ህዝቢ ኤርትራ ንጨቘንቲ ስርዓታት እምበለይ ኣይግዛእን ኢሉ ዘልዓሎ ሰውራ ሓብሒቡ፡ ተኸላኺሉን ዓንጊሉን ክሳብ ናጽነት ዝበጽሐ ህዝቢ እዩ። እዚ ዘሕብን ታሪኽ እዚ ከኣ እዩ ንመላእ ሕብረተሰብ ኤርትራ ሓደ ናይ ታሪኽ ምዕራፍ ፈጺሙ ሃገረ ኤርትራ ናይ ዜጋታታ ክትከውን ዘብቀዐ። እቲ ኩሉ ዝጠፍአ ህይወትን፥ ዝዓነወ ንብረትን ከኣ ምእንቲ ናጽነት ጥራሕ ዘይኮነስ እንታይ ደኣ ነቶም ጨቆንትን መዝመዝትን ስርዓታት ኣልጊስካ ሓርነት ዝመልኦ ህይወት ንክጐናጽፍ እዩ ነይሩ። እንተኾነ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ሓርነቱ ዝጐናጽፍ ሕልሙ ተጠሊሙ ኣብ ናይ ባርነት ታኼላ ጥሒሉ ኣሎ። ዝፈትዎም ደቁ ካብ ቅድሚ ዓይኑ ክስወሩን ኣብ ኣደዳ ስደት፥ ባሕርን ምድረበዳን ክሃልቁ ከለዉ ከኣ ነዚ ዲዩ ነይሩ ውጽኢት ቃልሰይ ዘየብል ኣይኮነን።
እቲ ቀንዲ ሽግር እምበኣር እቲ ሕብረተሰብ ወናኒ ናይ ሃገሩ ክኸውን ዘይምኽኣሉን፥ ባዕሉ ምንጪ ስልጣን ምዃኑ ምዝንጋዕን ዘምጽኦ እዩ። እዚ እውን በቶም ኣድሓርሓርትን ጨቈንትን ስርዓታት ዝተሰረተ ናይ ምትእምማን ምጥፋእን ኣግላልነትን ከምኡ እውን ድሑር ኣተሓሳስባን ዝሓደጎ ንልኡላውነት ህዝቢ ናይ ዘህስስ ስንብራት ጠንቂ እዩ። ሕጂ እውን ህዝቢ፡ ነዚ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ኣብ ስልጣን ኩድጭ ኢሉ ዘሎ ምልኪ ኣልጊሱ ግዝኣተ ሕጊ ከንግስ ከም ትማሊ ክለዓል ናይ ግድን’ዩ።
ልክዕ እዩ ኣብ ብቁጠባ ዝተረመሰትን ሕጊ ኣልቦ ዝኾነትን ሃገር ዝነብር ህዝቢ ንግዚኡ እንታይ ክም ዝገብር ዝሕርብቶን ዘጨንቖን’ኳ እንተኾነ፥ ውዒሉ ሓዲሩስ ነታ ሓርነቱ ክቃለሰላ ምዃኑ ዘይከሓድ ሓቂ እዩ። እቲ ኣገዳሲ ጉዳይ ግና እቲ ህዝቢ ኣብ ስልጣን ከመይ ይመጽእ ዘይኮነስ፥ እቲ ህዝቢ ከመይ ኢሉ እዩ ባዕሉ ምንጪ ስልጣን ክኸውን ክቃለሰ ዘለዎ ዝብል’ዩ። እዚ ከኣ፥ መበቆሉ፥ ዓሌቱ፥ ሃይማኖቱ፥ ጾታኡ፥ ብሄሩ፥ ዕድሚኡ፥ ሕብሩ ብዘየገድስ ኣፈላላይ ዘይብሉ፡ ንቁሕ ናጻ፡፡ ፍትሓውን ተደጋጋፍን ሕብረተሰብ ምህናጽ የድሊ። ነዚ ንምግባር እቲ ቀንዲ ልኡላውነት ህዝቢ ዝኾነ ህዝባዊ ወኸሳ ብምዃኑ ቀጥታውን ኣሳታፍን ዲሞክራሲ ምድልዳልን ብግቡእ ከም ዝስርሓሉ ምግባርን ይግባእ። ካልኣይ ነጥቢ ምሉእ ደምበ ተቓውሞ ኣብ ዲሞክራሲያዊ መትከላትን ፖሊሲታትን ሓባራዊ ተረድኦ ክህልዎ ይግባእ። ሳልሳይ ነጥቢ ንምልኪ ኣልጊስካ ህዝባዊ ስልጣን ዝሰረቱ ኣገባብ ዲሞክራሲያዊ መሕደራ ምዃኑ ወዓል ሕደር ዘይብሉ ቅድመ ኩነት ምዃኑ ምእማን ህዝቢ ባዕሉ ምንጪ ስልጣን ምዃኑ ይእምት።
ሎሚ እቲ ጨቋኒ ስርዓት ንረብሓ ውሑዳት ሰባትን፥ እቶም ካብ ኣፍንጭኦም ንላዕሊ ኣርሒቖም ዘይጥምቱ ተበለጽቲ ውልቀሰባትን እንተዘይኮይኖም ካልእ ዝተረፈ ኩሉ ደላይ ፍትሕን፥ ልዕልና ሕግን ለውጥን እዩ። ስለዚ እቲ ህዝቢ ንሕጋውነት መላኺ ስርዓት ኣብ ምንጻግ ገጹ ንኸድህብ ዝገብሮ እቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ገለ ካብቲ ተደላይነት ዘለዎ ክማላእ እንከሎ ቀንዲ መፍትሕ ናይ ለውጥን ወናኒ ስልጣንን ክኸውን ዘዳልዎ እዩ። ደንበ ተቓውሞ ግና በዚ ዘለዎ ሓቢሩ ንኸይሰርሕ ተበታቲኑ፥ ኣብ ፍልልያት እምበር ኣብ ሓድሽ ኣተሓሳስባ ናይ ምጥራይ ባህሊ ዘይምድሃቡን፥ ብጽልእን ቅርሕንትን ተዋሒጡ ንዲሞክራሲ ዝርምስ ብምዃኑ፥ ንለውጢ ድሉው ክኸውን ኣይበቕዐን። ብኣንጻሩ መላኺ ስርዓት ኢሳይያስ ንኹሉ’ቲ ኤርትራዊ ተፈጥርኣዊ ሃብቲ ብምግባት፥ ዘውደኽድኹን ፕሮፓጋንዳ ዝነዝሑን ተወናጨፍቲ ካድራትን ናይ ስለያ ምሓውርን ምውናኑ፥ መንአሰይ ንኸይቀስን ዝገብሮ ሽርሒታትን፡ ምብትታን ደምበ ተቓውሞን ኣብ ስልጣኑ ንክቕጽል ዘኽእሎ ጥጡሕ ኣዕኑድ ረኺቡ ኣሎ።
እዚ ከምቲ ቶማስ ጀፈርሶን፡ ‘’ህዝቢ ንመንግስቲ ኣብ ዝፈርሃሉ ምልኪ ወይ ጭቆና ኣሎ፥ መንግስቲ ንህዝቢ ኣብ ዝፈርሃሉ ከኣ ናጽነት ኣሎ፡’’ ዝበሎ፥ እዩ። ስርዓት ኢሳይያስ ተፈሪሁ ክነብር እዩ ዝደሊ፥ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ዳሕረዋይ ማለት መንግስቲ ንህዝቢ ክፈርህ ወይ ክምእዘዝ ኣለዎ ዝብል መትከል ንምትግባር እዩ ዝቃለስ። እዚ እቲ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዘሎ ብቕዓታትን፥ ህዝባዊ መንግስቲ ንምትካል ዘሎ ዕድላትን ብግቡእ መምዩ ህዝቢ ባዕሉ ምንጪ ስልጣን ዝኾነሉ መስርሕ እዩ ከካይድ። ትሕዝቶኡ ድማ እቲ ዝቐውም ስርዓት ወይ መንግስቲ ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር እቲ ህዝቢ ዝደልዮ ተማእዚዙ ንክኸይድ እዩ። ምኽንያቱ መንግስቲ ልዕሊ ሕጊ ክኸይድ ኣብ ዝጅምረሉ፥ ህዝቢ ኣይፋልካን ክብል ዘኽእሎ እቲ ህዝቢ ኣብቲ ዝመሓደረሉ ቅዋም ከስፍሮ እንከሎ እዩ። ምኽንያቱ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ዜጋ ተራ ይኹኑ ሰብ መዚ ብሕጊ ተማእዛዝቲ ምዃኖም ክኣምኑን፥ ዝኾነ ይኹን ሰብ ልዕሊ ሕጊ ከምዘየለ መላእ ሕብረተሰብ ብማዕረ ክርድኦን ክሰርሓሉን ስለዝግባእ።