ናይ ስደተኛታት ኣብያተ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ከሰላ ዕውት ድርብ በዓል ኣካይደን፣

2017-04-01 19:48:19 Written by  ብኣባ ገብራይ ብኢደማርያም Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 3692 times

ብዕለት 16-03-2017 ሰለስቲኡ ኣብይተ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ከሰላ ብሓባር ተጠርኒፈን ኣብ ቀጽሪ መባእታ ቤት ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዕዉት በዓል መዛዘሚ ናይ 2016-17 ዓመተ ትምህርትን ዝኽሪ መበል 40 ዓመት ምምስራት ኣብያተ ትምህርቲ ከሰላን መመረቕታ ናይቶም 12 ክፍሊ ዝወድኡ መበል 17 ዙርያን ድርብ በዓል ብድምቀት ኣኺቢረን ውዒለን፣ ኣብዚ በዓል እዚ ዕድመ ዝተገብረሎም መራሕቲ ሃይማኖት ካህናት ደብረ መድኃኔ ዓለምን እንዳ ቅዱስ ሚካኤልን። ዳይረክተር ዘይመንግስታውያን ኣብያተ ትህርቲ ናይ ዞባ ከሰላ ሓው እስታዝ ባብክር ኬላይ። ሓለፍቲ ኮማት ኤርትራን ኢትዮጵያን። ከምኡ’ውን ሓለፍቲ ማሕበረ ኮም ህንዳውያን። ሱፐርቫይዘረት ኣቦ መንበር ማሕበር መማሃራን ዞባ ከሰላ ተሳቲፎም ነይሮም

 

CatholicSchool 7

 

መድረኽ ልክዕ ስዓት 3።00 ድ.ቀ. ብመምህር ወልደሂወት ቀለተ ተኸፍተ፣ መምህር ወልደሂወት ሓደ ድሕሪ ሓደ ንተሳተፍቲ ናይቲ በዓል ናይ እንቋዕ ድሓን መጻኹም መልእኽቲ ብምትሕልላፍ ን5ተ ስዓት ዝኣክል ዘሎ መደባት ንመድረኽ ዝመርሑ ተማሃሮ ኣረ

 

CatholicSchool 8

 

ኣለይቲ መድረኽ ነቲ ካብ ተማሃሮ ዝተዋጽኡ ኣባላት ክፍሊ ባህላዊ ጉዳያት ናይ ሰለስቲኡ ኣብያተ ትምህርቲ ብሽማግለ መማሃራን ተመልሚሎም ዘዳለዉዎ መልእኽቲ ሓዘል ተዋስኦታትን መዛሙርን ደርፍታትን ዋዛ ምስ ቁም ነገርን ሓንቲ ድሕሪ ሓንቲ እንዳተበላለጹ ብቋንቋታት ትግርኛ - ዓረብ - ትግረ - ብሌን - እንግሊዝ - ከምኡ’ውን ኣምሓርኛን ናይ ህንዲ ባህሊ ብግቡእ ሰሪዔን ከቕርባ እንከለዋ። ነቲ ዘቕርብኦ መደብ ዝገልጽ ብመልክዕ ግጥሚ እንዳሃባ ብኽልቲኡ ቋንቋታት ማለት ብትግርኛን ብዓረብን ክሳብ መወዳእት ግዜ ብጽፈት መሪሐንኦ፣ ኩሉ እቲ ተማሃሮ ዘቅረብዎ መደባት ከም ኣብ ስደት ምህላዎም መጠን ባህሎም ንኽፈልጡን ክዕቅቡን ዘዛኻኽር ኢዩ ነይሩ ኪብሃል ይከኣል፣ ብዝርዝር ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ባህልን ልምድን ናይ ሕዝቢ ዘንጸባርቕ ስለዝነበረ ከኣ ተፋተስቲ ናይቲ በዓል ዝመሰጠን ዓቢ ኣድናቆት ዘሕደረን ትርኢት ነበረ

 

