ኤርትራውነት ዝለዓለ መግለጺ መንነት

2017-03-26 05:42:17 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 3882 times

ኤርትራ ብምብራቕ ምስ ቀይሕ ባሕሪ፡ ብምዕራብን ሰሜንን ምስ ሱዳን ብደቡብ ድማ ምስ ኢትዮጵያን ጅቡትን እትዳወብ  ናጻን ልኡላዊትን ሃገር  እያ። ናይ ኤርትራ ልኡላውነት  ካብቲ ናይ ካልኦት ሃገራት ልኡላውነት ፍሉይ እዩ። ምኽንያቱ ድሕሪ 2ይ ውግእ ዓለም ብውሳነ ሓያላት መንግስታት ዝተዋህበ ህያብ ዘይኮነ፡ ብዙሓት ክሕደታትን ጥልመታትን ምስ ኣጋጠሞ  ብመሪርን ነዊሕን ሰንሰለታዊ  ቃልሲ ዝተረኽበ ስለ ዝኾነ። ኤርትራዊ ሃገራውነትን ልኡላውነትን ኩሎም ኤርትራውያን ንኡስ መግለጺ ብዙሕነቶም ዓቂቦም ብሓባር ዘረጋገጽዎ ስለ ዝኾነ ቅድሚት ዝስራዕ ድሙቕ መግለጺ መንነት ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ኤርትራዊ ኣብ ኩሉ መድረኻት ነብሱ ከላሊ እንከሎ ቀዳማይ መላሹ “ኤርትራዊ እየ” ዝብል ከኣ ምእንቲ እዚ እዩ። እዚ ቅድሚ’ቲ ካልእ ዝርዝር ዝስራዕ መልሲ መግለጺ ኤርትራዊ፡ ሓድነት፡ ዓቕምን ጽንዓትን እዩ። ጽንዓትና፡ ሓድነትናን ቀጻልነትናን ዘይደልዩ ወገናት ክጨራርምዎ እንተሓለኑ ከኣ ሓድሽ ክኾነና ኣይግባእን። ምኽንያቱ ነዚ ኩሉ መስገደል ፈንጢስና ብምሕላፍ ናጽነትና ዘረጋገጽና ምዃና ስለ እንርዳእ።

ኤርትራዊ ሃገራውነትን መንነትን ከም ናይ  ኩለን ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ድልዱል ኣህጉራዊ ስምምዕ ዝተሰረተ እምበር ዝኾነ ዓቕሉ ዘጽበበ፡ ምስ ኣብ ካልእ ልኡላዊ ሃገርነት ዝነብሩ ኣካላት ተጫንዩ ከፍርሶ ዝኽእል ኣይኮነን።  ኤርትራውነት ናይ ሓባር መንነት እዩ፡ ነቲ ኣብዚ ሉኣላዊ መንነት ሰፊሩ ዘሎ ንኡስ መግለጺ መንነት ናይ ምዕባይ ውስጠ-መሰል ብመትከል መሰል ምውዳብን ሓሳብካ ምግላጽን ኣዕቊቡን ብሓባር ዘንብር እዩ። ነዚ ጠማሪ መንነት ምትኹታዅን ንኡሳን ኣፋትል መዚዝካ ቅድሚት ክትሰርዕ ምፍታንን ከኣ ነቲ ምንጪ ሓይልና ዝኾነ ሓድነትና ዝህድድን ኣፍራሲ ሳዕቤናት ዘለዎን ኮይኑ፡ ቀንዲ ሕመረቱ ከኣ  ኤርትራዊ መንነት ምብራዝ እዩ። ድሕሪ ምብራዝ ዘሎ ሳዕቤን ከኣ ሕማቕ ብዛዕባ ምዃኑ ብዙሕ ዘረባ ዘድልዮ ኣይኮነን።

ኤርትራዊ  መንነት እቲ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ዝስራዕን ዝዕቀብን እዩ። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ካልኦት ኣብቲ ቀንዲ መንነት ዝሕቆፉ ኤርትራዊ መንነታት የለዉን ማለት ኣይኮነን። ኤርትራ ብዙሓዊት ሃገር እያ ካብ በልና በብደረጃኦም ዝስርዑ ንኡሳን መንነታት ኣለዉና ማለት እዩ። ንኣብነት ብማዕርነት ክንዕቅቦ ዝግበኣና ሃይማኖታዊ መንነት ኣለና። ብሄራዊ መንነት ኣለና። ቋንቋ፡ ባህልን ኣሰፋፍራን መሰረት ገይርና ንቓንዮም ናይ መንነት መግለጽታት እውን ኣለዉና። ነዞም ንኡሳን ናይ መንነት መለክዕታት ነቲ ቀንዲ ኤርትራዊ መንነት ክጻባእ ብዘይክእል ኣገባብ  ምሓዞምን ምምዕባሎምን ከኣ መተካእታ ዘየብሉ መሰል ከም ዘለና ክንርስዕ ኣይግበኣናን። ነቲ “ኤርትራዊ ሕድነትና ብንኡስ ስምዒታት ክህደድ ኣይገበኦን” ዝብል ሓይልና ቆራሚምና ከይነዳኽሞ ክንጥንቀቕ ግድን እዩ።

