እታ ንስለ ክብራ ሓፋሽ ዝወደቑላ

2016-08-25 03:06:40 Written by  ሰሎሙን ገብረእየሱስ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2264 times

ንእሽቶይ ዓዲ መቐነይ ነይትስእን ከምዝብሉዎ፤ ሰብ ዲያስፖራ ኤርትራውያን መቐነይ ረኺብና ቀኒና ብሰንኪ ሓንቲ ባንዴራ ብሓደ ኤርትራዊ ምቅጻላ ምኽንያት። እቶም ንዙረት ወይ ዕብዳን ዓዲ ምስ ከዱ’ሞ፤ ኣሸበሸብ ወያኔ ኣብ ከባቢ ጾሮና ወይ ከባቢ ባድመ መጥቃዕቲ ጀሚራ እንድሕር ሰሚዖም ናይ መምለሲ ኣየር ቲኬቶም ኣተዓራርዮም ካብ ኤርትራ ክህድሙ ከም ፍሊት ዝተነፍሓሉ ሃመማ መውጽኢ ቀዳዳት ሃሰው ዝብሉ አምሰሉታት ባንዴራና ተቓጺላ ኢሎም ንብዓት ሓርገጽ ምንባዖም ዘገርም ኣይኮነን። እቲ ዘገርም እዚ ደምበ ተቓውሞ ንሰለ ማሕበራዊ ፍትሕን ንልዕልና ሕግን ደው ኢለ ኣለኹ ዝብል ካብ ሓደ ጽውጽዋይ ናብ ካልእ ሓሸውየ ክነጥር ጊዜ ይዓርቦ ምህላው እዩ።

እዛ ሕጂ ንህዝብን መንግስት ኤርትራ ወኪላ ኣብ ፍቖዶ ው.ሕ.ሃን ሓድነት ኣፍሪቃን ካልእን ተሰቒላ ዘላ ባንዴራ ናይ ኢሰያስ ወይ ናይ ህግደፍ እያ ዝብል ርእይቶ አብ ዝሓለፉ እዋናት ተላዒሉ ለባማትን ሙኩራትን ተቓለስቲ ነቲ ሕቶ ብደቂቕ ርእዮምን መርሚሮምን፤ ጉዳይና ጉዳይ ጨርቅን ሕብርን ዘይኮነስ ጉዳይ ዲሞክራስን ፍትሕን እዩ። ነዚ ሕቶ ናይ ባንዴራ ዝምልስ ኣካል ድማ ካብ ህዝቢ ናብ ህዝቢ ዝተመርጸ ሕጋዊ ዲሞክራስያዊ ብወከልት ህዝቢ ዝቖመ ቅዋማዊ መንግስቲ እዩ ኢሎም ሰናይ መዕለቢ ካብ ዝገብሩሉ ነዊሕ እዋን ኮይኑ። እቶም ናጽነት ዓዶም ክርእዩ ማዕጾ ዝተረገጦም ገዳይም ተቓለስቲ ልቢ ኣዕብዮም ንኹሉ ሓቆፍ ቃልሲ መታን ክህልወና ነቲ መሪር ግናኸ ወሳኒ መድርኸ ኣሜን ኢሎም ተቐቢሎም ቃልሲ ንሓርነት ኣብ ሕጋዊ ቦትኡ ስጋብ ዝበጽሕ ክልቲኤን ባንዴራታት ማዕረ ንማዕረ ክስቀላ ዝበጽሕዎ ስምምዕ እውን አዝዩ ደስ ዘብል ውሳኔ ኔሩ።