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፥ “ሕጊ ኣኽቢርካ ምኻድ” ዝል ኣምር የኽብር። እዚ ኣብ ቅድሚ ድሌታቶም ብሕጊ ዘይቃንዩ ጸገም ክፈጥር ይኽእል ይኸውን። ምስዚ ከኣ ኣብ ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ሓባራውን ሰናይን ኣብ ዘበለ ሓቢርና ክንሰርሕን ክንስጉምን ኣብ ዝብል መርሆ ይቃለስ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኩሉ ደምበ ተቓውሞ ብሓደ ሃገራዊ ሓልዮት ንኽብገስን፥ ነፍሲ ወከፍ ዝኣምነሉ ፖለቲካዊ ፖኢሲ ሃልይዎ፡ ነቲ ምውዳቕ መላኺ ስርዓት ቀዳምነት ምሃብን፥ ምስቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ህዝቢ ብምትእስሳርን ኣቢሉ ነቲ ዝፈላሊ ፖለቲካዊ ጠለባት ኣብ ህዝቢ ምውራድ ይኣምን። ኣብዚ ንምብጻሕ ግና ነቲ ህዝቢ ምጥርናፍ ዝብል ኣምር ብሃይማኖት ወይ ብብሄር ወይ ብኣውራጃ ኣቢልካ ዘይኮነስ ሓደ ሃገራዊ መንነትን መለልይን ሒዝካ ምብጋስ እዩ ዕምሪ ምልኪ ዘሕጽር። ነዚ ንምግባር ከኣ ንኹሉ እቲ ናብ ክፍኣትን ጥፍኣትን ገጹ ዝወስደና ሓሳባት ኣወጊድና፡ ነቲ ሰናይን ጽቡቕን ንህዝብናን ሃገርናን ክንሰርሕ ምሕላን እዩ። ነዚ ክንበቅዕ ከኣ ሰላም፥ ስምምዕ፡ ሓድነትን ምትሕብባርን የድልየና ጥራሕ ዘይኮነስ ዋላ ምትእምማንና ኣብቲ ዝለዓለ ደረጃኡ ተዘይበጸሐ፡ ሓቢርና ክንሰርሕ ክንሰማማዕን ናይ ግድን እዩ። ከምኡ እንተዘይገርና ስልጣን ዋናኡ ህዝቢ እዩ ወይ ከኣ ባዕሉ ህዝቢ ስልጣን ንክኽውን ምጭራሕ ኣፍኣዊ እምበር ተግባራዊ ኣይከውንን።
እቲ ኣብ ሃገሩ ዝሳቐ ዘሎ ህዝብና ምስቲ ኣብ ደገ ዘሎ ፖለቲካዊ ተቓውሞ ኢድን ጓንትን ክኸውን ኣለዎ። ህዝቢ ባዕሉ ስልጣን ንክኸውን፡ እቲ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዘሎ ደጋፊ ይኹን ተጻራሪ ሓደ ኤርትራዊ ሃገራዊነትን ስምዒትን ኽሕድር ይግባእ። ምክንያቱ እታ ሃገር ናይቶም ዝድግፉን ዝጻረሩን ብማዕረ ትምልከቶምን ትብጽሖምን ብምዃና።
ኣብ ዝሓለፈ 27ን 28ን ጥሪ 2017 መራሒ ህግደፍ ምስታ ኣብ ኤርትራ ብሒታ ዘላ ቲቪ-ኤረ ብድምር ናይ 210 ደቓይቕ ቃለ መጠይቕ ኣካይዱ። እዚ ቃለመጠይቕ ንነዊሕ ግዜ መጸዋዕታን ምቅርራብን ክግበረሉ ዝጸነሐ ነይሩ። ያኢ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ሕቶታት ተመሊሉስ ካብ ወጻኢ ሕቶታት ክኣቱ መጸዋዕታ ክግበር እውን ተዓዚብና። ብዙሓት ከኣ ገለን ብጉርሒ ገለን ከኣ ብገርሂ ሕቶታት ዝጸፍጸፉ ነይሮም። ካብቲ ዘቕረብዎ ሕቶታት ክንደይ ተመሊስሎም ድማ ባዕላቶም ዝጸባጸብዎ እዩ።
ኣቶ ኢሳይያስ መመሪጹ ናይ “እዝን እትን ጥራይ ሕተቱኒ” ድራማ ይሰርሕ ከም ዝነበረ ካብቲ ክሓትዎ እንከለዉ “ኣብቲ ዳሕራዋይ ሕቶ ክንመጾ ኢና” ዝብሎ ዝነበረ ምርዳእ ይከኣል። እቲ እቶም ጋዜጠኛታት እንዳተሸቑረሩን ቀልባዕባዕ እንዳበሉን ዘልዕልዎ ዝነበሩ ዝርካቡ ሕቶታት ልሙድን ሰማዕትን ኣንበብትን ዘደንዘዘ ነይሩ። ኣብ ልምዓት፡ ሓይሊ አለክትሪ፡ ማይ፡ ትሕተ-ቅርጻን ኣባይትን፡ ወሰኽ ደሞዝ ሰራሕተኛታት፡ ጉዳይ ስደት፡ ምስልጣን ሓይሊ ሰብ ዘተኮሩ ነይሮም። ኢሳይያስ ኣብቲ መልሱ ኣብዞም ዝተላዕሉ ጉዳያት ኣዝዩ ከቢድ ጸገምን ሕጽረትን ከም ዘሎ መረጋገጺ ይህብ ነይሩ። ንገሊኦም ዛዕባታትስ ወረ በቲ ድኹም ደረጃ’ውን ኣለዉ ክበሃሉ ከምዘይክእሉ እዩ ዝገልጾም ነይሩ። ህዝቢ ኤርትራ እቶም ኢሳይያስ ኣለዉ ዝብሎም ዝነበረ ጸገማት ከም ዘለዉ መረጋገጺ ኣይደልየሎምን እዩ። ምስቶም ጸገማት ይነብር ስለዘሎ። እቲ “መራሒ ሃገር” ካብ ተባህለ ካብኡ ዝድለ ዝነበረ ካብዞም ጸገማት እቲ መዋጸኦ እንታይ ምዃኑ ምሕባርን ምእማትን ነይሩ። ኢሳይያስ ግና ምናልባት ግዲ “ ዝሰኣነት ኣደ ካብ እምኒ ትጸንዕ” ኮንዎስ እዚ እዩ ኢልካ ዝድህሰስ መልሲ ኣይነበሮን።
ኣቶ ኢሳይያስ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ኣብ ሳዋ ብውሑዱ 10 ሺሕ ክኢላ ዓቕሚ ሰብ ከም ዘብቅዕ ይገልጽ ነይሩ። ጌና እውን ተወሳኺ ዓቕሚ ሰብ ከም ዘድልዮ መዲሩ። “ተወሳኺ ሓይሊ ሰብ ዘድሊ ዘሎ እቲ ዝቐደመ ስራሕ ሒዙስ ተወሳኺ ዓቕሚ ስለ ዘድልየ ድዩ?” ኢሉ ዝሓትት ንስምዒት ህዝቢ ዝውክል ጋዜጠኛ እንተዝርከብ መልሱ እንታይኮን መኾነ? እቲ ምኽንያት ንጹር እዩ ኢሳይያስ ዝጸባጸብ ዘሎ ኣብ ወረቐት ካብ ዝሰፈረ ዝርዝር ናይቶም ናብ ሳዋ ዝወረዱ መንእሰያት እዩ። ብተግባር ግና ሎሚ ንሳቶም ኣበይ ኣለዉ ግና ፈላጢኡ እዩ ዝፈልጦ። ገለን ኣብ መደበራት ስደተኛታት፡ ገለን ኣብ ስደት ዓዲ ጓና ዝሳቐዩ ዘለዉ እዮም። ከምኡ እውን ኣብ ምድረ-በዳታትን ባሕርታትን ዝሃለቑ። ነዚ ዘብቀዖም ከኣ ከምቲ ንሱ ኢሳይያስ ንግዳማውያን ሓይልታት ከላግበሎም ዝፍትኖ ዘይኮነስ፡ እቲ ቀንዲ ጠንቂ ግናይ ምምሕዳሩ እዩ። ከምቲ “ንስኻ ተዘይትደፍኣኒ መን መጽደፈኒ” ዝበሃል።
ሎሚ ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ዓድን ወጻእን ዘሕልፎ ዘሎ ከርፋሕ ህይወት ኣይኮነንዶ ንሕና ዓለም ዝፈልጦ እዩ። ኤርትራውያን መንእሰያት ካብቶም ኣይካብ ትምህርቲ፡ ኣይካብ ሃብትን ሓዳርን ኣጉል ዝተረፉ መንእሰያት ዓለም ቅድሚ ዝስርዑ ምዃኖም ፍሉጥ እዩ። ኣቶ ኢሳይያስ ግና ነዚ ባዕሉ ዝዛረብ ሓቂ ጓስዩ “ ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ስራሕ ዘይፈትዉ። ብናይ ካልኦት ረሃጽ ብዝተረኽበ ገንዘብ ዝሕሽሹ መንእሰያት ኣለዉ” ዝብል ሃየንታ ክዛረብ ሰሚዕና። “ኣብ ኤርትራ ስራሕ እንዳሃለወ ክሰርሕ ዝደሊ መንእሰይ የለን” ክብል እንከሎስ ሰማይ ዝሃገሩ ሰሚዑ ንኣበሃህላይ ዝኣምን ሰብ ክረክብየ ማለቱ ደኾን ይኸውን።
