ምስጋና

2017-03-22 20:52:53 Written by  ኣሰናዳእቲ መጽሓፍ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2230 times

ዝኸበርክንን ዝኸብርኩምን ኣሓትን ኣሕዋትን

መጽሓፍ፡ ተመክሮ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ንሃገራዊ ናጽነትን ማሕበራዊ ፍትሕን፡ Eritrean Liberation Front (ELF). Its Struggle For Freedom and Social Justice (1961 – 1982) ካብ ምጅማር ክሳብ ተሓቲማ ንኣንበብቲ እትቐርብ፣ ነዊሕን ጽዑቕ ስራሕን እዩ ተኻይዱ። ብሕጽር ዝበለ፡ካብ ምእካብ መወከሲ ሰነዳት ዝኾኑ ናይ ታሪኽ መጻሕፍቲ፣ ስነ-ጽሑፋትን ጋዜጣታትን ተሓኤ፡ ቃለ መሓትት ምስቶም ብኣካል ኣብቲ ታሪኻዊ መስርሕ ዝተሳተፉን ተዘክሮታቶምን ተመኵሮኦምን ዘካፍሉ፡ ካብ መርበባት መራኸቢ ብዙሃን ዝተረኽበ ሓበሬታት ኣኪብካ፡ ቅደም-ተኸተል ሓልዩ ተሰሪዑ ንኽዳሎ የጠቓልል።

ድሕሪ’ዚ ዝተጠቕሰ ግዜን እኩብ ጻዕርታትን መጽሓፍ ተሓቲማ። እቲ ዝቕጽል ስራሕ ኣብ ኢድ ኣንበብቲ ንኽትበጽሕ ናይ ምዝርጋሕ ዕማም ከኣ ካልኣይ ጻዕሪ ነይሩ። እቲ ፕሮጀክት፡ ካብ ምድላው፣ ተሓቲሙ ክሳብ ምዝርጋሕ ዘጠቓለለ ስለዝዀነ፣ ኣብ ምዝርጋሕ ብዙሓት ግዱሳት ሃገራውያን ወለንተኛታት ስለዝተሳተፍኩም፣ ኣካል ናይቲ ዕዉት ፕሮጀክት እዩ። ኣንበብቲ ኣብ ዝርከብሉ ተንቀሳቒስኩምን ከምዝገዝእዎ ዝገበርኩሞ ጻዕሪን ከቢድ ምዃኑ ኣጸቢቕና ንርድኦን ዝተሞኰርናዮን ስለዝዀነ፤ ንዘርኣኹሞ ተገዳስነትን ተወፋይነትን ኣዕዚዝና ኢና ንግንዘቦ፣ ምስጋናና ድማ ደረት የብሉን። ንስኻትኩምን ከማኻትኩምን ዝኣመሰሉ ግዱሳት ኣሓትን ኣሕዋትን ስለዘለኹም ድማ'ዩ፣ ፕሮጀክትና ተዓዊቱ፡ ብጻዕርታትኩም ድማ ኣዚና ኢና ንሕበን።

ካብ ብዙሓት ኣንበብቲ ንዝወሰድናዮ ተበግሶን ትሕዝቶ መጽሓፍን ዝንእድ፣ ካብ ገለ’ውን ዝጐደለ እናኣመቱ ሃናጺ ርእይቶታቶም ዝለገሱ በጺሑና። ብርግጽ እዚ መጽሓፍ’ዚ መጀመርን ካልኦት ንኽጽሕፉ ዘተባብዕን እምበር፡ ንዅሉ ኣማሊኡ እዩ ቀሪቡ ዘሎ ዝብል ዕግበት ንሕና’ውን የብልናን። በዚ ኣጋጣሚ ካልኦት ደረስቲ ንዝተወሰደ ተበግሶ ተኸቲሎም ተሞክሮኦም ንኸካፍሉ ኣብነት ክኸውን ተስፋ ንገብር። ንሕና’ውን ጻዕርናን ምትሕብባርናን ቀጻሊ ምዃኑ ነረጋግጸሎም።

እቲ ዝስዕብ ሕቶ፡ ናይ መጽሓፍ ኣታዊ ንምንታይ ኮን ይውዕል ይኸውን ዝብል ክኸውን ስለዝኽእል፡ ብመጀመርታ ንሕና ኣብ እንነብረሉ ዘለና ሃገራት ናይ መነባብሮ ጸገም ስለ ዘየብልና፡ ካብ ሽያጥ መጽሓፍ ክንረብሕ ኢና ዝብል ሓሳብ ኣይነበረናን የብልናን ድማ። ታሪኽ ቃልሲ ህዝብና ካብ ምዕቃብ ሓሊፉ፣ በዚ ክዓቢ ይኽእል እዩ ዝብል ፖለቲካዊ ዕላማ’ውን ስለዘይጸንሓና፡ ሽያጥ መጽሓፍ ንወጻኢታቱ ድሕሪ ምሽፋኑ፤ ኣብ መማዕበሊ ስነ-ጽሑፍ ብፍላይ ንምስናድ ታሪኽን ቃልስን ህዝቢ ኤርትራ ዝካየድ ቀጻሊ ንጥፈታት ዝውዕል ንምትሕብባር፤ ከምኡ’ውን ኣብ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ወዲ-ሸሪፎይን መደበር ውጉኣት ሓርነት ከሰላን ክውዕል ከነወፍዮ ምዃና ነረጋግጽ። ስለዚ ኸኣ፡ እቶም ነቲ መጽሓፍ ዝዘርጋሕኩምን ዝገዛእኩምን፡ነቶም ወትሩ ሓገዝ ክፍለዮም ዘይግብኦ ኣሓትን ኣሕዋትን ኩልና ዝኾኑ ኤርትራውያን ስለዝሓገዝኩም ክትሕበኑ ይግባኣኩም።

ምስ ሰናይ ትምኒት!
ድራር ማንታይ
ንጉሰ ጸጋይ
ፍስሃየ ሓጎስ

Last modified on Wednesday, 22 March 2017 22:05