እቶም ነዚ ገዲም ወለዶ 40ታት 50ታት 60ታትን ምስዚ ሓድሽ ወለዶ 70ታት 80ታትን 90ታትን ከነላግቦ ዝተበገስና እውን ነዚ ቁዱስ ሓሳባት ኣቦታትናን ኣዴታትናን ተቐቢልና ነቶም ዝፈላልዩና ርእይቶታት ዕሽሽ ኢልና ናብቶም ዘቀራርቡና ጉዳያት ጸቒጥና ክንሰርሕ መሪጽና። ነዘን ክልተ ባንዴራታት ድማ ኣብ እንገብሮ ኣኼባታትን ሰልፍታትን ተሰኪምናየን ብዘይ ዋላ ሓደ ጸገም ክንጉዓዝ ጀሚርና። አብዚ ቀረባ እዋን ግና ኣይግድን ሓደ ሓደ ሰማያዊት ባንዴራ ኣውሊዕ ልዕሊ ሰቦም ትብጽሖም ዝመስሎም ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብኹሉ ሸነኻቱ ክርእዩ ዘይክእሉ ካብ ዘመነ ሓራካን ጀብሃ ዓባይን ኣርሒቖም ክሓስቡ ዘይክእሉ ጸበብቲ ሕሉፋት ነዚ እንትርፎ ስምዒት ካልእ ንቕሓት ኮነ ርድኢት ክውንን ህልዊ ኩነታት ኤርትራ ዘየፍቀዱሉ ብወፍሪ ባርነት ህግደፍ ዝተዳኸመ መንእሰይ ተጠቂሞም ፈላላዩ መርዚ ኣብ ምንዛሕን ስቓይ ህዝብና ኣብ ምንዋሕን ይርከቡ። ንተቓለስቲ ደቂ ሃገር ሽርሕታት ኣዋዲድካ ካብ ቃልሲ ንምውራድ ዝተገብረ ከንቱ ፈተነ ዘስዓቦ ዕንወት ከይሓወየ ሕጂ ካብ ሰብ ይውረድ ናብ ባንዴራ ትውረድ ምብጻሕና ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ። እዚ ዘለናዮ ዘመን ትንፋስ ዘይህብ ህዝብን ሃገርን እተድሕነሉ ቀራና እዋን እምበር ነቲ ጊዜኡ ዘሕለፈ ሕንቅል ሕንቅሊተይ ጀብሃን ሻዕብያን እነቃንየሉ ጊዜ ኣይኮነን።

እዛ እዋናዊት ባንዴራ ኤርትራ ከመይ ኣቢላ እያ ባንዴራ ኢሰያስን ህግደፍን ትኸውን ?

እዛ ባንዴራ መቦቆላ ናይ ህ.ግ ኣርማ ምዃኑ ርዱእ እዩ። ህ.ግ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ሙሩጻት ደቁ ከፊሉ ናጻ ክወጽእ እንከሎ መሪሕ ተራ ዝተጻወተ ውድብ ምዃኑ ክርሳዕ የብሉን። ብዘይ ምግናን ኣብ ናጽነት ቀረበ ቀረበ ዝበሃለሉ ዝነበረ እዋን ዳርጋ ኩሉ ኤርትራዊ ብኹሉ ዓቕምታቱ ኣካል ህ.ግ ኮይኑ ስለዝተቓለሰ እምበር ህ.ግ በይኑ ኮይኑ ናጽነት ኤርትራ ከውሕስ ምንም ዓቕሚ ኣይምሃለዎን። ተጋደልቲ ተ.ሓ.ኤ እውን እንተኾኑ ነቲ ሕሉፍ ጽልእን ቅርሕንትን ንጎድኒ ገዲፎም ጸሓይና መሊኣ ንኽትበርቕ ከካብ ዝነበርዎ ሃገረ ስደት ኣብ ጎድኒ ህ.ግ ምስላፎምን ምስውኦምን እዚ ግንባር እዚ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ግምባር እምበር፤ ናይ ኢሰያስን ናይቶም ጊዜ ዘይተርክቦም ዝመስሎም በብእዋኑ ዝብሉዑን ዝእሰሩን ዘለው ኣገልገልቲ ኢሰያስ ዝነበሩን ዘለውን ፈጻሚትን ማእከላይ ሽማግለን ግንባር ኣይነበረን። እሞ እዛ ባንዴራ እዚአ ካብ ህዝቢ መንዚዕካ ንውልቀሰብን ንመዳኸርቱን ራሕሪሓካያ ምኻድ ተሰዓርነት ጥራይ እዩ ዝኸውን። ነዛ ኣእላፍ ጀጋኑ ዝወደቑላ ባንዴራ ጽባሕ ንግሆ ምቕያራ ብሓፋሽ እንተተመርጸ ድማ ብኽብሪ ክትወርድ እዩ ዝግብኣ እምበር፤ “ሕነ ቀራናት ንጓዕማማት” ዝዓይነቱ ምቅጻል ትርጉም ኣይህልዎን።