እቶም ሰለስተ ኩነታት ዝሓርበቶም “ክቡር ፕረሲደንት” መውጽእ ኣፎም ዝገበሩ ጋዜጠኛታት፡ ሞያዊ ሪም ኮይንዎም እንተዘይኮይኑ፡ እቲ ዘቕርብዎ ሕቶታት ከም ዘይምለስ ከም ዝዓገቡ፡ ካብቲ ኩነታቶም ምርዳእ ይከኣል ነይሩ። ካብ ከይተላዕለ ዝተርፍ ተላዒሉስ ተዘይተመለሰ ይሓይሽ ብዝብል እዩ ዝመስል ፖለቲካዊ ሕቶታት እውን ወስ ኣቢሎም ነይሮም። ሓደ ካብኡ ምንዳፍ ሓድሽ ቅዋም ዝምልከት ነይሩ። እቲ ኣብ ኢዱ ዋላ ሓንቲ ዘይነበሮ መላሲ፡ ኣቕጣጫ ንምቕያር ብዝመስል መልክዑ ነቲ ቅዋም “ስርዓተ-መንግስቲ” ዝብል ሓድሽ ስም ኣጠሚቕዎ። ከምዚ ዝገብር ዘሎ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣስማት ቅዋም ምቅይያር ዘይኮነስ ዝሰርሕ ቅዋም ይጽበ ከም ዘሎ ጠፊእዎ ኣይኮነን። ብዝኾነ እቲ ነደፍቱ፡ ኣገባባት ኣጸዳድቑኡን ክኽምታእ ዝተታሕዘሉ ቆጸራ ዘይፍለጥን ቅዋም ኣበይ በጺሑ ምስ ተባህል ከም ዓሚ ቀሪብና ኢና ዝብል ካልእ መጠበሪ ቆጸራ እዩ ሂብሉ ሓሊፉ።
እዚ ብኣምለኽቱ ስሙ ንዘይምልዓል “እቲ ሰብኣይ” ዝበሃል መላኺ፡ ከምስል’ኳ “እቲ ወሳኒ ኣተሓሕዛ ውሽጣዊ ጉዳይና እዩ” ዝብል እንተነበረ፡ እቲ ዝበዘሐ ዝተዛረበሉ ግና ቀዳምነቱ ዘይኮኑ ጉዳያት እዩ። እቶም ጋዜጠኛታት ነቲ ሕቶታት ቅድም ዘቤታዊ ደሓር ድማ ዞባውን ዓለማውን ኢሎም ምስረዖም ንቡር ይሃቦም ዝበሃል ኮይኑ፡ ንሱ ዝህቦ ዝነበረ መልሲ ግና ምስኡ ደቂ ሓደ ዜጋ ብምዃንካ ጥራይ ዘሕፍርን ዘሸቑርርን እዩ። ናቱ ኣበር ኣቐሚጡ ካብ ክሊንተን ክሳብ ኤንገላ መርክል፡ ካብ ኣሜሪካ ክሳብ ኣፍሪቃ ክጸርፍን ክዘልፍን ቀንዩ። ኣብ ገዝኡ ዘሎ ጎዱፍ ዘየጽረየስ ናይ ዞባን ዓለምን ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ ክምህር ምፍታኑ ከኣ ብሓጺሩ ዘተዓዛዝብ’ዩ። ዞባውን ዓለማውን ጉዳያት ስለ ዝጸልወካ ብዛዕባኡ ምዝራብ ነውሪ ኣይኮነን። ናትካ ዕዮ ገዛ ከይትግበርካ፡ ብናይ ካልኦት ምውርዛይ ግና ኣብ ትዕዝብቲ ዘውድቕ እምበር ዝህቦ ፋይዳ የብሉን።
ድሕሪ ከምዚ ዓይነት ኩነታት ነቲ ቃለመጠይቕ ኣብ ዝምልከት ምዝራብ ዝተለምደ እዩ። ሰሚዕካዶ ኣይሰማዕካን? ካብቲ ዘረብኡ እንታይ ሓድሽ ነገር ረኺብካ? ካብዚ ተበጊስካ ኣብ መጻኢ እንታይ ሓድሽ ለውጢ ትጽበ? ካብቶም ልሙዳት ሕቶታት እዩ። ዝምልከቶም ሰባት ድማ ከከም ስምዒቶም ይምልሱ። እንታይ ሓድሽ ከምጽ ኢሉ ኢለ ኣይሰማዕኩዎን። ቁሩብ ክሰምዖ ጀሚረ ከምቲ ልሙድ ምህውታት ምስ ኮነኒ ገዲፈዮ። ምስማዕስ ብምሉእ ሰሚዐዮ፡ እንተኾነ “ነዚ ክትግዕታዶ ትርህጻ” ካብ ምባል ሓሊፍካ ዝጭበጥ ትሕዝቶ ኣይረኸብኩሉን፡ ዝብሉ እውን ብዙሓት እዮም። ኣነ ድማ ምስ እዞም ዳሕረዎት ዝበልዎ እየ ዝሰማማዕ።
Harnnet Tigrinia Magazine Issue 53 Dec 16-Jan 17
Tuesday, 31 January 2017 07:05 Written by EPDP Information Officeግርጭት ኣብ መዓልታዊ ስራሓትና ይኹን ምስ ደቂ ሰባት ኣብ እንገብሮ ርክባት ዘጋጥም እዩ። እቲ ግርጭት ብንእሽቶ ይኹን ብዓቢ ጉዳይ ዝለዓል እኳ ይኹን እምበር፡ ኣብ ዘይዕግበትን፡ ንናይ ካልኦት ጸገማት ዘይምርዳእን፥ ኣነ ጥራሕ እየ ነቲ ጉዳይ ዝርደኦ ዝብል ዝተሓላለኸ ድሌታት ምስ ዝውሰኾ ናብ ግርጭት የእትወካ። ምኽንያቱ ኣብ ክብርታት፡ ድሌታትን፡ ረብሓታትን ዝተመርኮሰ፥ ምስ ካልኦት ክመሳሰል ዘይክእል ዝፍጠር ፍልልያት እዩ። ብፍላይ ድማ ኣብ ሃይማኖት፡ ፖለቲካ፡ ወይ እውን ካልእ ዘሎካ እምነታት ዝፈጥሮ ፍልልያት፥ ተጻዋርነት እንተዘየልዩ ኣብ ምስሕሓብ ክእቶ ናይ ግድን ኢዩ። ግርጭት ካብ ስግኣትን፡ ቁጠዐን ዝነቕለሉ ኣጋጣሚታት’ውን ኣሎ።
ግርጭት ብግቡእ ተዘይተታሒዙ ንጥዑይ ዝምድናታት ናብ ጽልእን ተጻባእነትን ክልውጥ ተኽእሎ ኣለዎ። ኣብ ከምዚ ኩነታት እቲ ዝጸንሐ ሰላም፡ ምትእምማንን ስምምዕን ይፈኮስ ወይ ይልሕልሕን እሞ ነቲ ዝነበረ ጥዑይ ዝምድና ይዘርጎ። ነፍሲ ወከፍ ኣብ ግርጭት ዝኣተው ኣካል ከመይ ይዋስኡ ከኣ ነናቶም ዝተፈላለዩ ጠመተን ተረድኦን ይውንኑ’ሞ ኣብ ክረዳድእሉ ዘይክእሉ ደረጃ የብጽሖም። ስለዚ ግርጭት ንኹሉ ሸነኽ ዘዕግብ ስምምዕ ክብጻሕ ኣብ ዘይከኣለሉ ወይ እውን ክልቲኡ ተሰሓሓቢ ወገናት ነቲ ግርጭት ኣብ ክንዲ ናይ ተዓዋቲ-ተዓዋቲ ናይ ተዓዋቲ-ተሰዓሪ ፍታሕ ምስ ዝጽበዩ ናብ ተሪር ጐነጽ የድህብ።
እቲ ዘጓንፍ ግርጭት ብሃናጺ ኣገባብ ፍታሕ ክርከብ እንተኾይኑ፥ ክልቲኡ ዝገራጮ ኣካላት ንሓባራዊ ረብሓ ቀዳምነት ምስ ዝህብ ምትእምማን ይፈጥር፡ ምሕዝነት ይድልድል፡ ቀጻሊ ርክባትን ሓባራዊ ድሌታትን ይወሃሃድ። ምስ እዚ እውን ኩሉ ሸነኽ ተዓዋቲ -ተዓዋቲ ናብ ዝብል ሓሳብ ይዝንብልን፡ ሕድገታት ይቕበልን። ብኣንጻሩ ካብ ጸቢብ ኣተሓሳስባን፡ ናይ ውልቂ ረብሓን፡ ብምንቃል ዝግበር ናይ ግርጭት ኣፈታትሓ ኣሉታዊ ውጽኢት ጥራሕ ዘይኮነስ እቲ ዝጻረሮ ሸነኽ ክሰዓር ወይ ክዓኑ ብዝብል፡ ኣብ ውልቀ መጥቃዕትን ጽልእን ገጹ የዘንብል። እቲ ፍታሕ ከኣ በቲ ንሱ ዝደልዮ ጥራሕ እምበር ናይ ሓባር መልክዕ ከትሕዞ ኣይህቅንን። ኣብ ከምዚ ኩነታት ኣብ ግርጭት ወይ ኣብ ፍልልያት ዝኣተዉ ወገናት ነቲ ግድል ሓባራዊ ግድል ምዃኑን ኣብ ምፍትሑ ከኣ ሓባራዊ ረብሓ ምህላዉ እንተዘይኣሚኖም እቲ ግርጭት ብድሌት ሓደ ሸነኽ ጥራሕ ክፍታሕ ኣይክእልን እዩ።
በዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ምኽንያታት እምበኣር፥ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ግርጭት ዝኣተወ ወገን፡ ናይ ጠቕምን ሓሳብን ፍልልያት ስለ ዝህልዎ ግርጭት መወዳእታ የብሉን። ንፍልልያትን ግርጭታትን በቲ እወንታዊ ሸነኹን ኣገባቡን ከመይ ይምእከልን፡ ንኹሉ ብዘርብሕ እወንታዊ ለውጢ ከምጽእ ዝኽእል ተጸዋዊርካን ተኸኣኢልካን ፍታሕ ንምንዳይ ክገትኣና የብሉን። ናብዚ ንምብጻሕ ግን ብናትካ ወይ ብጉዳይካ ጥራሕ ኣብ ክንዲ ምሕሳብን፥ ኣብ ህልውን ግዚያውን ጥርይ ምጥማት፡ ኣብ መጻኢ እንታይ ክፍጠር ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ።
ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ ዘጋጥም ግርጭት ንምእላይ ህዝቢ ጉዳዩ ስለዝኾነ ክነቕሓሉን ክዋሳኣሉን ይግባእ። እዚ ከኣ ሰልፍታት፥ ስቪላዊ ማሕበራትን፥ መራኸቢ ብዙሃንን ናተይ ኢሉ ብጥብቂ ከጽንዖምን ክከታተሎምን ሓላፍነቱ ምዃኑ ክኣምን ኣለዎ። ምኽንያቱ እቲ ቀንዲ ፍልልያትን ክሳብ ኣብ ግርጭት ዘእቱ ምፍሕፋሓትን ካብዞም ዝተጠቕሱ ሰለስተ ትካላት ዝንቅል ዘይምርድዳእ እዩ። ፖለቲካዊ ሰልፍታት ምስ ስቪላዊ ማሕበራት ክወዳደራ እንተኾይነን እዚ እቲ ቀንዲ ግርጭት ዝለዓለሉ’ዩ። መራኸቢ ብዙሃን ነቲ ጭቡጥ ዝኾነ ኩነታት ናብ ህዝቢ ከቃልሖ እንተዘይበቒዑ ፍሕፍሕ ኣብ መንጎ ሰለስቲኡ ክርከብ ናይ ግድን እዩ። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ሽግራት ወይ ፍልልያት ክፍታሕ እንተኾይኑ ህዝቢ እዩ ቅኑዕ ፍርዲ ክህብ ዝግበኦ። ነዚ ንክበቅዕ ከኣ ካብ ኣድልዎን ሻርነትን ድሑር ዝምባሌታትን ስምዒታትን ናጻ ክኸውን ይግባእ።
ልክዕ ኢዩ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ ጨቋኒ ስርዓት ሃገርና ጠንጢንና ናብ ስደት ክነምርሕ ንግደድ ምህላውና ዘይከሓድ ሓቂ እዩ። እቲ ናብ ስደት ገጹ ዘምርሕ መንእሰይ ንድሕሪት ተመሊሱ በጃ ሃገሩን ህዝቡን ክስለፍ ይትረፍ፡ ነቲ መሰሉ ዝገፈፎ ስርዓት ኣብ ምግጣም እጃሙ ካብ ምብርካት ዛሕቲሉ ኣሎ። ነዚ ስንኩፍ ጎኑ ንምሽፋን ከኣ ኣብቶም ቅድሚኡ ተቓልሶም ሃገር ዘውሓሱ መዓት የውርድ። እዚ ንገዛእ ርእሱ ፍታሕ ዘድልዮ ግርጭት’ዚ ኣብ መንጎ ገዲምን ሓዲሽን ዝፍጠር ዘይምርድዳእ፥ ስልጣን እቲ ጨቋኒ ስርዓት ክናዋሕ ናይ ግድን እዩ። መንአሰይ መሰሉ ስለዝተገፈ ኣብ ሃገሩ ቅሳነት ረኺቡ ብሰላምን ናጻን ክነብር ኣይከኣለን። ንከምዚ ዝዓይነቱ ስርዓት ንመሰሉ ክብል ኣብ ውሽጢ ኮይኑ ዝቃለሰሉ ዕድል ምስ ሰኣነ ናብ ደገ ገጹ ጠሚቱ፡ ኣብ ደገ ምስ ወጸ ከኣ፡ እዞም ዓበይቲ ኣይሰርሑን፥ ውድባት ኣይረብሓን እናበለ ተስፋ ዘቑርጽ ጭረሖታት ብምጭራሕ እቲ ስልጣን ጨቢጡ ዘሎ ስርዓት ብኮራርምቱ ክስሕቕ ዕድል ረኺቡ ኣሎ።
እቲ ዘጋጥም ዘሎ ግርጭትን ምስሕሓብን ናይ ሓደ ክፍሊ ሕብረተሰብ፡ ውልቀሰብ ወይ እውን ናይ መንፈሳዊ ትካል ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ናይታ ሃገር ብመላኣ ሽግር እዩ። ኣብ ኤርትራ ዲሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ይኹን ውደባ ተዓፊኑ ህዝቢ ከምድላዩ ከይዛረብን ከይቃወምን መስሉ ተገፊፉ ስለ ዘሎ፡ እቲ ግርጭት ናይ መላእ ህዝቢ ኤርትራ እምበር ናይ ውሱናት ከምዘይኮነ ርዱእ እዩ። ነዚ ግርጭታትን ፍልልያትን ናይ ሓባርና ሽግር ምዃኑ ምእማን ከም ቅድመ-ኩነት ክሰፍር ዝግበኦ እዩ። ነዚ ዘብቅዕ ነቲ ጸገም ካብ ሱር መሰረቱ ምሒዩ ቅኑዕ ፍታሕ ዘረክብ ሃገራዊ ዘተን ዕርቅን ክህልወና ምእንቲ፥ ካብ ባሓትን ኣግላልን ኣተሓሳስባ ወጺኣና፥ ይምልከተኒ እዩ ንዝብል ኩሉ ወዲ ሃገር ዝሳተፈሉ፡ ካብ ናተይ ጥራሕ እዩ ቅኑዕ፥ ናብዚ እተዉ ወይ ተጽንበሩ ወይ ንዓይ ስምዑ ዝዓይነቱ መላኺ ቋንቋ ናጻ ኮይኑ ዋናታትን ሰብ ብርኪ ናይቲ ውጽኢትን ክንክወን ዝኽእል ዘተን እንካን ሃባን ምፍጣር መሰረታዊ መፍትሒ ናይ ሽግራትና እዩ።
በይ ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ብምክንያት ግዳያት ዜጋታትና ዘተስምዖ መሪር ሓዘን ይገልጽ!!
ንስድራቤት መወትን ንምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ጽንዓት ይሃበና ይብል።
እዚ ተድጋጋሚ ዘየዕርፍ ስደትን ህልቂትን ከም ዘለዎ እንተቀጺሉ እታ ከም ሃገር ዕትብትና ዝተቀበረላ መሬትና እውን ከይንስእና ዘጣራጥር እዩ። ንምታይ’ሲ ተካኢ ወለዶ ከም ዘለዎ እንተ ጸኒቱን ካብ ሞት ዝድሐነ ድማ ኣብ ስደት ኾይኑ ብዛዕባ እታ ትጠፍእ ዘላ ሃገሩ ብሕልና እንተ ዘይሓሲቡን፡ ታርክ ዘውርሱ ኣያታትን ኣቦታትን ኣብ ስደትን ኣብ ዓድን ቀዲሞምና እንተ ከይዶምን ሃገርና ክንስእና ኢና። እዚ ንሃገርን ህዝብን ዘጽንት ዘሎ ስርዓት ከም ኩሎም ግዛእቲ ደርብታት ክሓልፍ እኻ እንተኮነ ቅድሚ ናቱ ዕድመ ዕድመ ጥፋኣት ሃገርና ይቅድም ኣሎ እሞኸ? ስቕታና ከምዚ ድዩ ክቅጽል ? ወይስ ካብቲ ንጥፋት ሃገርናን ህዝብናን ታሓትቲ’ዩ ንብሎ ዘሎና ስርዓት ስቅታናን ኣብ ጥፍኣት ሃገር ማዕሪ ከየሕትተና እቶም ንፍትሕን ለውጥን ንድሊ ንኩሉም ድሑራት ኣራኣእያታትን ኣታሐሳስባታትን ወጊድ ኢልና ምእንቲ ድሕነት ሃገርን ህዝብን ክንልዓልን ዘተረፈ ህዝብና ካብ መንጋጋ ዓማጺ ሰርዓት ህግደፍ ክነድሕኖን ሰዓቱን ግዚኡን እዩ። እዚ ዓማጺ ሰርዓት እዚ ንእስላማይ ክርስትያናይ፡ ከበሰታይ ቖላታይ፡ ብዘይ ኣፍላላይ ብጅምላን ብማዕረ ዝጭፍጭፍ ዘሎ ኣረሜናዊ ሰርዓት ከምኻኑ መጠን !! ነቶም ንሱ ዝጥቀመሎም መሕብኢ ባዓቲ ድሕረት ኣፍሪስና ብሐድነት ብምጥማር ፍትሐዊትን ዲሞክራስያዊትን ኤርትራ ኣብ ልዕሊ መቃብር ዓመጽታ ክንተክላ ሕልናዊ ሓላፍነት ኣሎና።
ሰለዚ እምበኣር’ዩ በይ ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ልውጢ ወትሩ በቲ ንኩሉ ኤርትራዊ ደላይ ለውጢ ፍልልያቱ ብዘይገድስ ዝሰርሓሉ ህዝባዊ ማዕበል ንለውጥን ድሕነት ህዝብን ዓቅሙ ዝፈቅዶ ከይትሐለለ እጃሙ ዘበርክት ዘሎ። በይ-ኤርያ ምስ-ኩሉ ደላይ ለውጢ ኣበየናይ ኩርናዕ ዓለም ብዘየግድስ ህዝብና ካብ ዝጋጥሞ ዘሎ ተዳጋጋሚ ህልቂት ንምደሓን ንለውጢ ምስ ዝቃለሱ ክቃለስ ቁሩብ ምኻኑ ይገልጽ።
ኩሉ ድሕሪ ድሕነት ሃገር!!
