዎ ንዋናታቱ ዝምልተ‘ምበር ጉዳይን ኤርትራውያን ክም ዘይኮነ ርዱእ ነገር እዩ፡ እዝስ ፖለቲካዊ ንዴት ብሃሊኡ ዘመልክት መግለጺ ካብ ምዃን ዝሓልፍ ትርጉም የብሉን።ብዛዕባ ምምራጽ ሓድሽ ፕረስደንት ኣመልኪቱ፡ሮላንድ ትራምፕ ምዕዋት ከገልግልዎ ዝኣተዎም መብጽዓታት ከተግብር ኣይክእልዩ ድሕሪ ምባል ብዙሓት መራሕቲ መጺኦምን ከይዶምን ኣብ ፖሊሲ ኣመሪካ ዝተቀየረ ዘየለ ኣሚቱ።
ካብዚ ቀጺሉ ኣብዚ ዓመት‘ዚ እንታይ ተስፋ ንጽበ ዝብል ቀሪቡሉ፡ ኩሉ ተጽብኦታት ሓሊፍና ውሽጣዊ ዓቅምና ኣብ ልምዓት ኣዋፊርና ከም ንዕወት ጥርጥር የልቦን ክብል መሊሱ።ካብ ዝሃቦ ትሕዝቶ ኣልቦ መልስታት ነቂልና እንርድኦ‘ምበር እቲ ኤርትራ ሲጋፖር ክትከውን እያ ዝብል መብጽዓ ጽባሕ ናጽነት፡ኤርትራ መቃብር ዜጋታታ ክትከውን ኣብ ዝብል ትርጉም ከም ዝተቐየረ ኣብ ህይወት ህዝብናን ሃገርናን ወሪዱ ዘሎ ሕሰም ጭቡጥ መርትዖ እዩ።ነዛ መዘና ዘይብሉ ጻዕረኛ ህዝብን እኹል ጸጋን ዘሎዋ ነጻ ሃገር፡ብዘይሃገራዊ ቅዋምን ብህዝቢ ዝተመርጽን ዝሕታቲ ሓጋግን ፈራድን መጻምን ትካላት መሪሕካ ሎሚ ድሕሪ ርብዒ ዘመን ከምዚ ዝበለ ፍሹል ገምጋም ክቅርብ ምጽባይ ከይቀደስካ ዝተሓልመ ጥራሕ ዘይኮነስ ብዓውታን ብምድግጋምን ዝትገልጸን ሰማዒ እዝኒ ዝሰኣነ ስኑድ ታሪኽ እዩ።
እዚ ዘንጽሮ ሓቂ እንተልዩ ከኣ እዚ ስርዓት ንሰላምን ንልምዓትን ዘይኮነስ ንህውከትን ዕንወትን ኢሉ ዝተበገሰ ስለ ዝኮነ ክቅንስ ይትረፍ ክውዕል ክሓድር ውን ከም ዘይግባእን ምሉእ ህዝቢ ኤርትራ እንተላይ‘ቶም ንሕና ንሱ፡ንሱ ንሕና ዝብሉ ውን ክርድእዎ ከም ዘሎዎም እዩ።ካብዚ ተርድኦ‘ዚ ብምንቃል ከኣ ኩሉ ሕዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ እንተላይ ሓልታት ምክልካል ኤርትራ ብዘይ ወዓል ሕደር ኩሉ ዓቅምታቶም ብሓደ ጸሚዶም ምስ ደለይቲ ፍትሒ ክስለፉን ንምልጋሱ ክልዓሉን መድረክ ዝጠልቦ ህጹጽ ሕቶምዃኑን፡ ካብ‘ዚ ንላዕሊ ምጽባይን ዝያዳ ዕድል ምሃቡን ከኣ ሃገራዊ ሓልፍነትካ ምርሳዕን ሃገር ኣብ ዘይትወጸሉ ገደል ክትኣቱ ምፍቃድ ስለ ዝኮነ ሃገር ንምድሓንን ህይወት ህዝብና ኣብ ንቡር ንምምላስን ቀምሽ ኣደይ ሓንኲሉኒ ዝዓይነቱ ፍኑው ኣካይዳ እዋኑ ከም ዘይኮነ ክንርዳእ ይግባእ።
ዓንደጽዮን ግርማይ
ጀርመን
ናይ ሓባር ፖለቲካዊ ራኢ ዝውንኑ ሰባት፡ ነቲ ዝኣምንሉ ፖለቲካዊ ራኢ ምእንቲ ብሓባር ተቓሊሶም ከዕውትዎ፥ ዝቕይዶም ሕጊ ወይ’ውን ውዕል ይሕንጽጹ። እዚ ሕጊ እዚ ወይ ውዕል ከኣ ብገለ ምኽንያት ክጠሓስ እንከሎ፥ ነቲ ዝተሰማምዑሉ ቀንዲ ዋሕስ ናይ ሓቢሮም ምቕጻሎም ይቚጸ። ምኽንያቱ ኣብ ውሽጢ እዚ እቲ ውሽጣዊ ክብርታትን ዝሓንጸጽዎ ቅርጻታትን እናዘለቐ ስለዝኸይድ። ነቲ ሓቢሮም ዝመስረትዎ ዕላማ ኣብ ክንዲ ዝጥምቱ ኣብ ቀንጠመንጢ ነገራት ይፈላለዩ እሞ ነቲ ቀንዲ ተሰማሚዖም ዝሃነጽዎ ከፍርስዎን ክጥሕስዎን ይጅምሩ።