እዛ ባንዴራ ዕላዊት ካብ ትኸውን ጀሚሩ ክንደይ ታሪኻዊ ፍጻመታት ብሰንኪ ተረኽቦታትን ዓንዳሪ ኣካይዳ ኢሰያስን ኣጋጢሙና እዩ። ንኣብነት ጠንቁ ብዘየገድስ ኵናት ምስ የመን ብሰንኪ ደሴታት ዙቑር ሓኒሽ፡ ኵናት ምስ ሃገረ ሱዳን፡ ዶባዊ ኵናት ምስ ኢትዮጵያን ጁቡትን ተኻይዱ እዩ። እዚኦም ኵናታት ዋላ ኢሰያስ ይወልዓዮም ብዘየገድስ እቶም በጃ ህዝብን ሃገርን ዝተሰውኡ ደቂ ሃዝቢ ናይ ህዝቢ እመበር ናይ ኢሰያስ ስውኣት ኢልካ ምምዳቦም ፖለቲካዊ ተልሜደንንነት እዩ ክበሃል ዝከአል። ንምንታይከ ነቶም ስድራ እዞም ስውኣት ክትንክፍ ዝኽእል ተኣፋፊ ሕቶ አምጺእና ቁስሊ እዞም

ኣቦታትን ኣዴታትን ንጎድእ። ነቲ ኵናት ደው ከብልዎ ወይ ክቃወሙዎ ዝነበሮም እቶም ሓላፍነት ናይ ህዝቢ ተሰኪሞም ክንሶም ኢሰያስ ስረኦም ዘፍትሖም ስማውያን ሚኒስተራትን ጀነራላትን እምበር እቶም ብዘይ ኣፍልጦ ሃገር ተወሪራ ተባሂሎም ኩቡር ዋጋ ዝኸፈሉ ስውኣት ኣይኮኑን። እሞ እዞም ስውኣት ክቕበሩ እንከለው ዝለበስዋ ባንዴራ ናይ ህዝቢ ዶ ዋላስ ናይ ኢሰያስን ህግደፍን።

እቶም ኣብ ታሪኽና ንዘንተ እለት እንዝክሮም ከም ኣቦና ወልደኣብ ወልደማርያምን ዑመር ሃኪቶን ዝኣመሰሉ ተቓለስቲ ክቕበሩ ከለው ቃሬዛኦም ዝሸፈነ ባንዴራ ከመይ ዘይባንዴራና? ድሕሪ ናጽነት እንተኾነ እውን ክንደይ ሓቀኛታትን ፈተውቲ ህዝብን ደቂ ሃገር ዝኾኑ ተጋደልትን ፍሉጣት ስነጥበበኛታትን ሬሳኦም ምስ ዘሰነይት ባንዴራ እንታይ ጽልኢ ኣለና? ኣትሌታትና ንመቃዳድምቶም ራሕሪሖም ብዓወት እንክኣትው ክብርናን ዝናናን ሓፍ እንከብሉ ዘምበልብሉዋ ባንዴራስ ንመን ኢኹም ክትህብዋ ደሊኹም? ነቲ ኤርትራን ህዝባን ንመጻኢ ክህሉው ዘይደሊ በላዕ ሰብ ኢሰያስ? እንድዒ ጌጋ ደአ ይኽለኣለይ እምበር ኢሰያስ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ንላዕሊ ንደምሒትን አርበኞች ግንቦት ሰባትን ዝፈቱ ካብዛ እዋናዊት ባንዴራና ንላዕሊ ነታ ቀጠልያ ብጫ ቀይሕ ዝሕብራ ባንዴራ ኢትዮጵያ ዘለዎ ፍቕሪ ዝዓቢ ኮይኑ እዩ ዝስመዓኒ።