CatholicSchool 9

 

ካብቲ ዝዘመርዎ መዝሙር ንልቢ ዕዱማት ዝመሰጠ ሓደ ከምዚ ዝብል ነበረ።- “ከነመስግን ኢና …… ከነመስግን። ኣብ ስደት ኮይና ከነመስግን። ትምህርቲ ከፊትኩም አምሃርኩምና። ከነመስግን ኢና ከነመስግን፣ ድሮ 40 ዓመት ኮይኑ ዕድሜኪ። ንክንደይ ብሉጻት ዘምሃርኪ። ኣቦይ ኣደይ ሓወይ ሓፍተይ ሓሊፎም በኣኪ። ከነመስግን ኢና ከነመስግን፣ ዕድለኛታት ኢና ምዃና ደቅኪ። እንታይ ምኮና እንተዘይትህልዊ። ዕድመን ጥዕናን ይሃቦም ንዝመስረቱኪ። ከነመስግን ኢና ከነመስግን” ዝብል ነበረ

 

CatholicSchool 10

 

ኣብ መንጎ ናይቲ ዝካየድ ዝነበረ ምርኢት “ቃል ተማሃሮ” – “ቃል መማሃራን” ብመምህር ክፍላይ ወልደጋብር። ቃል ኣባ ገብራይ ኣካያዲ ኣብያተ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስቲያን ከሰላ። ቃል ሓው ባብክር ኬላይ ወኪል ዘይመንግስታውያን ኣብያተ ትምህርቲ ተዋሂቡ

 

CatholicSchool 11

 

ንተማሃሮ ወኪሉ ቃል ዝሃበ ተማሃራይ።- ድሕሪ ናይ ክብሪ ሰላምታ ንኹሎም ተሳተፍቲ ናይቲ በዓል ድሕሪ መሃብ። ንኹሎም ነቶም ነዚ ኣብያተ ትምህርቲ እዚ ኣብ ቦታ ስደት ከፊቶም ብትምህርትን ሰነ-ምግባርን ተኲስዂስና ክንዓቢ ዕድል ዝሃቡና ክቡር ነ.ኄር ኣባ ማሪኖ ሃይለን ንካህናት ማኅበር ካፑቺን ካቶሊካዊት ቤ ክርስቲያን ኣመስጊኑ፣ ብፍላይ ከኣ ነባገብራይ ቢኢደማርያም ኣካያዲ ኣብያተ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤ ክርስቲያን ከሰላ ብቀረባ ኮይኖም መዓልታዊ ንጥፈታት ናይ ኣብያተ ትምህርትና ብምክትታልን ኣድላይ ዝበልዎ ንዕቤትና ዝሕግዝ ምኽርን ሓሳባትን ዝህቡና ልዑል ምስጋና ይብጽሓዮም ኢሉ

 

CatholicSchool 12

 

ነቶም ቀለማዊ ትምህርቲ ጥራይ ዘይኮነ ብሃገራዊ ኣተዓባብያን ሰናይ ተግባራትን መልሚሎም ዘዕብዩና ዘለዉ ክቡራን መማሃራን ክብርን ምጎስን ይኽኖም ብምባል። ኣብ መወዳእታ ከኣ ናይ ተማሃር ግደን ከዘውርርዎ ዘለዎም ጽቡቕ ጠባይ ኣዘኻኺሩ

 

