ዝያዳ ኣድህቦ ነቲ ቀዳማይ ዕማም ቃልስና

2016-09-08 14:55:34 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2475 times

ብዙሕ ግዜ  “እዞም ተቓወምቲ ሰልፍታት ወይ ውድባት እንታይ ዕላማ’ዩ ዘለዎም” ዝብል ሕቶ ይቐርብ እዩ። እቲ ሕቶ ከም ሕቶ ዝጽላእ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ እቶም ከምኡ ኢሎም ዝሓቱ እንታይ ክፈልጡ ስለ ዝደለዩ እዮም ከምኡ ኢሎም ዝሓቱ ዝብል’ዩ ክምለስ ዘለዎ። ካብዚ ነቒልና እምበኣር እቲ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ዝደልዮ ክፈላለ ከምዝኽእል ግምት ክንረክብ ይከኣል እዩ። በዚ ዝኣክል እቲ ዝሓትት ገሊኡ ድሌታት ንብሄር፥ ንሃይማኖት፥ ንኣውራጃ ወይ ኣውን ንትሒዘ-ጸኒሕ (conservative) ዝሓስቡን ዝውክሉን ክኾኑ ከለዉ፡ ገሊኡ ከኣ ንህዝቢ ኣተሓቛቚፉ ዘተሓባብር ግዝኣተ ሕግን ቅኑዕ ምሕደራን ዝኣምን እዩ።

ነዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ  ሕቶ ዝሓትት ነፍሲ ወክፉ ነናቱ ዕላማን ኣተሓሳስባን ክህልዎ ዝኽልክሎ የለን። ግንከ እቲ ኣተሓሳስባ ክሳብ ክንደይናይ እዩ ነቲ ሕብረተሰብ ዝፈላሊ ወይ ዝተሓቛቚፍን፥ ዘሳንን ምምማይ ናይ ብልህነት ባህሪ እዩ። ኣብዚ ኩነታት እዚ ነቲ ካብ ስኒት፡ ምትሕብባርን ምትእስሳርን ኣርሒቑ ዝምርሽ ሓሳብ ወይ ዕላማ ነቲ ቀዳማይ ክኸውን ዝግበኦ ንድሕሪት ይጎቶ’ሞ ነቲ ዓወት ኣብ ክንዲ ዘቀላጥፍ የዛሕትል ወይ ከኣ ናይ ሓባር ዓወት ንምርግጋጽ ዘሎ ተኽእሎ የዳኽሞ።

ብካልእ ሸነኽ ከኣ እቲ ስልጣንን ሓላፍነትን ምውሳን ናይ ህዝቢ ምዃኑ ብምስሓት ባዕሉ እንተስ ብውልቀ እንተስ ብእኩብ እዚ እዩ ክኸውን ዘለዎ ብምባል፡ እቲ ቀዳማይ ዕላማ ተጐስዩ ከምዝሕለፍ ይገብሮ። ብዘይካ’ዚ ነተን ሰልፍታት ብግቡእ ከለልየንን ክፈልጠንን ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ ይበጽሕ እሞ፡ ንኹሉ ብኣልማማ ክርቢት ሸርጢጡ የንድድ። እቲ ቀዳማይ፡ ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃ ክሕዝ ዝግበኦ ጉዳያት ብምድውዋስ  ዝስዕብ ፍልልያትን ምግርጫዋትን ከኣ ነቲ ሃገራዊ ስምዒት ይኹን ነቲ ቅኑዕ ራኢ ሒዙ ንኽቃለስ ዝተወደበ ዘዕንቅፍን ዝሃስን ይኸውን።