ሐድነት’ዩ መንገዲ ድሕነትና!
ዝኽሪ ንኩሎም ሰማእታትና!!
በይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ
1/19/17
ዓለምና ብክልተ ተጻረርቲ ነገራት ዝቖመት ምዃና ንኹልና ብሩህ እዩ። እዚ ተጻረርቲ ገሊኡ ናብ ጐነጽ፥ ገሊኡ ከኣ ናብ ሰናይ ነገራት ዝውዕል እዩ። እዚ ተጻረርነት ኣብ ኩሉ ከም ዝርከብ ንምብራህ እዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ምጥቃስ ይከኣል። ኣብ ምሕደራ ወጻዕን ተወጻዕን፥ ኣብ ኩነታት ኣየር ሙቐትን ዛሕልን ... እናበለ ዝኸይድ እዩ።
ኣብ ሓደ ለውጢ ንምምጻእ ዝግበር ቃልሲ እውን ከይተረፈ ክልተ ተጻረርቲ ክህልዉ ናይ ግድን እዩ። እቲ ሓደ ብናተይ ሓሳብ ተመርሑ ክብል፥ ብካልእ ሸነኽ ከኣ የለን ብናይ ሓባር ኣተሓሳስባ ንመራሕ ኣብ ዝብል። ከምኡ እውን ንዲሞክራሲ ዝቕበልን ምልኪ ዝመርጽን፥ ሓቢርካ ምስራሕን በበይንኻ ክትከይድ ምድላይን፥ ውዱብ መንገዲ ዝድግፍን ውልቃውነት ዘምልኽን፥ ብሕጊ ዝቕየድን ልዕሊ ሕጊ ክኸውን ዝደናደንን ... ወዘተ ዝኣመሰሉ ንጽጽራት፡ ምስቲ ባህሪ ዝፈጥሮ ጠባይ ተደሚሮም ዝፈጥርዎ ምፍሕፋሓት ውጽኢት ናይዚ ክልተ ተጻራሪ ጉዳያት እዩ። እዚ ውጽኢት እዚ ሃናጽን ኣዕናውን ናይ ምዃን ባህሪ ኣለዎ። ንኣብነት ማይ ብክልተ በበይኑ ዝቁምነገሮም ሃድሮጅንን ኦክሲጅንን ዝምስረት እዩ። ናይዚ ተጻራርነት ውጺኢት ዝኾነ ማይ ኣብ ህልውናና ወሳኒ ክኸውን እንከሎ፡ ኣመና ምስ ዝበዝሕ እሞ መዕገቲ እንተዘይገርካሉ ከኣ ሓያል ውሕጅ ኮይኑ ከቢድ ጉድኣት የውርድ።
እዚ ተጻራሪ ኣተሓሳስባ ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ እውን ይንጸባረቕ እዩ። ንርእይቶ ብዙሓት ተቐቢልካ ከተብቅዕ፡ ንርኢቶኻ ከኣ ብሕጋዊ መንገዲድን ብውሕልነትን ንኹሉ የርብሕ ዲዩ ኣየርብሕን ከይመመኻ ምቕራብ ናብ ጐነጽን ግርጭትን ዘምርሕ ኢዩ። ውድባት ካብ ከምዚ ኣምር ናጻ ስለዘይኮና ወትሩ ምፍሕፋሓት የጋጥመን። ምስ እዚ ኹሉ ግና ህላዌ ፖለቲካዊ ውድባት ከም ናይ ቃልሲ መሳርሒ ኣገዳሲ እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ፖለቲካዊ ንጥፈታት ዝሳተፍ ኣካል ሓላፍነት ወሲዱ ዝቃለሰሉ መስርዕ ስለ ዝኾነ። ካብዚ ሓሊፉ ብናይ ሓባር ሓላፍነትን ኣበርክቶን ናብ ናይ ሓባር ዓወት ስለ ዝወስድ። እዚ ዝኸውን ግና፡ በቲ ቅኑዕ ትርጉም ፖለቲካ፡ ፖለቲካ ንኣገባብ ምሕደራ፡ ፖለቲካውን ቁጠባውን ኣብ ምትእስሳር ዝሕግዝ ስነፍልጠት ምዃኑ ገርና ምስ እንርድኦ እዩ። ምሕደራ ክበሃል እንከሎ ፖለቲካን ቁጠባን ኣወሃሂዱ እምበር፡ ፈላልዩ ከመሓድር ምስ ዝፍተን ቅሳነት፡ ናጽነትን ፍትሕን ይጠፍእ እዩ። ስለዚ ነዚ ፖለቲካውን ቁጠባውን ጥምረት’ዚ ክወሃሃድን ህዝቢ ብዘይጭቈነሉን ዘይምዝመዘሉን ኣገባብ ንምትላም ድማ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ስቪላዊ ማሕበራትን ተሓጋጊዘን ንዲሞክራሲያዊ መትከልን ኣተሓሳስባን ከተባብዓ ዓቢ ገደ ኣለወን።
ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ውድባትን ዲሞክራሲያዊ ኣተሓሳስባ ዝውንናን ንሓባራዊ ፖለቲካዊ ስምማዓትን ድሌታትን ኣብ ግብሪ ንምውዓል ኣብ ስልጣን ንዝፍጠር ቁርቁስን ምስሕሓብን ሰላማውን ዲሞክራሲያውን ኣገባብ ተጠቒመን መልክዕ ብምትሓዝ ይመርሓ። እዚ ከኣ ዓበይቲ ጉዳያት ህዝብን ሃገርን ሰላማውን ዲሞክራሲያውን ኣገባብ ተኸቲልካ ብምኻድ ኣተዓራቒ መንፈስን ዲሞክራሲያዊ ኣተሓሳስባን ክድንፍዕ ይሕግዝ። ግርጭት ክለዓል እንከሎ እውን መንፈስ ናይ ምርድዳእን ነቲ ግርጭት ተጸዋዊርካ ብሓባር ናይ ምፍታሕ ዕግበትን ይሃንጽ። ካብዚ ወጻኢ ኣብ ዝኽየድ መንገዲ፡ እቲ ኣብ ምስሕሓብ ረብሓ ዘለዎ ወገን ነቲ ፍታሕ ክቕበል ድልው ስለዘይከውን ነቲ ዲሞክራሲያዊ መስርሕ ኣይመርጾን። በዚ ዝኣክል ኣብ መንጎ ሕድሕድ ሰልፍታትን ኣብ ወውሽጠንን ፍልልያት ክህሉን ክርአን ውሁብ እዩ።
ኣብቲ ዝፍጠር ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልያትን ምፍሕፋሕን ሓደ ካብቶም ተዋሳእቲ ነቲ ኩነታት ኣብ ረብሓኡ ከውዕሎ እሞ ኣተሓሳባኡ ቅኑዕ ንሱ ድማ ዘይጋገ ኮይኑ ክቐርብ እንተ ተመጣጠረ ርዱእ እምበር ዘሰንብድ ኣይከውንን። እቲ ናብዚ ክበጽሕ ዝመርጾ መንገዲ ግና ደሞክራሲያዊ ድዩ ኣይኮነን ከዛርብ ይኽእል። ካብዚ ጥዑይ መንገዲ ወጺእካ ብስዉር ይኹን ብግሉጽ መንገዲ፡ ከምቲ ምስላ ዓረብኛ ’’ደረበኒ በካ ዎ ሰበቐኒ እሽተካ’’ ማለት ሃሪሙኒ በኽዩ ቀዲሙኒ ጠሪዑ ዝብሎ’ዩ ዝኸውን። እዚ ኣካይዳ መሰረታዊ ብዘይኮኑን ሓድነት ብዝሃስዩን ስምዒታት ክስነይ እንከሎ ከኣ ሃሳይነቱ ዝያዳ ይዓርግ። እቲ ኣዝዩ ዝጐድእ ከኣ ሓደ ኣካል ንገዛእ ርእሱ ልዕሊ ሕጊ ክሰርዕን ንደሞክራስያዊ ዝምድና ኣብ ምልክት ሕቶ ከተእትውን ክትፍትን እንከሎ እዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ዝካየድ ኣሉታዊ ጐስጓሳት ብዙሓት ዘይሓቀኛታት ክንሶም ቅኑዓት መሲሎምን ተጠሚዚዞምን ዝቐርቡ ዛዕባታት ንግዜኡ ቦታ ክረኽቡ ይኽእሉ። ዘይሩ ዘይሩ ሓቂ ሓቂ ሓሶት ድማ ሓሶት ካብ ምዃኑ’ኳ ዘይተርፍ እንተኾነ ዝገድፎ ስንብራት ግና ቀሊል ኣይከውንን።
ዘሎናዮ እዋን እምበኣር ምስግጋር ካብ ምልኪ ናብ ዲሞክራሲ ስለዝኾነ፡ ኩሉ ወገናት ዲሞክራሲ ብማዕረ ዝብጽሖ ምዃኑ ምእማን ብተግባር ክሕለቐሉ ናይ ግድን ይኸውን። ምኽንያቱ እቲ ነዚ ዲሞክራሲ ዝጠልቦ ሕግን ምእዙዝነትን ጥሒስካ ምኻድ ዘስዕቦ ፍንውነት፥ ነቲ ሓቢርካ ብሰላም ናይ ምንባር ህይወት ስለ ዝዘርጎ።
ኤርትራ ሓደ ካብ’ቶም ኣብነታውያን መራሕታ ዶር. ሃብተ ተስፋማርያም ኣፋንያ !!
