ናብራኻ ዘይትገብር እንታይ ገደሰካ ኔው በሎ ፖለቲካ

2016-09-07 03:43:48 Written by  ሰሎ ሙን ገብረእየሱስ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 11114 times

እንታይ በልኩም? “እወ ናብራኻ ዘይትገብር እንታይ ገደሰካ ኔው በሎ ፖለቲካ። እዚ ህዝቢ’ዚ ኢሰያስ ከማን ክውሕዶ።” ይብሉኻ ወይ እቶም ንነገራት ከመዛዝኑ ዘይከኣሉ ናይ ልቢ ፈተውትኻ ወይ ድማ እቶም ኮሓልቲ መሲሎም መንቆርቲ ከባኹሩኻ ዝደለዩ ሰብ ዕላማ። ኣየናይ ፖለቲካ’ዩ ምስ እትብሎም እዚ ንስለ ወጽዓን ምረትን ህዝብኻ ዓው ኢልካ ይአክል ባርነት ቅዋማዊ ስርዓት ይተኸል ኢልካ እተስምዖ ድምጺ ምዃኑ’ዩ እቲ ፖለቲካ። እቲ ግደፎ ፖለቲካ ናብራኻ ግበር እናበልካ ንደቂ ሰባት ካብ ቁኑዕ ሕልናዊ መስመር ዘልሓጥ ንኽብሉን ቃልሲ ውጹዓት ኣይ ንላዕሊ ኣይ ንታሕቲ ዞርሞ ዞርሞ ክተርፍ ምቅላስ ግና ዝገደደ መርዛም ናይ ዕንወት ፖለቲካ ምዃኑ ዝነግሮም ዝሰኣኑ እዮም ዝመስሉ እዞም ውዲት ኣዋዲዶም ቃላስን ተቓለስትን ከባትኹ ህርዲግ በሃልቲ። እዞም ሰባት መን’ዮም ኢልካ ብደቂቕ እንተመርሚርካዮም ገሊኦም ካብ ሕኸኸኒ ክሓከካ ህግደፋዊ ሰንሰለት ሓራ ዘይወጹ ንነብሶም ቦኺሮም ንተቓላሳይ ዘባኹሩ ክኾኑ ከለው፤ ገሊኦም ድማ ብውድቀት ህዝቢ ኤርትራ ከበሮ ሓምሓሞም ዝወቕዑ ህዝቢ ኤርትራ ተቓሊሱ ክብሩ ከየምልስ ኩሉ ጊዜ ክሳዱ አድኒኑ ክነብር ዝምነዩ ኣብዚ ተዳኺምናሉ ዘለና እዋን ኣብ ሞንጎና ኣትዮም ፋሕ ብትን ዘእትውልና ዘለው ብናይ መንነት ቅልውላው ዝሕመሱ ኮይኖም ይጸንሑኻ።

ሓደ ሰብ ናብ ቃልሲ ዝጽምበር ንነብሱ ኮይኑ ናብርኡ ገጥ አቢሉ እዩ ንህዝቡን ሃገሩን ዝቃለስ። እሞ ንሓደ ንናብራ ዓለም ሲዒሩ ንህዝቡ ከማን ዝተረፈ በዓል ሕልና ናብራኻ ግበር ምባልሲ ጸርፊ ዶ ዋላስ ሓልዮት። እቶም ናብራኻ ግበር እንታይ ገደሰካ ዝብሉ ሰባት እንታይ ፉሉይ ዓይነት እዮም ዝነብሩ ንነብሶም እንተተባህለኸ እንታይ ክኸውን እዩ እቲ መልሲ። ኣብዚ ቃልሲ ንፍትሕን ዲሞክራስን እኮ ክንደይ ሊቀ ሊቃውንቲ ሙሁራት፡ ጻዕረኛታት ሸቃሎ፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ተመሃሮ ብሓፈሽኡ ኮታስ ስድራ ዘመሓድሩን ዘመሓድራን ብሉጻት ዜጋታት ዝመልኤ እዩ። እሞ እዞም ኩሎም ምሩጻትን ብሉጻትን ዜጋታትናኸ ናብራኦም ኣይገብሩን እዮም ዘለው ማለት ዲዩ? ዶስ እዞም ናብራኻ ግበር እንታይ ገደሰካ ኢሎም ዝጉስጉሱ ናይ ዘመና ካድራት ንሕና ዘይንፈልጦ ብዓይንና ዘይንርእዮ ብእዝንና ዘይንሰምዖ ኣብ ገነት እዮም ዝቕመጡ ዘለው። ፍትሓዊ ቃልስና ክንደይ ናይ ናብራን ህይወትን ዕውታት ሓላፍነት ህዝቢ ዝተሰከሙ ባህራት ዝሓቖፈ ክንሱ ማንም ኣፉ ዝሃቦ ንናብርኡ ኣብ መስትያት ክርኢ ዘይክእል ግደፎ ንህዝቡ ክተርፍ ንነብሱ ከመሓድር ዘይክእል ሰብ ክወራዘየሎምሲ ምስ ምንታይ ክቑጸር ይከአል።