ትርጉም እዋናዊት ባንዴራ ኤርትራ

ትርጉም እዋናዊት ባንዴራ ኤርትራ እንድሕር ብዕምቆት ካብ ስሚዒት ወጺና ርኢናዮ ካብታ ናይ ፈደረሽን ባንዴራ ዘይንእስ ትርጉም ዝሓዘለ እዩ። ንጸጋታት ባሕርና፡ ንዝኸፈልናዮ መስዋእቲ፡ ንእንምነዮ ልምዓትን ብሩህ መጻእን ዝሓዘለት ባንዴራ እንታይ ኣበሳ ኣለዋ እንትርፎ መራሕቲ ህግደፍ ዘውርዱልና ዘለው ኣደራዕ። እዚ ክብል ከለኹ ምስ ኣውሊዕ ባንዴራና ምንም ዘጻልእ ጉዳይ የብለይን ምስ’ዛ ባንዴራ ኣቦታተይ ኣባሓጎታተይ። ድሕሪ ናጽነት ንሳ ቀጺላ ኔራ እንትትኸውን እውን ደስ ምስ በለኒ ኔሩ ካብዚ ሕጂ ንሰምዖ ዘለና ዘይተደልየ ገልታዕታዕ ከማን ምደሓንና ኔርና። የግዳስ ንሳ ካብ እትወርድን ካብ እትትካእን ርብዒ ዘመን ተቖጺሩ እዛ ሓዳሽ ባንዴራ ካብ እትመጽእ ጥራይ ሚልዮናት ኣእላፍ ተወሊዶምሲ ዓብዮም ከማን። እሞ ሕጂ ልዕሊ 80% ኤርትራዊ ብዛዕባ እታ ዝሓለፈት ባንዴራ ምንም ዝጭበጥ ኣፍልጦ ዘይብሉ ክንሱ ኣውሊዕ እንዳበልካ ምጉስጓስ ምስ ምንታይ ክቑጸር ይከኣል። እንድሕር አውሊዕ ክትምለስ ተደልዩ እውን መርሓባ ኢልና ክንቅበላ እንታይ ጸገም ኣለዎ ጥራይ ህዝቢ ይምረጻ እምበር። እሞ እዚ ካብ ኮነ እቲ ሓቂ ንምንታይ ኢኹም ዘይትገድፍዎ ነዚ ህዝቢ ካብ ወግሐ ጸብሐ ፋላላዩ ነገራት እንዳምጻኹም ነቲ ባይታ ዘቢጡ ዘሎ ምትእምማን ቃልስን ደቂ ሃገርን መሊስኩም ትሕቲ ባይታ ትቐብርዎ።

ሓደ ካብቲ ዝቐርብ ብዛዕባ እዛ እዋናዊት ባንዴራ ርእይቶ እንታይ ዝብል’ዩ፤ ኣክንዲ ቀጠልያ አውሊዕ ዝሓረረት ብጫ ዝሕብራ ኣውሊዕ ዝሓዘት እያ ዝብል ምስ ሰማዕኩ ከይገረመኒ ኣይተረፈን። እዋይ ኣንታ እንታይ እዩ ወሪዱና ክትብል ትግደድ። ባንዴራ ዓለማት ከይድካ ክትርእይ ድማ ትግደድ። ባንዴራ ኣልጀርያ ቀይሕ ወርሒ፡ ባንዴራ ጋና ጸሊም ኮኾብ፡ ባንዴራ ካናዳ ቀይሕ ቆጽሊ ተሰሊመን ምስ ረኣኻየን ደቂ ዓድና እንታይ ምስ በሉ ዜጋታት ናይዘን ሃገራት እንተዝኾኑ ትብል። ቀይሕ ወርሒ ወይ ጸሊም ኮኾብ ዝብሉዎ የለን ኢሎም ዶ ምስ ሞገቱ? ወያ ንነብሳ ኮይና ነዓና ከማን ስርናይ ሊኢኻ ዘዕበየትና ካናዳኸ ቀጠልያ ሰዊት ስርናይ እምበር ቀይሕ ቆጽሊ ኣይግበአን ኢሎም ኣብ ፈይስ ቡክ ኵናት ከይጅምሩ’ውን ትፈርሃሎም።