ኣብ ትሕቲ ልኡላዊ ኤርትራዊ ጽላል፡ ብሄራዊ፡ ሃይማኖታዊ፡ ባህላውን ቋንቋውን ኣዘረጋግሓና ከመይ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። እዚ ንኡሳት ናይ መንነት መግለጺና ከም ድላዩ ዶባት እንዳጠሓሰ ነናብ ዝቐርቦ ዝውሕዝ ዘይኮነ፡ ብኤርትራዊ ቀንዲ ናይ መንነት መለክዒ ዝቕለስ እዩ። ከምኡ እንተዘይኮይኑ ትርጉም ኤርትራዊ መግለጺ መንነት ስለ ዝብለል። ነዚ ዓብይ ዕርዲ መግለጺ መንነት ከይተጻባእካ፡ መንነትካ ምስፋሕን ምምዕባልን ግና ቅዋማዊ ውሕስነት ክረክብ ዝግበኦ መሰል እዩ። ብዛዕባዚ ናይ መንነት ጉዳይ ከነልዕል እንከለና ቀንዲ ማእከልና ኤርትራዊ መንነት እምበር፡ ውልቃዊ፡ ውድባዊ፡ ቀቢላው፡ ቦታውን ቋንቋውን ስምዒታት ቅድሚት ክስራዕ እንከሎ ከቶ ውጽኢቱ ምብትታን ምዃኑ ክንዝንግዖ ኣይግበኣናን።

በዚ መንጽር ኣብ ኤርትራ ክንመጽእ እንከለና ኣብ ምዕራባዊ ቆላ ዝርከብ ክፋል ህዝባ፡ ብሃይማኖት፡ ቋንቋ፡ ብሄርን ባህልን ምስ ገለ ኣብ ሱዳን ዝርከብ ክፋል ህዝቢ ዝመሳሰል ክኸውን ይኽእል። እዚ ምምስሳል ግና ነቲ ኤርትራዊ መንነት ዘመልክት ዶብ ሰይሩ ቃና ክቕይር ኣይክእልን እዩ። እንተዝኽእል ከኣ ሳዕቤኑ ነቲ ብደምን ኣዕጽምትን ዝተነድቀ ኤርትራዊ መንነት ዝደናዳን እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ከበሳ ኤርትራ ካብ ዘሎ ህዝብና መብዛሕትኡ ምስ ገለ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነብር  ህዝቢ፡ ብቋንቋ፡ ዘርኢ፡ ባህሊ፡ ሃይማኖት፡ መውስቦን ካልእን ዝመሳሰል እዩ። ግና ድማ ክልቲኡ እዚ ተመሳሳልነት ዘለዎ ህዝቢ ሓዲኡ ኣብ ትሕቲ ኤርትራዊ እቲ ሓደ ድማ ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያዊ መንነትን ልኡላውነትን ዝሰፈረ ስለ ዝኾነ፡ ብዕግርግርን ናይ ውሱናት ሰባት ህርፋንን ኣብ ቀንዲ መንነታቱ ዝዋገ ኣይኮነን። እዚ ልኡላውነታት ኣዕሚቑ ዝተሰረተ ስለ ዝኾነ፡ ገለ ዓቕሎም ዘጽበቡ ብዝፈጥርዎ ካብ ኣግኣዝያን ክሳብ ትግራይ ትግርኚ ብዝምጠጥ ኣብ’ቲ ቀደም ቀደም ተፈቲኑ ብዘይሰርሐ ዘይቅርዑይ ቅድታት ዝኽማህ ኣይኮነን።

በቲ ቅኑዕ ንኤርትራዊ ሓድነት ዘይጻባእ ኣገባብ ቃልሲ ምስላጥ ኣብዩካ ተስፋ ምስ ቆረጽካ፡ ብኹሉ መለክዕታት ተቐባልነት ዘየብሉ ታሪኽ ጠፋጢፍካ ንድሕሪት ተመሊስካ፡ ንዞባውን ኣህጉራውን ስምምዓት ጥሒስካ ልኡላዊ ዶባት ብዘይኣፍልጦ ህዝቢ ኣፍሪስካን ዘርኣዊ ሓረግ መዚዝካን ዘርኢ፡ ቋንቋን ካልእ ተመሳሳልነት ቅድሚት ኣሰሊፍካ ሓድሽ ሃገርነት ክትፈጥር ምምጥጣር ከሎ ጌና “ይኣክል” ክበሃል ይግበኦ። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ነቲ ሃገራዊ መንነት ብዘይጻባእ መልክዑ፡ ኣብዚ ንርከበሉ ዘለና ናይ ዓለማውነት መድረኽ ኣይኮነንዶ ምስ ብብዙሕ ንኡስ መንነታት እትመሳሰሎ ጐረባብቲ ህዝቢ፡ ምስ ህዝቢ ዓለም’ውን ዝምድና ምፍጣር ኣገዳሲ ምዃኑ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። ምንቅስቓስ ኣግኣዝያንን ካለኦት መዳመቕትን ከኣ ንህርፋኖም በዚ መንጽር ክገንሕዎ ሓደራ እብሎም።

Last modified on Sunday, 26 March 2017 07:50