ሓደ እዋን’ዩ ሓደ ዝፈልጦ ሰብ ይረኽበኒ እሞ ጎሮሮና እንዳተርከስና ዕላል ንጅምር። ወዮ መተርከሲ ምስ በዝሐ ዓቃብ ዓቕሊ ሰራዊት ካብ ነብስና እንዳወጸ ምስ ከደ ወያ ሰበይ “ንስኻ ናብራኻ ዘይትገብር ካብዚ ፖለቲካ ዘይትወጽእ” ዝብል ድቦላ ዘረባ ሰንደወለይ። ናብራይ በልክዎ ብምግራም? እወ በለኒ ቁልቁል ዝኣፉ። ናብራይ ደአ ንስኻ ዲኻ ትነብረለይ ዘለኻ? ገለ ናይ ገዛ ኽራይ፡ ቀለበይን ቀለብ ስድራይን ዝተረፈ ወጻኢታተይ ኣዲኡ ትቑጸሮ ንስኻ ዲኻ ትሽፍነለይ ዘለኻ በልክዎ ኩነታቱ ኣግሪሙለይ። “እንታይከ ገደሰኒ፡ ኣነስ ሓልየልካ እየ እምበር” በለኒ ወልደፍደፍ እንዳበልው ሓውሲ ምንስሓብ ብዝዓይነቱ። ነገር ኣጉዱ ናበይ’ሞ ክኸይድ። ኣስዓብኩሉ ደአ እንድሕር ብዛዕባ ናብራይ ክንድዚ ትግደስ ኮይንካ እተን ሸጊሩኒ ኢልካ ካባይን ካብ እገለ ሓወይን ዝወሰድካየን እሞ ዓመተን ኣሕሊፈን ዘለዋ ልቓሕ ዘይትህበኒ በልክዎ ንወዮ ብጻይ ካድር ናብራኻ ዘይትገብር። ወይለይ ባዕለይ ሽግር ኣምጺኤ ኢሉ ነታ ባዕሉ ዝወልዓ ባርዕ ከጥፍእ ቀባሕባሕ ኮነ። ኣነ’ውን እዛ ዝሃብክዎ መርፍእ ትኣኽሎ እያ ኢለ ናብ ካልእ ኣርእስቲ ሰገርና። እንተታ ከርፋሕ ናብራ እስካፑሊ ኣብ ክልተ ብ ክልተ ሜትሮ ስቱድዮ ምስ ተረንሽዋ ምሉእ ልቓሕ ናይዚ ካድር ናብራኻ ዘይትገብር ግና ሰይጣን ከይሕጎስ ምስ ናብራ ቆጺረያ ክሓልፍ ይመርጽ።

እሞ አንቱም ሰብ ሕልና እዞም ናብራኻ ግበር፡ እንታይ ገደሰካ፡ ፖለቲካ ኔው በሎ ወዘተ እንዳበሉ ካብ ሕልናኹም ከህድምኹም ዝፍትኑ ሰባት ንባዕሎም እንታይ ናብራ’ዩ ዘለዎም ኢልኩም ተዓዘብዎም። ሰብ ንስለ ሕልና’ዩ ዝነብር እምበር ዓለም ደአ እንታይ ካልእ ትርጉም ኣለዋ። ደረፍቲ ዓድና ከማን ሰብ ንኸብዱ ጥራይ ኣይኮነን ዝነብር ዝበሉ ቀደም ኣብ ዘመነ እንእኒ ከምዚ ሎሚ ሕልና ኣገዳስነቱ ከይዓዘዘ። በዓል ኣንጆሊና ጆሊ፡ ብራድ ፒት፡ ጆርጅ ኩሉኒ፡ ሊዮናርዶ ዲ ካፕርዮ ዝኣመሰሉ ህቡባት ኣክተራት ሆሊውድ ጻዕዳ ኣሜሪካውያን ክንሶም መሰል ደቂ ሰባት ክኽበርን ህልቂት ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ደው ክብልን ግዜኦም፡ ጉልበቶምን ብሚልዮናት ዶላራት ዝግመት ንዋቶምን የጥፍኡ ኣለው። እዞም መባኾርቲ ካድራት ኣብ ጥቓ’ዞም ኣክተራት ክጽግዑ ዕድል እንተዝረኽቡ እንታይ ገደሰኩም ናብራኹም ግበሩ ዶ ምስ በሉዎም ነዞም ብናይ ግሊ ነፋሪት ዝገሹ አብ ምድራዊ ገነት ዝዓይነቱ መንበሪ ኣባይቲ ዝነብሩ ኣክተራት? ኣይምገደፉን ኣይታ መሕፈሪቶም እንዲያ ስፓናቶ ኮይና ኣሸጊራትና ዘላ።