ቀጺሎም መምህር ክፍላይ ወልደጋብር ንመማሃራን ናይ ሰለስቲኡ ኣብያተ ትምህርቲ ወኪሎም ብዛዕባ ትምህርቲ መግለጺ ሂቦም

CatholicSchool 13


መም. ክፍላይ ንተሳተፍቲ ዘስምዕዎ መደረ ከምዚ ዝስዕብ ነበረ:--

ክቡራት ኣጋይሽና እንቋዕ ብደሓን መጻኹም፣ ብምቅጻል ብስመይን ብስም መሳርሕተይ መማሃራንን ልባዊ ሰላምታይ የቅርበልኩም፣

ብምቅጻል “ዝኽሪ ናይ 40 ዓመት ምምስራት ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብያተ ትምህርቲ ንስደተኛታት ኤርትራ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ናይ መባእታን ማከላይን ላዕለዋይን ቤት ትምህርትታት ተጠርኒፈን ኣብ ዘለዋሉ ህሞት በዚ ኣጋጣሚ ምዝዛም ናይ 2016-17 ዓመተ -ትምህርትን ናይ 40 ዓመት ንሕጻናት ስደተኛታት ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ ተጸሚዳ ዝሃበቶ ኣገልግሎት  ትዝክር ከምዘላ ብምዝካርና እንቋዕ ናብዚ ክቡር ዕለት ኣብቅዓና  እብል

ንፉዕ ተማሃራይ ከም ንፉዕ ሓረስታይ ይምሰል፣ ሕማቕ ድማ ከም ሃካይ ሓረስታይ ከምዝብሃል ሎሚ ድማ ኣብዛ ዕለት እዚኣ ኣብ መንጎ መማሃራንን ተማሃሮን። ፍልጠት ንምሃብ ኣብ ዝተገብረ ናይ እንካን ሃባን ዓውደ - ትምህርቲ ብፍላይ ተማሃሮ በብስርሖም ውጺኢት ፍረ-ጻምኦም እተፍልጥ ዕለት ምዃና እተዘክር ኢያ

ነዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቅሰ ዓውደ - ትምህርቲ ተዋሳእቲ መን ኢዮም ንዝብል ሕቶ። መምህር። ተማሃራይ። ወለድን ኢዮም፣ እዚኣቶም ኣብ ስርሖም ሓደ ከም ሰለስተ ወይ ሰለስተ ከም ሓደ ኮይኒም እዮም ኪሰርሑ ዘለዎም፣ ካብ ሰለስቲኦም ሓደ ምስ ዝጎድል ዓወት ናይ ተማሃራይ ክረኣ ኣይክእልን ኢዩ

ተማሃሮ ብማዕረ ይማሃሩ። ብማዕረ ይምርመሩ። ብማዕረ ድማ ይቅጽዑ። ፍረ-ጻማ ጻዕሮም (ውጺኢቶም) ግን ኣብ መንፋዓቶምን ኣብ ምክትታል ወለዶምን ብዝያዳ ዝተመርኮሰ ይኸውን

ትምህርቲ ብግቡእ ንኽኸይድ ስርዓተ - ሕጊ ቤት ትምህርቲ ተሓልዩ ምስ ዝኸይድ ኢዩ

ከምቲ ኣብ መእተዊ ዝኽሪ ናይ 40 ዓመት ዝተረቁሐ ወይ ናብ ወርቃዊ ኢዮቤል እትኸይድ ዘላ ቤት ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ንስደተናታት ዕድመ ናይ ወዲ ሰብ ዘምሀረት እንተበልና ቃል ኣጋንኖ ኣይኮነን፣ ከመይ ኣብያተ ትምህርትና ብዘይ ናይ ዜጋ ኣፈላላይ ከም ኤርትራውያን ኢትዮጵያውያንን ሱዳናውያንን ህንዳውያንን …. ኣብ ናይ ፍልጠት ጎደና ኰይና ኣስታት ልዕሊ 24,000 (ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ) ተማሃሮ ዘምሃረት ፍልጥቲ ቤት ትምህርቲ ኢያ

እዛ ን40 ዓመት ዝኸውን ፍልጠት ንሕዝባ ዘካፈለት ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስቲያን። ብፍላይ ብማኅበር ካፑቺን ዝግበረልና ዘሎ ሰናይ ተግባራት ብስመይን ብስም መማሃራንን ቀጽልዎ እንዳበልኩ ጻማኹም ካብ ኣምላኽ ርኸብዎ እብል