ኣብ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ከም ናይ ብዙሕ ዓመታት ተመኩሮ ዘለዎን፥ ካብ ዝተፈላለየ ድሕረባይታ ዘለዎም ኣካላት ምምስራቱን ንገዛእ ርእሱ ሃብታም ዝገብሮ እዩ። ዕላማን ቅዋማትን ናይ’ዚ ሰልፊ እዚ ብሩህ ከም ጸሓይ ቀትሪ እዩ። ንሱ ድማ ንሃገራዊ ረብሓ ቀዳምነት ዝሰርዕን ምስ ካልኦት ሓቢሩ ዝሰርሕን ሓባራዊ ራኢ ንምጥራይ ዝቃለስን ዝጽዕትን እዩ። ካልኣይ ነጥቢ ከኣ ነቲ ብጉባኤታቱ ኣቢሉ ንህዝብን ሃገረ ኤርትራን የርብሕ እዩ ኢሉ ዝኣምነሉ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮኡ ክሰፍሕን ንቕድሚት ክደፍእን ምድልዳልን ይቃለስ። ስልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ከም’ቶም ካልኦት ሰልፍታት ይኹኑ ውድባት ዝጥቀሙሉ መስርሕ ኣተጋባብራ ሕግታቱን፥ ውሳኔታቱን ዝጥቀመሎም መሳርሕታት ይኽተል። እዚ ከኣ ኣባላት’ዚ ሰልፊ ብሓባር ጠሚሩ ዘቃልሶም እቲ ዝሓንጸጽዎ ውሽጣዊ ሕጊን ኸዕውትዎ ዝተለምዎ መትከልን እዩ። እዚ ሰልፊ እምበኣር ቅድሚ ኣብ ጉባአ ምብጻሕ በዘን ዝስዕባ ክልተ ኣገደስቲ ነጥብታት ኣቢሉ እዩ ምስ ኣባላቱ ርክብ ብምግባር ርእይቶታት ዝሰንቕ። ንሳተን ድማ፥-
1- ናይ ኣባላት ኣኼባታት እንተስ ብኣካል እንተስ ብመራኸቢ ብዙሃን
2- ብወከልቲ ኣባላት ኣቢሉ ዓውደ-ልዝብ ምክያድ
ብድሕሪ እዚ እቲ ኣባል ክዛረበሎምን ርእይትኡ ክህበሎምን ዘለዎ ኣገደስቲ ዛዕባታት፥ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን ቅዋምን ዝኣመሰሉ ተመያይጡ ርእይትኡ ዝህበሉ መድረኽ ይፈጥር። እቲ ካልኣይ ከኣ ኣብ መሪሕነት ናይ ዝሕጸዩ ዝርዝር ኣስማት ካብ ኩሎም ኣባላት ይቕበል። ድሕሪኡ እቶም ናብ መሪሕነት ዝተሓጽዩ ኣብ መሪሕነት ከም ሕጹይ ክቐርቡ ድሌት ኣለዎምን የብሎምን ይሕተቱ። ብድሕሪ’ዚ ኣብ ጉባኤ ምስ ተበጽሐ ምሉእ ዝርዝር ናይ ሕጹያት ናብ ተሳተፍቲ ጉባአ ይዕደል እሞ ዝለዓለ ድምጺ ዝረኸቡ ይዕወቱ።
እቲ ኣብ ጉባአ ዝተመርጸ መሪሕነት ማእከላይ ባይቶ ብወገኑ ኣኼባኡ የካይድ። ኣብዚ ኣኼባ’ዚ ከኣ ኣቦመንበር ባይቶ ይምረጽ። ኣቦመንበር ምስተመርጸ ከኣ መሳርሕቱ ዝኾኑ ኣባላት ፈጻሚ ሽማግለ ይሓጺ እሞ ባይቶ ድማ ወይ የጽድቐሉ ወይ ከኣ መተካእታ ኣቕርብ ይብሎ። ናይዚ ሰልፊ’ዚ ባህሊ እምበኣር በዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ኣቢሉ ክሳብ ጨናፍር፡ ንኡሳት ዞባታትን ዞባታትን ምስ ትካላዊ ሕግታቱ ኣሳንዩ ይሰርሕ።