ዊዒልና ሓዲርና ፍቕሪ እዩ ዝስዕር

ደገፍቲ ህግደፍ ብፍላይ ድማ እቶም ካብ ሓሙሽተ ሜትሮ ኣርሒቖም ክሓስቡ ዘይክእሉ በሃማት ስሕዋትን ነዛ ባንዴራ ኣብ ቆቢዕ፡ ክራቫታ፡ ካሚቻ፡ ዙርያ፡ ነጸላ፡ ሻርባ፡ ጽላል ወዘተ ኣስፊሮም ከምታ አመሎም ከኹድዱ እንተራናዮም ዋላ’ኳ ንግዜኡ ብልጭ እንተበልና ብዙሕ ክንግደሰሎም የብልናን። ንሶም እኮ ካባና ዝገደዱ ኣንጻር ሕልንኦም ዝቃለሱ ውሽጦም ሑሩራት እዮም። እንድሕር ከይተሓለልና ፍቕሪ ኣርእናዮም ናብና ዝመጹሉ መዓልቲ ርሑቕ ኣይኮነን። ባንዴራ ምቅጻል ድማ ነቲ ኣብ መንጎ ደገፍትን ተቓወምትን ዘሎ ቅርሕንቲ ከጋድድ እምበር ምንም ካልእ ረብሓ የብሉን። ነዛ ባንዴራ ድማ ንስኻ ኣንታ ደላይ ለውጢ ምስ መዛኑኻን ብጾትካን ኢኻ ኣብ ፍቖዶ በረኻን ጣሻን ወዲቕካላ። ትማሊ ትማሊ ንክረምቲ ናብ ኤርትራ ክመጹ ከለው በለስ ኢልካ ትጽውዖም ዝነበርካ ናይ ትርፊ ጊዜ ሃገራውያን ብምንም መለክዒ ነዛ ባንዴራኻ ክግብቱ ኣይበቕዑን እዮም። ሰማያዊት ኣውሊዕ ባንዴራኻ ሕድሪ ስለ ዘጽናዕካ፤ እዛ እዋናዊት እውን ባንዴራኻ ብኣኣ ጠቕሊልካ ብጾትካ ስለዝቐበርካ። እንታይ ገደሰካ ብጨርቂ ብሽፎን ትዛረብ። ትማሊ ትማሊ ወርሒ ሰነ ብድምጽኻ ንተልአቪቭን ጀነቫን ዘንቀጥቀጥካ ውጻእ መዓት ከመይ ጌረ ንበድኒ ህግደፍ ይቐብር ኢልካ ሕሰብ እምበር፤ ከም ሽንቲ

ግመል ጨርቂ ትንደድ አይትንደድ ክትብል ጊዜኻ ከተዕርብ ኣየምሕረልካን እዩ። ህዝብና ዘድልዮ ዘሎ ንኢሰያስን ጭፍርኡን ዘቃጽል ተባዕ ሃገራዊ እምበር ጨርቂ ኣቃጺልካ ዝመጽእ ለውጢ እንተዝህሉ፤ ኣዴታትናን ኣደ ዓባየታትናን ዝርካበን ሽፎን ኣኪበን ሓዊ ሮኪዔን ቃል ቃል አቢለን ከምታ ንናጽነት ሕጂ’ውን ቀደም ሓራ መውጽኣና ኔረን።

ሰሎሙን ገብረእየሱስ

ኦክላንድ ካሊፎርንያ

Last modified on Thursday, 25 August 2016 05:13