Sunday, 22 January 2017 14:04 Written by ፈጻሚ ኣካል ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ።
ጽኑዕ ተቓላሳይ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን !
ስድራ ቤት ስዉእን መላእ ኣባላት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራን!
ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይልታትን ሃገራውያን ባእታታትን!
ኤርትራውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም!
ኣዕሩኽን መሓዙትን ተቓላሳይ ህዝቢ ኤርትራ።
ሓርበኛ ተቓላሳይ ዶክቶር ሃብተ ተስፋማርያም፣ ኣቦ መንበር ፈጻሚ ኣካል ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ፣ ብዓርቢ ኣጋምሸት ዕለት 13 ጥሪ 2017 ድሕሪ
ነዊሕ ሕማም ብማስዋእቲ ካብ’ዛ ዓለም ተፈሊዩና። መስዋእቱ ዝሕደጎ ዓሚቚን ከቢድን ሓዘን፣ ፊደላትን ቃላትን ጥራይ ዝገልጽዎ ኣይኮነን። ፈጻሚ ኣካል ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ንኩሉኹም ሃገራውያን ሕሱም ኣይትርከቡ ይብል።
ኣብ’ዚ ህልዊ ጽንኩር መድረኽ ቃልሲ’ዚ፡ መስዋእቲ ናይ’ቲ ዕድመኡ ብምሉኡ ምእንቲ ህዝቡን ሃገሩን ዘሕለፈ ክቡር ተጋዳላይን ሙኩር መራሕን ዶክቶር ሃብተ ተስፋማርያም፣ ንህዝቢ ኤርትራን መላእ ሃገራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስያዊ ለውጥን ዓቢ ክሳራ’ዩ። ስዉእ ዶክቶር ሃብተ ተስፋማርያም ኣብ ኩሉ ዝተሳተፈሉ ዓውደ ተጋድሎ፡ ገስጋስ ሃገራዊ ራእይን ጽኑዕ ሃገራዊ ሓድነታዊ መርገጻትን ዘመስከረ ሓርበኛ ኢዩ። ኣብ ሃገራውን ኣህጉራውን መጋባእያታት፣ ጉዳይ ፍትሓዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትር ኣብ ምልላይ ዘይካሓድ ጭቡጥ ልዑል ግደታት ኣበርክቱ’ውን’ዩ።
ኣብ’ዛ ሓጻር ህሞት’ዚኣ ገድላዊ ኣበርክቶታት ስዉእ ዶር. ሃብተ ምዝርዛሩ ኣይከኣልን’ዩ። እንዳውን ኣውራጃውን ከምኡ’ውን ካብ ጉጅላውነትን ኣተሓሳስባን ኣሰራርሓን ሓራ ብምንባሩ፡ ኩሉ ዘይኽሕዶ፣ ፈታንን ጽንኩሩን ተረኽቦታት ዘየንቕንቖን፡ ካብ መትከላቱን፣ ኣብ ሓርነትን ዲሞክራስን መሰላት ህዝቡን ፈልከት ዘይብልን ተሪር ሓላዪ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራን ጽኑዕ ተጋዳላይን መራሒን ነበረ። ፈታዊ ህዝቡን ሃገሩን ስለ ዝነበረ፡ ኩቡር ጅግንነታዊ መስዋእቲ ከፈለ። ሰለዝኾነ ካኣ፣ ምስ’ቲ ነታ ኣብ ምምራሓ ዓቢ እጃም ዝነበሮ፣ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዘጋጠማ ጽንኩርን ዝተሓላለኽን ብድሆታት ንምስጋርን፣ ሃገራዊ መትከላታ ኣብ ምዕቋብን፣ ክሳብ ዕለተ መስዋእቱ ብጽንዓት ክቃለስ ጸኒሑ’ዩ። ሓዲጉልና ሓሊፉ ዘሎ ዓቢ ታሪኽ፡ ናይ መላእ ህዝቢ ኤርትራን ተቃለስቲ ደቁ ሓይልታቱን ገድላዊ ተውፊት ከም ምዃኑ መጠን፡ ኣብ ረብሓ ዲሞክራስን ሓርነትን ሰላምን ማዕርነትን ህዝቢ ኤርትራ ንምውዓል፡ ኣብዚ ዘለናዮ መድረኽ ምእንቲ ዲሞክራስያዊ ለውጢንምርግጋጽ እንካይዶ ዘሎና ተጋድሎ፡ ብቐዳምነት ምውዳቕ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ንምቕልጣፍን፡ ዲሞክራስያዊት ኤርትራ ንምህናጽን ጥጡሕ ሰላማዊ ዲሞክራስያዊ ባይታ ንምምድማድን፡ መዕጥቖ ቃልስና ሸጥ ኣቢልና፡ መሳርዕን ናውትን ተቓውሞ ሓይልታት ንምጥርናፍ ክንዲ ዝተኽእለና ምስ ኩሉ ክንቃለስ ምዃና ነረጋግጽ።
ሓጺር ታሪኽ ሂወት
ስዉእ ዶክቶር ሃብተ ተስፋማርያም
ስዉእ ዶር. ሃብተ ብ16 ሓምለ 1943 ኣብ ዓዲዃላ ተወለደ። ናብ ኣስመራ ብምጒዓዝ ትምህርቱ ክሳብ ካልኣይ ደረጃ ኣሰላሰለ። ድሕሪኡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ምስልጣን መማህራን (TTI) ቀጸለ። ድሕሪ ምምራቑ፣ ንሓጺር ግዜ ከም መምህር ኮይኑ ኣገልገለ። ላዕላዋይ ደረጃ ትምህርቱ ንምቕጻል ናብ ኢትዩጵያ፣ ከተማ ሃረር ብምኻድ፣ ኣብ ኣላማያ ኮለጅ ቨትሪናሪ ተማሂሩ። ትምህርቱ ንምቕጻል ናብ ፖላንድ ገይሹ። ኣብ ዋርሶ ዩነቨርሲቲ ኣብ መዳይ ስነፍልጠት ቨትሪናሪ ብማስተረይት ተመረቐ። ድሒሩ ኣብ ጀርመን ኣብ በርሊን ዩኒቨርሲቲ ኣብ ቨትሪናሪ PHD ብዝላዓለ ደረጃ ረኸበ። ንውሱን ግዜ ድማ ከም ተሓጋግዚ ፕሮፈሶር ኮይኑ ኣብ’ቲ ዩኒቨርስቲ ኣገልገል።
ስዉእ ዶር. ሃብተ ኣብ ሃገራዊ ዕዮ ኣንጊሁ ተሰለፈ። ኣባል ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ ኔሩ። ናብ ኤውሮጳ ምስ ተሳፈረ፡ ሃገራዊ ንጥፍታቱ ኣብ ክሊ ምንቅስቓስ ተማሃሮ ብምቕጻል፡ ዓቢ ሃገራዊ ተራ ተጻወተ። ምንቅስቓስ ተማሃሮ ኤርትራውያን ኣካል ምንቅስቓስ ተማሃሮ ኢትዮጵያ ዘይኮነስ፡ ርእሱ ዝኻኣለ
ናጻ ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንምዃን ካብ ዝቃለሱ ዝነበሩ ልሉያት ሃገራውያን ነበረ። ስለዝኾነ ካኣ ሓደ ካብ’ቶም መስረቲ ጠቕላላ ማሕበር ተማሃሮ ኤርትራ ኣብ ኤሮጳን ቀዳማይ ኣቦ መንበሩን ኮነ። ኣብ’ቲ መዋእል’ቲ ስሙር ምንቕስቓስ ተማሃሮ ብዘይምንባሩ፣ ብፍላይ ድማ ኣብ መንጎ ምንቅስቓስ ተማሃሮ ኣብ ካይሮን ኣብ ባግዳድን ተመቓቒሉ ብምጽንሑ፣ ነዚ ንምእላይ ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ጻዕርታት፣ እጃሙ ንምብርካት ንካይሮ ገሸ። እቲ ጻዕርታት ስለ ዝተዓወተ ድማ ኣብ ባይቶ ሶርያ ኣብ ከተማ ዳማስቆስ ዝተጋበአ መስራቲ ጉባኤ ጠቕላላ ማሕበር ተማሃሮ ኤርትራ ተሳተፈ። ከምኡ’ውን ንሃገራዊ ዕዮ ብዝምልከት፣ ናብ ሃገራት ዓረብ ኣብ ዝመላለሰሉ ዝነበረ ጊዜ፡ ምስ ኣቦ መንበርን ኣባላትን ላዕላዋይ ባይቶ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ብቐጻሊ ይራኸብ ነበረ።