ኦ ወለዲ ገዛ ኣብ ከውሒ ምስ ዝህነጽ ኢዩ ተሪር ዝኸውን። ንፉዕ ተማሃራይ ድማ ናይ ወላዲ ምክትታል ምስ ዝህልዎ ልክዕ ከምዚ ዝበልክዎ ጽንዑን ንፊዕን ይኸውን ኢሎም    

ካብዚ ቀጺሎም ከኣ ኣባ ገብራይ ቢኢደማርያም ኣካያዲ ኣብያተ ትምህርትና ከምዚ ክብሉ ቃሎም ኣስምዑ:-

CatholicSchool 14

ዝኸበርኩም ኣጋይሽና:

ብመጀመርያ ናብዛ ክብርቲ መዛዘሚት ዕለት ዓመተ ትምህርቲ 2016-17 ብደሓነ-ሰላም ዘብጽሓና ልዑል ፈጣሪ ክብርን ምስጋናን ንእኡ ይኹን። ኣሜን

ክቡራት ተሳተፍቲ ሎሚ’ውን ከምቲ ልሙድ ኣገባብ ኣበዓዕላ መዛዘሚ ኣብያተ ትምህርትና ኣብዛ ንእሽቶይ ዳስ ዳስ ፍልጠትን። ናይ መጻኢ ምዕባለ እትእምትን ኰይና በዚ ኣጋጣሚ’ውን ኣብያተ ትምህርትና  ንኹሉ ዜጋ ብዘይ ኣፈላላይ ነርባዓ (40) ዓመት ዝኸውን ዝበርከቶኦ ናይ ትምህርቲ ዕድልን ፍልጠትን። እንዝክረሉ ጊዜ ከምዝኾነ ዝያዳ ሓበሬታ ክህብ እፈቱ

CatholicSchool 15እዚ ዓቢ ውጽኢት ናይ ትምህርቲ ምዕባሌ ዝተረኽበ ግን ተቀባል ጋሻን ፈታዊ ትምህርትን ዝኾነ ኃው መንግስቲ ሱዳን ባዕልና ንባዕልና ንክንመሃርን ንክንመሓደርን ነጻ ዕድል ስለዝሃቡና ኢዩ

ደቂ ሰባት ናይ ዝተፈላለየ ልምድን ባህልን ሕብረተ-ሰብኣዊ ዝንባለታትን ሕዞም ስለዝጐዓዙ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስቲያን ድማ ብሰንኪ ብርቱዕ ኲናት ካብ ሃገሮም ዝተመዛበሉ። ናብ ኃው ጐረቤት መንግስቲ ሱዳን ብብዝሒ ዝተሰደ ሕዝቢ ኤርትራ ብምርኣይ ዝያዳ ብዝርድኦ ቋንቋን ባህልን ብዘይ ናይ ዜጋ ኣፈላላይ ን40 ዓመት ነዚ ገዚፍ ናይ ትምህርቲ ስነ-መዕበያ ፕሮጀክት (project) ቁጠባዊ ምሕደራ ሀሰስ ብምባል ብሰናይ ተበግሶን ጻዕርን ኣኅዋት ካፑቺን ይስራሕ ከምዝነበረን ከምዘሎን ክጠቅስ እፈቱ፣ ከም ኣብነት ክቡር ነፍሰ-ሄር ኣባ ማሪኖ ምስ ብጸቶምን ብዙሓት ገበርቲ ሰናይን ማኅበራትን ገዳማትን ናይዚ ዓቢ ስራሕ ዕማም። እጃሞም ከምዘበርከቱ ህያው ምስክር’ውን  ኢዩ