ንኣብነት ገሊኡ ኣብ ዲያስፖራ ወይ  ወጻኢ ዝቕመጥ ኤርትራዊ ዜጋ፥ ኣየነይተን ሰልፊ ወይ ውድብ እያ ናይ ቀረባን  ርሑቕን ዕላማኣ ሓንጺጻ ዘነጸረት ንምፍላጥ ኣብ ክንዲ ምጽዓር ንኹለን ከነኣእስን ክቆናጽብን እዩ ዝህንደድ። ነዚ ንምትግባር ከኣ ንሓንሳብ ሰውራ ኤርትራ ሽፍትነት እዩ ነይሩ፥ ሃገርና ልኡላውነት የብላን፥ ሓንሳብ ሰማያዊትዶ ወላ ሕብርታት ዝበዝሓ ባንደራ፡ ዝብሉ ወረታት ኣብ ዝነዝሓሉ እንተዘይርዒምካል ንዓኡ በዓል ዕላማን ራኢን ኣይኮንካን። በዚ ኣካይዳ ካብቲ ብሓባር ኰይንና ክንቃልሶ ዝግበኣና መላኺ ኣተሓሳስባ ስርዓት ህግደፍ  ወጺእና ኣብ ጓል ነገር ስለ ዘህውትተና፡ እቲ መላኺ ስርዓት ብኮራርምቱ ክስሕቕን ናይ ስልጣን ዕድሚኡ ከናውሕን ዕድል ንኸፍተሉ ከም ዘለናን ከነስተብህል ይግበኣና።

ኣብዚ ግዜ እዚ ብፍላይ እቶም ምስ ህዝባዊ ግምባር ዝቃለሱ ዝነበሩ’ሞ ነቲ ውድብ ብግቡእ ዝፈልጥዎን ዘይፈልጥዎን ዱድ ክብሉ ከለዉ እቲ ሰማዒ ከኣ ቃልሱ ኣንጻር መላኺ ስርዓት ገዲፉ ሓዲሽ ዘይተሰሞዐ ታሪኽን ተግባርን ግዲ መሲልዎ፥ ነቲ ንሎሚ መሰረታዊ ዘይኮነ ክሰምዕ ግዜኡን ጉልበቱን የባኽን። እዚ ከኣ ንረብሓ እቲ ብኢደ ወነኑ ስልጣን ጨቢጡ ዘሎ ስርዓት ኢሳያስ እዩ ዝውዕል።

ሎሚ ነቲ ኣብ  ዝሓለፈ ተመኩሮና ዝፍጸም ዝነበረ ግፍዓታትን ጌጋታትን ክዝንቶ እንከሎ ንብድሕሪ ሕጂ ከምኡ ዝኣመሰለ ከይድገም ክንመሃረሉ እምበር፡ ንሕሉፍ ክንፈርድን ክንቀጽዕን እንተዀንና እቲ ሕሉፍ ፈጺሙ ኣይቅየርን እዩ። ‘’ርእሲ ዝነኸሰካ ተመን ብምቕጥቃጥ ቁስሊ ኣይሓውን እዩ’’ ከም ማለት እዩ። ባንደራ ትንደድ ትቀደድ፥ ግፍዕታት ይዘርዘር ኣይዘርዘር፥ ናይ ፈደረሽንዶ ናይ ህግዲፍ ባንደራ ምውድዳር፡ ሰውራ ኤርትራ ሽፍትነትዶ ነይሩ ኣይነበረን፥ ስውኣትዶ ኣገልገልቲ ኢሰያስ ንበሎም ኣይንበሎም፡ ዝብል ኮለል ነቲ ስርዓት ብምንም ዓይነት ዘዳኽሞ ዘይኮነስ መሊሱ ዘፈርዝኖ እዩ። ብኣንጻሩ ንዓና ካብቲ  ቀዳማይ ዕላማና ዘስሕተና ስለዝኾነ እቲ ጉዳይ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ጽባሕ ሓላፍነት ምዃኑ ኣሚንና፡ ቀዳማይ ኣድህቦና ኣንጻር’ቲ ወግሐ ጸብሐ ህዝብና ንምጽናት ተዓጢቑ ዘሉ መላኺ ስርዓት ምውዳቕ ክኸውን ይግበኦ።

ነዚ መላኺ ስርዓት ከመይ ነልግሶን ኣብ ክንድኡ ከመይ ዝበለ ምሕደራን ፍትሕን ክነንግስ ኢና ኣብ ዝብል ፍልጠትና ክነዕሙቚን ዓቕምና ክንድልብን እዩ ዝግበኣና። ነተን ኣብ መስርዕ ቃልሲ ዘለዋ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ሓደ ብሓደ ብዘለወን ዘለወን ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን ግብራዊ ምንቅስቓሰንን  ክነጽንዐንን ኣካል’ተን ዝመረጽናየን ኮይና ክንስለፍን ይግበኣና።

 

Last modified on Thursday, 08 September 2016 16:58