በሉ እቶም ደቂ ገርሂ ልባ ነዞም ካድራት ናብራኻ ግበር ካብ ትሰምዑ ናብ ልብኹም ተመሊስኩም ነዚ ካብ በረኻታት ሰሃራ ዘቃልሕ ዘሎ ኣውያት ዕሸላት ኤርትራውያን ምስማዕ ቀጽልዎ። እዞም ኣብዚ ሓድሽ ዜና ካብ ሊብያ ናብ ሜዲተራንያን ክሰግሩ በቶም ዘይንታዮም ገበርቲ ሰናይ ኢጣልያውያንን ስጳኛውያንን ዝደሓኑ ዕምባባ ዝመስሉ ህጻውንቲ፡ ኣዴታትን መንእሰያትን ከመይ ዘየሕዝንኹም። ጠሊቖም እንተዝኾኑ ኔሮም ናይ ሓሶት ንብዓት ምንባዕ ስእልታቶም ኣብ ገጻት ፌይስ ቡክ ምልጣፍ እንታይ ዋጋ ኣለዎ? ነዛ ቁሩብ ቁራቦ ንገብራ ነዛ ካብ ባሕሪ ብጭልፋ ሓገዝ ብዙሕ ምስምስ  አይንድለየላ። ማዕረ ሂወቶም ኣሰናኺሎም ምሉእ ናብርኦም ረሲዖም ዝቃለሱ ሰባት እንተዝህልውና ኔሮም ህግደፍ ቀደም ተዓዚሩ ምስ ሃለወ ኔሩ። እቶም አብዚ ቃልሲ ብምሉእ ዓቕሞም ዝቃለሱ ዘለው ሰባት ኣዝዮም ውሑዳት እዮም ንሱ’ውን ነቶም ካብ ህዝቢ ተዓሪፋ እንዳተሸረፉ ዝቃለሱ ሓዊስካ። ኣብ ፈቖዶ መዘናግዒ ቦታታት ክንደይ ኣሽሓት ዶላራት ነጥፍእ ንሽንቲ ንቢራ፤ እንድሕር ንፍትሕን ንመሰልን ንእሽቶይ ገንዘብ ኣዋጽኡ ተባሂልና ድማ ንምንታይ እዩ ጸላዕላዕ ዝብለና።

ዘመኑ ዘመን ህዝብን ሃገርን ኣድሕን እምበር ዘመን ፖለቲካ ኣይኮነን። ፖለቲካ ገና ዘይበጻሕናዮ። ዋላ እንተደለናዮ እኮ ኩልና ፖለቲከኛታት ክንከውን ኢና ማለት ኣይኮነን። ነዚ ፍቖዶ ሰሃራን ባሕርን ዝጸንት ዘሎ ጽባሕ መተካእታ ዘይብሉ ህዝቢ ነድሕን። ህዝቢ ድራር እለት ሲኢኑ ብልመና እዩ ዝመሓደር ዘሎ። ጎራዙት ዓድና ብሰንኪ ስእነት ዕለታዊ እንጀራ እቲ ኣብ ባህልና ጹዩፍ ዝራሕ ምንዝርና ክሰርሓ እንዳረኣና ቁልፍና ሸጥ ከንብሎ እምበር ከነዝልቖስ ኣይግብርን።፡ዳሕራይ ፖለቲካን ምሕደራን ምስ ተጀመረ ቅዋማዊ ስርዓት ምስ ተተኸለ ኣነ ፖለቲከኛ ኣይኮንኩን ኢልና ጸግዕና ንሕዝ ምርጫና እንድሕር ኮይኑ። ፖለቲካን ሕልናን በበይኑ ምዃኑ ኣይንስሓቶ። ሕልና ዘለዎ ሰብ እቲ ዕድለኛን ቅንዑን ሰብ ጥራይ እዩ። ጉዳይ ህዝብና የገድሰና ፈረቓን’ዩ ንበል። እቶም ብዛዕባ ናብራ ናይቶም ሰብ ሕልና ተቓለስቲ ትሻቐሉ የቐንየልና የግዳስ ናብራኹም እንተገበርኩም ይሓይሽ።

ሰሎ ሙን ገብረእየሱስ 

ኦክላንድ ካሊፎርንያ         

Last modified on Wednesday, 07 September 2016 06:00