CatholicSchool 16

ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስቲያን ብኃልዮት ማኅበር ካፑቺን ነቲ ብ1977 ኣብ ንእሽተይ ዳስ ዝጀመረቶ ብምዕባይ ከም መባእታን ማእከላይን ደረጃ ስሩዕ መደባዊ ትምህርቲ ንስደተኛታት ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ክሳብ 1997 ማለት ን20 ዓመት ኣገልግሎቱ ከም ዝሃበ ከዘኻኽር እፈቱ፣ እቲ ብላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት (UNHCR) ዝካየድ ዝነበረ ቤት ትምህርቲ ላዕለዋይ  ደረጃ ኣብ 1997 ዓ.ም. ናይ ምዕጻው መደብ ስለዝጀመረ። ንሰለስተ ዓመት ብሓባር ድሕሪ ምስራሕ ኣብ 2000 ዓ.ም.  ስለዝተዓጽወ። ካቶሊካዊት ቤተ - ክርስቲያን ናይ ላዕለዋይ ትምህርቲ ሓላፍነት ብምውሳድ ክትቅጽሎ ስለዝተረኽበት እንሆ’ውን ድሮ 20 ዓመታት ኣብ ኣገልግሎት ከምዘላ እንዳሓበርኩ። ሎሚ ዓመት ከኣ ንመበል 17 ዙርያ 12-ክፍሊ ዝወድኡ ነመርቕ ከምዘሎና እንደገና ብዝያዳ ከብርህ እፈቱ

CatholicSchool 17

እኩብ ድምር ናይ 40 ዓመታት ብዝሒ ተማሃሮ ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስቲያን ዝተማሃሩ ኣስታት 24,000 (ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ) ኪኾኑ እንከለዉ 60% ደቂ ተባዕትዮ 40% ድማ ደቂ ኣንስትዮ ኢዮም

CatholicSchool 18

ዋላ እኳ ስደት መሪር እንተኾነ እዚ ናይ ትምህርቲ ዓወት ዝተረኽበ ግን መማሃራንን  ወለድን ጽቡቕ ድላይ ተማሃሮን ብሓባር ስለዝሰርሑ ኢዮም ኪብሃል ይከኣል፣ ፍረ ናይዚ ሓባራዊ ጻዕሪ ከኣ ክሳብ ሎሚ ተማሃሮና ኣብ ናይ 12 ክፍሊ መርመራ ንዩኒቨርስቲ ብጽቡቕ ነጥቢ ይሓልፉ ከምዘለዎ ኩላትና እንፈልጦ ሓቂ ኢዩ፣ ስለዚ’ውን እቶም በዚ ዝሓለፉ ተማሃሮና ኣብ ዝተፈላለየ ዓውዲ ስራሕ ተዋፊሮም ግላውን ማሕበራውን ሃገራውን ግቡኦም ዝፍጽሙ ብዙሓት ዘጋታት ከምዘፍረየት ዘይርሳዕ ሓቂ ኢዩ

CatholicSchool 19

ክቡራት ወለዲ ተማሃሮና ብፍላይ ናይ ዝሓለፈ ጊዜን ናይ ሎሚ ግዜን ከነወዳድሮ ከሎና ዓቢ ፍልልይ ከምዘሎና ክንርዳእ ይግባእ፣ ኣብ ዝሓለፈ ምዕባሌ ተክኖሎጂ ስለዘይነበረ ኩሉ ሰራሕ ብናይ ሓንጎል ርድኢት ነበረ፣ ናይ ሎሚ ግን ብተክኖሎጂ ዝተሰነየ ስለዝኾነ ደቅና ኣብ ካልእ ኣድህቦ ከይወደቁ ጊዜ ትምህርቶምን መጽናዕቶምን ክንከታተል ከምዘሎና ክንርዳእ ኣሎና፣ ስራሕ ንቃላት ይቅድም ዝብል ምስላ ተጠቅምና ኲልና ብሓባር ፈተውቲ ትምህርቲ ክንከውን ንጽዓር፣ ብዘይ ትምህርቲ ሕይወት ዋጋ የብሉን