ህዝቡን ሃገሩን ኣብ ቀዳማይ ቦታ ይሰርዕ ብምንባሩ፣ ሃገራዊ ቃልሱ ንምብራኽ፣ ኣብ 1975 ዓ.ም. ንሜዳ ተሰለፈ። ኣብ ወርሒ ግንቦት 1975 ኣብ ዝተጋበአ 2ይ ሃገራዊ ጉባኤ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣባል ሰውራዊ ባይቶ ኮይኑ ተመረጸ። ቀጥታ ድሕሪ ጉባኤ፣ ከም ሓላፊ ቤት ትምህርቲ ካድር ኮይኑ ተመደበ። ድሒሩ ኣብ’ቲ ብስዉእ ተጋዳላይ ኣዜን ያሲን ሸይኸዲን ዝምራሕ ዝነበረ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ዝምድናታት ከም ሓላፊ ዓንኬል ኣፍሪቃን ኤውሮጳን ኮይኑ ተመደበ። ፍትሓዊ ጉዳይ ኤርትራ ኣብ ኣህጉራዊ ዓውዲታትን ኣህጉራዊ ውድባትን ንምብጻሕ ልሉይ ግደ ነበሮ።
ከምኡ’ውን ስዉእ ዶር. ሃብተ ምስ ናይ ነዊሕ ዓመታት ዝኾነ ብጻዩ ዶር. ዩሱፍ ብርሃኑ ኮይኑ ሓደ ካብ’ቶም መስረቲ ማሕበር ቀይሕ መስቀልን ወርሕን ኤርትራ’ዩ። መግዛእታዊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብስንኪ ዝፍጽሞ ዝነበረ ግፍዕታት፡ ካብ ዓዲታቶም ንዝተመዛበሉን ዝተሰደዱን ኤርትራውያን ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣብ ሓራ መሬት ብምዕቋብ ስቕያቶም ኣብ ምቅላል ስዉእ ዶር. ሃብተን መሳርሕቱን ኣገዳሲ ተራ ነይርዎም። ኣብ ርእሲ’ዚ ኣብ ትካል ሕቡራት ሃገራት ዮነስኮ ዓቢ ጻዕሪ ብምክያድ፡ ኣብ ከሰላ ንስደተኛታት ዝኸውን 2ይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ኣብ ምኽፋት ወሳኒ ተራ ከም ዝነበሮም ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ ኢዩ።
ስዉእ ዶር. ሃብተ ተስፋማርያም፣ ኣብ ጉዕዞ ተጋድሎኡ ኣብ ሓያሎይ ሓላፍነታት ተመዲቡ ዓቢ ሃገራዊ ኣስተዋጽኦ ዘበርከተ ተቓላሳይ ኢዩ። ኣብ መወዳእታ፡ ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጥን፣ ካብ 2014 ኣትሒዙ ድማ፣ ኣቦ መንበር ፈጻሚ ኣካል ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራን ኮይኑ ክሳብ ዕለተ መስዋእቱ ገድላዊ ዕማማቱ ብተፋይነት ዝፈጸመ ሓርበኛ ኢዩ።
ስዉእ ዶር. ሃብተ በዓል ሓዳር ኮይኑ ካብ ወይዘሮ ኣድያም ተኽሊት ሓንቲ ጓል (ዶክቶር ሚሌን)ን፡ ክልተ ኣዋዳትን ሰነድን ስሄልን ወለደ።
ሙሉእ ዕድመኡ ዝኸፈለሉ ሃገራዊ ዕላማታት ክሳብ ዝረጋገጽ፡ ኣሰሩን ኣሰር ኩሎም ጀጋኑ ስዉኣትናን ብምሓዝ ጎዕዞ ተጋድሎና ንቕድሚት ክሳብ ዓወት ኪንምርሽ ምኹንና ቃልና ነሕድስ።
ዝኽርን ዘልኣለማዊ ክብርን ንጀጋኑ ስዉኣትና !!
ፈጻሚ ኣካል ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ።
20/1/2017
እነሆ ሎሚውን ልክዕ ከምቶም ቀዳሞት ዝሓለፉ ብጸቱ ፡ ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ኣብ መሪር ተጋድሎ ዝዓበየ ፡ ክሳብ ዕለተ ዕረፍቱ ንተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ ቀዳማይ ቦታ ሰሪዑ ፡ ናይ ቃልሲ ዕጣቑ ከየውረደ ዝጸንሐ ልዑልን ጽኑዕን ተቃላሳይ ዶክተር ሃብተ ተስፋማርያም ወዲ ጎሞራ ኣቦ መንበር ሃገራዊ ድሕነት ፡ ብሕማም ምኽንያት ብሞት ክፍለየና ከሎ ዝተሰማዓና ስንባደን ሓዘን ደረት የብሉን ። መስዋእቱ ንተጸባያይ ፍትሒ ንዝኾነ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ዘይተጸበዮ ዓቢ ክሳራ እዩ ።
ስዉእ ተጋዳላይ ዶክተር ሃብተ ተስፋማርያም ወዲ ጎሞራ ዋላውን ካባና ካብዛ ዓለም እዚኣ እንተተፈለየ ፡ በቲ ኣብ ሃገራዊ ሓርነታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ ዘበርከቶ ምእንቲ መሰልን ፍትሕን ራህዋን ንምርግጋጽ ዘሕለፎ መሪርን ነዊሕን ናይ ቃልሲ መዋእል ብኹሎም ወሎዶታት እናተዘከረ ክነብር እዩ ።
ነታ ኣንጊሁ ሰናይ ዝሓለመላ ሃገሩ ንኽቃለሰላ ኢሉ ዝወጸ ፡ ተመሊሱ ከይረኣያ ፡ ብደገ ደጊኡ ክስዋእ ከሎ ንበዓልቲ ቤቱን ንደቁን ንመላእ ዓጽመ ስጋኡን ንተቃለስቲ ብጾቱን ዝወረደ ከቢድ ሓዘን ንሕና ኣባላት ኤርትራዊ ደሞክራሲያዊ ማሕበር ኣብ ጀርመን ብምሉእ ሕልና ተኻፈልቱ ምዃና ድሕሪ ምግላጽና፤ ንመዋቲ መንግስተ ሰማይ የዋርሶን ። ካብ በዓልቲ ቤቱን ደቁን ጀሚርና ክሳብ ንኹሉ ኣብዚ ሓዘን እዚ ተጸሚዱ ንዘሎ ቤተሰቡን ፈተውቱን ናይ ቃልሲ ብጾቱን፡ እቲ ኩሉ ዝካኣሎ ጌታ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ ጽንዓት ይሃብኩም ጠሊ ምስ ፍቕርን ስኒትን የውርደልኩም ንብል ።
ተስፋማርያም ክብራኣብ
ኣቦ መንበር ኤደማ ጀርመን
ብሉይ ብሓዲሽ፥ ክትካእ ኣድማሳዊ ሕጊ እዩ። ከመይሲ እቲ ሓዲሽ ዝነበረ እናኣረገ ክኸይድ እንከሎ፡ ንኣኡ ዝትክእ ከኣ ጎኑጎኑ ክፍጠር ናይ ግድን ስለዝኾነ። እዚ ማለት እቲ ካብ ሓዲሽ እናበለየ ናብ ብሉይ ገጹ ክጎዓዝ እንከሎ እቲ ብድሕሪኡ ንምሕዳስ ዝመጽእ ሓሳባት ከኣ እቲ ሓዲሽ ሓሳብ ነቲ ብሉይ ይትክኦ ማለት እዩ። እዚ ነቲ ገዲምን ሓድሽን ወለዶ እውን ዝትንክፎ እዩ። እቲ ምስ ሓዲሽ ኣተሓሳስባ ዝመጽእ ወለዶ ካብቲ ብሉይ ንኽሙከር ወይ ትምህርቲ ክቐስም ብቕዓትን ድሌትን ወኒኑ ሓዲሽ ነገር ክምህዝ ይኽእል።