እዚ ሰልፊ’ዚ ዝግለጸሉ መለለዪ ምልክትን ጭርሖታትን ዝሓዘለ እዩ። ኣብ ኣኼባ ዝሰማማዓሉ ናይ ውሳኔ ምጽዳቕ ኩሉ ግዜ ዝኣክል ሓሳባትን ርእይቶታትን ድሕሪ ምውህሃብን ምክታዕን ኩሉ ብሓደ ሓሳብ እንተተሰማሚዑ ጽቡቕ፡ እንተደኣ ናይ ሓሳብ ፍልልይ ኣልዩ ከኣ ብኣብዝሓ ድምጺ ይውሰን። ኣብዚ ድምጺ ናይ ምሃብ መስርሕ ተዓቅቦን ተቓውሞን ዝብል እውን ይርከቦ። እዚ’ውን ደሞክራስያዊ መሰል እዩ። ነቲ በዚ መስርሕ ዝተወሰነ ኩሉ ወገናት እዩ ዘትግብሮ እምበር፡ ኣብ ኣኼባ ተቓዊመ ወይ ተዓቂበ ነይረ ኢልካ ምሕንጋድ ዲሞክራሲያዊ ኣይኮነን። ልክዕ እዩ እቲ ሓባራዊ ስምምዕ ዝብል ሓሳብ ደሞክራሲ ምዃኑ ዘይከሓድ’ኳ እንተኾነ፡ ክሳብ ትሰማማዕ ክትዛረብ ኣይንበርን እዩ። ንኣብነት፥ ኣብ ሓደ ጉባኤ እሞ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ወይ ሸውዓተ መዓልታት ብናይ ሓባር ስምምዕ ክትውስን ኣሸጋሪ እዩ። ምኽንያቱ ሓደ ሰብ ኣይዓገብኩን እንተ ኢሉ እቲ ጉባኤ ወይ ኣኼባ መዕለቢ ዘይብሉ እዩ ዝኸውን። በዚ ምኽንያት ቅልጡፍ ውሳነ ንምውሳን ኣገባብ ኣብዝሓ ድምጺ ይምረጽ። ይኹን እምበር እቲ ኣብዝሓ ይኹን ሓባራዊ ድምጺ ካብ መትከልን ሕግን ወጻኢ ምስ ዝዝውተር ናይ ምልኪ ባህሪ ክሕዝ ይኽእል እዩ።
ስለዚ ሓባራዊ ስምምዕ ብዙሕ ግዜ ስለ ዝቐትልን ኣኽብሮት ብዝመልኦ ልዝብን ጥዕና ዘለዎ ናይ ሓሳብ ምልውዋጥን እንተዘይ ተታሒዙ ኣብ ዕግሽግሽ እምበር ኣብ ስራሕ ኣየእቱን እዩ። ኣብዚ እቲ ናይ ሓባራዊ ስምምዕ ክማለኣሉ ዘለዎ ረቛሒታት ኣሎ። ሓባራዊ ራኢ ምስ ዘይህልወካን ዘሻርኸካ መትከላት እንተዘይብልካን በቲ ዝተሓተ ስምምዕ ዝበጻሕካሉ ንምትግባር ናይ ምዕብላል መንፈስ ከየርኢ ትጥቀመሉ። ኣብ ኣብዝሓ ድምጺ ግን ሓደ ናይ ሓባር ራኢን ዘሻርኸካ መትከልን ስለእትውንን ካብ ቀይዲ ክሳብ ዘይወጻእካ ብዙሕ ጸገም ዘምጽእ ኣይኮነን። ማለት ኣብዝሓ ድምጺ ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ እዩ ዝትግበር ዘሎ ኢልካ ምፍላጥ እውን ኣገዳስነት ኣለዎ። ንኣብነት ኣብ ኣመሪካ ዝተኻየደ ምርጫ ኣብ መወዳእታ ትኽርኽር ኣቢሎም ኣብ ድምጺ ኢዮም እኮ ወዲቖም እምበር ኣብ ሓባራዊ ስምምዕ ኣይከዱን፥ ብኣብዝሓ ድምጺ ከኣ መራሒኦም ተመሪጹ። ስለዚ እቲ ዝሓሰብካዮ ምስ ዘይዕወት ሓባራዊ ስምምዕ ስለዘየለ ኢልካ ንሓደ ካብ መትከላት ዲሞክራሲ ምንእኣስ ቅቡል ኣይኮነን። ኢሳይያስ’ውን ብዛዕባ ዲሞክራሲ ክገልጽ ከሎ ካብዚ ሓሊፉ ዝበሎ’ኮ የለን። ስለዚ ዲሞክራስን ፍትሕን ብዘይ ጠማሪ ሕጊ ኣይሰርሕን ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ ውሑዳት ምልኪ እውን የስዕብ እዩ።