CatholicSchool 20

ኣብ መወዳእታ።-

ኃው መንግስቲ ሱዳን ኣብ ጐድንና ደው ብምባል ዕድል ትምህርትን ሞራልን ስለዝሓገዙና የሞጉስ፣ በዚ ኣጋጣሚ ከኣ ከተማና ከተማ ከሰላ ኣኣንጋዲት “ሃገራዊ ፈስቲቫል ተማሃሮ” ኮይና ብምምራጻ ሓጎስ ይስምዓና፣ ዕዉት ኪኸውን ከኣ ንምነ፣ ደቅና ዝዓብይሉን ዝማሃርሉን ስለዝኾነ ከኣ ተማሃሮና እጃሞም ከበርክቱ ምዃኖም ቃል ንኣቱ ኪብሉ ቃሎም ኣስምዑ

ብኣጋጣሚ ምምስራት 40 ዓመት ኣብያተ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣስታት 38/40 ዓመት ዘገልገሉ ገዳይም መምሃራን ንአብያተ ትምህርትን ስልማት ተዋሂቡ

CatholicSchool 21ቃል ኣቶ በብክር ኬላይ ወኪል ዘይመንግስታውያን ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል እዚ ቤት ትምህርቲ ኣብ ትሕቲ ጽላል ትምህርቲ ሚኒስተር ኮይኑ ካብ ዝምስረት እንሆ ኣርብዓ ዓመት ይዝክር ኣሎ፣ ኣብዚ መዋዕል ከዓ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ዘካይዶ ዘሎ ዓብይን ዝነውሔን ዝበለጸን ሓደ ካብተን ዘይመስግስታውያን ኣብያተ ትምህርቲ ጽፉፍን ስሩዕን ከምዝኮነ እናመስከርና። በቲ ዝገብሮ ዘሎ ሰነ-መዕበያ ኣዚና ንኾርዕ፣ ምኽንያቱ እዚ ት/ቲ ብዘይ ኣፈላላይ ዜጋ። ሃይማኖት። ንኹሉ ጠርኒፉ ብነጻ ኣገልግሎት ዘወፊ ስለዝኾነ ክትቅጽልዎ ነተባብዕ፣ ዓቕምና ብዝፈቅደልና ከኣ ኩሉ ጊዜ ኣብ ጐንኹም ከምዘሎና ከረጋግጸልኩም ንፈቱ፣ ከምኡ’ውን በቲ ተማሃሮ ዘቅረብዎ ባህላውን ትምህርቲ ሓዘል ምርኢት ኣዚዩ መሳጥን መሃርን ከምምዃኑ መጠን ኣብቲ ብሃገር ደረጃ ዝቀርብ “ፈስቲቫል ተማሃሮ” ተማሃሮኹም ክሳተፉ ምኳኖም የረጋግጸልኩም ኪብሉ ዘረቦኦም ደምደሙ

ኣብ መወዳእታ ነቶም ኣብዚ ዓመት ትምህርቲ ብትምህርቶም ጸብለልትነት ዘርኣዩ ናይ ሰለስቲኡ ኣብያተ ትምህርቲ ንፉዓት ተማሃሮ ነቲ ተዳልዩሎም ካብ ኣዚሎ (መዋዕለ ሕጻናት) ክሳብ 11 ክፍሊ ሽልማት ዝወስድሉ ጊዜ ስለዝበጽሐ ነባ ገብራይ ሽልማት ንኪዕድሉ ናብ መድረኽ ደየቡ። ኣባ ገብራይ ከኣ ነባ ሰሎሞን ነጋን ነባ ጴጥሮስ ወልደና ናብ መድረኽ ዓደምዎም፣ ሽዑ ምዕዳል ሽልማት ሓደ ድሕሪ ሓደ ብሰላምን ብስነ-ስርዓትን ተዛዘመ

ብሰላም ኣጀሚሩ ብሰላም ኣብ ፍጻሜ ዘብጽሓና ኣምላኽና ምስጋና ይኹኖ፣ ንዝመጽእ ዓመተ ትምህርቲ 2017-18 ከኣ ዕድመን ጥዕናን ሂቡ ብሰላም የራኽበና። ኣሜን

Last modified on Saturday, 01 April 2017 22:35