ኤርትራ ሃገርና ኣብ ቅድምን ደሓርን መግዛእታዊ ዝነበረ ምትእስሳር በቲ እዋን እቲ ዝነበረ ናይ ባህልን ልምድን ሓቢርካ ምንባርን ክፈላለ ናይ ግድን እዩ። ስለዚ ኣብቲ ግዜ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝነበረ ባህሊ ኣዝዩ ክድልድልን ሃገራውነት ንከይፈሓቚን ዝሓልን ዝከላኸልን እዩ ነይሩ። እዚ ኣብ ግዜ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝነበረ ባህሊ ካብቲ ድሕሪ መግዛእቲ ዘሎ መድረኽ ምስቲ እቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ ከተኣታትዎ ዝሓስብ ዝነበረ ባህሊ ኣዝዩ ይልዕል ምንባሩ ዝከሓድ ኣይኮነን። ምኽንያቱ እቲ ዕላማ ሃገራውነት ምስቲ ዝተኣሳስሮ ባህልን ልምድን እናተኸባበረ ኣብ ውሽጡ ንፋስ ከየእቱ ብጥንቃቐ ይሕዞ ስለዝነበረ እዩ።
ሎሚ ድሕሪ ባዕዳዊ መግዛእቲ ብመግዛእቲ ደቂ ሃገር ምስ ተተከአ ግና እቲ ዝነበረ ባህሊ ሃሲሱ ሕድሓዳዊ ምክብባር ጠፊኡ ብውሑዱ እቲ ቀዳሞት ወለድና ኣብ ሓደ ባይቶ ኮፍ ኢሎም ብምድምማጽ ሽግራት ዝፈትሕሉ ዝነበሩ ጥበብ ኩሉ ጠፊኡ። ንዓበይቲ ምዝንጣልን፥ ንምእንቲ ሃገር ዝተወፈዩን በጃ ዝሓለፉን ምስትንዓቕን፥ ኮታ ንታሪኽ ዝሓለፉን ዝሓለፋን ብምንሻውን ዝተጸምደ ሓዲሽ ወለዶ ነቲ ነባር ክትክእ ይኽእልዶ? ዘጠራጥር እዩ። ሕሉፍ ዘይብሉ ህልዊ ከኣ ኣይክህልዎን እዩ። ህልዊ ዘይብሉ ከኣ መጻኢኡ ጽልግልግ ዝበለን ፍንጡሕን እዩ ክኸውን። ብዘይካዚ በቲ ሕሉፍ ኣሉታዊ ተረኽቦ ብምቚዛም ነቲ ህልዊ ልክዕ ከም ባርዕ ስለ ዘንድዶ እቲ መጻኢ ካብ ሕሉፍ ዝረኽቦ ውጽኢት፡ ወይ እውን ዝምኰረሉ ስለዘይብሉ መሰረት ዘይብሉ ሰነድ እዩ ክውንን።
በቲ ኣብ ግዜ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝነበረ ቃልሲ በቶም ቀዳሞት ወለዶ ዝተጀመረ ኮይኑ፡ ኣብ ማሕበራዊ፡ ፖለቲካውን ቁጠባውን ኣተሓሳስባ ካብቲ ናይ ሽዑ ናይ ገበተ ባህሊ ብቐሊሉ ናጻ ክኸውን ከምዘይክእል ርዱእ እዩ። ይኹን እምበር እቲ ናይ ቅድም ወለዶ በቲ ናቱ ሃገራዊ ንቕሓትን ዝተኣሳስሮ ዝነበረ ሃገራዊ ባህልን መንነትን ነቲ ዝነበረ ባዕዳዊ መግዛእቲ ብሓዲሽ ኣተሓሳስባ ተኪእዎ እዩ። እዚ እቲ ኣድማሳዊ ሕጊ ኮይኑ እቲ ባዕዳዊ ኣተሓሳስባ ከም ብሉይ ክኸውን ናይ ግድን እዩ። እዚ ምትካእ እዚ ንፍቶ ንጽላእ ገዲም ወይ ብሉይ ኣተሓሳስባ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣልጊሱ፥ ብሃገራዊ ኣተሓሳስባ ከምዝተተከአ ሓደን ክልተን ዝበሃሎ ኣይኮነን። ብርግጽ እታ ሃገር ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ናጻ ኮይና ኢያ። ይኹን እምበር እቲ ሓዲሽ ሃገራዊ ኣተሓሳስባ ከይተበገሰ ከሎ ኣሰር እቲ ዝጸንሐ ኣረጊት ወይ ብሉይ ኣተሓሳስባ ክወጽእ ስለዘይከኣለ ከኣ ነቲ ሃገራዊ ዘተኣሳስሮ ዝነበረ ባህልን ልምድን መንነትን ብፈላሊኻ ግዛእ ዝብል ስለ ዝበታተኾ እነሆ ቅጥዒ ብዝሰኣነን ስነምግባር ብዝጎደሎን ተተኪኡ።
እዚ ፈላሊኻ ግዛእ ዝብል ኣተሓሳስባ ነቲ ውጽኢት ብረታዊ ቃልሲ ክኸውን ዝነበሮ ኣሳታፊ፡ ማዕርነታውን፡ ሓባራዊ ሃገራዊ መንነትን ኣህሲስዎ። በዚ መሰረት እቲ ጥሙር ሃገራዊ ኣተሓሳስባ ነቲ ተሓቛቚፉ ክጎዓዝ ጸንሐ ሕብረተሰብ ኤርትራ ኣብ እንዳዳታት፥ ሃይማኖታትን፥ ቀቢላታትን ከፋፊሉ ጥራሕ እዩ መሰል ዝሕሎ ዝብል ኣጉል ፍልስፍና ክስዕርር ክኢሉ። በዚ መሰረት እቲ ህዝቢ ኤርትራ ዝነበሮ ተጻዋርነት፥ ምትሕቑቛፍን፥ ስኒትን ኩሉ በብኣውራጃኡን ሃይማኖቱን ተኸባቢሩ ዝነብረላ ዝነበረት ሃገር በዚ እንተቐጺሉ ኣብ ቅልውላው ክትኣቱ ምዃና ርዱእ እዩ።
ሎሚ እቲ ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ዝነበረ ወለዶ ብደረጃ ገዲም ዝቑጸር ዘሎ፡ ምስቲ ሓዲሽ ወለዶ ኮይኑ እዩ እቲ መድረኽ ናይ ምቅብባልን ተመኩሮ ምውርራስን ባህሊ ክፈጥሮ ዝኽእል እምበር፡ በበይንኻ ኰንካ ዝመጽእ ናይ ምስግጋር ለውጢ ካብ ብሉይ ኣተሓሳስባ ናጻ ከውጸኣና ኣይክእልን። ውጽኢቱ ኣሉታኡ’ውን ከቢድን እዩ ዝኸውን። ምኽንያቱ እቲ ሓድሽ ወለዶ ካብ ስነፍልጠት ወጻኢ ብዝኾነ ስምዒት ነቲ ዝነበረ ባህልን ሃገራዊ ምትእስሳርን ብምብታኽ ክትክእ እንተ ኮይኑ ካብቲ ናይ ዝሓለፈ ብሉይ ኣተሓሳስባ ኣይክመሃርን እዩ። እቲ ኣብ መንጎ ብሄራዊ፡ ሃይማኖታውን ዕልማናውን ዘሎ ፍልልይ መሰረቱ ፖለቲካዊ ምዃኑ ተገንዚብካ ኮፍ ኢልካ ብሓባር ናይ ምዝታይ፡ ምርድዳእን ናይ እንካን ሃባን ባህልን ምስ እነጥሪ እዩ እቲ ብሉይ ብሓዲሽ ክንትክእ በቒዕናዮ ከበሃል ዝክኣል።
ስለዚ ነቲ ዝሓለፈ መጉዳእትን ብሉይ ኣተሓሳስባን ዘስዓቦ ቃንዛን ስቅያትን ናይ ሓደ ውሱን ሕብረተሰብ፥ ወይ ናይ ሓደ ውልቀሰብ ዘይኮነስ ናይ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ቃንዛን መጉዳእትን ምዃኑ ተገንዚብና ክንቅበሎ ዘኽእለና ሓዲሽ ባህሊ ምፍጣር ከድልየና እዩ። እዚ ሓዲሽ ባህሊ እዚ ግና ካብ ፖለቲካዊ ስነፍልጠት ዝነቐለን እቲ ናይ ብሕቲ ንብሕቲ እቲ ናይ ሃገር ከኣ ናይ ኩሉ ዝኾነሉ ባይታ ክንምድምድ ከሎና እዩ እቲ ገዲም ብሓዲሽ ተተኪኡ ኢልና ንተኣማመነሉ ውጽኢት ንረኽበሉ።
ድራር መንታይ